ትንቢት ዘካርያስ
   ትን.ዘካርያስ  ምዕራፍ 1
   1ብኻልኣይቲ ዓመት ዳርዮስ፡ በታ ሳምነይቲ ወርሒ ናብ ነብዪ ዘካርያስ ወዲ በረክያ፡ ወዲ ዒዶ፡ ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መጸ፡ 2እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣቦታትኩም ኣዝዩ ዀረየ። 3እምብኣርሲ ንስኻ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ናባይ ተመለሱ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣነ ኸኣ ናባኻትኩም ክምለስ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኢልካ ንገሮም።
   4ከም ኣቦታትኩም ኣይትኹኑ፡ንኣታቶም እቶም ቀዳሞት ነብያት፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ካብ እኩይ መገድኹምን ካብ እኩይ ግብርኹምን ተመለሱ፡ ይብል ኣሎ ኢሎም ነገርዎም፡ ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፡ ናባይ ከኣ ጽን ኣይበሉን፡ ይብል እግዚኣብሄር። 5ኣቦታትኩም ኣበይ ኣለዉ፧ ነብያትከ ንዘለኣለምዶ ብህይወት ይነብሩ እዮም፧ 6ግናኸ ንባሮተይ ነብያት ዝኣዘዝክዎም ቃላተይን ሕጋጋታይን ነቦታትኩምዶ ኣየርክቦምን እዩ፧ ንሳቶም ከኣ ተመልሱ እሞ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምቲ ብመጠን መገድናን ግብርናን ክገብረና ኢሉ ዝሓሰቦ፡ ከምኡ ገበረና፡ በሉ።
   7ብኻልኣይቲ ዓመት ዳርዮስ፡ ብመበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ በታ ሸባጥ እትበሃል መበል ዓሰርትወ ሓደ ወርሒ፡ ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ነብዪ ዘካርያስ፡ ወዲ በረክያ ወዲ ዒዶ፡ መጸ፡ 8ብለይቲ ርኤኹ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ሓመር ፈረስ እተወጥሐ ሰብኣይ፡ ንሱ ድማ ኣብቲ ትሕት ዝበለ ቦታ ኣብ ማእከል ኣእዋም ጸጾ ጠጠው በለ፡ ድሕሪኡውን ሓመራትን ጥርኝን ኣምባላያትን ኣፍራስ ነበሩ። 9ሽዑ ኣነ፡ ጐይታየ እዚኣቶምሲ እንታይ እዮም፧ በልኩ። እቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ፡ እዚኣቶም እንታይ ከም ዝዀኑ ኸርእየካ እየ፡ በለኒ። 10እቲ ኣብ ማእከል ኣእዋም ጸጾ ደው ኢሉ ዝነበረ ሰብኣይ ከኣ፡ እዚኣቶምሲ እቶም እግዚኣብሄር ንምድሪ ኽዘርዋ ዝሰደዶም እዮም፡ ኢሉ መለሰ። 11ንሳቶም ድማ ነቲ ኣብ ማእከል ኣእዋም ጸጾ ደው ዝበለ መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ ንሕና ንምድሪ ዞርናያ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኵላ ምድሪ ስቕ ኢላ ዓሪፋ ኣላ፡ ኢሎም መለሱሉ። 12ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ነዘን በተን ሰብዓ ዓመት እተቘጣዕካየን የሩሳሌምን ከተማታት ይሁዳን ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትምሕረን፧ ኢሉ መለሰ። 13እግዚኣብሄር ነቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ብጽቡቕ ቃላትን ብዘጸናንዕ ቃላትን መለሰሉ።
   14-15እቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ፡ ኣነ ብየሩሳሌምን ብጽዮንን ዓብዪ ቕንኣት ቀኒአ ኣሎኹ፡ ቅሩብውን ኰርየ ነበርኩ፡ ንሳቶም ግና ንሕሰም ሓጊዞም እዮም እሞ፡ ነቶም ሃዲኦም ዘለዉ ኣህዛብ ኣዝየ ዀርየሎም ኣሎኹ፡ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ኣውጅ፡ በለኒ። 16ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር፡ ኣነ ብምሕረት ናብ የሩሳሌም እምለስ ኣሎኹ፡ ይብል ኣሎ፡ ቤተይ ኣብኣ ኽትስራሕ እያ፡ ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ኽዝርጋሕ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 17እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ከተማታተይ ገና ብሰናይ ክረውያ እየን፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንጽዮን ገና ኸጸናንዓ እዩ፡ ንየሩሳሌም ድማ ገና ኽሓርያ እዩ፡ ይብል ኣሎ ኢልካ ኣውጅ።
   18ዓይነይ ኣልዓልኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣርባዕተ ቐርኒ ርኤኹ። 19ኣነ ድማ ነቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ፡ እዚኣቶም እንታይ እዮም፧ በልክዎ። ንሱውን እዚኣቶም እቶም ንይሁዳን እስራኤልን የሩሳሌምን ፋሕ ዘበልዎም ኣቕርንቲ እዮም፡ ኢሉ መለሰለይ። 20እግዚኣብሄር ከኣ ኣርባዕተ ሰራሕቲ ሓጺን ኣርኣየኒ። 21ሽዑ ኣነ፡ እዚኣቶም እንታይ ክገብሩ መጹ፧ በልኩ። ንሱ ኸኣ፡ እቲኣቶም ሓደ እካ ርእሱ ኸየልዕል፡ ንይሁዳ ፋሕ ዘበሉ ኣቕርንቲ እዮም፡ እዚኣቶም ግና ከፍርህዎም፡ ነቕርንቲ እቶም ንሃገር ይሁዳ ፋሕ ከብሉ ኢሎም ቀርኖም ዘልዓሉ ኣህዛብ ከኣ ከወድቁ ዝመጹ እዮም፡ ኢሉ በለኒ።

   ትን.ዘካርያስ  ምዕራፍ 2
   1ኣዒንተይ ኣልዓልኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ኢዱ ገመድ መለክዒ ዝነበሮ ሰብኣይ ርኤኹ። 2ኣነ ኸኣ፡ ናበይ ኢኻ እትኸይድ ዘሎኻ፧ በልኩ። ንሱውን፡ ንየሩሳሌም ምግፍሓን ምንውሓን ክንደይ ከም ዝዀነ ኽርእስ፡ ክልክዓ እየ፡ በለኒ። 3እንሆ ኸኣ፡ እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ወጸ፡ ካልእ መልኣኽ ድማ ክጓነፎ ወጸ። 4-5ንሱ ኸኣ፡ ጉየ፡ ነዚ ጐበዝ እዚ፡ የሩሳሌም፡ ሰብን እንስሳን ኣብ ማእከል ስለ ዝበዝሑ፡ ከም ብዘይ መካበብያ ዘላ ኸተማ ኽትነብር እያ፡ እግዚኣብሄርውን፡ ኣነ ኣብ ዙርያኣ መካበብያ ሓዊ ክዀነላ፡ ኣብ ማእከላውን ንኽብሪ ክኸውን እየ፡ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮ፡ በሎ።
   6እግዚኣብሄር፡ ኣነ ኸምቶም ኣርባዕተ ንፋሳት በቲነኩም እየ፡ ይብል ኣሎ እሞ፡ ተንስኡ፡ ተንስኡ፡ ካብ ሃገር ሰሜን ህደሙ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 7ኣቲ ምስ ጓል ባቢሎን እትነብሪ ጽዮን፡ ኣምልጢ። 8እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቲ ንኣኻትኩም ዚትንክስ፡ መርዓት ዓይኑ እዩ ዚትንኪ እሞ፡ ስለ ኽብሩ ናብቶም ዝዘመቱኹም ኣህዛብ ለኣኸኒ። 9እንሆ፡ ኣነ ኢደይ ከልዕለሎም እየ፡ ንሳቶም ከኣ ነቶም ግዙኣቶም ዝነበሩ ዘመተ ክዀንዎም እዮም፡ ንስኻትኩምውን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጡ ኢኹም።
   10ኣቲ ጓል ጽዮን፡ እንሆ፡ እመጽእ ኣሎኹ፡ ኣብ ማእከልኪ ኸኣ ክነብር እየ እሞ፡ እልል በሊ ተሓጐሲውን፡ ይብል እግዚኣብሄር። 11በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ህዝብታት ናብ እግዚኣብሄር ክሓብሩ፡ ህዝበይ ከኣ ክዀኑ እዮም። ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኪ ኽነብር እየ፡ ንስኽውን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ናባኺ ኸም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጢ ኢኺ። 12እግዚኣብሄር ኣብታ ቅድስቲ ሃገር ንይሁዳ ኸም ግዲኡ ኽርስተያ፡ ንየሩሳሌም ከኣ ገና ኽሓርያ እዩ። 13እግዚኣብሄር ካብቲ ቅዱስ ማሕደሩ ተንሲኡ እዩ እሞ፡ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ይበል።

   ትን.ዘካርያስ  ምዕራፍ 3
   1እያሱ ሊቀ ካህናት ኣብ ቅድሚ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ኸሎ ኣርኣየኒ፡ ሰይጣን ከኣ ክጻረሮ ኣብ የማኑ ቘይሙ ነበረ። 2እግዚኣብሄር ንሰይጣን፡ ኣታ ሰይጣን እግዚኣብሄር ይግናሕካ፡ እቲ ንየሩሳሌም ዝሓረያ እግዚኣብሄር ይግናሕካ፡ እዝስ ካብ ሓዊ እተመንጠለ እያድዶ ኣይኰነን፡ በሎ። 3እያሱ ኸኣ ረሳሕ ክዳውንቲ ተኸዲኑ ኣብ ቅድሚ እቲ መልኣኽ ደው ኢሉ ነበረ። 4እቲ መልኣኽ ከኣ ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ቘይሞም ዝነበሩ፡ ነቲ ረሳሕ ክዳውንቲ ኻብኡ ኣልዕልዎ፡ ኢሉ መለሰሎም። ንእኡ ኸኣ፡ ርአ፡ ኣበሳኻ ኣውጻእኩልካ፡ ብሉጽ ክዳውንቲውን ከደንኩኻ፡ በሎ። 5ኣነ ኸኣ፡ ኣብ ርእሱ ጽሩይ መጠምጠምያ ጠምጥሙሉ፡ በልኩ። ንሳቶም ድማ ኣብ ርእሱ ጽሩይ መጠምጠምያ ጠምጠሙሉ፡ ክዳውንቲውን ከደንዎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ኣብኡ ቘይሙ ነበረ።
   6እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ንእያሱ ኸምዚ ኢሉ መስከረሉ፡ 7እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብመገደይ እንተ ተመላለስካ፡ ነቲ ዝኣዘዝኩኻውን እንተ ሓሎኻስ፡ ንቤተይ ክትፈርዳ፡ ንኣጸደይ ከኣ ክትሕልዎ ኢኻ፡ ምስ እዞም ኣብዚ ቘይሞም ዘለዉ ቦታ ኽህበካ እየ። 8እምብኣርሲ ኣታ ኣያሱ ሊቀ ኻህናት፡ ንስኻን እቶም ኣብ ቅድሜኻ ተቐሚጦም ዘለዉ ብጾትካን፡ ንሳቶም ንትእምርቲ ዝዀኑ ሰባት እዮም እሞ፡ ስማዕ፡ እንሆ፡ ኣነ ነቲ ባርያይ፡ እቲ ጨንፈር፡ ከምጽኦ እየ።
   9ስለዚ ኣታ ኣብ ቅድሚ እያሱ ዘንበርክዋ እምኒ እንሃ፡ ኣብ ሓንቲ እምንስ ሾብዓተ ዓይኒ ኣለዋ፡ እንሆ ኸኣ፡ ቅርጻ ክቐርጾ እየ፡ ንኣበሳ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ብሓንቲ መዓልቲ ኸርሕቖ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 10በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ትሕቲ ወይንን ኦም በለስን ንሓድሕዶም ክትተዓዳደሙ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

   ትን.ዘካርያስ  ምዕራፍ 4
   1እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ ተመሊሱ፡ ከምቲ ሰብ ካብ ድቃሱ ዚበራበር፡ ኣበራበረኒ፡ 2እንታይ ትርኢ ኣሎኻ፧ ድማ በለኒ። ኣነ ኸኣ በልኩ፡ እንሆ፡ ሓደ ቐዋሚ ቐንዴል ኵለንትናኡ ወርቂ፡ ኣብ ርእሱ ኸኣ ዘይቱን ኣብኡውን ሾብዓተ መብራህቱ ዘለዎ እርኢ ኣሎኹ። ነተን ኣብ ርእሱ ዘለዋ መብራህትታት ከኣ ሾብዓተ ሻምብቆ ኣለወን። 3ኣብ ጥቓኡ ድማ ክልተ ኣውልዕ ኣለዋ፡ እታ ሓንቲ ኣብ የማን እቲ እንዳ ዘይቲ፡ እታ ሓንቲውን ኣብ ጸጋሙ እየን።
   4ነቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ድማ፡ ጐይታየ፡ እዚኣተንሲ እንታይ እየን፧ ኢለ መለስኩሉ። 5እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ፡ እዚኣተን እንታይ ምዃነንዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧ ኢሉ መለሰለይ። ኣነ ድማ፡ ጐይታየ፡ ኣይፋለይ፡ በልኩ። 6-7ሽዑ ንሱ መለሱ፡ እዚ እቲ ንዘሩባቤል ዚኸውን ቃል እግዚኣብሄር እዩ፡ ብመንፈሰይ እምበር፡ ብኽእለትን ብሓይልን ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐያት ሰራዊት። ኣታ ዓብዪ ኸረን፡ መን ኢኻ፡ ኣብ ቅድም ዘሩባቤል ጐልጐል ክትከውን ኢኻ። ጸጋ፡ ጸጋ ንእኡ፡ እናተባህለ ኽጭደር ከሎ ነቲ እምኒ ርእሲ ኸውጽኦ እዩ፡ ኢሉ ነገረኒ።
   8ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ 9ንመሰረት እዛ ቤት እዚኣ ኣእዳው ዘሩባቤል ሰረታኦ፡ ኣእዳዉ ኸኣ ክፍጽምኣ እየን። ንስኻ ድማ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጥ ኢኻ። 10ንመዓልቲ ናኣሽቱ ነገር ዝንዕቕ መን እዩ፡ እዘን ሾብዓተ ንዅላ ምድሪ ዝዞራ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ነታ ኣብ ኢድ ዘሩባቤል ዘላ መለክዒት መንደቕ ተሓጒሰን ክርእያኣ እየን።
   11ኣነ ኸኣ፡ እዘን ብየማነ ጸጋም እዚ ቐዋሚ ቀንዴል ዘለዋ ኽልተ ኣውሊዕሲ እንታይ እየን፡ ኢለ መለስኩሉ። 12ካልኣይ ግዜውን፡ እዞም ኣብ ጥቓ እቲ ወርቂ ዝውሕዞ መውሓዝ ወርቂ ዘለዉ ኽልተ ጨንፈር ኣውሊዕከ እንታይ እዮም፧ ኢለ መለስኩሉ። 13ንሱ ኸኣ፡ እዚኣቶም እንታይ ከም ዝዀኑዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧ ኢሉ መለሰለይ። ኣነውን፡ ጐይታየ፡ ኣይፋለይ፡ በልኩ። 14ሽዑ ንሱ፡ እዚኣቶምሲ እቶም ክልተ ኣብ ጥቓ እቲ ጐይታ ዅላ ምድሪ ዝቘሙ ደቂ ዘይቲ እዮም፡ በለ።

   ትን.ዘካርያስ  ምዕራፍ 5
   1ከም ብሓድሽ ኣዒንተይ ኣልዓልኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ክትነፍር ከላ ርኤኹ። 2ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ትርኢ ኣሎኻ፧ በለኒ። ኣነውን፡ እትነፍር ጥቕልልቲ መጽሓፍ እርኢ ኣሎኹ፡ ምንዋሓ ዕስራ እመት፡ ወርዳ ድማ ዓሰርተ እመት እዩ፡ ኢለ መለስኩ። 3ንሱ ኸኣ በለኒ፡ ዝሰርቕ ዘበለ ዅሉ ብመጠን እቲ ኣብቲ ሓደ ገጽ ተጽሒፉ ዘሎ ኽድምሰስ፡ ብሓሶት ዝምሕል ዘበለ ዅሉ ኸኣ ብመጠን እቲ ኣብቲ ሓደ ገጽ ተጽሒፉ ዘሎ ኽድምሰስ እዩ እሞ፡ እዚ እቲ ኣብ ዝባን ኵላ ምድሪ ዝወጽእ መርገም እዩ። 4ኣነ ኸውጽኦ እየ፡ ንሱ ድማ ናብ ቤት እቲ ሰራቕን ናብ ቤት እቲ ብስመይ ሓስዩ ዝምሕልን ክኣቱ እዩ፡ ኣብ ማእከል ቤት ኽነብር፡ ምስናይ ዕጨይታን እምናን ከኣ ከጥፍኣ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
   5እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ ወጸ፡ ኣዒንትካ ኣልዕል እሞ እዚ ዝወጽእ ዘሎ እንታይ ከም ዝዀነ ርአ፡ በለኒ። 6ኣነ ከኣ፡ እዚ እንታይ እዩ፧ በልኩ ንሱ ድማ እቲ ዝወጽእ ኤፋ እዩ፡ በለ። ኣብ ኵላ ምድሪ እዚ እዩ መልክዖም፡ ከኣ በለ። 7እንሆ ድማ፡ ሓደ መክሊት ዓረር ኣልዓሉ፡ ኣብ ማእከል እቲ ኤፋውን ሓንቲ ሰበይቲ ተቐሚጣ ነበረት። 8ንሱ ኸኣ፡ እዚኣ ረሲእነት እያ፡ በለ፡ ናብ ማእከል እቲ ኤፋ ድማ ደርበያ፡ ነቲ መክሊት ዓረርውን ናብ ኣፍ እቲ ኤፋ ደርበዮ። 9ኣዒንተይ ኣልዓልኩ ርአኹውን፡ እንሆ ድማ፡ ክልተ ኣንስቲ ወጻ፡ ኣብ ኣኽናፈን ከኣ ንፋስ ነበረ፡ ከም ኣኽናፍ ራዛ ዝመስል ኣኽናፍ ከኣ ነበረን፡ ንሳተን ነቲ ኤፋ ኣብ መንጎ ምድርን ሰማይን ኣልዓላኦ። 10ነቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ፡ ነዚ ኤፋ ናበይ እየን ዝወስዳኦ ዘለዋ፧ በልክዎ። 11ንሱ ኸኣ፡ ቤት ክሰርሓሉስ ኣብ ሃገር ሲንኣር እየን፡ ምስ ተዳለወ ኣብኡ ኣብ ስፍራኡ ኽነብር እዩ፡ በለኒ።

   ትን.ዘካርያስ  ምዕራፍ 6
   1ከም ብሓድሽ ኣዒንተይ ኣልዓልኩ፡ እንሆ ድማ፡ ኣርባዕተ ሰረገላ ኻብ መንጎ ኽልተ ኸረን ክወጻ ኸለዋ ርኤኹ፡ እቲ ኣኽራንውን ኣኽራን ኣስራዚ ነበረ። 2ኣብታ ቐዳመይቲ ሰረገላ ሓመራት ኣፍራስ፡ ኣብታ ኻልኣይቲ ሰረገላ ኸኣ መጋላት ኣፍራስ ነበሩ። 3ኣብታ ሳልሰይቲ ሰረገላ ኣምባላያት ኣፍራስ፡ ኣብታ ራብዐይቲ ሰረገላ ድማ ጫጎታት ብርቱዓት ኣፍራስ ነበሩ። 4ኣነ ኸኣ ነቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ፡ ጐይታየ እዚኣቶምሲ እንታይ እዮም፧ ኢለ መለስኩሉ። 5እቲ መልኣኽ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰለይ፡ እዚኣቶም እቶም ኣብ ቅድሚ ዅላ ምድሪ ቘይሞም ዝወጹ ርባዕተ ንፋሳት ሰማይ እዮም፡ 6እታ መጋላት ኣፍራስ ዘለውዋ ናብ ሃገር ሰሜን ኣቢላ ትወጽእ፡ እቶም ኣምበሌታት ኣፍራስ ከኣ ደድሕሪኦም ይወጹ፡ እቶም ጫጎታት ኣፍራስ ድማ ናብ ደቡብ ኣቢሎም ይወጹ። 7እቶም ሓመራት ከኣ ወጹ፡ ንምድሪ ኽመላለስዋ ድማ ደለዩ። ንሱውን፡ ኪዱ ንምድሪ ተመላለስዋ፡ በለ። ንሳቶም ከኣ ንምድሪ ተመላለስዋ። 8ሽዑ ንሱ ጸውዓኒ እሞ፡ እንሆ፡ እቶም ናብ ሃገር ሰሜን ኣቢሎም ዝወጹ፡ ኣብ ሃገር ሰሜን መንፈሰይ ኣህድኡ፡ ኢሉ ተዛረበኒ።
   9ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ 10ካብቶም ምሩኻት ካብ ሔልዳይ፡ ካብ ጦብያ፡ ካብ የዳዕያ፡ ናብታ ንሳቶም ካብ ባቢሎን መጺኦም ዝኣተውዋ ቤት ዮስያስ ወዲ ጸፎንያስ ሎሚ እቶ፡ 11ብሩርን ወርቅን ውሰድ እሞ ኣኽሊላት ስራሕ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ሊቀ ኻህናት እያሱ ወዲ የሆጻዳቅ ድማ ድፍኣሉ። 12እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ተዛረቦ፡ እቲ ጨንፈር ዝስሙ ሰብኣይ እንሆ፡ ንሱ ኻብ ቦታኡ ኽጭንፍር፡ መቕደስ እግዚኣብሄር ድማ ክሃንጽ እዩ። 13ንሱ መቕደስ እግዚኣብሄር ክሃንጽ፡ ክብሪ ኸኣ ክጸውር፡ ኣብ ዝፋኑ ድማ ክቕመጥን ክገዝእን እዩ፡ ኣብ ዝፋኑ ኻህን ክኸውን፡ ኣብ መንጎ ኽልቲኦምውን ምኽሪ ሰላም ክኸውን እዩ። 14እቲ ኣኽሊላት ከኣ ንሄላምን ንጦብያን ንየዳዕያን ንሄን ወዲ ጸፎንያስን ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ክዀኖም እዩ። 15እቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ኽመጹ፡ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ከኣ ክሰርሑ እዮም፡ ንስኻትኩም ድማ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጡ ኢኹም። ነቲ ደሃይ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተጠንቂቕኩም እንተ ሰማዕኩም፡ እዚ ክኸውን እዩ።

   ትን.ዘካርያስ  ምዕራፍ 7
   1ኰነ ኸኣ፡ ብራብዐይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስ፡ ብራብዐይቲ መዓልቲ ናይታ ከስለው እትበሃል ታስዐይቲ ወርሒ፡ ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዘካርያስ መጸ። 2-3ቤትኤል ከኣ ንሻሬጽርን ንሬገም-ሜልክን ምስ ሰቦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክምህለሉን፡ ነቶም ካህናት ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትን ንነብያትን ከኣ፡ ከምቲ በተን ብዙሓት ዓመታት ዝገበርክዎዶ፡ በታ ሓምሰይቲ ወርሒ ተፈልየ ኽበኪ እየ፧ ኢሎም፡ ክነግርዎምን ለኣኽዎም።
   4ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ መጸኒ፡ 5ንዅሉ ህዝቢ እታ ሃገርን ንኻህናትን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ በተን ሰብዓ ዓመት ኣብ ሓምሳይን ሳብዓይን ወርሒ እትጾሙን እትበኽዩን ዝነበርኩምሲ፡ ብሓቂዶ ንኣይ ኢኹም ዝጾምኩምለይ፡ 6ምስ እትበልዑን ምስ እትሰትዩንከ ንርእስኹምዶ ኣይኰንኩምን እትበልዑን እትሰትዩን፧ 7የሩሳሌምን እተን ኣብ ዙርያኣ ዝነበራ ኸተማታትን ሰብ ሰፊርወንን ሃዲአንን ከለዋ፡ ደቡብን ጐልጐልን ድማ ሰብ ሰፊርወን ከለዋ፡ እግዚኣብሄር ብኢድ እቶም ቀዳሞት ነብያት ገይሩ ዝኣወጆ ቓልሲ እዚዶ ኣይኰነን፧
   8ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ ንዘካርያስ መጾ፡ 9እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሓቀኛ ፍርዲ ፍረዱ፡ ንሓድሕድኩም ድማ ሰናይን ምሕረትን ግበሩ። 10ንመበለትን ንዘኽታምን ንስደተኛን ንድኻን ኣይትግፍዑ፡ ካባኻትኩምውን ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ እከይ ኣይሕሰበሉ። 11ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ፡ እምቢተኛ እንግድዓ መለሱ፡ ከይሰምዑውን ኣእዛኖም ኣጽመሙ። 12ነቲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ብመንፈሱ ብኢድ እቶም ቀዳሞት ነብያት ገይሩ ዝሰደዶ ሕግን ቃላትን ከይሰምዑስ፡ ልቦም ከም ኣልማዝ ገበሩ፡ ስለዚ ኻብ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ዓብዪ ቝጥዓ ዀነ። 13ኰነ ድማ፡ ከምቲ ንሱ ዝጸውዐ፡ ንሳቶም ከኣ ዘይሰምዑ፡ ከምኡውን ንሳቶም ጸውዑ፡ ኣነ ኸኣ ኣይሰማዕኩን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 14ኣነውን ናብቶም ዘይፈልጥዎም ዘበሉ ዅሎም ኣህዛብ በተንክዎም፡ እታ ሃገር ከኣ ሓደ እኳ ዘይሓልፋን ዘይምለሳን ኰይና ብድሕሪኦም ባደመት፡ ነታ ሃገር ደስታውን ኣባደምዋ::

   ትን.ዘካርያስ  ምዕራፍ 8
   1ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ መጸ፡ 2ኣነ ብጽዮን ዓብዪ ቕንኢ ቐኒኤ ኣሎኹ፡ ብዓብዪ ቝጥዓውን ቀኒኤላ ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 3ኣነ ናብ ጽዮን፡ ክምለስ ኣብ ማእከል የሩሳሌም ከኣ ክነብር እየ። የሩሳሌም ድማ ከተማ ሓቂ ኽትስመ፡ እቲ ኸረን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ቅዱስ ከረን ክስመ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 4-5ኣረገውቲ ሰብኡትን ኣረገውቲ ኣንስትን ገና ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌም ክቕመጡ እዮም፡ ዕድሚኦም ስለ ዝነውሐ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፎም መምርኩሱ ኣብ ኢዱ ኽሕዝ እዩ። ኣደባባያት እታ ኸተማ ድማ በቶም ኣብተን ኣደባባያታ ዝስሕቑ ኣወዳትን ኣዋልድን ክመልኣ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 6እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በተን መዓልትታት እቲኣተን ነዒንቲ ተረፍ እዚ ህዝቢ እዚ ዘደንቕ እንተ ዀነስ፡ ነዒንተይዶ ዘደንቕ ክኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 7-8እንሆ፡ ካብ ሃገር ምብራቕን ካብ ሃገር ምዕራብን ንህዝበይ ከድሕኖም እየ። ከምጽኦም እየ እሞ፡ ኣብ ማእከል የሩሳሌም ክነብሩ እዮም፡ ንሳቶም ህዝበይ ክዀኑ እዮም፡ ኣነ ኸኣ ብሓቅን ብጽድቅን ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
   9ኣቱም በዘን መዓልታት እዚኣተን፡ እቶም ቤት መቕደስ ምእንቲ ኽትህነጽሲ መሰረት ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እተሰረተትላ መዓልቲ ኣብኣ ዚነበሩ ነብያት እተዛረብዎ፡ ካብ ኣፎም እዘን ቃላት እዚኤን እትሰምዑ ዘሎኹም፡ ኣእዳውኩም ኣጽንዑ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 10ቅድሚ እዘን መዓልታት እዚኣተን ውዕለት ሰብን ውዕለት እንስሳን ኣይነበረን። ንዅሉ ሰብ ኣብ ንሓድሕዱ ፈንየዮ እየ እሞ፡ ብሰሪ ጸላኢ ነቲ ዝወጽእን ዝኣቱን ሰላም ኣይነበረን። 11-12ዘርኢ ሰላም ክኸውን እዩ፡ ወይኒ ፍሬኣ ኽትህብ እያ፡ ምድሪ ኸኣ ብቝላ ኽትህብ፡ ሰማያት ድማ ጠሎም ክህቡ፡ ነቶም ተረፍ እዚ ህዝቢውን እዚ ዅሉ ኸረስትዮም እየ፡ ሕጅስ ነቶም ተረፍ እዚ ህዝቢዚ ኸምቲ በተን ቀዳሞት መዓልትታት ዝነበርክዎ ኣይክዀኖምን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 13ክኸውን ድማ እዩ፡ኣቱም ቤት ይሁዳን ቤት እስራኤልን፡ ከምዚ ኣብ ማእከል ኣህዛብ መርገም ዝዀንኩም፡ ከምኡ ኸድሕነኩም እየ፡ በረኽትውን ክትኰኑ ኢኹም፡ ኣይትፍርሁ ኣእዳውኩም ኣጽንዑ።
   14-15እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ከምቲ ኣቦታትኩም ምስ ኣቘጥዑኒ ኽፉእ ክገብረኩም ዝሓሰብክዎ እሞ ዘይተጠዓስኩሉ፡ ከምኡውን በዘን መዓልትታት እዚኣተን ንየሩሳሌምን ንቤት ይሁዳን ሰናይ ክገብረለን ከም ብሓድሽ ሓሲበ ኣሎኹ፡ ኣይትፍርሁ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 16እቲ ኽትገብርዎ ዝግብኣኩም ነገርሲ እዚ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነንብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ፡ ኣብ ደጌታትኩም ፍርዲ ሓቅን ሰላምን ፍረዱ። 17ካባኻትኩምውን ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ እከይ ኣይሕሰበሉ፡ ማሕላ ሓሶት ኣይትፍትዉ፡ ነዚ ዅሉ እጸልኦ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
   18ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ መጸኒ፡ 19እቲ ጾም ናይ ራብዓይ ወርሕን እቲ ጾም ናይ ሓምሳይን እቲ ጾም ናይ ሳብዓይን እቲ ጾም ናይ ዓስራይ ወርሕንሲ ንቤት ይሁዳ ሓጐስን ደስታን ባህ ዘብል በዓላት ዓመትን ክዀነሎም እዩ፡ እምብኣርሲ ሓቅን ሰላምን ኣፍቅሩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 20እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ህዝብታትን ኣብ ብዙሕ ከተማታት ዝነብሩን ገና ክመጹ እዮም። 21ኣብታ ሓንቲ ዝነብሩ ናብታ ኻልእ ክኸዱ እዮም እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክንምህለልሲ፡ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ክንደሊ ንኺድ፡ ኣነውን ክኸይድ እየ፡ ክብሉ እዮም። 22ብዙሓት ህዝብታትን ሓያላት ኣህዛብን ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ የሩሳሌም ክደልይዎ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ክምህለሉስ ክመጹ እዮም። 23በተን መዓልትታት እቲኣተን ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝዀኑ ዓሰርተ ሰብ ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም፡ እግዚኣብሄር ምስኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ፡ ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና፡ ክብሉ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

   ትን.ዘካርያስ  ምዕራፍ 9            
   1-2ዓይኒ እግዚኣብሄር ናብ ኵሎም ሰብን ናብ ኵሎም ነገድ እስራኤልን ኣቢሉ እዩ እሞ፡ ጾር ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሃገር ሓድራክን ኣብ ልዕሊ ደማስቆን ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ወሰና ዘላ ሃማትን ይዓርፍ፡ ኣዝየን ጥበበኛታት እየን እሞ፡ ኣብ ልዕሊ ጢሮስን ሲዶናን ከኣ ይዓርፍ። 3ጢሮስ ዕርዳ ዓረደት፡ ብሩር ከም ሓመድ፡ ወርቂ ድማ ከም ጸብሪ መገዲ ደለበት። 4እንሆ፡ እግዚኣብሄር ክሕዛ፡ ስልጣና ኸኣ ናብ ባሕሪ ኽድርብዮ እዩ፡ ብሓዊ ድማ ሞዅ ክትብል እያ። 5ኣስቃሎን ክትርእዮ እያ እሞ ክትፈርህ እያ፡ ዔቅሮን ድማ ተስፋኣ ተቘሪጹ እዩ እሞ፡ ከምኣ። ንጉስ ካብ ጋዛ ኽጠፍእ እዩ፡ ኣስቃሎን ከኣ ዝነብራ ኽትስእን እያ። 6ኣብ ኣሽዶድ ድቓላ ኽነብር እዩ፡ ኣነ ድማ ንትዕቢት ፍልስጥኤማውያን ከጥፍኦ እየ። 7ደሙ ኸኣ ካብ ኣፉ፡ ጽያፉ ድማ ካብ መንጎ ኣስናኑ ኸውጽኣሉ እየ፡ ንሱውን ንኣምላኽና ተረፍ ክዀኖ፡ ኣብ ይሁዳ ኸኣ ከም ሓለቓ ክኸውን እዩ፡ ዔቅሮን ድማ ከም ይቡሳዊ። 8ካብ ሰራዊት፡ ካብቲ ዝኸይድን ዝመጽእን ክከላኸለላስ፡ ኣብ ዙርያ ቤተይ ክሰፍር እየ፡ ሕጂ በዒንተይ ርእየያ እየ እሞ፡ ድሕርዚ ጨቋኒ ከቶ ኣይክሓልፎምን እዩ።
9ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣዚኺ ተሓጐሲ፡ ኣቲ ጓል የሩሳሌም፡ እልል በሊ፡ እንሆ ንጉስኪ፡ ንሱ ጻድቕ መድሓንን ትሑትን እዩ፡ ኣብ ኣድጊ፡ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ። 10ኣነ ኸኣ ሰረገላ ኻብ ኤፍሬም፡ ፈረስ ድማ ካብ የሩሳሌም ከጥፍእ እየ፡ ቀስቲ ውግእ ክጠፍእ እዩ። ንሱ ነህዛብ ሰላም ክነግሮም እዩ። ግዝኣቱ ኻብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፡ ካብቲ ርባ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ክኸውን እዩ። 11ንኣኺ ድማ ብሳላ ደም ኪዳንኪ ነቶም እሱራትኪ ኻብቲ ማይ ዘይብሉ ጕድጓድ ከውጽኦም እየ። 12ኣቱም ብተስፋ እተኣሰርኩም፡ ናብቲ ዕርዲ ተመለሱ፡ ኣነ ዕጽፊ ገይረ ኸም ዝመልሰልኪ፡ ሎሚውን እነግረኪ ኣሎኹ።
13ንርእሰይ ኢለ ንይሁዳ ኸም ቀስቲ ገተርክዎ፡ ብኤፍሬም ድማ መላእክዎ። ኣቲ ጽዮን፡ ንደቅኺ፡ ኣብ ልዕሊ ደቅኺ፡ ዎ ዮናኒ፡ ከተንስኦም፡ ንኣኺ ድማ ሰይፊ ጅግና ኽገብረኪ እየ። 14እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኦም ክርአ እዩ፡ ፍላጻኡ ኸኣ ከም በርቂ ኽወጽእ እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽውን መለኸት ክነፍሕ፡ ብህቦብላ ንፋስ ደቡብ ድማ ክኸይድ እዩ። 15እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከዕቍቦም እዩ፡ ንሳቶም ድማ ክውሕጡ፡ እምኒ ወንጭፍ ከኣ ክረግጹ እዮም፡ ክሰትዩ፡ ብወይኒ ኸም ዝሰኸሩ ጫውጫው ክብሉ፡ ከም ዋንጫ፡ ከም ኵርናዕ መሰውኢ ኽመልኡ እዮም። 16ከምቲ ኣብ ምድሩ ዘንጸባርቕ ኣእማን ኣኽሊል እዮም እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣግዚኣብሄር ኣምላኾም ንህዝቡ ኸም መጓሰ ኸድሕኖም እዩ። 17ሰናዩ ኽንደይ ዓብዪ፡ ጽባቔኡስ ክንደይ ዓብዪ እዩ። እኽሊ ነጕባዝ፡ ኰልዒ ወይኒ ኸኣ ነዋልድ ከዕብዮም እዩ።

   ትን.ዘካርያስ  ምዕራፍ 10            
   1ብግዜ ጽብሓት ካብ እግዚኣብሄር ዝናም ለምኑ፡ እቲ መባርቕ ዝገብር እግዚኣብሄር ከኣ ንነፍሲ ወከፍ ሳዕሪ ኣብ ግራት ሰርቢ ዝናም ከዝንመሉ እዩ። 2እቶም ጣኦታት ቤት ከንቱ ይዛረቡ፡ እቶም ጠንቈልቲ ኸኣ ሓሶት ይርእዩ፡ ሕልሚ ሓሶት ይነግሩ፡ ብኸንቱውን የጸናንዑ። ስለዚ ኸም ኣባጊዕ ተባረሩ፡ ጓሳ የብሎምን እሞ፡ ተጨነቑ። 3ኵራይ ኣብ ልዕሊ እቶም ጓሶት ነደደ፡ ኣነውን ነቶም ድቤላታት ክቐጽዖም እየ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንመጓሴኡ ቤት ይሁዳ ዘኪርዎ እዩ እሞ፡ ኣብ ውግእ ከም ፈረስ ክብሩ ኽገብሮም እዩ። 4እቲ እምኒ ዅርናዕ ካብኡ፡ መትከል ካብኡ፡ ቀስቲ ውግእ ካብኡ፡ ኵሎም ጨቈንቲ ኻብኡ ኽወጹ እዮም። 5ኣብ ውግእ ከምቶም ንጸላእቶም ኣብ ጭቃ መገዲ ዝረግጹ ጀጋኑ ክዀኑ፡ እግዚኣብሄር ምስኦም እዩ እሞ፡ ክዋጋኡ እዮም፡ እቶም ኣብ ኣፍራስ እተወጥሑ ኸኣ ክሓንኩ እዮም።
   6ኣነ ኸኣ ንቤት ይሁዳ ኸበርትዓ፡ ንቤት ዮሴፍ ድማ ከድሕና እየ። ራሕሪሐሎም እየ እሞ፡ ክመልሶም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ፡ ክሰምዖም ከኣ እየ እሞ፡ ከም ዘይወገድክዎምውን ክዀኑ እዮም። 7ኤፍሬም ከም ጅግና ክዀኑ እዮም፡ ልቦም ድማ ከም ብወይኒ ኽሕጐስ እዩ፡ ደቈም ከኣ ክርእይዎን ክሕጐሱን እዮም፡ ልቦም ብእግዚኣብሄር እልል ክብል እዩ። 8ኣነ ተበጅየዮም እየ እሞ፡ ከፋጽየሎምን ክእክቦምን እየ፡ በዚሖም ከም ዝነበሩ ኸኣ ክበዝሑ እዮም። 9ኣብ ህዝብታት ክዘርኦም እየ፡ ኣብ ርሑቕ ድማ ክዝክሩኒ እዮም፡ ምስ ደቆምውን ብህይወት ክነብሩን ክምለሱን እዮም። 10ካብ ሃገር ግብጺ ኽመልሶም፡ ካብ ኣሶር ድማ ክእክቦም ፡ ናብ ሃገር ጊልዓድን ሊባኖስን ከምጽኦም እየ፡ ዝኣኽሎም ቦታ ኸኣ ኣይክርከብን እዩ። 11ንሱ ብባሕሪ ጸበባ ኽሓልፍ፡ ንማዕበላት ኣብ ባሕሪ ኽወቕዖ እዩ፡ ኵሉ መዓሙቝ እቲ ርባ ኸኣ ክነጽፍ እዩ። ትዕቢት ኣሶር ክዋረድ፡ ዘንጊ ግብጺውን ክርሕቕ እዩ። 12ብእግዚኣብሄር ከበርትዖም እየ፡ ንሳቶምውን ብስሙ ኽመላለሱ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።

   ትን.ዘካርያስ  ምዕራፍ 11            
   1ኣታ ሊባኖስ፡ ደጌታትካ ኽፈት፡ ነእዋምካ ኸኣ ሓዊ ይብልዓዮ። 2ኣታ ጽሕዲ፡ ኦም ሊባኖስ ወዲቑ፡ እቶም ክቡራት በሪሶም እዮም እሞ፡ ዋይዋይ በል። ኣቱም ኣውሒ ባሳን፡ እቲ ብርቱዕ ዱር ተቘሪጹ እዩ እሞ፡ ዋይዋይ በሉ። 3ክበረቶም በሪሱ እዩ እሞ፡ ድምጺ ዋይዋይታ ጓሶት ይስማዕ፡ ትዕቢት ዮርዳኖስ በሪሱ እዩ እሞ፡ ድምጺ ምጕዛም ሽደናት ኣናብስ ይስማዕ።
   4እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነተን ኣባጊዕ ማሕረዲ ጓስየን። 5እቶም ተሻየጥተን ይሓርድወን፡ ንርእሶም በደልቲ ኸም ዝዀኑ ኸኣ ኣይቈጽሩን። እቶም ሸየጥተን ድማ፡ ኣነስ ሃብቲመ እግዚኣብሄር ይመስገን፡ ይብሉ፡ ጓሶተንውን ከቶ ኣይንሕፍወንን። 6እምብኣርሲ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝነብር ድሕርዚ ኣይክንሕፎምን እየ፡ አረ ኣነስ እንሆ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ኢድ ብጽዩን ኣብ ኢድ ንጉሱን ክውፍዮ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ነታ ሃገር ኪሰባብርዋ እዮም፡ ኣነውን ካብ ኢዶም ኣይከናግፎምን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 7ሽዑ ነተን ኣባጊዕ ማሕረዲ፡ እወ፡ ነተን መሳኺን እታ መጓሰ ኣባጊዕ፡ ጓሴኽወን። ክልተ በትሪ ድማ ወሰድኩ፡ ነታ ሓንቲ ጸጋ፡ ነታ ሓንቲ ኸኣ ስምረት ኢለ ሰሜኽወን፡ ነተን መጓሰ ኣባጊዕውን ጓሴኽወን። 8ነቶም ሰለስተ ጓሶት ብሓንቲ ወርሒ ኣጥፋእክዎም፡ ነፍሰይ ብኣታቶም ጸበባ፡ ነፍሶምውን ጸልኣትኒ። 9ኣነ ኸኣ፡ ኣይክጓስየኩምን እየ፡ እታ እትመውት ትሙት፡ እታ እትጠፍእ ትጥፋእ፡ እተን ዝተርፋ ድማ ስጋ ሓድሕደን ይበላልዓ፡ በልኩ። 10ነቲ ምስ ኵሎም ህዝብታት ዝኣተኽዎ ቓል ኪዳነይ ከፍርስሲ፡ ነታ ጸጋ ዝስማ በትረይ ወሲደ ሰበርክዋ። 11በታ መዓልቲ እቲኣ ፈረሰ፡ በዚውን እተን ናባይ ዘስተብህላ ዝነበራ ድኻታት እታ መጓሰ ቓል እግዚኣብሄር ምዃኑ ፈለጣ።
   12ኣነ ድማ፡ ነዒንትኹም ባህ እንተ ኣበለኩምሲ፡ ዋጋይ ሃቡኒ፡ እንተ ዘይኰነስ ሕደግዎ፡ በልክዎም። ንሳቶም ንዋጋይ ሰላሳ ብሩር መዘኑ። 13እግዚኣብሄር ከኣ፡ ነቲ ዝገምገሙለይ ክቡር ገምጋም ናብ ሰራሕ መሬት ደርብዮ፡ በለኒ። ኣነ ድማ ነቲ ሰላሰ ብሩር ወሲደ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ናብቲ ሰራሕ መሬት ደርቤኽዎ። 14ሽዑ ነቲ ኣብ መንጎ ይሁዳን እስራኤልን ዘሎ ሕውነት ከፍርስ፡ ነታ ስምረት ዝበልክዋ ኻልአይቲ በትረይ ሰበርክዋ።
   15እግዚኣብሄር ከኣ፡ ነቲ ኣቓሑ ዓሻ ጓሳውን ንኣኻ ውሰዶ፡ በለኒ። 16ስለዚ እንሆ፡ ስጋ ስቡሓት ዝበልዕ፡ ሸዀናኣን ኸኣ ዝምንጭት እምበር፡ ነተን ዝጠፍኣ ግዲ ዘይገብረለን፡ ፋሕ ንዝበላ ድማ ዘይደልየን፡ ንዝተሰብራ ኸኣ ዘይፍውስ፡ ንጥዑያትውን ዘይቅልብ ጓሳ ኣብታ ሃገር ከተንስእ እየ። 17እቲ ኣባጊዑ ዝፍኑ ዘይጠቅም ጓሳ ወይለኡ። ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ቕልጽሙን ኣብ ልዕሊ የማነይቲ ዓይኑን ይኹን፡ ቅልጽም ብጥራስ ክነቅጽ፡ የማነይቲ ዓይኑ ኸኣ ብዘላ ኽትጽልምት እያ።

   ትን.ዘካርያስ  ምዕራፍ 12            
   1ጾር ቃልእግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤል። እቲ ንሰማያት ዝዘርግሖ፡ ንምድሪ ድማ ዝሰረታ፡ ንመንፈስ ሰብውን ኣብ ውሽጢ ዝደኰኖ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ 2እንሆ፡ የሩሳሌም ነቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ዅላቶም ህዝብታት ጽዋእ ስኽራን ክገብራ እየ፡ የሩሳሌም ተኸቢባ ኸላውን ኣብ ይሁዳ ኸምኡ ክኸውን እዩ። 3በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ክኸውን እዩ፡ የሩሳሌም ንዅላቶም ህዝብታት ከቢድ እምኒ ኽገብራ እየ፡ ዝስከምዋ ዘበሉ ዅላቶም ኣህዛብ ኣዝዮም ክቘስሉ እዮም፡ ኵላቶም ኣህዛብ ምድሪውን ንምጽራራ ኽእከቡ እዮም።
   4በታ መዓልቲ እቲኣ ንዅላቶም ኣፍራስ ብስምባድ፡ ንዚውሕጥዎም ከኣ ብጽላለ ኽወቕዖም እየ፡ ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ድማ ኣዒንተይ ቋሕ ከብል እየ፡ ንዅላቶም ኣፍራስ ህዝብታት ከኣ ብዑረት ክወቕዖም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 5ሓላቑ ይሁዳ ብልቦም፡ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩ ብጐይታ ሰራዊት ኣምላኾም ሓይለይ እዮም፡ ክብሉ እዮም።
   6በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ነቶም ሓላቑ ይሁዳ ኸም ርሱን ምድጃ ኣብ ማእከል ዕጨይትን ከም ሃልሃልታ ሓዊ ኣብ ማእከል እንዳእትን ክገብሮም እየ፡ ነቶም ብየማነ ጸጋም ከቢቦምውም ዘለዉ ዅላቶም ህዝብታት ከኣ ክውሕጥዎም እዮም፡ የሩሳሌም ድማ ኣብ ቦታኣ፡ ኣብ የሩሳሌም፡ ከም ብሓድሽ ሰፈር ክትከውን እያ። 7ክብረት ቤት ዳዊትን ክብረት እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኸይዕበ፡ እግዚኣብሄር ቅድም ንድንኳናት ይሁዳ ኸድሕን እዩ። 8በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩ ኽከላኸለሎም እዩ። እቲ ኻባታቶም ድኹም ዝዀነ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ዳዊት ክኸውን እዩ፡ ቤት ዳዊት ከኣ ከም ኣምላኽ፡ ኣብ ቅድሚኦም ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር ክትከውን እያ። 9በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ክኸውን እዩ፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዝመጹ ዅሎም ኣህዛብ ንምጥፋኦም ክደሊ እየ።
   10ኣብ ልዕሊ ቤት ዳዊትን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩን መንፈስ ጸጋን ምህለላን ክኽዑ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ንኣይ፡ ነቲ ዝወግእዎ ኽጥምቱ እዮም፡ ከምቲ ንሓደ ውሉድ ዝበኽዩሉ፡ ከምቲ ንበዅሪ መሪር ሓዘን ዝሓዝንሉ ኣምሪሮም ክሓዝኑሉ እዮም። 11በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ከምቲ ኣብ ሃዳድ-ሪሞን ኣብ ጐልጐል መጊዶን ዝዀነ ብኽያት፡ ኣብ የሩሳሌም ዓብዪ ብኽያት ክኸውን እዩ። 12እታ ሃገር ከኣ ክትበኪ እያ፡ ነፍሲ ወከፍ ዓሌት ነንበይኑ፡ ዓሌት ቤት ዳዊት ንበይኖም፡ ኣንስቶም ድማ ንበይነን፡ ዓሌት ቤት ናታን ንበይኖም፡ ኣንስቶምውን ንበይነን። 13ዓሌት ቤት ሌዊ ንበይኖም፡ ኣንስቶም ከኣ ንበይነን፡ ዓሌት ሽምዒ ንበይኖም፡ ኣንስቶምውን ንበይነን። 14ኵሎም እቶም ዝተረፉ ዓሌታት ድማ በብዓሌቶም ነንበይኖም፡ ኣንስቶምውን ንበይነን።

   ትን.ዘካርያስ  ምዕራፍ 13            
   1በታ መዓልቲ እቲኣ ንቤት ዳዊትን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩን ንሓጢኣትን ርኽሰትን እትኸውን ዔላ ማይ ክትክፈተሎም እያ። 2እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ክኸውን እዩ፡ ንስም ጣኦታት ካብታ ሃገር ከጥፍኦ እየ፡ ድሕርዚ ድማ ኣይክዝከርን እዩ። ነቶም ነብያትን ነቲ ርኹስ መንፈስን ከኣ ካብታ ሃገር ከልቅቖም እየ። 3ክኸውን ድማ እዩ፡ ገለ ሰብ ገና እንተ ትነበየ፡ እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን ኣዲኡን፡ ንስኻ ብስም እግዚኣብሄር ሓሶት ተዛሪብካ ኢኻ እሞ፡ ብህይወት ኣይትነብርን፡ ክብልዎ እዮም። እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን ኣዲኡንውን ክንበ ኸሎ ኽወግእዎ እዮም። 4በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ክኸውን እዩ፡ እቶም ነብያት ነፍሲ ወከፎም ክንበዩ ኸለዉ፡ ብራእዮም ክሓንኩ እዮም፡ንምሕሳው ከኣ ጨጓር ባርኖስ ኣይክለብሱን እዮም። 5ግናኸ፡ ሰብ ካብ ንእስነተይ ገዚኡኒ እዩ እሞ፡ ሓረስታይ እየ እምበር፡ ነብዪ ኣይኰንኩን፡ ክብል እዩ። 6ንእኡ ኸኣ፡ እዚ ኣብ ማእከል ኣእዳውካ ዘሎ ቝስሊ እንታይ እዩ፡ እንተ በልዎ፡ ንሱ ድማ፡ እዚ ኣብ ቤት እቶም ዘፍቅሩኒ እተወጋእክዎ እዩ፡ ክብል እዩ።
   7ዎ ሰይፊ፡ ኣንጻር ጓሳኡን ኣንጻር እቲ ብጻየይ ዝዀነ ሰብን ተንስእ፡ ነቲ ጓሳ ውቖዓዮ፡ እተን ኣባጊዕ ከኣ ፋሕ ክብላ እየን፡ ኢደይ ድማ ኣንጻር እቶም ናእሽቱ ኽመልስ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 8ኣብ ኵላ፡ እታ ሃገር ድማ ክኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ እቶም ክልተ ኢድ ኣብኣ ክቝረጹን ክሞቱን እዮም፡ እቲ ሲሶ ግና ኣብኣ ኽተርፍ እዩ። 9ኣነ ኸኣ ነቶም ሲሶ ናብ ሓዊ ኸእትዎም፡ ብሩር ከም ዝዅላዕ ክዅልዖም፡ ወርቂ ኸም ዝፍተን ክፍትኖም እየ። ስመይ ክጽውዑ እዮም፡ ኣንውን ክሰምዖም እየ። ህዝበይ እዩ፡ ክብል እየ። ንሱውን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ እዩ፡ ክብል እዩ።

   ትን.ዘካርያስ  ምዕራፍ 14            
   1እንሆ፡ መዓልቲ እግዚኣብሄር ትመጽእ ኣላ፡ ዘመቴኺ ኸኣ ኣብ ማእከልኪ ኽምቀል እዩ። 2ኣነኸኣ ኵላቶም ኣህዛብ ንየሩሳሌም ክዋግእዋ ኽእክቦም እየ፡ እታ ኸተማ ኽትትሓዝ እያ፡ ኣባይቲ ኽዝመት እዩ፡ ኣንስቲውን ክንውራ እየን፡ ፍርቂ እታ ኸተማ ድማ ተማሪኻ ኽትወጽእ እያ፡ ካብቲ ህዝቢ ዝተረፈ ግና ካብታ ኸተማ ብጥራስ ኣይክጠፍእን እዩ።
   3ሽዑ እግዚኣብሄር ክወጽእ፡ ከምቲ ብመዓልቲ ውግእ እተዋግኦ፡ ነቶም ኣህዛብ ክዋግኦም እዩ። 4በታ መዓልቲ እቲኣ ኣእጋሩ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ የሩሳሌም ኣብ ምብራቕ ዘሎ ኸረን ዘይቲ ክቐውም እዩ። እቲ ኸረን ዘይቲ ኸኣ ናብ ምብራቕን ምዕራብን ኣብ ማእከሉ ኽስንጠቕ፡ ኣዝዩ ዓብዪ ሽንጭሮውን ክኸውን እዩ፡ ፍርቂ እቲ ኸረን ናብ ሰሜን፡ ፍርቁ ድማ ናብ ደቡብ ክዘብል እዩ። 5ሽንጭሮ እቲ ኣኽራን ክሳዕ ኣጸል ክበጽሕ ኣዩ እሞ፡ ንስኻትኩም በቲ ሽንጭሮ ኣኽራነይ ክትሃድሙ ኢኹም።ብዘመን ኡዝያ ንጉስ ይሁዳ ኻብ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸም ዝሃደምኩም፡ ክትሃድሙ ኢኹም። እግዚኣሄር ኣምላኸይ ክመጽእ እዩ፡ ኵላቶም ቅዱሳን ከኣ ምሳኻ።
   6በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ክኸውን እዩ፡ ብርሃንሲ ድነ ክኸውን እዩ እምበር፡ ነጸብራቕ ኣይከብርህን እዩ። 7ኣብ እግዚኣብሄር እተፈልጠት ሓንቲ መዓልቲውን ትኸውን፡ መዓልቲ ወይስ ለይቲ ኣይኰነን፡ ግናኸ ኣጋ ምሸት ብርሃን ክኸውን እዩ። 8በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ክኸውን እዩ፡ ህያው ማያት ካብ የሩሳሌም፡ ፈረቓኡ ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ፡ ፈረቓኡ ኸኣ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ ኣቢሉ ኽወጽእ እዩ፡ ብሓጋይን ብኽረምትን ክህሉ እዩ። 9እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ልዕሊ ኵላ ምድሪ ኽነግስ እዩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ሓደ፡ ስሙውን ሓደ ክኸውን እዩ። 10ኵላ እታ ሃገር ካብ ጌባዕ ክሳዕ ሪሞን ደቡብ የሩሳሌም ናብ ጐልጐል ክትልወጥ እያ። የሩሳሌም ከኣ ልዕል ክትብል፡ ካብ ደገ ብንያም ክሳዕ እቲ ቦታ ቐዳመይቲ ደገ፡ ክሳዕ ደገ ዅርናዕ፡ ካብ ግምቢ ሃናንኤል ድማ ክሳዕ መጽመቝ ንጉስ ኣብ ቦታኣ ኽትነብር እያ። 11ኣብኣ ኽነብሩ እዮም፡ ድሕርዚ ድማ መርገም ኣይክኸውንን እዩ፡ የሩሳሌምውን ሃዲኣ ኽትነብር እያ።
   12እዚ ኸኣ እቲ እግዚኣብሄር ነቶም ንየሩሳሌም ዝወግእዋ ዅላቶም ህዝብታት ዝወቕዓሉ መዓት እዩ፡ በእጋሮም ደው ኢሎም ከለዉ ስጋኦም ክምሽምሽ እዩ፡ ኣዒንቶም ኣብ ጕድጓደን ክምሽምሻ እየን፡ ልሳኖም ድማ ኣብ ኣፎም ክትምሽምሽ እያ። 13በታ መዓልቲ ኸኣ ክኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ዓብዪ ዕግርግር ከተንስኣሎም እዩ። ንሳቶም ድማ ኢድ ሓድሕዶም ክተሓሓዙ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኢድ ብጻዩ ኸልዓል እዩ። 14ይሁዳ ድማ ንየሩሳሌም ክዋግኣ እዩ፡ ሃብቲ እቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ዅሎም ኣህዛብ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ወርቅን ብሩርን ክዳውንትን፡ ክድለብ እዩ። 15ከምኡውን እታ ንፈረስን ንበቕልን ንገመልን ንኣድግን ነቶም ኣብቲ ሰፈር ዘለዉ ዅላቶም እንስሳን እትወቅዕ መዓት ከምዛ መዓት እዚኣ ኽትከውን እያ።
   16ክኸውን ድማ እዩ፡ ካብቶም ኣንጻር የሩሳሌም መጺኦም ዝነበሩ ዅሎም ኣህዛብ ዝተረፉ ዘበሉ ዅላቶም ንንጉስ፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ክሰግዱን በዓል ዳስ ከብዕሉን ኣብ ዓዓመት ክድይቡ እዮም። 17ክኸውን ድማ እዩ፡ ገለ ኻብዞም ዓሌት ምድሪ ነቲ ንጉስ፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ክሰግዱሉ፡ ናብ የሩሳሌም እንተ ዘይደየቡ፡ ኣብኦም ዝናም ኣይክዘንምን እዩ። 18ዓሌት ግብጺ እንተ ዘይደየቡን ዘይመጹን ከኣ ናብ ኦምውን ኣይክዘንምን እዩ። እዚ እግዚኣብሄር ነቶም በዓል ዳስ ከብዕሉ ዘይድይቡ ኣህዛብ ዝቐጽዓሉ መዓት እዩ። 19እዚ እቲ ቕጽዓት ግብጽን ቅጽዓት እቶም በዓል ዳስ ከብዕሉ ዘይድይቡ ዅላቶም ኣህዛብን እዩ።
   20በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቃጽል ኣፍራስ፡ ቅዱስ ንእግዚኣብሄር፡ ዝብል ክጽሓፍ እዩ። እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ድስትታትን ከምቲ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ዘሎ ሓሊባት ክኸውን እዩ።። 21ድስቲ ዘበለ ዅሉ ኣብ የሩሌምን ኣብ ይሁዳን ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ክቕደስ እዩ። እቶም መስዋእቲ ዝስዋኡ ዅላቶም ከኣ ክመጹ እዮም እሞ ካብኡ ወሲዶም ኣብኡ ከብስሉ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከነኣናዊ ከቶ ኣይክህሉን እዩ።

Leave a Reply

መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን
ብሉይ ኪዳን
ሓድሽ ኪዳን
መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን

ብሉይ ኪዳን

ሓድሽ ኪዳን