መልእኽቲ ያእቆብ to test

1  2  3  4  5

 

 

        ያእቆብ ምዕራፍ 1

   1ያእቆብ ናይ ኣምላኽን ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ባርያ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ነገድ ሰላም ይብሎም ኣሎ።
   2ኣሕዋተየ፡ በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ።3እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዝገብር ፈሊጥኩምሲ፡4ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሃልዋ።
   5ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ከየስተሓፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዝህብ ኣምላኽ ይለምኖ፡ ክውሃቦውን እዩ።6እቲ ዝጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዝደፍኦን ዝመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዝመስል እሞ፡ ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምን።7-8ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዝቕበል ኣይምሰሎ።
    9እቲ ለጠቕ ዝበለ ሓው ግና ልዕል ብምባሉ ይመካሕ።10እቲ ሃብታምውን፡ ከም ዕምባባ ሳዕሪ ኽሓልፍ እዩ እሞ፡ ብውርደቱ ይመካሕ።11ጸሓይ ምስ ዋዒኣ ትወጽእ እሞ፡ ነቲ ሳዕሪ ተንቅጾ፡ እቲ ዕምባባኡ ኸኣ ይረግፍ፡ ደመት ትርኢቱ ድማ ይጠፍእ፡ ከምኡውን እቲ ሃብታም ብመገዱ ኽሓርር እዩ።
   12ተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ክቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዝዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ።13ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ፡ ኣምላኽ ፈቲኑኒ ኣይበል።14ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሓቢሉን እዩ ዝፍተን።15ደሓር፡ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ፡ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ።16ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተይ፡ ኣይትስሓቱ።17ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዘይብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዝወርድ።18በዅሪ ፍጥረቱ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ እዩ ኸም ፍቓዱ ብቓል ሓቂ ዝወለደና።
   19-20ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ ይኹን።21ስለዚ ንርኽሰት ዘበለን ብዝሒ ኽፍኣትን ኣርሕቑ፡ ነቲ ንነፍስኹም ከድሕና ዝከኣሎ ትኹል ቃልውን ብገርህነት ተቐበልዎ።22ገበርቲ ቓል ኩኑ፡ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ።23ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ፡ ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዝርኢ ሰብኣይ እዩ ዝመስል።24ነፍሱ ይርኢ እሞ፡ ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዖ።25እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዝጥምትን ዝጸንዕን፡ ግብሪ ዝገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ክኸውን እዩ።26ሓደ እኳ፡ ንልቡ ደኣ ዘስሕቶ እምበር፡ ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ፡ ንኣምላኽ ዘምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ፡ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ።27ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዘይብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ፡ ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሓሎኻ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።

 

        ያእቆብ  ምዕራፍ 2
 

   1ኣቱም ኣሕዋተይ፡ እምነት ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታ ኽብሪ፡ ብዘይ ኣድልዎ ሓዙ።2ኣብ ቤት ጸሎትኩም ሓደ ብዓል ቀለቤት ወርቂ፡ ባዕባዕ ዝብል ክዳን እተኸድነ ሰብኣይ እንተ ኣተወ፡ ሓደ ድኻ ድማ ረሳሕ ክዳን ተኸዲኑ እንተ ኣተወ፡3እሞ ነቲ ባዕባዕ ዝብል ክዳን እተኸደነ እንተ ርኤኹም፡ ንስኻ ኣብዚ ጽቡቕ ስፍራ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ነቲ ድኻ ድማ፡ ንስኻስ ኣብቲ ደው በል፡ ወይስ ኣብዚ ትሕቲ ድኳ እግረይ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡4ኣብ ንሓድሕድኩም ኣድልዎ ምግባር ደይኰነን፡ ብኽፉእ ሓሳብዶኸ ፈራዶ ኣይኰንኩምን፧
   5ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ስምዑ፡ ብእምነት ክህብትሙ ነቶም ዘፍቅርዎ ተስፋ ዘግበረላ መንግስቲ ኸኣ ክወርሱ ኢሉዶ፡ ኣምላኽ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለም እዚኣ ኣይሓረዮምን እዩ፧6ንስኻትኩም ግና ነቲ ድኻ ነዓቕኩምዎ። እቶም ሃብታማትዶ ኣይኰኑን ዝሕይሉኹምን ናብ መጋባእያ ዝስሕቡኹምን፧7ንሳቶምዶ ኣይኰኑንከ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ኽቡር ስም ዝጸርፉ ዘለዉ፧8ሕጂ ግና ከምቲ ጽሑፍ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ጌርካ ኣፍቕሮ፡ ዝብል፡ ነቲ ንጉሳዊ ሕጊ ብሓቂ እንተ ፈጸምኩምዎ፡ ሰናይ ትገብሩ ኣሎኹም።9እንተ ኣድሎኹም ግና፡ ሓጢኣት ትገብሩ ኣሎኹም፡ እቲ ሕጊ ኸኣ መፍረስቲ ምዃንኩም ይረትዓኩም እዩ።10ንብዘሎ እቲ ሕጊ ሓልዩ ኣብ ሓንቲ ዝብድል ብዅሉ እዩ በደለኛ ዝኸውን።11እቲ፡ ኣይትዘሙ፡ ዝበለ፡ ኣይትቕተል፡ ድማ በለ። ስለዚ እንተ ዘይዘሞኻ እኳ፡ ካብ እትቐትልሲ መፍረሲ ሕጊ ኢኻ።12-13ነቲ ምሕረት ዘይገበረስ ምሕረት ዘይብሉ ፍርዲ ክዀኖ እዩ፡ ምሕረትሲ ኣብ ፍርዲ ትምካሕ እያ እሞ፡ ከምቶም ብናይ ሓርነት ሕጊ ዝፍረዶም፡ ከምኡ ተዛረቡ ኸምእውን ግበሩ።
   14ኣሕዋተየ፡ ሓደ ሰብ፡ እምነት ኣላትኒ፡ እንተ በለ፡ ግብሪ ግና ካብ ዘይትህልዎ፡ እንታይ ይጠቅም፧ እዛ እምነት እዚኣዶ ኸተድሕኖ ትኽእል እያ፧15ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዓረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰኣኑ፡16እሞ ንስጋኦም ዘድሊ ኸይሀብኩምዎምሲ፡ ሓደ ካባኻትኩም፡ ብሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቕም፧17ከምኡ ኸኣ እምነት፡ ግብሪ እንተ ዘይብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ።
   18ግናኸ ሓደ ሰብ ግዳ፡ ንስኻ እምነት ኣላትካ፡ ኣነ ኸኣ ግብሪ ኣሎኒ፡ ይብል ይኸውን። እምብኣርሲ እምነትካ ብዘይ ግብሪ ኣርእየኒ፡ ኣነውን ብግብረይ ገይረ እምነተይ ከርእየካ እየ።19ንስኻስ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትኣምን ኣሎኻ። ጽቡቕ ገበርካ፡ ኣጋንንቲውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም።20ግናኸ፡ ኣታ ከንቱ ሰብ፡ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧21ኣብርሃም ኣቦናዶ ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፡ ብግብሩ ኣይጸደቐን፧22እምነት ምስ ግብሩ ዀይና ኸም ዝዓየየት፡ እምነት ብግብሪ ገይራውን ከም እተፈጸመት፡ ትርኢ ኣሎኻ።23እቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ ዝብል ጽሑፍ ተፈጸመ፡ ፍቁር ኣምላኽውን ተባህለ።
   24ሰብ ብግብሪ ኸም ዝጸድቕ፡ ብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነ፡ ትርእዩ ኣሎኹም።25ከምኡ ኸኣ ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶም፡ ብኻልእ መገዲውን ምስ ኣውጽኣቶም፡ ብግብሪዶ ኣይጸደቐትን፧26እምብኣርከ ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝዀነ፡ ከምኡውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ።

 

        ያእቆብ  ምዕራፍ 3
 

   1ኣሕዋተየ፡ ዝገድድ ፍርዲ ኸም እንቕበል ፈሊጥኩም፡ ብዙሓት መምህራን ኣይትኹኑ።2ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና እሞ፡ ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተሎ፡ ንሱ ንብዘሎ ስጋኡ ኽለጕም ዝከኣሎ፡ ብቑዕ ሰብኣይ እዩ።3እንሆ፡ ኣብ ኣፍ ኣፍራስ፡ ምእንቲ ክእዘዙና ኢልና፡ ልጓም ንገብረሎም ኣሎና፡ ንብዘሎ ስጋኦምውን ብእኡ ኢና እነቕንዖ።4እንሆ፡ መራኽብ ድማ፡ ክንድዚ ዓበይቲ ኽነሰንሲ፡ ብብርቱዕ ንፋስ እናተኸብከባ ናብቲ ፍቓድ መራሒ ዝደልዮ ብንእሽቶ ስካን እየን ዝቃንዓ።5ከምኡ ድማ ልሳን ንእሽቶ ኣካል እያ እሞ፡ ብዓብዪ ነገር ትምካሕ። እንሆ፡ ንእሽቶ ሓዊ ኽንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተንድድ።6ልሳንውን ሓዊ እያ፡ ዓለም ዓመጻ እያ። ልሳን ኣብ ማእከል ኣካላትና ሰፊራ ንብዘሎ ስጋ ተርክሶ ኣላ፡ ንመዘወር ንብረት ከኣ ተንድዶ፡ ብገሃነምውን ዝነደደት እያ።7ኵሉ ዓሌት እንስሳን ኣዕዋፍን ለመም ዝብልን እንስሳ ባሕርን ብባህርይ ሰብ ይግዛእ፡ ተገዚኡውን ኣሎ።8ግናኸ ንልሳንሲ ሓደ ሰብ እኳ ኽገዝኣ ኣይተኻእሎን፡ ንሳ ዘይተዓርፍ እክይቲ፡ ዝቐትል ሕንዚ ዝመልአት እያ።9ብእኣ ጌርና ንጐይታን ነቦን ንምርቕ፡ ብእኣ ጌርናውን ነቶም ብምስሊ ኣምላኽ እተፈጥሩ ሰባት ንረግም።10ካብ ሓደ ኣፍሲ ምርቓን መርገምን ይወጽእ። ኣሕዋተየ፡ እዚ ኸምዚ ክኸውን ኣይግባእን እዩ።11ወይስ ዔላዶ ኻብ ሓንቲ ዓይኒ ማይ ጥዑምን መሪርን ማይ ትፍልፍል እያ፧12ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ኦም በለስዶ ፍረ ኣውልዕ ክትፈሪ ይከኣላ እዩ፡ ወይ ተኽሊ ወይንስ ፍረ በለስ፧ ከምኡኸ እታ ዔላ ጨው ጥዑም ማይ ክትፍልፍል ኣይከኣላን እዩ።
   13ኣብ ማእከልኩምከ ለባምን ኣስተውዓልን መን እዩ፧ ንሱ ብሰናይ ኣኻይዳኡ ብለውሃት ጥበብ ገይሩ ግብሩ የርኢ።14መሪር ቅንእን ሻራን ኣብ ልብኹም ካብ ዝህልወኩም ግና፡ ንሓቂ እናተጻረርኩም ኣይትመክሑን ኣይትሓስዉን።15-16ኣብቲ ቕንእን ሻራን ዘለዎ፡ ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን ኣሎ እሞ፡ እዛ ጥበብ እዚኣ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር፡ ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን።17እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ፡ ደሓርውን ሰላማዊት፡ ልእምቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልአት፡ ብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ።18ነቶም ሰላም ዝገብሩውን እቲ ፍረ ጽድቂ ብሰላም ይዝርኦም እዩ።

 

        ያእቆብ  ምዕራፍ 4
 

    1እቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ እዩ ዝመጽእ ዘሎ፡ ካብቲ ኣብ ኣካላትኩም ኰይኑ ዝዋጋእ ዘሎ ፍትወት ስጋኹም ደይኰነን፧2ትምነዩ እሞ የብልኩምን፡ ትቐትሉን ትቐንኡን እሞ ሓንቲ እኳ ኽትረኽቡ ኣይከኣለኩምን እዩ፡ ትበኣሱን ትዋግኡን ኢኹም እሞ፡ ስለ ዘይለመንኩም የብልኩምን።3ትልምኑ ኢኹም እሞ፡ ብፍትወት ስጋኹም ምእንቲ ኽትዘርውዎ፡ ብኽፉእ ስለ ዝለመንኩም፡ ኣይትቕበሉን ኢኹም።4ኣትን ዘመውቲ፡ ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን፧ እምበኣርከ ፈታው ዓለም ምዃን ዝደሊ፡ ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዝኸውን።5ወይስ እቲ ጽሑፍዶ ብኸንቱ ዝብል ዘሎ ይመስለኩም፧ እቲ ኣባና ዘሕደሮ መንፈስከ ኽሳዕ ቅንኢዶ ሃረር ይብል እዩ፧6ንሱ ግና ኣብዚሑ ጸጋ ይህብ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም፡ ይብል።7እምብኣርስሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ክሃድም እዩ።8ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ክቐርበኩም እዩ። ኣቱም ሓጥኣን፡ ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፡ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢውን፡ ልብኹም ኣንጽሁ።9ተሽገሩን ጕሃዩን ብኽዩን። ሰሓቕኩም ናብ ብኽያት፡ ሓጐስኩምውን ናብ ሓዘን ይለወጥ።10ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ፡ ንሱውን ልዕል ከብለኩም እዩ።
    11ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓማመዩ። እቲ ንሓዉ ዝሓሚ ወይስ ኣብ ሓዉ ዝፈርድ ነቲ ሕጊ ይሓምዮ፡ ኣብ ሕጊውን ይፈርድ። ኣብ ሕጊ ኻብ እትፈርድ ግና፡ ፈራዲ እምበር፡ ገባር ሕጊ ኣይኰንካን።12እቲ ኸድሕንን ከጥፍእን ዝኽእል ሓጋግ ሕግን ፈራድን ሓደ ንሱ እዩ። ኣብ ብጻይካ እትፈርድከ ንስኻ እንታዋይ ኢኻ፧
    13እስኪ ሕጂኸ ንስኻትኩም፡ ሎሚ ወይስ ጽባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ ንኺድ እሞ ኣብኣ ዓመት ንግበር፡ ክንነግድን ክንረብሕን ኢና፡ እትብሉ፡14ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዝኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። ህይወትኩም ደኣ እንታይ እያ፧ ንቕሩብ ግዜ ተርእያስ፡ ደሓር ዝበንን ትኪ ኢኹም።15ጐይታ እንተ ፈቐዶ፡ ንሕናውን እንተ ሃሊና፡ እዚ ወይስ እቲ ክንገብር ኢና፡ ኣብ ክንዲ ምባልሲ፡16ሕጂ ግና ብምጅሃርኩም ትምክሑ ኣሎኹም። ከምዚ ዝበለ ዅሉ ትምክሕቲ ኽፉእ እዩ።17እምበኣርስኸ እቲ ሰናይ ምግባር ዝፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንእኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ።

 

          ያእቆብ  ምዕራፍ 5
 

   1ኣቱም ሃብታማት፡ እስኪ ሕጂኸ በቲ ዝመጸኩም ዘሎ መግደራ ዋይ ዋይ እናበልኩም ብኸዩ።2ሃብትኹም መሽሚሹ፡ ንኽዳውንትኹምውን ብልዒ በሊዕዎ።3ወርቕኹምን ብሩርኩምን መሪቱ፡ እቲ ምምራቱ ኸኣ ክምስክረልኩም እዩ። ንስጋኹምውን ከም ሓዊ ኽበልዖ እዩ፡፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት መዝገብ አኪብኩም ኣሎኹም።4እንሆ፡ ውዕለት እቶም ግርሁኹም ዝዓጸዱ ዓየይቲ፡ ንስኻትኩም ከኣ ዝገደብኩምዎም፡ የእዊ ኣሎ። ኣውያት እቶም ዓጻዶውን ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ጻባኦት በጺሑ ኣሎ።5ኣብ ምድሪ ሓንቂቕኩምን ጥዒሙኩምን፡ ከም ብመዓልቲ ማሕረዲውን ልብኹም ኣስቢሕኩም።6ፈሪድኩም፡ ነቲ ጻድቕ ቀቲልኩምዎ፡ ንሱ ኣይጻረረኩምን እዩ።
    7እምብኣርሲ፡ ኣሕዋተየ፡ ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ተዓገሱ። እንሆ፡ ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይጽበዮ፡ ኣኸዛን ማይ ጽብሓትን ክሳዕ ዝረክብውን ይዕገስ እዩ።8ንስኻትኩም ከኣ፡ ምጽኣት ጐይታ ቐረባ እዩ እሞ፡ ተዓገሱ፡ ልብኹምውን ኣጽንዑ።9ኣሕዋተየ፡ ከይትፍረዱ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኤህ ኣይትበሉ። እንሆ፡ እቲ ፈራዲ ኣብ ኣፍ ቤት ደው ኢሉ ኣሎ።10ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ነቶም ብስም እግዚኣብሄር እተዛረቡ ነብያት፡ ኣርኣያ ሓሳረ መከራን ትዕግስትን ግበርዎም።11እንሆ፡ ነቶም እተዓገሱ ብጹኣን እዮም ንብሎም ኣሎና። ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም ኣሎኹም፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብዙሕ ለውሃት ዝመልአን ደንጋጽን እዩ እሞ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ መወዳእታ ርኢኹምዎ ኣሎኹም።
    12ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኸይትወድቁስ፡ እቲ እወኹም እወ፡ እቲ ኣይኰነን ዝበልኩምዎ ኸኣ ኣይኰነን ይኹን እምበር፡ ቅድሚ ዅሉ ብሰማይ፡ ወይስ ብምድሪ፡ ወይስ ብኻልእ ማሕላ ኣይትምሓሉ።
    13ኣብ ማእከልኩም ሓሳረ መከራ ዝጸግብ ኣሎ፧ ይጸሊ። ሕጉስዶ ኣሎ፧ ይዘምር።14ኣብ ማእከልኩምከ ዝሓመመዶ ኣሎ፧ ንሽማግለታት ማሕበር ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄር፡ ዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ።15እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ክሕደገሉ እዩ።16እምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተኣመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ።17ኤልያስ ከማና ዝድኻሙ ሰብ እዩ ዝነበረ፡ ዝናም ከይዘንም ከኣ ጸሎት ጸለየ እሞ፡ ሰለስተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ኣብ ምድሪ ኣይዘነመን።18ከም ብሓድሽ ድማ ጸሎት ጸለየ፡ ሰማይ ከኣ ዝናም ሃበ፡ ምድሪውን ፍሪኣ ኣብቈለት።
    19ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሓደ ካባኻትኩም ካብ ሓቂ እንተ ዘምበለ፡ ሓደ ኸኣ እንተ መለሶ፡20እቲ ንሓጥእ ካብ መገዲ ጌጋኡ ዝመልሶ፡ ንነፍሱ ኻብ ሞት ከም ዘድሕን፡ ብዝሒ ሓጢኣትውን ከም ዝኸድን፡ ይፍለጥ።

መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን
ብሉይ ኪዳን
ሓድሽ ኪዳን
መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን

ብሉይ ኪዳን

ሓድሽ ኪዳን