1 2 3
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ትን.ኣንባቆም ምዕራፍ 1
1ነብዪ ኣንባቆም ዝረኣዮ ጾር እዚ እዩ። 2ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኸይሰማዕካንስ፡ ክሳዕ መኣዝ ከእዊ እየ፡ኣነ፡ ዓመጽ፡ ኢለ ናባኻ ኣእዌኹ፡ ንስኻውን ኣየድሓንካን። 3ስልምንታይ ኣበሳ እተርእየኒ፡ ንስኻስ ሕሰም እትጥምት፡ ምዝራፍን ዓመጽን ኣብቅድመይ እዩ፡ ባእስን ክርክርን ይለዓል ኣሎ። 4ስለዚ ሕጊ ደኸመ፡ ፍትሒውን ከቶ ኣይወጸን። እቲ ረሲእ ነቲ ጻድቕ ከቢብዎ እዩ እሞ፡ ስለዚ ፍርዲ ቐኒኑ ይወጽእ ኣሎ።
5እንተ ነገሩኹም እኳ ዘይተኣምንዎ ግብሪ ብመዓልትታትኩም እገብር ኣሎኹ እሞ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ርኣዩን ጠምቱን፡ ተገረሙ ተደነቑውን። 6እንሆ፡ ዘይናቶም መናበሪ ኽወርሱ፡ ኣብ ስፍሒ ምድሪ ዝኸዱ መረርትን ፍጡናትን ህዝቢ ከለዳውያን ከተንስእ እየ። 7ንሳቶም ዘፍርሁን ዘሰምብዱን እዮም፡ ፍርዶምን ክብረቶምን ካባታቶም ይወጽእ። 8ኣፍራሶም ካብ ነብሪ ይቕልጥፉ፡ ካብ ቶዅላ ምሸት ይፈጥኑ፡ ፈረሰኛታቶም ይዝርግሑ፡ ፈረሰኛታቶም ካብ ርሑቕ ይመጹ፡ ከምቲ ናብ ምብላዕ ዝቕልጥፍ ንስሪ ይነፍሩ። 9ኵላቶም ክዕምጹ ይመጹ፡ ትምኒት ገጾም ናብ ቅድሚኦም እዩ፡ ከም ሑጻ ዝምብዝሖም ይማርኹ። 10ንነገስታት የላግጹሎም፡ መሳፍንቲ ኸኣ መስሓቒ ይዀንዎ። ብዅሉ ዕርድታት ይስሕቁ፡ መሬት ይእክብ፡ ይወስዶ ኸኣ። 11ሽዑ ኸም ንፋስ ይሓልፍ፡ ንኽንየው ይሓልፍ፡ በዳሊ ኸኣ ይኸውን፡ ሓይሉ ድማ ኣምላኹ እዩ።
12ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ቅዱሰይን፡ ካብ ጥንቲ ንስኻዶ ኣይኰንካን ፡ንሕና ኣይንመውትን። ዎእግዚኣብሄር፡ ንፍርዲ ኣንበርካዮም፡ ኣታ ኸውሒ፡ ንመቕጻዕቲ ሰረትካዮም። 13ኣዒንትኻ እኩይ ንምርኣይ ኣዝየን ጽሩያት እየን፡ ኣበሳ ኽትጥምት ኣይኰነልካን። ስለምንታይ ነቶም ጠለምቲ እትጥምቶም፡ከመይከ እቲ ረሲእ ነቲ ካብኡ ዝጸድቕ ክውሕጦ ኸሎ ትም እትብል። 14ከምይሲ ንሰባት ከምቶም ዓሳ ባሕርን ከምቶም ገዛኢ ዘይብሎም ለመምታን እትገብሮም፡ 15ንዅላቶም ብመቝለብ ኣውጽኦም፡ ብመርበቡ ሰሓቦም፡ ብመግፈፊኡ ድማ ኣከቦም፡ ስለዚ ባህ ኢልዎ እልል ይብል። 16ስለዚ ንመርበቡ መስዋእቲ የቕርበሉ፡ ንመግፈፊኡ ድማ ዕጣን ይዓጥን ኣሎ፡ እዚኸኣ ብኣታቶም ግዲኡ ስለ ዝሰብሓሉ፡ ምግቡውን ስለ ዝጠዓመሉ እዩ። 17ስለዚዶ መርበቡ ኸዕርቕ እዩ፡ኵሉ ግዜ ዶኸን ህዝብታት ብዘይምሕረት ክቐትል እዩ፡
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ትን.ኣንባቆም ምዕራፍ 2
1ብዛዕባ እቲ ኽትዐይ ንሱ እንይታ ከም ዝዛረበንን ኣነ እንታይ ከም ዝመልሰሉን ተተንቂቐ ኽርእስ፡ ኣብቲ መሓለውየይ ደው ክብል፡ ኣብ ልዕሊ ግምቢውን ክቐውም እየ። 2-3እግዚኣብሄር ድማ፡ እቲ ራእይ ንምዱብ ግዜ እዩ፡ ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ ኣሎ፡ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ክመጽእ ኣይክድንጕን ድማ እዩ እሞ፡ እንተ ደንጕየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጕያ ኽንበብሲ፡ ነቲ ራእይ ጽሓፎ፡ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾ፡ ኢሉ መለሰለይ።
4እንሆ፡ ነፍሱ ተነፊሓ ኣብኣውን ዘይቅንዕቲ እያ። ጻድቕ ግና ብእምነቱ ይነብር። 5ወይኒ ኸኣ መጋገዪ እዩ፡ እቲ ዕቡይ ሰብ ኣብ ስፍራኡ ኣይሃድእን፡ ነፍሱ ኸም ሲኦል የግፍህ፡ ከም ሞት እዩ እሞ ኣይጸግብን፡ ንዅላቶም ኣህዛብ ናብኡ ይእክቦም፡ ንዅላቶም ህዝብታት ከኣ ናብኡ ይኣካኽቦም። 6እዚኣቶም ኵላቶም፡ እቲ ዘይናቱ ዝእክብ፡ ኣብ ረእሱ ኸኣ ዕርቡን ዝጸውር ወይለኡ፡ ክሳዕ መኣዝከ እዩ፡ እናበሉ ብምስላ ንብምሳሌ ጸርፍንዶ ኣየልዕልዎን እዮም፡ 7እቶም ዝነኽሱኻዶ ብድንገት ኣይትንስኡን፡ እቶም ዝንዝንዙኻስ ኣይነቕሑንዶ እዮም፡ንስኻውን ዘመቲኦም ክትከውን ኢኻ። 8ንስኻ ብዙሓት ኣህዛብ ስለ ዝዘመትካ፡ እቶም ዝተረፉ ህዝብታት ድማ ኵላቶም ንኣኻ ብሰሪ ደም ሰብን ብሰሪ እቲ ንሃገርን ከተማን ኣብኣተን ዝነብሩ ዅላቶምን እተገብረ ዓመጻን ክዘምቱኻ እዮም።
9-11እምኒ ካብ መንደቕ ከእዊ፡ እቲ መጋጠሚ ድማ ካብ ዕጨይቲ ኽመልሰሉ እዩ እሞ፡ እቲ ንቤቱ ልዕል ከብል፡ ካብ ኢድ መዓት ከኣ ክድሕን ኢሉ ንቤቱ ኽፉእ ረብሓ ዝሀርፍ ወይለኡ። ንብዙሓት ህዝብታት ብምጥፋእካ ንቤትካ ነውሪ መኸርካላ፡ ንነፍስኻውን ሓጣእካ። 12-14ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባህሪ ዘጐልብቦ፡ ምድሪ ብፍልጠት ክብሪ እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ፡ እቲ ንኸተማ ብደም ዝሃንጽ፡ ንዓዲ ኸኣ ብኣበሳ ዘጽንዕ ወይለኡ። እንሆ፡ ህዝብታት ንሓዊ ዝጽዕሩ፡ ኣህዛብ ከኣ ንኸንቱ ዝደኽሙስ ካብ ጐይታ ሰራዊትዶ ኣይኰነን፡
15-17ብሰሪ ደም ሰብን ብሰሪ እቲ ንሃገርን ከተማን ኣብኣተን ዝነብሩ ዅላቶምን እተገብረ ዓመጻን፡ እቲ ንሊባኖስ ዝዓመጽካያን እቲ ንእንስሳታት ዘስክሕ ጥፍኣት ዝገበርካዮን ከጐልብበካ እዩ እሞ፡ እቲ ንብጻዩ ዘስትዮን፡ ዕርቃኑ ኽርእስ ዘስክሮን መርዚ ዘቕርበሉን ወይለኡ። ንስኻ ድማ ስተ፡ ነቲ ዘይግዙር ምዃንካውን ቅልዓዮ፡ እቲ ጽዋእ የማን ኢድ እግዚኣብሄር ክምለሰካ፡ ኣብ ሊዕሊ ኽብርኻ ድማ ነውራም ትፉእ ክዀነካ እዩ።
18እቲ ቐራጺኡ ዝቐርጾ ቕሩጽ ምስልስ እንታይ ይጠቅም ፡እቲ ዓያዪ ዓባስ ጣኦታት ገይሩ ብዕዮኡ ዝእመንከ እቲ ፍሱስ ምስልን መምህር ሓሶትን እንታይ ይጠቅም፡ 19እቲ ንዕጨይቲ፡ ንቓሕ፡ ንዓባስ እምኒ ኸኣ፡ ተንስእ፡ ዝብል ወይለኡ። ንሱዶ ይምህር እዩ፡እንሆ፡ ንሱ ብወርቅን ብብሩርን ልቡጥ እዩ። 20ግናኸ እግዚኣብሄር ኣብ ቅዱስ መቕደሱ እዩ፡ ኵላ ምድሪ ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ትበል።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ትን.ኣንባቆም ምዕራፍ 3
1ጸሎት ነብዪ ኣንባቆም ብሺግዮኖት። 2ዎ እግዚኣብሄር፡ እቲ ዘስማዕካኒ ሰማዕኩ ፈራህኩውን። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንዕዮኻ ኣብ ማእከል ዓመታት ህያው ግበሮ፡ ኣብ ማእከል ዓመታት ኣፍልጦ፡ ብቝጥዓ ኸኣ ምሕረት ዘክር። 3እግዚኣብሄር ካብ ቴማን፡ እቲ ቅዱስ ከኣ ካብ ከረን ፋራን መጸ። ሴላ። ክብረቱ ሰማያት ከደነ፡ ምድሪ ድማ ብምስጋናኡ መልአት። 4ምንጽብራቑ ኸም ብርሃን ነበረ፡ ካብ ኢዱ ጩራታት ወጸ፡ ሓይሉውን ኣብኡ ተሓብአ። 5ቀቅድሚኡ ፌራ ኸደ፡ ረስኒ ድማ እግረ እግሩ ወጸ። 6ደው በለ፡ ንምድሪውን ለክዓ፡ ጠመተ፡ ነህዛብ ከኣ ኣንቀጥቀጦም፡ እቶም ዘለኣለማውያን ኣኽራን ፈረሱ፡ እቶም ጥንታውያን ኵርባታት ድማ ለጠቕ በሉ፡ መገድታቱ ካብ ዘለኣለም እዩ። 7ድንኳናት ኢትዮጵያ ኽጭነቑ ኸለዉ ርኤኽዎም፡ መጋረጃታት ሃገር ሚድያን ኣንፈጥፈጡ።
8እግዚኣብሄርዶ ንርባታት ተቘጢዕዎ እዩ፡በፍራስካ፡ንባይምድሓን ሰረገላታትካ እትኸይድሲ፡ ኵራኻዶ ኣብ ልዕሊ ርባታት፡ ቍጥዓኻስ ኣብ ልዕሊ ባሕሪዶ ዀይኑ እዩ፡ 9ከምቲ ብቓልካ ዝመሓልካዮ፡ ኢድካ ኣውጺእካ ነቶም ነገድ ቀስትኻ ገተርካሎም። ሴላ። ንምድሪ ሰንጢቕካ ርባታት ኣውጻእካ። 10እቶም ኣኽራን ረኣዩኻ እሞ ኣንቀጥቀጡ፡ ሞገድ ማያት ሓለፈ፡ መዓሙቝ ድምጺ ኣስምዐ፡ ኣእዳዉ ኸኣ ናብ ላዕሊ ኣልዓለ። 11ጸሓይን ወርሕን ኣብ ስፍራአን ቈማ፡ ብብርሃን ፍላጻታትካን ብምንጽብራቕ ማሕማሕ ዝብል ኵናትካን ከዱ። 12ንምድሪ ብዅራ ሓለፍካያ፡ ነህዛብ ብቝጥዓ ኣኼድካዮም። 13ንስኻ ንምድሓን ህዝብኻን ንምድሓን ቅቡእካን ወጻእካ፡ ነቲ መሰረት ክሳዕ ክሳድ ቀሊዕካ፡ ርእሲ ቤት ረሲእ ጨፍለቕካ። ሴላ። 14ንርእሲ ሓላቑኡ ብገዛእ ኵናቶም ወጋእካዮ። ንሳቶም ከም ህቦብላ ክብትኑኒ መጹ፡ ሓጐሶም ከምቲ ነቲ መስኪን ብሕቡእ ዝውሕጥ ነበረ። 15ንስኻ በፍራስካ ንባሕሪ፡ ነቲ ዅምራ ዓበይቲ ማያት ረገጽካዮ።
16ሰማዕኩ፡ ከብደይ ከኣ ኣንቀጥቀጠ፡ ከናፍረይ በቲ ድምጺ ኣንፈጥፈጠ፡ ቍንቍነ ኣብ ኣዕጽምተይ ኣተወ። በታ መዓልቲ ጸበባ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ዝገጥመሉ ኽሳዕ ዝመጽእ ትም ኢለ ኽጽበስ ክሳዕ ታሕተይ ኣንቀጥቀጥኩ። 17ኦም በለስ ኣይክትዕምብብን፡ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኣይክህብን፡ ፍረ ኣውሊዕ ክጠልም፡ ግርሁ ምግቢ ኣይክህብን እዩ፡ ኣባጊዕ ካብ ደምበ ኽጠፍኣ፡ ኣሓውን ኣብ ደምቤታት ክሰኣና እየን። 18ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ክብል፡ ብኣምላኽ ምድሓነይ እልል ክብል እየ። 19እግዚኣብሄር፡ እቲ ጐይታ፡ ሓይለይ እዩ፡ ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ይገብረን፡ ኣብቲ በሪኽ ቦታይውን ከመላልሰኒ እዩ። ንመሪ ጌታ ብመሰንቆ።
Like this:
Like Loading...