መልእኽቲ ጳሎስ ናብ ሰብ ሮሜ
1 2 3 4 5 6 7 8
9 10 11 12 13
14 15 16
ሮሜ ምዕራፍ 1
1ጳውሎስ ባርያ የሱስ ክርስቶስ፡ ሃዋርያ ክኸውን እተጸውዐ፡ ንወንጌል ኣምላኽ እተፈልየ፡ 2ኣቐዲሙ ብነብያቱ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘተስፈዎ፡ 3ብዛዕባ ወዱ፡ብስጋ ኻብ ዘርኢ ዳዊት እተወልደ፡ 4ንሱ የሱስ ክርስቶስ፡ጐይታና፡ካብ ምዉታት ብምትንሳኡ፡ ብመንፈስ ቅድስና ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ብሓይሊ እተጋህደ፡ 5ስለ ስሙ ኣብ ኲሎም ኣህዛብ ምእዛዝ እምነት ክንተክል፡ ብእኡ ጸጋን ሃዋርያነትን እተቐበልና፡ 6ንስኻትኩም ከኣ ምሳታቶም ጽዉዓት የሱስ ክርስቶስ ኢኹም፡ 7ኣብ ሮሜ ንዘሎኹም ጽዉዓትን ቅዱሳንን ፍቁራት ኣምላኽ ኲላትኩም። ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይሃሉኹም። 8 እምነትኩም ኣብ ኲላ ዓለም ስለ እተወርየት፡ ቅድሚ ዂሉ ብዛዕባ ዂላትኩም ንኣምላኸይ ብየሱስ ክርስቶስ ኣመስግኖ ኣሎኹ። 9-12ንምጽናዕኩም ገለ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕለኩም፡ ክርእየኩም እናፍቕ ኣሎኹ፡ ማለት፡ በታ ኣብ ሓድሕድና ዘላ እምነት፡— ናትኩምን ናተይን፡ ኣባኹምን ምሳኹምን፡— ምእንቲ ኽንጸናናዕሲ፡ ብዘይ ምቁራጽ ከም ዝሓስበኩም፡ ብፍቓድ ኣምላኽ እንተ ሰለጠንስ፡ ብገለ መገዲ ኣብ መወዳእታ ናባኻትኩም ክመጽእ፡ ብጸሎተይ ኲሉ ሳዕ ከም ዝልምን፡ እቲ ብወንጌል ወዱ ብመንፈሰይ ዘገልግሎ ኣምላኽ ይምስክረለይ እዩ። 13ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ከምቲ ኣብቶም ካልኦት ኣህዛብ፡ ኣባኻትኩምውን ፍረ ምእንቲ ኽረክብሲ፡ ናባኻትኩም ንምምጻእ፡ ምኽረይ ከም ዝቘረጽኩ፡—ክሳዕ ሕጂ ግና ከም እተኸልከልኩ፡— ክትፈልጡ እፈቱ ኣሎኹ። 14ንጽርኣውያንን ንኻልኦት ኣህዛብን ንለባማትን ንዓያሱን ዕዳ ኣሎኒ። 15ስለዚ ብናይ ርእሰይሲ ኣብ ሮሜ ንዘሎኹምውን ወንጌል ክሰብከልኩም ተዳልየ ኣሎኹ። 16ወንጌል ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡውን ንጽርኣዊ፡ ንዝኣምን ዘበለ ዂሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ እሞ፡ ብወንጌል ኣይሐፍርን እየ። 17ከምቲ ጽሑፍ፡ ጻድቕ ግና ብእምነት ይነብር፡ ዝብል፡ እቲ ጽድቂ ኣምላኽ ካብ እምነት ናብ እምነት ብእኡ ይገሃድ እዩ። 18ቁጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ኣብ ረሲእነትን ዓመጻ ዘበለ ዂሉን ነቲ ሓቂ ብዓመጻ ኣብ ዝኸድንዎ ሰባት ይግለጽ እዩ። 19ኣምላኽ ገሊጹሎም እዩ እሞ፡ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝፍለጥ ዘበለ ኣባታቶም ግሉጽ እዩ፡ 20ዘማኻንይዎ ምእንቲ ኽስእኑስ፡ እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዝፍለጥ ዘይርአ ባህርዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርአ። 21ግናኸ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ፡ ከም ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘየኽበርዎን ዘየመስገንዎን ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ጸልመተ። 22-23ለባማት ኢና እናበሉ ዓሸዉ እሞ፡ ንኽብሪ እቲ ዘይሓልፍ ኣምላኽ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብን ኣዕዋፍን ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ለመም ዝብልን ንዝመስል ለወጥዎ። 224-25ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ — ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜን፡ — ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን፡ ኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ከሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሃቦም። 26ስለዚ ኣምላኽ ንዘነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሃቦም። ደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦአን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ። 27እቶም ተባዕትዮውን ከምኡ ነቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓል ኣንስተይቲ ሐዲጎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑ፡ ሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩ፡ ግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ። 28ከምቲ ኣምላኽ ኣብ ፍልጠቶም ክሕዝዎ ዘየቋጸርዎ፡ ኣምላኽ ከኣ ከምኡ ዘይንቡር ክገብሩ ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሃቦም። 29ዓመጻ ዘበለ፡ ሕሰም፡ ስሰዐ፡ ክፍኣት ዝመልኦም፡ ምሉኣት ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ባእሲ፡ ተንኰል፡ እከይ፡ 30መሕሸዂሸዂቲ፡ ሓመይቲ፡ ኣብ ኣምላኽ ጽሉኣት፡ ገፋዕቲ፡ ኲሩዓት፡ ተጅሃርቲ፡ ተጣበብቲ እከይ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ 31ደናቑርቲ፡ ጠለምቲ፡ ፍቕሪ ዘይብሎም፡ ዘይድንግጹ፡ 32እዚኣቶም፡ ነቶም ከምዚ ዝበለ ዝገብሩ ሞት ከም ዝግብኦም፡ ነቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እናፈለጥዎ ኽነሶምሲ፡ ምስቶም ዝገብርዎ ድማ ይሰምሩ ኣለዉ እምበር፡ ዝገብርዎ ጥራይ ኣይኰኑን።
ሮሜ ምዕራፍ 2
1ስለዚ፡ ኣታ እትፈርድ ሰብ፡ ዝዀንካ እንተ ዀንካ፡ ነቲ እትፈርዶስ ትገብሮ ስለ ዘሎኻ፡ በቲ ንኻልእ እትፈርዶ ንርእስኻ ትዂንን ኣሎኻ እሞ፡ ምኽንያት የብልካን። 2ንሕናስ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዝገብሩ እቲ ፍርዲ ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። 3ኣታ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዝገብሩ እትፈርድ ባዕልኻውን እትገብሮ ሰብ፡ ካብቲ ፍርዲ ኣምላኽ እትመልቑዶ ይመስለካ ኣሎ፧ 4ወይ ከኣ ሕያውነት ኣምላኽ ናብ ንስሓ ኸም ዝስሕበካ ሰኣን ምፍላጥካ ሃብቲ ሕያውነቱን ጸዋር ምዃኑን ዓቕሉንዶ ትንዕቕ ኣሎኻ፧ 5ግናኸ ብትርኻን ብዘይ ምንሳሕ ልብኻን ነቲ ብመዓልቲ ቑጥዓን ምግላጽ ቅኑዕ ፍርዲ ኣምላኽን ዝወርድ ቁጥዓ ኣብ ርእስኻ ትእክብ ኣሎኻ። 6ንሱ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ክፈድዮ እዩ። 7ማለት፡ ነቶም ሰናይ እናገበሩ ተዓጊሶም ግርማን ክብርን ዘይምጥፋእን ዝደልዩ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክህቦም እዩ። 8ነቶም ንዓመጻ ዝእዘዙ እምበር፡ ንሓቂ ዘይእዘዙ መሻረውቲ ግና ቁጥዓን መዓትን ክወርዶም እዩ። 9እከይ ንትገብር ዘበለት ኲላ ነፍሲ ሰብ፡ ጭንቀትን ጸበባን ክወርዳ እዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊ። 10ሰናይ ንዝገብር ዘበለ ዂሉ ግና ግርማን ክብርን ሰላምን ክውሃቦ እዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊ። 11ኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ ገጽ የልቦን። 12-13ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እቶም ገበርቲ ሕጊ ደኣ እዮም ዝጸድቁ እምበር፡ ሰማዕቲ ሕግስ ጻድቃን ኣይኰኑን እሞ፡ እቶም ብዘይ ሕጊ ሓጢኣት ዝገበሩ ዘበሉ ብዘይ ሕጊ ኽጠፍኡ እዮም፡ እቶም ሕጊ ኸለዎም ሓጢኣት ዝገብሩ ዘበሉ ዂላቶም ከኣ በቲ ሕጊ ኽፍረዱ እዮም። — 14-15እቶም ሕጊ ዘይብሎም ኣህዛብ፡ ሕልናኦም እናመስከረሎም ሓሳቦምውን ንሓድሕዱ እናተኻሰሰ ወይስ እናተኻላኸለ፡ እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ ኣለዉ እሞ፡ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዮም ተደሪኾም ካብ ዝገብርዎስ፡ ንሳቶም ሕጊ እንተ ዘይብሎም እኳ፡ ንርእሶም ሕጊ እዮም።— 16በታ፡ ከም ወንጌለይ ገይሩ፡ ኣምላኽ ነቲ ምስጢራት ሰብ ብየሱስ ክርስቶስ ዝፈርደላ መዓልቲ ኸምኡ ክኸውን እዩ። 17ግናኸ ንስኻ፡ ኣይሁዳዊ እንተ ተብሃልካ፡ ብሕጊ እንተ ተኣመንካ ብኣምላኽውን እንተ ተሐበንካ፡ 18ፍቓዱ እንተ ፈለጥካ፡ ካብ ሕጊ ተምሂርካውን እቲ ቕኑዕ መርሚርካ እንተ ፈለኻ፡ 19መራሕ ዕዉራት፡ ኣብ ጸልማት ንዘለዉ ብርሃን ምዃንካውን ብርእስኻ እንተ ተኣመንካ፡ 20ንስኻ ንዓያሱ መለበሚ፡ ንቘልዑ መምህር፡ ኣብ ሕጊውን ምስሊ ፍልጠትን ሓቅን ዘሎካ ኢኻ። 21እምብኣርሲ ኣታ ንኻልእ እትምህር፡ ንርእስኻስ ኣይትምህራን ዲኻ፧ ኣታ፡ ኣይትስረቑ፡ ኢልካ እትሰብኽ። ባዕልኻዶ ትሰርቕ፧ 22ንስኻ፡ ኣይትዘምዉ፡ እትብል፡ ባዕልኻዶ ትዝሙ፧ ንስኻ ጣኦት እትፍንፍን፡ ባዕልኻዶ ቤተ መቕደስ ትሰርቕ፧ 23-24ከምቲ፡ ብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ይጽረፍ እዩ፡ ዝብል ተጽሒፉ ዘሎ፡ ኣታ ብሕጊ እትምካሕ፡ ሕጊ ብምፍራስካዶ ንኣምላኽ ተሕስሮ ኣሎኻ፧ 25ግዝረትሲ፡ ሕጊ እንተ ሓሎኻ፡ ትጠቅም እያ እሞ፡ ሕጊ እንተ ኣፍረስካ ግና፡ እታ ግዝረትካ ዘይግዝረት እያ እትኸውን። 26 እምብኣርሲ እቲ ዘይግዙር ነቲ ሕጊ ዝደልዮ ስርዓት እንተ ሓለዎ፡ እቲ ዘይምግዛሩዶ ኸም ግዝረት ኰይኑ ኣይቁጸረሉን እዩ፧ 27 እቲ ኻብ ባህርዩ ዘይግዙር ክነሱ ሕጊ ዝሕሉ፡ ንኣኻ፡ ብፊደልን ብግዝረትን ሕጊ ንተፍርስ፡ ክፈርደካ እዩ። 28 ብዝርአ ኣይሁዳዊ ምዃን ኣይሁዳዊ ኣይኰነን እሞ፡ እታ ብዝርአ ኣብ ስጋ እትግበር ግዝረትውን ግዝረት ኣይኰነትን። 29 እቲ ብውሽጢ ኣይሁዳዊ ዝዀነ ግና፡ ንሱ ኣይሁዳዊ እዩ። እታ ግዝረት ከኣ ግዝረት ልቢ ብመንፈስ እያ እምበር፡ ብፊደል ኣይኰነትን። እቲ ንእዶኡውን ካብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይኰነን።
ሮሜ ምዕራፍ 3
1እምብኣርሲ ኣይሁዳዊ ደኣ እንታይ እዩ ረብሓኡ፧ ጥቕሚ ግዝረትሲ እንታይ እዩ፧ 2 ብዂሉ ወገን ብዙሕ እዩ። ቅድሚ ዂሉ፡ ቃል ኣምላኽ ንኣታቶም ሕድሪ ተውሂብዎም እዩ። 3ሓያሎ ኻባታቶም ዘይእሙናት እንተ ዀኑ ግዲ እንታይ እዩ፧ እቲ ዘይእሙናት ምዃኖምዶ ነቲ ናይ ኣምላኽ እምንነት ከንቱ ይገብሮ እዩ፧ 4ያእ ኣይፋሉን። ከምቲ፡ ብቓላትካ ኽትጸድቕ፡ ምስ ዝፍረደካውን ክትረትዕ ኢኻ፡ ዝብል ጽሑፍ ደኣ፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ፡ ኲሉ ሰብ ግና ሓሳዊ ምዃኑ ይረኸብ። 5እቲ ዓመጻናስ ጽድቂ ኣምላኽ ዘርኢ ኻብ ኰነኸ፡ እንታይ ንበል፧ ኣምላኽ ቁጥዓኡ ምስ ዘውርድሲ፡ ዓማጺ ድዩ፧ — ከም ኣዛራርባ ሰብ እዛረብ ኣሎኹ። — 6ኣይፋሉን። ከመይ ኢሉ ደኣ ኣምላኽ ንዓለም ምፈረዳ፧ 7እቲ ሓቂ ኣምላኽ በቲ ሓሶተይ ንኽብሩ ኻብ ወሰኸ፡ ስለምንታይ ደኣ ኣነ ኸም ሓጥእ ኰይነ ዝፍረድ፧ 8ከመይ ደኣ ኸምቲ ዝጸርፉናን ገሊኦምውን፡ ጽቡቕ ምእንቲ ክመጽእሲ ኽፉእ ንግበር፡ ከም እንብል ዝብሉናን፡ ዘይንገብር፧ ደይኒ ነዚኣቶም ቅኑዕ እዩ።
9እንታይ ደኣ እዩ፧ ካባታቶም እንሕሸሉዶ ኣሎና፧ ሓንቲ እኳ፡ ኣይሁድ ኰነ ወይስ ጽርኣውያን፡ ኲላቶም ትሕቲ ሓጢኣት ምዃኖም ቅድም ከሲስና ኣሎና። 10ከምኡውን ተጽሒፉ ኣሎ፡ ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን፡ 11ሓደ እኳ ዘስተብህል የልቦን፡ ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝደልዮ የልቦን። 12ኲላቶም ዘምበሉ፡ ኲላቶም ሓቢሮም ዘይጠቕሙ ዀኑ፡ ጽቡቕ ዝገብር የልቦን፡ ሓደ እኳ የልቦን። 13ጐረሮኦም ክፉት መቓብር እዩ፡ ብልሳውንቶም ይጥብሩ፡ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ መንደልቶ ኣሎ። 14ኣፎም መርገምን ምርን ምሉእ እዩ። 15ኣእጋሮም ንምፍሳስ ደም ቅልጡፍ እዩ። 16ኣብ መገዶም ጥፍኣትን ጸበባን ኣሎ፡ 17ንመገዲ ሰላም ከኣ ኣይፈልጥዋን እዮም። 18ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶምውን ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን።
19ግናኸ ዂሉ ኣፍ ምእንቲ ኽዕጾ፡ ኲላ ዓለምውን ትሕቲ ፍርዲ ኣምላኽ ክትከውንሲ፡ እቲ ሕጊ ዝብሎ ዘበለ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ኸም ዝዛረቦም፡ ንፈልጥ ኢና። 20ሕግስ ሓጢኣት እዩ ዘፍልጥ እሞ፡ ስለዚ ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣብ ቅድሚኡ ብግብሪ ሕጊ ዝጸድቕ የልቦን።
21ሕጂ ግና እቲ ብሕግን ነብያትን እተመስከረሉ ጽድቂ ኣምላኽ ብዘይሕጊ ተገልጸ። 22ማለት፡ ጽድቂ ኣምላኽ ብምእማን ብየሱስ ክርስቶስ ንዝኣምኑ ዂላቶም እዩ፡ በዚ ሌላን ጒሌላን የልቦን እሞ፡ 23ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም። 24በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ በጃ ምሕላፍ ብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ። 25ንእኡ ኸኣ፡ ነቲ ቐደም ብትዕግስቲ ኣምላኽ እተገብረ ሓጢኣት ይሕለፍ ስለ ዝሓደጎ፡ ኣምላኽ ጽድቁ ምእንቲ ኸርኢ፡ ብእምነት ብደሙ መተዓረቒ ገይሩ ኣቘሞ። 26ንሱ ጻድቕ ክኸውን፡ ካብ እምነት የሱስ ንዘበለውን ከጽድቕ፡ ሕጂ ኣብዚ ዘመን እዚ ጽድቁ ኽገልጽ እዩ።
27ምሕባን ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ ተሪፉ። በየናይ ሕጊ፡ ብሕጊ ግብሪዶ፡ ኣይኰነን ብሕጊ እምነት ደኣ እዩ። 28ስለዚ ኸኣ ሰብ ብዘይግብሪ ሕጊ ብእምነት ከም ዝጸድቕ፡ ንብል ኣሎና። 29-30ወይስ ኣምላኽ ናይ ኣይሁድ ኣምላኽ ጥራይ ድዩ፧ ኣምላኽ ኣህዛብሲ ኣይኰነንዶ፧ እቲ ንግዙር ካብ እምነት፡ ንዘይግዙርን ብእምነት ዘጽድቕ ኣምላኽ ሓደ ስለዝኾነ፡ እወ ናይ ኣህዛብውን እባ እዩ። 31እምበኣርሲ ንሕጊዶ ብእምነት ነፍርሶ ኣሎና፡ ያእ ኣይፋልናን፡ ንሕግስ እባ ነደልድሎ ደኣ ኣሎና።
ሮሜ ምዕራፍ 4
1 እምበኣርሲ ኣብርሃም ኣቦና፡ ብስጋ እንታይ ረኺቡ፡ ክንብል ኢና፡ 2ኣብርሃም ብግብሪ ጸዲቑ እንተ ዝኸውንሲ፡ ገለ ዝምክሓሉ ምረኸበ ነይሩ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ኣይኰነን። 3እቲ ጽሑፍከ እንታይ ይብል፧ ኣብርሃም ብኣምላኽ ኣመነ እሞ እዚ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ። 4ነቲ ዝገብር ግና ዓስቡ ኸም ዕዳ ዀይኑ እዩ እምበር፡ ከም ጸጋ ኣይኰነን ዝቑጸረሉ። 5ነቲ በቲ ንሓጥእ ዘጽድቕ ዝኣምን እምበር፡ ዘይገብር ግና፡ እታ እምነቱ ንጽድቂ ትቑጸረሉ እያ። 6ዳዊት ከኣ ነቲ፡ ኣምላኽ ብዘይግብርስ ጽድቂ ዝቘጽረሉ ሰብ ብጹእ እዩ ከም ዝበሎ፡ 7 እቶም ዓመጻኦም እተሓድገሎም ሓጢኣቶምውን እተኸድነሎም፡ ብጹኣን እዮም። 8ኣምላኽ ሓጢኣቱ ዘይቁጸረሉ ሰብ ብጹእ እዩ። 9እምበኣርከ፡ ንኣብርሃም እታ እምነቱ ጽድቂ ዀይና ተቘጽረትሉ፡ ንብል ኣሎና እሞ፡ እዛ ብጽእና እዚኣ ንግዙራት ጥራይ ድያ ወይስ ንዘይተገዝሩውን፡ 10ከመይ ኢላኸ እያ እተቘጽረትሉ፧ ብግዝረት ከሎ ድያ ወይስ ብዘይግዝረት፧ ብዘይግዝረት ከሎ እያ እምበር፡ ብግዝረት ከሎስ ኣይኰነትን። 11ነቶም ጽድቂ ምእንቲ ክቝጸረሎም ኢሎም ከይተገዝሩ ኸለዉ ዝኣምኑ ዂሎም፡ ኣቦኦም ምእንቲ ክኸውንሲ፡ ንማሕተም እታ ብዘይግዝረት ከሎ ዝረኸባ ጽድቂ እምነት ናይ ግዝረት መፈለጥታ ተቐበለ። 12ኣቦ ግዙራትውን ክኸውን፡ ማለት፡ ነታ ንኣብርሃም ኣቦና ብዘይግዝረት ከሎ ዝነበረቶ እምነት፡ ኣስኣሰራ ንዝኸዱ እምበር፡ ካብ ግዝረት ንዘበሉ ጥራይ ኣይኰነን። 13እታ ንኣብርሃም ወይስ ንዘርኡ፡ ወራስ ዓለም ምእንቲ ክኸውን፡ እተዋሃበቶ ተስፋ ብጽድቂ እምነት እያ እምበር፡ ብሕጊ ኣይኰነትን እሞ፡ 14እቶም ካብ ሕጊ ዝዀኑ እንተ ዝወርሱስ፡ እምነት ከንቱ ምዀነት፡ እታ ተስፋውን ምተጠልመት ነይራ። 15እቲ ሕግስ ቁጥዓ እዩ ዘምጽእ እሞ፡ ኣብቲ ሕጊ ዘይብሉ ግና፡ ኣብኡ ምፍራስውን የልቦን። 16ስለዚ ኻብ እምነት ኣብርሃም ንዝዀነ ዂሉ ዘርኢ ኸኣ እዩ እምበር፡ ካብ ሕጊ ንዝዀነ ጥራይ ኣይኰነን። እታ ተስፋ ኽትጸንዕ፡ ብጸጋ ምእንቲ ክኽውንሲ፡ ብእምነት እዩ ዝኸውን። ኣብርሃም ከኣ ኣቦ ዂላትና እዩ፡ — 17ከምቲ፡ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረካ ኣሎኹ፡ ዝብል ጽሑፍ ዘሎ፡ — ኣብ ቅድሚ እቲ ዝኣመኖ፡ ንምዉታት ዘተንስኦም፡ ነቲ ዘየሎውን ከም ህልዊ ገይሩ ዝጽውዖ ኣምላኽ፡ 18ከምቲ ብሁል ድማ፡ ዘርእኻ ኸምዚ ክኸውን እዩ፡ ተስፋ ኣብ ዘይብሉስ፡ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ክኸውን ብተስፋ ኣመነ። 19ኣስታት ወዲ ሚእቲ ዓመት ክነሱ፡ ሙማት ስጋኡን ሙማት ማሕጸን ሳራን እናረኣየ፡ ንምእማን ኣይደኸመን፡ 20ግናኸ ንኣምላኽ ክብሪ እናሃበ ንምእማን በርትዐ እምበር፡ ነታ ተስፋ ኣምላኽ ብዘይምእማኑ ኣይተዋላወለን። 21ነታ ዝሃቦ ተስፋ ኽገብራውን ክእለት ከም ዘለዎ፡ ኣጸቢቑ ተረዲኡ ነበረ። 22ስለዚ ድማ ንጽድቂ ተቘጽረትሉ። 23-24እዚ ኸኣ ስሌናውን እምበር፡ ስሊኡ ጥራይ ከም እተቘጽረሉ ኣይተጻሕፈን። ንኣና፡ በቲ ንየሱስ ጐይታና ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ንንኣምን ከኣ፡ ይቑጸረልና እዩ። 25ንሱ ብሰሪ ሓጢኣትና በጃ ተዋህበ፡ ስለ ጽድቅናውን ተንስኤ።
ሮሜ ምዕራፍ 5
1እምብኣርሲ ብእምነት ካብ ጸደቕና፡ ምስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሃልወና። 2ብእኡ ኸኣ ናብዚ ዘሎናዮ ጸጋ ብእምነት ምእታው ዝረኸብና፡ ብተስፋ ኽብሪ ኣምላኽውን ንምካሕ ኣሎና። 3ግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዘምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነን። 4ትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ፡ 5በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ። 6ገና ድኹማት ከሎና፡ ክርስቶስ ብግዜኡ ምእንቲ ዓመጽቲ ሞተ። 7ኣብ ክንዲ ሓደ ጻድቕ ዝመውት እኳ ዝርከብ ኣይመስልን፡ — እንድዒ ኣብ ክንዲ እቲ ጽቡቕ ዝገበረሉ ኽመውት ዝደፍርሲ ምናልባሽ ኣይምተሳእነን ይኸውን፡ — 8ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ ኣሎ። 9እምብኣርሲ ሕጂ ብደሙ ምስ ጸደቕና ደኣ፡ ክንደይ ካብቲ ቑጥዓ ብእኡ ኣዚና ዘይንድሕን። 10ጸላእቱ ኸሎና፡ ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዓረቕና፡ ካብ ተዓረቕና ደኣ፡ ክንደይ ብህይወቱ ኣዚና ዘይንድሕን። 11ግናኸ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ ሕጂ ዕርቂ ዝረኸብና፡ ብኣምላኽውን ንምካሕ ኣሎና እምበር፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነን። 12ስለዚ ኸኣ ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣትውን ሞት፡ ኲላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኲሉ ሰብ ሐለፈ። — 13ሕጊ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ሓጢኣት ኣብ ዓለም ነበረ እሞ፡ ኣብቲ ሕጊ ዘይብሉ ግና ኣብኡ ሓጢኣት ኣይቁጸርን እዩ። 14ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ሙሴ ኣብቶም ማዕረ እቲ ኣበሳ ኣዳም ሓጢኣት ዘይገበሩውን ሰልጠነ፡ ኣዳም ከኣ ምስሊ እቲ ዝመጽእ እዩ። 15ግናኸ እቲ ውህበት ጸጋ ኽንድቲ ኣበሳ ኣይኰነን። ብኣበሳ ሓደ ሰብኣይ ብዙሓት ሞይቶም እዮም እሞ፡ እቲ ጸጋ ኣምላኽን ውህበቱን ብጸጋ እቲ ሓደ ሰብኣይ፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ፡ ናብቶም ብዙሓት እምብዛ ይዓዝዝ እዩ። 16እቲ ውህበት ከኣ ብመጠን እቲ ሓጢኣት ዝገበረ ሓደ ሰብኣይ ኣይኰነን። ፍርዲ ኻብ ሓደ ንዂነኔ መጸ፡ እቲ ውህበት ጸጋ ግና ካብ ብዙሕ ኣበሳ ንምጽዳቕ መጸ። 17ሞት ብኣበሳ እቲ ሓደ በቲ ሓደ ኻብ ገዝአ፡ እቶም ትርፊ ጸጋን ውህበት ጽድቅን እተቐበሉ ኸኣ በቲ ሓደ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወት ኣዝዩ ብዙሕ ክገዝኡ እዮም። — 18-19እምብኣርሲ እቶም ብዙሓት በቲ ዘይምእዛዝ ሓደ ሰብኣይ ሓጥኣን ከም ዝዀኑ፡ ከምኡ ኸኣ ብምእዛዝ እቲ ሓደ እቶም ብዙሓት ጻድቃን ክዀኑ እዮም እሞ፡ ከምቲ ብሓንቲ ኣበሳ ናብ ኲሉ ሰብ ኲነኔ ዝመጸ፡ ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ እቲ ምጽዳቕ ንህይወት ናብ ኲሉ ሰብ መጸ። 20ኣበሳ ምእንቲ ኽዓዝዝሲ፡ ሕጊ ኣተወ፡ ኣብቲ ሓጢኣት ዝዓዘዞ ግና፡ ኣብኡ እቲ ጸጋ ኣዝዩ ዓዘዘ። 21ከምቲ ሓጢኣት ብሞት ዝገዝአ፡ ጸጋውን ከምኡ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ብጽድቂ ንዘለኣለም ህይወት ክገዝእ እዩ።
ሮሜ ምዕራፍ 6
1እምብኣርሲ እንታይ ክንብል ኢና፧ ጸጋ ምእንቲ ኽዓዝዝሲ፡ ኣብ ሓጢኣትዶ ንጽናዕ፡ 2ያእ ኣይፋልናን። ንሕና ኻብ ሓጢኣት ዝሞትና፡ ከመይ ኢልና ሕጂ ኣብኡ ኽንነብር፧ 3ወይስ ብክርስቶስ የሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዂላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 4እምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና። 5ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ዀንናስ፡ ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሐብሮ ኢና። 6-7እቲ ዝሞተ ኻብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ እሞ፡ እዚ ደጊም ንሓጢኣት ከይግዛእ፡ እቲ ናይ ሓጢኣት ስጋ ምእንቲ ኽጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ኸም እተሰቕለ፡ ፈሊጥና ኣሎና። 8-9እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ ክርስቶስ መሊሱ ኸም ዘይመውት፡ ሞትውን ኣብኡ ኸም ዘይመልኽ ፈሊጥና፡ ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትናስ፡ ምስኡ ድማ ብህይወት ከም እንነብር፡ ንኣምን ኣሎና። 10ማለት፡ ሞቱ ሓንሳእ ንዂሉ ግዜ ኻብ ሓጢኣት እዩ ዝሞተ፡ ህይወቱ ግና ንኣምላኽ እዩ ዝነብር። 11ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ካብ ሓጢኣት ከም ዝሞትኩም፡ ብክርስቶስ የሱስ ግና ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝዀንኩም፡ ርእስኹም ቁጸሩ። 12እምብኣርሲ ንትምኒቱ ኸይትእዘዙ፡ ኣብዚ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ። 13-14ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን እዩ እሞ፡ ከም ሞይቶም ዝተንስኡ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ እምበር፡ ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎ፡ ንኣካላትኩምሲ ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ግበርዎ። 15እንታይከ ንበል፧ ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ኻብ ዘይኰንናስ፡ ሓጢኣትዶ ንግበር፧ ያእ ኣይፋልናን። 16ንምእዛዙ ባሮት ክትኰኑ ርእስኹም ንትህብዎ፡ ንሓጢኣት እንተ ዀይኑ ንሞት፡ ንምእዛዝ እንተ ዀይኑ ንጽድቂ፡ ነቲ እትእዘዝዎስ ባሮቱ ኸም ዝዀንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 17-18ቀደም ባሮት ሓጢኣት ኔርኩምሲ፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ምስ ወጻእኩም፡ ንጽድቂ ተገዛእኩም፡ ነቲ እተወሃብኩምዎ ምሳሌ ምህሮ ኻብ ልቢ ስለ እተኣዘዝኩም ግና፡ ንኣምላኽ ስብሓት ይዅኖ። 19ስለ ድኻም ስጋኹም በዛራርባ ሰብ እዛረብ ኣሎኹ፡ ከምቲ ንርኽሰትን ግፍዕን ናብ ምፍራስ ሕጊ ኣካላትኩም ንባርነት ዝወፈኹም፡ ከምኡ ድማ ሕጂ ንጽድቂ ናብ ቅድስና ኽግዛእ፡ ኣካላትኩም ወፍዩ። 20ባሮት ሓጢኣት ከሎኹምሲ፡ ካብ ጽድቂ ውጹኣት ሓራ ኢኹም ዝነበርኩም። 21መወዳእታኡ ሞት ስለ ዝዀነ፡ በዚ ሎሚ እትሐፍሩሉ ዘሎኹም እንተ ዘይኰይኑስ፡ በቲ ግዜ እቲ እንታይ ፍሪኡ ነይሩኩም፧ 22-23ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ ኣሎ፡ መወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።
ሮሜ ምዕራፍ 7
1ወይስ ኣሕዋተየ፡ — ነቶም ሕጊ ዝፈልጡ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ እሞ፡ — ሰብ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ምሉእ ዕድሜኡ ሕጊ ኸም ዝመልኮዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 2ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፡ ብሕጊ ኣብኡ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፡ ካብቲ ሕጊ ሰብኣያ ፍትሕቲ እያ። 3እምብኣርሲ ሰብኣያ ብህይወቱ ኸሎስ፡ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት፡ ዘማዊት እያ እትብሃል። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፡ ካብቲ ሕጊ ሓራ ወጺኣ እያ እሞ፡ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት፡ ኣይዘማዊትን እያ። 4ኣሕዋተየ፡ ከምኡ፡ ድማ ንስኻትኩም፡ ንኣምላኽ ፍረ ምእንቲ ኽንፈሪ፡ ንኻልእ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ ኽትኰኑ፡ ብስጋ ክርስቶስ ካብቲ ሕጊ ሞትኩም። 5ኣብ ንብረት ስጋ ኸሎና፡ ንሞት ዝኸውን ፍረ ኽፈሪ ብሕጊ ተናቓኒቑ፡ ኣብ ኣካላትና ትምኒት ሓጢኣት ይዓዪ ነበረ። 6ሕጂ ግና ብኣረጊት ንብረት ፊደል ዘይኰነስ፡ ብሓዳስ ንብረት መንፈስ ክንግዛእ፡ ካብቲ ሒዙና ዝነበረ ሕጊ ሞይትና ኻብኡ ተፈታሕና። 7እንታይ ደኣ ኽንብል ኢና፧ እቲ ሕጊዶ ሓጢኣት እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን። ብዘይ ሕጊ ግና ንሓጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። እቲ ሕጊ፡ ኣይትመነ፡ እንተ ዘይብልሲ፡ ንትምኒት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። 8ሓጢኣት ብዘይ ሕጊ ምዉት እዩ እሞ፡ እቲ ሓጢኣት ብትእዛዝ ምኽንያት ወሲዱ፡ ትምኒት ዘበለ ኣለዓዐለለይ። 9ቀደም ብዘይ ሕጊ ኣነ ህያው ነበርኩ። ትእዛዝ ምስ መጸ ግና፡ ሓጢኣት ህያው ኰነ፡ ኣነ ኸኣ ሞትኩ። 10-11ሓጢኣት ምኽንያት ረኺቡ ብትእዛዝ ኣስሓተኒ ብእኡውን ቀተለኒ እሞ፡ እቲ ንህይወት እተዋህበ ትእዛዝ ንኣይ ንሞት ኰይኑኒ ረኸብክዎ። 12እምብኣርሲ እቲ ሕጊ ቅዱስ እዩ፡ እቲ ትእዛዝውን ቅዱስን ጻድቕን ሰናይን እዩ። 13እቲ ሰናይዶ ደኣ እዩ ንኣይ ሞት ዝዀነኒ፡ ያእ ኣይፋሉን። ሓጢኣት ደኣ እዩ ሞት ዝዀነኒ እምበር፡ ሓጢኣት በቲ ሰናይ ገይሩ ሞት ካብ ዘምጽእ፡ ሓጢኣት ምዃኑ ምእንቲ ኽግለጽሲ፡ ሓጢኣት ብትእዛዝ ገይሩ ኣዝዩ ሓጢኣት ክኸውን እዩ። 14-15ነቲ ዝጸልኦ እገብሮ ኣሎኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ እሞ፡ ነቲ ዝገብሮ ኣይፈልጦን እየ። ሕጊ መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡ ኣነ ግና ትሕቲ ሓጢኣት እተሸጥኩ ስጋዊ እየ። 16ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገብሮ ግና፡ እቲ ሕጊ ሰናይ ምዃኑ እሰምር ኣሎኹ። 17ስለዚ እቲ ኣባይ ሐዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ። 18-19ፍቓድሲ ኣሎኒ፡ ምግባር እቲ ሰናይ ግና ስኢነዮ ኣሎኹ እሞ፡ ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ ኣሎኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘሎኹ፡ ስለዚ ኣባይ ማለት ኣብ ስጋይ፡ ሰናይ ከም ዘየልቦ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 20ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገብሮ ግና፡ ድሕሪ ሕጅስ እቲ ኣባይ ሐዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ። 21እምብኣርሲ ኣነ ሰናይ ክገብር ዝደሊ እቲ እከይ ከም ዝጠብቀኒ፡ ሕጊ ዀይኑ ረኸብክዎ። 22ብናይ ውሽጢ ሰብሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ። 23ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዝዋጋእ፡ ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዝማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርኢ ኣሎኹ። 24ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ፡ ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ከድሕነኒ እዩ፧ 25ንኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ። እምብኣርሲ ኣነ ባዕለይ ብሓሳበይ ንሕጊ ኣምላኽ፡ ብስጋይ ግና ንሕጊ ሓጢኣት እግዛእ ኣሎኹ።
ሮሜ ምዕራፍ 8
1እምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዂነኔ የብሎምን። 2እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ሕጊ መንፈስ ህይወት ካብቲ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኣውጺኡኒ እዩ እሞ፡ 3ንሕጊ፡ ብስጋ ስለ ዝደኸመ፡ ክገብሮ ዘይኰነሉስ፡ ኣምላኽ ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን ከም መስዋእቲ ሓጢኣትን ልኢኹ፡ ነቲ ሓጢኣት ብስጋ ዀነኖ። 4ኣባና ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣብ ዘይንመላለስ፡ እቲ ድሌት ሕጊ ኸምኡ ዀይኑ ኽምላእ እዩ። 5ስጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋ እዮም ዝሐስቡ፡ መንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዝሓስቡ። 6-7እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን ኣይኰነሉን ድማ እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ፡ እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ። 8እቶም ብስጋ ዘለዉ ንኣምላኽ ከስምርዎ ኣይኰነሎምን እዩ። 9ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሐዲሩኩም እንተ ኣልዩስ፡ ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘሎኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ ኣይኰነን። 10ክርስቶስ ኣባኻትኩም እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ስጋ ብሰሪ ሓጢኣት ምዉት እዩ፡ እቲ መንፈስ ግና ሳላ ጽድቂ ህይወት እዩ። 11ናይ እቲ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ መንፈስ ኣባኻትኩም ሐዲሩ እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ንክርስቶስ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፡ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን፡ በቲ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ፡ ህያው ክገብሮ እዩ። 12-13እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ከም ስጋ እንተ ነበርኩም፡ ክትሞቱ ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ስጋ ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ ግና፡ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም እሞ፡ ከም ስጋ ኽንነብር፡ ነቲ ስጋስ ሰብ ዕዳኡ ኣይኰንናን። 14-15ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኹም እምበር፡ መንፈስ ባርነት ከም ብሓድሽ ንፍርሃት ኣይተቐበልኩምን፡ ስለዚ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዝምርሑ ዘበሉ፡ ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ እዮም። 16ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዝምስክር። 17ውሉድ ካብ ኰንናኸ፡ ወረስቲ ድማ ኢና፡ ንኣምላኽ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብናስ፡ ምስኡውን ክንከብር ኢና። 18-19ሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ ኣሎ እሞ፡ ከምኡ ኸኣ ኣነ ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዝመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ፡ እኣምን ኣሎኹ። 20እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ተገዚኡ ኣሎ፡ ስለቲ ብተስፋ ዘግዝኦ እዩ እምበር፡ ብፍቓዱስ ኣይኰነን እሞ፡ 21እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኽወጽእ እዩ። 22ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ ኸም ዘስቈርቁርን ቅልውላው ከም ዝሓዞን፡ ንፈልጥ ኣሎና እሞ፡ 23ንሱ ጥራይ ከኣ ኣይኰነን፡ ንሕና ብዂርነት መንፈስ ዘሎናውን፡ መሰል ውልድነትና፡ ማለት ምድሓን ስጋና፡ እናተጸበና ብውሽጥና ነስቈርቁር ኣሎና። 24ነቲ ዝርእዮስ ተስፋ ዝገብሮኸ መን ኣሎ፧ ብተስፋ ኢና ድሒንና ዘሎና እሞ፡ ነቲ ዝርአስ ተስፋ ምግባሩ፡ እዚ ተስፋ ኣይኰነን። 25ነቲ ዘይንርእዮስ ተስፋ እንተ ገበርናዮ ግና፡ ብትዕግስቲ ንጽበዮ ኢና። 26መንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ እዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዝግብኣና፡ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዝልምነልና። 27እቲ ልቢ ዝምርምር፡ ንሱ ምእንቲ እቶም ቅዱሳን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ ይልምን እዩ እሞ፡ ነቲ ሓሳብ መንፈስውን እንታይ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ። 28ነቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዝድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና። 29ነቶም ቀደም ዝፈለጦም፡ ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋትሲ በዂሮም ምእንቲ ክኸውን፡ ንምስሊ ወዱ ኽመስሉ ቐደም መደቦም። 30ነቶም ቀደም ዝመደቦም፡ ንኣታቶም ከኣ ጸውዖም። ነቶም ዝጸውዖም፡ ንኣታቶም ድማ ኣጽደቖም። ነቶም ዘጽደቖም፡ ንኣታቶምውን ኣኽበሮም። 31እምብኣርሲ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣምላኽ ምሳና ኻብ ኮነኸ፡ መን እዩ ዝቃወመና፧ 32እቲ ንወዱ እኳ ምእንቲ ዂላትና ኣሕሊፉ ዝሃቦ እምበር፡ ዘይነሓፎ፡ ከመይ ደኣኸ ምስኡ ዂሉ ዘይህበና፧ 33ነቶም ሕሩያት ኣምላኽሲ ዝኸሶም መን እዩ፧ ኣምላኽ እዩ እቲ ዘጽድቕ። 34እቲ ዝዅንንከ መን እዩ፧ ክርስቶስ የሱስ፡ እቲ ዝሞተ፡ አረ ኻብ ምዉታት እኳ ዝተንስአ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑውን ምእንታና ዝልምን ዘሎ እዩ። 35-36ካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና መን እዩ፧ ከመዮ፡ ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣሎና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና፡ ዝብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ጭንቀትዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥምየትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ፧ 37-39ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዝመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኽፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ ኣሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።
ሮሜ ምዕራፍ 9
1-2ኣነ ብዙሕ ጓህን ዘየባትኽ ስቓይን ኣብ ልበይ ከም ዘሎኒ፡ ሕሊናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ ኣሎ፡ ብክርስቶስ ሓቂ እብል ኣሎኹ፡ ኣይሕሱን እየ። 3ኣነ ብርእሰይ ምእንቲ እቶም ብስጋ ኣሕዋተይን ኣዝማደይን ውጉዝ ኰይነ ኻብ ክርስቶስ ክፍለ ምደለኹ። 4ደቂ እስራኤል እዮም እሞ፡ ውልድነትን ክብርን ኪዳንን ምሕጋግ ሕግን ምግልጋል ኣምላኽን ተስፋን ናታቶም እዩ። 5ኣቦታት ከኣ ናታቶም እዮም፡ ክርስቶስውን ብስጋ ኻባታቶም እዩ፡ ንሱ ንዘለኣለም ብሩኽ ኣምላኽ፡ ልዕሊ ዂሉ እዩ። ኣሜን። 6ግናኸ እቶም ካብ እስራኤል ዘበሉ ዂላቶም እስራኤላውያን ኣይኰኑን እሞ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ዀይኑ ኣይተረፈን። 7ዘርኢ ብይስሃቅ ክስመየልካ እዩ እምበር፡ ዘርኢ ኣብርሃም ስለ ዝዀኑ፡ ኲላቶም ውሉድ ኣይኰኑን። 8ማለት፡ እቶም ውሉድ ተስፋ እዮም ንዘርኢ ዝቑጸሩ እምበር፡ እቶም ውሉድ ስጋስ ውሉድ ኣምላኽ ኣይኰኑን። 9እቲ ቓል ተስፋ፡ ንዓመታ ኸምዛ ግዜ እዚኣ ኽመጽእ እየ፡ ሳራውን ወዲ ኽትወልድ እያ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ 10እዚ ጥራይ ኣይኰነን፡ ርብቃውን ካብ ሓደ፡ ማለት ካብ ኣቦና ይስሃቅ፡ ምስ ጠነሰት፡ ከምኡ ዀነ። 11-13ካብቲ ጸዋዒ እዩ እምበር፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ምኽሪ ኣምላኽ ብምሕራይ ምእንቲ ኽጸንዕሲ፡ ከምቲ፡ ንያእቆብ ኣፍቀርኩ፡ ንኤሳው ግና ጸላእኩ፡ ዝብል ጽሑፍ ዘሎ፡ እቶም ደቂ ገና ኸይተወልዱ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ኰነ ወይ ክፉእ ከይገበሩ፡ እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶ ኽግዝኦ እዩ፡ ኢሉ ተባህለላ። 14እምብኣርሲ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣብ ኣምላኽዶ ዓመጻ ኣሎ፧ ያእ የልቦን። 15ንሙሴ፡ ንዝምሕሮ ኽምሕሮ፡ ንዝድንግጸሉውን ክድንግጸሉ እየ፡ ኢልዎ እዩ እሞ፡ 16ስለዚ ናይቲ ዝምሕር ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ናይቲ ዝደልን ዝጐይን ኣይኰነን። 17እቲ ጽሑፍ ንፈርኦን፡ ሓይለይ ኣባኻ ኸርኢ፡ ስመይውን ኣብ ኲሉ ምድሪ ኽውረ፡ ነዚ እየ ዘተንሳእኩኻ፡ ይብሎ እዩ እሞ፡ 18እምብኣርስኸ ንዝደለዮ ይምሕሮ፡ ንዝደለዮውን የትርሮ እዩ። 19ደጊም ንምንታይ ደኣ ሕጂኸ ዝገንሕ፧ ነቲ ፍቓዱ መን ይቃወሞ፡ ክትብለኒ ኢኻ። 20ወይ ጋዶ፡ ኣታ ሰብ። ንኣምላኽ እትማጐቶኸ ንስኻ መን ኢኻ፧ ግቡርዶ ነቲ ገባሪኡ፡ ንምንታይ ከምዚ ጌርካ ሰራሕካኒ፧ ይብሎ እዩ፧ 21ወይስ ሰራሕ መሬትዶ ኻብ ሓደ ጽቡር መሬት ገሊኡ ንኽብረት ገሊኡውን ንሓሳር ዝኸውን ኣቕሑ ኽሰርሕ፡ ኣብቲ መሬት ስልጣን የብሉን እዩ፧ 22ኣምላኽከ ቑጥዓኡ ምእንቲ ኸርኢ ሓይሉውን ከፍልጥ ደልዩስ፡ ነቶም ንጥፍኣት እተዳለዉ ኣቓሑ ቑጥዓ ብብዙሕ ትዕግስቱ እንተ ጸሮም፡ 23እዚ ኸኣ ነቶም ቀደም ንኽብሪ ዘዳለዎም ኣቕሑ ምሕረት እቲ ሃብቲ ኽብሩ ምእንቲ ኸፍልጦም፡ 24ንኣናውን፡ ማለት ካብ ኣህዛብ ድማ እምበር፡ ካብ ኣይሁድ ጥራይ ንዘይኰንና ዝጸውዓና፡ 25-26ከምቲ ኣብ ሆሴእ ዝብሎ፡ ነቲ ህዝበይ ዘይኰነ ንእኡ ህዝበይ ክብሎ እየ፡ ነታ ዘይፍቅርቲውን ፍቅርቲ ኽብላ እየ፡ ኣብታ፡ ንስኻትኩምሲ ህዝበይ ኣይኰንኩምን፡ እተባሃለሎም ስፍራ ድማ፡ ኣብኣ ደቂ ህያው ኣምላኽ ከም ዝብሃሉ፡ ክኸውን እዩ። 27-28እግዚኣብሄር ንቓሉ ብቑሩጽን ምዱብን ገይሩ ኣብ ምድሪ ኽፍጽሞ እዩ እሞ፡ ኢሳይያስ ብዛዕባ እስራኤል፡ ቁጽሪ ደቂ እስራኤል ከም ሑጻ ባሕሪ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ተረፍ ጥራይ እዩ ዝድሕን፡ ኢሉ ይጭድር። 29ከምቲ ኢሳይያስውን ኣቐዲሙ፡ እግዚኣብሄር ጸባኦት ዘርኢ እንተ ዘይሓደገልናስ፡ ከም ሶዶም ምዀንና ንጎሞራውን ምመሰልና ኔርና፡ ዝበሎ እዩ። 30ደጊምከ እንታይ ንበል፧ እቶም ጽድቂ ዘይደለዩ ኣህዛብ ጽድቂ ረኸቡ፡ እዚ ኸኣ እቲ ኻብ እምነት ዝመጽእ ጽድቂ እዩ። 31እስራኤል ግና ንሕጊ ጽድቂ እናደለይዎስ፡ ናብቲ ሕጊ ጽድቂ ኣይበጽሑን። 32-33ስለምንታይ፧ ከመዮ፡ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን እምኒ መዐንቀፍን ከውሒ መንሳተትን አንብር ኣሎኹ፡ ብእኡ ዝኣምን ከኣ ኣይክሓፍርን እዩ፡ ዝብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ካብ ግብሪ እምበር፡ ካብ እምነት ስለ ዘይደልይዎ፡ ብእምኒ መዐንቀፊ ተዓንቀፉ።
ሮሜ ምዕራፍ 10
1-2ኣሕዋተየ፡ ብፍልጠት ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ንኣምላኽ ቅንኣት ከም ዘለዎምሲ፡ ኣነ እምስክረሎም ኣሎኹ እሞ፡ ንሳቶም ክድሕኑ፡ ስሊኦም ሃረርታ ልበይን ናብ ኣምላኽ ጸሎተይን እዩ። 3-4ክርስቶስ ነቲ ዝኣምን ዘበለ ዂሉ መደምደምታ ሕጊ ንጽድቂ እዩ እሞ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጦምን ጽድቂ ርእሶም ክተኽሉ ብምድላዮምንሲ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣየግዝኡን። 5ሙሴ ብዛዕባቲ ኻብ ሕጊ ዝመጽእ ጽድቂ፡ እቲ ዝገበሮ ሰብ ብእኡ ብህይወት ክነብር እዩ፡ እናበለ ይጽሕፍ እዩ እሞ፡ 6እቲ ኻብ እምነት ዝመጽእ ጽድቂ ግና ከምዚ ይብል፡ ብልብኻ፡ መን ናብ ሰማይ ክድይብ እዩ፧ ኣይትበል፡እዚ ማለት ንክርስቶስ ከውርዶ፡ 7ወይስ፡ ናብ መዓሙቝሲ መን ክወርድ እዩ፧ እዚ ማለት ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ከውጽኦ። 8እንታይ ደኣ ይብል፧ እቲ ቓል ኣብ ኣፍካን ልብኻን ጥቓኻ እዩ፡ እዚ ማለት እቲ ንሕና እንሰብኮ ቓል እምነት እዩ። 9-11እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዝኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ። 12-13ማለት፡ ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዝጽውዕ ዘበለ ክድሕን እዩ፡ ንሱስ ሓደ ጐይታ እዩ፡ ነቶም ዝጽውዕዎ ዂሎምውን ሃብታም እዩ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ጽርኣውን ሌላን ጒሌላን የልቦን። 14ግናኸ ነቲ ብእኡ ዘይኣመኑ ኸመይ ኢሎም ክጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኸ፡ ከመይ ገይሮም ብእኡ ክኣምኑ፡ ብዘይሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ክሰምዑ፧ 15ከመዮ፡ ኣእጋር እቶም ሰናይ ዘበስሩ ኽንደይ ጽቡቕ እዩ፡ ዝብል ጽሑፍ፡ እንተ ዘይተላእኩስ፡ ከመይ ገይሮምዶ ኽሰብኩ እዮም፧ 16ግናኸ ኢሳይያስውን፡ ጐይታይ፡ ንምስክርና መን ኣመኖ፧ ይብል እዩ እሞ፡ ኲላቶም ንወንጌል ኣይተኣዘዝዋን። 17እምብኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያ፡ ምስማዕውን ብቓል ክርስቶስ እዩ። 18ኣነ ግና፡ ከቶዶ ኣይሰምዑን እዮም፧ እብል ኣሎኹ። ደሃዮም ናብ ኲሉ ምድሪ ወጸ፡ ቃሎምውን ክሳዕ ወሰን ዓለም በጽሐ፡ ብሓቂ እባ ሰሚዖም። 19ኣነ ግና፡ እስራኤልከሞ ኣይፈለጠን ድዩ፧ እብል ኣሎኹ። ቅድም ሙሴ፡ ኣነ ህዝቢ ብዘይኰነ ከቕንኣኩም፡ ኣእምሮ ብዘይብሉ ህዝቢውን ከዀርየኩም እየ፡ ይብል። 20ኢሳይያስውን ደፊሩ፡ ነቶም ዘይደለዩኒ ተረኸብኩሎም፡ ንዘይሐተቱለይውን ተገለጽኩሎም፡ ይብል እዩ። 21ብዛዕባ እስራኤል ግና፡ ናብ ዘይእዙዝን ተቓዋምን ህዝቢ ምሉእ መዓልቲ ኢደይ ዘርጋሕኩ፡ እዩ ዝብል።
ሮሜ ምዕራፍ 11
1እምበኣርሲ እብል ኣለኹ፡ ኣምላኽ ንህዝቡዶ ደርብይዎ እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን። ኣነ እኳ እስራኤላዊ፡ ካብ ዘርኢ ኣብርሃም፡ ካብ ዓሌት ብንያም እየ። 2-3ኣምላኽ ነቲ ቀደም ዝፈለጦ ህዝቡ ኣይደርበዮን። ወይስ እቲ ጽሑፍከ ብዛዕባ ኤልያስ፡ ንሱ፡ ጐይታይ፡ ንነብያትካ ቐተልዎም፡ መሰውኢኻውን ኣፍረሱ፡ ኣነ በይነይ እየ ተሪፈ ዘለኹ፡ ንህይወተይ ድማ ይደልዩዋ ኣለዉ፡ ኢሉ፡ ንእስራኤል ኣሳጢሑ ናብ ኣምላኽ እናጠርዐ፡ እንታይ ከም ዝበለዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 4ምላሽ ኣምላኽከ እንታይ በሎ፧ ንበዓል ዘይሰገዱ ሾብዓተ ሽሕ ሰብኣይ ንርእሰይ ኣትሪፈ ኣለኹ። 5እምብኣርሲ ኸምኡውን ሕጂ በዚ ዘመንዚ ብሕርየት ጸጋ ተረፍ ኣሎ። 6ብጸጋ ካብ ዝኸውን ግና፡ እምበኣርስከ ካብ ግብሪ ኣይኮነን። ብዘይእዝስ እቲ ጸጋውን ጸጋ ኣይከውንን። ካብ ግብሪ ካብ ዝኸውን ግና ደጊም ጸጋ ኣይኮነን። እንተዘይኮነስ እቲ ግብሪውን ግብሪ ኣይከውንን እዩ። 7-8እምብኣርሲ እንታይደኣ እዩ፧ ከመዮ ጽሑፍ፡ ኣዒንቶም ከይርእያ፡ ኣእዛኖምውን ከይሰምዓስ፡ ኣምላኽ ክሳዕ ሎም መዓልቲ መንፈስ ምብዕዛዝ ሃቦም፡ ዝብል ዘሎ፡ እቶም ሕሩያት ረኸቡ እሞ፡ እስራኤል ነቲ ዝደልዮ ኣይረኸቦን፡ እቶም ዝተረፉውን ተረሩ። 9ዳዊትውን፡ እቲ መኣዶም ንመፈንጥራን መድፈናን ንመዓንቀፊን መስጣን ይኹኖም፡ 10ከይርእዩ ኣዒንቶም ይጸልምታ፡ እንግድዓውቶም ከኣ ንሓዋሩ ኣጎብጥ፡ ይብል እዩ። 11እምብኣርሲ እብል ኣለኹ፡ ምእንቲ ኽወድቁ ድዮም እተዓንቀፉ፧ ያእ ኣይፋሎምን። ምእንቲ ከቕንኦም እባ ደኣ፡ እቲ ምውዳቖም ነህዛብ ምድሓን ኰነሎም። 12እቲ ምውዳቖም ሃብቲ ዓለም፡ እቲ ምጕዳሎም ሃብቲ ኣህዛብ ካብ ኮነ ግና፡ ምልኣቶም ደኣ ክንደይ ክበልጽ እዩ። 13-14ንኣኻትኩም ኣህዛብ፡ እብለኩም ኣለኹ፡ ምናልባሽ ነቶም ስጋይ ዝዀኑ እንተ ኣቕናእኩዎም ካባታቶም ውን ገለ እንተኣድሓንኩስ፡ ኣነ ነህዛብ ሃዋርያኦም እየ እሞ፡ መልእኽተይ አኽብር ኣሎኹ። 15እቲ ምድርባዮም ንዓለም ዕርቂ ካብ ኮነላስ፡ ምቕባሎም ደኣ ዘይ ህይወት ካብ ምውታት፡ እንታይ ካልእ ክኸውን ኢሉ፧ 16እቲ ቀዳማዩ ቅዱስ እንተዀነ፡ እቲ ብሑቝ ከኣ ቅዱስ እዩ። እቲ ሱር ቕዱስ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ጨነፍሩ ውን ቅዱስ እዩ። 17ካብቶም ጨነፍር ሓያሎ እንተተሰብሩ እሞ ንስኻ፡ ኣውልዕ በረኻ ክነስኻ፡ ኣብ መንጎኦም እንተ ተተኸልካ፡ ካብቲ ሱርን ማራ ኣውልዕን ድማ ተማቓሊ እንተዀንካ፡ 18ኣብቶም ጨነፍር ኣይትከበር። እንተተኸበርካ ግና፡ እቲ ሱር እዩ ንዓኻ ጾይሩካ ዘሎ እምበር፡ ነቲ ሱር ንስኻ ኣይኮንካን ጾይርካዮ ዘሎኻ። 19ምናልባሽ ንስኻ፡ ኣነ ምእንቲ ኽትከል እዮም እቶም ጨነፍር እተሰብሩ፡ ትብል ትኸውን። 20ጽቡቕ፡ ንሳቶም ሰኣን ምእማኖም ተሰብሩ፡ ንስኻ ግና ሳላ ዝኣመንካ ደው ኢልካ ኣሎኻ። ፍራህ ደኣ እምበር ብልብኻ ኣይትተዓበ። 21ኣምላኽ ነቶም ካብ ባህርዮም ጨነፍር ዝነበሩ ካብዘይነሓፎም፡ ንዓኻውን ኣይክንሕፈካን እዩ። 22እምብኣርሲ ናይ ኣምላኽ ለውሃትን ጭከናን ተመልከት፡ ኣብቶም ዝወደቑ ጭከናኡ፡ ንኣኻ ግና፡ ኣብቲ ለውሃቱ እንተጸናዕካ፡ ለውሃት ኣምላኽ። እንተዘይኮነስ ንስኻውን ክትቁረጽ ኢኻ። 23ንሳቶም ኣብቲ ዘይምእማኖም እንተዘይጸንዑ ግና፡ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ክተኽሎም ይኽእል እዩ እሞ፡ ኽትከሉ እዮም። 24ንስኻ ካብታ ብባህርያ ኣውልዕ በረኻ ተቖሪጽካ ብዘይመገዲ ባህርይ ኣብታ ጽብቕቲ ኣውልዕ ካብ ተተኸልካስ፡ እቶም ብባህርዮም ጨነፍር ዝነበሩ ግዳ ከመይ ኣብታ ኦም ኣውልዖም ኣጸቢቖም ዘይትከሉ። 25ኣሕዋተየ፡ ብርእስኹም ብልህታት ዝዀንኩም ምእንቲ ከይመስለኩምሲ፡ ምልኣት ኣህዛብ ክሳዕ ዝኣቱ፡ ንሓያሎ ካብ እስራኤል ትሪ ልቢ ከምዝበጽሖም፡ እዚ ምስጢር እዚ ዘይትፈልጡ ኽትኮኑ፡ ኣይፈቱን እየ። 26-27ከምቲ ጽሑፍ፡ ተበጃዊ ካብ ጽዮን ክመጽእ እዩ፡ ካብ ያእቆብ ከኣ ረሲእነት ከርሕቕ እዩ፡ ሓጢኣቶም ምስ ኣርሓቕኩ፡ ኪዳነይ ምሳታቶም እዚ ክኸውን እዩ፡ ዝብሎ፡ ብዘሎ እስራኤል ክድሕን እዩ። 28-29ውህበት ጸጋ ኣምላኽን ጽውዓኡን ዘይጠዓሰሉ ስለዝኮነ፡ ብወንጌል ምእንታኹም ጸላእቲ እዮም፡ ብምሕራይ ግና ምእንቲ ኣቦታት ፍቑራት እዮም። 30-32ኣምላኽ ንኹሎም ምእንቲ ክምሕሮም፡ ንኹሎም ኣብ ዘይምእዛዝ ዓጸዎም እሞ፡ ከምቲ ንስኻትኩም ቀደም ንኣምላኽ ዘይተኣዘዝኩምዎ፡ ሕጂ ግና ሳላ ዘይምእዝ እቲኣቶም እተመሓርኩም፡ ከምኡውን ንሳቶም በቲ ንስኻትኩም እተመሓርኩምዎ ምሕረት ምእንቲ ክመሓሩ፡ ሕጂ ኣይተኣዘዙን። 33ወዳጄ፡ መዓሙቝ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን፡ ክንደይ ዘይምርመር ኮታ እዩ ፍርዱ፡ ክንደይ ብኣሰር ኣሰር ዘይርከብ እዩ መገዱ። 34 ሓሳብ እግዚኣብሄር ዝፈልጥ መን እዩ፧ ወይስ መን እዩ ዘማኸሮ፧ 35መንከ እዩ ቐደም ገለ ዝሃቦ እሞ ዝፍደዮ፧ 36ኵሉ ካብኡ እዩ ብእኡን ንእኡን ድማ እዩ እሞ፡ ንእኡ ንዘልኣለም ክብሪ ይዅኖ። ኣሜን
ሮሜ ምዕራፍ 12
1እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዘብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም ኣሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። 2እቲ ሰናይን ባህ ዘብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ። 3ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ፡ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዝግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ ኣሎኹ። 4ከምቲ ኣብ ሓደ ስጋ ብዙሕ ኣካላት ዘሎና እሞ፡ ብዘሎ ኣካላት ከኣ ተግባሩ ሓደ ዘይኰነ፡ 5ንሕና ብዙሓት ከኣ ከምኡ ብክርስቶስ ሓደ ስጋ ኢና፡ በብሓደ ግና ነንሓድሕድና ኣካላት ኢና። 6ከምቲ እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ጸጋ ኻብ ዝህልወናስ፡ ትንቢት እንተ ዀይኑ፡ ብልክዕ እምነትና ይኹን። 7ኣገልግሎት እንተ ዀይኑ፡ ብኣገልግሎትና ንጽናዕ። ዝምህር እንተ ዀይኑ፡ ብምምሃሩ ይጽናዕ። 8መዓዲ እንተ ዀይኑ ብምምዓዱ፡ ዝህብ ተገሪሁ ይሃብ፡ መራሒ እንተ ዀይኑ፡ ብትግሃት ይምራሕ፡ እቲ ዝድንግጽውን ብሓጐስ ይደንግጽ። 9ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን። ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡ። 10ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ። 11ንምትጋህ ኣይትተሃከዩ፡ ብመንፈስ ተቓጸሉ፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ። 12ብተስፋ ተሐጐሱ፡ ብጸበባ ተዓገሱ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ። 13ብዘድልዮም ንቕዱሳን ኣማቕሉ፡ ንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ። 14ንዝሰጉኹም መርቑ፡ መርቑ እምበር፡ ኣይትርገሙ። 15ምስቶም ዝሕጐሱ ተሐጐሱ፡ ምስቶም ዝበኽዩ ብኸዩ። 16ንሓድሕድኩም ሓንቲ ሓሳብ ሕሰቡ። ምስቶም ታሕቶት ትሕት በሉ እምበር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ነገር ሓሳብኩም ኣይተውድቑ። ጠቢባን ኢና ኢልኩም ብርእስኹም ኣይትሕሰቡ። 17ነቲ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሰብ ጽቡቕ ዝኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። 18 ዝከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። 19ፍቁራተይ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። 20ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምአውን ኣስትዮ። እዚ ብምግባርካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። 21ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር።
ሮሜ ምዕራፍ 13
1ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። 2ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዝቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዝቃወሞ። እቶም ዝቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ክቕበሉ እዮም። 3-4እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዘፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ክንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዘምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ። 5ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን፡ ክትግዝእዎም ዝግብኣኩም። 6ገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ ኣለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። 7እምብኣርስ ግብሪ ንዝግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዝግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዝግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዝግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዝግብኦ ሃብዎ። 8እቲ ንብጻዩ ዘፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም። 9እዚ፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትመነ፡ እተባህለ፡ ካልእ ትእዛዝውን እንተ ዀነ፡ በዚ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ ዝብል ቃል ክቱት እዩ። 10ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይትገብሮን፡ እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ። 11ምድሓን ካብቲ ዝኣመንናሉ ግዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ ኣሎ እሞ፡ ሕጂ ኻብ ድቃስ ኣትባራበሩሉ ግዜ ኸም ዝበጽሐ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ። 12ለይቲ ሐሊፋ፡ መዓልቲ ቐሪባ እያ እሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ። 13ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ ብጓይላን መስተን ኣይኰነን፡ ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኰነን፡ ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን። 14ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዓል ትምኒት ኣይትግበርዎ።
ሮሜ ምዕራፍ 14
1ነቲ ብእምነት ድኹም ዝዀነ፡ ብናይ ጥርጥር ከይተኻራኸርኩም፡ ተቐበልዎ። 2ኲሉ ምብላዕ ከም እተፈቕደሉ ዝኣምን ኣሎ፡ እቲ ድኹም ግና ሓምሊ እዩ ዝበልዕ። 3ኣምላኽ ተቐቢልዎ እዩ እሞ፡ እቲ ዝበልዕ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዓቆ። እቲ ዘይበልዕውን ኣብቲ ዝበልዕ ኣይፍረድ። 4ንስኻኸ ኣብ ጊልያ ኻልእ እትፈርድ እንታዋይ ኢኻ፧ ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዝብል ወይስ ዝወድቕ። ግናኸ እግዚኣብሄር ደው ከብሎ ይኽእል እዩ እሞ፡ ደው ክብል እዩ። 5እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይፈልያ፡ እቲ ሓደ ግና ንዂላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ እዩ ዝርእየን። ነፍሲ ወከፍ ብሓሳቡ ርዱእ ይኹን። 6እቲ ነታ መዓልቲ ዝጥንቀቐላ ንጐይታ ኢሉ ይገብሮ። እቲ ዝበልዕ ድማ፡ ንኣምላኽ የመስግኖ እዩ እሞ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዝበልዕ። እቲ ዘይበልዕውን ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘይበልዕ፡ ንኣምላኽ ከኣ የመስግኖ። 7ካባናስ ሓደ እኳ ንርእሱ ኢሉ ዝነብር የልቦን እሞ፡ ንርእሱ ዝመውት ከኣ ሓደ ኣኳ የልቦን። 8ብህይወት እንተ ነበርና፡ ንጐይታ ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትና፡ ንጐይታ ኢና እንመውት እሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና፡ ናይ ጐይታ ኢና። 9ስለዚ ኸኣ እዩ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታትን ህያዋንን ምእንቲ ክኸውን ኢሉ፡ ዝሞተን ህያው ዝዀነን። 10-11ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኲሉ ብርኪ ክሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳንውን ንኣምላኽ ከመስግኖ እዩ፡ ዝብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና። ስለምንታይ ደኣ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድ፧ ወይስ ንምንታይ ንስኻ ንሓውኻ እትንዕቕ፧ 12እምብኣርሲ ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ክህብ እዩ። 13ስለዚ ኣብ ንሓድሕድና ኣይንፍረድ። ሓደ እኳ ንሓዉ መዓንቀፊ ወይስ መሓንኰሊ ኸይገብረሉ ግዳ፡ እዚ ፍረዱ። 14ነቲ ኸም ርኹስ ዝርእዮ ደኣ፡ ንእኡ እዩ ርኹስ ዝዀኖ እምበር፡ ብርእሱስ ገለ ርኹስ እኳ ኸም ዘየልቦ፡ ብጐይታና የሱስ እፈልጥ ተረዲኤዮውን ኣሎኹ። 15ሓውካ በቲ ብልዕኻ እንተ ጐሃየ፡ ደጊም ብፍቕሪ ኣይኰንካን እትኸይድ ዘሎኻ እሞ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ብብልዕኻ ኣይተጥፍኣዮ። 16-17መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፡ ብብልዕን መስተን ኣይኰነትን እሞ፡ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎ። 18እቲ በዚ ኸምዚ ንክርስቶስ ዘገልግል ንኣምላኽ ባህ የብሎ ብሰብውን ፍቱን እዩ። 19እምብኣርስኸ ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዝሃንጽን ንስዓብ። 20ነቲ ተግባር ኣምላኽሲ ብምኽንያት ብልዒ ኣይተፍርሶ። ኲሉ ንጹህ እዩ፡ ነቲ ብውልውል ዝበልዕ ሰብ ግና ክፉእ እዩ። 21ሓውካ ዝዕንቀፈሉ ዘበለ ዘይምግባር፡ ስጋ ዘይምብላዕ ወይስ ወይኒ ዘይምስታይ፡ ጽቡቕ እዩ።22ንስኻ፡ ኣታ እምነት ዘላትካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርእስኻ ትሃሉኻ፡ እቲ በቲ ጽቡቕ ኢሉ ዝፈተኖ ነገር ኣብ ርእሱ ዘይፈርድ ብጹእ እዩ። 23ግናኸ ካብ እምነት ዘይኰነ ዘበለ ኲሉ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ እቲ እናተዋላወለ ዝበልዕ፡ ብእምነት ስለ ዘይበልዐ፡ ይዂነን።
ሮሜ ምዕራፍ 15
1እምብኣርሲ ንሕና ብርቱዓት ዝዀንና፡ ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር፡ ንርእስናውን ባህ ከይነብል፡ ይግብኣና እዩ። 2-3ከምቲ ጽሑፍ፡ ጸርፊ እቶም ዝጸረፉኻ ኣባይ ወደቐ፡ ዝብል፡ ክርስቶስ ድማ ንርእሱ ባህ ዘብል ኣይደለየን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ንብጻዩ ምእንቲ ኽሃንጾ፡ ብሰናይ ነገር ባህ የብሎ። 4ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ክዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዂሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ። 5-6ግናኸ ሐቢርኩም ብሓደ ኣፍ ኴንኩም ንኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ምእንቲ ከተኽብሩስ፡ እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ ኣብ ንሓድሕድኩም፡ ከምቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም፡ ሓደ ሓሳብ ክትሐስቡ ይሃብኩም። 7-8ክርስቶስ ነቲ ተስፋ ኣቦታት ከጽንዖስ፡ ምእንቲ ሓቂ ኣምላኽ ኣገልጋሊ ግዝረት ከም ዝዀነ፡ እብል ኣሎኹ። ስለዚ ድማ፡ ከምቲ ክርስቶስ ንኽብሪ ኣምላኽ እተቐበለኩም፡ ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ። 9ኣህዛብ ግና ከምቲ ጽሑፍ፡ ስለዚ ኣብ ማእከል ኣህዛብ አመስግነካ ንስምካውን እዝምር ኣሎኹ፡ ዝብል፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ምሕረቱ የመስግንዎ። 10ከም ብሓድሽውን፡ ኣቱም ኣህዛብ፡ ምስ ህዝቡ ዄንኩም ተሐጐሱ፡ ይብል። 11መሊሱ ኸኣ፡ ኲላትኩም ኣህዛብ፡ ንጐይታ ኣመስግንዎ፡ ብዘለዉ ህዝብታትውን ይወድስዎ፡ ይብል። 12ኢሳይያስ ድማ ደጊሙ፡ እቲ ሱር እሰይ ክኸውን እዩ፡ እቲ ኣብ ኣህዛብ ክገዝእ ዝትንስእ፡ ብእኡውን ኣህዛብ ተስፋ ኽገብሩ እዮም፡ ይብል። 13ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣዚኹም ብተስፋ ምእንቲ ኽትህብትሙስ፡ እቲ ናይ ተስፋ ኣምላኽ ኲሉ ሓጐስን ሰላምን ዘበለ ብእምነት ይምላእኩም። 14ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባኻትኩምሲ ብጽቡቕ ነገር ምሉኣት ምዃንኩም ብፍልጠት ዘበለ ዂሉ ኸም ዝመላእኩም፡ ንሓድሕድኩም ምምዕዓድውን ከም ዝዀነልኩም፡ ኣነ ባዕለይ ተረዲአዮ ኣሎኹ። 15-16ግናኸ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ እተቐደሰ ምስዋእ ኣህዛብ ቅቡል ምእንቲ ክኸውን፡ ብወንጌል ኣምላኽ እናኣገልገልኩ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣገልጋሊ ነህዛብ ምእንቲ ክኸውንሲ፡ በቲ ኻብ ኣምላኽ እተዋህበኒ ጸጋ ኸም ዘዘክረኩም ኰይነ፡ ብሓደ ወገን ኣዝየ ደፊረ ጸሐፍኩልኩም። 17-19እምብኣርሲ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፡ ብሓይሊ ትእምርትን ተኣምራትን፡ — ንምእዛዝ ኣህዛብ፡ — ክርስቶስ ብቓልን ብግብርን ዘይገበሮስ ክዛረበሉ እኳ ኣይደፍርን እየ እሞ፡ ብናይ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ዝምከሓሉ ኣሎኒ። ከምዚ ኻብ የሩሳሌምን ከባቢኣን ጀሚረ ኽሳዕ ኢሊሪኮን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ብምሉእ ሰበኽክዎ። 20-21ከምቲ፡ ብእኡ ዘይተነግረሎም ክርእይዎ እዮም፡ እቶም ዘይሰምዑውን ከስተብህሉ እዮም፡ ዝብል ጽሑፍ ደኣ እምበር፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልእ ሰብ ዝመስረቶ ምእንቲ ኸይሃንጽሲ፡ ኣብቲ ክርስቶስ እተሰምየሉ ዘበለ፡ ወንጌል ከይሰብኽ፡ ክብረተይ ገይረዮ ኣሎኹ። 22ስለዚ ኸኣ ናባኻትኩም ካብ ምምጻእ ብዙሕ ሳዕ ተኸልከልኩ። 23ሕጂ ግና ኣብዚ ሃገር እዚ ስፍራ ስለ ዘይብለይ፡ ናባኻትኩም ምምጻእውን ካብ ብዙሕ ዓመታት ሒዘ ስለ ዝናፈቕኩ፡ 24ንስጳንያ ክኸይድ ከሎኹ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ። ክሐልፍ ከሎኹ ኽርእየኩም፡ ቅድም ቅሩብ ብምርኣይኩም ምስ ጸገብኩ፡ ካብኡ ንንየው ድማ ብኣኻትኩም ክስነ ተስፋ እገብር ኣሎኹ። 25-26ሕጂ ግና መቄዶንያን ኣካይያን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ናይ ቅዱሳን ድኻታት ገንዘብ ከዋጽኡ ፈትዮም ስለ ዘለዉ፡ ነቶም ቅዱሳን እናኣገልገልኩ ናብ የሩሳሌም እኸይድ ኣሎኹ። 27ሰሚሮምዎ እዮም እሞ፡ ሰብ ኢዶምውን እዩም። ካብቲ መንፈሳዊ ርካቦም እቶም ኣህዛብ ካብ ተማቐሉስ፡ ንሳቶም ድማ በቲ ንስጋኦም ዘድሊ ኸገልግልዎም፡ ዝግባእ እዩ። 28እምብኣርሲ እዚ ምስ ወዳእኩ፡ እዚ ፍረ እዚውን ምስ ሐተምኩሎም፡ ብኣኻትኩም ኣቢለ ንስጳንያ ክኸይድ እየ። 29በቲ ናባኻትኩም ምምጻአይ ከኣ ብምልኣት በረኸት ክርስቶስ ከም ዝመጸኩም፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 30-32ኣሕዋተየ፡ ካብቶም ኣብ ኣይሁድ ዘለዉ ዘይኣምኑ ኽድሕን፡ ኣገልግሎተይ ንየሩሳሌምውን ኣብቶም ቅዱሳን ስሙር ምእንቲ ክኸውን፡ ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽዓርፍሲ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ብሓጐስ ናባኻትኩም ክመጽእ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብፍቕሪ መንፈስን ብጸሎትኩም ምእንታይ ምሳይ ናብ ኣምላኽ ክትጋደሉ፡ እምዕደኩም ኣሎኹ። 33ኣምላኽ ሰላም ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን።
ሮሜ ምዕራፍ 16
1ንፌበን ሓብትና፡ እታ ኣገልጋሊት ማሕበር ክንክርኤስ ግዳ፡ አማዕቁበኩም ኣሎኹ። 2ንሳ ድማ ንብዙሓት ንኣይ ንርእሰይን ደጋፊት ነይራ እያ እሞ፡ ንቕዱሳን ከም ዝግባእ ጌርኩም ተቐበልዋ፡ ብትደልየኩም ዘበለ ተግባርውን ደግፍዋ።
3ነቶም ብክርስቶስ የሱስ መዓይይተይ፡ ጵርስኪላን ኣኪላስን፡ ሰላም በሉ። 4ንሳቶም ኣብ ክንዲ ህይወተይ ክሳዶም ዘሕለፉ፡ ብዘለዋ ማሕበራት ኣህዛብ ከኣ ዘመስግናኦም እምበር ኣነ ጥራይ ዘይኰንኩ ዘመስግኖም ዘሎኹ። 5ነታ ኣብ ቤቶም ዘላ ማሕበርውን ሰላም በሉ። ንኤጴኔጦስ ፍቁረይ፡ ንሱ ድማ ንክርስቶስ በዂሪ እስያ ዝዀነ ሰላም በሉ። 6ነታ ንኣኻትኩም ብዙሕ ዝጸዓረት ማርያም ሰላም በሉ። 7ነቶም ኣብ ሃዋርያት ፍሉጣት፡ ቅድመይ ድማ ናብ ክርስቶስ ዝመጹ ምሳይውን እተኣስሩ ኣዝማደይ ኣንድሮኒቆስን ዮንይን ሰላም በሉ። 8ንኣምጵልያስ ብጐይታ ፍቁረይ ሰላም በሉ። 9ንኡርባኖስ ብክርስቶስ መዓይይትናን ንእስጣኩስ ፈታውየይን ሰላም በሉ። 10ነቲ ብክርስቶስ እተፈተነ ኣጵሌስ ድማ ሰላም በሉ። ንስድራ ቤት ኣርስጦቡሎስ ሰላም በሉ። 11ንሄሮድዮን ዘመደይ ሰላም በሉ። ነቶም ብጐይታ ዘለዉ ኻብ ስድራ ቤት ናርቂሶስ ሰላም በሉ። 12ነተን ብጐይታ ዝጽዕራ ዘለዋ ጥሬፌናን ጥሬፎሳን ሰላም በሉ። ነታ ብጐይታ ብዙሕ ዝጸዓርት ጳርሲስ ፍቅርቲ ሰላም በሉ። 13ነቲ ብጐይታ እተሐርየ ሩፎስን ነዲኡን ኣደይን ሰላም በሉ። 14ንኣስንቅሪጦስን ንፍሌጎንን ንሄርሜስን ንጳጥሮባስን ንሄርማስን ምሳታቶም ንዘለዉ ኣሕዋትን ሰላም በሉ። 15ንፊሎሎጎስን ንዩልያን ንኔርዮስን ንሓብቱን ንኦልምጳስን ነቶም ምሳታቶም ዘለዉ ዂሎም ቅዱሳንን ሰላም በሉ። 16ንሓድሕድኩም ከኣ ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም ተባሃሃሉ። ኲለን ማሕበራት ክርስቶስውን ሰላም ይብላኹም ኣለዋ።
17-18ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሃርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዝገብሩ ኽትዕዘብዎም፡ እምዕደኩም ኣሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎን፡ ብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ።19ምእዛዝኩም ኣብ ኵሉ ተሰሚዑ እዩ፡ ስለዚ ብኣኻትኩም እሕጐስ ኣሎኹ። ንሰናይ ብልህታት፡ ንእኩይ ግና ገርህታት ክትኰኑ፡ እደሊ ኣሎኹ። 20ኣምላኽ ሰላም ከኣ ንሰይጣን ቀልጢፉ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ክቕጥቅጦ እዩ። ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን።
21ጢሞቴዋስ፡ እቲ መዓይይተይ፡ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ሉክዮስን ያሶንን ሶሲጳጥሮስን ኣዝማደይ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 22ኣነ ጠርጥዮስ፡ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ዝጸሐፍኩ፡ ብጐይታ ሰላም እብለኩም ኣሎኹ። 23እቲ ንኣይን ነታ ማሕበር ኲላን ግሽነት ዝቕበል ጋይዮስ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ኤራስጦስ፡ እቲ ተሓዝ ገንዘብ ከተማን ቁኣርጦስ ሓዉናን ሰላም ይብልኹም ኣለዉ። 24-25ነቲ ብወንጌለይን ብስብከት የሱስ ክርስቶስን ብምግሃድ እቲ ኻብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ ሕጂ ግና እተገልጸ ምስጢር፡ በቲ ብጽሕፈት ነብያትውን ብትእዛዝ እቲ ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ ንምእዛዝ እምነት ንዅሎም ኣህዛብ እተነግረ ምስጢር፡ ነቲ ኸጽንዓኩም ዝካኣሎ፡ 26ነቲ በይኑ ብዓል ጥበብ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። 27ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን።