1 2 3 4 5 6 7 8 9
10 11 12 13 14 15
16 17 18 19 20 21
22 23 24 25 26 27
28 29 30 31 32 33
34 35 36 37 38 39
40 41 42 43 44 45
46 47 48 49 50
51 52
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 1
1ኤርምያስ ወዲ ህልቅያ፡ ካብ ዓሌት እቶም ኣብ ኣናቶት ኣብ ምድሪ ብንያም ዝነበሩ ኻህናት እተናገሮ ቓል። 2ናብኡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሰለስተ ዓመት ግዝኣት ዮስያስ፡ ወዲ ኣሞን ንጉስ ይሁዳ፡ ቃል እግዚኣብሄር መጸ። 3ከምኡውን ብዘመን ዮኣቂም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ክሳዕ እታ መወዳእታ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት ግዝኣት ጼድቅያስ፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ክሳዕ ነቲ የሩሳሌም እተማረኸትሉ ኣብ ሓምሳይ ወርሒ መጾ።
4ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ እሞ፡ 5ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሃነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻ፡ ነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ። 6ኣነ ድማ፡ ኣይ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ገና ቘልዓ እየ እሞ፡ እንሆ፡ ክዛረብ ኣይክእልን እየ፡ በልኩ። 7እግዚኣብሄር ግና በለኒ፡ ናብ ዝልእከካ ዂሉ ኺድ፡ እቲ ዝእዝዘካ ዂሉ ድማ ተዛረብ እምበር፡ ቈልዓ እየ ኣይትበል። 8ምእንቲ ኸናግፈካ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 9እግዚኣብሄር ከኣ ኢዱ ዘርግሐ እሞ ኣፈይ ተንከየ። እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ቃላተይ ኣብ ኣፍካ ኣንብር ኣሎኹ፡ 10ርአ፡ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትን መንግስትታትን ክትምንቁስን ከተፍርስን ከተዖኑን ከተጥፍእን ክትነድቕን ክትተክልን ኣቑመካ እየ፡ በለኒ።
11ድሕሪ እዚውን፡ ኣታ ኤርምያስ፡ እንታይ ትርኢ ኣሎኻ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ። ኣነ ድማ፡ ጨንፈር ኦም ለውዚ እርኢ ኣሎኹ፡ በልኩ። 12እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንቓለይ ክተግሃሉን ከም ዝፍጸም ክገብሮን እየ እሞ፡ ጽቡቕ ርኢኻ፡ በለኒ። 13ቃል እግዚኣብሄር ድማ ካልኣይ ግዜ ናባይ መጺኡ፡ እንታይ ትርኢ ኣሎኻ በለኒ። ኣነውን፡ ገጹ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ዝፈልሕ ድስቲ እርኢ ኣሎኹ፡ በልኩ። 14ሽዑ እግዚኣብሄር በለኒ፡ ሕሰም ካብ ሰሜን ናብቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዂሎም ክፍኖ እዩ። 15እንሆ፡ ናይ ሰሜን መንግስትታት ዓሌት ኲሎም ክጽውዕ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ንሳቶም ከኣ መጺኦም ነፍሲ ወከፎም ኣብ ኣፍ ደጌታት የሩሳሌምን ኣብቲ ከተማታት ይሁዳን መመንበሮም ከንብሩ እዮም። 16ብሰሪ ዂሉ ኽፍኣቶም ንኣይ ስለ ዝሓደጉን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዕጣን ስለ ዝዓጠኑን ንግብሪ ኢዶም ስለ ዝሰገዱን፡ ፍርደይ ክነግሮም እየ። 17እምበኣርሲ ንስኻ ሕቜኻ ተዓጠቕ፡ ተንስእ እሞ እቲ ኣነ ዝእዝዘካ ዂሉ ንገሮም። ኣነ ኣብ ቅድሚኦም ፈራህ ከይገብረካስ፡ ኣብ ቅድሚ ገጾም ኣይትፍራህ። 18እንሆ፡ ኣነ ንዂሉ ምድርን ንነገስታት ይሁዳን ንሹማምታን ንኻህናታን ንህዝቢ ሃገራን ከም እተዓርደት ከተማን ከም ዓንዲ ሓጺንን ከም ቀጽሪ ኣስራዝን ገይረ ሎሚ ኣቑመካ እየ። 19ክዋግኡኻ እዮም፡ ግናኸ ምእንቲ ኸናግፈካ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይክስዕሩኻን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 2
1ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ ናባይ መጸ፡ 2ኪድ እሞ ኣብ ኣእዛን የሩሳሌም፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ጨድር፡ ፍቕሪ ንእስነትክን፡ መርዓት ከሎኺ ኽንደይ ከም ዘፍቀርክንንን፡ ኣብ ጸምጸም በረኻ ኣብ ዘይዝራእ ሃገርውን ከም ዝሰዓብክኒ፡ እዝክረልኪ ኣሎኹ። 3እስራኤል ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ፡ በዂሪ ቐውዑ ነበረ፡ ዝበልዕዎ ዘበሉ ይዕግቡ፡ሕሰም ድማ ክወርዶም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 4እቱም ቤት ያእቆብ፡ ኲላትኩም ከኣ ዓሌት ቤት እስራኤል፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ 5ኣቦታትኩም ካባይ ዝረሓቑ፡ ደድሕሪ ኸንቱነት ዝሰዓቡ፡ ንርእሶምውን ከንቱነት ዝዀኑስ እንታይ ዓመጻ ረኸቡለይ ይብል እግዚኣብሄር። 6ንሳቶም ከኣ፡ እቲ ኻብ ሃገር ምስሪ ዘውጽኣና፡ ብበረኻ፡ ብምድሪ ጽምዋን ድንጒርን፡ ብምድሪ ኣጻምእን ድነ ሞትን፡ በቲ ሓደ እኳ ዘይሓልፎን ሓደ ሰብ እኳ ዘይነብረሉን ምድሪ ዝመርሓና እግዚኣብሄርሲ ኣበይ ኣሎ ኣይበሉን። 7ኣነ ድማ፡ ፍሪኡን ጥዑሙን ምእንቲ ኽትበልዑ፡ ናብ ፈራዪ ምድሪ ኣእቶኹኹም። ንስኻትኩም ግና ምስ ኣቶኹም፡ ንምድረይ ኣርከስኩምዋ፡ ንርስተይውን ፍንፋን ገበርኩምዎ። 8ካህናት፡ እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ ኣይበሉን፡ ሕጊ ዝሓዙ ድማ ኣይፈለጡንን፡ ጓሶት ጠለሙኒ፡ ነብያት ብስም በዓል ተነበዩ፡ ደድሕሪ እቶም ዘይጠቕሙ ኸኣ ሰዓቡ። 9ስለዚ ገና ኽካትዓኩም እየ፡ ምስ ደቂ ደቅኹም እኳ ኽካታዕ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 10ናብ ደሴታት ኪቲም ተሳገሩ እሞ ርኣዩ፡ ናብ ቄዳር ልኣኹ እሞ ኣጸቢቕኩም ተመልከቱ፡ ከምዚ ዘመሰለ ከቶ ዀይኑ እንተ ዀነ ድማ ጠምቱ። 11ዘይኣማልኽቲ ኽነሶምሲ፡ ኣማልኽቱ ዝለወጠ ህዝቢዶ ኣሎ ህዝበይ ግና ግርማኡ ንዘይጠቅም ለወጠ። 12-13ህዝበይ ክልተ ኽፋእ ገይሩ፡ ንኣይ ንፈልፋሊ ህያው ማይ ሓዲጎምኒ፡ ንርእሶም ከኣ ሓጽብታት፡ ማይ ዘየዕቁር ነቓዕ ሓጽብታት ኲዒቶም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ በዚ ተገረሙ፡ ሰምብዱ፡ ኣዚኹምውን ራዕራዕ በሉ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 14እስራኤልሲ ባርያዶ እዩ ወይስ ኣብ ቤት እተወልደ ባርያ ዶዀን እዩ ስለምንታይ ደኣ ንምርኮ ተወፈየ 15ሽደናት ኣናብስ ጓዘሙሉ፡ ደሃዮም ኣስምዑ፡ ምድሩ ኸኣ ኣዕነው። ከተማታቱ ነደዳ፡ ዝነብረለን ድማ የልቦን። 16ደቂ ኖፍን ታህፋኔስን ቅርቅርትኻ ፈገጹ። 17እዚ ዝወረደክስ ነቲ ብቕኑዕ መገዲ ዝመርሓኪ እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ስለ ዝሓደግኪዶ ኣይኰነን 18ሕጂኸ ማይ ሲሆር ክትሰትዪ ኣብቲ ናብ ግብጺ ዝወስድ መገዲ እንታይ ክትገብሪ ኢኺ ወይስ ካብቲ ወሓዚ ርባ ኽትሰትዪ፡ ኣብቲ ናብ ኣሶር ዝወስድ መገድስ እንታይ ክትገብሪ ኢኺ 19-20ካብ ጥንቲ ጀሚረ ኣርዑትኪ ሰበርኩ፡ መኣሰርኪ በጠስኩ፡ ኣይግዛእን ድማ በልኪ፡ ኣብ ኲሉ በሪኽ ኲድዂዶታትን ትሕቲ ዂሉ ልሙዕ ኣእዋምን ደኣ ንዝሙት ጠንቀላዕላዕ በልኪ እሞ፡ ክፍኣት ርእስኺ ክቐጽዓኪ፡ ዘይእምንቲ ምዃንኪ ድማ ክግስጸኪ እዩ። እምበኣረይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ምሕዳግን ንኣይ ዘይምፍራህን ክንደይ ክፉእን መሪርን ምዃኑ ፍለጥን ርኣይን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 21ኣነስ ከም ሕሩይ ሓረግ ወይኒ ገይረ ኻብ ጽሩይ ዓሌት ተኸልኩኺ፡ ከመይ ኢልኪ ደኣ ኣብ ድቓላ ሓረግ ወይኒ ተለወጥክኒ 22ብጨው ባሩድ እኳ እንተ ተሓጸብኪ፡ ብዙሕ ሳሙና ኸኣ እንተ ኣዘውተርኪ፡ ኣበሳኺ ኣብ ቅድመይ ርኹስ ኰይኑ ይነብር፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 23ከመይ ኢልኪ ኢኺ፡ ኣይረኸስኩን፡ ደድሕሪ በዓል ኣይሰዓብኩን፡ እትብሊ ዘሎኺ ስጓሞኺ ናብቲ ለሰ ተመልከቲ፡ ዝገበርክዮ ዘክሪ፡ ኣብዝን ኣብትን ከም እትፋንን ገመል ኰንኪ። 24በረኻ ኸም ዝለመደት፡ ከም ድሌታ ንንፋስ ፊንፊን እትብል፡ ሓደ እኳ ባህጋ ክኽልክል ዘይኽእል ኣድጊ ኸደን፡ ከምኡ ዀንኪ። ዝደልይዋ ዂላቶም ብጒያ ኣይደኽሙን፡ ኣብ ወርሓታ ይረኽብዋ። 25እግርኺ ጥራዩ ኻብ ምዃን፡ ጐረሮኺ ድማ ካብ ምጽማእ ተጠንቀቒ። ንስኺ ግና፡ ጓኖት ፈትየ ኣሎኹ፡ ደድሕሪኦም ክስዕብ እየ እሞ፡ እዝስ እኳ ኣይኸውንን እዩ፡ በልኪ። 26ከምቲ ሰራቒ ምስ ተታሕዘ ዝንውር፡ ከምኡ ቤት እስራኤል፡ ንሳቶም ነገስታቶምን መሳፍንቶምን ካህናቶምን ነብያቶምን፡ ክንውሩ እዮም። 27ዝባኖም እምበር፡ ገጾም ናባይ ኣይመለሱን እሞ፡ ንዕጨይቲ፡ ንስኻ ኣቦይ ኢኻ፡ ንእምኒ ድማ፡ ንስኺ ወለድኽና፡ ይብሉ። ብግዜ መከራኦም ግና፡ ተንስእ እሞ ኣድሕነና፡ ይብሉ። 28ኣታ ይሁዳ፡ ኣማልኽትኻ ኽንዲ ፍቕዲ ኸተማታትካ እዮም እሞ፡ እቶም ንርእስኻ ዝገበርካዮም ኣማልኽትኻ ደኣ ኣበይ ኣለው ብግዜ መከራኻ ኸድሕኑኻ ዝኽእሉ እንተ ዀይኖምሲ፡ ይተንስኡ። 29ስለምንታይ ምሳይ እትካትዑ ኲላትኩም ክሒድኩምኒ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 30ብኸንቱ ንደቅኹም ወቓዕኩ፡ ንሳቶምውን ኣይተቐጽዑን። ሴፍኩም ከም ሰባሪ ኣንበሳ ዀይኑ ንነብያትኪም በልዖም። 31ኣታ ወለዶ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣስተውዕል። ንእስራኤልዶ ጸምጸም በረኻ ወይስ ድቕድቕ ጸልማት ኰንክዎ ስለምንታይ ደኣ ህዝበይ፡ ሓራ ውጹኣት ኢና፡ ደጊም ናባኻ ኣይንምለስን፡ ዝብሉ 32ጐርዞዶ ስልማታ ወይስ መርዓት ቅናታ ትርስዕ እያ ህዝበይንንከ ቑጽሪ ዘይብሉ መዓልትታት ረስዓኒ። 33ደድሕሪ ፍትወትኪ ንምጒያይሲ መገዲ ንምርካብ ክንደይ ኰታ ጮለ ኢኺ። ስለዚ ድማ ብመገዲ ኽፍኣት መልመዲት ኢኺ። 34ክሳዕ ኣብ ዘፋፍር ክዳንኪ ደም እቶም ዝቐተልክዮም ንጹሃት ድኻታት ተረኽበ፡ ስለ እዚ ዂሉ ደኣ እዩ እምበር፡ ክጒሕሉስ ኣይረኸብክዮምን። 35ምስናይ እዚ ድማ፡ ኣነ ንጽህቲ እየ፡ ቁጥዓኡ ኻባይ ኣርሒቑ ተመሊሱ እዩ፡ ትብሊ ኣሎኺ። እንሆ፡ ሓጢኣት የብለይን ስለ ዝበልኪ፡ ምሳኺ ኣብ ፍርዲ ኽኣቱ እየ። 36ስለምንታይ መገድኺ ንምልዋጥ ትህወኺ ኣሎኺ ከምቲ ብኣሶር ዝነወርክዮ፡ ብግብጺ ኸኣ ክትንውሪ ኢኺ። 37እግዚኣብሄር ነቲ እትእመንዮ ደርብይዎ እዩ፡ ምሳታቶም ድማ ኣይክቐንዓክን እዩ እሞ፡ ካብኡውን ኢድኪ ኣብ ርእስኪ ጌርኪ ኽትወጺ ኢኺ።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 3
1ብሁልዶ ኣይኰነን፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ እንተ ፈትሓ እሞ ንሳ ኻብኡ ኸይዳ ኣብ ካልእ ሰብኣይ እንተ ተኣቶት፡ ከም ብሓድሽዶ ናብኣ ይምለስ እዩ እቲ ምድሪዶ ኣዝዩ ኣይረክስን ንስኽውን ምስ ብዙሓት ፈተውቲ ኣመንዚርክስ፡ ናባይዶ ኽትምለሲ ኢኺ ይብል እግዚኣብሄር። 2ኣዒንትኺ ቛሕ ኣብሊ እሞ ኣብ ኲርባታት ጠምቲ፡ ዘይደቀስክሉ ኣበይ ኣሎ ከምቲ ወዲ ዓረብ ኣብ ጸምጸም በረኻ ዘድቢ፡ ኣብ መገዲ ተቐሚጥኪ ትጽበይዮም ነበርኪ፡ ብምንዝርናኽክን ብኽፍኣትክን ድማ ንምድሪ ኣርከስክያ። 3ብሰሪ እዚ ሰርቢ ዝናም ተኸልከለ፡ ዝናም ጽብሓትውን ኣይዘነመን። ንስኺ ግና ገጽ ኣመንዝራ ስለ ዘሎኪ ምሕፋር ኣቤኺ። 4ሕጂኸ፡ ኣቦይ፡ ንስኻ መሓዛ ንእስነተይ ኢኻ፡ ኢልኪዶ ትጽውዕኒ ኣየሎኽን 5ንሓዋሩዶ ክቑጣዕ እዩ ክሳዕ መወዳእታዶኸ ኽጽመም እዩ እንሆ፡ ከምዚ ኢልኪ ትዛረቢ፡ ግናኸ ክሳዕ ዝከኣለኪ ኽፋእ ትገብሪ ኣሎኺ። 6እግዚኣብሄር ብዘመን ንጉስ ዮስያስ ከምዚ በለኒ፡ እዛ ኸዳዕ እስራኤል ዝገበረቶዶ ርኢኻ ኣብ ነነዋሕቲ ኣኽራንን ኣብ ዘዝለምዐ ኣእዋምን ከይዳ ኣብኡ ኣመንዘረት። 7እዚ ዂሉ ምስ ገበረት ከኣ ናባይ ክትምለስ እያ። በልኩ፡ ግናኸ ኣይተመልሰትን። እታ ጠላሚት ሓብታ ይሁዳ ኸኣ ነዚ ረኣየት። 8ነዛ ኸዳዕ እስራኤል እኳ ብምኽንያት ኲሉ ዝሙታ ፈቲሐያ፡ ጽሕፈት መፍትሒኣውን ሂበያ ኸሎኹስ፡ እታ ጠላሚት ሓብታ ይሁዳ ኸም ዘይሰክሐት፡ አረ ኸይዳ ኸም ዘመንዘረት ርአኹ። 9ኰነ ድማ፡ ብቕለት ምንዝርንኣ ነታ ምድሪ ኣርከሰታ፡ ምስ እምንን ዕጨይትን ከኣ ዘመወት። 10ምስናይ እዚ ዂሉ ኸኣ እታ ጠላሚት ሓብታ ይሁዳ ብግብዝና እምበር፡ ብምሉእ ልባ ናባይ ኣይተመልሰትን፡ ይብል እግዚኣብሄር። 11እግዚኣብሄር ድማ፡ ካብታ ጠላሚት ይሁዳስ እታ ኸዳዕ እስራኤል ትጸድቕ፡ በለኒ። 12ኪድ እሞ ኣብ ሸነኽ ሰሜን ነዘን ቃላት እዚኤን ኣውጅ በልውን፡ ኣቲ ኸዳዕ እስራኤል፡ ኣነ መሓሪ፡ ቁጥዓ ንዘለኣለም ዘይዓቁር፡ ገጸይ ከኣ ኣይክጭምድደልኩምን እየ እሞ፡ ተመለሲ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 13እምበኣርስኸ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኸም ዝጠለምኪ፡ ኣብ ትሕቲ ዂሉ ልሙዕ ኣእዋም ኣብቶም ጓኖት ኣማልኽቲ ኣብዝን ኣብትን ጸፋዕፋዕ ከም ዝበልኪ፡ ቃለይውን ከም ዘይሰማዕኩም፡ ኣበሳኺ ተኣመኒ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 14-15ኣቱም ጠለምቲ ደቂ፡ ኣነ ጐይታኹም እየ፡ ከካብ ከተማ ሓደ፡ ከካብ ስድራ ቤት ክልተ ኣምጺኣ ናብ ጽዮን ከእትወኩም እየ፡ በእምሮን ብምስትውዓልን ከም ልበይ ገይሮም ዝጓስዩኹም ጓሶት ከኣ ክህበኩም እየ እሞ፡ ተመለሱ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 16በቲ ዘመን እቲ ምስ በዛሕኩምን ኣብቲ ምድሪ ምስ ተፋሬኹምን፡ ብናይ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣይክዛረቡን፡ ኣይክሓስብዋን ኣይክዝክርዋን ድማ እዮም፡ ኣይከተድልዮምን እያ፡ ከም ብሓድሽውን ኣይክገብርዋን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 17ሽዑ የሩሳሌም ዝፋን እግዚኣብሄር ክትበሃል እያ፡ ኲላቶም ኣህዛብ ከኣ ብስም እግዚኣብሄር ናብ የሩሳሌም ክእከቡ፡ ድሕርዚ ኸኣ ከም ህልኽ ክፍኣት ልቦም ኣይክመላለሱን እዮም። 18በተን ወርሓት እቲኤን ቤት ይሁዳ ምስ ቤት እስራኤል ክኸዱ፡ ሓቢሮም ድማ ካብ ሃገር ሰሜን ናብታ ነቦታትኩም ክርስተይዋ ዝሃብክዎም ምድሪ ኽመጹ እዮም። 19ኣነ ግና ምስ ውሉድ ገይረ ኻብ ኲሉ ዝበልጽ ጥዑም ምድሪ፡ ርስቲ ኣህዛብ ክህበኪ እየ፡ ኢለ ነበርኩ። ንስኺ፡ ኣቦየ፡ ኢልኪ ኽትጽውዕኒ፡ ካባይ ድማ ኣይክትርሕቅን ኢኺ፡ ኢለውን ነበርኩ። 20ግናኸ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ከምታ ንሰብኣያ እትጠልም ሰበይቲ ጠለምኩምኒ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 21መገዶም ስለ ዘበላሸውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝረስዑን፡ ድምጺ ኣብ ኲርባታት ተሰምዐ፡ ንሱውን ብኽያትን ምህለላን ደቂ እስራኤል እዩ።22— ኣቱም ጠለምቲ ደቂ፡ ካብ ጥልመትኩም ከሕውየኩም እየ እሞ፡ ተመለሱ። — ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢኻ እሞ እኔና፡ ናባኻ ንመጽእ ኣሎና። 23ብሓቂ ኻብ ኲርባታት ረዲኤት ምጽባይና ኸንቱ እዩ፡ ኣኽራንሲ ጥቕሚ ዘይብሉ ደሃይ ደኣ ሃቡና። ብሓቂ ምድሓን እስራኤል ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ዝርከብ። 24ሓፍረት ጣኦታት ግና ንፍረ ጻዕሪ ኣቦታትና፡ ነባጊዖምን ንኣሓኦምን ነወዳቶምን ነዋልዶምን፡ ካብ ንእስነትና ጀሚሩ በልዖ። 25እምበኣርሲ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ምስማዕ ስለ ዝኣቤና፡ ንሕናን ኣቦታትናን ካብ ንእስነትና ጀሚርና ኽሳዕ ሎሚ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ዝበደልና፡ ኣብ ሓፍረትና ፈፈው ንበል፡ ነውርና ኸኣ የጐልብበና።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 4
1ኣታ እስራኤል፡ እንተ ተመለስካስ፡ ናባይ ደኣ ተመለስ። ነቲ ጽያፍካ ኻብ ቅድመይ እንተ ኣርሓቕካዮ፡ ቀባሕባሕ ኣይክትብልን ኢኻ፡ 2ሽዑ፡ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ኢልካ ብሓቅን ብቕንዕናን ብጽድቅን ክትምሕል ኢኻ፡ ኣህዛብ ከኣ ብእኡ ኽባረኹን ክሕበኑሉን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 3እግዚኣብሄር ንሰብ ይሁዳን የሩሳሌምን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በዱኹም ጽግኡ እሞ ኣብ እሾዂ ኣይትዝርኡ። 4ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን፡ ብሰሪ ኽፍኣት ግብርኹም ቁጥዓይ ከም ሓዊ ኸይነድድ እሞ ሓደ እኳ ኸጥፍኦ ኸም ዘይኽእል ኰይኑ ሃልሃል ከይብልሲ፡ ንእግዚኣብሄር ተገዘሩ፡ ልብኹም ግዘሩ። 5ኣብ ይሁዳ ንገሩ፡ ኣብ የሩሳሌም ኣውጁ እሞ፡ ኣብታ ሃገር መለኸት ንፍሑ፡ በሉ። ዓው ኢልኩም ከኣ፡ ተኣከቡ እሞ ናብተን ጽኑዓት ከተማታት ንእቶ፡ ኢልኩም ጨድሩ። 6ካብ ሰሜን መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ከምጽእ እየ እሞ፡ ናብ ጽዮን ኣቢሉ ዘመልክት ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ፡ መጸግዒ ድለዩ፡ ጠጠው ኣይትበሉ። 7ኣንበሳ ኻብቲ ጭምጭም ዱር በለኽ ይብል፡ ምድርኺ ኸባድም፡ ከተማታትኪ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ዝነብረለን ክሳዕ ዝሰኣን፡ ከፍርስ፡ መጥፍእ ህዝብታት ነቒሉ ኻብ ስፍራኡ ይወጽእ። 8እምበኣርሲ እቲ ነዳዲ ቑጥዓ እግዚኣብሄር ካባና ኣየግለሰን እዩ እሞ፡ ከሊ ተኸደኑ፡ ኣልቅሱ ዋይዋይ ድማ በሉ። 9በታ መዓልቲ እቲኣ ልቢ ንጉስ ልቢ መሳፍንትን ከም ዝዝሕትል፡ ካህናት ከም ዝፈዙ፡ ነብያትውን ከም ዝግረሙ ክኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 10ኣነ ግና፡ ኣየ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ሰይፊ ኽሳዕ ነፍስና በጺሑ ኸሎስ፡ ደሓን ኢኹም ብምባልካ ነዚ ህዝቢ እዝን ንየሩሳሌምን ብርግጽ ጠቢርካዮም፡ በልኩ። 11በቲ ዘመን እቲ ነዚ ህዝቢ እዝን ንየሩሳሌምን ከምዚ ኽበሃል እዩ፡ ሃሩር ዘለዎ ንፋስ ካብቲ በረኽቲ ምድረ በዳ ናብታ ጓል ህዝበይ ክመጽእ እዩ፡ ንምምስኣይን ንምዝራውን ዝኸውን ኣይኰነን፡ 12ካብኡ ኣዝዩ ዝብርትዕ ንፋስ ካባይ ክመጽእ እዩ፡ ኣነውን ሕጂ ብፍርዲ ኽዛረቦም እየ። 13እንሆ፡ ከም ደበና ዀይኑ ይወጽእ፡ ሰረገላታቱ ኸም ህቦብላ እዮም። ኣፍራሱ ኻብ ንስሪ ይቕልጥፉ። ጠፊእና ኢና እሞ፡ ወይለና። 14ኣቲ የሩሳሌም፡ ምእንቲ ኽትድሕንስ ልብኺ ኻብ ክፍኣት ሕጸቢ። ክሳዕ መኣዝ ክፋእ ሓሳባት ኣብ ውሽጥኺ ኽነብር እዩ 15ካብ ዳን ድምጺ ይስማዕ፡ ካብ ኣኽራን ኤፍሬም ከኣ ሕሰም ይውረ ኣሎ እሞ፡ 16እንሆ፡ ካብ ርሑቕ ሃገር ዝኸብብ ጭፍራ ይመጽእ፡ ንኸተማታት ይሁዳ ኸኣ ይፍክሩለን ኣለው፡ ኢልኩም ነህዛብ ንገርዎም፡ ንየሩሳሌም ኣፍልጥዋ። 17ንኣይ ስለ እተጻረረት፡ ከም ሓለውቲ ግራት ኰይኖም ብዂሉ ወገና ይኸብዋ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 18ኣኻይዳኽን ግብርኽን እዩ እዚ ዘውረደልኪ፡ እዚ ኽፍኣትኪ እዩ፡ መሪር እዩ እሞ፡ ክሳዕ ልብኺ ይበጽሕ። 19ኣምዑተይ፡ ኣምዑተይ ተበጠሰ፡ ኣየ ኣፍ ልበይ፡ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ትርግርግ ይብል ኣሎ። ነፍሰይ ደሃይ መለኸትን ህማም ውግእን ትሰምዕ ኣላ እሞ፡ ትም ኣይብልን። 20ኲላ እታ ሃገር ዓኒዋ እያ እሞ፡ ጥፍኣት ኣብ ርእሲ ጥፍኣት ይውረ ኣሎ፡ ጐጆታተይ ብድንገት፡ ድንኳናተይ ድማ ብቕጽበት ዓይኒ ዓነዋ። 21ክሳዕ መኣዝ ሰንደቕ ዓላማ ኽርኢ፡ ደሃይ መለኸትስ ክሰምዕ እየ፧ 22ህዝበይ ዓሻ እዩ እሞ፡ ኣይፈልጠንን፡ ድንዙዛት ደቂ እዮም እሞ፡ ኣእምሮ የብሎምን። እከይ ንምግባር ጥበበኛታት እዮም፡ ሰናይ ንምግባር ግና ኣይፈልጡን እዮም። 23ንምድሪ ጠመትክዋ፡ እንሆ፡ ጽምዋን ባዶን ነበረት፡ ንሰማያትውን ጠመትኩ እሞ ብርሃን ኣይነበሮን። 24ነኽራን ጠመትኩ፡ እንሆ ኸኣ ራዕራዕ ይብሉ፡ ኲላቶም ኰረቢትውን የንፈጥፍጡ ኣለው። 25ጠመትኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሰብ ኣይነበረን፡ ኲለን ኣዕዋፍ ሰማይ ከኣ በረራ። 26ጠመትኩ፡ እንሆ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ ነድሪ ቑጥዓኡን እታ ፈራይት ምድርስ ምድረ በዳ ዀነት፡ ከተማታታ ድማ ፈረሳ። 27እግዚኣብሄር ኸምዚ ይብል፡ ኲላ እታ ሃገር ክትባድም እያ፡ ግናኸ ብጥራስ ኣይከጥፍኣን እየ። 28ኣነ ኢለ ኢሎኹ ወዲኤዮ ኸኣ እየ፡ ኣይክጠዓሰሉን ኣይክምልሶን ድማ እየ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ምድሪ ኽትሓዝን፡ ሰማያትውን ኣብ ላዕሊ ኽጽልምት እዩ፡ ይብል ኣሎ። 29ካብቲ ድዋዕዋዕ ምባል ፈረሰኛታትን ወርወርቲ ፍላጻን እተላዕለ፡ ኲሉ እቲ ኸተማታት ይሃድም። ኣብ ዕሙር ዱር ይሰዃዅዑ፡ ኣብ ኣኻውሕ ከኣ ይሓዂሩ፡ ኲሉ ኸተማታት ተሓደጉ፡ ዝነብሮ ሰብ ከኣ የልቦን። 30ኣቲ ዝዓኖኺኸ፡ እንታይ ኽትገብሪ ኢኺ ጁዂ እንተ ተኸደንኪ፡ ስልማት ወርቂ እንተ ተሰለምኪ፡ ኲሕሊ እንተ ተዀሓልኪ፡ ንኸንቱ ኢኺ እተጋይጺ ዘሎኺ። ፈተውትኺ ንዒቖምኺ ነፍስኺ ይደልዩ ኣለው። 31ነቲ ቕልውላው ዝሓዛ፡ ነቲ ምዕሉባጥ ፈለማያ እትወልድ ሰበይቲ ዝመስል ኣደድ ምባል እሰምዕ ኣሎኹ እሞ፡ ደሃይ እታ ዓቕሊ ኣጽቢባ፡ ኢዳ ዘርጋሕጋሕ እተብል፡ ዋይ ደኣ ነፍሰይ ብሰሪ እዞም ቀተልቲ ሰልከየት፡ ኢላ እተድሂ ዘላ ጓል ጽዮን እዩ።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 5
1ኣብ ኣደባባይ የሩሳሌም ዙሩ እሞ ርኣዩን ተመልከቱን፡ ኣብ ዕዳጋታታ ኸኣ ድለዩ፡ ሓደ እኳ፡ ሓደ በይኑ ፍትሒ ዝገብር ሓቂ ኸኣ ዝደሊ እንተ ረኸብኩም፡ ኣነውን ይቕረ ኽብለላ እየ። 2ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ እኳ እንተ በሉ፡ብሓሶት እዮም ዝምሕሉ ዘለው። 3ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣዒንትኻዶ ሓቂ ኣይኰናን ዝደልያ፡ ወቓዕካዮም፡ ግናኸ ኣየሕመሞምን። ኣኰትካዮም፡ ግናኸ ኣይተቐጽዑን። ገጾም ካብ ከውሒ ዝተርር ገበሩ እሞ ምምላስ ኣበዩ። 4ኣነ ኸኣ፡ እዚኣቶም መገዲ እግዚኣብሄርን ፍትሒ ኣምላኾምን ዘይፈልጡ እዮም እሞ፡ ድኻታትን ዓያሱን እዮም፡ 5እምበኣርሲ ናብቶም ዓበይቲ ደኣ ክኸይድ፡ ንሳቶም መገዲ እግዚኣብሄርን ፍትሒ ኣምላኾምን ዝፈልጡ እዮም እሞ፡ ክነግሮም፡ በልኩ። ግናኸ እዚኣቶም ድማ ሓቢሮም ኣርዑት ሰበሩ መእሰሪታትውን በጠሱ። 6ኣበሳኦም ታእላው የብሉን፡ ጥልመቶም ከኣ እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ እሞ፡ ስለዚ ኣንበሳ ኻብ ዱር ወጺኡ ይሰብሮም፡ ተዂላ መሮር ድማ የጥፍኦም፡ ነብሪ ኣብ ከተማታቶም ይቃጾ፡ ውጽእ ንዝበለውን ይምንጥሎ። 7ከመይ ኢለ ይቅረ ኽብለልኪ ደቅኺ ጠለሙኒ፡ ኣማልኽቲ ብዘይ ኰኑ ኸኣ ይምሕሉ ኣለው። ኣጽገብክዎም፡ ንሳቶም ድማ ዘመው፡ ኣብ ቤት ኣመንዝራውን ተኣኻኸቡ። 8ከምቶም ጽቡቕ እተመጨኑ ውዑያት ኣፍራስ እዮም፡ ነፍሲ ወከፎም ደድሕሪ ሰበይቲ ብጻዩ ይሕምሕም። 9በዚ ነገር እዚዶ ኣይክቐጸዖምን እየ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ህዝብስ ነፍሰይዶ ሕነ ኣይክትፈድዮን እያ ይብል እግዚኣብሄር። 10-11ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን ጠሊሞምኒ እዮም እሞ፡ ኣብ ቀጽርታታ ደዪብኩም ኣፍርሱ፡ ግናኸ ብጥራስ ኣይተጥፍእዋ። ጨናፍራ ናይ እግዚኣብሄር ኣይኰነን እሞ፡ ኣርሕቕዎም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 12-13እዚኣቶም ከኣ፡ እግዚኣብሄር የሎን፡ ክፋእ ኣይክወርደናን እዩ ሰይፍን ጥሜትን ኣይክንርእን ኢና፡ ነብያት ንፋስ ክዀኑ እዮም፡ ብኣታቶም ዝዛረብ ከኣ የልቦን፡ ከምኡ ንርእሶም ይኹን፡ ኢሎም ንእግዚኣብሄር ኸሓዱ። 14ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዚ ቓል እዚ ስለ እተዛረብኩም፡ እንሆ፡ ነቲ ቓላተይ ኣብ ኣፍካ ኸም ሓዊ፡ ነዚ ህዝቢ ድማ ከም ዕጨይቲ ኽገብሮ እየ እሞ ክልቑምጾም እዩ። 15ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ርሑቕ ከም ጽኣልኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ሓያል ህዝቢ፡ ጥንታዊ ህዝቢ፡ ቋንቋኦም ዘይትፈልጦ፡ ዘረባኦም ድማ ዘይተስተውዕሎ ህዝቢ እዮም። 16ጒልድባኦም ክፋት መቓብር እዩ፡ ኲላቶም ከኣ ጀጋኑ እዮም። 17ንሳቶም ነቲ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ክበልዕዎ ዝግባእ ቀውዕኻን እንጌራኻን ክበልዑ፡ ወይንኻን በለስካን ክበልዑ እዮም። ነተን እትእመነን ጽኑዓት ከተማታትካ ብሰይፊ ኸፍርስወን እዮም። 18ግናኸ በተን መዓልትታት እቲኣተን ከኣ ብጥራስ ኣይከጥፍኣኩምን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 19ንስኻትኩም ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለምንታይ እዩ እዚ ዂሉ ዝገበረና እንተ በልኩም፡ ሽዑ ንስኻ፡ ከምቲ ንስኻትኩም ዝሓደግኩምኒ፡ ኣብ ሃገርኩም ንጓኖት ኣማልኽቲ እተገዛእኩም፡ ከምኡውን ኣብ ዘይሃገርኩም ንጓኖት ክትግዝኡ ኢኹም፡ ኢልካ ምለሰሎም። 20እዚ ኣብ ቤት ይእቆብ ኣውርዩ፡ ኣብ ይሁዳ ኸኣ ንገሩ እሞ በሉ፡ 21ኣታ ልቢ ዘይብሉ፡ ዓይኒ ኸለዎ ዘይርኢ፡ እዝኒ ኸለዎ ድማ ዘይሰምዕ ዓሻ ህዝቢ፡ እዚ ስማዕ፡ 22ንኣይሲ ኣይምፈራህኩምንንዶ ብዘለኣለማዊ ትእዛዝ ገይረ ኸይሓልፎ ድበት ንደረት ባሕሪ ዝገበርኩኸ፡ ኣብ ቅድመይዶ ራዕራዕ ኣይምበልኩምን ማዕበሉ እኳ እንተ በርትዐ፡ ኣይኽእሎን፡ ይሃጽፍ፡ ግናኸ ከቶ ኣይሳገሮን፡ ይብል እግዚኣብሄር። 23እዚ ህዝቢ እዚ ግና እምቢተኛን ዓላውን ልቢ ኣለዎ፡ ንድሕሪት ይምለሱ እሞ ጸው ይብሉ። 24ብልቦም ከኣ፡ ነቲ በብግዜኡ ዝናም ጽድያን ቀውዕን ዝህበና፡ ምዱባት ሳምንትታት ቀውዒውን ዝሰርዓልና እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንፍርሃዮ፡ ኣይበሉን። 25ኣበሳኹም ነዚ ኸልከለ፡ ሓጢኣትኩም ከኣ ነዚ ጸጽቡቕ ኣኽልኣኩም። 26ኣብቶም ህዝበይሲ ረሲኣን ሰባት ይርከቡ፡ ከምቶም ኣዕዋፍ ዘፈንጥሩ ይቃጸው፡ መፈንጠራ ዘርጊሖም ከኣ ሰብ የፈንጥሩ ኣለው። 27ከምታ በዕዋፍ ዝመልአ እንዳ ዑፍ፡ ከምኡ ድማ ቤቶም ብምጥባር ምሉእ እዩ። ስለዚ ዓበይትን ሃብታማትን ኰኑ። 28ስቡሓትን ዘየባርቑን ኰኑ፡ ንእከዮም ወሰን የብሉን። ፍትሒ ንዘኽታም፡ ነገሩ ዘቕንዓሉ ፍትሒ፡ ኣየውጽኣሉን፡ ንድኻውን መሰሉ ኣይብይኑሉን። 29በዚ ነገር እዚዶ ኣይክቐጽዖምን እየ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ህዝብስ ነፍሰይዶ ሕነ ኣይክትፈድዮን እያ ይብል እግዚኣብሄር። 30ኣብታ ሃገር እቲኣ ጒድን ዘሰክሕን እዩ ዝግበር ዘሎ፡ 31ነብያት ብሓሶት ይንበዩ፡ ካህናት ከኣ ብኢዶም ይገዝኡ ኣለው፡ ህዝበይውን ባህ ኢልዎ ይሰምሮ ኣሎ። ኣብ መወዳእታኡ ደኣኸ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም፧
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 6
1ኣቱም ደቂ ብንያም፡ መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ካብ ሰሜን ይቐርብ ኣሎ እሞ፡ ካብ ማእከል የሩሳሌም ህደሙ፡ ኣብ ትቆኣ መለኸት ንፍሑ፡ ኣብ ርእሲ ቤት ሃኬሬም ምልክት ትኸሉ። 2ነዛ ስብቅልን ሕንቅቕትን ጓል ጽዮን ከጥፍኣ እየ። 3ጓሶት ምስ መጓሴታቶም ኣብኣ ይወፍሩ፡ ድንኳናቶም ከኣ ኣብ ዙርያኣ ይተኽሉ፡ ነፍሲ ወከፍ በብወገኖም ድማ ይጓስዩ ኣለው። 4ክትዋግእዋ ተዓጠቑ፡ ተንስኡ፡ ቀትሪ ኸሎ ንውጻእ። ምድሪ መስዩ፡ ጽላሎት ምሸት ከኣ ነዊሑ እዩ እሞ፡ ወይለና። 5እምበኣርሲ ተንስኡ፡ ብለይቲ ንገስግስ እሞ ነዳራሻታ ነፍርሶ። 6እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣእዋም ቁረጹ፡ ንየሩሳሌም ከኣ ብቐጽሪ ኽበብዋ። ብዂሉ ወገና ዓመጽን ጐመጽን ኣለዋ እሞ፡ እትቕጻዕ ከተማ እያ። 7ዔላ ማዩ ኸም ዘፈልፍል፡ ከምኡ ኸኣ ክፍኣታ ተፈልፍል ኣላ። ኣብኣ ዓመጽን ምብራስን ይስማዕ ኣሎ፡ ስቓይን ቁስልን ንሓዋሩ ኣብ ቅድመይ እዩ። 8ኣቲ የሩሳሌም፡ ነፍሰይ ካባኺ ኸይትፍለ እሞ ሰብ ዘይነብረላ ምድረ በዳ ኸይገብረክስ፡ ተቐጽዒ። 9እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ከምቲ ንተኽሊ ወይኒ ዝቕርምዎ፡ ነቲ ተረፍ እስራኤል ክቕርምዎ እዮም። ከምቲ ኣራይ ዘቢብ ኣብ ሓረግ ዝገብሮ፡ መመሊስካ ኢድካ ዘርግሕ። 10እንሆ፡ እዝኖም ዘይተገዝረ እዩ፡ ክሰምዑ ኸኣ ኣይኽእሉን እዮም። እንሆ፡ ቃል እግዚኣብሄር ነውሪ ዀይንዎም እዩ እሞ ባህ ኣየብሎምን። እምበኣርከ ምእንቲ ኽሰምዑስ፡ ንመን ደኣ ኽዛረብ፡ ኣብ ቅድሚ መንሲ ኽምስክር እየ 11ስለዚ ብቑጥዓ እግዚኣብሄር መሊአ ኣሎኹ፡ ትም ክብል ድማ ኣይከኣለንን። ሰብኣይን ሰበይትን፡ ኣረጊትን ዕድሚኡ ዘእከለን ክተሓዙስ፡ ኣብቶም ቈልዑ ኣብ መገድን ኣብቶም መንእሰይ ኣብ ባይቶን ኣሕቢርካ ኽዓወሎም። 12ናብቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኢደይ ክዝርግሕ እየ እሞ፡ ኣባይቶምን ግራህኦምን ኣንስቶምን ብሓባር ኣብ ካልኦት ክሓልፍ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 13ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም ህሩፋት ረብሓ፡ ካብ ነብዪ ኽሳዕ ካህን ኲላቶም ሓሶት የዘውትሩ ስለ ዘለው እዩ። 14ሰላም ዘየልቦስ፡ ሰላም ሰላም እናበሉ፡ ነቲ መውቃዕቲ ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለው። 15ጽያፍ ስለ ዝገበሩስ ክሓፍሩዶ እዮም ምንም ኣይሓፍሩን፡ ሓፍረት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን። ስለዚ ምስቶም ዝወድቁ ኽወድቁ፡ ምስ ኣራኻኸብኩሎም ከኣ ጻሕ ክብሉ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 16እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ ጐደናታት ደው ኢልኩም ተመልከቱ፡ እቲ ጥንታዊ መገድታት፡ እቲ ጽቡቕ ጐደና ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብእኡ ተመላለሱ፡ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ንሳቶም ግና፡ ኣይንመላለሰሉን ኢና፡ ኢሎም መለሱ። 17ኣብ ደሃይ መለኸት ኣድህቡ፡ ዝብሉኹም ሓለውቲ ሸይመልኩም ነይረ። ንሳቶም ግና፡ ኣይነድህብን ኢና፡ በሉ። 18ስለዚ ኣቱም ኣህዛብ፡ ስምዑ፡ ኣቱም ማሕበር፡ እቲ ዝመጾም ዘሎ ፍለጡ። 19ኣቲ ምድሪ፡ ስምዒ፡ ኣብ ቃላተይ ኣየድሃቡን፡ ንሕገይ ከኣ ደርብዮምዎ እዮም እሞ፡ ኣብዚ ህዝቢ እዚ መዓት ከምጽእ እየ፡ ንሱ ኸኣ ፍረ ሓሳቦም እዩ። 20እቲ ዕጣን፡ ካብ ሳባ፡ ምኡዝ ቃንጫ ኸኣ ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመጽእ እንታይ ግዱ ኣሎኒ እቲ ዝሓርር መስዋእትኹም ባህ ኣየብለንን፡ መስዋእቲ ሕሩድኩምውን ኣየብህገንን እዩ። 21ስለዚ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ህዝቢ እዚ እምኒ መዓንቀፊ ኣንብር ኣሎኹ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣቦታትን ውሉድን ክዕንቀፉ፡ ጐረቤትን ዓርኩን ሓቢሮም ክጠፍኡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 22እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ሃገር ሰሜን ይመጽእ፡ ካብ ወሰን ምድሪ ድማ ዓብዪ ህዝቢ ይነቅል ኣሎ። 23ቀስትን ኲናትን ይሕዙ፡ ጨካናት፡ ምሕረት ዘይብሎም እዮም። ድምጾም ከም ህማም ባሕሪ እዩ። ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣፍርስ ሰሪሮም ይስለፉ፡ ከም ጅግና ኸኣ ክዋግኡኺ ተዳልዮም ኣለው። 24ወሪኦም ሰማዕና፡ ኣእዳውና ድማ ዘርጋሕጋሕጋሕ በለ። ከምቲ ቕልውላው ንወላዲት ዝሕዛ፡ ጸበባ ሓዘና። 25ሰይፊ ጸላኢ ኣብኡ፡ ፍርሃት ከኣ ኣብ ኲሉ ወገን ኣሎ እሞ፡ ኣብ ግዳም ኣይትውጽኡ፡ ኣብ መገድታት ኣይትኺዱ። 26ኣቲ ጓል ህዝበይ፡ መጥፍኢ ብድንገት ክመጸና እዩ እሞ፡ ከሊ ተኸደኒ፡ ኣብ ሓመዂስቲ ኣንፈፍዊ፡ ከም ንሓደ ዝወዳ ጌርኪ ሕዘኒ፡ መሪር ብኽያት ብኸዪ። 27መገዶም ምእንቲ ኽትፈልጥን ክትምርምርን፡ ኣብ ማእከል ህዝበይ ግምብን እምባን ገይረ ኣቘምኩኻ። 28ኲላቶም ዕለውትን ከድዓትን እዮም፡ ሕሜት እናዘርኡ ይኸዱ። ነሃስን ሓጺንን እዮም፡ ኲላቶም ብልሽዋት እዮም። 29መናፍሕ ፉፍ ይብል፡ እቲ ዓረር ብሓዊ ፈሊሑ ይውዳእ። እቲ ኽፋእ ምፍላይ ስለ ዝኣበየ፡ ድሌት እቲ ምዂላዕ ከንቱ ዀይኑ ተረፈ። 30እግዚኣብሄር ወጊድዎም እዩ እሞ፡ ውጉድ ብሩር ይበሃሉ።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 7
1እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ይብል፡ 2ኣብ ደገ ቤት ደው በል እሞ ኣብኡ ዄንካ እዚ ቓል እዚ ስበኽ በልውን፡ ኣቱም ንእግዚኣብሄር ክትሰግዱ በዘን ደጌታት እዚኣተን እትኣትው ሰብ ይሁዳ ዂላትኩም፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ። 3እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ መገድኹምን ግብርኹምን ኣጸብቑ፡ ኣነ ኸኣ ኣብዚ ስፍራ እዚ ኸንብረኩም እየ። 4መቕደስ እግዚኣብሄር፡ መቕደስ እግዚኣብሄር፡ መቕደስ እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡ ኢልኩም ኣብ ቃላት ሓሶት ኣይትወከሉ። 5መገድኹምን ግብርኹምን ብሓቂ እንተ ፈረድኩም፡ 6ንጓናን ዘኽታምን መበለትን እንተ ዘየጨነቕኩም፡ ኣብዚ ስፍራ እዚ ንጹህ ደም እንተ ዘየፍሰስኩም፡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ ንጒድኣትኩም እንተ ዘይሰዓብኩምሲ፡ 7ሽዑ ኣነ ኣብዛ ነቦታትኩም ንዘለኣለም ኣለም ዝሃብክዋ ምድሪ፡ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኸንብረኩም እየ። 8እንሆ፡ ንስኻትኩም ኣብ ዘይጠቅም ቃላት ሓሶት ትውከሉ ኣሎኹም። 9ኣየ፡ ንስኻትኩም ትሰርቁ፡ ትቐትሉ፡ ትዝምው፡ ብሓሶት ትምሕሉ፡ ንበዓል ትዓጥኑ፡ ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲውን ትስዕቡ፡ 10ናብዚ መጺእኩም ከኣ፡ ኣብዛ ብስመይ እተሰምየት ቤት ኣብ ቅድመይ ቌምኩም፡ ኲሉ እዚ ፍንፋን ግብሪ እዚ ምእንቲ ኽትገብሩ፡ ድሑናት ኢና፡ ትብሉ ኣሎኹም። 11እዛ ብስመይ እተሰምየት ቤትዶ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም በዓቲ ጐሓሉት ኰነት እንሆ፡ ኣነ ባዕለይ ርእየዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 12እምበኣርሲ ናብታ ቕድም ስመይ ዘሕደርኩላ ስፍራ፡ ናብ ሲሎ፡ ኪዱ እሞ ብሰሪ እከይ ህዝበይ እስራኤል ከመይ ከም ዝገበርክዋ ጠምቱ። 13እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሕጂ ኸኣ እዚ ዂሉ ግብርታት እዚ ጌርኩምስ፡ ኣንጊሄ ተንሲኡ ነጊርኩም፡ ተዛሪብኩም ኣይሰማዕኩምን፡ እናጸዋዕኩኹም ድማ ኣይመለስኩምን ኢኹም እሞ፡ 14ስለዚ ኸኣ ነዛ ብስመይ እተሰምየት፡ ንስኻትኩምውን እትውከልዋ ዘሎኹም ቤት፡ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝሃብክዋ ስፍራ፡ ከምቲ ኣብ ሲሎ ዝገበርክዎ ኽገብራ እየ፡ 15ከምቲ ንዅሎም ኣሕዋትኩም፡ ንዂሎም ዘርኢ ኤፍሬም፡ ዝደርቤኽዎም፡ ካብ ቅድመይ ክድርብየኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 16እምበኣርሲ ኣይክሰምዓካን እየ እሞ፡ ምእንቲ እዚ ህዝቢ እዚ ኣይትለምን፡ ኣይትማህለል፡ ኣይትጸሊ፡ ላሕውን ኣይተብለኒ። 17ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌምን ዝገብርዎ ዘለውዶ ኣይትርእን ኢኻ 18ንኣይ ምእንቲ ኸጒህዩስ፡ ደቂ ኣዕጫው ይእክቡ፡ ኣቦታት ሓዊ ይኣጒዱ፡ ኣንስቲ ኸኣ ንንግስቲ ሰማይ ዝኸውን ቅጫ ኽስንክታ ብሑቑ የቘምጥዓ፡ መስዋእቲ መስተውን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ይውፍያ። 19ንኣይዶ እዮም ዘጒህዩ ዘለው ንውርደት ርእሶምዶ ግዳ ኣይኰኑን ዝብድሉ ዘለው ይብል እግዚኣብሄር። 20ስለዚ ኸኣ፡ እንሆ፡ ቁጥዓይን ነድረይን ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኣብ ሰብን እንስሳን ኣብ ኣእዋም መሮርን ኣብ ፍረ ምድርን ክዂዑ እየ፡ ክነድድ ኣይክጠፍእን ድማ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 21እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቲ ዝሓርር መስዋእትኹም ኣብቲ መስዋእቲ ሕሩድኩም ወስኹ እሞ እቲ ስጋ ብልዑ። 22በታ ነቦታትኩም ካብ ግብጺ ኸውጽኦም ከሎኹ፡ ብናይ ዝሓርር መስዋእትን ብመስዋእቲ ሕሩድን ኣይተዛረብክዎምን ኣይኣዘዝክዎምን ድማ። 23ዝኣዘዝክዎምሲ እዚ ደኣ እዩ፡ ድምጸይ ስምዑ፡ ኣነ ኸኣ ኣምላኽኩም ክኸውን እየ፡ ንስኻትኩም ድማ ህዝበይ ክትኰኑ ኢኹም። ጽቡቕ ምእንቲ ኽትረኽቡውን፡ በቲ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘበለ ዂሉ መገድታት ተመላለሱ። 24ግናኸ ብምኽሪ ርእሶምን በቲ ኽፉእ ህልኽ ልቦምን ደኣ ኸዱ፡ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምድፋእ ድማ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመልሱ እምበር፡ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፡ ኣእዛኖም ድማ ናባይ ጽን ኣይበላን። 25ካብታ ኣቦታትኩም ካብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ዂላቶም ግዙኣተይ ነብያት ለኣኽኩልኩም፡ ኣብ ጸጽባሕ ኣንጊሀ ለኣኽኩልኩም። 26ግናኸ ክሳዶም ደኣ ኣትረሩ እምበር፡ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፡ ኣእዛኖም ከኣ ኣባይ ጽን ኣይበላን፡ ካብቲ ናይ ኣቦታቶም ዝገድድ ድማ ገበሩ። 27እዚ ዂሉ እኳ እንተ ነገርካዮም፡ ኣይክሰምዑኻን እዮም፡ እንተ ጸዋዕካዮምውን ፡ ኣይክመልሱልካን እዮም፡ 28እምበኣርስኸ፡ እቲ ንድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ዘይሰምዕ፡ ተግሳጽ ከኣ ዘይቕበል ህዝቢ እዚ እዩ። ሓቂ ጠፍኣ፡ ካብ ኣፎምውን ኣቋረጸ፡ ክትብሎም ኢኻ። 29እግዚኣብሄር ነቲ ዘቘጥዖ ወለዶ ደርብይዎን ወጊድውን እዩ እሞ፡ ጸጒሪ ርእስኺ ቘሪጽኪ ደርብዪ፡ ኣብ በረኽቲ ደዪብኪ ድማ ዋይዋይ በሊ። 30ደቂ ይሁዳ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ገበሩ፡ ነታ ብስመይ እተሰምየት ቤት ምእንቲ ኸርክስዋ፡ ጽያፎም ኣብኣ ኣቐመጡ፡ 31ኣነ ከቶ ዘይኣዘዝክዎን ዘይሓሰብክዎንሲ፡ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኣብ ሓዊ ምእንቲ ኸንድዱ፡ በረኽቲ ቶፌት ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ሰርሑ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 32ስለዚ ኸኣ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ለሰ ምሕራድ እምበር፡ ቶፌት ወይስ ለሰ ወዲ ሂኖም ኢሉ ዘይስመየላን መዓልትታት ክመጻ እየን። ሽዑ ኻልእ ስፍራ ስለ እተሳእነ ድማ፡ ኣብ ቶፌት ክቐብሩ እዮም። 33ሬሳታት እዚ ህዝቢ እዚ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት መሮርን ብልዒ ክኸውን እዩ፡ እያዕ ዚብሎም ድማ የልቦን። 34እታ ሃገር እቲኣ ክትባድም እያ እሞ፡ ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ኣደባባያት የሩሳሌምን ድምጺ እልልታን ድምጺ ሓጐስን ድምጺ መርዓውን ድምጺ መርዓትን ከጥፍእ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 8
1በቲ ዘመን እቲ ዓጻጽምቲ ነገስታት ይሁዳን ዓጻጽምቲ መሳፍንቱን ዓጻጽምቲ ኻህናትን ዓጻጽምቲ ነብያትን ዓጻጽምቲ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩን ካብ መቓብሮም ከውጽእዎ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 2ኣብ ቅድሚ እቶም ዝፈተውዎምን ዘገልገልዎምን ዝሰዓብዎምን ዝደለይዎምን ዝሰገዱሎምን ጸሓይን ወርሕን ኲሎም ሰራዊት ሰማይን ክሰጥሕዎ እዮም። ኣብ ርእሲ ምድሪ ድዂዒ ክኸውን እዩ እምበር፡ ዝእክቦ ወይስ ዝቐብሮ የልቦን። 3ኲሎም እቶም ተረፍ ናይ እዚ ኽፉእ ወለዶ እዚ፡ ኣብቲ ኣነ ዝሰጐጒክዎም ኲሉ ዝተረፈ፡ ካብ ህይወት ሞት ክሓርዩ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 4እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ድማ ንገሮም፡ ዝወደቐስ ኣይትንስእንዶ እዩ መገዲ እተጋገየኸ ኣይምለስንዶ እዩ 5ስለምንታይ ደኣ እዚ ህዝቢ የሩሳሌም ብናይ ሓዋሩ ጥልመት ዝጠልም ኣብ ተንኰል ይጸንዑ ምምላስውን ይኣብዩ። 6ጽን ኢለ ሰማዕኩ፡ ቅንዕና ኣይዛረቡን፡ ካብ ክፍኣቱ ዝጠዓስ፡ እንታይ እየ ዝገበርክዎ ኸኣ ዝብል የልቦን፡ ከምቲ ናብ ኲናት ዝፋንን ፈረስ ነፍሲ ወከፍ ይጐዪ ኣሎ። 7ራዛ ኣብ ሰማይ ወርሓቱ ይፈልጥ፡ ኳትራን ለዃዂቶን ዓያን ዝመጻሉ ግዝያት የስተብህላ እየን፡ ህዝበይ ግና ፍትሒ እግዚኣብሄር ኣይፈልጥን እዩ። 8ከመይ ኢልኩም ደኣ ኢኹም፡ ንሕና ለባማት ኢና፡ ሕጊ እግዚኣብሄር ድማ ምሳና ኣሎ፡ እትብሉ ዘሎኹም ግናኸ እንሆ፡ ናይ ጸሓፍቲ ብርዒ ሓሶትሲ ናብ ሓሶት ገልቢጥዋ እዩ። 9እቶም ጥበበኛታት እዚኣቶም ክሓፍሩን ክስምብዱን ክተሓዙን እዮም። እንሆ፡ ንቓል እግዚኣብሄር ወጊዶምሲ፡ ከመይ ዝበለ ጥበብ ደኣ ዀን ኣለዎም እዩ 10ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም ህሩፋት ረብሓ እዮም፡ ካብ ነብዪ ኽሳዕ ካህን ኲላቶም ሓሶት የዘውትሩ ኣለው እሞ፡ ኣንስቶም ንኻልኦት ክህበን፡ ግራሁኦም ድማ ንዘየጥርይዎ ኽህቦ እየ። 11ሰላም ዘየልቦስ፡ ሰላም፡ ሰላም እናበሉ፡ ነቲ መስበርቲ ጓል ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለው። 12ጽያፍ ስለ ዝገበሩ ኽሓፍሩዶ እዮም ምንም ኣይሓፍሩን፡ ሓፍረት እንታይ ምኳኑ እኳ ኣይፈልጡን። ስለዚ ምስቶም ዝወድቁ ኽወድቁ፡ ብግዜ ቕጽዓቶም ድማ ጻሕ ክብሉ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 13ኣነ ርግጽ ከጽንቶም እየ፡ ኣብ ሓረግ ወይኒ ዘቢብ ኣይርከብን፡ ኣብ ኦም በለስ ከኣ በለስ የልቦን፡ እቲ ቘጽሊ እኳ ይሓርር፡ ነቶም ብእኡ ዝሓልፉ ኽህቦም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 14ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደልና፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣጥፊኡና፡ ማይ ስሚ ድማ ኣስትዩና እዩ እሞ፡ ስለምንታይ ስቕ ኢልና ንቕመጥ ተኣከቡ፡ ናብተን ጽኑዓት ከተማታት ንእቶ፡ ኣብአን ከኣ ንጥፋእ። 15ሰላም ተጸቤና፡ ግናኸ ጽቡቕ ኣይመጸን። እንሓውየሉ ግዜ ተጸቤና፡ እንሆ ኸኣ፡ ስምባድ ኰነ። 16ናይ ኣፍራሱ ዂርፍ ምባል ካብ ዳን ይስማዕ፡ ብደሃይ ምሕምሓም ጅንጒላታቱ ድማ ኲላ እታ ሃገር ትርዕድ። መጹ፡ ነታ ሃገርን ኣብኣ ዘሎ ዂሉን ነታ ኸተማን ኣብኣ ንዝነብሩን ከኣ በልዕዎም። 17እንሆ፡ ዓዛሚ ኽዕዝሞም ዘይከኣሎ ኣትማንን ገባብልን ክሰደልኩም እየ፡ ንሳቶም ከኣ ክነኽሱኹም እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 18ኣብ ሓዘነይሲ ምጽንናዕ ኣበይ ክረክብ እየ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ሰለውለው ይብለኒ ኣሎ። 19እንሆ፡ እግዚኣብሄርዶ ኣብ ጽዮን የሎን ንጉሳዶ ኣብኣ የሎን እዩ ዝብል ኣውያት ጓል ህዝበይ ካብ ርሑቕ ሃገር ይስማዕ ኣሎ። ስለምንታይ ደኣ ብቕሩጽ ምስልታቶምን ብጓኖት ጣኦታቶምን ዘቘጥዑኒ 20ቀውዒ ሓለፈ፡ ሓጋይ ተወድአ፡ ንሕና ኸኣ ኣይደሓንናን። 21ጓል ህዝበይ ስለ እተሰብረት፡ ተሰበርኩ፡ ጸለምኩ ሰካሕኩውን። 22ዝልከ ፈውሲዶ ኣብ ጊልኣድ የልቦን ፈዋሲዶኸ ኣብኡ የልቦን እዩ ስለምንታይ ደኣ ቑስሊ ጓል ህዝበይ ተሰፊፉ ዘይሓዊ፧
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 9
1ነቶም ተወጊኦም ዝሞቱ ደቂ ጓል ህዝበይ ለይትን መዓልትን ክበክስ፡ ርእሰይ ዔላ ማይ፡ ኣዒንተይ ድማ ፈልፋሊ ንብዓት ኰይኑ እንተ ዝኸውን መን ምሃበኒ። 2ወዮ፡ ኲላቶም ዘመውትን ኣኼባ ጥልመትን ኰይኖም እዮም እሞ፡ ኣብ በረኻ ማሕደር መንገደኛታት እንተ ትህልውንስ፡ ህዝበይ ምሓደግኩ፡ ካብኦምውን ምረሓቕኩ ነይረ። 3ካብ እከይ ናብ እከይ ይሓልፉ፡ ንኣይ ከኣ ኣይፈልጡንን እዮም እሞ፡ ንልሳኖም ከም ቀስቶም ገይሮም ሓሶት ይግትሩ ኣለው፡ ንሓቂ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ኣብታ ሃገርሲ ሓያላት እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 4ነፍሲ ወከፍ ሓው ይጥብር፡ ነፍሲ ወከፍ ብጻይ ድማ እናሓመየ ይኸይድ ኣሎ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብ ብጻዩ ይጠንቀቕ፡ ኣብ ሓዉውን ኣይተኣመን። 5እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የዓሽዎ፡ ሓቂ ኸኣ ኣይዛረቡን፡ ልሳውንቶም ሓሶት ንምዝራብ የልምዱ፡ እከይ ንምግባርውን ይደኽሙ። 6እትነብረሉ ዘሎኻ ማእከል ጥበራ እዩ፡ ብሰሪ ምጥባር ድማ ምፍላጠይ ኣበዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 7ስለዚ፡ እንሆ፡ ክዂልዖምን ክምርምሮምን እየ፡ ብናይ ጓል ህዝበይሲ እንታይ ካልእ ደኣ ኽገብር እየ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 8ልሳኖም ዝቐትል ፍላጻ እዩ፡ ጥበራ ይዛረቡ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ብኣፉ ሰላም ይዛረቦ፡ ብልቡ ግና ይቃጸዎ። 9በዚ ነገር እዚዶ ኣይክቐጽዖምን እየ፡ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ህዝብስ ነፍሰይዶ ሕነ ኣይክትፈድዮን እያ ይብል እግዚኣብሄር። 10ንኣኽራን እበኽየሉን እድጒዓሉን፡ ነቲ መውፈር በረኻውን፡ ብሓዊ ነዲዱ ዝሓልፈሉ የልቦን እሞ፡ እቑዝመሉ ኣሎኹ። ኣብኡ ንቅዋ ኸብቲ ኣይስማዕን፡ ኣዕዋፍ ሰማይ ኰነ ኻልኦት እንስሳውን ሃዲሞም ተጸርገፉ። 11ንየሩሳሌም መዀመር እምንን ሰፈር ወኻሩን ክገብራ፡ ከተማታት ይሁዳ ኸኣ ሓደ እኳ ዘይነብረን ዑናታት ክገብረን እየ። 12እቲ ነዚ ዘስተውዕሎ ጥበበኛ መን እዩ ነዚ ኽገልጾኸ ኣፍ እግዚኣብሄር ንመን ተዛረቦ እታ ሃገር፡ ሓደ እኳ ዝሓልፋ ዘይብላ ዀይና፡ ከም ምድረ በዳ ነዲዳ ዝጠፍአትሲ ስለምንታይ እዩ 13እግዚኣብሄር ከኣ ይብል፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዘንበርክዎ ሕገይ ሓደጉ፡ ድምጸይ ከኣ ኣይሰምዑን ብእኡውን ኣይተመላለሱን፡ 14ግናኸ ብትሪ ልቦም ከምቲ ኣቦታቶም ዘስተምሃርዎም ደድሕሪ በዓል ሰዓቡ እሞ፡ 15ስለዚ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ነዚ ህዝቢ እዚ መሪር ከብልዖ፡ ማይ ስሚ ኸኣ ከስትዮ እየ፡ 16ኣብ ማእከል እቶም ንሳቶምን ኣቦታቶምን ዘይፈልጥዎም ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፡ ክሳዕ ዝውድኦም ድማ ደድሕሪኦም ሰይፊ ኽሰደሎም እየ። 17እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣስተብሂልኩም በኸይቲ ኣንስቲ ኽመጻ ጸውዑ፡ እተን ለባማት ክመጻ ድማ ልኣኹለን። 18-19ሃገር ስለ ዝሓደግና፡ ኣባይትና ኸኣ ስለ ዘፍረስዎ፡ ሓፍረት ለበስና፡ ኣታ ኽንደይ ጠፊእና ኢና፡ ዝብል ድምጺ ቑዝማ ኻብ ጽዮን ይስማዕ ኣሎ እሞ፡ ኣዒንትና ንብዓት ክቐዝር፡ ኰበሮ ዓይንናውን ማይ ከውሕዝ፡ ቀልጢፈን ይቘዝማልና። 20-21ንቘልዑ ኻብ ቅርዓት፡ ነጒባዝ ድማ ካብ ኣደባባይ ምእንቲ ኸብርስ፡ ሞት ብመሳዂትና ደዪቡ ናብ ኣዳራሻትና ኣትዩ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዓ፡ ኣእዛንክን ድማ ቃል ኣፉ ይቀበል። ነዋልድክን ቁዝማ ኣልምዳ፡ ንሓድሕድክን ከኣ ድጒዓ ተማሃሃራ። 22እግዚኣብሄርሲ፡ ሬሳታት እቶም ሰብ፡ ከምቲ ደድሕሪ ዓጻዲ ዝእክቦ ዘይብሉ እንዳእቲ፡ ከም ድዂዒ ኣብ ግራት ክወድቁ እዮም፡ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም። 23ጥበበኛ ብጥበቡ ኣይተሓበን፡ ሓያል ከኣ ብሓይሉ ኣይተሓበን፡ ሃብታምውን ብሃብቱ ኣይተሓበን፡ ይብል እግዚኣብሄር። 24ዝሕበንሲ — እዚ እዩ ባህ ዘብለኒ እሞ፡ — ኣነ ኣብ ምድሪ ምሕረትን ፍርድን ጽድቅን ዝገብር እግዚኣብሄር ምዃነይ ብምስትውዓሉን ብምፍላጡን ደኣ ይተሓበን፡ ይብል እግዚኣብሄር። 25-26ኲላቶም ኣህዛብ ኣይተገዝሩን፡ ብዘላ ቤት እስራኤል ከኣ ልባ ኣይተገዝረን እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ንዂሎም እቶም ዘይተገዝሩ ግዙራት፡ ንግብጽን ንይሁዳን ንኤዶምን ንደቂ ዓሞንን ንሞኣብን ነቶም ጽጒሮም ወሰነወሰን ዝላጸዩ ኣብ ምድረ በዳ ዝነብሩ ዂላቶምን ዝቐጽዓለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 10
1ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እዚ ንኣኻትኩም እግዚኣብሄር ዝዛረቦ ዘሎ ቓል ስምዑ። 2እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብመገዲ ኣህዛብ ምኻድ ኣይትልመዱ። ብትእምርትታት ሰማይውን፡ ኣህዛብ ይፈርህዎም እዮም ኢልኩም፡ ኣይትፍርሁ። 3ባህሊ ኣህዛብ ከንቱነት እዩ እሞ፡ ኦም ካብ ዱር ይቘርጹ፡ ኢድ ጸራቢ ኸኣ ብምሳር ይጸርቦ። 4ብብሩርን ብወርቅን ይልብጥዎ፡ ሰንከልከል ከይብል ድማ ብሽንካርን ብሞደሻን የጋጥምዎ። 5ከም ኦም ስየ ትኽ ዝበሉን ዘይዛረቡን እዮም። ክኸዱ ኣይኽእሉን እዮም እሞ፡ ሰብ እዩ ዝጾሮም። ጽቡቕ ዝገብርዎ የብሎምን፡ ክፉእ ድማ ክገብሩ ኣይከኣሎምን እዩ እሞ፡ ኣይትፍርህዎም። 6ዎ እግዚኣብሄር፡ ከማኻ ሓደ እኳ የልቦን፡ ንስኻ ዓብዪ ኢኻ፡ ስምካ ድማ ብስልጣን ዓብዪ እዩ። 7ኣታ ንጉስ ህዝብታት፡ ካብ ኲላቶም ጠቢባን ህዝብታትን ካብ ኲሎም መንግስትታቶምን ሓደ እኳ ኸማኻ የልቦን እሞ፡ ይግብኣካ ስለ ዝዀነ፡ መን እዩ ዘይፈርሃካ 8ኲላቶም ዕኑዳትን ዓያሱን እዮም፡ ትምህርቲ ኸንቱነትሲ ዕጨይቲ እዩ። 9ብስራሕ ኣንጠረኛን ብኢድ ብልሓተኛን እተገብረ ገላዕታ ብሩር ካብ ተርሲስ፡ ወርቂ ኸኣ ካብ ኡፉዝ ዘምጽእዎ እዩ። ክዳውንቶም ሰማያውን ጁኽን እዩ፡ ኲላቶም ግብሪ ብልሓተኛታት ሰብ እዮም። 10ግናኸ እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ሓቂ፡ ህያው ኣምላኽ፡ ዘለኣለማዊ ንጉስ እዩ። ብቑጥዓኡ ምድሪ ተንቀጥቅጥ፡ ንዂራኡ ኸኣ ህዝብታት ኣይጽመምዎን። 11እዞም ሰማይን ምድርን ዘይፈጠሩ ኣማልኽቲ ኻብ ምድርን ካብ ትሕቲ ሰማይን ክጠፍኡ እዮም፡ ክትብልዎም ኢኹም። 12ንሱ ብሓይሉ ምድሪ ፈጠረ፡ ብጥበቡ ኸኣ ንዓለም ኣቘማ፡ ብኣእምሮኡ ድማ ንሰማያት ዘርግሐ። 13ድምጹ ምስ ዘስምዕ፡ ማያት ኣብ ሰማይ ይሕንዝዝ፡ ንግመ ኻብ ወሰን ምድሪ የልዕሎ፡ መባርቕ ከኣ ንዝናም ይገብሮ፡ ንንፋስውን ካብ መዛግቡ የውጽኦ። 14ነፍሲ ወከፍ ኣእምሮኡ ጠፊእዎ ይዕነድ። እቲ ዝፈሰሰ ምስሉ ሓሶት እዩ፡ ትንፋስ ከኣ የብሉን እሞ፡ ኣንጠረኛ ዘበለ በቲ ዝገበሮ ምስሊ ይሓንኽ። 15ከንቱነት፡ ናይ ምጥባር ዕዮ እዮም፡ ብግዜ ቕጽዓቶም ክጠፍኡ እዮም። 16ግደ ያእቆብሲ ኸምዚኣቶም ኣይኰነን። ንዂሉ ዝደኰነ ንሱ እዩ፡ እስራኤል ድማ ነገድ ርስቱ እዩ፡ ስሙ ኸኣ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ። 17-18እግዚኣብሄር፡ እንሆ፡ ነዞም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝነብሩ ዘለው በዚ ግዜ እዚ ናብ ርሑቕ ክውንጭፎም፡ ክሳዕ ዝፍለጦምውን ከጽብበሎም እየ፡ ይብል ኣሎ፡ ኣቲ ተኸቢብኪ ዘሎኺ፡ ኣቓሑኺ ኣርኒብኪ ኻብ ሃገር ኣውጽኢ። 19ተወቒዐ እየ እሞ ወይለይ፡ ቁስለይ የቐንዝወኒ ኣሎ። ኣነ ግና፡ እዝስ ስቓየይ እዩ እሞ እጽመሞ እየ፡ በልኩ። 20ድንኳነይ ተበላሸወ፡ ኲሉ መገታተሪየይ ተበታተኸ። ደቀይ ካባይ ወጹ፡ የለውን ከኣ። ሓደ እኳ ድንኳነይ ዝተክል፡ መጋረጃይ ከኣ ዝሰቅል የልቦን። 21ጓሶት ተዓንዱ፡ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣይደለይዎን። ስለዚ ኣይሰለጦምን፡ ኲለን መጓሴታቶም ከኣ ፋሕ በላ። 22እንሆ፡ ንኸተማታት ይሁዳስ ዑናን መሳፍሮ ወኻሩን ምእንቲ ኽገብረን ኢሉ ድምጽን ብርቱዕ ህማምን ካብ ሃገር ሰሜን ይመጽእ ኣሎ። 23ጐይታየ፡ መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ እቲ ዝመላለስውን ስጓሜኡ ከቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዘይብሉ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 24ጐይታየ፡ ቅጽዓኒ፡ ግናኸ ብልክዕ ደኣ። ምእንቲ ኸይተጥፍኣንስ ብቑጥዓኻ ኣይኰነን። 25ንያእቆብ በሊዖምዎ፡ ውሒጦምዎ፡ ወዲኦምዎ፡ ማሕደሪኡውን ኣዕንዮምዋ እዮም እሞ፡ ቁጥዓኻ ናብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብን ናብቶም ስምካ ዘይጽውዑ ዓሌትን ደኣ ኽዓዎ።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 11
1ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ 2ንቓላት እዚ ኪዳን እዚ ስምዑ፡ ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩን ድማ ተዛረቡ። 3-5እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ በሎም፡ ከምቲ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ፡ ነታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ሃገር ክህበኩም እየ፡ ኢለ ነቦታትኩም ዝመሓልክዎ ማሕላ ምእንቲ ኸጽንዕ፡ ነቲ በታ ነቦታትኩም ካብ ሃገር ግብጺ፡ ካብ እቶን ሓጎዶ ዘውጻእኩላ መዓልቲ፡ ድምጸይ ስምዑ፡ ዝኣዘዝኩኹም ኲሉ ኸኣ ግበሩ፡ ሽዑ ንስኻትኩም ህዝበይ ክትኰኑ፡ ኣነውን ኣምላኽኩም ክኸውን እየ፡ ኢሉ ዝኣዘዝክዎም ቃል ኪዳን ዘይሰምዕ ሰብ ርጉም ይኹን። ኣነ ድማ፡ ኣሜን ጐይታይ፡ ኢለ መለስኩ። 6እግዚኣብሄር ከኣ፡ ነዚ ዂሉ ቓላት እዚ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባይት የሩሳሌምን ከምዚ ኢልካ ኣውጆ፡ በለኒ፡ ንቓላት እዚ ኪዳን እዚ ስምዕዎ ግበርዎ ድማ። 7ካብታ ኻብ ሃገር ግብጺ ዘውጻእክዎም መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ነቦታትኩም ኣሰማዕኩሎም፡ ንድምጸይ ስምዑ፡ ኢለ ኣንጊሀ ኣስማዕኩሎም። 8ንሳቶም ግና ነፍሲ ወከፎም ብትሪ እኩይ ልቦም ተመላለሱ እምበር፡ ኣይሰምዑን፡ እዝኖም ኣይጸለውን። ስለዚ ኸኣ ነቲ ኽገብርዎ ዝኣዘዝክዎም፡ ንሳቶምውን ዘይገበርዎ ኹሉ ቓላት እዚ ኪዳን እዚ ኣብ ርእሶም ኣውረድክዎ። 9እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፡ ሰብ ይሁዳን እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩን ተማሓሒሎም ኣለው። 10ንሳቶም ናብቲ ኣበሳ ናይቶም ንቓለይ ምስማዕ ዝኣበዩ ቐዳሞት ኣቦታቶም ተመልሱ። ምእንቲ ኸገልግልዎም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ሰዓቡ። ቤት እሰራኤልን ቤት ይሁዳን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኪዳነይ ኣፍረሱ። 11ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ዘየምልጡሉ መዓት ከውርደሎም እየ፡ ናባይ ክጠርዑ እዮም፡ ኣነ ግና ኣይክሰምዖምን እየ። 12-13ኣታ ይሁዳ፡ ክንዲ እቲ ብዝሒ ኸተማታትካ ኽንድኡ ኸኣ እዩ ብዝሒ ኣማልኽትኻ። ክንዲ እቲ መገድታት የሩሳሌም ክንድኡ ድማ ንነውሪ መስውኢታት ሰሪሕካ፡ ንበዓል እትዓጥነሉ መሰውኢ እኳ ደኣ ሰሪሕካ ኢኻ እሞ፡ ከተማታት ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩን ናብቶም ዕጣን ዝዓጥኑሎም ኣማልኽቲ ኽጠርዑ ኢሎም ክኸዱ እዮም፡ ግናከ ብግዜ ጸበባኦምሲ ከቶ ኣይከድሕንዎምን እዮም። 14ብሰሪ ጸበባኦም ናባይ እንተ ተማህለሉ፡ ኣይክሰምዖምን እየ እሞ፡ ንስኻስ ምእንቲ እዚ ህዝቢ እዚ ኣይትለምን፡ ምእንትኦም ከኣ ኣይትጥራዕን ኣይትማህለልን። 15ፈታውየይ ግብሪ እከይ እናገበረስ ኣብ ቤተይ እንታይ ኣለዎ መብጽዓን እተቐደሰ ስጋንዶ እከይካ የርሕቐልካ እዩ ብምንታይ ደኣ ትሕጐስ ኣሎኻ 16-17እግዚኣብሄር ብጽቡቕ ፍረ እተሰለመት ልምዕቲ ኣውልዕ፡ ኢሉ ሰመየካ። እቲ ዝተኸለካ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ብሰሪ እቲ ናይ ቤት እስራኤልን ናይ ቤት ይሁዳን ንበዓል እናዓጠኑ ዘቘጥዑኒ ንጒድኣቶም ዝገበርዎ እከይ፡ መዓት ክወርደካ መደበ እሞ፡ ብብርቱዕ ህማም ታዕታዕ ድማ ብሓዊ ኣንደዳ፡ ጨናፍራውን ሞዂ በለ። 18እግዚኣብሄር ኣፍለጠኒ እሞ፡ ፈለጥኩ፡ ሽዑ ተግባሮም ኣርአኻኒ። 19ኣነ ግና ከም ናብ ማሕረዲ ዝወስድዎ ሓላል ገንሸል ነበርኩ። ንሳቶም፡ ስማ ኸይዝከር ነታ ኦም ምስ ፍሬኣ ነጥፍኣያ፡ ካብ ሃገር ህያዋን ድማ ንመንቁሳ፡ ኢሎም ውዲት ከም ዝደበቑለይ ኣይፈለጥኩን። 20ግናኸ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ቅኑዕ እትፈርድ፡ ልብን ኰላሊትን ከኣ እትምርምር፡ ነገረይ ኣባኻ አማሕጽን ኣሎኹ እሞ፡ ምፍዳይ ሕኔኻ ኣባታቶም ኣርእየኒ። 21ስለዚ እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም፡ ብኢድና ኸይትመውት ብስም እግዚኣብሄር ኣይትነበ፡ ኢሎም ነፍስኻ ዝደልዩ ዘለው ሰብ ኣናቶት ይዛረብ ኣሎ። 22ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፡ እንሆ፡ ክቐስፎም እየ፡ ኣባጽሖም ብሰይፊ፡ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከኣ ብጥሜት ክሞቱ እዮም። 23በታ ንኣታቶም ዝቐጽዓላ ዓመት ኣብ ሰብ ኣናቶት መዓት ከውርድ እየ እሞ፡ ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይክተርፍን እዩ።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 12
1ዎ ጐይታይ፡ እንተ ተማጐትኩኻ እኳ፡ ንስኻስ ጻድቕ ኢኻ፡ ምስናይ እዚውን ብዛዕባ ፍርዲ ኽዛረበካ እደሊ ኣሎኹ፡ ስለምንታይ እዩ መገዲ ረሲኣን ዝሰልጥ ስለምንታይከ ዂሎም ጠለምትስ ዕድል ዝዀነሎም 2ተኸልካዮም እሞ ሱር ሰደዱ፡ ዓበዩ ፍረውን ፈረዩ። ንስኻ ኣብ ኣፎም ቀረባ ኢኻ፡ ካብ ኰላሊቶም ግና ርሑቕ ኢኻ። 3ንስኻ ግና፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ትፈልጠኒ፡ ትርእየኒ፡ ልበይ ከኣ ንኣኻ ኸመይ ምዃኑ ትምርምር ኢኻ። ከም ኣባጊዕ ንማሕረዲ ጓትቶም፡ ንመዓልቲ ማሕረዲውን ፍለዮም። 4እታ ሃገር ክሳዕ መኣዝ ክትሓዝን ክሳዕ መኣዝከ ሳዕሪ ዂሉ መሮር ክነቅጽ እዮ ንሳቶም፡ መወዳእታና ኣይክርእን እዩ፡ ስለ ዝበሉ፡ ብሰሪ እከይ እቶም ኣብኣ ዝነብሩስ እንስሳን ኣዕዋፍን ይጠፍኡ ኣለው። 5ምስ ኣጋር ተቓዳዲምካ ኻብ ዘድክሙኻ፡ ከመይ ኢልካ ደኣ ምስ ኣፍራስ ክትቃዳደም ኢኻ ኣብ ሃገር ሰላም እንተ ተኣመንካ፡ ኣብ ትዕቢት ዮርዳኖስ ደኣኸ እንታይ ክትገብር ኢኻ 6እንሆ፡ ኣሕዋትካን ቤት ኣቦኻን እኳ ጠሊሞሙኻ እዮም። ኣፎም መሊኦም ድማ ደድሕሬኻ ይጭድሩ ኣለው። ብጥዑም ቃል እንተ ተዛረቡኻውን፡ ኣይትእመኖም። 7ቤተይ ሓደግኩ፡ ርስተይ ለቐቕኩ፡ ነቲ ነፍሰይ እትብህጎስ ኣብ ኢድ ጸላእታ ወፌኹ። 8ርስተይ ከምቲ ኣብ ዱር ዘሎ ኣንበሳ ዀነኒ፡ ጓዚሙለይ እዩ እሞ፡ ጸላእክዎ። 9ርስተይዶ ዓንጥዓንጦራይ ሽላ ምዀነኒ ጋባት ኣብ ኲሉ ወገን ዙርያኡ ኣለዉ። ኪዱ ንዂሎም ኣራዊት መሮር ክበልዑ ኣኪብኩም ኣምጽእዎም። 10ብዙሓት ጓሶት ንተኽሊ ወይነይ ኣባላሸውዋ፡ ንግደይ ረገጽዋ፡ ነታ ጽብቕቲ ግደይውን ዝጸመወ ምድረ በዳ ገበርዋ፡ 11ኣባደምዋ፡ ኵላ ባዲማስ ኣብ ቅድመይ ትሓዝን ኣላ። ሓደ እኳ ኣብ ልቡ ዘስተዋድዮ ስለ እተሳእነ፡ እታ ሃገር ብዘላ ባደመት። 12ኣብ ኲሉ ዂርባታት ምድረ በዳ ወረርቲ ተፈነዉ፡ ሰይፊ እግዚኣብሄር ካብቲ ሓደ ወሰን እታ ሃገር ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰና ይጐምድ ኣሎ እሞ፡ ስጋ ንዝለበሰ ዂሉ ሰላም የልቦን። 13ስርናይ ዘርኡ፡ እሾዂ ከኣ ዓጸዱ፡ ጸዓሩ ጥቕሚውን ኣይረኸቡን። ብሰሪ እቲ ርሱን ቁጥዓ እግዚኣብሄር ብእትዋት ቀውዕኹም ክትሓንኩ ኢኹም። 14እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም ነቲ ንህዝበይ እስራኤል ዘረስቴኽዎ ርስቲ ዝነኽኡ ዂሎም ክፉኣት ጐረባብተይ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ካብ ሃገሮም ክምንቁሶም፡ ንቤት ይሁዳ ድማ ካብ ማእከሎም ክምንቁሳ እየ። 15ክኸውን ድማ እዩ፡ ምስ መንቈስክዎም ግና፡ ከም ብሓድሽ ክድንግጸሎም እየ እሞ፡ ንነፍሲ ወከፍ ናብ ረርስቱ፡ ንነፍሲ ወከፍ ናብ ሀሃገሩ ኽመልሶ እየ። 16ክኸውን ከኣ እዩ፡ ከምቲ ንህዝበይ ብበዓል ክምሕሉ ዝመሃርዎም፡ ከምኡ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ኢሎም ብስመይ ክምሕሉስ መገድታት ህዝበይ እንተ ተማህሩ፡ ኣብ ማእከል ህዝበይ ክሃንጹ እዮም። 17ግናኸ እንተ ዘይሰምዑ፡ ነቲ ህዝቢ እቲ ኽምንቁሶ፡ ኣነ ኽምንቁሶን ከጽንቶን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 13
1እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኪድ እሞ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ቅናት ገዚእካ፡ ኣብ ሕቜኻ ተዓጠቃ፡ ኣብ ማይ ግና ኣይትእለካ፡ በለኒ። 2ኣነ ኸኣ፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝበሎ፡ ቅናት ተሻይጠ ሕቘይ ተዓጠቕኩላ። 3-4ካልኣይ ሳዕ ድማ፡ ነታ ዝዓደግካያ እሞ ኣብ ሕቜኻ ዘላ ቕናት ሒዝካ ተንስእ፡ ናብ ኤፍራጥስ ኬድካ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ምንቃዕ ከውሒ ሕብኣያ፡ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ። 5ኣነውን ከይደ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ኣብ ኤፍራጥስ ሓባእክዋ። 6ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት ከኣ እግዚኣብሄር፡ ተንስእ እሞ ኣብ ኤፍራጥስ ኬድካ ነታ ኣብኡ ኽትሓብኣ ዝኣዘዝኩኻ ቕናት ካብኡ ኣምጽኣያ፡ በለኒ። 7ኣነውን ናብ ኤፍራጥስ ከይደ ኻብታ መሕቢኢኣ ዂዒተ ነታ ቕናት ኣምጻእክዋ። እንሆውን፡ እታ ቕናት ተበላሽያ። ንሓደ ግዛዕ እኳ ዘይትጠቅም ኰይና ጸንሐት። 8ሽዑ ኸምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡ 9ከምዚ ይብል እግዚኣብሄር፡ ከምኡ ገይረ ኸኣ ንትዕቢት ይሁዳን ነቲ ዓብዪ ትዕቢት የሩሳሌምን ከጥፍኦ እየ፡ 10እዚ ብትሪ ልቡ ዝመላለስ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኸገልግሎምን ክሰግደሎምን ዝስዕቦም፡ ንቓላተይ ዘይሰምዕ ሕሱም ህዝቢ ኸምዛ ንሓደ ግዛዕ እኳ ዘይትጠቅም ቅናት ዝዀነት ክኸውን እዩ። 11ኣነስ ንዂሎም ቤት እስራኤልን ንዂሎም ቤት ይሁዳንሲ ህዝብን ስምን ሓበንን ክብርን ክዀኑኒ ኢለ፡ ከምቲ ቕናት ሰብኣይ ቀጥ ኢሉ ኣብ ሕቑኡ ዝጠብቕ፡ ከምኡ ኸኣ ቀጥ ኣቢለ ኣባይ ኣጥበቕክዎም፡ ግናኸ ኣይሰምዑን፡ ይብል እግዚኣብሄር። 12እምበኣርሲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣሕርብቲ ዘበለ ወይኒ ኽምላእ እዩ፡ ይብል ኣሎ ኢልካ፡ እዚ ቓል እዚ ንገሮም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣሕርብቲዶ ወይኒ ኸም ዝምላእ ኣይንፈልጥን ኢና ይብሉኻ። 13ሽዑ ንስኻ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ምለሰሎም፡ እንሆ፡ ንዂሎም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝነብሩ፡ ነቶም ኣብ ዝፋን ዳዊት ዝቕመጡ ዘለው ነገስታትን ንኻህናትን ንነብያት ንዂላቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩን ብስኽራን ክመልኦም እየ። 14ነቦታትን ንውሉድን ኣሕቢረ ነቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ኸራጽሞም እየ። ከጥፍኦም እየ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኣይክድንግጽን፡ ኣይክንሕፍን፡ ኣይክምሕርን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 15እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ስምዑ፡ ጽን በሉ፡ ኣይትተዓበዩ፡ 16እግዚኣብሄር ከየጸልመተ፡ ኣብቲ ዝጸልመተ ኣኽራን ከኣ ኣእጋርኩም ከይተሰናኸለ፡ ነታ እትጽበይዋ ብርሃን ድማ ድነ ሞት ከይገበራ፡ ናብ ድቕድቕ ጸልማውን ከይለወጣ ኸሎ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኹም ክብሪ ሃቡ። 17እንተ ዘይሰማዕኩም ግና፡ ብሰሪ ትዕቢትኩም ነፍሰይ ብሕቡእ ክትበኪ እያ፡ እቲ መጓሰ እግዚኣብሄር ተማሪኹ እዩ እሞ፡ ኣዒንተይ መሪር ብኽያት ይበኽያ፡ ንብዓት ድማ ዘርባሕባሕ ይብላ ኣለዋ። 18ንንጉስን ነደ ንጉስን፡ እቲ ዘውዲ ኽብርኹም ካብ ርእስኹም ወዲቑ እዩ እሞ፡ ለጠቕ ኢልኩም ተቐመጡ፡ ኢልካ ንገሮም። 19ከተማታት ደቡብ ተዓጽዋ፡ ዝኸፍተን ድማ የልቦን። ኲላ ይሁዳ ተማረኸት፡ ብዘላ ብጥራስ ተማረኸት። 20ኣዒንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ነዞም ካብ ሰሜን ዝመጹ ዘለው ርኣዩ። እቲ እተዋህበካ መጓሰ፡ እቲ ጽቡቕ መጓሰ፡ ኣበይ ኣሎ 21ነቶም ባዕልኺ ዘስተምሃርክዮም ፈተውትኺ ኣብ ልዕሌኺ ምስ ኣግዝኦም፡ እንታይ ክትብሊ ኢኺ ከምታ ቕልውላው እተታሕዘት ሰበይቲዶ ኣይክትስቀይን ኢኺ 22ብልብኺ ድማ፡ ስለምንታይ እዚ ወረደኒ እንተ በልኪ፡ ብሰሪ ብዝሒ ኣበሳኺ ዘፈር ክዳንኪ ተኸበከበ፡ ዳንጋኽውን ንሕስራን ተቐልዐ። 23ኢትዮጵያዊዶ ቘርበቱ ወይስ ነብሪ ዕሮርባይ ምዃኑ ኽልውጥ ይከኣሎ እዩ እምበኣርከ ንስኻትኩም ድማ እከይ ንምግባር ዝለመድኩምሲ ጽቡቕ ያኢ ኽትገብሩ ኢኹም። 24ስለዚ ድማ ኣነ ኸምቲ ንፋስ በረኻ ዝበቈጾ ብቑቡቑ ክዘርዎም እየ። 25ንኣይ ረሲዕክኒ፡ ኣብ ሓሶት ከኣ ተወኪልኪ ኢኺ እሞ፡ ግዴኺ፡ እቲ ኣነ ዝኸፈልኩልኪ ኽፍሊ፡ እዚ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 26ስለዚ ሕፍረትኪ ኽርአ፡ ዘፈር ክዳንኪ ኽሳዕ ገጽኪ ክኽብክብ እየ። 27ዝሙትክን ምሕምሓምክን ኣብ ኲድዂዶታትን ኣብ መሮርን ዝገበርክዮ ርኽሰት ምንዝርናኽን፡ እቲ ጽያፍኪ ርአኹ። ኣቲ የሩሳሌም፡ ወይለኺ። መኣዝ ኰን ክትጸርዪ ኢኺ፧
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 14
1እቲ ብዛዕባ ደርቂ ናይ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡ 2ይሁዳ ትሓዝን፡ ደጌታታ ኣሕለልዩ፡ ከሊ ተኸዲኖም ኣብ ምድሪ ይደኑ ኣለው፡ ብኽያት የሩሳሌም ዋሕ ይብል ኣሎ። 3ጭዋታቶም ንደቆም ማይ ከምጽኡ ይልእክዎም፡ ናብቲ ሓጽብታት ወሪዶም ማይ ይስእኑ እሞ ዓታሩኦም ጥራዩ ሒዞምዎ ይምለሱ፡ ሓፊሮምን ሓኒኾምን ርእሶም ይጒልበቡ። 4ማይ ስለ ዘይዘነመ፡ እታ ምድሪ ኳሕኳሕ በለት እሞ፡ ሓረስቶት ሓኒኾም ርእሶም ይጒልበቡ ኣለው። 5ኣብ መሮር ዝወለደት እራብ እኳ፡ ሳዕሪ ስለ እተሳእነ፡ ማሕስኣ ሓዲጋ ትኸይድ። 6ኣእዱግ ከደን ድማ ኣብ በረኽቲ ደው ኢለን ከም ወኻሩ ይልህልሃ፡ ካብ ሰኣን ሳዕሪ እተላዕለ ኣዒንተን ሰም ይብላ ኣለዋ። 7ጥልመትና ብዙሕ እዩ፡ ንኣኻውን በዲልና ኢና እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣበሳና እኳ እንተ ኸሰሰና፡ ስለ ስምካ ኢልካ ደኣ ግበር። 8ኣታ ተስፋ እስራኤል፡ ብግዜ ጸበባ መድሓኒኡ፡ ስለምንታይ ኣብዛ ሃገር ከም ጋሻ፡ ከምቲ ንሓንቲ ለይቲ ጥራይ ዝሓድር ሓላፍ መገዲ ዀንካ 9ስለምንታይ ከም ቀባሕብሓ፡ ከምቲ ኸውዕል ዘይኽእል ጅግና ትኸውን ዝዀነ ዀይኑስ ንስኻ ኣብ ማእከልና ኣሎኻ፡ ብስምካ ኸኣ ተሰሚና ኢና እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣይትሕደገና። 10እግዚኣብሄር ነዚ ህዝቢ እዚ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ ክዛውኑ ይፈትው፡ ኣእጋሮም ድማ ኣይገትኡን። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣይፈትወሎምን፡ ሕጂ ንኣበሳኦም ይዝክር፡ ንሓጢኣቶም ከኣ ይቐጽዕ ኣሎ። 11እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ሰናይ ኣይትለምነሉ፡ 12ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ከጥፍኦም እየ እምበር፡ እንተ ጾሙ እኳ ጥርዓኖም ኣይክሰምዕን፡ ዝሓርርን ዝብላዕን መስዋእቲ እንተ ሰውኡውን፡ ኣይክፈትወሎምን እየ። 13ኣነ ድማ፡ ኣየ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እንሆ፡ እቶም ነብያት እኮ እዮም፡ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ሓቀኛ ሰላም ክህበኩም እየ እምበር፡ ሰይፊ ኣይክትርእዩን ጥሜትውን ኣይክመጻኩምን እዩ፡ ዝብልዎም ዘለው፡ በልኩ። 14ሽዑ እግዚኣብሄር፡ እቶም ነብያትሲ ብስመይ ሓሶት ይንበዩ ኣለው። ራእይ ሓሶትን ጥንቈላን ከንቱነትን ናይ ልቦም ጥበራን ደኣ እዮም ዝንበዩልኩም ዘለው እምበር፡ ኣነስ ኣይለኣኽክዎምን፡ ኣይኣዘዝክዎምን፡ ኣይተዛረብክዎምን ድማ፡ በለኒ። 15ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብዛዕባ እቶም ኣነ ኸይለኣኽክዎም፡ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ሰይፍን ጥሜትን ኣይክህሉን እዩ፡ ኢሎም ብስመይ ዝንበዩ ነብያት፡ እዞም ነብያት እዚኣቶም ብሰይፍን ብጥሜትን ክጠፍኡ እዮም። 16ነቶም እተነበዩሎም ህዝቢ ድማ እከዮም ኣብ ርእሶም ከፍስሰሎም እየ፡ ንሳቶምን ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከኣ ብጥሜትን ብሰይፍን ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌም ክወድቁ እዮም፡ ዝቐብሮም ድማ ክስእኑ እዮም። 17እምበኣርስኸ እዚ ቓል እዚ ንገሮም፡ እታ ድንግል ጓል ህዝበይ ብብርቱዕ መውቃዕቲ፡ ብዘሰቂ ቑስሊ ተሰቢራ እያ እሞ፡ ኣዒንተይ ለይትን መዓልትን ከየቛረጻ ንብዓት የውሕዛ ኣለዋ። 18ናብ መሮር እንተ ወጻእኩ፡ እንሆ፡ ብሰይፊ ዝሞቱ፡ ናብ ከተማ እንተ ኣቶኹ ድማ፡ እንሆ፡ ብጥሜት ዝቓሃመሙ፡ ክሳዕ ነብይን ካህንን እኳ ናብ ዘይፈልጥዎ ሃገር ይኸዱ ኣለው። 19ካንዶ ንይሁዳ ብጥራስ ደርቢኻያ ኢኻ ነፍስኻዶ ብጽዮን ሰክሐት ስለምንታይ ደኣ ኸም ዘይንሓዊ ጌርካ ወቓዕካና ሰላም ተጸቤና፡ ግናኸ ሰናይ ኣይመጸን። እንሓውየሉ ግዜ ተጸቤና፡ እንሆ ኸኣ፡ ስምባድ ኰነ። 20ዎ እግዚኣብሄር፡ ንኣኻ በዲልና ኢና እሞ፡ ረሲእነትናን ኣበሳ ኣቦታትናን ተፈሊጡና ኣሎ። 21ስለ ስምካ ኢልካ ኣይትንዓቐና፡ ነቲ ዝፋን ክብርኻ ኣይተዋርዶ፡ ነቲ ምሳና ዝኣቶኻዮ ኪዳን ዘክር እሞ ኣይተፍርሶ። 22ካብቶም ናይ ኣረማውያን ጣኦታትዶ ኸዝንም ዝከኣሎ ኣሎ እዩ ወይስ ሰማይዶ እዩ ማይ ሽው ዘብል ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንስኻዶ ኣይኰንካን እዚ ዂሉ ዝገበርካስ ንስኻ ኢኻ እሞ፡ ትጽቢትና ናባኻ እዩ።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 15
1እግዚኣብሄር ከኣ በለኒ፡ ሙሴን ሳሙኤልን እኳ ኣብ ቅድመይ እንተ ቘሙ፡ ነፍሰይ ነዚ ህዝቢ እዚ ግልጽ ኣይምበለቶን። ካብ ቅድሚ ገጸይ ስጐጎም እሞ ይጸርገፉ። 2ናበይ ክንከይድ ኢና እንተ በሉኻ ኸኣ፡ ንሞት እተመደበ ናብ ሞት፡ ንሰይፊ እተመደበ ናብ ሰይፊ፡ ንጥሜት እተመደበ ናብ ጥሜት፡ ንምርኮ እተመደበ ናብ ምርኮ ይኸይድ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኢልካ ንገሮም። 3ኣነ ኣርባዕተ ዓይነት፡ ሰይፊ ንምቕታሎም፡ ኣኽላባት ንምጒታቶም፡ ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት ምድርን ከኣ ንምብላዖምን ንምጥፋኦምን ከውርደሎም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 4ብሰሪ ምናሴ፡ ወዲ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ብሰሪ እቲ ንሱ ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ፡ ኣብ ኲሎም መንግስትታት ምድሪ መሰክሒ ኽገብሮም እየ። 5ኣቲ የሩሳሌም፡ መን ይድንግጸልኪ መንከ እዩ ዝበኽየልኪ ብናይ ሰላምኪ ኽጥይቕ ዝሃልከልክስ መን እዩ 6ኣቢኺኒ፡ ንድሕሪት ተመለስኪ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ስለዚ ብምምሓርኪ ደኺመ ኢደይ ኣባኺ እዝርግሕ አጥፍኣኪውን ኣሎኹ። 7ኣብ ደጌታት እታ ሃገር ብመስአ መስአኽዎም፡ ንህዝበይ ውሉድ ከሊአ ኣጥፋእክዎ፡ ካብ መገዶም ከኣ ኣይተመልሱን። 8መበላሉኦም ካብ ሑጻ ባሕሪ በዝሓኒ፡ ኣብ ኣደ እቶም ኣጒባዝ ብቐትሪ መጥፍኢ ኣምጻእኩ፡ ብድንገት ጓህን ረዓድን ኣውደቕኩላ። 9ሾብዓተ ዝወለደት ተሓሊላ ትንፋሳ ትወጽእ፡ ገና መዓልቲ ኸላ ጸሓያ ትዓርባ፡ ትሓፍርን ትሓንኽን ኣለ። ነቶም ካብኦም ዝተረፉ ድማ ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ንሰይፊ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 10ኣቲ ኣደይ፡ ንዂሉ ሃገር ሰብኣይ ቈዮቛን ሰብኣይ ክትዕን ክኸውን ወሊድክኒ ኢኺ እሞ፡ ወይለይ። ዘየለቃሕኩን ዘይተለቃሕኩን ክነሰይሲ ዂላቶም ይረግሙኒ ኣለው። 11እግዚኣብሄር፡ ብሓቂ ንደሓን ክሕልወኻ፡ እቲ ጸላኢ ድማ ብግዜ ጭንቀትን ብግዜ ጸበባን ከም ዝልምነካ ኽገብር እየ፡ ይብል ኣሎ። 12ሓጺን፡ እቲ ኻብ ሰሜን ዝወጸ ሓጺንን ንሃስንዶ ይስበር እዩ 13ሃብትኻን መዛግብትኻን ብሰሪ ዂሉ ሓጢኣትካ ኣብ ኲሉ ዶብካ ንዘመተ ብኸምኡ ኽምጥዎ እየ። 14ካብ ቁጥዓይ እተላዕለ ኣብ ልዕሌኹም ሓዊ ነዲዱ በግ ክብል እዩ እሞ፡ ምስ ጸላእትኻ ናብ ዘይትፈልጦ ሃገር ከሕልፈካ እየ። 15ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ትፈልጥ፡ ዘክረኒ ብጽሓኒ ኸኣ፡ ንሰጐጒተይ ድማ ሕነ ፍደየለይ። ስሌኻ ኢለ ጸርፊ ኸም እተዓገስኩ ፍለጥ። 16ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ቃላትካ ምስ ረኸብኩ በላዕክዎ። ብስምካ ተሰምየ እየ እሞ፡ ቃላትካ ሓጐሰይን ፍስሃ ልበይን ኰነኒ። 17ኣብ ባይቶ መላገጽቲ ኣይተቐመጥኩን ባህውን ኣይበለንን፡ ብዂራ መሊእካኒ ኢኻ እሞ፡ ብምኽንያት ኢድካ በይነይ ተቐመጥኩ። 18ስለምንታይ ከየቛረጽኩ እቕንዞ፡ ስለምንታይከ ቑስለይ ዘይሓዊ ዀይኑ ለገመ ከም ጠባሪ ዓይኒ ማይ፡ ከምቲ ነጻፊ ማይዶ ኽትኰነኒ ኢኻ፧ 19ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንተ ተመለስካስ፡ ክመልሰካ እየ፡ ኣብ ቅድመይ ከኣ ደው ክትብል ኢኻ። ነቲ ኽቡር ካብቲ ሕሱር እንተ ፈሌኻዮ፡ ከም ኣፈይ ክትከውን ኢኻ። ንሳቶም ይመለሱኻ እምበር፡ ንስኻስ ኣይትመለሶም። 20ነዚ ህዝቢ እዚ ድማ ጽኑዕ ቀጽሪ ነሃሲ ኽገብረካ እየ። ንሳቶም ክዋግኡኻ እዮም፡ ግናኸ ኣነ ምእንቲ ኸድሕነካን ከናግፈካን ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይክስዕሩኻን እዮም። 21ካብ ኢድ እኩያት ከናግፈካ፡ ካብ ኢድ ሓያላት ከኣ ክብጀወካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 16
1ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄርውን ናባይ መጸ። 2-4እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ስፍራ እዚ ዝውለዱ ኣወዳትን ኣዋልድን፡ ብዛዕባ እተን ዝወለዳኦም ኣዴታትን ብዛዕባ እቶም ኣብዛ ሃገር ዝወለድዎም ኣቦታትን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብብርቱዕ ሕማም ክሞቱ እዮም፡ ኣይክብከዮምን ኣይክቕበሩን ድማ እዮም። ኣብ ዝባን ምድሪ ንድዅዒ ክዀኑ፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ክጠፍኡ፡ ሬሳታቶም ከኣ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ምግቢ ክኸውን እዩ እሞ፡ ሰበይቲ ኣይተእቱ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ኣብዚ ስፍራ እዚ ኣይሃልውኻ። 5ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሰላመይን ሳህለይን ምሕረተይን ካብዚ ህዝቢ እዚ ኣርሒቐ ኣሎኹ እሞ፡ ኣብ ቤት ሓዘንቲ ኣይትእቶ፡ ከተልቅስ ድማ ኣይትኺድ፡ ኣይተትሓዝኖምውን፡ ይብል እግዚኣብሄር። 6ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዓበይትን ናእሽቱን ክሞቱ ኣይክቕበሩን ከኣ እዮም፡ ሓደ እኳ ዝበኽየሎምን ዝመልጠሎምን ዝነጽየሎምን ከኣ ኣይክርከብን እዩ። 7ብናይ እቲ ዝሞተ ንምጽንናዕ ክኸውን ኢሎም፡ እንጌራ ሓዘንቲ ኣይክቘርሱሎምን እዮም። ብናይ ኣቦን ኣደን መጸናንዒ ዝኸውን ብዋንጫ ዘስትዮም ኣይክህሉን እዩ። 8-9እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም፡ ብዘመንኩም ድምጺ እልልታን ድምጺ ሓጐስን ድምጺ መርዓውን ድምጺ መርዓትን ኣብዚ ስፍራ እዚ ኸጥፍኦ እየ እሞ፡ ምሳታቶም ተቐሚጥካ ኽትበልዕን ክትሰትን ኢልካ ናብታ ዝእከቡላ ቤት ኣይትእቶ፡ ይብል ኣሎ። 10ክኸውን ድማ እዩ፡ ኲሉ እዚ ቓላት ነዚ ህዝቢ እዚ ምስ ነገርካዮ፡ ንሳቶም ከኣ፡ ስለምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ኵሉ እዚ ዓብዪ መዓት ዝዛረበልና ዘሎ እንታይ እዩ ኣበሳና እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝገበርናዮ ሓጢኣትከ እንታይ እዩ እንተ በሉኻ፡ 11ንስኻውን ክትብሎም ኢኻ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣቦታትኩም ስለ ዝሓደጉኒ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሰዓቡን ዘገልገሉን ዝሰገዱን፡ ንኣይ ስለ ዝሓደጉኒ፡ ሕገይ ድማ ስለ ዘይሓለው፡ 12ንስኻትኩምውን እንሆ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ምእንቲ ኸይትሰምዑኒ፡ ብትሪ እኩይ ልብኹም እናተመላለስኩም፡ ካብቲ ናይ ኣቦታትኩም ዝገደደ ጌርኩም ኢኹም እሞ፡ 13ስለዚ ኣነ ኻብ እዚ ሃገር እዚ ናብቲ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ዘይትፈልጥዎ ሃገር ክሰጐኩም እየ። ኣይክምሕረኩምን እየ እሞ፡ ኣብኡውን ለይትን መዓልትን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሉ ኢኹም። 14ስለዚ እንሆ፡ እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገር ግብጺ ዘውጽአ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ዘይበሃለሉ ዘመን፡ 15ግናኸ እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገር ሰሜንን ካብቲ ሰጒጒዎም ዝነበረ ዂሉ ሃገርን ዘውጽአ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ዝበሃለሉ ዘመን ክመጽእ እዩ፡ ኣነ ድማ ናብታ ነቦታቶም ዝሃብክዋ ሃገሮም ክመልሶም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 16ከምዚ ይብል እግዚኣብሄር፡ እንሆ፡ ኣነ ብዙሓት ገፈፍቲ ዓሳ ኽገፍዎም ክሰደሎም እየ። ብድሕሪኡ ድማ ብዙሓት ሃደንቲ ኣብ ኲሉ ኣኽራንን ኣብ ኲሉ ዂድዂዶታትን ኣብ ምንቃዕ ኣኻውሕን ክሃድንዎም ክሰድድ እየ። 17ኣዒንተይ ኣብ ኲሉ መገድታቶም ይጥምታ ኣለዋ እሞ፡ ካብ ቅድመይ ክሕብኡ ኣይከኣሎምን፡ ኣበሳኦም ከኣ ካብ ኣዒንተይ ኣይስወርን እዩ። 18ንሃገረይ ብሬሳታት ጣኦታቶም ኣርኪሶምዋ፡ ንርስተይውን ብጽያፎም መሊኦምዋ እዮም እሞ፡ ቅድምሲ መስጣ እቲ ኣበሳኦምን ሓጢኣቶምን ካዕበት ክፈድዮም እየ። 19ኣታ ጐይታይ፡ ሓይለይ፡ እምባይ፡ ብመዓልቲ ጸበባውን ገዳመይ፡ ህዝብታት ካብ ወሰን ምድሪ ናባኻ ኽመጹ እዮም እሞ፡ ኣቦታትናስ ሓሶትን ከንቱነትን ጥቕሚ ዘይብሎምን ጥራይ እዮም ዝወረሱ፡ ክብሉ እዮም። 20ሰብዶ ኣማልኽቲ ንርእሱ ይገብር እዩ ግናኸ ንሳቶምሲ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን። 21ስለዚ እንሆ፡ ከፍልጦም እየ፡ በዚ ግዜ እዚ ኢደይን ስልጣነይን ከፍልጦም እየ፡ ስመይ እግዚኣብሄር ምዃኑ ኸኣ ክፈልጡ እዮም።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 17
1ሓጢኣት ይሁዳ ብብርዒ ሓጺን ብብልሒ ኣልማዝ ጽሑፍ እዩ፡ ኣብ ጽላት ልቦምን ኣብ ቀርኒ መሰውኢታትኩምን ከኣ ውቑር እዩ። 2ከምቶም ንደቆም ዝዝክሩ፡ ከምኡ ኸኣ ንመሰውኢታትን ኣስታርቴታትን ኣብ ዝለምዐ ኣእዋምን ኣብ ዝበረኹ ዂርባታትን ይዝክሩ ኣለው። 3ኣቲ ኣብ መሮር ዘሎኺ ኸረነይ፡ ብሰሪ እቲ ኣብ ኲሉ ዶባትኪ ዝገበርክዮ ሓጢኣት ንሃብትኽን ንዂሉ መዛግብትኽን ነቲ በረኽቲ ዂርባታትክን ንዘመተ ኽምጥዎ እየ። 4ንሓዊ ቑጥዓይ ኣቃሊልኩምዎንሲ፡ ንሓዋሩ ኺነድድ እዩ እሞ፡ ብሰሪ በደልኪ ነቲ ሂበኪ ዝነበርኩ ርስቲ ኽትለቅዮ ኢኺ፡ ኣብ ዘይትፈልጥዮ ሃገር ድማ ኣብ ትሕቲ ጸላእትኺ ኸግዝኣኪ እየ። 5እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ ሰብ ዝውከል፡ ቅልጽሙ ኸኣ ኣብ ስጋ ዝገብር፡ ብልቡውን ካብ እግዚኣብሄር ዝርሕቕ ሰብ ርጉም እዩ። 6ንሱ ኸም ንቑጽ ቈጥቋጥ ኣብ በረኻ እዩ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ፡ ኣብ ምድረ በዳ፡ ኣብቲ ሓደ እኳ ዘይነበሮ ምድሪ ጨው ይነብር እምበር፡ ጥዑም ምስ መጸስ፡ ኣይርእዮን። 7ኣብ እግዚኣብሄር ዝውከል፡ ትጽቢቱ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ዝገብር ሰብ ብሩኽ እዩ። 8ንሱ ኸምታ ኣብ ጥቓ ማይ እተተኽለት፡ ሱራ ኣብ ርባ ኣቢሉ ዘሳፍሕ ኦም እዩ፡ ዋዒ እንተ መጸ፡ ኣይትፈርህን፡ ቈጽላ ኸኣ ለሚዑ ይነብር። ብዓመት ደርቂ ኣይተንክርን፡ ካብ ምፍራይውን ኣይትቋርጽን። 9ልቢ ኻብ ኲሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ፡ መንከ የስተውዕሎ 10ኣነ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገዱ፡ ከከም ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦ፡ ንልቢ እምርምሮ፡ ንዀላሊት ከኣ እፍትኖ። 11እቲ ብዘይ ቅንዕና ሃብቲ ዝእክብ ከምታ ንዘይወለደቶ እንቋቑሖ እትሓቁፍ ቆቛሕ እዩ። ኣብ ፈረቓ ዕድሚኡ ይሓድጎ፡ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ዓሻ ይኸውን። 12እቲ ኻብ ጥንቲ ልዕል ዝበለ ዝፋን ግርማስ ስፍራ መቕደስና እዩ። 13ዎ እግዚኣብሄር፡ ትጽቢት እስራኤል፡ እቶም ዝሓድጉኻ ዘበሉ ኽሓንኩ እዮም። ንእግዚኣብሄር፡ ነቲ ህያው ዓይኒ ማይ፡ ስለ ዝሓደጉ፡ እቶም ካባኻ ዝርሕቁ ኣብ ሓመድ ክጽሓፉ እዮም። 14ዎ እግዚኣብሄር፡ ውዳሰይ ንስኻ ኢኻ እሞ፡ ኣሕውየኒ፡ ክሓዊ ድማ እየ፡ ኣድሕነኒ፡ ክድሕንውን እየ። 15እንሆ፡ ንሳቶም፡ ኣበይ ኣሎ ቓል እግዚኣብሄር ይምጻእ ሕጃይ፡ ይብሉኒ ኣለው። 16ኣነስ እናሰዓብኩኻ ጓሳ ምዃን ኣይኣቤኹን፡ መዓልቲ መከራ ኣይደሌኹን፡ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ፡ ከናፍረይ እተዛረባኦ ድማ ኣብ ቅድሜኻ እዩ። 17ብመዓልቲ ጸበባስ ጸግዐይ ንስኻ ኢኻ፡ ስምባድ ኣይትዂነኒ። 18እቶም ሰጐጒተይ ይሕነኹ፡ ኣነ ኣይሕነኽ፡ ንሳቶም ይሰምብዱ፡ ኣነ ኣይሰምብድ። መዓልቲ መዓት ኣምጽኣሎም፡ ካዕበት ጥፍኣት ጌርካውን ኣጥፍኣዮም። 19እግዚኣብሄር ከምዚ በለኒ፡ ኣብተን ነገስታት ይሁዳ ዝኣትውለንን ዝወጹለንን ደጌታት ደቂ ህዝብን ኣብ ኲለን ደጌታት የሩሳሌምን ኬድካ ቑም እሞ፡ 20ኣቱም ነገስታት ይሁዳን ኲላትኩም ይሁዳን፡ በዘን ደጌታት እዚኣተን እትኣትው፡ ኣብ የሩሳሌም እትነብሩ ዂላትኩምውን፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ በሎም። 21እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነፍስኹም ሓልዉ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ጾር ኣይትጹሩ፡ ብደጌታት የሩሳሌምውን ኣይተእትዉ፡ 22ገለ እኳ ጾር ካብ ኣባይትኹም ኣይተውጽኡ። ከምቲ ኣነ ነቦታትኩም ዝኣዘዝክዎም ደኣ መዓልቲ ሰንበት ቀድሱ እምበር፡ ብመዓልቲ ሰንበትሲ ሓንቲ ዕዮ እኳ ኣይትግበሩ። 23ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፡ ኣእዛኖምውን ጽን ኣይበላን። ከይሰምዑን ከይግሰጹንሲ ኽሳውዶም ደኣ ኣትረሩ። 24እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ክኸውን ድማ እዩ፡ ንስኻትኩም ብመዓልቲ ሰንበት ብኣፍ ደጌታት እዛ ኸተማ እዚኣ ጾር ከይተእትዉ ጽን ኢልኩም እንተ ሰማዕኩምኒ፡ ንመዓልቲ ሰንበትሲ ብእኣ ገለ ዕዮ ኸይዓየኹም እንተ ቐደስኩምዋ፡ 25ሽዑ እቶም ኣብ ዝፋን ዳዊት ዝቕመጡ ነገስታትን መሳፍንትን፡ ብሰረገላታትን በፍራስን፡ መሳፍንቶምን ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩን ብደጌታት እዛ ኸተማ እዚኣ ኽኣትዉ እዮም። እዛ ኸተማ እዚኣ ንዘለኣለም ዝነብሩላ ኽትከውን እያ። 26ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ከባቢ የሩሳሌምን ካብ ሃገር ብንያምን ካብ ቈላን ካብ ደጋን ካብ ደቡብን ዝሓርርን ዝሕረድን ዝብላዕን መስዋእቲ፡ ዕጣንውን ሒዞም ክመጹ፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ናይ ምስጋና መስዋእቲ ከቕርቡ እዮም። 27ግናኸ ንመዓልቲ ሰንበት ክትቅድሱ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ገለ ጾር ከይትጾሩን ብደጌታት የሩሳሌም ከይተእትውን እንተ ዘይሰማዕኩምኒ፡ ሽዑ ኣነ ኣብ ደጌታት ሓዊ ኸንድድ እየ፡ ንሱ ኸኣ ንግምብታት የሩሳሌም ክበልዖ ኣይክጠፍእን ድማ እዩ።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 18
1-2እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል፡ ተንስእ እሞ ናብ ቤት ሰራሕ መሬት ውረድ፡ ኣብኡ ኸኣ ቃለይ ከስምዓካ እየ፡ ዝብል እዩ። 3ሽዑ ናብ ቤት ሰራሕ መሬት ወረድኩ፡ እንሆ፡ ንሱ ብመዘወር ስራሑ ኽሰርሕ ጸንሐ። 4እቲ ብመሬት ዝሰርሖ ኣቕሓ ኣብ ኢድ እቲ ሰራሕ መሬት ምስ ተጸየቐ:ከም ብሓድሽ እቲ ሰራሕ መሬት ከምቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ገይሩ ኻልእ ኣቕሓ ሰርሖ። 5ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ፡ 6ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ኣነኸ ንኣኻትኩምዶ ኸምቲ ሰራሕ መሬት ዝገበሮ ኽገብረኩም ኣይከኣለንን እዩ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እንሆ፡ ከምቲ መሬት ኣብ ኢድ እቲ ሰራሕ መሬት ዘሎ፡ ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ኣብ ኢደይ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 7ሓደ ግዜ ብናይ ህዝብን ብናይ መንግስትን ክምንቁስን ከፍርስን ከጥፍእን እዛረብ ኣሎኹ። 8እቲ እተዛረብኩሉ ህዝቢ ኻብ እከዩ እንተ ተመልሰ ግና፡ ኣነ ኸኣ ነቲ ንእኡ ኽገብሮ ኢለ ዝሓሰብክዎ እኩይ እጥዓሰሉ እየ። 9ሓደ ግዜ ኸኣ ብናይ ህዝብን ብናይ መንግስትን ክሃንጽን ክተክልን እዛረብ ኣሎኹ። 10ቃለይ ምስማዕ ኣብዩ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እከይ እንተ ገበረ ግና፡ ኣነውን ነቲ ኽገብረሉ እየ ኢለ እተዛረብክዎ ሰናይ እጥዓሰሉ። 11እምበኣርሲ ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩን፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ተዛረቦም፡ እንሆ፡ ሕሰም ኤዳልወልኩም፡ ንጒድኣትኩም ከኣ ሓሳብ እሕልን ኣሎኹ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ካብ መገዲ እከዩ ይመለስ፡ መገድኹምን ግብርኹምን ከኣ ኣጠቅዉ። 12ንሳቶም ግና፡ ከንቱ እዩ፡ ንሕናስ ንሓሳብ ርእስና ኽንሰዕብ፡ ነፍሲ ወከፍና ድማ ከምቲ ትሪ ሕሱም ልብና ኽንገብር ኢና፡ በሉ። 13ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እስከ ኸምዚ ዘመሰለ ዝሰምዐ እንተሎስ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ሕተቱ፡ እታ ድንግል እስራኤል ኣዝዩ ገዚፍ ጉድ ገይራ ኣላ። 14በረድ ሊባኖስዶ ነቲ ኣኻውሕ መሮር ይለቀሉ እዩ እቲ ኻብ ርሑቕ ዝመጽእ ዝሑል ወሓዚ ማይከ ይነጽፍዶ እዩ 15ህዝበይንንከ ንኣይ ረስዓኒ፡ ንጣኦታት ከንቱውን ይዓጥን ኣሎ። ንሳቶም በቲ መገዲ ኣጋር፡ በቲ ዘይተጸርገ መገዲ ምእንቲ ክኸይድ፡ ኣብ መገድታቱ፡ ኣብቲ ናይ ጥንቲ መገድታት ኣዓንቀፍዎ። 16በዚ ኸምዚ ንሃገሩ ዑና፡ ንሓዋሩ ድማ መላገጺ ይገብሩ። እቶም ብእኣ ዝሓልፉ ዘበሉ ዂሎም ይግረሙ፡ ርእሶም ከኣ ይንቕንቑ። 17ኣብ ቅድሚ ጸላኢ ኸም ንፋስ ምብራቕ ክብትኖም እየ። ብመዓልቲ ጸበባኦም ዝባን እምበር፡ ገጽ ኣይከርእዮምን እየ። 18ንሳቶም ድማ፡ ሕጊ ኻብ ካህን፡ ምኽሪ ኻብ ጥበበኛ፡ ቃል ካብ ነብዪ ኣይስኣንን እዩ እሞ፡ ንዑ ንኤርምያስ ምኽሪ ንጣበበሉ፡ ንዑ ብልሳንና ንውቅዓዮ፡ ንዂሉ ቓላቱ ድማ ግዱ ኣይንግበር፡ በሉ። 19ጐይታየ፡ ኣባይ ጽን በል፡ እዞም ተጻረርተይ ዝብልዎ ኸኣ ስማዕ። 20ንነፍሰይ ጒድጓድ ኲዒቶምላ እዮም እሞ፡ ኣብ ክንዲ ሰናይዶ እከይ ይፍደ እዩ ጽቡቕ ክዛረበሎምን ኲራኻ ኸርሕቐሎምን ኢለ: ኣብ ቅድሜኻ ከም ዝቘምኩ ዘክር። 21ስለዝ ደቆም ንጥሜት መጡ፡ ንኣታቶም ከኣ ናብ ኢድ ሰይፊ ኣሕሊፍካ ሃብ። ኣንስቶም ደቂ ዘይብለን መበላሉ ይኹና፡ ሰብኡተን ድማ ተቐቲሎም ይሙቱ። ኣጒባዞም ከኣ ኣብ ውግእ ብሰይፊ ይወቕዑ። 22ክሕዙኒ ጒድጋድ ኲዒቶምለይ፡ ነእጋረይ ከኣ መፈንጠራ ደቢቖምለይ እዮም እሞ፡ ብድንገት ጭፍራ ኣምጺእካሎምሲ ኣውያት ካብ ኣባይቶም ይስማዕ። 23ኣታ እግዚኣብሄር፡ እቲ ክቐትሉኒ ኢሎም ዝሓለንዎ ምኽሪ ዂሉ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ። ኣበሳኦም ይቕረ ኣይትበለሎም፡ ሓጢኣቶምውን ካብ ቅድሚ ገጽካ ኣይትደምስስ። ኣብ ቅድሜኻ ጻሕ ይበሉ፡ ብመዓልቲ ቑጥዓኻውን ከምዚ ግበሮም።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 19
1እግዚኣብሄር ከምዚ በለ፡ ኪድ፡ ካብቲ ሰራሕ መሬት ከኣ ሳርማ ተሻየጥ እሞ ገለ ኻብቶም ዓበይቲ ህዝብን ካብቶም ዓበይቲ ኻህናትን ተማላእ። 2ናብቲ ኣብ ጥቓ መእተዊ ደገ ናይቶም ሰራሕቲ መሬት ዘሎ ለሰ ወዲ ሂኖም ውጻእ። ኣብኡ ዄንካ ድማ እቲ ኣነ ዝነግረካ ቓል ኣውጅ፡ 3በልውን፡ ኣቱም ነገስታት ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ። እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣብዚ ስፍራ እዚ ንዝሰምዖ ዘበለ ዂሉ ኣእዛኑ ዝጸመሉ መዓት ከውርድ እየ። 4ንኣይ ሓዲጎምኒ፡ ነዚ ስፍራ እዚ ጓና ገይሮምዎ፡ ነቶም ንሳቶምን ኣቦታቶምን ነገስታት ይሁዳን ዘይፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ዓጢኖምሉ፡ ነዚ ስፍራ እዚ ብደም ንጹሃት መሊኦምዎ እዮም። 5ኣነ ዘይኣዘዝክዎን ዘይተዛረብክዎን ኣብ ልበይውን ዘይኣተወንሲ፡ ንበዓል ዝሓርር መስዋእቲ ክዀኑ ኢሎም፡ ነወዳቶም ብሓዊ ምእንቲ ኸንድድዎም፡ በረኽቲ ስፍራ ንበዓል ሰርሑ። 6ስለዚ ኸኣ እንሆ፡ እዝ ስፍራ እዚ ለሰ ምሕራድ እምበር፡ ቶፌቶ ወይስ ለሰ ወዲ ሂኖም ኢሉ ዘይስመየለን መዓልትታት ክመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር። 7ኣነ ኸኣ ኣብዚ ስፍራ እዚ ንምኽሪ ይሁዳን የሩሳሌምን ከንቱ ኽገብሮ እየ። ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ብሰይፍን ብኢድ እቶም ነፍሶም ዝደልዩን ገይረ ኸውድቖም እየ። ሬሳታቶም ድማ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት መሮርን ምግቢ ክዀኖም ክህቦ እየ። 8ነዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ንመሰክሕን ንመላገጽን ክገብራ እየ። ብእኣ ዝሓልፍ ዘበለ ብዂሉ ስቓያ ኽስክሕን ከላግጽን እዩ። 9ስጋ ኣወዳቶምን ስጋ ኣዋልዶምን ከብልዖም እየ። ብጸላእቶምን በቶም ነፍሶም ዝደልዮም ተኸቢቦም ጸቢብዎም ምስ ተጨነቑ፡ ስጋ ሓድሕዶም ክባልዑ እዮም። 10ሽዑ ሳርማ ኣብ ቅድሚ እቶም እተማላእካዮም ሰባት ስበራ እሞ በሎም፡ 11ከምቲ ናይ ሰራሕ መሬት ኣቕሓ ምስ ተሰብረ ዘይዕረ፡ ከምኡ ነዚ ህዝቢ እዝን ነዛ ኸተማ እዚኣን ክሰብሮም እየ። ስፍራ ስለ እተሳእነ ድማ ኣብ ቶፌት ክቕበሩ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 12ነዛ ኸተማ እዚኣ ኸም ቶፌት ክገብራስ፡ ነዚ ስፍራ እዝን ነቶም ኣብኡ ዝነብሩን ከምኡ ኽገብሮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 13ኣባይቲ የሩሳሌምን ኣባይቲ ነገስታት ይሁዳን፡ ኲለን እተን ኣብ ዝባን ናሕሲ ንዂሎም ሰራዊት ሰማይ ዝዓጠኑለን፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ መስዋእቲ መስተ ዝኸዓዉለን ኣባይትን፡ ከም ስፍራ ቶፌት ክረኽሳ እየን። 14ኤርምያስ ከኣ ካብቲ እግዚኣብሄር ክንበ ኢሉ ልኢኽዎ ዝነበረ ቶፌት ተመሊሱ ኣብ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር ቈመ፡ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ በለ፡ 15እንሆ፡ ንቓለይ ከይሰምዑ ኽሳዶም ኣትሪሮም እዮም እሞ፡ ናብዛ ኸተማ እዚኣን ናብ ኲለን ዓድታታን እቲ እተዛረብኩላ ዘበለ ዂሉ መዓት ከውርደለን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 20
1እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ሕልቅነት እተሸመ ጳሽሑር፡ ወዲ እቲ ኻህን ኢሜር፡ ኤርምያስ እዚ ነገር እዚ ኽንበ ኸሎ ሰምዖ። 2ጳሽሑር ከኣ ንነብዪ ኤርምያስ ወቕዖ፡ ኣብታ ኣብ ጥቓ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረት ላዕለይቲ ደገ ብንያምውን ኣብ ጒንዲ ኣሰሮ። 3ንጽብሒሩ ጳሽሑር ንኤርምያስ ካብ ማእሰርቲ ኣውጽኦ። ኤርምያስ ከኣ፡ እግዚኣብሄር ማጉር ሚሳቢብ እምበር፡ ጳሽሑር ኢሉ ኣይሰመየካን፡ በሎ። 4እምበኣርሲ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ንርእስኻን ንዂሎም ፈተውትኻን መሰምበዲ ኽገብረካ እየ፡ ብሰይፊ ጸላእቶም ክወድቁ እዮም፡ ኣዒንትኻ ድም ክጥምታኦ እየን። ንዂላ ይሁዳ ኸኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክውፍያ እየ፡ ንሱ ድማ ናብ ባቢሎን ክማርኾም ብሰይፊውን ክቐትሎም እዩ። 5ኲሉ ጥሪት እዛ ኸተማ እዚኣን ኲሉ ጻማኣን ኲሉ ኽቡር ኣቓሑኣን ኲሉ እቲ መዛግብ ነገስታት ይሁዳን ኣብ ኢድ ጸላእቶም ክህቦ እየ። ንሳቶም ድማ ክዘምትዎ፡ ክወስድዎ፡ ናብ ባቢሎንውን ክማርኽዎ እዮም። 6ኣታ ጳሽሑር፡ ንስኻን ኣብ ቤትካ ዝነብሩ ዂሎምን ክትማረኹ ኢኹም፡ ናብ ባቢሎን ክትከይድ ኢኻ እሞ፡ ምስቶም ሓሶት እተነቤኻሎም ኲሎም ፈተውትኻ ኣብኡ ኽትመውት፡ ኣብኡውን ክትቅበር ኢኻ። 7-8ብተዛረብኩሉ መጠን እጭርሕ፡ ዓመጽን ዘመተን ኢለ እጭርሕ ኣሎኹ። ቃል እግዚኣብሄር መዓልቲ ብመልኣ ንጸርፍን መላገጽን ኰይኑኒ እዩ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ጠበርካኒ ተጠበርኩ ኸኣ፡ ሓየልካኒ ኣሕመቕካኒ ድማ። ኣብ ጸጽባሕ መላገጺ ዀንኩ፡ ኲሎምውን የባጭውለይ ኣለው። 9ኣይክዝክሮን፡ ደጊምስ ብስሙ ኣይክዛረብን እየ፡ እኳ እንተ በልኩ፡ ኣብ ዓጻጽምተይ ተዓጽዩ፡ ኣብ ልበይ ከም ዝነድድ ሓዊ ዀነኒ። ክጽመሞ ተጋደልኩ፡ ግናኸ ኣይኰነለይን። 10ብዙሓት ክሓምዩኒ እሰምዕ ኣሎኹ እሞ፡ ብዂሉ ሸነኸይ ስምባድ ይኸበኒ ኣሎ። ክሰስዎ፡ ንሕና ኸኣ ክንከሶ፡ ኢሎም ኲላቶም ፈተውተይ ውድቀተይ ይቃጸዉ፡ ምእንቲ ኸነሕምቖን ሕነ ኽንፈድዮንሲ ይጥበረልና ይኸውን፡ ይብሉ ኣለው። 11ግናኸ እግዚኣብሄር ከም ሓያል ጅግና ምሳይ እዩ። ስለዚ እቶም ሰጐጒተይ ተዓንቂፎም ይወድቁ፡ ዝከኣሎምውን የልቦን። ብጥበብ ስለ ዘይገበርዎ ኣዝዮም ክሓንኩ እዮም፡ ነውሮም ድማ ንሓዋሩ ኣይክርሳዕን እዩ። 12ኣታ ንጻድቕ እትምርምር፡ ልብን ኰላሊትን እትርኢ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ነገረይ ንኣኻ ኣማዕቁበ እየ እሞ፡ ነቲ እትፍደዮም ሕነ ኣርእየኒ። 13ንነፍሲ ድኻ ኻብ ኢድ ገበርቲ እከይ ኣድሒንዋ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፡ ንእግዚኣብሄር ወድሱ። 14እተወለድኩላ መዓልቲ ርግምቲ ትኹን፡ እታ ኣደይ ንኣይ ዝወለደትላ መዓልቲ ኣይትባረኽ። 15እቲ ነቦይ፡ ወዲ ተወሊዱልካ፡ ኢሉ ዘበሰሮ እሞ ዘሓጐሶ ሰብኣይ ርጉም ይኹን። 16እቲ ሰብኣይ እቲ ኸምተን እግዚኣብሄር ከይተጣዕሰ ዝገልበጠን ከተማታት ይኹን። ንግሆ ኣውያት፡ ቀትሪ ድማ ጭድርታ ውግእ ይስማዕ። 17ኣደይ መቓብረይ ክትከውን፡ ንሓዋሩ ኸኣ ብጥንስታ ኽትነብርሲ፡ ስለምንታይ ኣብ ማሕጸን ወላዲተይ ከሎኹ ዘይቀተለኒ 18ድኻምን ሓዘንን ክርኢ፡ ዕለተይ ከኣ ብሓፍረት ክውድእከ ስለምንታይ ካብ ማሕጸን ወጽእኩ፧
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 21
1-2ንጉስ ጼድቅያስ ንጳሽሑር፡ ወዲ መልክያን ንጻፋንያስ፡ ወዲ መኣስያ እቲ ኻህንን፡ ናብክደናጾር ንጉስ ባቢሎን፡ ክዋግኣና ይብል ኣሎ እሞ፡ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ከም ኲሉ ተኣምራቱ ገይሩ ኻባና ዝመልሶ እንተ ዀነስ፡ እስከ ንእግዚኣብሄር ጠይቐልና፡ ክብልዎ ናብ ኤርምያስ ምስ ለኣኾም፡ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል እዚ እዩ። 3ኤርምያስ ከኣ፡ ንጼድቅያስ ከምዚ ኢልኩም ንገርዎ፡ በሎም፡ 4እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ነቲ ንንጉስ ባቢሎንን ነቶም ብኽንየው ቀጽሪ ዝኸቡኹም ከለዳውያንን እትዋግኡሉ ኣብ ኣእዳውኩም ዘሎ ኣጽዋር ክመልሶ ኣብ ማእከል እዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ክእክቦ እየ። 5ኣነ ባዕለይ ብተዘርግሐት ኢድን ብብርቱዕ ቅልጽምን ብዂራን ብነድርን ብዓብዪ ቑጥዓን ክዋግኣኩም እየ። 6ኣብዛ ኸተማ ንዝነብሩ ሰብን እንስሳን ክወቅዕ እየ፡ ብብርቱዕ ፌራ ድማ ክሞቱ እዮም። 7ድሕርዚ ኸኣ ንጼድቅያስ፡ ንጉስ ይሁዳን ንግዙኣቱን ነቶም ካብ ፌራን ካብ ሰይፍን ካብ ጥሜትን ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝተረፉ ህዝብን ናብ ኢድ ናብከድናጾር ንጉስ ባቢሎንን ናብ ኢድ እቶም ጸላእቶምን ናብ ኢድ እቶም ነፍሶም ዝደልዩን ክምጥዎም እየ። ንሱ ኸኣ ብብልሒ ሰይፊ ኽወቕዖም፡ ኣይክንሕፎምን ኣይክድንግጸሎምን ኣይክምሕሮምን ድማ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 8ነዚ ህዝቢ እዚ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ክትብሎ ኢኻ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኹም መገዲ ህይወትን መገዲ ሞትን አንብር ኣሎኹ። 9ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝቕመጥ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ክመውት እዩ። ግናኸ እቲ ወጺኡ ናብቶም ከቢቦምኹም ዘለው ከለዳውያን ዝኣቱ ብህይወቱ ኽነብር፡ ነፍሱ ኸኣ ዘመታኡ ኽትኰነሉ እያ። 10ንጽቡቕ ዘይኰነስ ንኽፉእ፡ ገጸይ ናብ እዛ ኸተማ እዚኣ ኣቢለ ኣሎኹ እሞ፡ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትወሃብ እያ፡ ንሱውን ብሓዊ ኸንድዳ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 11ንቤት ንጉስ ይሁዳ ኸኣ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ በሎም፡ 12ኣቱም ቤት ዳዊት፡ ብሰሪ እከይ ግብርኹም ቁጥዓይ ከም ሓዊ ኸይእጐድ፡ ዘጥፍኦ ኽሳዕ ዝስእን ከኣ ከይነድድሲ፡ ኣንጊህኩም ፍርዲ፡ ነቲ እተዘምተውን ካብ ኢድ ዓማጺኡ ኣድሕንዎ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 13ኣቲ ኣብ ለሰ ኣብ ከውሒ ጐልጐል እትነብሪ ዘሎኺ፡ እኔኹ፡ ናብ ርእስኺ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ከኣ፡ መን እዩ ሓጋ ዝወድቀና መንከ እዩ ኣብ ሰፈርና ዝኣቱ እትብሉ ዘሎኹም፡ 14ኣነ ኸምቲ ፍረ ግብርኹም ገይረ ክቐጽዓኩም፡ ኣብቲ ዱራ ሓዊ ኽኣጒድ እየ እሞ፡ ንዂሉ ኸባቢኣ ኽበልዖ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 22
1እግዚኣብሄር ከምዚ በለ፡ ናብ ቤት ንጉስ ይሁዳ ውረድ እሞ ኣብኡ እዚ ቓል እዚ ተዛረብ፡ 2በል ከኣ፡ ኣታ ኣብ ዝፋን ዳዊት ተቐሚጥካ ዘሎኻ ንጉስ ይሁዳ፡ እቶም በዘን ደጌታት እዚኣተን እትኣትው፡ ንስኻን ግዙኣትካን ህዝብኻን፡ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ፡ 3እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ፍርድን ጽድቅን ግበሩ፡ ነቲ እተዘምተ ኸኣ ካብ ኢድ ዓማጺኡ ኣድሕንዎ፡ ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ኣይትዓግቡን ኣይትዓምጹን፡ ኣብዚ ስፍራ እዚውን ንጹህ ደም ኣይትኽዓው። 4ነዛ ቓል እዚኣ ብሓቂ እንተ ገበርክምዋ፡ ሽዑ እቶም ኣብ ዝፋን ዳዊት ተቐሚጦም ዘለው ነገስታት፡ ንሱን ግዙኣቱን ህዝቡን፡ ኣብ ሰረገላታትን ኣፍራስን ተቐሚጦም ብደጌታት እዛ ቤት እዚኣ ኽኣትዉ እዮም። 5ግናኸ ነዘን ቃላት እዚኤን እንተ ዘይሰማዕኩም፡ እዛ ቤት እዚኣ ኸም እትዖኑ፡ ብርእሰይ መሓልኩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 6ስለዚ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ቤት ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ ንስኻ ንኣይ ከም ጊልኣድን ከም ርእሲ ሊባኖስን ኢኻ፡ ግናኸ ኣነ ብርግጽ ከም ምድረ በዳ፡ ከምተን ሓደ እኳ ዘይነብረለን ከተማታት ክገብረካ እየ። 7ነፍሲ ወከፍ መምስ ኣጽዋሮም መዕነውቲ ኸዳልወልካ እየ። ንሳቶም ነቲ መምሩጽ ጽሕድታትካ ክቘርጽዎን ኣብ ሓዊ ድማ ከእትውዎን እዮም። 8ብዙሓት ህዝብታት በዛ ኸተማ እዚኣ ኽሓልፉ፡ ንሓድሕዶም ከኣ፡ ስለምንታይ ኰን እዩ እግዚኣብሄር ነዛ ዓባይ ከተማ እዚኣ ኸምዚ ዝገበራ ክባሃሃሉ እዮም። 9ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሓደጉን፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሰገዱን ዘምለኹን እዩ፡ ኢሎም ከኣ ክመልሱሎም እዮም። 10-12እግዚኣብሄርሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ዮስያስ ዝነገሰ፡ ካብዚ ስፍራ እዚ ኸኣ ዝወጸ ሻሉም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ናብዚ ከቶ ኣይክምለስን እዩ፡ ኣብቲ እተማረኸሉ ስፍራ ኽመውት እዩ እምበር፡ ነዛ ሃገር እዚኣስ ምንም ኣይክርእያን እዩ፡ ይብል ኣሎ እሞ፡ እቲ ዝኸይድ ናብታ እተወልደላ ሃገር ኣይክምለስን ኣይክርእያንውን እዩ፡ ስለዚ ንእኡ ደኣ ኣምሪርኩም ብኸዩሉ እምበር፡ ንምውትሲ ኣይትብከዩሉን ኣይትሕዘኑሉን። 13-14እቲ ንቤቱ ብዘይ ጽድቂ ንውሽጢታቱ ድማ ብዘይ ፍርዲ ዝሰርሕ። ንብጻዩ ብኸምኡ ዘዕዪ፡ ደመወዙ ዘይህቦ፡ እሞ፡ ረርሒብ ክፍልታት ዘለዋ ዓባይ ቤት ክሃንጽ እየ፡ ዝብል ወይለኡ። መስኰት የውጽኣላ፡ ብጽሕዲይረባ፡ ብቐይሕ ቀለምውን ይቐብኣ። 15ብጽሕዲ እንተ ኣጌጽካ ዶዀን ክትነግስ ኢኻ፡ ኣቦኻስ ኣይበልዐን ኣይሰተየንዶ፡ ጽድቅን ፍርድንከ ኣይገበረንዶ እዩ ሽዑ ደኣ ደሓን ኰነሉ። 16ነቲ ሽጉርን ድኻን ፍትሒ ኣውጽአ፡ ስለዚ ደሓን ኰነሉ። እዚ ነኣይ ምፍላጥዶ ኣይኰነን ይብል እግዚኣብሄር። 17ዓይንኻን ልብኻን ብስስዕትን ብምኽዓው ንጹህ ደምን ብምግባር ግፍዕን ዓመጻን ጥራይ ትሑዝ እዩ። 18ስለዚ ብዛዕባ ዮኣቂም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ዋይ ሓወይ፡ ዋይ ሓብተይ፡ ኢሉ ዘልቅሰሉ የልቦን። ኣየ ጐይታ፡ ኣየ ኽብረቱ፡ ኢሎም ከኣ ኣይከልቅሱሉን እዮም። 19ከም ኣቀባብራ ኣድጊ ክቐብርዎ፡ ጓቲቶም ብኽንየው ደጌታት የሩሳሌም ክድርብይዎ እዮም። 20ኲላቶም ፈተውትኺ ተደቑሶም እዮም እሞ፡ ናብ ሊባኖስ ደዪቢ ኣእውዪ ኸኣ። ድምጽኺ ናብ ባሳን ዓው ኣብሊ፡ ካብ ዓባሪም ድማ ኣእውዪ። 21ደሓን ከሎኺ ተዛረብኩኺ፡ ንስኺ ግና፡ ኣይሰምዕን፡ በልኪ። ድምጸይ ዘይምስማዕክስ እቲ ኻብ ንእስነትኪ ጀሚሩ ዝነበረ መገድኺ እዩ። 22ንዂሎም ጓሶትኪ ንፋስ ክጓስዮም እዩ፡ ፈተውትኺ ድማ ክማረኹ እዮም። ሽዑ ብሰሪ እከይኪ ኽትሓፍርን ክትሓንክን ኢኺ። 23ኣቲ ኣብ ሊባኖስ እትነብሪ፡ ኣቲ ብጽሕዲ ኣጒዶኺ እትሰርሒ ዘሎኺ፡ ከምቲ ቕልውላው ንወላዲት ዝሕዛ፡ ጸበባ ምስ መጸኪ፡ ክንደይ መደንገጺ ዀን ክትኰኒ ኢኺ። 24ኢኮንያስ፡ ወዲ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ የማናይ ኢደይ ቀለቤት መሕተሚ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣነ ህያው ከም ዝዀንኩ፡ ካብኡ ኸውጽኣካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 25ኣነ ኣብ ኢድ እቶም ንነፍስኻ ዝደልዩን ኣብ ኢድ እቶም እትፈርሆምን ኣብ ኢድ ናቡክደናጾር ንጉስ ባቢሎንን ኣብ ኢድ ከለዳውያንን ክምጥወካ እየ። 26ንኣኻን ነታ ዝወለደትካ ኣዴኻን ናብ ዘይተወለድኩምሉ ሃገር ጓና ኽሰጐኩም እየ። ኣብኡውን ክትሞቱ ኢኹም። 27ናብታ ኽምለስዋ ዝናፍቕዋ ሃገር፡ ናብኣ ኣይክምለሱን እዮም። 28እምበኣርሲ እዚ ሰብኣይ፡ እዚ ኢኮንያዶ ንዑቕን ስቡርን ኣቕሓ እዩ ዘየብህግ ኣቕሓዶኸ እዩ ስለምንታይ ደኣ ንሱን ዘርኡን ተወንጨፉ፡ ናብ ዘይፈልጥዎ ሃገርስ ተደርበዩ 29ኣቲ ሃገር፡ ኣቲ ሃገር፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዒ። 30ሓደ እኳ ኻብ ዘርኡ ርህይዎ ኣብ ዝፋን ዳዊት ዝቕመጥ፡ ኣብ ይሁዳ ኸኣ ዝነግስ የልቦን እሞ፡ ነዚ ሰብኣይ እዚ ኸም መኻን፡ ብዕለቱ ኸም ዘይረሃዎ ሰብ ኢልኩም ጽሓፉ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 23
1እቶም ነባጊዕ መጓሰይ ዘጥፍኡን ዝዘርውን ጓሶት ወይለኦም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 2ስለዚ ብዛዕባ እቶም ንህዝበይ ዝጓስዩ ጓሶትሲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነባጊዐይ ዝዘሮኽምወንንን ዘባረርኩምወንን ግደን ዘይገበርኩምን ንስኻትኩም ኢኹም። እንሆ፡ ብሰሪ እከይ ተግባርኩም ከኣ ክቐጽዓኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 3ኣነ ኸኣ ነተን ካብ ኣባጊዐይ ዝተረፋ ኻብቲ ዝሰጐጒክወን ኲሉ ሃገር ክእክበን፡ ናብ መጓስአን ድማ ክመልሰን እየ፡ ክፈርያን ክበዝሓንውን እየን። 4ዝጓስይወን ጓሶት ከተንስኣለን እየ፡ ድሕርዚ ኸኣ ኣይክፈርሃን ኣይክስምብዳን ገለ እኳ ኣይክስእናን እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
5እንሆ፡ ንዳዊት ጻድቕ ጨንፈር ዘተንስኣለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ። ንሱ ነጊሱ ኽገዝእ፡ ክቐንዖ ድማ እዩ፡ ኣብታ ሃገር ከኣ ፍርድን ጽድቅን ከውጽእ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 6ብዘመኑ ይሁዳ ኽድሕን፡ እስራኤል ድማ ኣስተርሕዩ ኽነብር እዩ። ዝስመየሉ ስም ከኣ፡ እግዚኣብሄር ጻድቅና እዩ፡ ክኸውን እዩ። 7-8ስለዚ እንሆ፡ እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገር ግብጺ ዘውጽአ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ዘይባህለሉ ዘመን፡ ግናኸ እቲ ንዘርኢ ቤት እስራኤል ካብ ሃገር ሰሜንን ካብቲ ሰጒጐዮም ዝነበርኩ ዂሉ ሃገርን ዘውጽአን ዝመርሐን እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ዝበሃለሉ ዘመን ክመጽእ እዩ፡ ኣብ ሃገሮምውን ክነብሩ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
9ብዛዕባ ነብያት:፡
ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተጓእ ይብል፡ ኲሉ ዓጻጽምተይ ራዕራዕ ይብል ኣሎ። ብምኽንያት ቅዱስ ቃላቱን ከም ስኹርን ከምቲ ወይኒ ዝመለኾ ሰብኣይን ኰንኩ። 10እታ ሃገር ብዘመውቲ መሊኣ ኣላ፡ ብሰሪ መርገም ከኣ እታ ሃገር ትሓዝን ኣላ፡ መጓሰዪ በረኻ ነቐጸ። ጒያኦም እኩይ እዩ፡ ሓይሎም ከኣ ሰናይ ኣይኰነን። 11ነብያትን ካህናትን ረኸሱ፡ ኣብ ቤተይ እኳ እከዮም ረኸብኩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 12በታ ዝዝክሮም ዓመትሲ መዓት ከውርደሎም እየ እሞ፡ ስለዚ መገዶም ኣብ ጸልማት ከም ስፍራ መንደልህጾ ኽትኰኖም እየ፡ ኣብኣ ተደፊኦም ክወድቁ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 13ኣብ ነብያት ሰማርያ ድማ ዕሽነት ርአኩ፡ ብስም በዓል ተነበዩ፡ ንህዝበይ እስራኤል ኣስሓቱ። 14ኣብ ነብያት የሩሳሌም ከኣ ዘሰክሕ ርኤኹ፡ የመንዝሩ፡ ብሓሶት ይመላለሱ፡ ሓደ እኳ ኻብ እከዩ ኸይምለስ፡ ኢድ እቶም እኩያት የጽንዑ ኣለው። ኲላቶም ከም ሶዶም፡ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ድማ ኸም ጎሞራ ዀኑኒ። 15ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ብዛዕባ እቶም ነብያት፡ ካብቶም ነብያት የሩሳሌም ረሲእነት ኣብ ኲላ እታ ሃገር ተዘርጊሑ እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ዕረ ኸብልዖም፡ ማይ ስሚ ኸኣ ከስትዮም እየ፡ ይብል ኣሎ። 16እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቶም ዝንበዩልኩም ዘለዉ ነብያትሲ ኸንቱነት እዮም ዝምህሩኹም ዘለዉ፡ ራእይ ልቦም እምበር፡ እቲ ኻብ ኣፍ እግዚኣብሄር ዝወጸ ኣይኰነን ዝነግሩኹም ዘለዉ እሞ፡ ቃላቶም ኣይትስምዑ። 17ንሳቶም ከኣ ነቶም ዝንዕቁኒ ዘለዉ ዂሉ ግዜ፡ እግዚኣብሄርሲ ደሓን ክዀነልኩም እዩ፡ ኢሉ ኣሎ፡ ነቶም ብትሪ ልቦም ዝመላለሱ ዂላቶም ድማ፡ ገለ ኽፉእ ኣይክወርደኩምን እዩ፡ ይብልዎም ኣለው። 18ቃሉ ኽርእን ክሰምዕን ኣብ ምኽሪ እግዚኣብሄር ዝወዓለ መን እዩ ጽን ኢሉ ቓሉ ዝሰምዐኸ መን እዩ 19እንሆ፡ ህቦብላ እግዚኣብሄር፡ እቲ ነድሩ ኸም ዘራጊቶ ይወጽእ ኣሎ፡ ኣብ ርእሲ እቶም ረሲኣን ድማ ክወድቕ እዩ። 20ቁጥዓ እግዚኣብሄር ሓሳባት ልቡ ኸይገበረን ከይፈጸመንሲ ኣይክምለስን እዩ። ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ኣጸቢቕኩም ከተስተውዕልዎ ኢኹም። 21ነዞም ነብያት እዚኣቶም ኣይለኣኽክዎምን ግናኸ ጐየዩ፡ ኣነስ ኣይተዛረብክዎምን ግናኸ ንሳቶም ተነበዩ። 22ኣብ ምኽረይ ውዒሎም ነይሮም እንተ ዝዀኑስ፡ ቃላተይ ንህዝበይ መስምዕዎም፡ ካብቲ ኽፉእ መገዶምን ካብ እከይ ግብሮምን ከኣ ምመለስዎም ነይሮም።
23ካንዶ ናይ ቀረባ ኣምላኽ ጥራይ እየ፡ ናይ ርሑቕ ኣምላኽሲ ኣይኰንኩንዶ ይብል እግዚኣብሄር። 24ኣነ ኸይርእዮስ ሰብዶ ኣብ ስዉር ስፍራ ኽሕባእ ይከኣሎ እዩ ይብል እግዚኣብሄር። ሰማይን ምድርን ዝመልእዶ ኣነ ኣይኰንኩን ይብል እግዚኣብሄር። 25ነቲ ሓሊመ፡ ሓሊመ እናበሉ፡ እቶም ብስመይ ሓሶት ዝንበዩ ነብያት ዝበልዎ ሰማዕኩ። 26እዝስ ኣብ ልቢ እቶም ሓሶት ዝንበዩ ነብያት፡ ነብያት ጥበራ ልቦም፡ ክሳዕ መኣዝ ክጸንሕ እዩ 27ከምቲ ኣቦታቶም ምእንቲ በዓል ንስመይ ዝረስዕዎ፡ ንሳቶም በቲ ንሓድሕዶም ዝዛራረቡሉ ሕልምታቶምዶ ንህዝበይ ስመይ ከረስዕዎ ይሓስቡ ኣለዉ 28እቲ ሕልሚ ዝሓለመ ነብዪ ሕልሚ ይዛረብ፡ እቲ ቓለይ ዘለዎ ኸኣ ብሓቂ ቓለይ ይንገር። ሓሰር ምስ እኽሊ እንታይ ኣለዎ ይብል እግዚኣብሄር። 29ቃለይዶ ኸም ሓውን ከምቲ ንኸውሒ ሓሸምሸም ዘብል ሞደሻን ኣይኰነን ይብል እግዚኣብሄር።
30ስለዚ እንሆ፡ ነቶም ንሓድሕዶም ቃለይ ዝሳረቑ ነብያት እጥልቐሎም ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 31እንሆ፡ ነቶም ልሳኖም ኣልዒሎም፡ ይብል ኣሎ፡ ዝብሉ ነብያት እጥልቐሎም ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 32እንሆ፡ ነቶም ሕልሚ ሓሶት ዝንበዩ፡ ንህዝበይ ከኣ እናተዛረቡ ብሓሶቶምን ብድፍረቶምን ዘስሕቱ ነብያት እጥልቐሎም ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነስ ኣይለኣኽክዎምን፡ ኣይኣዘዝክዎምን፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ድማ ዝዓብሱሉ የብሎምን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
33እዚ ህዝቢ እዚ ወይ ነብዪ ወይ ካህን፡ ጾር እግዚኣብሄር እንታይ እዩ፡ ኢሎም እንተ ሓተቱኻ፡ ንስኻ ኸኣ፡ ኣየናይ ጾር እሞ፡ ኢልካ ምለሰሎም። ኣነ ኽድርብየኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 34ነቲ፡ ጾር እግዚኣብሄር፡ ዝብል ነብይን ካህንን ህዝብን፡ ነዚ ሰብኣይ እዝን ንቤቱን ክቐጽዖም እየ። 35ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ፡ እግዚኣብሄር እንታይ ኢሉ እዩ ዝመለሰ እግዚኣብሄርሲ እንታይ እዩ እተዛረበ ደኣ በሉ። 36ንቓላት ህያው ኣምላኽ፡ ናይቲ ኣምላኽና እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ስለ ዝጠዌኹምዎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ቃሉ ጾሩ ክዀኖ እዩ እሞ፡ ድሕርዚ ጾር እግዚኣብሄር ኣይትበሉ። 37ንነብዪ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር እንታይ ኢሉ እዩ ዝመለሰልካ እግዚኣብሄርሲ እንታይ እዩ ዝበለ ኢልካ በሎ። 38ግናኸ ጾር እግዚኣብሄር እንተ በልኩም፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ይዛረብ ኣሎ፡ ጾር እግዚኣብሄር ከይትብሉ ልኢኸ ነጊረኩም ክነሰይ፡ እዛ ጾር እግዚኣብሄር እትብል ቃል ካብ እተውስኡ፡ 39ስለዚ እንሆ፡ ብጥራስ ክርስዓኩም፡ ንኣኻትኩምን ነታ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝሃብክዋ ኸተማን ካብ ገጸይ ኣርሒቐ ኽድርብየኩም እየ። 40ናይ ዘለኣለም ነውርን ዘይርሳዕ ናይ ዘለኣለም ሓፍረትን ኸውርደልኩም እየ።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 24
1ናብከድናጾር ንጉስ ባቢሎን ንኢኮንያስ፡ ወዲ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ፡ ምስ መሳፍንቲ ይሁዳን ጾረብትን ሰራሕቲ ሓጻውንን ካብ የሩሳሌም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ምስ ኣግዓዞም፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር በለስ ዝመልኣ ኽልተ መሶብ፡ ኣብ ቅድሚ መቕደስ እግዚኣብሄር እተነብራ፡ ኣርኣየኒ። 2እታ ሓንቲ መሶብ፡ ከምቲ ፍልም ዝበሰለ በለስ፡ ኣዝዩ ጽቡቕ በለስ ነበራ፡ እታ ሓንቲ መሶብ ድማ ምብላዑ ዘይከኣል ኣዝዩ ሕማቕ በለስ ነበራ። 3ሽዑ እግዚኣብሄር፡ ኤርምያስ፡ እንታይ ትርኢ ኣሎኻ በለኒ። ኣነ ድማ፡ በለስ፡ እቲ ጽቡቕ በለስ ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ፡ እቲ ሕማቕ ከኣ ብምሕማቑ ኽብላዕ ክሳዕ ዘይከኣል ኣዝዩ ሕማቕ እዩ፡ ኢለ በልኩ። 4ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ፡ 5እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ነቶም ካብ እዚ ስፍራ እዚ ናብ ሃገር ከለዳውያን ዝሰደድክዎም ምሩኻት ይሁዳ፡ ከምቲ ጽቡቕ በለስ ገይረ፡ ባህ ኢሉኒ ኽጥምቶም እየ። 6ባህ ኢሉኒ ኣዒንተይ ናባታቶም ከብለን እየ፡ ናብዛ ሃገር እዚኣውን ክመልሶም እየ። ክሃንጾም እየ እሞ ኣይከፍርሶምን፡ ክተኽሎም እየ እሞ ኣይክምንቁሶምን እየ። 7እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡንስ፡ ልቢ ኽህቦም እየ፡ ብምሉእ ልቦም ናባይ ክምለሱ እዮም እሞ፡ ንሳቶም ህዝበይ ክዀኑ እዮም፡ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ። 8ኣነ ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንመሳፍንቱን ነቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝተረፉ ኣብ ሃገር ግብጺ ኸኣ ዝነብሩ ዘለዉ ትርፊ የሩሳሌም፡ ከምቲ ሕማቕ ክብላዕ ክሳዕ ዘይከኣል ኰይኑ ዝሓመቐ በለስ ከምኡ ኽገብሮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 9ኣብቲ ኣነ ዝሰጐጒክዎም ኲሉ ስፍራታት ከኣ ንጸርፍን ንመመሰልን ንመላገጽን ንመርገምን ክዀኑ፡ ኣብ ኲሉ መንግስትታት ምድሪ ንመከራን ንስቓይን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። 10ካብታ ንኣታቶም ነቦታቶምን ዝሃብክዋ ምድሪ ኽሳዕ ዝጠፍኡ፡ ሰይፍን ጥሜትን ፌራን ክሰደሎም እየ።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 25
1-2ኣብ ራብዓይቲ ዓመቱ ንዮኣቂም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ንነብካዱነጻር ንጉስ ባቢሎን ከኣ ቀዳመይቲ ዓመቱ፡ ብዛዕባ ዂሎም ህዝቢ ይሁዳ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ፡ ነብዪ ኤርምያስ ድማ ንዂሉ ህዝቢ ይሁዳን ንዂላቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩን ከምዚ ኢሉ ዝኣወጆ ቓል እዚ እዩ፡ 3ካብ መበል ዓሰርተው ሰለስተ ዓመቱ ንዮስያስ፡ ወዲ ኣሞን ንጉስ ይሁዳ፡ ክሳዕ ሎሚ፡ በዘን ዕስራን ሰለስተን ዓመት ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ፡ ኣነውን ነገርኩኹም፡ ኣንገንጊሀ ነገርኩኹም፡ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኩምን። 4እግዚኣብሄር ከኣ ንዂሎም እቶም ግዙኣቱ ነብያት ለኣኾም፡ ኣንገንጊሁ ለኣኾም፡ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኩምን፡ ክትሰምዑ ኢልኩምውን ኣእዛንኩም ኣይጸሎኹምን። 5ንሳቶም ከኣ በሉ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ንዘለኣለም ኣለም ዝሃባ ምድሪ ኽትነብሩስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ካብ እኩይ መገድኹምን ካብ እከይ ግብርኹምን ተመለሱ። 6ከተምልኽዎምን ክትሰግዱሎምን ኢልኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስዓቡ፡ ብግብሪ ኣእዳውኩም ኣይተዀርዩኒ፡ ኣነውን ክፉእ ኣይክገብረኩምን እየ። 7ግናኸ ንጒድኣትኩም ደኣ ብግብሪ ኣእዳውኩም ኣኰሬኹምኒ እምበር ኣይሰማዕኩምንን፡ ይብል እግዚኣብሄር። 8ስለዚ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንቓላተይ ስለ ዘይሰማዕኩም፡ 9እንሆ ንዂሎም ዓሌታት ሰሜንን ንነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ግዙኤይን ክነቕሉ ኽልእከሎም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ናብ እዛ ሃገር እዚኣን ናብቶም ዝነብርዋን ናብቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዂላቶም ዝነብርዋን ናብቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዂላቶም ህዝብታትን ከምጽኦም እየ። ብጥራስ ከጥፍኦም እየ፡ ንመሰክሕን መላገጽን ንናይ ዘለኣለም ምድረ በዳን ከኣ ክገብሮም እየ። 10ካባታቶም ድማ ድምጺ ሓጐስን ድምጺ እልልታን ድምጺ መርዓውን ድምጺ መርዓትን ሓጐጒ ምባል መጥሓንን ብርሃን ቀንዴልን ከጥፍእ እየ። 11ኲላ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ክትባድምን ክትዖኑን እያ፡ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ከኣ ሰብዓ ዓመት ንንጉስ ባቢሎም ክግዝኡ እዮም። 12እተን ሰብዓ ዓመት ምስ መልኣ ድማ፡ ንንጉስ ባቢሎንን ነቲ ህዝቢ እትን ክቐጽዖም እየ፡ ንሃገር ከለዳውያን ከኣ ብሰሪ ኣበሳኦም ንሓዋሩ ኸባድማ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 13ነቲ ብዛዕባ እዛ ሃገር እዚኣ እተዛረብክዎ ዂሉ ቓላትን፡ ነቲ ኣብ እዚ መጽሓፍ እዚ ተጻሒፉ ዘሎ ዂሉ፡ ኤርምያስ ከኣ ኣብ ኲሎም እቶም ህዝብታት እተነበዮን ኣብዛ ሃገር እዚኣ ተስፋ ኸምጽኦ እየ። 14ንኣታቶም ድማ ብዙሓት ህዝብን ዓበይቲ ነገስታትን ክገዝእዎም እዮም፡ ኣነውን ከም ተግባሮምን ከም ግብሪ ኢዶምን ክፈድዮም እየ። 15እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ እንካ እዛ ጽዋእ ናይ ቁጥዓ ወይኒ ኻብ ኢደይ ውሰዳ እሞ ነቶም ኣነ ናብኦም ዝልእከካ ህዝብታት ኲሎም ኣስትዮም፡ 16ክሰትዩን ሰንከልከል ክብሉን፡ ብሰሪ እቲ ኣነ ዝሰደሎም ሰይፊ ኸኣ ክዓብዱን እዮም፡ በለኒ። 17ኣነ ድማ ነታ ጽዋእ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ወሰድክዋ እሞ ነቶም እግዚኣብሄር ናብኦም ዝለኣኸኒ ህዝብታት ኲሎም ኣስቴኽዎም፡ 18ከምቲ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ፡ ንምድረበዳን ንመሰክሕን ንመላገጽን ንመርገምን ምእንቲ ክዀኑ፡ ንየሩሳሌምን ንኸተማታት ይሁዳን ንነገስታታን መሳፍንታን፡ 19ንፈርኦን ንጉስ ግብጽን ንገላውኡን ንመሳፍንቱን ንዂሉ ህዝቡን፡ 20ንዂሎም ሕውስዋስ ህዝብን ንዂሎም ነገስታት ሃገር ፍልስጥኤምን ንኣስቃሎንን ንጋዛን ንዔቅሮንን ንተረፍ ኣሽዶድን፡ 21ንኤዶምን ንሞኣብን ንደቂ ዓሞንን፡ 22ንዂሎም ነገስታት ጢሮስን ንዂሎም ነገስታት ደሴታትን፡ 23ንዴዳንን ንቴማን ንቡዝን ነቶም ጸጒሮም ወሰነ ወሰን ዝላጽዩ ዂሎምን፡ 24ንዂሎም ነገስታት ዓረብን ንዂሎም ነገስታት እቶም ኣብ ምድረ በዳ ዝነብሩ ህውስዋስ ህዝብታትን፡ 25ንዂሎም ነገስታት ዝምርን ንዂሎም ነገስታት ዓረብን ንዂሎም ነገስታት ዔላምን ንዂሎም ነገስታት ሜዶንን፡ 26ንዂሎም ነገስታት ሰሜንን፡ ንዝረሓቑን ንዝቐረቡን፡ ነዝን ነትን፡ ንዂሎም ኣብ ዝባን ምድሪ ዘለዉ መንግስታት ዓለምን ኣስቴኽዎም፡ ንጉስ ሺወኽ ድማ ድሕሪኦም ክሰቲ እዩ። 27ንስኻ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ስተዩ፡ ስኸሩ፡ ትፍኡ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣነ ዝሰደልኩም ሰይፊ ኸኣ ውደቑ እሞ መሊስኩም ኣይትተንስኡ፡ ይብል ኣሎ፡ ክትብሎም ኢኻ። 28ከይሰተዩ ድማ ነታ ጽዋእ ካብ ኢድካ ምቕባል እንተ ኣበዩ፡ እግዚኣብሄር ጎይታ ሰራዊት፡ ምስታይሲ ኽትሰትዩ ኢኹም፡ ይብል ኣሎ፡ ክትብሎም ኢኻ። 29እንሆ፡ በታ ስመይ እተሰምየት ከተማ ምቕጻዕ እጅምር ኣሎኹ፡ እሞኸ ንስኻትኩምዶ ኸይተቐጻዕኩም ክትተርፉ ኢኹም። ኣብ ምድሪ ንዝነብሩ ዂላቶም ሰይፊ ኽጽውዓሎም እየ እሞ፡ ከይተቐጻዕኩምሲ ኣይክትተርፉን ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 30ስለዚ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ካብ ላዕሊ ኽጭድር፡ ካብቲ ቅዱስ ስፍራኡ ኸኣ ድምጹ ኸስምዕ፡ ንመጓሲኡ ኣበርቲዑ ኽጭድረሉ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዂላቶም ድማ ከም ጭድርታ ረገጽቲ ወይኒ ይጭድረሎም ኣሎ፡ ኢልካ ዂሉ እዚ ቓላት እዚ ተነበየሎም። 31እግዚኣብሄር ምስ ህዝብታት ነገር ገይሩ ስጋ ንዝለበሰ ዂሉ ኸኣ ክፈርድ እዩ እሞ፡ እቲ ህማም ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኽበጽሕ እዩ። ነቶም ረሲኣን ድማ ንኣደዳ ሰይፊ ኽምጥዎም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 32እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ መዓት ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ኽሓልፍ፡ ብርቱዕ ህቦብላ ኸኣ ካብ ወሰን ምድሪ ኽለዓል እዩ። 33በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ቅቱላት እግዚኣብሄር ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ለም ክብሉ እዮም። ኣብ ዝባን ምድሪ ንድዂዒ ክዀኑ እዮም እምበር፡ ኣይክብከዮምን እዩ፡ ኣይክእከቡን ኣይክቕበሩን ድማ እዮም። 34እተን እትሕረዱለን መዓልታት በጺሐን እየን፡ ኣነ ኽሰባብረኩም እየ፡ ከም ክብርቲ ኣቕሓውን ክትወድቁ ኢኹም እሞ፡ ኣቱም ጓሶት፡ ዋይዋይ በሉን ጨርሑን፡ ኣቱም መራሕቲ መጓሰ፡ ኣብ ሓመድ ጠንቀላዕላዕ በሉ። 35እቶም ጓሶት ምህዳም ክስእኑ፡ እቶም መራሕቲ መጓሰ ድማ ኣይከምልጡን እዮም። 36እግዚኣብሄር ነቲ ዝጓሰዩሉ ምድሪ የጥፍኦ ኣሎ እሞ፡ ናይ ጓሶት ዋይዋይ ምባልን ናይቶም መራሕቲ መጓሰ ኣውያትን ይስማዕ ኣሎ። 37ካብ ነድሪ ቑጥዓ እግዚኣብሄር እተላዕለ እታ ማሕደር ሰላም ትጽሙ። 38ካብ ጭከና ሰይፍን ካብ ነድሪ ቑጥዓኡን እተላዕለ ሃገሮም ባዲማ እያ እሞ፡ ከም ኣንበሳ ነታ መሕብኢኡ ሓደጋ።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 26
1ኣብ መጀመርታ መንግስቲ ዮኣቂም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ እዚ ኸምዚ ዝብል ቃል ካብ እግዚኣብሄር መጸ፡ 2እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብቲ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር ቁም እሞ ንዂለን እተን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክሰግዳ ዝመጻ ኸተማታት ይሁዳ እዚ ኣነ ኽትነግረን ኢለ ዝእዝዘካ ዘለኹ ዂሉ ቓላት፡ ሓንቲ ቓል እኳ ኸየጒደልካ ንገረን። 3ምናልባሽ እንተ ሰምዑ፡ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ካብ እኩይ መንገዶም እንተ ተመልሱ፡ ኣነውን እቲ ብሰሪ እኩይ ግብሮም ከውርደሎም ኢለ ዝኣመምክዎ መዓት ክጥዓሰሉ እየ። 4እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ኸኣ ንገሮም፡ በቲ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርክዎ ሕገይ ክትመላለሱ እንተዘይሰማዕኩምኒ፡ 5ንቓላት እቶም ክትሰምዑ ኢለ ናባኻትኩም ዝልእኮም ዘሎኹ፡ ኣንገንጊሀ ዝለኣኽኩልኩም ግዙኣተይ ነብያት፡ ንስኻትኩምሲ ኣይሰማዕኩምን፡ 6ኣነ ድማ ነዛ ቤት እዚኣ ኸም ሲሎ ኽገብራ እየ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣውን ንዂላቶም ህዝብታት ምድሪ ንመራገሚ ኽገብራ እየ። 7ካህናትን ነብያትን ኲሉ ህዝብን ከኣ ኤርምያስ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እዘን ቃላት እዚኤን ክዛረብ ከሎ ሰምዑ። 8-9ኰነ ኸኣ፡ ኤርምያስ እቲ እግዚኣብሄር ንዂሉ ህዝቢ ኽነግሮ ኢሉ ዝኣዘዞ ዂሉ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ካህናትን ነብያትን ኲሉ እቲ ህዝብን፡ ስለምንታይ እዛ ቤት እዚኣ ኸም ሲሎ ኽትከውን እያ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ዝነብረላ ዘይብላ ዀይና ኽትዖኑ እያ፡ ኢልካ ብስም እግዝኣብሄር እተነቤኻ፡ ኢሎም፡ ሞት ክትመውት ኢኻ፡ እናበሉ ሓዝዎ። ኲሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ኤርምያስ ዓጐጐ። 10እቶም መሳፍንቲ ይሁዳ እዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዑ፡ ካብ ቤት ንጉስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየቡ፡ ኣብ ኣፍ እታ ሓዳስ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ተቐመጡ። 11እቶም ካህናትን ነብያትን ድማ ነቶም መሳፍንትን ንዂሉ እቲ ህዝብን፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ነዛ ኸተማ እዚኣ፡ ከምቲ በእዛንኩ ዝሰማዕኩዎ፡ ተነብዩላ እዩ እሞ፡ ሞት ይግብኦ፡ ኢሎም ተዛረብዎም። 12ኤርምያስ ድማ ንዂሎም መሳፍንትን ንዂሉ እቲ ህዝብን፡ እቲ ብዛዕባ እዛ ቤት እዚኣን ብዛዕባ እዛ ኸተማ እዚኣን ዝሰማዕኩምዎ ዂሉ ቃላትሲ፡ እግዚኣብሄር እዩ ኽንበዮ ዝለኣኸኒ፡ ኢሉ ተዛረቦም። 13እምበኣርሲ ኣኻይዳኹምን ግብርኹምን ኣሕሹ፡ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ስምዑ፡ እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ኣባኻትኩም እተዛረቦ መዓት ክጥዓሰሉ እዩ። 14ኣነስ እኔኹ ኣብ ኣእዳውኩም እየ፡ ጽቡቕን ቅኑዕን ኰይኑ እተራእየኩም ግበሩኒ። 15ብሓቂ እግዚኣብሄር እዩ ዂለን እዘን ቃላት እዚኤን ኣብ ኣእዛንኩም ክነግረን ዝለኣኸኒ እሞ፡ እንተ ቐተልኩምኒ፡ ንጹህ ደም ኣብ ርእስኹምን ኣብዛ ኸተማ እዚኣን ኣብቶም ኣብኣ ዝነብሩን ከም እተውርዱ ኣርጊጽኩም ፍለጡ። 16ሽዑ እቶም መሳፍንትን ኲሉ እቲ ህዝብን ነቶም ካህናትን ነብያትን፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ እተዛረበና እሞ፡ ሞት ኣይግብኦን እዩ፡ በልዎም። 17ካብቶም ሽማግሌታት እታ ሃገር ከኣ ተንሲኦም ንዂሉ እቲ ኣኼባ ህዝቢ ኸምዚ ኢሎም ተዛረብዎ፡ 18ሚካ ሞራሽታይ ብዘመን ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ጽዮን ከም ግራት ክትሕረስ፡ የሩሳሌም ኲምራ እምኒ ኽትከውን፡ እቲ ደብሪ መቕደስ ከኣ ኲርባ ዱር ክኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኢሉ ተነብዩ ንዂሉ ህዝቢ ይሁዳ ነገሮ። 19ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳን ኲሎም ይሁዳንዶ ኣቕቲሎምዎ እዮም፡ ንእግዚኣብሄር ፈሪሁዶ ኣይኰነን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እተማህለለ፡ እግዚኣብሄርሲ እቲ ጠሊቑሎም ዝነበረ መዓትዶ ኣይተጣዕሰሉን፡ ንሕና ኸኣ ከምኡ ኣብ ነፍስና ዓብዪ መዓት መውረድና። 20ሓደ ብስም እግዚኣብሄር እተነበየ ሰብኣይ፡ ኡርያ፡ ወዲ ሸማዕያ ብዓል ቂርያት-የሪዓም፡ ነበረ። ንሱ ኸኣ ከም ኲለን ቃላት ኤርምያስ ገይሩ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣን ነዛ ሃገር እዚኣን ተነበየለን። 21ንጉስ ዮኣቂምን ኲሎም ጀጋኑኡ ኲሎም መሳፍንቱን ቃላቱ ምስ ሰምዑ፡ እቲ ንጉስ ክቐትሎ ደለየ። ኡርያ ምስ ሰምዖ ግና፡ ፈርሀ፡ ሃዲሙ ኸኣ ናብ ግብጺ ኸደ። 22ሽዑ ንጉስ ዮኣቂም ናብ ግብጺ ሰባት ለኣኸ።ንኤልናታን ወዲ ኣክቦር:ምስኡ ኸኣ ሓያሎ ሰባት ገይሩ ናብ ግብጺ ለኣኾ:: 23ንሳቶም ድማ ንኡርያ ኻብ ግብጺ ኣውጽእዎ፡ ናብ ንጉስ ዮኣቂም ከኣ ኣምጽእዎ። ንሱ ድማ ብሰይፊ ወቕዖ፡ ሬሳኡውን ኣብቲ መቓብር ማንም ህዝቢ ደርበዮ። 24ንኤርምያስ ክቐትልዎ ኢሎም ኣብ ኢድ እቲ ህዝቢ ኣሕሊፎም ከይህብዎ ግና፡ ኢድ ኣሂቃም ወዲ ሻፋን ምስኡ ነበረት።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 27
1ኣብ መጀመርታ መንግስቲ ዮኣቂም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ እዚ ኸምዚ ዝብል ቃል ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ፡ 2እግዚኣብሄር ከምዚ በለኒ፡ መእሰርን ኣርዑትን ንኣኻ ግበር እሞ ኣብ ክሳድካ ኣእትዎ። 3ንእኡ ኸኣ ናብ ንጉስ ኤዶምን ናብ ንጉስ ሞኣብን ናብ ንጉስ ደቂ ዓሞንን ናብ ንጉስ ጢሮስን ናብ ንጉስ ሲዶንን በቶም ናብ ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ናብ የሩሳሌም ዝመጹ ልኡኻት ጌርካ ስደዶ። 4እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢሎም ንጐይተቶም ክነግርዎም ኣዝዞም፡ ንጐይተትኩም ከምዚ በልዎም፡ 5ኣነ እየ፡ በቲ ዓብዪ ስልጣነይን በታ ዝርግሕቲ ቕልጽመይን ገይረ፡ ንምድርን ነቶም ኣብ ዝባን ምድሪ ዝነብሩ ሰብን እንስሳን ዝገበርኩ፡ ቅኑዕ ኰይኑ ንዝተራእየኒ ድማ እየ ዝህባ። 6እምበኣርሲ ዂለን እዘን ሃገራት እዚኣተን ኣብ ኢድ ግዙኤይ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ሂበየን፡ እንስሳ መሮርውን ክግዝእዎ ሂበዮ እየ። 7ኲሎም ህዝብታት ከኣ ንእኡን ንወዱን ንወዲ ወዱን ክግዝእዎ እዮም። እዚ ድማ፡ ግዜ ሃገሩ ኽሳዕ ዝበጽሕ እዩ። ሽዑ ብዙሓት ህዝብታትን ዓበይቲ ነገስታትን ግዙእ ክገብርዎ እዮም። 8ክኸውን ድማ እዩ። እቲ ንነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዘይግዛእ፡ ክሳዱ ኸኣ ትሕቲ ኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ለጠቕ ዘየብል ህዝብን መንግስትን፡ ነቲ ህዝቢ እቲ ኣነ ብኢዱ ገይረ ኽሳዕ ዘጥፍኦ፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ክቐጽዖ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 9-10ምእንቲ ኣነ ኽሰጐኩምን ክትጠፍኡንሲ፡ ካብ ሃገርኩም ከርሕቑኹም ኢሎም እዮም ሓሶት ዝንበዩልኩም ዘለዉ እሞ፡ ንስኻትኩም ነቶም፡ ንንጉስ ባቢሎን ኣይክትግዝኡን ኢኹም፡ ዝብሉኹም ነብያትኩምን ዝፈልጡልኩምን ሰብ ኣስማትኩምን ኣይትስምዕዎም። 11ነቲ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ክሳዱ ለጠቕ ዘብልን ዝግዝኦን ህዝቢ ግና ኣብ ሃገሩ ኽሓድጎ እየ፡ ክሓርሳን ኣብኣ ኽነብርን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 12ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ድማ ከም ኲለን እዘን ቃላት እዚኣተን ገይረ፡ ክሳውድኹም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ለጠቕ ኣብሉ፡ ንእኡን ንህዝቡን ከኣ ተገዝኡ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም፡ ኢለ ነገርክዎ። 13ስለምንታይ ኢኹም፡ ንስኻን ህዝብኻን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቲ ንንጉስ ባቢሎን ዘይተገዝአ ህዝቢ እተዛረቦ ዄንኩም፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን እትሞቱ 14እቶም ንንጉስ ባቢሎን ኣይክትግዝኡን ኢኹም፡ ዝብሉኹም ነብያትሲ:ሓሶት እዮም ዝንበይልኩም ዘለዉ እሞ፡ ቃላቶም ኣይትስምዑ። 15ኣነ ምእንቲ ኽሰጐኩም፡ ንስኻትኩምን እቶም ዝንበዩልኩም ነብያትን ድማ ክትጠፍኡስ፡ ብስመይ ሓሶት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እምበር፡ ኣነ ኣይለኣኽክዎምን፡ ይብል እግዚኣብሄር። 16ንኻህናትን ንዂሉ እዚ ህዝቢ እዝን፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢለ ኸኣ ተዛረብኩ፡ እንሆ፡ እቲ ኣቓሑ ቤት እግዚኣብሄር ሕጂ ብቕልጡፍ ካብ ባቢሎን ክምለስ እዩ፡ ኢሎም ዝንበዩልኩም ዘለዉ ነብያትኩምሲ፡ ሓሶት እዩ ዝንበዩልኩም ዘለዉ እሞ፡ ቃላቶም ኣይትስምዑ። 17ኣይትስምዕዎም። ብህይወት ክትነብሩስ፡ ንንጉስ ባቢሎን ደኣ ተገዝኡ። ስለምንታይ እዛ ኸተማ እዚኣ ትዖኑ፡ 18ነብያት እንተ ዀይኖም፡ ቃል እግዚኣብሄር ከኣ እንተ ደኣ ኣልይዎምሲ፡ እዚ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ቤት ንጉስ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ተሪፉ ዘሎ ኣቓሑ ናብ ባቢሎን ከይውሰድ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ይለምኑ። 19-20ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ንኢኮንያ፡ ወዲ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳን ንዂላቶም ጭዋታት ይሁዳን የሩሳሌምን ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ክማርኾም ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ንጉስ ባቢሎን ዘይወስዶ ኣዕኑድን ባሕርን መናብርን ብዛዕባ እቲ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ተሪፉ ዘሎ ዂሉ ኣቓሑን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ 21እምበኣርሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ቤት ንጉስ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ተሪፉ ዘሎ ኣቓሑስ እግዚኣብሄር፡ ጎይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ 22ናብ ባቢሎን ክውሰድ፡ ክሳዕ ኣነ ዝዝክሮ መዓልቲ ከኣ ኣብኡ ኽጸንሕ እዩ፡ ናብዚ ስፍራ እዚውን ከውጽኦን ክመልሶን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 28
1ኰነ ድማ፡ በታ ዓመት እቲኣ ብመጀመርታ መንግስቱ ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብታ ራብዓይቲ ዓመት ኣብ ሓምሳይ ወርሒ፡ ሃናንያ፡ ወዲ ነብዪ ዓዙር ብዓል ጊብኦን፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናትን ኲሉ ህዝብን ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፡ 2እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነቲ ኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ሰቢረዮ እየ፡ 3ነቲ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ካብዛ ስፍራ እዚኣ ናብ ባቢሎን ዝወሰዶ ዂሉ ኣቓሑ ቤት እግዚኣብሄር ኣብዘን ክልተ ዓመት ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኸምልሶ እየ። 4ነርዑት ንጉስ ባቢሎን ክሰብሮ እየ እሞ፡ ንኢኮንያ፡ ወዲ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳን ንዂላቶም ናብ ባቢሎን ዝኸዱ ምሩኻት ይሁዳን ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽመልሶም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 5ሽዑ ነብዪ ኤርምያስ ንነብዪ ሃናንያ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናትን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ቈይሙ ዝነበረ ዂሉ ህዝብን መለሰሉ። 6ነብዪ ኤርምያስ ድማ በለ፡ ኣሜን። እግዚኣብሄር ይግበሮኸ። እቲ ኣቓሑ ቤት እግዚኣብሄርን ኲላቶም ምሩኻትን ካብ ባቢሎን ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽምለሱስ፡ ነቲ እተነቤኻዮ ቓላትካ እግዚኣብሄር የጽንዓዮ። 7ግናኸ ነቲ ኣብ እዝንኻን ኣብ እዝኒ ዂሉ እዚ ህዝቢ እዝን ዝዛረቦ ዘለኹ ቓል ስማዕ፡ 8እቶም ቅድመይን ቅድሜኻን ካብ ጥንቲ ዝነበሩ ነብያት ኣብ ብዙሕ ሃገራትን ኣብ ዓበይቲ መንግስታትን ብናይ ውግእን ብናይ መዓትን ብናይ ፌራን ተነበዩ። 9እቲ ሰላም ዝንበ ነብዪ፡ ቃል እቲ ነብዪ እቲ ምስ ተፈጸመ እዩ ብሓቂ ነቲ ነብዪ እቲ እግዚኣብሄር ከም ዝለኣኾ ዝፍለጥ። 10ሽዑ ነብዪ ሃናንያ ነቲ ኣርዑት ካብ ክሳድ ነብዪ ኤርምያስ ወሲዱ ሰባበሮ። 11ሃናንያ ኸኣ፡ ከምዚ ገይረ ነርዑት ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ካብ ክሳድ ኲላቶም ህዝብታት ኣብዘን ክልተ ዓመት ክሰብሮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኢሉ ኣብ ቅድሚ ዂሉ እቲ ህዝቢ ተዛረበ። ነብዪ ኤርምያስ ከኣ መገዱ ኸደ። 12ነብዪ ሃናንያ ነቲ ኣርዑት ካብ ክሳድ ነብዪ ኤርምያስ ወሲዱ ምስ ሰባበሮ፡ ሽዑ ኸምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ፡ 13ናብ ሃናንያ ኺድ እሞ፡ ኣርዑት ዕጨይቲ ሰበርካ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ኣርዑት ሓጺን ክትገብር ኢኻ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 14ንነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን፡ ምእንቲ ኽግዝኡስ፡ ክግዝኡ ኸኣ እዮም፡ እንስሳ መሮር እኳ ሂበዮ ኣሎኹ እሞ፡ ኣርዑት ሓጺን ኣብ ክሳድ ኲሎም እዞም ህዝብታት እዚኦም ኣእትየ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ኢልካ በሎ። 15-16ነብዪ ኤርምያስ ከኣ ንነብዪ ሃናንያ፡ ሃናንያ፡ ስማዕ እግዚኣብሄር ኣይለኣኸካን፡ ንስኻ ግና ነዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ሓሶት ክውከል ኣስሓትካዮ። ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ካብ ዝባን ምድሪ ኸርሕቐካ እየ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ዕልወት ተዛሪብካ ኢኻ እሞ፡ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ኽትመውት ኢኻ፡ ኢሉ ነገሮ። 17ሽዑ ነብዪ ሃናንያ በታ ዓመት እቲኣ ኣብ ሳብዓይ ወርሒ ሞተ።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 29
1-2ንጉስ ኢኮንያን እታ ንግስቲ ኣዲኡን እቶም ሰብ መዋእልን መሳፍንቲ ይሁዳን የሩሳሌምን እቶም ጸረብትን ሓጓዶን ካብ የሩሳሌም ምስ ወጹ፡ ነቶም ኣብ ምርኮ ዝተረፉ ጭዋታትን ነቶም ካህናትን ነብያትን ንዂሉ እቲ ነቡካድነጻር ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ዝማረኾ ህዝብን፡ ነብዪ ኤርምያስ ካብ የሩሳሌም ዝሰደደሎም ቃላት ደብዳበ እዚኣተን እየን። 3እታ ደብዳበ ብኢድ እቶም ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ናብ ባቢሎን ናብ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዝለኣኾም ኤልዓሳ፡ ወዲ ሻፋንን ገማርያ ወዲ ህልቅያን እተላእከት ከምዚ እትብል እያ፡ 4እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ንዂላቶም ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ዘማረኽክዎም ምሩኻት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ 5ቤት ስርሑ እሞ ንበሩላ፡ ኣታኽልቲ ትኸሉ እሞ ፍሪኡ ብልዑ። 6ኣንስቲ ኣእትዉ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ውለዱ። ነወዳትኩምን ነዋልድኩምን ከኣ ኣተኣታትዉ፡ ንሳቶም ድማ ኣወዳትን ኣዋልድን ይውለዱ። ኣብቲ ዘሎኹምዎ ብዝሑ እምበር፡ ኣይትውሓዱ። 7ደሓን እታ ኣነ ናብኣ ዘማረኽኩኹም ከተማ ድለዩ። ብደሓና ደሓን ክትረኽቡ ኢኹም እሞ፡ ስሊኣ ንእግዚኣብሄር ለምኑ። 8-9እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቶም ኣብ ማእከልኩም ዝነብሩ ነብያትን ጠንቈልትን ብስመይ ሓሶት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ፡ ኣነ ኸኣ ኣይለኣኽክዎምን እሞ፡ ብኣታቶም ኣይትጠበሩ፡ በቲ እተሕልምዎ ሕልምኹምውን ኣይትተኣመኑ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 10እግዚኣብሄርሲ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ ንባቢሎን ሰብዓ ዓመት ምስ መልአ፡ ክዝክረኩም እየ እሞ፡ ናብ እዛ ስፍራ እዚኣ ከም እትምለሱ ገይረ ነቲ ጽቡቕ ቃለይ ክፍጽመልኩም እየ። 11ኣነ ዝሓስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር። 12ክትጽውዑኒ፡ መጺእኩም ድማ ክትልምኑኒ ኢኹም እሞ ክሰምዓኩም እየ። 13ብምሉእ ልብኹም እንተ ደሌኹምንስ፡ ክትደልዩኒ ክትረኽቡኒውን ኢኹም። 14ክርከበልኩም፡ ንምምራኽኩም ክመልሶ፡ ካብ ኲሎም እቶም ናባታቶም ዝሰጐጒኩኹም ህዝብታትን ስፍራታትን ድማ ክእክበኩም እየ። ናብቲ ኻብኡ ዘማረኽኩኹም ስፍራውን ክመልሰኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 15እግዚኣብሄርሲ ኣብ ባቢሎን ነብያት ኣተንሲኡልና ኣሎ፡ ትብሉ ኣሎኹም። 16እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝፋን ዳዊት እተቐመጠ ንጉስን ብዛዕባ እቶም ምሳኻትኩም ዘይተማረኹ ኣሕዋትኩም፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝነብር ዘሎ ዂሉ ህዝብን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ 17እንሆ፡ ሰይፍን ጥሜትን ፌራን ክሰደሎም እየ፡ ከምቲ ኻብ ምኽፋኡ እተላዕለ ኽብላዕ ዘይከኣል ሕማቕ በለስ ክገብሮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 18ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ክሰጎም እየ፡ ኣብ ኲሎም መንግስታት ምድሪ ኸኣ ፋሕ ከብሎም፡ ኣብ ኲሎም እቶም ኣነ ናባታቶም ዝሰጐጒክዎም ህዝብታት ድማ ንመራገምን ንመስደመምን ንመላገጽን ንመጻረፍን ክዀኑ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። 19እዚውን ነተን ኣንገንጊሀ እናለኣኽክዎም፡ ብግዙኣተይ ነብያት ገይረ ዝለኣኽወን ቃላተይ ምስማዕ ስለ ዝኣበዩ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 20እምበኣርሲ ኣቱም ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ዝሰደድኩኹም ምሩኻት፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ። 21ብዛዕባ እዞም ብስመይ ሓሶት ዝንበዩልኩም ዘለዉ ኣሃብ ወዲ ቆላያን ብዛዕባ ጼድቅያስ ወዲ መኣስያን እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ ኢድ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ክምጥዎም እየ፡ ንሱውን ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ክቐትሎም እዩ። 22ካባታቶም ከኣ ኣብቶም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ዂላቶም ምሩኻት ይሁዳ፡ እግዚኣብሄር ከምቶም ንጉስ ባቢሎን ኣብ ሓዊ ዝጠበሶም ጼድቅያስን ኣሃብን ይግበርካ፡ ዝብል መራገሚ ኽወጽእ እዩ። 23ኣብ እስራኤል ዕሽነት ስለ ዝገበሩ፡ ኣብ ኣንስቲ ብጾቶም ስለ ዝዘመዉ፡ ኣነ ዘይኣዘዝክዎም ቃላት ሓሶት ብስመይ ስለ እተዛረቡ እዩ። ነዚ ኸኣ ኣነ እየ ዝፈልጦ እሞ ምስክር እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 24ንሸማዕያ ብዓል ኔሕላም ከምዚ ኢልካ ኽትነግሮ ኢኻ፡ 25እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ደብዳበ ብስምካ ጽሒፍካ፡ ንዂሉ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ ህዝብን ናብ ጸፋንያ፡ ወዲ መኣኣስያ እቲ ኻህንን ናብ ኲላቶም ካህናትን ከምዚ ኢልካ ሰደድካ፡ 26እግዚኣብሄር፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ሓለቓ ዄንካ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣእምሮኡ ዘው ዝበሎ እሞ ዝንበ ሰብሲ፡ መቑሕ እግርን መንቈርን ክትመልሰሉ ኢሉ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ኻህን ይሆያዳ ካህን ገይሩ ሸመካ። 27-28እምበኣርሲ ስለምንታይ ደኣ ነቲ ዝንበየልኩም ዘሎ ንኣና ኸኣ፡ ነዊሕ ግዜ ተሪፉ ኣሎ፡ ኣባይቲ ስርሑ እሞ ንበሩሉ፡ ኣታኽልቲ ትኸሉ እሞ ፍሪኡ ብልዑ፡ ኢሉ ናብ ባቢሎን ዝለኣኸና፡ ኤርምያስ ብዓል ኣናቶት ዘይገናሕካዮ፡ 29ጸፋንያ እቲ ካህን ከኣ ነዛ ደብዳበ እዚኣኣ ኣብ እዝኒ ነብዪ ኤርምያስ ኣንበባ። 30ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ ናብ ኤርምያስ መጸ፡ 31ናብ ኲሎም እቶም ምሩኻት ልኢኽካ በሎም፡ ብዛዕባ ሸማዕያ ብዓል ኔሕላም እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሸማዕያ ኣነ ዘይለኣኽክዎስ፡ ስለ እተነበየልኩም ኣብ ሓሶት ከኣ ስለ ዘወከልኩም፡ 32ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ዕልወት ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ንሸማዕያ ብዓል ኔሕላምን ንዘርኡን ክቐጽዖም እየ። ኣብ ማእከል እዚ ህዝቢ እዚ ዝነብር ሓደ እኳ ኣይክህልዎን እዩ፡ እቲ ኣነ ንህዝበይ ዝገብረሉ ሰናይ ድማ ኣይክርእን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 30
1እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ዝብል እዩ፡ 2እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ነዘን ዝነገርኩኻ ቓላት ኲለን ኣብ መጽሓፍ ጽሓፈን፡ ይብል ኣሎ። 3እንሆ፡ እተን ንህዝበይ እስራኤልን ይሁዳን ካብ ምርኮ ዝመልሰለን መዓልትታት ክመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ናብታ ነቦታቶም ዝሃብክዋ ሃገር ከኣ ክመልሶም እየ፡ ንሳቶምውን ክርስተይዋ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 4እተን እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤልን ብዛዕባ ይሁዳን እተዛረበን ቃላት እዚኣተን እየን፡ 5ከምዚ ይብል እግዚኣብሄር፡ ናይ ደሓን ዘይኰነስ ድምጺ ረዓድን ስምባድን ሰማዕና እሞ፡ 6ተባዕታይ ዝወልድ እንተ ዀነስ፡ ጠይቑን ተምልከቱን። ስለምንታይ ደኣ እየ ዂሎም እቶም ሰብኡት፡ ከምታ ንምውላድ እትጽዕር ሰበይቲ ዀይኖም፡ ኣእዳዎም ኣብ ሕቑኦም ገይሮም ኲሉ ገጽውን ተዳሂሉ ዝርኢ ዘለኹ። 7ወዮ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ዓባይ እያ እሞ፡ ዝመዓራረያ የልቦን። ንያእቆብ ግዜ ጸበባኡ እዩ፡ ግናኸ ካብኡ ኽድሕን እዩ። 8-9በታ መዓልቲ እቲኣ ክኸውን እዩ፡ ኣርዑቱ ኻብ ክሳድካ ኽሰብር፡ መእሰሪታትካ ድማ ክበትኽ እየ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን ነቲ ኣነ ዘተንስኣሎም ዳዊት ንጉሶምን ክግዝኡ እዮም እምበር፡ ድሕሪ እዝስ ጓኖት ኣይክገዝእዎን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 10እምበኣርሲ እንሆ፡ ኣነ ንኣኻ ኻብ ርሑቕ፡ ንዘርእኻ ድማ ካብቲ እተማረኹሉ ሃገር ከድሕን እየ። ያእቆብ ክምለስ እዩ። ብዕረፍትን ህድኣትን ክትነብር እዩ፡ ዘፍርሆ ኸኣ የልቦን እሞ፡ ኣታ ያእቆብ ባርያይ፡ ኣይትፍራህ፡ ንስኻ እስራኤልውን ኣይትሰምብድ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 11ምእንቲ ኸድሕነካስ ኣነ ምሳኻ እየ፡ ነቶም ናባታቶም ፋሕ ዘበልኩኻ ዂላቶም ህዝብታት ብጥራስ ከጥፍኦም እየ፡ ንኣኻ ግና ብጥራስ ኣይከጥፍኣካን፡ ብልክዕ ደኣ እየ ዝግስጸካ እምበር፡ ከይቀጻዕኩስ ምንም ኣይሓድገካን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 12እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ መውቃዕትኺ ዘይሓዊ፡ ቁስልኺ ድማ ብርቱዕ እዩ። 13ክትስፈፊ ኢሉ፡ ነገርኪ ዝጣበቐልኪ የልቦን፡ ዘሕዊ ፈውሲ ከኣ የብልክን። 14ብሰሪ ዕቤት ኣበሳኺ፡ ሓጢኣትኪ እናወሰኸ ስለ ዝኸደ፡ ብናይ ጸላኢ መውቃዕቲ፡ ብናይ ጨካን መቕጻዕቲ ገይረ ወቒዐኪ እየ እሞ፡ ኲሎም ፈተውትኺ ረሲዖምኺ፡ ግድኺ እኳ የብሎምን። 15ስለምንታይ ኢኺ ብሰሪ መውቃዕትኺ ኡይ እትብሊ ዘሎኺ ቃንዛኽስ ዘይሓዊ እዩ። ብሰሪ ዕቤት ኣበሳኺ፡ ሓጢኣትኪ እናወሰኸ ስለ ዝኸደ፡ እዚ ገበርኩኺ። 16እቶም ዝበልዑኺውን ክብልዑ፡ ተጻረርትኺ ዘበሉ ዂላቶም ክማረኹ፡ ኲሎም ገፈፍትኺ ኽግፈፉ እዮም፡ ንዂሎም ዘማቶኺ ድማ ንዘመተ ኽምጥዎም እየ። 17እታ ድርብይቲ ሓደ እኳ ግዳ ዘይገብር ጽዮን፡ ኢሎም ሰምዮምኺ እዮም እሞ፡ ኣነ ኸጥዕየኪ ንቑስልኺውን ከሕውዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 18እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ ንድንኳናት ያእቆብ ካብ ምርኮ ኽመልስ፡ ነቲ ዝነብረሉ ስፍራታት ከኣ ክድንግጸሉ እየ። እታ ከተማ ድማ ኣብቲ ዂርባታታ ኽትስራሕ እያ፡ እቲ ኣዳራሽ ከኣ ከምቲ ስርዓቱ መሳፍሮ ክኸውን እዩ። 19ካብኦም ድማ ምስጋናን ድምጺ ሕጉሳትን ክወጽእ እዩ። ከብዝሖም እየ እሞ ኣይክውሕዱን፡ ከኽብሮም እየ እሞ ኣይክዋረዱን እዮም። 20ደቆም ከም ቀደም ክዀኑ እዮም፡ ማሕበሮም ድማ ኣብ ቅድመይ ክትቀውም እያ። ኣነውን ንዂሎም ጠቓዕቶም ክቐጽዖም እየ። 21መስፍኖም ካባታቶም ክኸውን፡ ገዛኢኦም ከኣ ካብ ማእከሎም ክወጽእ እዩ፡ መን እሞ እዩ ናባይ ክቐርብ ኢሉስ ንልቡ ትሕጃ ዝህብ፡ ኣነ ደኣ እየ ዘቕርቦ፡ ንሱውን ክቐርበኒ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 22ንስኻትኩም ህዝቢ ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ኣነ ኸኣ ኣምላኽ ክዀነኩም እየ። 23እንሆ፡ ናይ እግዚኣብሄር ህቦብላ ነድሩ ይወጽእ፡ እቲ ህቦብላ ኣብ ርእሲ ረሲኣን ተወንጪፉ ይወርድ። 24እቲ ርሱን ቁጥዓ እግዚኣብሄር፡ ነቲ ሓሳባት ልቡ ኸይገበረን ከይፈጸመን ኣይክምለስን እዩ። ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከተስተውዕልዎ ኢኹም።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 31
1በቲ ግዜ እቲ ኣነ ኣምላኽ ኲላቶም ዓሌት እስራኤል ክኸውን እየ፡ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ክዀኑ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 2እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቲ ኻብ ሰይፊ ዘምለጠ ህዝቢ ኣብ በረኻ ጸጋ ረኸበ። ንእስራኤል ከዕርፎ እኸይድ ኣሎኹ። 3እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ ተራእየኒ፡ ብናይ ዘለኣለም ፍቕሪ ኣፍቀርኩኺ፡ ስለዚ ኸኣ ብምሕረት ሰሓብኩኺ። 4ኣቲ ድንግል እስራኤል፡ ከም ብሓድሽ ክሃንጸኪ እየ እሞ ኽትህነጺ ኢኺ። ከም ብሓድሽ ድማ ብኸበሮ ኣጋይጽኪ፡ ብሳዕስዒት ሕጉሳት ክትወጺ ኢኺ። 5ከም ብሓድሽ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣብ ኣኽራን ሰማርያ ክትተኽሊ ኢኺ፡ እቶም ተኸልቲ ኽተኽሉ፡ ፍሪኡ ኸኣ ክኣርይዎ እዮም። 6እቶም ሓለውቲ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም፡ ንዑናይ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ናብ ጽዮን ንደይብ፡ ኢሎም ዝጽውዑላ መዓልቲ ክኸውን እዩ። 7እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንያእቆብ ብሓጐስ ድረፉሉ፡ በቲ ርእሲ ህዝብታት እልል በሉ፡ ዓው ኢልኩም ኣመስግኑ እሞ፡ ጐይታይ፡ ንህዝብኻ፡ ነቲ ተረፍ እስራኤል፡ ኣድሕኖ፡ በሉ። 8እንሆ፡ ካብ ሃገር ሰሜን ከምጽኦም፡ ካብ ወሰን ምድሪ ኸኣ ክእክቦም እየ። ምስኦም ድማ ዕዉርን ሓንካስን ጥንስትን ቅልውላው ሕርሲ እተታሕዘትን ሓቢሮም፡ ዓብዪ ጉባኤ ዀይኖም ናብዚ ኽምለሱ እዮም። 9እናበኸዩ ኽመጹ እዮም፡ እናጸለዩ ኽመርሖም እየ። ንእስራኤል ኣቦ ዀይነ እየ፡ ኤፍሬም ድማ በዂሪ ወደይ እዩ እሞ፡ ብዘይዕንቀፉላ ዕርይቲ መገዲ ናብ ወሓዚ ማይ ክወስዶም እየ። 10ኣቱም ህዝብታት፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ነተን ኣብ ርሑቕ ዘለዋ ደሴታት ከኣ፡ እቲ ንእስራኤል ዝበተኖ ኽእክቦ፡ ከም ጓሳ ንመጓሲኡ ድማ ክሕልዎ እዩ፡ ኢልኩም ኣውርዩለን። 11እግዚኣብሄር ንያእቆብ ተበጅይዎ፡ ካብ ኢድ እቲ ኻብኡ ዝሕይል ከኣ ኣናጊፍዎ እዩ እሞ፡ 12ንሳቶም ክመጹ፡ ኣብ ከረን ጽዮን ከኣ እልል ክብሉ እዮም። ናብ በረኸት እግዚኣብሄር፡ ናብ እኽልን ወይንን፡ ናብ ዘይትን ናብቲ ፍረ ኣባጊዕን ኣሓን ሃዲዶም ክእክቡ እዮም። ነፍሶም ድማ ከምቲ ማይ ዝሰተየ ኣታኽልቲ ኽትከውን እያ፡ ድሕሪ እዚውን ኣይክቕሕትዉን እዮም። 13ሽዑ እታ ድንግል ብጓይላ ባህ ክብላ፡ ኣጒባዝን ኣረገውትን ድማ ሓቢሮም ክሕጐሱ እዮም። ንሓዘኖም ናብ ሓጐስ ክምልሶን ከጸናንዖምን እየ፡ ድሕሪ ጓሂኦምውን ባህ ከብሎም እየ። 14ንነፍሲ ኻህናት ብስብሒ ኽጥልሎ እየ፡ ህዝበይ ከኣ ብበረኸተይ ክጸግብ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 15እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ኣብ ራማ ድምጺ ተሰምዐ፡ ዋይዋይታን መሪር ብኽያትን። ራሄል ንደቃ በኸየት፡ ተወዲኦም እዮም እሞ፡ ስለ ደቃ ምድባስ ኣበየት። 16ከምዚ ይብል እግዚኣብሄር፡ ግብርኺ ዓስቡ ኽረክብ እዩ፡ ካብ ሃገር ጸላኢውን ክምለሱ እዮም እሞ፡ ድምጽኺ ኻብ ዋይዋይታ ዓይንኺ ድማ ካብ ንብዓት ዕገቲ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 17ንዳሕራይኪ ኸኣ ተስፋ ኣሎኪ፡ ደቅኺውን ናብ ዶቦም ክምለሱ እዮም ይብል እግዚኣብሄር። 18ኤፍሬም ከኣ፡ ከም ዘይጸረየ ዝራብዕ ጌርካ ቐጻዕካኒ ተቐጻዕኩ ድማ፡ ንስኻ ኢኻ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ እሞ፡ ምለሰኒ ኽምለስ ከኣ እየ፡ ኢሉ ኽግዕር ከሎ ኣጸቢቐ ሰማዕክዎ። 19ምስ ተመለስኩ፡ ተጠዓስኩ ምስ ተፈለጠኒ ኸኣ፡ ሰለፈይ ወቓዕኩ፡ ጸርፊ ንእስነተይ ጾይረ እየ እሞ፡ ሓፈርኩን ሓነኽኩን። 20ኤፍሬምዶ ፍቁር ወደይ፡ እቲ ምጭዊ ውሉደይ ኣይኰነን ብኹራ እኳ እንተ ተዛረብክዎ፡ መመሊሰ እዝክሮ ኣሎኹ እሞ፡ ብምኽንያቱ ኣምዑተይ ተበጢሱ እዩ፡ ኣነየውን ብሓቂ ኽምሕሮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 21መሓበርታ መገዲ ኣቑሚ፡ መፈለጥታታት ከኣ ትኸሊ፡ ልብኺ ናብታ ኸድክላ ዝነበርኪ ጐደናን መገድን ኣቕንዒ። እቲ ድንግል እስራኤል፡ ተመለሲ፡ ናብዘን ከተማታትኪ ተመለሲ። 22እቲ ዓወለኛ ጓል፡ ክሳዕ መኣዝ ዙንዙን ክትብሊ ኢኺ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ሓድሽ ነገር ፈጢሩ እዩ እሞ፡ ሰበይቲ ንሰብኣይ ክትከቦ እያ። 23እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ካብ ምርኮ ምስ ኣምለስክዎም፡ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ ከተማታትን፡ እቲ መሳፍሮ ጽድቂ፡ እቲ ኸረን ቅድስና፡ እግዚኣብሄር ይባርኽኪ፡ ኢሎም እዚ ቓል እዚ ኸም ብሓድሽ ክብሉ እዮም። 24-25ንዝጸምአት ነፍሲ ኸርውያ፡ ንዝቓሕተወት ዘበለት ነፍሲ ድማ ከጽግባ እየ እሞ፡ ይሁዳን ኲለን ከተማታታን ሓረስቶትን እቶም ምስ መጓሴታት ዝጒዕዙን ሓቢሮም ኣብኣ ኽነብሩ እዮም። 26ድሕርዚ ተበራበርኩ እሞ ጠመትኩ፡ ድቃሰይ ከኣ ጠዓመኒ። 27እንሆ፡ ንቤት እስራኤልን ንቤት ይሁዳን ብዘርኢ ሰብን ብዘርኢ እንስሳን ዝዘርኣለን መዓልታት ክመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር። 28ክኸውን ከኣ እዩ፡ ከምቲ ኣነ ንምምንቋስን ንምዕናውን ንምጒባእን ንምጥፋእን ንምስቓይን ኣብ ርእሲኦም ዝተጋህኩ፡ ከምኡ ድማ ንምህናጽን ንምትካልን ኣብ ርእሲኦም ክተግህ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 29በተን መዓልትታት እቲኣተን ከም ብሓድሽ፡ እቶም ኣቦታት መጺጽ ዘቢብ በልዑ እሞ፡ ነስናን እቶም ውሉድ ከኸወ፡ ኣይክብሉን እዮም። 30ነፍሲ ወከፍሲ ብኣበሳኡ ደኣ ይመውት፡ እቲ መጺጽ ዘቢብ ዝበልዐ ኸኣ ኣስናኑ ይዀዂዎ። 31እንሆ፡ ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝኣትወለን መዓልትታት ክመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር። 32ከምቲ ኻብ ሃገር ምስሪ ብኢዶም ሒዘ ኸውጽኦም ከሎኹ፡ ምስ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኪዳን ኣይኰነን። ኣነ ጐይታኦም ክነሰይሲ፡ ንሳቶም ነቲ ኪዳን ኣፍረስዎ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 33ድሕሪ እዘን መዓልትታት እዚኣተን ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኪዳንሲ እዚ ደኣ እዩ፡ ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር ኣብ ልቦም ከኣ ክጽሕፎ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ክዀኑ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 34ኣነ ኣበሳኦም ይቕረ ኽብለሎም፡ ሓጢኣቶም ድማ ድሕርዚ ኣይክዝክርን እየ እሞ፡ ካብ ንእሽትኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም ክፈልጡኒ እዮም፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ነፍሲ ወከፍውን ንሓዉ፡ ንእግዚኣብሄር ፍለጦ፡ ኢሎም ድሕርዚ ንሓድሕዶም ኣይክማሃሩን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 35እቲ ጸሓይ ንብርሃን መዓልቲ፡ ሕጋጋት ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ንብርሃን ለይቲ ክኸውን ዘቘመ፡ እቲ ንባሕሪውን ማዕበሉ ኽሃምም ዘናወጸ ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ 36እዚ ሕጋጋት እዚ ኻብ ቅድመይ እንተ ተፍአ፡ ሽዑ ኸኣ ዘርኢ እስራኤል ንሓዋሩ ኣብ ቅድመይ ህዝቢ ኻብ ምዃን ክጠፍእ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 37እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሰማይ ኣብ ላዕሊ እንተ ተለክዐ፡ መሰረት ምድሪውን ኣብ ታሕቲ እንተ ተለክዐ፡ መሰረት ምድሪውን ኣብ ትሕቲ እንተ ተመርመረስ፡ ሽዑ ኣነውን ብሰሪ እቲ ዝገበርክዎ ዂሉ ንዂሎም ዘርኢ እስራኤል ክድርብዮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 38እንሆ፡ እተን፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ኻብ ግምቢ ሃናንኤል ክሳዕ ደገ መኣዝን ንእግዚኣብሄር እትህነጸለን መዓልትታት ክመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር። 39እቲ ገመድ መዓቀኒ ኸኣ ክሳዕ ኲድዂዶ ጋሬብ ትኽ ኢሉ ኽዝርጋሕ እዩ፡ ናብ ጎኣት ኣቢሉውን ክምለስ እዩ። 40ኲሉ እቲ ለሰ ሬሳታትን ሓሙዂስትን ኲሉ እቲ ግርሁ ኽሳዕ ርባ ቌድሮንን፡ ብሸነኽ ምብራቕ ድማ ክሳዕ እቲ መኣዝን ደገ ኣፍራስን ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ክኸውን እዩ። ንሓዋሩ ከቶ ኣይክበርስን ኣይክፈርስንውን እዩ።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 32
1እቲ ኣብ መበል ዓስረይቲ ዓመት ግዝኣቱ ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ንነቡካድነጻር ከኣ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ግዝኣቱ፡ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጾ ቓል እዚ እዩ። 2ሽዑ ድማ ጭፍራ ንጉስ ባቢሎን ንየሩሳሌም ከቢቦምዋ ነበሩ፡ ነብዪ ኤርምያስ ከኣ ኣብቲ ኣብ ቤት ንጉስ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ኣብቲ ወገፊኡ ተኣሲሩ ነበረ። 3ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ ኢሉ ኣሲርዎ ነበረ፡ ስለምንታይ ተነቤኻን በልካን፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ ኣነ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፡ ንሱውን ክሕዛ እዩ፡ 4ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ድማ ርግጽ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክወሃብ እዩ፡ ኣፍ ንኣፍ ክዛረቦ እዩ፡ ኣዒንቱ ኸኣ ዓይኑ ኽርእያ እየን እምበር፡ ካብ ኢድ ከለዳውያን ኣይከምልጥን እዩ። 5ንጼድቅያስ ድማ ናብ ባቢሎን ክማርኾ፡ ኣነ ኽሳዕ ዝዝክሮውን ኣብኡ ኽጸንሕ እዩ፡ ምስ ከለዳውያን እንተ ተዋጋእኩም ኣይክቐንዓኩምን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 6ኤርምያስ ከኣ፡ ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ፡ በለ፡ 7እንሆ፡ ሃናምኤል ወዲ ሻሉም ሓዉ ኣቦኻ፡ ነታ ኣብ ኣናቶት ዘላ ግራተይ፡ መሰል ምብጃው ኣሎካ እሞ፡ ተሻየጣ፡ ክብለካ ናባኻ ኽመጽእ እዩ። 8ሃናምኤል ወዲ ሓዉ ኣቦይ ድማ ከም ቃል እግዚኣብሄር ናብቲ ወገፈ ቤት ማእሰርቲ መጺኡ ነታ ኣብ ኣናኖት ኣብ ምድሪ ብንያም ዘላ ግራተይ ኰታ ተሻየጣ፡ መሰል ርስቲ ኣሎካ፡ ምብጃው ድማ ግቡእካ እዩ እሞ፡ ንኣኻ ተሻየጣ፡ በለኒ። ሽዑ እዚ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ምዃኑ ኣስተውዓልኩ። 9ነታ ኣብ ኣናቶት ዘላ ግራት ከኣ ካብ ሃናምኤል ወዲ ሓዉ ኣቦይ ተሻየጥክዋ እሞ ነቲ ገንዘብ ዓሰርተው ሾብዓተ ሲቃል ብሩር መዘንኩሉ። 10ኣብ መጽሓፍ ጽሒፈ ኸኣ ሓተምክዎ፡ ምስክር ጸዊዐ ድማ ነቲ ገንዘብ ብሚዛን መዘንኩሉ። 11ነታ መጽሓፍ መሸጣ፡ ነታ ኸም ሕግን ውዑልን ኰይና እተሓትመትን ነታ እተቐልዐትን ወሲደ፡ 12እታ መጽሓፍ መሸጣ ንባሩኽ፡ ወዲ ኔርያ ወዲ ማህስያ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ መጽሓፍ መሸጣ እተጻሕፉ ምስክርን ኣብ ቅድሚ ዂሎም እቶም ኣብ ወገፈ ቤት ማእሰርቲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣይሁድን ሃብክዎ። 13-15እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ኣባይትን ግርሁን ኣታኽልቲ ወይንን ከም ብሓድሽ ክሻየጡ እዮም፡ ይብል ኣሎ እሞ፡ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ እዘን ጽሑፋት እዚኤን፡ እታ ሕትምቲ መጽሓፍ መሸጣን እታ ቕልዕቲ መጽሓፍን ወሲድካ፡ ብዙሕ መዓልትታት ምእንቲ ኽዕቈርሲ ኣብ ኣቕሓ መሬት ኣንብሮ:ይብል ኣሎ፡ ኢለ ንባሩኽ ኣብ ቅድሚኦም ኣዘዝክዎ። 16እታ መጽሓፍ መሸጣ ንባሩኽ ወዲ ኔርያ ምስ ሃብክዎ ኸኣ፡ ከምዚ ኢለ ናብ እግዚኣብሄር ለመንኩ፡ 17ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እንሆ፡ በቲ ዓብዪ ሓይልኻን በቲ ዝርጉሕ ቅልጽምካን ዘይከኣለካ ነገር የልቦን። 18ነእላፋት ምሕረት እትገብር፡ ኣበሳ ኣቦታት ድማ ብድሕሪኦም ናብ ሕቑፊ ውሉዶም እትመልስ ኢኻ። ዓብዪ ስልጡን ኣምላኽ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ። 19ንስኻ ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገዶምን ከከም ፍረ ግብሮምን ምእንቲ ኽትህቦም፡ ብምኽሪ ዓብዪ ብግብሪ ኸኣ ስልጡን ኢኻ። ኣዒንትኻ ድማ ኣብ ኲለን መገድታት ደቂ ኣዳም ክፉታት እየን። 20ንስኻ ትእምርትን መንክራትን ኣብ ሃገር ግብጽን ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ኣብ እስራኤልን ኣብ ካልኦት ሰብን ገበርካ፡ ከምዚ ሎሚ ዘሎውን ንኣኻ ስም ኣስሜኻ። 21ንህዝብኻ እስራኤል ብትእምርትን መንክራትን ብብርቱዕ ኢድን ብዝርጉሕ ቅልጽምን ብዓብዪ ረዓድን ካብ ሃገር ግብጺ ኣውጻእካዮ። 22እታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ፡ ነቦታቶም ክትህባ ዝመሓልካሎም ሃገር ከኣ ሃብካዮም። 23ንሳቶም ድማ ኣተዉ ሓዝዋ ኸኣ፡ ግናኸ ንድምጽኻ ኣይሰምዑን ብሕግኻውን ኣይተመላለሱን። ነቲ ኽገብርዎ ዝኣዘዝካዮም ኲሉ ኣይገብርዎን፡ ስለዚ ኸኣ እዚ ዂሉ መዓት እዚ ኣውረድካሎም። 24እንሆ ነታ ኸተማ ኽሕዝዋ መፍረስ ዕርዲ ናባኣ ቐረበ። እታ ኸተማ ኸኣ ብሰሪ ሰይፍን ጥሜትን ፌራን ኣብ ኢድ እቶም ዝዋግእዋ ከለዳውያን ተዋህበት። እቲ ዝበልካዮ ዀነ፡ እንሆ ድማ፡ ትርእዮ ኣሎኻ። 25ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እታ ኸተማ ኣብ ኢድ ከለዳውያን ተዋሂባ ኸላስ፡ ንስኻ፡ ግራት ብገንዘብ ተሻየጥ ምስክር ከኣ ሓዘሉ፡ በልካኒ። 26-27ሽዑ፡ እንሆ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኲሉ ስጋ ዝለበሰ እየ፡ ንኣይ ዘይከኣለኒ ነገርዶ ኣሎ እዩ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ። 28ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ኢድ ከለዳውያንን ኣብ ኢድ ነቡካድነጻርን ንጉስ ባቢሎንን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፡ ንሱውን ክሕዛ እዩ። 29እቶም ነዛ ኸተማ እዚኣ ዝወግኡ ከለዳውያን ከኣ ክመጹ፡ ነታ ኸተማ ድማ ክትኲስዋ እዮም፡ ምስ ናይ እተን ኣብ ዝባን ኣናሕሰን፡ ከቘጥዑኒ ኢሎም፡ ንበዓል ዝዓጠኑለን፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ መስዋእቲ መስተ ዝኸዓዉለን ኣባይቲ ኸንድድዋ እዮም። 30ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ዝዀነ ጥራይ ገበሩ እሞ፡ ደቂ እስራኤልሲ ብተግባር ኢዶም ኲሉ ግዜ ኣቘጥዑኒ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 31-32እዛ ኸተማ እዚኣ ኻብታ እተሰርሓትላ መዓልቲ ጀሚራ ኽሳዕ ሎሚ ብሰሪ እቲ ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ምስ ነገስታቶምን መሳፍንቶምን ካህናቶምን ነብያቶምን ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩን፡ ከቘጥዑኒ ኢሎም ዝገበርዎ ዂሉ እከይ ካብ ቅድሚ ገጸይ ከርሕቓስ፡ ቁጥዓይን ነድረይን ኣለዓዓለትለይ። 33እንግድዓኦም እምበር፡ ገጾም ኣይመለሱለይን። ኣንጊሀ እንተ መሃርክዎም፡ ምንም እኳ እንተ መሃርክዎም፡ ተግሳጽ ንምቕባል ኣይሰምዑን። 34ነታ ብስመይ እተሰምየት ቤት ምእንቲ ኸርክስዋስ፡ ጽያፎም ኣብኣ ኣንበሩ። 35ነወዳቶምን ነዋልዶምን ከኣ ንሞሌኽ ብሓዊ ኸሕልፍዎም፡ ነቲ ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ዘሎ በረኽቲ በዓል ሰርሑ። ንይሁዳ ኸሕጥኡ፡ ከምዚ ዘመሰለ ጽያፍ ክገብሩ ኢለ፡ ኣነ ኣይኣዘዝክዎን ከቶ ኣየስተንተንክዎን። 36ሕጂ ኸኣ ብዛዕባ እዛ ንስኻትኩም፡ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ተወፍያ፡ እትብልዋ ዘሎኹም ከተማስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ 37እንሆ፡ ካብቲ ብዂራይን ብቑጥዓይን ብዓብዪ ነድርን ዝሰጐጒክዎም ኲሉ ሃገር ክእክቦም እየ፡ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ድማ ክመልሶም፡ ብደሓንውን ከንብሮም እየ። 38ንሳቶም ህዝበይ ክዀኑ እዮም፡ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ። 39ብደሓን ርእሶምን ብድሕሪኦም ከኣ ንደሓን ደቆምን ክኸውንሲ፡ ንሓዋሩ ምእንቲ ኽፈርሁኒ፡ ሓደ ልብን ሓደ መገድን ክህቦም እየ። 40ንኣታቶም ሰናይ ካብ ምግባር ከይዘሓጥሲ፡ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ክኣትወሎም፡ ካባይ ከይዘብሉ ኸኣ፡ ፍርሃተይ ኣብ ልቦም ከሕድር እየ። 41ሓጐሰይሲ ሰናይ ክገብረሎም እዩ። ብዂሉ ልበይን ብዂሉ ነፍሰይን ብሓቂ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ኽተኽሎም እየ። 42እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ከምቲ ዂሉ እዚ ዓብዪ ሕሰም ኣብዚ ህዝቢ እዚ ዘውረድክዎ፡ ከምኡ ድማ ኲሉ እቲ ዘተስፈኽዎም ሰናይ ከውርደሎም እየ። 43ኣብታ ንስኻትኩም፡ ሰብን እንስሳን ዘይነብሩላ፡ ንከለዳውያን እተዋህበት ባዶ ዝበልኩምዋ ሃገር፡ ኣብኣ ግርሁ ኽሻየጡ እዮም። 44ኣነ ንምሩኻቶም ከምልሰሎም እየ እሞ፡ ኣብ ሃገር ብንያምን ኣብ ከባቢ የሩሳሌምን ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ከተማታት ኣኽራንን ኣብ ከተማታት ጐልጐልን ኣብ ከተማታት ደቡብን ግርሁ ብገንዘብ ክሽየጥ እዩ፡ ናይ መሸጣ ውዑል ከኣ ኣብ ቅድሚ ምስክር ተጽሒፉ ኽሕተም እዩ።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 33
1ኤርምያስ ገና ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ኸሎ፡ ካልኣይ ሳዕ ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መጸ፡ 2እቲ ዝገብሮ ዘሎ እግዚኣብሄር ከጽንዕ ዘዳሉ እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር ከኣ ዝስሙ ኸምዚ ይብል ኣሎ። 3ጸውዓኒ እሞ ክመልሰልካ፡ ዘይትፈልጦ ዓብይን ስውርን ነገር ከኣ ክነግረካ እየ። 4እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብዛዕባ እቲ ብመፍረስ ዕርድን ብሰይፍን ዝፈርስ ዘሎ ኣባይቲ እዛ ኸተማ እዚኣን ኣባይቲ ነገስታት ይሁዳን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ 5ምስ ከለዳውያን ክዋግኡ መጺኦም፡ ነታ ብሰሪ ዂሉ እከዮም ገጸይ ዝኸወልኩላ ኸተማ ብሬሳታት እቶም ኣነ ብቑጥዓይን ብነድረይን ዝወቓዕክዎም ሰብ ክመልእዋ እዮም። 6እንሆ፡ ኣነ ኽሰፍፋን ክፍውሳን እየ። ኣነ ኸሕውዮም፡ ብዝሒ ሰላምን ሓቅን ድማ ክገልጸሎም እየ። 7ንምርኮ ይሁዳን ንምርኮ እስራኤልን ክመልስ እየ፡ ከም ቀደሞም ከኣ ክሃንጾም እየ። 8ኣነ ኻብ ኲሉ እቲ ዝበደሉኒ ኣበሳኦም ከጽርዮም እየ፡ ነቲ ዝበደሉንን ብኡኡ ኸኣ ካባይ ዝዓለዉሉን ኣበሳኦም ይቕረ ኽብለሎም እየ። 9ንሳ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ነቲ ዝገብረሎም ዘሎኹ ዂሉ ሰናይ ዝሰምዑ ዂላቶም ህዝብታት ምድሪ ንስም ደስታን ንምስጋናን ንኽብርን ክትኰኑኒ እያ። ብምኽንያት እቲ ኣነ ዝህባ ዂሉ ሰናይን ኲሉ ሰላምን ድማ ክፈርሁን ራዕራዕ ክብሉን እዮም። 10-11እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ምርኮ እታ ሃገር መሊሰ ኸም ቀደማ ኽገብራ እየ እሞ፡ ኣብዚ ንስኻትኩም፡ ሰብን እንስሳን ዘይብሉ ምድረ በዳ እትብልዎ ዘሎኹም ስፍራን ኣብዘን ሰብን ኣብኤን ዝነብርን እንስሳን ዘይብለን ዝባደማ ኸተማታት ይሁዳን ኣደባባያት የሩሳሌምን ከም ብሓድሽ ድምጺ ሓጐስን ድምጺ እልልታን ድምጺ መርዓውን ድምጺ መርዓትን ድምጺ እቶም መስዋእቲ ምስጋና ናብ ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣመስግንዎ፡ ዝብሉ ኽስማዕ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 12እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብዛ ሰብን እንስሳን ዘይብላ ዝባደመት ስፍራን ኣብ ኲለን ከተማታትን ከም ብሓድሽ መሕደሪ እቶም መጓሴታቶም ዘስፍሩ ጓሶት ክኸውን እዩ። 13ኣብ ዓድታት ኣኽራንን ኣብ ከተማታት ጐልጐልን ኣብ ከተማታት ደቡብን ኣብ ምድሪ ብንያምን ኣብ ከባቢ የሩሳሌምን ኣኣብ ከተማታት ይሁዳን እተን መጓሴታት ከም ብሓድሽ ብትሕቲ ኢድ እቲ ቘጻሪአን ክሓልፋ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር። 14እንሆ፡ እቲ ብዛዕባ ቤት እስራኤልን ብዛዕባ ቤት ይሁዳን እተዛረብክዎ ጽቡቕ ቃል ዝፍጽመለን መዓልትታት ክመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር። 15በተን መዓልትታት እትኤንን በቲ ዘመን እትን ንዳዊት ጨንፈር ጽድቂ ኸጠጥዓሉ እየ። ንሱውን ኣብ ምድሪ ፍትሕን ጽድቅን ክገብር እዩ። 16በተን መዖኣልትታት እቲኤን ይሁዳ ኽድሕን እዩ፡ የሩሳሌም ከኣ ብደሓን ክትነብር እያ። እግዚኣብሄር ጽድቅና እዩ፡ ተባሂላ ኸኣ ክትስመ እያ። 17እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ካብ ዳዊት ኣብ ዝፋን ቤት እስራኤል ዝቕመጥ ሰብኣይ ከቶ ኣይክስኣንን እዩ። 18ካብ ሌዋውያን ካህናት ኲሉ መዓልቲ መስዋእቲ ምሕራር ዝስውእን መስዋእቲ ብልዒ ዘትክኽን መስዋእቲ ሕሩድ ዘቕርብን ሰብኣይ ኣብ ቅድመይ ከቶ ኣይክስኣንን እዩ። 19ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጾ። 20እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንኪዳነይ ምስ መዓልትን ንኪዳነይ ምስ ለይትን፡ ለይትን መዓልትን በብጊዚኡ ኸይከውን፡ ከተፍርሱ እንተ ደኣ ተኻኢሉኩምሲ፡ 21ሽዑ ኸኣ ኣብ ዝፋን ዝቕመጥ ውሉድ ከይርከብ፡ እቲ ምስ ዳዊት ባርያይ ዝኣቶኽዎ ኪዳን ክፈርስ እዩ፡ ከምኡውን ምስ ኣገልገልተይ ሌዋውያን ካህናት። 22ከምቲ ሰራዊት ሰማይ ክፍቀድ፡ ሑጻ ባሕሪ ኸኣ ክስፈር ዘይከኣል፡ ከምኡ ድማ ንዘርኢ ዳዊት ባርያይን ዘገልግሉኒ ሌዋውያንን ከብዝሖም እየ። 23ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ፡ 24እዞም ህዝቢ እዚኦም፡ እግዚኣብሄር ነዞም ዝሓረዮም ክልተ ነገድ ደርብይዎም እዩ፡ እናበሉ ዝዛረብዎ ዘለዉስ ኣይትርእዮን ዲኻ፡ ኣብ ቅድሚኦም ድሕርዚ ህዝቢ ኸም ዘይኰኑ ገይሮም ይንዕቆም ኣለዉ። 25እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኪዳነይ ምስ መዓልትን ለይትን እንተ ዘይንጸዐ፡ ንሰማይን ንምድርን ስርዓት እንተ ዘይሓገግኩ፡ ሽዑ ኸኣ ኣነ፡ ድሕርዚ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዝገዝኡ ኻብ ዘርኡ ኸየተንስእስ፡ ንዘርኢ ያእቆብን ባርያይ ዳዊትን ክድርብዮ እየ። ንምርኮኦም ክመልሶ እየ እሞ፡ ክምሕሮምውን እየ። 26ሽዑ ኸኣ ኣነ፡ ድሕርዚ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ዘርኢ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዝገዝኡ ኻብ ዘርኡ ኸየተንስእስ፡ ንዘርኢ ያእቆብን ባርያይ ዳዊትን ክድርብዮ እየ። ንምርኮኦም ክመልሶ እየ እሞ፡ ክምሕሮምውን እየ።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 34
1-2እቲ ፡ ነብካድነጻር ንጉስ ባቢሎንን ኲሉ ሰራዊት ኣብ ትሕቲ ኢዱ ዝግዝኡ ዂሎም መንግስትታት ምድርን ኲሎም ህዝብታትን ምስ የሩስሌምን ምስ ኲለን ከተማታታን ክዋግኡ ኸለዉ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ዝብል ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል እዚ እዩ፡ ናብ ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኼድካ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮ፡ እንሆ፡ ኣነ ነዛ ኸተማ እዚኣ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክውፍያ እየ፡ ንሱውን ብሓዊ ኸንድዳ እዩ። 3ንስኻ ኸኣ ብርግጽ ተታሒዝካ፡ ናብ ኢዱ ኽትውፈ ኢኻ እምበር፡ ካብ ኢዱ ኣይከተምልጥን ኢኻ፡ ኣዒንትኻ ነዒንቲ ንጉስ ባቢሎን ክርእያ እየን፡ ኣፍ ንኣፍ ድማ ክዛረበካ እዩ፡ ናብ ባቢሎንውን ክትኣቱ ኢኻ። 4ግናኸ፡ ኣታ ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ፡ እግዚኣብሄር ብዛዕባኻ፡ ብሰይፊ ኣይክትመውትን ኢኻ፡ ይብል ኣሎ። 5እዚ ቓል እዚ ኣነ እየ እተዛረብክዎ እሞ፡ ብሰላም ክትመውት ኢኻ፡ ከምቲ ነቶም ቅድሜኻ ዝነበሩ ቐዳሞት ነገስታት፡ ኣቦታትካ፡ ዝዓጠኑሎም፡ ከምኡ ኸኣ ክዓጥኑልካ፡ ዋይ ጐይታየ፡ እናበሉ ድማ ከልቅሱልካ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 6-7ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን ንየሩሳሌም ነተን ተሪፈን ዝነበራ ዂላተን ከተማታት ይሁዳን፡ ማለት ነተን ካብ ከተማታት ይሁዳ ተዓሪደን ተሪፈን ዝነበራ ላኪሽን ኣዜቃን፡ ክዋጋእ ከሎ፡ ሽዑ ነብዪ ኤርምያስ ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ የሩሳሌም ኲለን እዘን ቃላት እዚኣተን ነገሮ። 8ንጉስ ጼድቅያስ ሓርነት ክእውጅ ኢሉ ምስ ኲሉ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ህዝቢ ኪዳን ምስ ኣተወ፡ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ቃል መጸ። 9እቲ ኪዳን ከኣ ነፍሲ ወከፍ ንተባዕታይ ባርያኡን፡ ነፍሲ ወከፍ ነንስተይቲ ባርያኡን፡ እብራውን እብራዊትን፡ ሓራ ኸውጽእ፡ ሓደ እኳ ንኣይሁዳዊ፡ ነቲ ሓዉ፡ ባርያ ኸይገብሮ ዝብል እዩ። 10እቶም፡ ነፍሲ ወከፍ ንተባዕታይ ባርያኡን ነፍሲ ወከፍ ነንስተይቲ ባርያኡን ሓራ ኸውጽኡ ድሕርዚ ኸኣ ባሮት ከይገብርዎም ኪዳን ዝኣተዉ ዂሎም መሳፍንትን ኲሎም ህዝብን ተኣዘዙ፡ ተኣዘዙ ሓራውን ኣውጽእዎም። 11ደሓር ግና መሊሶም፡ ነቶም ሓራ ኣውጺኦምዎም ዝነበሩ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ከም ብሓድሽ ኣምለስዎም፡ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ገይሮም ድማ ገዝእዎም። 12ስለዚ ኻብ እግዚኣብሄር ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ፡ 13እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ በታ ነቦታትኩም ካብ ሃገር ግብጺ ኻብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩላ መዓልቲ ምሳታቶም ኪዳን ኣቶኹ፡ በልክዎም ከኣ፡ 14ሾብዓተ ዓመት ምስ ተፈጸማ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነቲ ባዕሉ ኣባኻ እተሸጠ እሞ ሹድሽተ ዓመት እተገዝኣካ እብራዊ ሓውካ ካባኻ ሓራ ኣውጽኣዮ። ግናኸ ኣቦታትኩምሲ ኣይሰምዑንን በእዛኖምውን ጽን ኣይበሉን። 15ንስኻትኩም ሎሚ ተመለስኩም፡ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ሓራ ምውጻእ ብምእዋጁ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ቅኑዕ ገበርኩም። ኣብታ ብስመይ እተሰምየት ቤት ድማ ኣብ ቅድመይ ኪዳን ኣቶኹም። 16ግናኸ ከም ብሓድሽ ተመለስኩም፡ ንስመይ ድማ ኣርከስኩምዎ፡ ነቶም ሓራ ኣውጺእኩም ከም ድላዮም ይኺዱ ዝፈኖኹምዎም ነፍሲ ወከፍኩም ንተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮትኩም ጌርኩም ከኣ ገዛእኩምዎም። 17ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩን ሓርነት ንምእዋጅ ኣይሰማዕኩምንን። እንሆ፡ ኣነ ኸኣ ንሰይፍን ንፌራን ንጥሜትን ሓርነት እእውጀልኩም ኣሎኹ፡ ንዂሎም መንግስትታት ምድሪ መሰክሒ ኽትኰኑ ድማ ኣሕሊፈ ኽህበኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 18ኣነ ነቶም ኪዳነይ ዘፍረሱ፡ ነቲ ምራኽ ኣብ ክልተ ጨንዲሖም ብመንጎ እቲ ጭንዳሑ ኸኣ ሓሊፎም፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዝኣተውዎ ቓላት ኪዳን ዘይሓለዉ ሰባት፡ 19ብመንጎ ጭንዳሕ እቲ ምራኽ ዝሓለፉ መሳፍንቲ ይሁዳን መሳፍንቲ የሩሳሌምን ስሉባትን ካህናትን ኲሉ ህዝቢ እታ ሃገርን፡ 20ነዚኣቶም ኣብ ኢድ ጸላእቶምን ኣብ ኢድ እቶም ነፍሶም ዝደልዩን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ሬሳታቶም ከኣ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ብልዒ ክኸውን እዩ። 21ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንመሳፍንቱን ናብ ኢድ ጸላእቶምን ናብ ኢድ እቶም ነፍሶም ዝደልዩ ሰባትን ናብ ኢድ እቲ ኻባኻትኩም ዝረሓቐ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎንን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። 22እንሆ፡ ኣነ ኽእዝዝ እየ እሞ ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኽመልሶም እየ። ንሳቶም ክዋግእዋ፡ ክሕዝዋ፡ ብሓዊ ድማ ከንድድዋ እዮም። ነተን ከተማታት ይሁዳ ኸኣ ሓደ እኳ ዘይነብረን ምድረ በዳ ኽገብረን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 35
1እቲ ብዘመን ዮኣቂም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ዝብል እዩ፡ 2ናብ ቤት ሬካብ ኪድ እሞ ተዛረቦም፡ ናብ ሓንቲ ኽፍሊ ቤት ናይ መቕደስ እግዚኣብሄር ድማ ኣእትዎም፡ ወይኒ ኽሰትዩውን ሃቦም። 3ሽዑ ንያዘንያ፡ ወዲ ኤርምያስ፡ ወዲ ኻባጽንያን ነሕዋቱን ንዂሎም ደቁን ንዂሎም ቤት ሬካብን ወሰድክዎም፡ 4ናብ ቤት እግዚኣብሄር፡ ናብቲ ኣብ ጥቓ ኽፍሊ ቤት መሳፍንቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኽፍሊ ቤት መሳፍንቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኽፍሊ ቤት መኣስያ፡ ወዲ ሻሉም ሓላው ደገ ዘኣላ ኽፍሊ ቤት፡ ደቂ ኻናን ወዲ ኢግዳሊያ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣእቶኽዎም። 5ኣብ ቅድሚ እቶም ደቂ ቤት ሬካብ ከኣ ወይኒ ዝመልኣ ሰራሙን ዋናጩን ቀሪበ፡ ወይኒ ስተዩ፡ በልክዎም። 6-7ንሳቶም ግና መለሱ፡ ዮናዳብ፡ ወዲ ሬካብ ኣቦና፡ ኣባይቲ ኣይትስርሑ፡ ዘርኢ ኣይትዝርኡ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣይትትከሉ ኣይተጥርዩውን፡ ኣብታ ኣጋይስ ኴንኩም ሰፊሪኩምዋ ዘሎኹም ሃገርሲ፡ ዕድሜኹም ምእንቲ ኽነውሕ፡ ኲሉ ዘመንኩም ኣብ ድንኳን ንበሩ፡ ንስኻትኩምን ደቅኹምን ንዘለኣለም ወይኒ ኣይትስተዩ፡ ኢሉ ኣዚዙና እዩ እሞ፡ ወይኒ ኣይንሰትን ኢና። 8ድማ ንሕናን ኣንስትናን ኣወዳትናን ኣዋልድናን ብዂሉ ዘመንና ወይኒ ኸይንሰቲ ንድምጺ ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ኣቦና በቲ ዝኣዘዘና ዂሉ ተኣዚዝናዮ ኢና። 9እንነብረለን ኣባይቲ ኣይንሰርሕን፡ ኣታኽልቲ ወይንን ግርሁን ዘርእን ኣይነጥርን። 10እምበኣርሲ ኸምቲ ዮናዳብ ኣቦና ዝኣዘዘና ዂሉ ጌርና ተኣዚዝናዮ ኢና እሞ፡ ኣብ ድንኳን ኢና እንነብር ዘሎና። 11ግናኸ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን፡ ናብዛ ሃገር እዚኣ ምስ ወጸ፡ ካብ ገጽ ሰራዊት ከለዳውያንን ካብ ገጽ ሰራዊት ሶርያውያንን ንዑናይ ናብ የሩሳሌም ንጒዓዝ ኢልና፡ በዚ ኸምዚ ኣብ የሩሳሌም ተቐሚጥና ኣሎና። 12-13ሽዑ እቲ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ፡ ኪድ እሞ ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩን፡ ቃለይ ንምስማዕሲ ተግሳጽዶ ኣይትቕበሉን ኢኹም ይብል እግዚኣብሄር፡ ኢልካ ንገሮም። 14እቲ ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ንደቁ፡ ወይኒ ኣይትስተዩ፡ ኢሉ ዝኣዘዞም ቃላት ጸንዐ። ንሳቶም ከኣ ንትእዛዝ ኣቦኦም ሰምዑ እሞ፡ ክሳዕ ሎሚ ወይኒ ኣይሰትዩን እዮም። ኣነስ ተዛሪበኩም፡ ኣንጊሀ ተዛሪበኩም፡ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኩምንን። 15ኣነ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ካብቲ እኩይ መገድኹም ተመለሱ፡ ግብርኹም ከኣ ኣቕንዑ፡ ከተገልግልዎም ኢልኩምውን ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትኺዱ፡ ሽዑ ኣብታ ኣነ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝሃብክዋ ሃገር ክትነብሩ ኢኹም፡ ኢለ ንዂላቶም ኣገልገልተይ ነብያት ለኣኽኩልኩም፡ ኣንጊሀ ለኣኽኩልኩም፡ ንስኻትኩም ግና እዝንኹም ኣይጸሎኹንም ኣይሰማዕኩንን ድማ። 16ደቂ ዮናዳብ ወዲ ሬካብሲ ነቲ ኣቦኦም ዝኣዘዞም ትእዛዝ ኣጽንዕዎ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ግና ኣይሰምዓንን። 17ስለዚ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ እንሆ፡ ተዛሪበዮም ኣይሰምዑን፡ ጸዊዐዮም ከኣ ኣይመለሱን እሞ፡ ኣብ ይሁዳን ኣብቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩ ዝለዉ ዂላቶምን እቲ እተዛረብኩሎም ኲሉ መዓት ከውርደሎም እየ፡ ይብል ኣሎ። 18ኤርምያስ ከኣ ንቤት ሬካብ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንትእዛዝ ዮናዳብ ኣቦኹም ስለ እተኣዘዝኩም፡ ንዂሉ ትእዛዙ ኸኣ ስለ ዘጽናዕኩም፡ ከምቲ ንሱ ዝኣዘዘኩም ኲሉ ሰለ ዝገበርኩም፡ 19ስለዚ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ኣብ ቅድመይ ዝቐውም ሰብ ንሓዋሩ ኣይክስእንን እዩ፡ ይብል ኣሎ።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 36
1ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ራብዓይቲ ዓመቱ ንዮኣቂም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ከምዚ ዝብል ቃል ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ፡ 2ዝጥቕለል መጽሓፍ ውሰድ እሞ እቲ ብዛዕባ እስራኤልን ብዛዕባ ይሁዳን ብዛዕባ ዂላቶም ህዝብታትን ካብቲ እተዛረብኩኻ መዓልቲ፡ ካብ ዘመን ዮስያስ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ ዝነገርኩኻ ዂሉ ቓላት ኣብኡ ጽሓፎ። 3ምናልባሽ ቤት ይሁዳ ነቲ ናባታቶም ከውርዶ ሓሲበዮ ዘሎኹ ዂሉ ኽፉእ ምስ ሰምዑ፡ ነፍሲ ወከፎም ካብቲ ኽፉእ መገዱ እንተ ተመልሰ፡ ኣነ ኸኣ ኣበሳኦምን ሓጢኣቶምን ይቕረ ኽብለሎም እየ። 4ሽዑ ኤርምያስ ንባሩኽ ወዲ ኔርያ ጸውዐ፡ ባሩኽ ድማ ነቲ ብኣፍ ኤርምያስ እተነግረሉ ዂሉ ቓል እግዚኣብሄር ኣብቲ ዝጥቕለል መጽሓፍ ጸሓፎ። 5ኤርምያስ ድማ ንባሩኽ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ፡ ኣነ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከይኸይድ ተኸልኪለ ኣሎኹ፡ 6ስለዚ ንስኻ ናብኣ ኺድ እሞ ነቲ ኻብ ኣፈይ ናብታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ዝጸሓፍካዮ ቓል እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ ጾም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ እዝኒ እቶም ህዝቢ ኣንብቦ። ኣብ እዝኒ እቶም ካብ ከከተማኦም ዝመጹ ዂላቶም ይሁዳ ኣንብበሎም። 7እቲ እግዚኣብሄር ነዚ ህዝቢ እዚ ተዛሪብዎ ዘሎ ዂራን ቁጥዓን ዓብዪ እዩ እሞ፡ ምናልባሽ ናብ እግዚኣብሄር ይምህለሉ፡ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ እኩይ መገዱ ይምለስ ይኸውን። 8ባሩኽ ወዲ ኔርያ ድማ ከምቲ ነብዪ ኤርምያስ ዝኣዘዞ ዂሉ ገበረ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ካብቲ መጽሓፍ ነቲ ቓል እግዚኣብሄር ኣንበቦ። 9ኰነ ኸኣ ኣብታ ሓምሰይቲ ዓመቱ ንዮኣቂም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብታ ታስዓይቲ ወርሒ ንዂሉ እቲ ህዝቢ የሩሳሌምን ንዂሉ እቲ ኻብ ከተማታት ይሁዳ ናብ የሩሳሌም መጺኡ ዝነበረ ህዝብን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጾም ክጾሙ ተኣወጀ። 10ባሩኽ ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፡ ኣብቲ ኽፍሊ ቤት ገማርያ፡ ወዲ ሻፋን እቲ ጸሓፊ፡ ኣብቲ ላዕላይ ኣጸድ በቲ ኣፍ ሓድሽ ደገ ናይ ቤት እግዚኣብሄር ኰይኑ፡ ነቲ ቓላት ኤርምያስ ካብቲ መጽሓፍ ኣብ እዝኒ ዂሉ ህዝቢ ኣንበቦ። 11ሚካያ፡ ወዲ ገማርያ ወዲ ሻፋን፡ ካብቲ መጽሓፍ ኲሉ እቲ ቓል እግዚኣብሄር ምስ ሰምዐ፡ 12ናብቲ ኽፍሊ ቤት ጸሓፊ ኣብቲ ኣዳራሽ ንጉስ ወረደ። እንሆ ኸኣ፡ ኵሎም እቶም መሳፍንቲ ኤሊሻማዕ እቲ ጸሓፍን ደላያ ወዲ ሸማዕያን ኤልናታን ወዲ ኣክቦርን ገማርያ ወዲ ሻፋንን ጼድቅያስ ወዲ ሃናንያን ኲላቶም መሳፍንትን ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ። 13ሚካያ ኸኣ ነቲ፡ ባሩኽ ካብቲ መጽሓፍ ኣብ እዝኒ ዂሉ ህዝቢ ኸንብቦ ኸሎ፡ ዝሰምዖ ዂሉ ቓላት ንኣታቶም ነገሮም። 14ኲሎም እቶም መሳፍንቲ ኸኣ ንይሁዲ ወዲ ንታንያ፡ ወዲ ሸልምያ፡ ወዲ ኩሺ፡ ናብ ባሩኽ፡ ነታ ኣብ እዝኒ ህዝቢ ዘንበብካያ እትጥቕለል መጽሓፍ ብኢድካ ሒዝካያ ምጻእ፡ ኢሎም ለኣኹሉ። ባሩኽ ወዲ ኔርያ ድማ ነታ እትጥቕለል መጽሓፍ ብኢዱ ሒዙ ናባታቶም መጸ። 15ንሳቶም ድማ፡ ተቐመጥ እሞ ኣብ እዝንና ኣንብበልና፡ በልዎ። ባሩኽውን ኣብ እዝኖም ኣንበበሎም። 16ኰነ ድማ፡ ኲሉ እቲ ቓላት ምስ ሰምዑ፡ ሰምቢዶም ንሓድሕዶም ቁሊሕ ቁሊሕ ተባሃሂሎም ንባሩኽ፡ ኲሉ እዚ ዘረባ እዚ ንንጉስ ክንነግሮ ይግባእ እዩ፡ በልዎ። 17ንባሩኽ ከኣ፡ እስኪ ንገረና፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ዂሉ እዚ ቓላት እዚ ኻብ ኣፉ ዝጸሓፍካዮ ኢሎም ሓተትዎ። 18ባሩኽ ከኣ፡ እዚ ዂሉ ቓላት እዚ ብኣፉ ነገረኒ፡ ኣነውን ብቐለም ኣብ መጽሓፍ ጸሓፍክዎ፡ ኢሉ ነገሮም። 19ሽዑ እቶም መሳፍንቲ ንባሩኽ፡ ኪድ ንስኻ ምስ ኤርምያስ ተሓባእ፡ ኣበይ ከም ዘሎኹም ድማ ሓደ እኳ ኣይፍለጥ፡ በልዎ። 20ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኣብ ክፍሊ ቤት ኤሊሻማዕ እቲ ጸሓፊ ኣንቢሮም፡ ናብ ንጉስ ኣብቲ ገበላ ኣተዉ እሞ ኲለን እተን ቃላት እቲኤን ኣብ እዝኒ ንጉስ ተዛረብወን። 21እቲ ንጉስ ከኣ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ከምጽእ፡ ንይሁዲ ለኣኾ። ንሱውን ካብቲ ኽፍሊ ቤት ኤሊሻማዕ እቲ ጸሓፊ ወሰዳ። ይሁዲ ኸኣ ኣብ እዝኒ ንጉስን ኣብ እዝኒ ዂሎም እቶም ኣብ ዙርያ ንጉስ ቈይሞም ዝነበሩ መሳፍንትን ኣንበባ። 22ታስዓይ ወርሒ ዀይኑ፡ እቲ ንጉስ ኣብቲ ኣዳራሽ ክረምቲ ተቐሚጡ ነበረ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኸኣ እቲ ምድጃ ሓዊ ተኣጒድዎ ነበረ። 23ኰነ ኸኣ፡ ይሁዲ ሰለስተ ወይስ ኣርባዕተ ዓንዲ ምስ ኣንበባ፡ ብኻራ ጽሓፊ እናቐደደ፡ ኣብቲ ኣብ ምድጃ ዘሎ ሓዊ ደርበዮ፡ እታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ድማ ብዘላ ኣብቲ ምድጃ ሓዊ ሞዂ በለት። 24እቶም ንዂለን እዘን ቃላት እዚኤን ዝሰምዑ ንጉስን ባሮቱን ኣይሰምበዱን ክዳውንቶምውን ኣይቀደዱን። 25ምንም እኳ ኤልናታንን ደላያን ገማርያን ንንጉስ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ከየንድዳ ሊሚኖምዎ ኽነሶም፡ ኣይሰምዖምን። 26እቲ ንጉስ ድማ ንባሩኽ እቲ ጸሓፍን ንኤርምያስ እቲ ነብይን ክሕዙስ ንይርሕሚኤል ወዲ ንጉስን ንሰራያ ወዲ ዓዝርኤልን ንሸልምያ ወዲ ዓብድኤልን ኣዘዞም፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ሰወሮም። 27እቲ ንጉስ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍን ነተን ባሩኽ ካብ ኣፍ ኤርምያስ ዝጸሓፈን ቃላትን ናብ ሓዊ ምስ ኣንደደን፡ ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ፡ 28ከም ብሓድሽ ካልእ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ውሰድ እሞ ነተን ኣብታ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ ዘንደዳ ቐዳመይቲ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ዝነበረ ዂለን ቀደም ቃላት ኣብኣ ጽሓፈን። 29ብዛዕባ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ክትብል ኢኻ፡ ንስኻ፡ እቲ ንጉስ ባቢሎን ብርግጽ ክመጽእ፡ ነዛ ሃገር እዚኣ ኸኣ ከጥፍኣ፡ ካብኣውን ሰብን እንስሳን ከጽንት እዩ፡ ኢልካ ዝጸሓፍካስ ስለምንታይ ኢኻ እናበልካ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ብሓዊ ኣንደድካያ። 30ስለዚ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ካብ ዘርኡ ሓደ እኳ ኣብ ዝፋን ዳዊት ዝቕመጥ ኣይክረክብን እዩ። ሬሳኡ ድማ መዓልቲ ኣብ ሃሩር፡ ለይቲ ኣብ ቁሪ ኽድርበ እዩ። 31ንእኡን ንዘርኡን ንባሮቱን ብሰሪ ኣበሳኦም ክቐጽዖም እዩ። ምስማዕ ኣብዮም እዮም እሞ፡ ኣባታቶምን ኣብቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩ ዘለዉን ኣብ ሰብ ይሁዳን ኲሉ እቲ እተዛረብኩሎም መዓት ከውርደሎም እየ። 32ሽዑ ኤርምያስ ካልእ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ወሲዱ ንባሩኽ፡ ወዲ ኔርያ እቲ ጸሓፊ፡ ሃቦ። ንሱውን ነተን ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ ኣብ ሓዊ ዘንደደን ኲላተን ቃላት እታ መጽሓፍ ካብ ኣፍ ኤርምያስ ኣብኣ ጸሓፈን። ካልእውን ንእአን ዝመስል ብዙሕ ቃላት ተወሰኾ።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 37
1እቲ፡ ነብካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ኣብ ሃገር ይሁዳ ዘንገሶ ጼድቅያስ ወዲ ዮስያስ ኣብ ክንዲ ኢኮንያ ወዲ ዮኣቂም ነገሰ። 2ግናኸ ንሱን ባሮቱን ህዝቢ እታ ሃገርን ነታ እግዚኣብሄር ብነብዪ ኤርምያስ ገይሩ እተናገሮ ቓል ኣይሰምዑን። 3ንጉስ ጼድቅያስ ከኣ ንዮካል ወዲ ሸልምያን ንጸፋንያ፡ ወዲ መኣስያ እቲ ኻህንን፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ለምነልና፡ ክብልዎ ናብ ነብዪ ኤርምያስ ለኣኾም። 4ንኤርምያስ ገና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣየእተውዎን ነበሩ እሞ፡ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ይኣቱን ይወጽእን ነበረ። 5ሰራዊት ፈርኦን ካብ ግብጺ ነቐለ፡ እቶም ንየሩሳሌም ከቢቦምዋ ዝነበሩ ከለዳውያን ከኣ እዚ ወረ እዚ ሰምዑ እሞ ኻብ የሩሳሌም ተዛሕጡ። 6ሽዑ ኸምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ነብዪ ኤርምያስ መጸ፡ 7-8እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ እንሆ፡ እቲ ኽረድኣኩም ኢሉ ዝወጸ ሰራዊት ፈርኦን ናብ ሃገሩ፡ ናብ ግብጺ ኽምለስ እዩ። ከለዳውያን ከኣ ተመሊሶም ነዛ ኸተማ እዚኣ ኽዋግእዋ፡ ሒዞም ድማ ብሓዊ ኸንድድዋ እዮም፡ ይብል ኣሎ ኢልኩም፡ ነቲ ኽትሓቱኒ ኢሉ ናባይ ዝሰደድኩም ንጉስ ይሁዳ ንገርዎ። 9እግዚኣብሄር ከኣ ይብል ኣሎ፡ እቶም ከለዳውያን ኣይክለቁን እዮም እሞ፡ ብርግጽ ክለቁልና እዮም፡ ኢልኩም ንርእስኹም ኣይትጠብሩ፡ 10ንብዘሎ እቲ ዝዋግኣኩም ሰራዊት ከለዳውያን እኳ እንተ ሰዓርኩምዎ እሞ ገለ ውጉኣት ሰባት ጥራይ ካብኦም እንተ ተረፉ፡ እዚኣቶም ነፍሲ ወከፍ ኣብ ደድንኳኑ ምተንስአ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብሓዊ መንደድዋ። 11ኰነ ድማ፡ ሰራዊት ከለዳውያን ብምኽንያት ሰራዊት ፈርኦን ካብ የሩሳሌም ምስ ተዛሕጠ፡ 12ሽዑ ኤርምያስ ካብ የሩሳሌም ወጺኡ ብጽሒት ርስቱ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ኽወስድ፡ ናብ ምድሪ ብንያም ከደ። 13ናብ ደገ ብንያም ምስ በጽሐ ድማ፡ ሓደ ሓለቓ ሓለውቲ ይርያ ዝስሙ፡ ወዲ ሸልምያ ወዲ ሃናንያ፡ ኣብኡ ነበረ፡ ንነብዪ ኤርምያስ ድማ፡ ናብ ከለዳውያን ኢኻ ትጸሉቕ ዘሎኻ፡ ኢሉ ሓዞ። 14ኤርምያስ ከኣ፡ ሓሶት እዩ፡ ናብ ከለዳውያን ኣይጸለቑኩን፡ ኢሉ መለሰ። ይርያ ግና ኣይሰምዖን፡ ንኤርምያስ ሒዙውን ናብ መሳፍንቲ ወሰዶ። 15እቶም መሳፍንቲ ድማ ንኤርምያስ ኰረዩሉን ወቕዕዎን፡ ኣብ ቤት ዮናታን እቲ ጸሓፊ ኸኣ፡ ንእኣ ቤት ማእሰርቲ ገይሮምዋ ነበሩ እሞ፡ ኣብኣ ኣሰርዎ። 16ሽዑ ኤርምያስ ኣብቲ ጒድጓድ ቤት ማእሰርቲ ኣብቲ በዓቲ ኣተወ። ኣብኡ ብዙሕ መዓልቲ ምስ ገበረ ኸኣ፡ 17ሽዑ ንጉስ ጼድቅያስ ልኢኹ ኣምጽኦ። ኣብ ቤቱ ድማ ብሕቡእ፡ ካብ እግዚኣብሄር ዝመጸ ቓልዶ ኣሎ ኢሉ ሓተቶ። ኤርምያስ ከኣ፡ እወ ኣሎ፡ በለ፡ ንስኻ እኳ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትውፈ ኢኻ፡ ኢሉውን መለሰ። 18ድሕሪኡ ኤርምያስ ንንጉስ ጼድቅያስ፡ ንኣኻን ንባሮትካን ነዚ ህዝቢ እዝን እንታይ በዲለ እየ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘእቶኻኒ በሎ። 19እቶም፡ ንጉስ ባቢሎን ኣባኹምን ኣብዛ ሃገር እዚኣን ኣይክመጽእን እዩ፡ ኢሎም ዝንበዩልኩም ዝነበሩ ነብያት ደኣ ኣበይ ኣለዉ 20እምበኣርሲ ኣታ ጐይታይ ንጉስ፡ ጥርዓነይ ኣብ ቅድሜኻ ቅቡል ይኹን፡ ኣብኣ ኸይመውትሲ ኸም ብሓድሽ ናብ ቤት ዮናታን እቲ ጸሓፊ ኣይትምለሰኒ፡ ድማ በሎ። 21ንጉስ ጼድቅያስ ከኣ፡ ኤርምያስ ኣብቲ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ክኸውን፡ ኣብ ጸጽባሕ ድማ፡ ክሳዕ ኣብታ ኸተማ እንጌራ ዝሰኣን፡ ካብ ዕዳጋ ጋገርቲ ሓንቲ እንጌራ ኽህብዎ ኣዘዘ። ኤርምያስ ከኣ ኣብቲ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ተቐመጠ።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 38
1ሸፋጥያ ወዲ መታንን ገዳልያ ወዲ ጳሽሑርን ዩካል ወዲ ሸልማያን ጳሽሑር ወዲ መልክያን ነቲ ኤርምያስ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢሉ ንዂሉ ህዝቢ እተዛረቦ ቓላት ሰምዑ፡ 2ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝቕመጥ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ክመውት እዩ፡ ናብ ከለዳውያን ዝኣቱ ግና ብህይወት ክነብር፡ ነፍሱ ድማ ዘመታኡ ኽትኰነሉ እያ፡ ብህይወት ከኣ ክነብር እዩ፡ 3እዛ ኸተማ እዚኣ ብርግጽ ኣብ ኢድ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን ክትውፈ እያ፡ ንሱውን ክሕዛ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 4እቶም መሳፍንቲ ኸኣ ነቲ ንጉስ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ጒድኣት እዚ ህዝቢ እዚ እምበር፡ ደሓኑ ዘይደሊ ስለ ዝዀነ፡ ከምዚ ዘመሰለ ቓላት እናተዛረቦም፡ ኣእዳው እቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ተሪፎም ዘለዉ ተዋጋእትን፡ ኣእዳው ኲሉ ህዝብን የድክም ኣሎ እሞ፡ ነዚ ሰብኣይ እዚ ኣቕትሎ ደኣ፡ በሉ። 5ንጉስ ጼድቅያስ ከኣ፡ ንጉስ ክገጥመልኩም ኣይክኣሎን እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ ኢድኩም እዩ፡ በለ። 6ሽዑ ንኤርምያስ ወሲዶም፡ ናብታ ኣብ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረት ዔላ ናይ መልክያ ወዲ ሃሜሌክ ደርበይዎ፡ ንኤርምያስ በግማድ ገይሮም ኣውረድዎ። ኣብቲ ዔላውን ጭቃ እምበር፡ ማይ ኣይነበረን እሞ ኤርምያስ ኣብቲ ጭቃ ተዋሕጠ። 7እቲ ኣብ ቤት ንጉስ ዝነበረ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ዔብድ-ሜሌክ ንኤርምያስ ናብታ ዔላ ኸም ዘእተውዎ ሰምዐ፡ —ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብታ ደገ ብንያም ተቐሚጡ ነበረ፡ — 8-9ዔብድ-ሜሌክ ከኣ ካብ ቤት ንጉስ ወጺኡ፡ ንንጉስ፡ ኣታ ጐይታይ ንጉስ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብቲ ናብ ዔላ ዝደርበይዎ ነብዪ ኤርምያስ ዝገበርዎ ዂሉስ እከይ ገይሮም ኣለዉ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ እንጌራ የልቦን እሞ፡ ንሱ ኣብታ ዘለዋ ብጥሜት ክመውት እዩ፡ ኢሉ ነገሮ። 10እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ኢትዮጵያዊ ዔብድ-ሜሌክ፡ ካብዚ ሰላሳ ሰብኣይ ተማላእ እሞ ንነብዪ ኤርምያስ ከይሞተ ኻብታ ዔላ ኣውጽኣዮ፡ ኢሉ ኣዘዞ። 11ዔብድ-ሜሌክ ከኣ ነቶም ሰብኡት ተማሊኡ፡ ናብ ኣዳራሽ ንጉስ ኣብ ትሕቲ እቲ ቤት መዝገብ ኣትዩ፡ ካብኣ ቕዳድ ኣጭርቕትን ብላይ ክዳውንትን ወሰደ እሞ ብገመድ ገይሩ ናብታ ዔላ ናብ ኤርምያስ ኣውረዶ። 12እቲ ኢትዮጵያዊ ዔብድ-ሜሌክ ድማ ንኤርምያስ፡ እዚ ቕዳድ ኣጭርቕትን ብላይ ክዳውንትን ኣብ ትሕቲ ትሽትሽካ ኣብ ትሕቲ ኣግማድ ግበሮ፡ በሎ። ኤርምያስ ከኣ ከምኡ ገበረ። 13ንሳቶም ድማ ንኤርምያስ በግማድ ስሒቦም ካብቲ ዔላ ኣውጽእዎ። ኤርምያስ ከኣ ኣብቲ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ተቐመጠ። 14ሽዑ ንጉስ ጼድቅያስ ናብ ነብዪ ኤርምያስ ለኣኸ፡ ናብታ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘላ ሳልሰይቲ ኣፍ ደገ ኸኣ ናብኡ ኣምጽኦ። እቲ ንጉስውን ንኤርምያስ፡ ሓንቲ ነገር ዝሓተካ ኣላትኒ እሞ፡ ሓንቲ እኳ ኣይትሕብኣለይ፡ በሎ። 15ኤርምያስ ድማ ንጼድቅያስ፡ እንተ ነገርኩኻ፡ ብርግጽዶ ኣይትቐትለንን ኢኻ እንተ መኸርኩኻ ኸኣ፡ ኣይክትሰምዓንን ኢኻ፡ በሎ። 16ሽዑ ንጉስ ጼድቅያስ ንኤርምያስ፡ ከይቀትለካን ኣብ ኢድ እዞም ነፍስኻ ዝደልዩ ዘለዉ ኣሕሊፈ ኸይህበካን፡ እዛ ነፍሲ እዚኣ ዝገበረልና እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ኢሉ ብሕቡእ መሓለሉ። 17-18ሽዑ ኤርምያስ ንጼድቅያስ፡ ወጺእካ ናብቶም መሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎን እንተ ኼድካ፡ ነፍስኻ ብህይወት ክትነብር እያ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብሓዊ ኣይክትነድድን እያ፡ ንስኻን ቤትካን ከኣ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም። ግናኸ ወጺእካ ናብ መሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎን እንተ ዘይከድካ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ናብ ኢድ ከለዳውያን ክትውፈ፡ ንሳቶም ከኣ ብሓዊ ኸንድድዋ እዮም፡ ንስኻውን ካብ ኢዶም ኣይከተምልጥን ኢኻ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ኢሉ ነገሮ። 19ንጉስ ጼድቅያስ ድማ ንኤርምያስ፡ ኣብ ኢድ እቶም ናብ ከለዳውያን ዝኣተዉ ኣይሁድ ኣሕሊፎም ከይህብኒ እሞ ከየላግጹለይ እፈርህ ኣሎኹ፡ በሎ። 20ኤርምያስ ከኣ፡ ኣሕሊፎም ኣይክህቡኻን እዮም፡ በለ። ክቐንዓካ ነፍስኻውን ብህይወት ክትነብርሲ፡ ኣብዛ ኣነ ዝብለካ ዘሎኹ ቓል ንድምጺ እግዚኣብሄር ደኣ ስማዕ። 21ኣይወጽእን ኢልካ እንተ ኣቤኻ ግና፡ እቲ እግዚኣብሄር ዘርኣየኒ ነገር እዚ እዩ፡ 22እንሆ፡ ኲለን እተን ኣብ ቤት ንጉስ ይሁዳ ተሪፈን ዘለዋ ኣንስቲ ናብቶም መሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎን ከውጽእወን እዮም እሞ፡ ፈተውትኻ ጠበሩኻን ኣስድዑኻን፡ ኣእጋርካ ኣብ ተኺላ ተሸርባ፡ ንሳቶም ከኣ ኣድሓርሓሩ፡ ክብላ እየን። 23ኲለን ኣንስትኻን ደቅኻን ናብ ከለዳውያን ከውጽእዎም እዮም፡ ንስኻውን ብኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትትሓዝ ኢኻ እምበር፡ ካብ ኢዶም ኣይከተምልጥን ኢኻ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብሰርኻ ብሓዊ ኽትነድድ እያ፡ በለ። 24ሽዑ ጼድቅያስ ንኤርምያስ፡ ከይትመውትሲ፡ ነዘን ቃላት እዚኤን ሓደ እኳ ኣይፍለጠን፡ በሎ። 25እቶም መሳፍንቲ ምሳኻ ኸም እተዛረብኩ እንተ ሰምዑ፡ ናባኻ መጺኦም ድማ፡ ንንጉስ እንታይ ከም ዝበልካዮ፡ እቲ ንጉስ ድማ እንታይ ከም ዝበለካ ኸይሓባእካ ንገረና እሞ ኣይክንቀትለካን ኢና። እንተ በሉኻ፡ 26ንስኻ ድማ፡ ኣብኣ ኸይመውትሲ ናብ ቤት ዮናታን ከም ብሓድሽ ኣይትምለሰኒ፡ ኢለ እየ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ዝለመንኩ፡ በሎም። 27ኲሎም እቶም መሳፍንቲ ናብ ኤርምያስ መጺኦም ሓተትዎ። ንሱ ኸኣ ከምተን እቲ ንጉስ ዝኣዘዘን ኲለን ቃላት ገይሩ ተዛረቦም። እቲ ነገር ኣይተሰምዐን ነበረ እሞ፡ ትም ኢሎም ከዱሉ። 28ኤርምያስ ድማ ክሳዕ እታ የሩሳሌም እተታሕዘትላ መዓልቲ ኣብ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ተቐሚጡ ነበረ። የሩሳሌም ክትትሓዝ ከላ ኸኣ ኣብኣ ነበረ።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 39
1ኣብ ታስዓይ ዓመቱን ኣብ ዓስራይ ወርሑን ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎንን ኲሎም ሰራዊቱን መጺኦም ንየሩሳሌም ከበብዋ። 2ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመቱ ንጼድቅያስ፡ ኣብ ራብዓይ ወርሒ፡ ነቲ ወርሒ ድማ ኣብ ታስዓይ መዓልቱ፡ እታ ኸተማ ጋህ ኢላ ተኸፍተት። 3ሽዑ ዂሎም መሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብኣ ኣተዉ፡ ኔርጋል ሸሬጽር፡ ስምጋር ኔቡ፡ ሳርስኪም እቲ ሓለቓ ስሉባት፡ ኔርጋል ሸሬጽር ሓለቓ ፈላጦ፡ ምስ ኲሎም እቶም ካልኦት መሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎን ከኣ ኣብታ ማእከለይቲ ደገ ተቐመጡ። 4ኰነ ኸኣ፡ ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳን እቶም ተዋጋእቲ ሰባትን ምስ ረኣይዎም፡ ብለይቲ ኻብታ ኸተማ በቲ መገዲ ኣታኽልቲ ንጉስ፡ በታ ኣብ መንጎ እቲ ኽልተ ቐጽሪ ዘላ ደገ ወጽኦም ሃደሙ። ንሱውን መገዲ ጐልጐል ሒዙ ወጸ። 5ሰራዊት ከለዳውያን ግና እናጐየዩ ሰዓብዎም፡ ንጼድቅያስ ከኣ ኣብ መሮር ያሪኮ ኣርከብዎ። ሒዞም ድማ ናብ ነብካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ኣብ ሪብላ ኣብ ሃገር ሃማት ኣምጽእዎ። ንሱውን ፍርዱ ተዛረበ። 6ሽዑ ንጉስ ባቢሎን ንደቂ ጼድቅያስ ኣብ ሪብላ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሓረዶም፡ ንዂሎም እቶም ከበርቱ ይሁዳ ኸኣ ንጉስ ባቢሎን ሓረዶም። 7ንጼድቅያስ ኣዒንቱ ኣንቈሮ፡ ናብ ባቢሎን ክወስዶ ድማ፡ ብድርብ መቑሕ ነሓሲ ኣሰሮ። 8እቶም ከለዳውያን ከኣ ንቤት ንጉስን ነባይቲ ህዝብን ብሓዊ ኣንደድወን፡ ቀጽርታት የሩሳሌም ድማ ኣፍረሱ። 9ናቡዘራዳን ሓለቓ ዘብዐኛታት ነቲ ኣብታ ኸተማ ዝተረፈ ህዝብን ነቶም ቅድም ኣብኡ ዝኣተዉን ነቲ ተረፍ ህዝብን ማረኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም። 10ነቶም ሓንቲ እኳ ዘይብሎም ድኻታት ህዝቢ ግና ናቡዘራዳን ሓለቓ ዘብዐኛታት ኣብ ሃገር ይሁዳ ይቀመጡ ሓደጎም፡ ቦታ ኣታኽልቲ ወይንን ግርሁን ከኣ ሃቦም። 11-12ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ድማ ንናቡዘራዳን ሓለቓ ዘብዐኛታት ብዛዕባ ኤርምያስ፡ ውሰዶ እሞ ብጽቡቕ ዓይኒ ርኣዮ፡ ከምቲ ዝብለካ ደኣ ግበረሉ እምበር፡ ገለ ኽፉእ ኣይትግበሮ፡ ኢሉ ኣዘዞ። 13ሽዑ ናቡዘራዳን ሓለቓ ዘብዐኛታት ናቡሻዝባን ሓለቓ ስሉባትን ኔርጋል ሸሬጽር ሓለቓ ፈላጦን ኲሎም መኳንንቲ ንጉስ ባቢሎንን ለኣኹ፡ 14ልኢኾም ንኤርምያስ ካብ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ኣውጽእዎ። ንገዳልያ። ወዲ ኣሂቃም ወዲ ሻፋን፡ ናብ ቤቱ ኽወስዶ ሃብዎ። በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተቐመጠ። 15ኤርምያስ ኣብቲ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ኸሎ ኸኣ፡ ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መጸ፡ 16ኬድካ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ ኢልካ ነቲ ኢትዮጵያዊ ዔብድ-ሜሌክ ንገሮ፡ እንሆ፡ ነተን ኣብዛ ኸተማ እዚኣ እተዛረብክወን ቃላት ንመዓታ እምበር፡ ንደሓና ዘይኰነ ኸውርደላ እየ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኣብ ቅድሜኻ ኽፍጸማ እየን። 17በታ መዓልቲ እቲኣ ኸናፍግፈካ እየ፡ ንስኻ ድማ ኣብ ኢድ እቶም እተፈርሆም ዘሎኻ ሰባት ኣይክትውሃብን ኢኻ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 18ኣባይ ስለ እተወከልካ፡ ኣነ ብርግጽ ከድሕነካ እየ እሞ፡ ነፍስኻ ዘመተ ኽትኰነልካ እያ እምበር፡ ብሰይፊ ኣይክትወድቕን ኢኻ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 40
1ኤርምያስ ኣብ ማእከል እቶም ካብ የሩሳሌምን ይሁዳን ናብ ባቢሎን ተማሪኾም ዝኸዱ ዂሎም ምሩኻት ብሰንሰለት ተኣሲሩ ኸሎ፡ ናብዘራዳን ሓለቓ ዘብዐኛታት ምስ ኣምጽኦ ኻብ ራማ ፈቲሑውን ምስ ፈነዎ፡ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ቃል መጸ። 2እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ከኣ ንኤርምያስ ኣምጺኡ በሎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እዚ መዓት እዚ ነዛ ቦታ እዚኣ ተናጊሩላ ነበረ። 3እግዚኣብሄር ድማ ኣምጽኦ፡ ከምቲ እተናገሮ ኸኣ ገበረ። ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደልኩምዎ፡ ድምጹውን ስለ ዘይሰማዕኩም፡ ስለዚ እዚ ነገር እዚ በጽሓኩም። 4ሕጂ ኸኣ እንሆ፡ ሎሚ ኻብቲ ኣብ ኣእዳውካ ዘሎ ሰንሰለት እፈትሓካ ኣሎኹ። ናብ ባቢሎን ምሳይ ክትከይድ ፍታውካ እንተ ዀነ፡ ንዓናይ፡ ኣነውን ብጽቡቕ ዓይኒ ኽርእየካ እየ። ምሳይ ናብ ባቢሎን ክትከይድ ባህ እንተ ዘይበለካ ግና፡ ተቐመጥ፡ እንሆ፡ ኲሉ እዚ ሃገር ኣብ ቅድሜኻ እዩ፡ ናብቲ ኽትከዶ ጽቡቕን ቅኑዕን ኰይኑ እተራእህየካ ናብኡ ኺድ። 5ንምምላስ ምስ ደንጐየ፡ ደጊሙ፡ ናብቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ኸተማታት ይሁዳ ዝሸሞ ገዳልያ፡ ወዲ ኣሂቃም ወዲ ሻፋን፡ ተመለስ፡ ምስኡውን ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተቐመጥ፡ ወይስ ኣብቲ ቕኑዕ ኰይኑ እተራእየካ ኺድ፡ በሎ። እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ከኣ ስንቅን ህያብን ሂቡ ኣሰናበቶ። 6ሽዑ ኤርምያስ ናብ ገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ኣብ ሚጽጳ ኸደ እሞ፡ ምስኡ ኣብ ማእከል እቶም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ህዝቢ ተቐመጠ። 7ኲሎም እቶም ኣብ ሃገረ ሰብ ዝነበሩ ሓላቑ ሰራዊት፡ ንሳቶምን ሰቦምን፡ እቲ ንጉስ ባቢሎን ንገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ከም ዝሸሞ እሞ ንሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ነቶም ናብ ባቢሎን ከይተማረኹ ተሪፎም ዝነበሩ ድኻታት እታ ሃገርን ከም ዘማዕቈቦ ምስ ሰምዑ፡ 8እስማኤል ወዲ ነታንያ፡ ዮሃናንን ዮናታንን ደቂ ቃሬሃ፡ ሰራያ ወዳ ተንሁሜት ደቂ ኤፋይ እቲ ነጦፋታይ፡ ይዘንያ ወዲ ማእካታዊ፡ ንሳቶምን ሰቦምን ናብ ገዳልያ ኣብ ሚጽጳ መጹ። 9ገዳልያ፡ ወዲ ኣሂቃም ወዲ ሻፋን፡ ንኣታቶምን ንሰቦምን ከምዚ ኢሉ መሓለሎም፡ ንከለዳውያን ከይፈራህኩም ተገዝእዎም። ንንጉስ ባቢሎን ተገዝኡ፡ ኣብዛ ሃገር ከኣ ተቐመጡ እሞ ደሓን ክትረኽቡ ኢኹም። 10እንሆ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ናባና ዝመጹ ከለዳውያን ክቐውምሲ ኣብ ሚጽጳ ክቕመጥ እየ፡ ንስኻትኩም ግና ወይንን ፍረን ዘይትን ኣክቡ፡ ኣብ ኣቓሑኹም ከኣ ኣንብሩ እሞ ኣብተን ዝሓዝኩምወን ከተማታትኩም ተቐመጡ። 11ኲሎም እቶም ኣብ ሞኣብን ኣብ ማእከል ደቂ ዓሞንን ኣብ ኤዶምን ኣብ ኲሉ ሃገራትን ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ እቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ይሁዳ ተረፍ ከም ዝሓደገ፡ ንገዳልያ፡ ወዲ ኣሂቃም ወዲ ሻፋን ድማ ከም ዝሸመሎም ምስ ሰምዑ፡ 12ሽዑ ዂሎም ኣይሁድ ከካብቲ ተሰጒጎምዎ ዝነበሩ ዂሉ ቦታ ተመልሱ እሞ ናብ ሃገር ይሁዳ ናብ ገዳልያ ኣብ ሚጽጳ ኣተዉ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ወይንን ፍረን ድማ ኣከቡ። 13ዮሃናን ወዲ ቃሬሃን ኲሎም እቶም ኣብ ሃገር ሰብ ዝነበሩ ሓላቑ ሰራዊትን ናብ ገዳልያ ኣብ ሚጽጳ መጹ እሞ፡ 14ብዓሊስ ንጉስ ደቂ ዓሞን ንእስማኤል ወዲ ነታንያ ክቐትለካ ኢሉ ኸም ዝሰደዶዶ ትፈልጥ ኣሎኻ በልዎ። ገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ግና ኣይኣመኖምን። 15ዮሃናን ወዲ ቃሬሃ ንገዳልያ ኣብ ሚጽጳ፡ እቶም ኣባኻ እተኣከቡ ኣይሁድ ፋሕ ክብሉ፡ እቶም ተፈፍ ይሁዳ ድማ ክጠፍኡስ፡ ስለምንታይ እስማኤል ወዲ ነታንያ ንኣኻ ዝቐትለካ ሓደ እኳ ኸይፈለጠ ኸይደ ክቐትሎ ዀታ ሕደገኒ፡ ኢሉ ብሕቡእ ተዛረቦ። 16ገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ግና ንዮሃናን ወዲ ቃሬሃ፡ ንስኻ ንእስማኤል ትሕስወሉ ኢኻ ዘሎኻ እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ኣይትውዓሎ፡ በሎ።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 41
1ኰነ ኸኣ፡ ኣብቲ ሳብዓይ ወርሒ እቲ ኻብ ዘርኢ ንጉስን ካብ መኳንንቲ ንጉስን ዝነበረ እስማኤል፡ ወዲ ነታንያ ወዲ ኤሊሻማዕ፡ ዓሰርተ ሰብ ሒዙ ናብ ገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ናብ ሚጽጳ መጸ። ኣብኣ ኣብ ሚጽጳ ኸኣ ሓቢሮም እንጌራ በልዑ። 2ሽዑ እስማኤል ወዲ ነታንያን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዓሰርተ ሰብን ተንሲኦም ነቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ እቲ ሃገር ሸይምዎ ዝነበረ ገዳልያ፡ ወዲ ኣሂቃም ወዲ ሻፋን፡ ብሰይፊ ቀንጺሎም ቀተልዎ። 3እስማኤል ከኣ ነቶም ምስ ገዳልያ ኣብ ሚጽጳ ዝነበሩ ዂላቶም ኣይሁድን ነቶም ከለዳውያን ኣብኡ ዝጸንሑ ተዋጋእትን ቀተሎም። 4ኰነ ኸኣ ኣብ ጽባሕ እቲ ንገዳልያ ዝቐተለሉ፡ — ሓደ እኳ ኸይፈለጦ ኸሎ፡ — 5ካብ ሴኬምን ካብ ሲሎን ካብ ሰማርያን ጭሕሞም ዝላጸዩ፡ ክዳኖም ዝቐደዱ፡ ሰብነቶም ዘቑሰሉ ሰማንያ ሰብ መስዋእቲ ብልዕን ዕጣንን ኣብ ኢዶም ሒዞም፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከቕርቡ መጹ። 6እስማኤል ወዲ ነታንያ ኸኣ ካብ ሚጽጳ እናበኸየ ክቕበሎም ወጸ። ኰነ ኸኣ፡ ምስ ተቐበሎም፡ ንዑናይ፡ ናብ ገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ንኺድ፡ በሎም። 7ኣብ ማእከል ከተማ ምስ ኣተዉ ግና፡ እስማኤል ወዲ ነታንያ ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ኰይኑ ሓረዶም፡ ኣብ ዔላ ኸኣ ደርበዮም። 8ካብኦም ድማ ዓሰርተ ሰብ ንእስማኤል፡ ሕቡእ መዝገብ፡ ስርናይን ስገምን ዘይትን መዓርን ኣብ መሮር ኣሎና እሞ፡ ኣይትቕተለና፡ ዝብልዎ ተረኽቡ፡ ንሱውን ምስቶም ኣሕዋቶም ከይቀተለ ሓደጎም። 9እታ፡ እስማኤል ንዂሉ ሬሳታት እቶም ዝቐተሎም ሰባት ኣብ ጥቓ ገዳልያ ዝደርበየላ ዔላ፡ — ንሳ ንጉስ ኣሳ ንባዕሳ ንጉስ እስራኤል ፈሪሁ ዘግበራ እያ፡ — ንእኣ እስማኤል ወዲ ነታንያ በቶም ቅቱላት መልኣ። 10እስማኤል ከኣ ነቶም ኣብ ሚጽጳ ዝነበሩ ዂሎም ተረፍ ህዝቢ፡ ነዋልድ ንጉስን ንዂሉ እቲ ናቡዘራዳን ሓለቓ ዘብዐኛታት ንገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ዘማዕቈቦ ኣብ ሚጽጳ ዝተረፈ ህዝብን ማሪኹ ወሰዶም እሞ ናብ ደቂ ዓሞን ክኣቱ ነቐለ። 11ዮሃናን ወዲ ቃሬሃን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዂሎም ሓላቑ ሰራዊትን እቲ እስማኤል ወዲ ነታንያ ዝገበሮ ዂሉ እኩይ ምስ ሰምዑ፡ 12ኲሉ ሰቦም ሒዞም ንእስማኤል ወዲ ነታንያ ኽዋግእዎ ኸዱ እሞ ኣብቲ ኣብ ጊብዖን ዘሎ ብዙሕ ማያት ረኸብዎ። 13ኰነ ኸኣ፡ ኲሉ እቲ ምስ እስማኤል ዝነበር ህዝቢ ንዮሃናን ወዲ ቃሬሃን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ዂሎም ሓላቑ ሰራዊትን ምስ ረኣየ፡ ተሓጐሰ። 14ኲሉ እቲ እስማኤል ካብ ሚጽጳ ማሪኹ ዝወሰዶ ህዝቢ ኸኣ ተገልበጠ ናብ ዮሃናን ወዲ ቃሬሃውን ተመሊሱ ኸደ። 15እስማኤል ወዲ ነታንያ ግና ምስ ሾሞንተ ሰብኣይ ካብ ዮሃናን ኣምለጠ፡ ናብ ደቂ ዓሞን ከኣ ኸደ። 16ሽዑ ዮሃናን ወዲ ቃሬሃን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዂሎም ሓላቑ ሰራዊትን ነቲ፡ እሰማኤል ወዲ ነታንያ ንገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ምስ ቀተሎ፡ ካብ ሚጽጳ ማሪኹ ዝወሰዶ ዂሉ ተረፍ እቲ ህዝቢ፡ ነቶም ካብ ጊብዖን ዘምለሶም ተዋጋእትን ኣንስትን ቈልዑን ስሉባት ካብኡ ወሰዶም፡ 17-18እስማኤል ወዲ ነታንያ፡ ነቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝሸሞ ገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ስለ ዝቐተሎ፡ በቶም ከለዳውያን ይፈርሁ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ምስሪ ኽኣትዉ ኢሎም ነቐሉ፡ ኣብታ ኣብ ጥቓ ቤት ልሄም ዘላ ቤት ጋሻ ናይ ኬምሃም ከኣ ሰፈሩ።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 42
1ሽዑ ዂሎም ሓላቑ ሰራዊትን ዮሃናን ወዲ ቃሬሃን ይዘንያ ወዲ ሆሻዕያን ኲሉ እቲ ህዝቢውን ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ ቐሪቡ፡ 2-3ንነብዪ ኤርምያስ ድማ፡ ኣዒንትኻ ይርእያና ኸም ዘለዋ፡ ካብ ብዙሓት ሒዶት ተሪፍና ኢና እሞ፡ ልማኖና ዀታ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንኸደላ መገድን እንገብሮ ግብርን ክሕብረልናስ፡ ስለ ዂሎም እዞም ተረፍ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ለምነልና፡ በልዎ። 4ነብዪ ኤርምያስ ከኣ፡ ሰሚዐ ኣሎኹ፡ እንሆ፡ ከምቲ ቓልኩም ገይረ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክልምኖ እየ። እግዚኣብሄር ዝመልሰልኩም ዘበለ ቓል ድማ ክነገርኩም፡ ሓንቲ እኳ ኣይክሓብኣልኩምን እየ፡ በሎም። 5-6ንሳቶም ከኣ ንኤርምያስ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኣኻ ገይሩ ዝሰደደልና ዂሉ ቓላት እንተ ዘይገበርና፡ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎና ሓቀኛን እሙንን ምስክር ይኹነና። ንድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ተኣዚዝና ደሓን ምእንቲ ኽንረክብ፡ እንተ ጸቢቑ እንተ ኸፊኡ ንድምጺ እቲ ናብኡ እንልእከካ ዘሎና እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢና እንእዘዝ በልዎ። 7ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ። 8ንሱ ኸኣ ንዮሃናን ወዲ ቃሬናን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ኽሎም ሓላቑ ሰራዊትን ንዂሉ እቲ ህዝቢ ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብይን ጸውዖም፡ 9በሎም ከኣ፡ እቲ ልማኖኹም ኣብኡ ከቕርበልኩም ዝለኣኽኩምኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ 10ነቲ ዝገበርኩኹም እኩይ እጥዓሰሉ ኣሎኹ እሞ፡ ኣብዛ ሃገር እዚኣ እንተ ተቐመጥኩምሲ፡ ክሃንጸኩም እምበር፡ ኣይከፍርሰኩምን እየ፡ ክተኸለኩም እምበር፡ ኣይክምንቁሰኩምን እየ። 11ኣነ ኸድሕነኩም ካብ ኢዱውን ከናግፈኩምሲ ምሳኻትኩም እየ እሞ፡ ነቲ እትፈርህዎ ዘሎኹም ንጉስ ባቢሎን ኣይትፍርህዎ፡ ኣይትፍርህዎ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 12ክምሕረኩም እየ፡ ንሱ ኸኣ ከም ዝምሕረኩምን ናብ ሃገርኩም ከም ዝመልሰኩምን ክገብር እየ። 13-14ግናኸ ንድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ዘይተኣዘዝኩም እሞ፡ ኣይፋልናን፡ ናብታ ውግእ ዘይንርእየላ፡ ቃና መለኸት ዘይንሰምዓላ፡ እንጌራ ዘይንጠምየላ ሃገር ግብጺ ግዒዝና ኽንቅመጥ ኢና እምበር፡ ኣብዛ ሃገር እዚኣስ ኣይንቕመጥን፡ እንተ በልኩም፡ 15እምበኣርስኸ ኣቱም ተረፍ ይሁዳ፡ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ እሞ ቓል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ናብ ግብጺ ንምእታው ገጽኩም እንተ መለስኩም፡ ኣብኣ ኽትቅመጡውን እንተ ገዓዝኩም፡ 16ሽዑ እቲ እትፈርህዎ ሰይፊ ኣብኣ፡ ኣብ ሃገር ግብጺ፡ ከርክበኩም፡እቲ እትፈርህዎ ጥሜት ከኣ ናብኣ፡ ናብ ግብጺ ኽስዕበኩም እዩ እሞ ኣብኣ ኽትሞቱ ኢኹም። 17ኲሎም እቶም ኣብኣ ክቕመጡ ኢሎም ገጾም ናብ ግብጺ ዝመለሱ ሰባት ኣብኣ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ክሞቱ እዮም፡ ካባታቶም ከኣ ካብቲ ኣነ ዘውርደሎም መዓት ሓደ እኳ ኣይክተርፍን፡ ኣይከምልጥንውን እዩ። 18እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምቲ ዂራይን ነድረይን ኣብቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩ እተኻዕወ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ግብጺ ምስ ኣቶኹም፡ ነድረይ ናባኻትኩም ክኲዖ እዩ፡ ንስኻትኩም ከኣ ንመሰክሕን ንመስደመምን ንመራገምን ንመጻረፍን ክትኰኑ ድሕርዚውን ነዛ ቦታ እዚኣ ኣይክትርእይዋን ኢኹም፡ ይብል ኣሎ። 19ኣቱም ተረፍ ይሁዳ፡ እግዚኣብሄር፡ ናብ ግብጺ ኣይትኺዱ፡ ኢሉ ተዛሪቡኩም እዩ። ኣነውን ነዚ ሎሚ ኸም ዝመስከርኩልኩም፡ ኣርጊጽኩም ፍለጡ። 20ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ለምነልና፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝብሎ ዂሉ ንገረና፡ ንሕና ድማ ክንገብሮ ኢና፡ ኢልኩም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ልኢኽኩምኒ ኢኹም እሞ፡ በዝስ ንነፍስኹም ኢኹም ዝጠበርኩም። 21እምበኣርሲ ሎሚ ኣፍሊጠኩም እየ፡ ንስኻትኩም ግና በቲ ናባኻትኩም ዝለኣኸኒ ዂሉ ንድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይተኣዘዝኩምን። 22ስለዚ ኣብታ ኽትቅመጥዋ ኢልኩም ክትከድዋ እትደልዩ ዘሎኩም ቦታ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ከም እትሞቱ፡ ኣርጊጽኩም ፍለጡ።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 43
1ኰነ ድማ፡ ኤርምያስ ንዂሉ እዚ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኾም፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ናባታቶም ዝለኣኾ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ዂለን እተን ቃላት ምንጋር ምስ ወድአ፡ 2-3ሽዑ ኣዛርያ ወዲ ሆሻዕያን ዮሃናን ወዲ ቃሬሃን ኲሎም እቶም ዕቡያት ሰብኡትን ንኤርምያስ፡ ኣታ፡ ሓሶት ተዛረብካ፡ ባሩኽ ወዲ ኔርያ ደኣ እዩ ናብ ኢድ ከለዳውያን ክንውፈን ንሳቶም ክቐትሉናን ናብ ባቢሎን ክማርኹናን ኢሉ ኣባና ዘነድረካ ዘሎ እምበር፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽናስ፡ ኣብኡ ኽትቅመጡ ናብ ግብጺ ኣይትግዓዙ በሎም፡ ኢሉ ኣይለኣኸካን፡ በልዎ። 4ዮሃናን ወዲ ቃሬሃን ኲሎም ሓላቑ ሰራዊትን ኲሉ እቲ ህዝብን ነቲ ኣብ ሃገር ይሁዳ ተቐመጡ ዝብሎም ቃል እግዚኣብሄር ኣይተኣዘዝዎን። 5ዮሃናን ወዲ ቃሬሃን ኲሎም ሓላቑ ሰራዊትን ነቶም ካብ ኲሎም እቶም ተሰጒጎምዎም ዝነበሩ ህዝብታት ናብ ሃገር ይሁዳ ክቕመጡ እተመልሱ ዂሎም ተረፍ ይሁዳ ምሳታቶም ወሰዱ፡ 6ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣዋልድ ንጉስን ኲሎም እቶም ናቡዘራዳን ሓለቓ ዘብዐኛታት ምስ ገዳልያ፡ ወዲ ኣሂቃም ወዲ ሻፋን፡ ዝሓደጎም ሰባትን ምሳታቶምውን ንነብዪ ኤርምያስን ንባሩኽ ወዲ ኔርያን ወሰዱ። 7ንድምጺ እግዚኣብሄር ኣይሰምዑን እሞ፡ ናብ ግብጺ ገዓዙ፡ ክሳዕ ታህጳኔስ ከኣ በጽሑ። 8ሽዑ ኣብ ታህጳኔስ ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ፡ 9ዓበይቲ ኣእማን ብኢድካ ውሰድ እሞ ኣብታ ኣብ ደገ ቤት ፈርኦን ኣብ ታህጳኔስ ዘላ ጭቃ ናይ እቶን ጡብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እቶም ሰብኡት ይሁዳ ሕብኣየን። 10እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎውን በሎም፡ እንሆ፡ ኣነ ንጊልያይ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ልኢኸ ኸምጽኦ እየ፡ ንዝፋኑ ድማ ኣብ ልዕሊ እዘን ዝሓባእክወን ኣእማን ከንብሮ እየ፡ ንሱ ኸኣ ድንኳን መንግስቱ ኣብ ልዕሊኤን ክዝርግሕ እዩ። 11ንሱ ኽመጽእ፡ ንሃገር ግብጺ ኸኣ ክወቕዓ እዩ እሞ ዝመውት ንሞት፡ ዝማረኽ ንምርኮ ዝስየፍ ንሰይፊ ኽውፈ እዩ። 12ኣብ ኣባይቲ ኣማልኽቲ ግብጺ ድማ ሓዊ ኽትኲስ እየ። ንሱ ኸኣ ከንድደንን ክማርኾምን እዩ፡ ጓሳ ብኽዳኑ ኸም ዝኽደን፡ ንሃገር ግብጺ ክኽደና፡ ካብኣውን ብደሓን ክወጽእ እዩ። 13ንሱ ድማ ነቲ ኣብ ሃገር ግብጺ ዘሎ ኣዕኑድ ቤት-ሸመሽ ክሰባብር፡ ነቲ ኣባይቲ ኣማልኽቲ ግብጺውን ብሓዊ ኸንድዶ እዩ።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 44
1ብዛዕባ እቶም ኣብ ሃገር ግብጺ ዝነበሩ፡ ኣብ ሚግዶል፡ ኣብ ታህጳኔስ፡ ኣብ ኖፍ፡ ኣብ ሃገር ጳጥሮስ ተቐሚጦም ዝነበሩ ዂሎም ኣይሁድ፡ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል እዚ እዩ፡ 2-3እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብሰሪ እቲ፡ — ንሳቶም ኰነ፡ ንስኻትኩም ኰነ፡ ኣቦታትኩም ኰነ፡ — ንዘይፈለጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኸገልግሉን ዕጣን ክዓጥኑን እናኸዱ ኸቑጥዑኒ ኢሎም ዝገበርዎ ዂሉ ኽፍኣቶም፡ ኲሉ እቲ ኣነ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኲለን ከተማታት ይሁዳን ዘውረድክዎ ዂሉ መዓት ርኢኹምዎ ኣሎኹም። እንሆ ኸኣ፡ ሎሚ ባዲመን፡ ሓደ እኳ ዝነብረለን የልቦን። 4ኣነስ ንዂላቶም ባሮተይ ነብያት ለኣኽኩልኩም፡ እዚ ዝጸልኦ ዘሎኹ ርኹስ ነገር ኰታ ኣይትግበሩ፡ ኢለ ኣንጊሀ ለኣኽኩ። 5ንሳቶም ግና ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምዕጣን ክሓድጉ፡ ካብ ክፍኣቶም ድማ ክምለሱ ኣይተኣዘዙን፡ ኣእዛኖም ከኣ ጽን ኣየበሉን። 6ስለዚ ድማ ቁጥዓይን ኲራይን ተኻዕወ፡ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌምን ነደደ። ንሳተን ድማ፡ ከምዚ ሎሚ ዀይነናኦ ዘለዋ፡ ዑናን ምድረ በዳን ኰና። 7-8ሕጂ ኸኣ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብታ ኽትነብሩላ ኢልኩም ዝመጻእኩምዋ ሃገር ግብጺ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዕጣን ብምዕጣንኩም ብግብሪ ኢድኩም እናኣዀሬኹምኒ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ቈልዓን ዕሸልን ሓደ እኳ ኸይተረፈ ኻብ ማእከል ይሁዳ ኽትጸንቱ፡ ኣብ ኲሎም ህዝብታት ምድሪ ድማ መራገምን መጻረፍን ኴንኩም ክትጸንቱስ ስለምንታይ ኢኹም ኣብ ነፍስኹም ክንድዚ ዓብዪ እከይ እትገብሩ ዘሎኹም 9ነቲ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌምን ዝገበርዎ ኽፍኣት ኣቦታትኩምን ነቲ ኽፍኣት ነገስታት ይሁዳን ነቲ ኽፍኣት ኣንስቶምን ነቲ ኽፍኣትኩምን ነቲ ኽፍኣት ኣንስትኹምንዶ ረሲዕኩምዎ ኢኹም 10ክሳዕ ሎሚ ኣይተደቑሱን፡ ኣይፈርሁን፡ በቲ ኣነ ኣብ ቅድሜኹምን ኣብ ቅድሚ ኣቦታትኩምን ዘንበርክዎ ሕገይን ስርዓተይን ድማ ኣይተመላለሱን። 11ስለዚ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ንመዓትን ንዂሉ ይሁዳ ኸጽንትን ገጸይ ናባኻትኩም ክመልሶ እየ። 12ነቶም ኣብ ሃገር ግብጺ ክቕመጡ ኢሎም ናብኣ ኽግዕዙ ገጾም ዝመለሱ ተረፍ ይሁዳ ኽወስዶም እየ እሞ ኲሎም ክዂመሙ፡ ኣብ ሃገር ግብጺ ኽወድቁ፡ ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ ብሰይፍን ብጥሜትን ክሞቱ እዮም። ንመሰክሕን ንመስደመምን ንመጻረፍን ከኣ ክዀኑ እዮም። 13ከምቲ ንየሩሳሌም ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ዝቐጻዕክዋ፡ ከምኡ ድማ ነቶም ኣብ ሃገር ግብጺ ተቐሚጦም ዘለዉ ክቐጽዖም እየ። 14ብጀካ ገለ ህዱማት ኣይክምለሱን እዮም እሞ፡ ካብቶም ናብ ሃገር ይሁዳ ኽነብሩ ኢሎም ናብኣ ኽምለሱ እናናፈቑ፡ ናብ ሃገር ግብጺ ኣብኣ ክቕመጡ ኢሎም ዝመጹ ተረፍ ይሁዳ ሓደ እካ ዘምልጥ ወይስ ዝተርፍ የልቦን። 15ሽዑ ዂሎም እቶም ኣንስቶም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸም ዝዓጥና ዝፈለጡ ሰብኡትን ኲለን እተን ኣብኣ ቘይመን ዝነበራ ብዙሓት ኣንስትን ኲሉ እቲ ኣብ ሃገር ግብጺ ኣብ ጳጥሮስ ዝቕመጥ ህዝብን ንኤርምያስ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ፡ 16እቲ ብስም እግዚኣብሄር እተዛረብካና ቓል ኣይንሰምዓካን ኢና። 17ግናኸ ከምቲ ንሕናን ኣቦታትናን ነገስታትናን መሳፍንትናን ኣብተን ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌምን ዝገበርናዮ እሞ ሽዑ እንጌራ ንጸግብ፡ ደሓን ንነብር፡ መዓትውን ኣይንርእን ዝነበርና፡ ንሕና ኸኣ ንንግስቲ ሰማይ ክንዓጥን መስዋእቲ መስተ ድማ ንእኣ ኸነቕርብ ኢልና ዂሉ እቲ ኻብ ኣፍና ዝወጸ ቓል ብርግጽ ክንገብሮ ኢና። 18ግናኸ ንንግስቲ ሰማይ ምዕጣንን መስዋእቲ መስተ ንእኣ ምኽዓውን ምስ ሓደግና፡ ኲሉ ነገር ጨነቐና። ብሰይፍን ብጥሜትን ድማ ተወዳእና። 19ንንግስቲ ሰማይ እናዓጠንናን መስዋእቲ መስተ እናኸዖናላን፡ ነቲ ብምስላ ጌርና ዝሰንከትናላ እንጌራን ነቲ ዘቕረብናላ መስዋእቲ መስተን ብዘይ ፍቓድ ሰብኡትናዶ ኢና ዝገበርናዮ፧ 20ሽዑ ኤርምያስ ንዂሉ ህዝቢ፡ ነቶም ሰብኡትን ነተን ኣንስትን፡ ንዂሉ እቲ ምላሽ ዝሃቦ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 21ነቲ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ነገስታትኩምን መሳፍንትኹምን ህዝቢ እታ ሃገርን ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌምን ዝዓጠንኩምዎ ዕጣንዶ ኣይኰነን እግዚኣብሄር ዘኪርዎ ኣብ ልቡ ኸኣ ትዝ ኢልዎ ዘሎ 22እግዚኣብሄር ከኣ ብሰሪ እቲ ኽፍኣት ግብርኹምን ብሰሪ እቲ ዝገበርኩምዎ ርኽሰትን ካብዚ ንንየው ክዕገስ ኣይከኣለን። ስለዚ ሃገርኩም ከምዚ ሎሚ ዀይናቶ ዘላ ሓደ እኳ ዝነብረላ ዘይብላ ምድረ በዳን መሰክሕን መራገመን ኰነት። 23ዕጣን ስለ ዝዓጠንኩምን ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደልኩምን ከም ሕጉን ከም ስርዓቱን ከም ምስክሩን ስለ ዘይተመላለስኩምን፡ ስለዚ እዩ ኸምዚ ሎሚ ዀይኑ ዘሎ፡ እዚ መዓት እዚ ዝወረደኩም። 24ኤርምያስ ድማ ንዂሉ እቲ ህዝብን ንዂለን እተን ኣንስትን፡ ኣቱም ኣብ ሃገር ግብጺ ዘሎኹም ኲላትኩም ይሁዳ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ በሎም፡ 25እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንስኻትኩምን ኣንስትኹምን፡ ንንግስቲ ሰማይ ክንዓጥን፡ መስዋእቲ መስተ ኽንክዕወላ፡ እተመባጻዕናዮ መብጽዓና ብርግጽ ክንፍጽሞ ኢና፡ ኢልኩም ብኣፍኩም ተዛሪብኩምዎ፡ በእዳውኩም ከኣ ፈጺምኩምዎ ኢኹም። ሕራይ፡ መብጽዓኹም ፈጽሙ፡ መብጽዓኹም ከኣ መልኡ። 26ስለዚ ኣቱም ኣብ ሃገር ግብጺ ተቐሚጥኩም ዘሎኹም ኲልኹም ሰብ ይሁዳ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ እንሆ፡ ኣብ ኲላ ሃገር ግብጺ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ህያው እዩ፡ ኢሉ ብኣፍ ሓደ ኣይሁዳዊ እኳ ስመይ ድሕርዚ ኸይስመ፡ በታ ዓባይ ስመይ እምሕል ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 27እንሆ፡ ኣነ ንሕሰም እምበር፡ ንደሓን ዘይኰነ ኽተግሃሎም እየ እሞ፡ ኲላቶም ኣብ ሃገር ግብጺ ዘለዉ ሰብ ይሁዳ ብሰይፍን ብጥሜትን ጥራስ ክሳዕ ዝውድኡ ኽጠፍኡ እዮም። 28እቶም ካብ ሰይፊ ዘምለጡ ኻብ ሃገር ግብጺ ናብ ሃገር ይሁዳ ሒደት ኰይኖም እዮም ዝምለሱ። ኲሎም እቶም ኣብኣ ክቕመጡ ናብ ሃገር ግብጺ ዝመጹ ተረፍ ይሁዳ፡ ናተይ ወይስ ናቶም፡ ኣየናይ ቃል ክውን ከም ዝዀነ ክፈልጡ እዮም። 29ቃላተይ ብዛዕባኹም ርግጽ ንሕሰምኩም ከም ዝቐውም ክትፈልጡስ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ክቐጽዓኩም እየ፡ እዚ ኸኣ ምልክት ክዀነኩም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 30እንሆ፡ ከምቲ ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ኢድ ጸላኢኡን ነፍሱ ዝደሊ ዝነበረን ነብካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዝሃብክዎ፡ ከምኡ ኸኣ ንፈርኦን ሆፍራ ንጉስ ግብጺ ኣብ ኢድ ጸላእቱን ኣብ ኢድ እቶም ነፍሱ ዝደልዩን ክህቦ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 45
1ኣብ ራብዓይቲ ዓመቱ ንዮኣቂም ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ እታ፡ ነብዪ ኤርምያስ ንባሩኽ ወዲ ኔርያ ንሱውን ነዘን ቃላት እዚኤን ካብ ኣፍ ኤርምያስ ኣብ መጽሓፍ ክጽሕፈን ከሎ፡ እተዛረቦ ቓል ከምዚ እትብል እያ፡ 2ኣታ ባሩኽ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብዛዕባኻ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ 3ንስኻስ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ቓንዛይ ሓዘን ወሲኹኒ እዩ እሞ፡ ወይለይ። ብብኽያተይ ደኸምኩ፡ ዕረፍቲውን ሰኣንኩ፡ ትብል ኣሎኻ። 4እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በሎ፡ እንሆ፡ ነቲ ዝሰራሕክዎ ኤፍርሶ፡ ነቲ ዝተኸልክዎ ኸኣ እምንቁሶ ኣሎኹ፡ እዚውን ኣብ ኲላ እታ ሃገር ክገብሮ እየ። 5ንስኻንዶ ንርእስኻ ዓብዪ ነገር ትደሊ ኣሎኻ ኣይትድለዮ። እንሆ፡ መዓት ኣብ ስጋ ዝለበሰ ዘበለ ዂሉ ኸውርድ እየ። ነፍስኻ ግና ኣብ እትኸዶ ዂሉ ቦታ ዘመተ ኽትኰነልካስ ክህበካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 46
1እታ ብዛዕባ ህዝብታት ናብ ነብዪ ኤርምያስ ዝመጸት ቃል እግዚኣብሄር እዚኣ እያ፡ 2ብዛዕባ ግብጺ። ብዛዕባ እቲ ኣብታ ራብዓይቲ ዓመቱ ንዮኣቂም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዝሰዓሮ፡ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ኣብ ከርከሚሽ ዝነበረ ሰራዊት ፈርኦን ኔኮ ንጉስ ግብጺ። 3ዋልታን ገለብን ኣዳልዉ፡ ናብ ውግእ ከኣ ድፍኡ። 4ኣቱም ፈረሰኛታት፡ ነቶም ኣፍራስ ጽዓንዎም እሞ ስረርዎም። ቁራዕ ርእሲ ኣብ ርእስኹም ኣእትዉ፡ ኲናውቲ ወላውሉ፡ ድርዒውን ልበሱ። 5ስለምንታይ ደኣ ሰምቢዶም ንድሕሪት ዝምለሱ ዝርኢ ዘሎኹ፡ ጀጋኑኦም ተሰባበሩ፡ ንድሕሪት ግልጽ ከይበሉውን ሃደሙ። ኣብ ኲሉ ወገን ረዓድ ኣሎ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 6እቲ ጐያዪ ኣይህደም፡ እቲ ጅግና ኣየምልጥ። ኣብ ሰሜን ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ሰንከልከል በሉን ወደቑን። 7እቲ ኸም ኒል ዝድይብ፡ ማያቱ ኸኣ ከም ወሓዚ ዝናወጽሲ መን እዩ 8ግብጺ እዩ ኸም ኒል ዝድይብ፡ ማያቱ ድማ ከም ወሓዚ ዝናወጽ። ንሱውን፡ ኣነ ኽድይብ፡ ንምድሪ ክኸድና። ነተን ከተማታትን ኣብኤን ዝነብሩን ከኣ ከጥፍእ እየ፡ ይብል ኣሎ። 9ኣቱም ኣፍራስ፡ ውጹ፡ ኣቱም ሰረገላታት፡ ውረሩ። እቶም ጀጋኑ፡ ዋልታ ዝሕዙ ኢትዮጵያውያንን ልብያውያንን ቀስቲ ዝሕዙን ዝግትሩን ሉዳውያንን ይውጽኡ። 10እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ሃገር ሰሜን ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ መስዋእቲ ሕሩድ ኣለዎ እሞ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ነቶም ተጻረርቱ ሕነ ምእንቲ ኽፈድዮም፡ መዓልቲ ምፍዳይ ሕነ እያ። እቲ ሰይፊ ኸኣ ኪዀምምን ክጸግብን፡ ብደሞም ድማ ክሰክርን እዩ። 11ኣቲ ድንግል ጓል ግብጺ፡ ናብ ጊልኣድ ደይቢ፡ ቅዲት ከኣ ውሰዲ። ንኸንቱ ኣፋውስ ተብዝሒ ኣሎኺ፡ ኣየሕውየክን እዩ። 12ህዝብታት ነውርኺ ይሰምዑ፡ ብኣውያትኪ ኸኣ ምድሪ ትመልእ ኣላ። ጅግና ኣብ ርእሲ ጅግና ተጐዝጒዙ ይዝዞ እሞ፡ ክልቲኦም ሓቢሮም ይወድቁ። 13ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ከም ዝመጽእ ንሃገር ግብጺ ኸኣ ከም ዝወቕዓ፡ ኢሉ እግዚኣብሄር ንነብዪ ኤርምያስ ዝነገሮ ቓል እዚ እዩ፡ 14ሰይፊ ኣብ ከባቢኻ ንዘሎ ዀሚምዎ እዩ እሞ፡ ተንስእ፡ ተሰለፍውን፡ ኢልኩም ኣብ ግብጺ ንገሩ፡ ኣብ ሚግዶል ኣስምዑ፡ ኣብ ኖፍን ኣብ ታህጳኔስን ኣስምዑ። 15ስለምንታይ ጀጋኑኻ ኣብ ምድሪ ጻሕ በሉ እግዚኣብሄር ደፊእዎም እዩ እሞ፡ ክቘሙ ኣይከኣሉን። 16ንሱ ንብዙሓት ሰንከልከል ኣበሎም፡ ኣብ ልዕሊ ሓድሕዶም ድማ ወደቑ እሞ፡ ተንስኡ፡ ካብዚ ዝጭኲን ሰይፊ ናብ ህዝብናን ናብታ እተወለድናላ ሃገርናን ንመለስ፡ በሉ። 17ኣብኡ ኸኣ፡ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ጠፊኡ፡ እቲ ምዱብ ግዜውን ኣሕሊፎዎ፡ ኢሎም ጨደሩ። 18እቲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ ንጉስ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ህያው እየ፡ ከም ታቦር ኣብ ኣኽራን፡ ከም ቀርሜሎስ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኽመጽእ እዩ። 19ኖፍ ምድረ በዳ ኽትከውን፡ ሓደ እኳ ዘይነብረላ ዀይና ኽትነድድ እያ እሞ፡ ኣቲ ኣብ ግብጺ እትነብሪ ዘሎኺ ጓል፡ ንምምራኽ ኣቓሑኺ ኣዳልዊ። 20ግብጺ ምልምል ኣርሒ እያ፡ መጥፍኢኣ ይመጽእ። ካብ ሰሜን ይመጽእ ኣሎ። 21እቶም ኣብ ማእከላ ዘለዉ ዓስቢ ዓሳብ ድማ ከም ስቡሓት ኣርሒ እዮም። መዓልቲ ጥፍኣቶም፡ ግዜ ቕጽዓቶም ወሪድዎም እዩ እሞ፡ ንሳቶምውን ኲላቶም ግልብጥ ኢሎም ሃደሙ ኣይቈሙን ከኣ። 22ምስ ጭፍራ ይመጹ፡ ከም ፈለጽቲ ዕጨይቲ ድማ ብምሳውርቲ ይወርዋ ኣለዉ እሞ፡ ደሃያ ኸም ናይ ተመን ኰይኑ ይስማዕ ኣሎ። 23ንሳቶም ክቑጸሩ ዘይከኣሉ፡ ካብ ኣንበጣ ዝበዝሑ እዮም እሞ፡ ነዚ ዘይሕለፍ ዱር ይቘርጹ ኣለዉ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 24ጓል ግብጺ ነወረት፡ ኣብ ኢድ ህዝቢ ሰሜን ተወፈየት። 25እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ እንሆ፡ ንኣሞን ካብ ኖን ንፈርኦንን ንግብጽን ንኣማልኽታን ንነገስታታን፡ ከምኡውን ንፈርኦንን ነቶም ዝውከልዎን ክቐጽዖም እየ፡ ይብል ኣሎ። 26ኣብ ኢድ እቶም ነፍሶም ዝደልዩ፡ ኣብ ኢድ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎንን ኣብ ኢድ ባሮቱን ከሕልፎም እየ። ድሕርዚ ግና ከምቲ ብዘመን ጥንቲ ዝነበረ ኽነብሩላ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 27እምበኣርሲ ኣታ ያእቆብ ባርያይ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣታ እስራኤል፡ ኣይትሰምብድ። እንሆ፡ ኣነ ንኣኻ ኻብ ርሑቕ፡ ንዘርእኻ ድማ ካብታ ተማሪኾምዋ ዘለዉ ሃገር ከድሕነኩም እየ እሞ፡ ያእቆብ ክምለስ፡ ክዓርፍን ክሃድእን እዩ፡ ዘሰምብዶ ድማ የብሉን። 28ኣታ ባርያይ ያእቆብ፡ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ንዂሎም እቶም ናባታቶም ፋሕ ዘበልኩኻ ህዝቢ ብጥራስ ከጥፍኦም እየ፡ ንኣኻ ግና ብጥራስ ኣይከጥፍኣካን እየ፡ ብልክዕ ደኣ እየ ዝቐጽዓካ እምበር፡ ከይቀጻዕኩስ እኳ ኣይሓድገካን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 47
1ፈርኦን ንጋዛ ኸይወግኣ ኸሎ፡ እቲ ብዛዕባ ፍልስጥኤማውያንን ናብ ነብዪ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡ 2እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ማያት ካብ ሰሜን ይድይብ፡ ደምሳሳይ ውሒዝ ይኸውን፡ ነታ ሃገርን ኣብኣ ዘሎ ዂሉን፡ ነተን ከተማታትን ኣባታተን ዝነብሩን ይድምስስ፡ እቶም ሰብ ከኣ ይጭፍሑ፡ እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዂሎምውን የእውዩ። 3-4እግዚኣብሄር ነቶም ካብ ደሴት ካፍቶር ዝተረፉ ፍልስጥኤማውያን ከጥፍኦም እዩ እሞ፡ ንድባበ ዂሎም እቶም ተረፍ ደገፍቲ ጢሮስን ሲዶንን፡ እታ ዂሎም ፍልስጥኤማውያን ዝጠፍኡላ መዓልቲ ስለ ዝመጸት፡ ብሰሪ እቲ ዃሕኳሕ ናይ ሸዃኑ እቶም ሓያላት ኣፍራሱን ብሰሪ እቲ ህማም ናይ ዓረብያታቱን ብሰሪ እቲ ሓርገምገም ዕንክሊል ሰረገላታቱን፡ ኣቦታት ኣእዳዎም ወለል ኢልዎም፡ ንደቆም ግልጽ ኣይክብሉን እዮም። 5ጋዛ በርሐት፡ ኣስቃሎን ጠፍአት፡ ተረፍ ቋላታተን። ክሳዕ መኣዝ ክትመልጢ ኢኺ 6ኣየ፡ ኣታ ሰይፊ እግዚኣብሄር፡ መኣዝ ኰን ክትዓርፍ ኢኻ ናብ ቤትካ ተመለስ፡ ዕረፍ፡ ህዳእ። 7እግዚኣብሄር ኣዚዙካ እዩ እሞ፡ ከመይ ጌርካኸ ኽትዓርፍ ናብ ኣስቃሎንን ናብ ገምገም ባሕርን ልኢኽዎ ኣሎ።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 48
1ብዛዕባ ሞኣብ። እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኔቦ ዖንያ እያ እሞ፡ ወይልኣ። ቂርያታይም ነወረት ተታሕዘትውን፡ እቲ እምባ ነወረን ፈረሰን። 2ድሕርዚ ሓበን ሞኣብ የሎን። ህዝቢ ኸይትኸውንሲ ንዑናይ ነጥፍኣያ። ኢሎም ኣብ ሄስቦን እኩይ ነገር ይፍሕሱላ ኣለዉ። ኣቲ መድሜን፡ ንስኺ ድማ ክትጠፍኢ ኢኺ፡ ሰይፊ ኽስዕበኪ እዩ። 3ዋይዋይን ጥፍኣትን ብርቱዕ ምዕናውን ካብ ሆሮናይም ይስማዕ ኣሎ። 4ሞኣብ ተደቑሰት፡ ደቃ ዋይወዮም ኣስምዑ። 5ኣብ ቁልቁል ሆሮናይም ብናይ ምፍራስ ዘሸግር ጭንቂ ቑዝማ ይስማዕ ኣሎ እሞ፡ ኣብ ዓቐብ ሉሂት ብኽያት እናበኸዩ ይድይቡ ኣለዉ። 6ህደሙ፡ ነፍስኹም ኣድሕኑ፡ ከም ገረብ ሑመር ኣብ በረኻ ኹኑ። 7ብግብርኽን ብሃብትኽን ተኣሚንኪ ኢኺ እሞ፡ ስለዚ ንስኺ ድማ ክትተሓዚ ኢኺ፡ ኬሞሽን ካህናቱን መሳፍንቱን ከኣ ሓቢሮም ክማረኹ እዮም። 8ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፡ ሓንቲ ኸተማ እኳ ኣይከተምልጥን እያ፡ እቲ መጥፍኢ ንዂለን ከተማታት ክመጸን እዩ፡ እቲ ለሰ ኽጠፍእ፡ እቲ ጐልጐል ከኣ ክበርስ እዩ። 9ሞኣብ ነፊራ ኽትሃድምሲ፡ ኣኽናፍ ሃብዋ፡ ከተማታታ ኸኣ ዝነብረን ዘይብለን ኰይነን ክባድማ እየን። 10እቲ ንዕዮ እግዚኣብሄር ዕሽሽ ኢሉ ዝገብሮ ርጉም ይኹን፡ ንሰይፊ ድማ ደም ከይዂዑ ዝገትእ ርጉም ይኹን። 11ሞኣብ ካብ ንእሽቶኣ ጀሚራ ህድእቲ ነበረት፡ ኣብ ልዕሊ ሓተልኣውን ዓረፈት፡ ካብ ሳርማ ናብ ሳርማ ኸኣ ኣይተቐጥፈትን፡ ተማሪኻ ድማ ኣይከደትን፡ ስለዚ ጣዕማ ኣርነበት፡ መኣዛኣውን ኣይተለወጠን። 12-13ስለዚ እንሆ፡ ኣነ ዝቐድሕዋ ቐዳሕቲ ዝሰደላ ግዜ ትመጽእ ኣላ፡ ሰራሙኣ ኸዕርቑ፡ ኣጋንኣ ድማ ክሰባብሩ እዮም፡ ከምቲ ቤት እስራኤል በታ እተወከለታ ቤትኤል ዝሓፈረቶ፡ ሞኣብ ድማ ከምኡ ብኬሞሽ ክትሓፍር እያ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 14ንስኻትኩም፡ ኣብ ውግእ ጀጋኑን ሃጥራትን ኢና፡ እትብሉስ ከመይ ኢልኩም ደኣ ኢኹም፡ 15እቲ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ ንጉስ፡ ሞኣብ ፈረሰት፡ ናብ ከተማታታ ወጹ፡ እቶም ሕሩያት ኣጒባዛ ናብ ማሕረዲ ወረዱ፡ ይብል ኣሎ። 16መዓት ሞኣብ ክመጽእ ቀሪቡ እዩ፡ ጸበብኣ ድማ ቀልጢፉ የሳጒም ኣሎ። 17ኲላትኩም ኣብ ከባቢኣ ዘሎኹም፡ ብኸዩላ፡ ኲላትኩም፡ ስማ እትፈልጡ ኸኣ፡ እቲ ድልዱል በትርን እቲ ምልምል ዘንግንከ ኸመይ ኢሉ ተሰብረ፡ በሉ። 18ኣቲ ኣብ ዲቦን እትነብሪ ዘሎኺ ጐርዞ፡ እቲ መጥፍኢ ሞኣብ ናባኺ ደዪቡ፡ ንዕርድታትኪ ኣፍሪሱ እዩ እሞ፡ ካብ ክብረትኪ ውረዲ፡ ኣብ ኣጻምእ ተቐመጢ፡ 19ኣቲ ኣብ ኣሮኤር እትነብሪ ዘሎኺ፡ ኣብ መገዲ ደው በሊ ጠምቲ ኸኣ፡ ነቲ ዝሃደመን ነታ እተምልጥን፡ እንታይ ወሪዱ እዩ ኢልኪ ድማ ሕተቲ። 20ሞኣብ ተሳዒራ እያ እሞ፡ ነወረት፡ ኣእውዩ፡ ጨድሩ፡ ሞኣብ ከም ዝፈረሰት ኣብ ኣርኖን ኣውርዩ። 21ፍርዲ ኣብቲ ሃገር ጐልጐል፡ ኣብ ሆሎን፡ ኣብ የህጻ፡ ኣብ መፍዓት፡ 22ኣብ ዲቦን፡ ኣብ ኔቦ፡ ኣብ ቤት-ዲብላታይም፡ 23ኣብ ቂርያታይም፡ ኣብ ቤት-ጋሙል፡ ኣብ ቤት ምዖን፡ 24ኣብ ቅርዮት፡ ኣብ ቦጽራ፡ ኣብ ዝረሓቓን ኲላተን ከተማታት ሞኣብን መጸ። 25ቀርኒ ሞኣብ ተሰልዐ፡ ቅልጽሙ ተሰብረ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 26ሞኣብ ንእግዚኣብሄር ርእሱ ኣልዒሉሉ እዩ እሞ፡ ኣስክርዎ። ኣብ ትፉኡ ጠንቀላዕላዕ ይበል፡ መላገጺውን ይኹን። 27እስራኤልዶ መላገጺ ዀይኑልካ ኣይነበረን እዩ ብዛዕባኡ ኽትዛረብ ከሎኻ፡ ርእስኻ እትንቕንቕሲ ኣብ ማእከል ሰረቕቲ ደዀን ተረኺቡ እዩ 28ኣቱም ኣብ ሞኣብ እትነብሩ፡ ካብተን ከተማታት ልቐቑ፡ ኣብ ኣኻውሕ ከኣ ስፈሩ። ከምታ ኣብ ገምገም ጸድፊ ቤታ እትሰርሕ ርግቢ ድማ ኹኑ። 29ምክሐ ሞኣብን ብርቱዕ ትዕቢቱን ፍኽናኔኡን ኲርዓቱን ድፍረቱን ኲዕናኔ ልቡን ሰማዕና። 30ኣነ ንዂራኡን ነቲ ኸንቱ ዝዀነ ትምክሕቱን እፈልጥ ኣሎኹ፡ ግብሩውን ከንቱ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 31ስለዚ ንሞኣብ ኤልቅሰሉ፡ ኣብ ኲሉ ሞኣብ ከኣ እቑዝም ኣሎኹ። ንሰብ ቂር ሄሬስ እህህ ይብሉሎም ኣለዉ። 32ኣቲ ተኽሊ ወይኒ ሲብማ፡ ካብቲ ብኽያት ያዕዜር ዝበዝሕ ገይረ እበኽየልኪ ኣሎኹ። ሓረግኪ ኽንየው ባሕሪ ተሳገረ፡ ክሳዕ ባሕሪ ያዕዜርውን በጽሐ። እቲ መጥፍኢ ኣብ እቶት ፍረ ሓጋይክን ኣብ ቀውዒ ዘቢብክን ወረደ። 33ካብቲ ፈራዪ ግርሁን ካብ ሃገር ሞኣብን ፍስሃን ደስታን ጠፍአ። ነቲ ወይኒ ኣብ መሓምተሊኡ ኣወዳእክዎ። ድሕርዚ ዘቢብ ብእልልታ ኣይሕምተልን፡ እቲ እልልታ ድማ እልልታ ኣይኰነን። 34ማያት ነምሪም ከኣ ምድሪ ኣጻምእ ክኸውን እዩ እሞ፡ ኣውያት ሔስቦን ክሳዕ የህጻ፡ ካብ ጾኣር ክሳዕ ሆሮናይም፡ ክሳዕ ኤግላት ሸሊሻ ኽስማዕ እዩ። 35ኣነ ኸኣ ነቲ ኣብ ሞኣብ ኣብ በረኽቲ ዝድይብን ንኣማልኽቱ ዝዓጥንን ከጥፍኦ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 36እቲ ዝደለብዎ ጠፊኡ እዩ እሞ፡ ስለዚ ልበይ ንሞኣብ ከም እምብልታ ይቑዝም፡ ንሰብ ቂር ሄሬስ ከኣ ልበይ ከም እምብልታ ገይሩ ይቑዝመሎም ኣሎ። 37ስለዚ ርእሲ ዘበለ ተላጽዩ፡ ኲሉ ጭሕሚ ተቘሪጹ፡ ኲላተን ኣእዳው ብጡሓት እየን፡ ኣብ ሓቛቑ ድማ ከሊ ኣሎ። 38ንሞኣብ፡ ባህ ከም ዘየብል ኣቕሓ ገይረ፡ ሰባቢረያ እየ እሞ፡ ኣብ ኲሉ ኣናሕስ ሞኣብን ኣብ ዕዳጋታታን ቁዝማ ኣሎ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 39ኣየ፡ ከመይ ኢላ ተሳዕረት፡ ኢሎም የልቅሱ ኣለዉ። ከመይ ኢላ ሞኣብ ነዊራ ዝባና መለሰት። ሞኣብ ንዂሎም እቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ድማ ንመላገጽን ንመሰክሕን ክትከውን እያ። 40ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ከም ንስሪ ይነፍር፡ ኣኽናፉ ከኣ ኣብ ልዕሊ ሞኣብ ይዝርግሕ ኣሎ። 41ቂርያት ተታሕዘት፡ ዕርድታት ድማ ተወስደ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ልቢ እቶም ጀጋኑ ሞኣብ ከም ልቢ ቕልውላው ዝሓዛ ሰበይቲ ክኸውን እዩ። 42ሞኣብ ንእግዚኣብሄር ተዓብያትሉ እያ እሞ፡ ድሕርዚ ህዝቢ ኸይትኸውንሲ ኽትጠፍእ እያ። 43ኣታ ኣብ ሞኣብ እትነብር ዘሎኻ፡ ፍርሃትን ጒድጓድን መፈንጠራን ኣብ ልዕሌኻ ኣሎ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 44ኣነ ዓመት ቅጽዓቶም ኣብ ርእሲኣ፡ ኣብ ርእሲ ሞኣብ ከውርድ እየ እሞ፡ ካብ ፍርሃት ዝሃድም ናብ ጒድጓድ ክወድቕ፡ ካብ ጒድጓድ ዝወጽእ ከኣ ኣብ መፈንጠራ ኽተሓዝ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 45እቶም ሃደምቲ ደኺሞም፡ ኣብ ጽላል ሔስቦን ደው ኢሎም ኣለዉ። ካብ ሔስቦን ሓዊ፡ ካብ ማእከል ሲሆን ከኣ ሃልሃልታ ወጺኡ እዩ እሞ፡ ነቲ ጐቦታት ሞኣብን ነቲ ርእሲ ደቂ ታዕታዕን በሊዕዎ እዩ። 46ኣቲ ሞኣብ፡ ኣወዳትኪ ተማሪኾም፡ ኣዋልድኪ ኸኣ ኣብ ምርኮ ኸይደን እየን እሞ፡ ወይለኺ፡ ህዝቢ ኬሞሽ ጠፊኡ እዩ። 47ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ንሞኣብ ካብ ምርኮ ኽመልሳ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ክሳዕ እዚ እዩ እቲ ፍርዲ ሞኣብ።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 49
1ብዛዕባ ደቂ ዓሞን። እስራኤልዶ ውሉድ የብሉን እዩ ወይስ ወራሲዶ የብሉን እዩ ስለምንታይ ደኣ እቲ ንጉሶም ንጋድ ዝርስተያ፡ ህዝቡ ኸኣ ኣብ ከተማታት ዝሰፍር ይብል እግዚኣብሄር። 2ስለዚ እንሆ፡ እተን ጭድርታ ውግእ ኣብ ልዕሊ ራባህ ናይ ደቂ ዓሞን ዘስምዓለን መዓልትታት ክመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንሳ ዂምራ ድብነት ክትከውን፡ እተን ኣዋልዳ ኸኣ ብሓዊ ሞዂ ክብላ እየን። ሽዑ ኸኣ እስራኤል ነቶም ወሪሶምዋ ዝነበሩ ኽትወርሶም እያ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 3ኣቲ ሔስቦን፡ ዓይ ፈሪሳ እያ እሞ፡ ኣእውዪ። ኣትን ኣዋልድ ራባህ፡ ከሊ ተዓጠቓ፡ ዋይዋይ በላ። ንጉሶም ምስ ካህናቱን መሳፍንቱን ሓቢሩ ኽማረኽ እዩ እሞ፡ ኣብቲ መካበብያ እናዘርክን ኣልቅሳ። 4ኣቲ፡ መን እዩ ዝመጸኒ ኢልኪ ብመዝገብኪ ተኣሚንኪ ዘሎኺ ጠላሚት ጓል፡ ስለምንታይ በተን ለሴታትኪ እትሕበኒ እቲ ለሴኺ ኽድምሰስ እዩ። 5እንሆ፡ ካብ ኲሉ ኸባቢኺ ፍርሃት ከምጽኣልኪ እየ፡ ንስኻትኩም ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ኣብ ኲሉ ወገን ክትሰጐጉ ኢኹም፡ ነቶም ህዱማት ከኣ ዝኣኻኽቦም የልቦን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 6ድሕርዚ ግና ንደቂ ዓሞን ካብ ምርኮ ኽመልሶም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 7ብዛዕባ ኤዶም። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ጥበብዶ ኣብ ቴማን የልቦን ምኽሪዶ ኻብቶም ሰብ ኣእምሮ ጠፍአት ጥበቦምዶ ኸንቱ ዀነት 8ኣቱም ኣብ ዴዳን እትነብሩ፡ በታ ግዜ ቕጽዓቱ መዓት ኤሳው ናብኡ ኸውርዶ እየ እሞ፡ ህደሙ፡ ተመለሱ፡ ኣዕሚቑኩም ተሓብኡ። 9በተኽቲ ዘቢብ እንተ ዝመጹኻ፡ ዘለላ ዘቢብዶ ኣይምሓደጉልካን ሰረቕቲ ብለይቲ እንተ መጹ፡ ክሳዕ ዝደለዩ ይጽይቑ። 10ኣነ ግና ንኤሳው ቀሊዐዮ፡ መሕብኢኡ ድማ ገሊጸዮ እየ፡ ክሕባእ ከኣ ኣይኰነሉን። ዘርኡን ኣሕዋቱን ጐረባብቱን ክጸንቱ እዮም፡ ንሱውን ድሕርዚ ኣይክህሉን እዩ። 11ንዘኽታማትካ ሕደጎም፡ ኣነ ብህይወት ከንብሮም እየ፡ መበላሉኻ ኸኣ ኣባይ ይወከሉ። 12እምበኣርሲ እንሆ፡ እቶም ነታ ጽዋእ ክሰትዩ ዘይተመዘዙ ኽሰትይዋ እዮም። ንስኻስ ካንዶ ኸይተቐጻዕካ ኽትተርፍ ኢኻ ብርግጽ ክትሰትያ ኢኻ እምበር፡ ከይተቐጻዕካስ ኣይክትተርፍን ኢኻ ይብል እግዚኣብሄር። 13ቦጽራ ኸኣ ድብነትን መጻረፍን በረኻን መራገምን ከም እትኸውን፡ ኲለን ከተማታት ድማ ንሓዋሩ በረኻ ኸም ዝዀና፡ ብርእሰይ እምሕል ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 14-15ካብ እግዚኣብሄር ኣዋጅ ሰማዕኩ፡ ከምዚ ዝብል ልኡኽ ከኣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ተላእከ፡ እንሆ፡ ኣብ ማእከል ህዝብታት ኣንኢሰካ፡ ኣብ ማእከል ሰብ ከኣ ኣንዒቐኻ እየ እሞ፡ ተኣከቡ፡ ተንስእዋን ንውግእ ተዓጠቑን። 16ኣቲ ኣብ ምንቃዕ ኣጻድፍ እትነብሪ፡ ርእሲ ዂድዂዶ እትሕዚ፡ ድፍረትክን ኲርዓት ልብኽን ጠበረኪ። ከም ንስሪ እኳ ቤትኪ ኣብ በሪኽ እንተ ሰራሕኪ፡ ኣነ ኻብኡ ኸጽድፈኪ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 17ኤዶም ንመሰክሒ ኽትከውን እያ። ነፍሲ ወከፍ ብእኣ ዝሓልፍ ድማ በቲ ዂሉ ስቓያ ኽስክሓላን ክፋጽየላን እዩ። 18ከምቲ ሶዶምን ጎሞራን ኣብ ጥቓአን ዝነበራ ኸተማታትን እተገልበጣ፡ ከምኡ ኣብኣ ሰብ ኣይክነብርን፡ ኣብኣውን ውሉድ ሰብ ሓደ እኳ ኣይክሰፍርን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 19እንሆ፡ ንሱ ኻብ ትዕቢት ዮርዳኖስ ናብቲ ጽኑዕ መሳፍሮ ኸም ኣንበሳ ይድይብ ኣሎ፡ ብኡ ብኡ ኸኣ ካብኣ ኽሰጎ እየ፡ ነቲ እተሓርየ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ኽሸሞ እየ። ዝመዓራረየኒ መን እዩ ቈጸራ ዝገብረለይከ መን እዩ እቲ ኣብ ቅድመይ ዝቐውም ጓሳስ መን እዩ 20ስለዚ እግዚኣብሄር ንኤዶም ዝመደበላ ምኽርን፡ ነቶም ኣብ ቴማን ዝነብሩ ሰባት ዝሓሰባ ሓሳብን ስምዑ፡ ብርግጽ ነቶም ናይ መጓሰ ናእሽቱ እኳ ኸይተረፈ ኽጓትትዎም እዮም፡ ብርግጽ ሰፈሮም ክፈርስ እዩ። 21በቲ ህው ዝበል ደሃይ ኣወዳድቓኣ ምድሪ ተንቀጥቅጥ፡ ጭራሕምራሖም ድማ ክሳዕ ባሕሪ ኤርትራ ይስማዕ ኣሎ። 22እንሆ፡ ከም ንስሪ ኽድይብ፡ ክነፍር፡ ኣኽናፉ ድማ ኣብ ልዕሊ ቦጽራ ኽዝርግሕ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ልቢ እቶም ጀጋኑ ኤዶም ከም ልቢ ቅልውላው ዝሓዛ ሰበይቲ ክኸውን እዩ። 23ብዛዕባ ደማስቆ። ሃማትን ኣርጳድን ሓፈራ፡ ክፉእ ወረ ሰሚዐን እየን እሞ፡ መኸኻ። ኣብ ባሕሪ ምሽባር ኰነ፡ ክሃድኣውን ኣይተኻእሎን። 24ደማስቆ ዛሕተለት፡ ክትሃድም ኢላ ግልብጥ በለት፡ ራዕራዕውን በለት፡ ከም እትወልድ ሰበይቲ ጭንቅን ጻዕርን ሓዛ። 25እታ ንእድቲ ኸተማ፡ እታ ኸተማ ሓጐሰይ፡ ከመይ ኢላ እያ ዘይተሓድገት 26ስለዚ እቶም ኣባጽሓ ኣብ ኣደባባያታ ኽወድቁ፡ ኲሎም እቶም ተዋጋእቲ ሰብኡታ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ኽጠፍኡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 27ኣብቲ መካበብያ ደማስቆ ሓዊ ኸንድድ እየ፡ ንሱውን ነቲ ኣዳራሽ ቤት ሃዳድ ሞዂ ከብሎ እዩ። 28ብዛዕባ ቄዳርን ብዛዕባ እቶም ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዝሰዓሮም መንግስትታት ሃጾርን። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ተለዓሉ፡ ናብ ቄዳር ደይቡ፡ ነቶም ደቂ ምብራቕ ኣጥፍኡ። 29ድንኳናቶምን መጓሴታቶምን ክወስዱ፡ ምንጻፋቶምን ኲሉ ኣቓሑኦምን ኣግማሎምን ክዘምቱ እዮም። ኣብ ኲሉ ወገን ምሽባር ኣሎ፡ እናበሉ ክጭድሩሎም እዮም። 30ኣቱም ኣብ ሃጾር እትነብሩ፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ምኽሪ መዲቡልኩም፡ ህቃነ ሃቂኑልኩም ኣሎ እሞ፡ ህደሙ፡ ቀልጢፍኩም ርሓቑ፡ ኣዕሚቑኩም ተሓብኡ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 31ነቲ ጥዒምዎም ሃዲኡን ዝነብር፡ መዓጹን መሸጐርን ዘይብሉ፡ ብሒቱ ዝነብር ህዝቢ ተልዓልዎን ደይብዎን፡ ይብል እግዚኣብሄር። 32ኣግማሎም ዘመተ ክዀና፡ ብዝሒ ኸብቶም ከኣ ምርኮ ክኸውን እዩ። ንዂሎም እቶም ወሰነወሰን ጭሕሞም ዝላጽዩ ኣብ ኲለን ንፋሳት ክብትኖም፡ ካብ ኲሉ ወገኖም ድማ መዓት ከምጽኣሎም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 33ሃጾር መሳፍሮ ወኻሩ ኽትከውን፡ ንሓዋሩ ኽትባድም እያ፡ ኣብኣ ሰብ ኣይክነብርን፡ ኣብኣውን ውሉድ ሰብ ሓደ እኳ ኣይክሰፍርን እዩ። 34እቲ ኣብቲ መጀመርታ መንግስቲ ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ብዛዕባ ዔላም ናብ ነብዪ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡ 35እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ነቲ ኣውራ ሓይሉ ዝዀነ ቐስቲ ዔላም ክሰብሮ እየ። 36ንዔላም ካብ ኣርባዕተ ወሰን ሰማይ ኣርባዕተ ንፋሳት ከውርደላ እየ፡ ናብ ኲለን እዘን ንፋሳት ክዘርዎም እየ። ህዱማት ዔላም ዘይኣትውዎ ህዝቢ ኣይክህሉን እዩ። 37ንዔላም ኣብ ቅድሚ ጸላእቶምን ኣብ ቅድሚ እቶም ነፍሶም ዝደልዩን ከርዕዶም፡ መዓት እቲ ጓህሪ ቑጥዓይ ከውርደሎም፡ ክሳዕ ዘጥፍኦም ከኣ ደድሕሪኦም ሰይፊ ኽሰድድ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 38ዝፋነይ ከኣ ኣብ ዔላም ክተክል፡ ንጉስን መሳፍንትን ድማ ካብኣ ኸጥፍእ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር 39ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክኸውን እዩ፡ ንምርኮ ዔላም ክመልሶ እየ። ይብል እግዚኣብሄር።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 50
1እቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ባቢሎንን ብዛዕባ ሃገር ከለዳውያንን ብነብዪ ኤርምያስ ገይሩ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ፡ 2ኣብ ማእከል ህዝብታት ኣውርዩን ኣውጁን ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉን፡ ከይሓባእኩም ከኣ፡ ባቢሎን ተታሕዘት፡ ቤል ነወረ፡ መሮዳክ ተሰባበረ፡ ምስልታቱ ነወረ፡ ጣኦታቱ ኸኣ ተሰባበረ፡ ኢልኩም ኣውጁ። 3ህዝቢ ኻብ ሰሜን ተንሲእዋ ኣሎ እሞ፡ ንሃገራ በረኻ ኽገብራ እዩ፡ ኣብኣ ዝነብር ከኣ ሓደ እኳ ኣይክህሉን እዩ፡ ሰብን ከብትን ሃዲሞም ሃው በሉ። 4በተን መዓልትታት እቲኤንን በቲ ግዜ እትን ደቂ እስራኤል፡ ንሳቶምን ደቂ ይሁዳን ሓቢሮም ክመጹ እዮም፡ እናበኸዩ ክኸዱ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምውን ክደልዩ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 5መገዲ ጽዮን ክሓቱ፡ ገጾም ናብኣ ኣቕኒዖም ከኣ፡ ንዑናይ፡ ብዘይርሳዕ ዘለኣለማዊ ኪዳን ምስ እግዚኣብሄር ሕበሩ፡ ክብሉ እዮም። 6ህዝበይ ጥፉእ መጓሰ ኣባጊዕ ነበረ፡ ጓሶተን ኣጋገይወን፡ ናብ ኣኽራን ኣዀብለልወን፡ ንሳተን ካብ ኣኽራን ናብ ኲድዂዶታት ነፈጻ፡ ስፍራ ማሕደሪኤን ከኣ ረስዓ። 7ዝረኸብወን ዘበሉ ዂሎም በልዕወን። ጸላእቶም ድማ፡ ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ማሕደር ጽድቂ፡ ንእግዚኣብሄር ተስፋ ኣቦታቶም ዓጊቦም እዮም እሞ ንሕናስ ኣይበደልናን፡ በሉ። 8ካብ ማእከል ባቢሎን ሃደሙ፡ ካብ ሃገር ከለዳውያን ውጹ፡ ኣብ ቅድሚ መጓሰ ድማ ከም ድቤላታት ኩኑ። 9እንሆ፡ ኣነ ኻብ ሃገር ሰሜን ንባቢሎን ናይ ዓበይቲ ህዝብታት ኣኼባ ኸተንስኣላን ከውጽኣላን እየ እሞ፡ ንሳቶም ንውግእ ክስለፉላ እዮም፡ ካብዚ ወገን እዚ ኸኣ ክትተሓዝ እያ። ፍላጻታቶም ከምቲ ናይ ንፉዕ ተዋጋኢ እዩ፡ ሓንቲ እዃ ብኸንቱ ኣይትምለስን እያ። 10ምድሪ ከለዳውያን ንዘመተ ኽትውፈ እያ፡ ኲላቶም ዘመትታ ድማ ከጸግቡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 11ኣቱም ዘመትቲ ርስተይ፡ እንተ ተሓጐስኩምን እንተ ተፈሳህኩምን እኳ፡ ኣብ ዓውዲ ኸም ዘኺዳ ኣሩሕ እኳ እንተ ተሰራሰርኩም:ከም ብርቱዓት ኣፍራስ ውን እንተ ሓምሓምኩምሲ፡ 12ኣዴኹም ክትንውር፡ እታ ወላዲትኩም ክትሓፍር እያ። እንሆ፡ ንሳ ዳሕረይቲ እቶም ህዝብታት፡ በረኻን ምድሪ ኣጻምእን ምድረ በዳን ክትከውን እያ። 13ብምኽንያት ቁጥዓ እግዚኣብሄር ብዘላ ኽትባድም እያ እምበር፡ ድሕርዚ ኣብኣ ዝነብር የልቦን። ነፍሲ ወከፍ ብባቢሎን ዝሓልፍ ከኣ በቲ ዂሉ ስቓይ ኽስክሓላን ክፋጽየላን እዩ። 14ኣቱም ቀስቲ እትግትሩ ዂሉኹም፡ ንባቢሎን ክትወግእዋስ ኣብ ዙርያኣ ተሰለፉ። ንእግዚኣብሄር ዓጊባቶ እያ እሞ፡ ወርውሩላ፡ ፍላጻታት ኣይትብቀቑ። 15ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ዙርያኣ ኸምዚ ኢልኩም ጨድሩላ፡ ኢዳ ሃበት፡ መንደቕ ዕርዳ ወደቐ፡ ቀጽሪ ፈረሰ፡ እዚ ሕነ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ሕኔኣ ፍደይዋ፡ ከምቲ ዝገበረቶ ግበርዋ። 16ንዘራእን ነቲ ብግዜ ቐውዒ ማዕጺድ ዝሕዝን ካብ ባቢሎን ኣጽንትዎም። ካብቲ ጨኳኒ ሰይፊ ኸምልጡስ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ህዝቡ ይመለስ፡ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ነናብ ሃገሩ ይህደም። 17እስራኤል ኣናብስ ተሃዳዲኖምዋ፡ እተባረረት በጊዕ እያ። ቅድም ንጉስ ኣሶር በልዓ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዓጻጽምታ ሰባበረ። 18ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ከምቲ ንንጉስ ኣሶር ዝቐጻዕክዎ፡ ከምኡ ኸኣ ንንጉስ ባቢሎንን ንሃገሩን ክቐጽዕ እየ። 19ንእስራኤል ናብቲ መጓሰዪኡ ኽመልሶ እየ፡ ኣብ ቀርሜሎስን ኣብ ባሳንን ክጓሰ እዩ፡ ነፍሱውን ኣብ ኰረቢት ኤፍሬምን ጊልኣድን ክትጸግብ እያ። 20ነቶም ዘትረፍክዎምሲ ይቕረ ኽብለሎም እየ እሞ፡ በተን መዓልትታት እቲኣተንን በቲ ግዜ እትን ኣበሳ እስራኤል ይድለ ኣይህሉን ከኣ፡ ሓጢኣት ይሁዳውን ክሰኣን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 21ናብ ሃገር ሜራታይምን ናብቶም ኣብ ጴኮድ ዝነብሩን ውጻእ እሞ፡ ቅተሎም፡ ነቲ ድሕሪኦም ዘሎ ኸኣ ብጥራስ ኣጥፍኣዮ፡ ብዂሉ ድማ ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ግበር፡ ይብል እግዚኣብሄር። 22ደሃይ ውግእን ዓብዪ ምፍርስን ኣብታ ሃገር ይስማዕ ኣሎ። 23እዛ ሞደሻ ዂሉ ምድሪ ኸመይ ኢላኸ ተሰብረትን ተደቑሰትን፡ ከመይ ኢላስ ባቢሎን ኣብ ማእከል ህዝብታት መሰክሒ ዀነት። 24ኣቲ ባቢሎን፡ መፈንጠራ ኣጻወድኩልኪ፡ ከይፈለጥኪ ኸኣ ተተሓዝኪ። ምስ እግዚኣብሄር ኢኺ እተዋጋእኪ እሞ፡ ተረኸብክን ተተሓዝክን። 25እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ሃገር ከለዳውያን ዘቕንዖ ተግባር ኣለዎ እሞ፡ እግዚኣብሄር ንቤት መሳርያኡ ኸፈቶ፡ ኣጽዋር ኲራኡውን ኣውጽአ። 26ካብ ወሰናት ምድሪ መጺእኩም ውረርዋ፡ ሪቓ ኽፈቱ፡ ከም ምህርቲ እኽሊ ዀምርዋ ብጥራስ ከኣ ኣጥፍእዋ፡ ሓንቲ እኳ ኣይተትፍሩ። 27ንዂሎም ኣረውሓ ቕተልዎም፡ ናብ ማሕረዲ ኣውርድዎም። መዓልቶም፡ እታ ግዜ መቕጻዕቶም፡ በጺሓ እያ እሞ፡ ወይለኦም። 28ሕነ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ሕነ መቕደሱ ኣብ ጽዮን ከውርዮስ፡ ድምጺ እቶም ካብ ሃገር ባቢሎን ዝሃደሙን ዘምለጡን ይስማዕ ኣሎ። 29ንወርወርቲ ቐስቲ፡ ንዂላቶም ቀስቲ ዝግትሩ፡ ንባቢሎን ክወግእዋ ኣኽትትዎም፡ ሓደ እኳ ኸየምልጥ ኣብ ከባቢኣ ስፈሩ። ከም ግብራ ፍደይዋ። ንእግዚኣብሄር፡ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ተዓብያትሉ እያ እሞ፡ ከምቲ ዝገበረቶ ዂሉ ግበርዋ። 30ስለዚ እቶም ኣባጽሓ ኣብ ኣደባባያት ኽወድቁ እዮም፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኲሎም እቶም ናታ ተዋጋእቲ ኽጠፍኡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 31ኣቲ ትዕቢተኛ፡ እታ ንኣኺ ዝቐጽዓላ ግዜ፡ እታ መዓልትኺ መጺኣ እያ እሞ፡ እንሆ፡ ናባኺ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 32እቲ ትዕቢተኛ ኽዕንቀፍን ክወድቕን እዩ፡ ዘተንስኦ ድማ የብሉን፡ ኣብ ከተማታቱ ኸኣ ሓዊ ኽትኵስ እየ፡ ንሱውን ንዂሉ ኸባቢኡ ሞዂ ከብሎ እዩ። 33እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቶም ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ብሓባር ጥቑዓት እዮም፡ እቶም ዝማረኽዎም ኲላቶም ከኣ ሓዝዎም፡ ከይሓድግዎም ድማ ኣበዩ። 34ተበጃዊኦም ብርቱዕ እዩ፡ ስሙ ኸኣ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ። ንምድሪ ህድኣት ክህብ፡ ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነብሩ ዘለዉ ኸኣ ክህውኽሲ፡ ነገሮም ከቕንዓሎም እዩ። 35ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ከለዳውያንን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነብሩን ኣብ ልዕሊ መሳፍንታን ኣብ ልዕሊ ጥበበኛታታን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 36ሰይፊ ኣብ ልዕሊ እቶም ተጀሃርቲ እዩ እሞ፡ ዓያሱ ክዀኑ እዮም። ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ጀጋኑኣ እዩ እሞ፡ ክፈርሁ እዮም። 37ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ኣፍራሳን ኣብ ልዕሊ ሰረገላታታን ኣብ ልዕሊ ዂሎም እቶም ኣብ ማእከላ ዘለዉ ሕውስዋስ ህዝብን እዩ እሞ፡ ከም ኣንስቲ ክዀኑ እዮም። ሰይፊ ኣብ ልዕሊ መዛግቦም እዩ እሞ ክብዝበዙ እዮም። 38ሃገር ቅሩጽ ምስልታት እያ፡ ብጣኦታት ከኣ ሃተምተም ይብሉ ኣለዉ እሞ፡ ደርቂ ኣብ ልዕሊ ማያቶም እዩ፡ ክነጽፍ ድማ እዩ። 39ስለዚ ኣራዊት በረኻ ምስ ወኻሩ ኽነብሩላ፡ ሰገናትውን ኣብኣ ኽሰፍራ እየን። ደጊም ንሓዋሩ ኣብኣ ዝነብር የልቦን፡ ንውሉድ ወለዶውን ኣይክትስራሕን እያ። 40ከምቲ እግዚኣብሄር ንሶዶምን ጎሞራን ነተን ጐረባብተንን ዝገላበጠን፡ ከምኡ ኣብኣ ሰብ ኣይክነብርን፡ ኣብኣውን ውሉድ ሰብ ሓደ እኳ ኣይክሰፍርን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 41እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ሰሜን ይመጽእ፡ ካብ ወሰን ምድሪ ኸኣ ዓብዪ ህዝብን ብዙሓት ነገስታትን ይነቕሉ። 42ቀስትን ኲናትን ይሕዙ፡ ጨካናት፡ ምሕረት ዘይብሎም እዮም። ድምጾም ከም ህማም ባሕሪ እዩ፡ ኣፍራስ ይሰሩ። ኣቲ ጓል ባቢሎን፡ ንውግእ ከም እተዳለወ ሰብኣይ ተሰሊፎም ይመጹኺ ኣለዉ። 43ንጉስ ባቢሎን ብዛዕባኦም ወረ ይሰምዕ፡ ኣእዳዉ ኸኣ ይልሕልሓ፡ ከም እትወልድ ሰበይቲውን ጸበባን ቅልውላውን ሒዝዎ ኣሎ:: 44እንሆ፡ ንሱ ኻብ ትዕቢት ዮርዳኖስ ናብቲ ጽኑዕ መሳፍሮ ኸም ኣንበሳ ይድይብ ኣሎ፡ ብኡብኡ ኸኣ ካብኣ ኽሰጎም እየ። ነቲ እተሓርየ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ኽሸሞ እየ። ዝመዓራረየኒ መን እዩ ቈጸራ ዝገብረለይከ መን እዩ እቲ ኣብ ቅድመይ ዝቐውም ጓሳስ መ እዩ 45ስለዚ እግዚኣብሄር ንባቢሎን ዝመደበላ ምኽርን፡ ንሃገር ከለዳውያን ዝሓሰበላ ሓሳብን ስምዑ፡ ብርግጽ፡ ነቶም ናእሽቱ መጓሰ ኽጓትትዎም እዮም፡ ብርግጽ ሰፈሮም ክስክሓሎም እዩ። 46በቲ ባቢሎን ተታሕዘት ዝብል ደሃይ ከኣ ምድሪ ተንቀጥቅጥ ኣላ፡ ኣብ ማእከል ህዝብታትውን ጭራሕምራሕ ይስማዕ ኣሎ።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 51
1እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ንባቢሎንን ነቶም ኣብ ማእከል ጸላእተይ ዝነብሩን ዘይጥፍእ ንፋስ ከተንስእ እየ። 2ንባቢሎን ዝምስእይዋ፡ ንሃገራ ኸኣ ዘባድምዋ ጓኖት ክሰደላ እየ። በታ መዓልቲ መዓት ከኣ ብዂሉ ወገን ክወርዋ እዮም። 3እቲ ወርዋሪ ነቲ ቐስቲ ዝግትርን ነቲ ብድርዒ ዜጓብብን ቀስቱ ይገትረሎም። ነቶም ኣጒባዛ ድማ ኣይትንሓፍዎም፡ ንዂሉ ጭፍራኣ ኣጥፍእዎ። 4ኣብ ሃገር ከለዳውያን ከኣ ቅቱላት፡ ኣብ ኣደባባያታ ድማ ውጉኣት ክወድቁ እዮም። 5ምንም እኳ ሃገሮም በቲ ንናይ እስራኤል ቅዱስ ዝበደልዎ በደል እንተ መልአት፡ እስራኤል ወይስ ይሁዳ ብእግዚኣብሄር፡ ብጐይታ ሰራዊት ኣምላኾም፡ መበለት ኣይኰኑን። 6ብሰሪ ዓመጻኣ ኸይትጠፍኡስ፡ ካብ ባቢሎን ህደሙ፡ ነፍሲ ወከፍ ነፍሱ የድሕን። እዚ እቲ ግዜ ምፍዳይ ሕነ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዝገበረቶ ኽፈድያ እዩ። 7ባቢሎን ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ንብዘላ ምድሪ እተስክር ጽዋእ ወርቂ ነበረት፡ ህዝብታት ካብ ወይና ሰተዩ፡ ስለዚ ኸኣ ኣህዛብ ዓበዱ። 8ባቢሎን ብድንገት ወዲቓ ተሰባበረት። ብኸዩላ፡ ምናልባሽ እንተ ሓወየት ከኣ፡ ነቲ ቓንዛኣ ፈውሲ ኣምጽኡላ። 9ፍርዲ ኽሳዕ ሰማይ በጽሑ፡ ክሳዕ ደበናውን ደዪቡ እዩ እሞ፡ ንባቢሎን ክነሕውያ ደሌና፡ ግናኸ ኣይሓወየትን። ሕደግዋ፡ ንዑናይ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ሃገርና ንኺድ። 10እግዚኣብሄር ንጽድቅና ኣውጺኡልና እዩ፡ ንዑናይ ንግብሪ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ጽዮን ነውርዩ። 11እግዚኣብሄር ሓሳቡ ንባቢሎን ከጥፍእ ስለ ዝዀነ፡ ንመንፈስ ነገስታት ሜዶን ኣለዓዓሎ። እዚውን ምፍዳይ ሕነ እግዚኣብሄር፡ ሕነ መቕደሱ እዩ እሞ፡ ፍላጻታት ኣብልሑ፡ ዋላቱ ሓዙ። 12እግዚኣብሄር ነቲ ብዛዕባ እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነብሩ እተናገሮ ኸምቲ ዝሓሰቦ ይፍጽሞ ኣሎ እሞ፡ ኣብቲ መካበብያ ባቢሎን ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ፡ ዘብዐኛታት ኣበርትዑ፡ ሓለውቲ ኣቑሙ፡ ኣድቢኹም ተዳለዉ። 13ኣቲ ብመዛግባት ዝማዕበልኪ፡ ኣብ ገምገም ዓበይቲ ማያት እትነብሪ ዘሎኺ፡ መወዳእታኺ፡ እቲ መስፈር ስስዐኺ በጺሑ እዩ። 14እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ድማ፡ ብርግጽ ከም ብኣንበጣ ብሰብ ክመልኣኪ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ክጭድሩልኪ እዮም፡ ኢሉ ብርእሱ መሓለ። 15ንሱ ብሓይሉ ምድሪ ፈጠረ፡ ብጥበቡ ኸኣ ንዓለም ኣቘማ፡ በእምሮኡ ድማ ንሰማያት ዘርግሐ። 16ድምጺ ምስ ዘስምዕ፡ ኣብ ሰማይ ማያት ይሃምም፡ ንግመ ኻብ ወሰን ምድሪ የልዕሎ፡ ንመባርቕ ኣብ ዝናም ይገብሮ፡ ንንፋስውን ካብ መዛግቡ የውጽኦ። 17ነፍሲ ወከፍ ኣእምሮኡ ጠፊእዎ ይዕነድ። እቲ ዝፈሰሰ ምስሉ ሓሶት እዩ፡ ትንፋስ ከኣ የብሉን እዩ እሞ፡ ኣንጠረኛ ዘበለ በቲ ዝገበሮ ምስሊ ይሓንኽ። 18ከንቱነት፡ ናይ ምጥባር ዕዮ እዮም፡ ብግዜ ቕጽዓቶም ክጠፍኡ እዮም። 19ግደ ያእቆብሲ ኸምዚኣቶም ኣይኰነን። ንዂሉ ዝፈጠረ ንሱ እዩ፡ እስራኤል ድማ ነገድ ርስቱ እዩ እሞ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ። 20ንስኺ ሞደሻይን ኣጻዋር ውግአይን ኢኺ። ብኣኺ ህዝብታት ክጭፍልቕ፡ ብኣኺ መንግስትታት ከጥፍእ እየ። 21ብኣኺ ፈረስን ፈረሰኛን ክጭፍልቕ፡ ብኣኺ ሰረገላን ኣብኣ ዝቕመጥን ክጭፍልቕ እየ። 22ብኣኺ ሰብኣይን ሰበይትን ክጭፍልቕ፡ ብኣኺ ኣረጊትን ቈልዓን ክጭፍልቕ፡ ብኣኺ ጐበዝን ጐርዞን ክጭፍልቕ እየ። 23ብኣኺ ጓሳን መጓሲኡን ክጭፍልቕ፡ ብኣኺ ሓረስታይን ጽምዲ ኣብዑሩን ክጭፍልቕ፡ ብኣኺ ምስለኔታትን መኳንንትን ክጭፍልቕ እየ። 24ኣነ ኸኣ ንባቢሎንን ንዂሎም እቶም ኣብ ሃገር ከለዳውያን ዝነብሩን ኲሉ እቲ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ንጽዮን ዝገበርዋ እከይ ክፈድዮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 25ኣታ ንዂላ ምድሪ እተጥፍእ ከረን ጥፍኣት፡ እንሆ፡ ናባኻ እየ፡ ኢደይ ናባኻ ኽዝርግሕ እየ እሞ ካብቲ ኣኻውሕ ከንከራርወካ። ዝሓረረ ኸረንውን ክገብረካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 26ንሓዋሩ በረኻ ኽትከውን ኢኻ እምበር፡ ካባኻስ እምኒ መኣዝን ወይስ እምኒ መሰረት ዝወስድ የልቦን፡ ይብል እግዚኣብሄር። 27ሰንደቕ ዕላማ ኣብታ ሃገር ትኸሉ፡ ኣብ ማእከል ህዝብታት መለኸት ንፍሑ፡ ህዝብታት ንውግእ ኣዳልዉላ፡ መንግስትታት ኣራራትን ሚናን ኣሽከናዝን ኣኽትቱላ፡ መኳንንቲ ሽሙላ፡ ጸጓራት ኣንበጣ ዝመስሉ ኣፍራስ ኣደይቡላ። 28ህዝብታትን ነገስታት ሜዶንን ምስለኔታትን ኲላቶም መኳንንታን ኲላ እታ ሃገር ግዝኣታን ንውግእ ኣዳልዉላ። 29እቲ፡ እግዚኣብሄር ንሃገር ባቢሎን ሓደ እኳ ዝነብረላ ዘይብላ በረኻ ኽገብራ ኢሉ፡ ንባቢሎን ዝኣመመላ ሓሳብ ይፍጸም ኣሎ እሞ፡ ምድሪ ተንቀጥቅጥን ራዕራዕ ትብልን ኣላ። 30ጀጋኑ ባቢሎን ምውጋእ ሓዲጎም፡ ኣብ ዕርድታቶም ይቕመጡ ኣለዉ፡ ሓይሎም ጠፊኡ ኸም ኣንስቲ ዀኑ። ኣባይታ ብሓዊ ነደደ፡ መሸጐሪኣ ተሰብረ። 31ንንጉስ ባቢሎን ከተማኡ ብዂሉ ወገን ከም እተታሕዘት ከውርየሉስ፡ እቲ ሓደ ጐያዪ ነቲ ሓደ የዃልሞ፡ እቲ ሓደ ልኡኽ ከኣ ነቲ ሓደ ልኡኽ የዃልሞ ኣሎ። 32መሳጋገሪታት ተታሒዙ፡ ሻምብቖ ኸኣ ነዲዱ፡ እቶም ተዋጋእቲውን ሰምቢዶም ኣለዉ። 33እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እታ ጓል ባቢሎን ከም ኣብቲ ወርሓት ዘኺዱሉ ዓውዲ እያ፡ ቅሩብ ጸኒሑ ኸኣ ግዜ ቐውዒ ኽመጻ እዩ። 34ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን በልዓኒ፡ ጨፍለቐኒ ባዶ ኣቕሓ ገበረኒ፡ ከም ገበል ወሓጠኒ፡ በቲ ጠጥዑመይ ከብዱ መልአ ሰጐጐኒውን። 35እታ ኣብ ጽዮን እትነብር ዘላ፡ ንኣይን ንስጋይን እተገብረ ግፍዒ ናብ ባቢሎን ይውረድ፡ ትበል። የሩሳሌም ከኣ፡ ደመይ ናብቶም ኣብ ሃገር ከለዳውያን ዝነብሩ ዘለዉ ይውረድ፡ ትበል። 36ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ኽጣበቐልኪ፡ ሕኔኺ ድማ ክፈድየልኪ እየ። ንባሕሪ ኸንጽፎ፡ ንዔላታት ኸኣ ከንቅጾ እየ። 37ባቢሎን ድማ ኲምራ እምንን መሳፍሮ ወኻሩን፡ ሓደ እኳ ዝነብረላ ዘይብላ መሰክሕን መላገጽን ክትከውን እያ። 38ሓቢሮም ከም ኣናብስ ክጓዝሙ፡ ከም ኰራኲር ኣናብስ ከኣ ሕኒን ክብሉ እዮም። 39ምስ ተራሰኑ፡ መስተ ከቕርበሎም እየ፡ ክሕጐሱን ንሓዋሩ ድቃስ ክድቅሱን ከቶውን ከይነቕሑንሲ፡ ከስክሮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 40ከም ዕያውትን ከም ደዓውልን ድቤላታትን ናብ ማሕረዲ ኸውርዶም እየ። 41ሼሻኽ ከመይ ኢላ ተታሕዘት፡ እዛ ውዳሰ ዂሉ ምድሪ ኸመይ ኢላ ተታሕዘት፡ እዛ ውዳሰ ዂሉ ምድሪ ኸመይ ኢላ ተሳዕረት፡ ባቢሎን ከመይ ኢላ ኣብ ማእከል ህዝብታት መስደመሚ ዀነት። 42ባሕሪ ናብ ልዕሊ ባቢሎን ደየበ፡ ንሳ ብምብርታዕ ማዕበሉ ተኸድነት። 43ከተማታታ ኸኣ ምድሪ በዳን ንቑጽ ምድርን በረኻን፡ ሓደ እኳ ዘይነብረላ፡ ወሉድ ሰብውን ብእኣ ዘይሓልፍ ሃገርን ኰነት። 44ኣነ ንቤል ኣብ ባቢሎን ክቐጽዖ፡ ነቲ ዝወሓጦ ድማ ካብ ኣፉ ኸውጽኦ እየ። ድሕርዚ ድማ ህዝብታት ኣብኣ ኣቢሎም ኣይክውሕዙን እዮም። ቀጽሪ ባቢሎንውን ይወድቕ። 45ኣቱም ህዝበይ፡ ካብ ማእከላ ወጹ። ካብቲ ጒሁር ቁጥዓ እግዚኣብሄር ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ነፍሱ የድሕን። 46በዚ ዓመት እዚ ሓደ ወረ ኽውረ፡ በቲ ዳሕራይ ዓመት ድማ ካልእ ወረ ኽውረ፡ ኣብ ሃገር ከኣ ዓመጻ ኽስልጥን፡ ገዛኢውን ኣብ ገዛኢ ኽለዓል እዩ እሞ፡ ልብኹም ኣይምለቑ፡ በቲ ኣብታ ሃገር ዝስማዕ ወረ ኸኣ ኣይትፍርሁ። 47ስለዚ፡ እንሆ፡ ነቲ ቕሩጽ ምስልታት ባቢሎን ዝቐጽዓለን መዓልትታት ክመጻ እየን፡ ኲሉ ሃገራ ኸኣ ክሓፍር እዩ፡ ኲላቶም ቅቱላቱውን ኣብ ማእከል ኽወድቁ እዮም። 48እቶም መጥፋእቲ ካብ ሰሜን ክመጽዋ እዮም እሞ፡ ሰማይን ምድርን ኣብኦም ዘሎ ዂሉን ብዛዕባ ባቢሎን እልል ክብሉ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 49ከምዚ ባቢሎን ንቕቱላት እስራኤል ዘውደቐቶም፡ ከምኡውን ቅቱላት ኲላ ምድሪ ኣብ ባቢሎን ክወድቁ እዮም። 50ኣቱም ካብ ሰይፊ ዘምለጥኩም ኪዱ፡ ጠጠው ኣይትበሉ፡ ካብ ርሑቕ ንእግዚኣብሄር ዘክሩ፡ ንየሩሳሌምውን ኣብ ልብኹም ሕሰቡ። 51ጸርፊ ሰማዕና እሞ፡ ሓነኽና፡ ጓኖት ኣብቲ ቅዱስ ስፍራታት ቤት እግዚኣብሄር መጺኦም እዮም እሞ፡ ነውሪ ንገጽና ኣጐልበቦ። 52ስለዚ እንሆ፡ ኣነ ነተን ቅሩጽ ምስልታታ ዝቐጽዓለን መዓልትታት ክመጻ እየን፡ እቶም ንሞት ዜዋልኡ ውጉኣት ከኣ ኣብ ኲሉ ሃገራ ኽበኽዩ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 53ባቢሎን ክሳዕ ሰማይ እኳ እንተ ደየበት፡ ሓይላ ኸኣ ኣብ ላዕሊ እኳ እንተ ኣጽንዐት፡ መጥፋእቲ ኻባይ ክመጽዋ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 54ጭድርታ ኻብ ባቢሎን፡ ዓብዪ ምፍራስ ካብ ሃገር ከለዳውያን ይስማዕ ኣሎ። 55እግዚኣብሄር ንባቢሎን የዕንዋ፡ ነቲ ብርቱዕ ደሃይ ድማ ካብኣ የጥፍኦ ኣሎ እሞ፡ ማዕበሎም ከም ብዙሕ ማያት ይሃምም፡ ጭራሕምራሖም ከኣ ይስማዕ ኣሎ። 56እግዚኣብሄር፡ ንሱ ኣምላኽ ምፍዳይ፡ ብርግጽ መስጣ ዝህብ እዩ እሞ፡ ኣብኣ ናብ ባቢሎን መጥፍኢ መጺኡ፡ ጀጋኑኣ ተታሒዞም፡ ቀስትታቶም ተሰባቢሩ እዩ። 57ኣነ ኸኣ ንመሳፍንታን ንጠቢባናን፡ ንምስለኔታታን ንመኳንንታን ንጀጋኑኣንሲ ንሓዋሩ ድቃስ ክድቅሱን ከቶውን ከይነቕሑን ከስክሮም እየ፡ ይብል እቲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ ንጉስ። 58እቲ ገፊሕ ቀጽርታት ባቢሎን ጥራስ ክፈርስ፡ እቲ ነዊሕ ልዳውታ ኸኣ ብሓዊ ኽነድድ እዩ። ህዝብታት ንኸንቱ ኽዓዩ፡ ኣህዛብ ከኣ ንሓዊ ኽደኽሙ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 59እቲ፡ ነብዪ ኤርምያስ ንሰራያ ወዲ ኔርያ ወዲ ማህሰያ፡ ምስ ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብታ ራብዓይቲ ዓመት መንግስቱ ናብ ባቢሎን ምስ ከደ ዝኣዘዞ ቓል እዚ እዩ። ሰራያ ኸኣ ሓለቓ ዝፋን ቤት ነበረ። 60ኤርምያስ ከኣ ንዂሉ እቲ ኣብ ባቢሎን ዝወርድ መዓት፡ ማለት ኲለን እተን ብዛዕባ ባቢሎን እተጻሕፋ ቓላት ኣብ ሓደ መጽሓፍ ጸሓፈን። 61ኤርምያስ ድማ ንሰራያ በሎ፡ ኣብ ባቢሎን ምስ ኣቶኻ፡ ኲለን እዘን ቃላት ከተንብበን መዝኻ እዩ፡ 62በልውን፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ብዛዕባ እዛ ቦታ እዚኣ፡ ሰብ ወይስ እንስሳ፡ ሓደ እኳ ኸም ዘይነብረላ ጌርካ ኸም እተጥፍኣ፡ ንሓዋሩውን ምድረ በዳ ኸም እትኸውን ኢልካ ተዛረብካ። 63ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣንቢብካ ምስ ወዳእካያ፡ እምኒ እሰረላ፡ ኣብ ማእከል ኤፍራጥስ ደርብያ እሞ፡ 64ከምዚ ዀይና ባቢሎን በቲ ኣነ ዘውርደላ መዓት ክትሰጥም፡ መሊሳውን ኣይክትትንስእን እያ፡ ክደኽሙ ድማ እዮም፡ ኢልካ ተዛረብ። ክሳዕ እዚ ቓላት ኤርምያስ እዩ።
ትን. ኤርምያስ ምዕራፍ 52
1ጼድቅያስ መንግስቲ ኽጅምር ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌምውን ዓሰርተው ሓደ ዓመት ገዝአ። ኣዲኡ ሃሚጣል እትበሃል ጓል ኤርምያስ ብዓል ሊብና እያ። 2ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እግዚኣብሄር ከኣ ከምቲ ዂሉ ዮኣቂም ዝገበሮ ኽፉእ ገበረ። 3ኲራ እግዚኣብሄር፡ ካብ ቅድሚ ገጹ ኽሳዕ ዝድርብዮም፡ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ይሁዳን ከምዚ ዀነ፡ ጼድቅያስ ከኣ ካብ ንጉስ ባቢሎን ዓለወ። 4ኣብታ ታስዓይቲ ዓመት መንግስቱ፡ ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን፡ ንሱን ኲሉ ሰራዊቱን ኣብ የሩሳሌም መጹ፡ ኣብ ዙርያኣ ሰፈሩ፡ ዕርድታት ሰሪሖም ከኣ ከበብዋ። 5እታ ኸተማ ድማ ክሳዕ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመቱ ንንጉስ ጼድቅያስ ተኸቢባ ነበረት። 6ኣብታ ራብዓይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ ታስዓይቲ መዓልቲ፡ ጥሜት ኣብታ ኸተማ በርትዐ፡ ህዝቢ እታ ሃገርውን እንጌራ ሰኣነ። 7ከለዳውያን ነታ ኸተማ ኸቢቦምዋ ኸለዉ፡ ሽዑ እታ ኸተማ ጋህ ኢላ ተኸፍተት፡ ኲሎም እቶም ተዋጋእቲ ብለይቲ በቲ ኣብ ጥቓ ኣታኽልቲ ንጉስ ብመንጎ ኽልተ መንደቕ ዘሎ ኣፍ ደገ ወጺኦም ሃደሙ፡ በቲ መገዲ ጐልጐል ከኣ ኸዱ። 8ሰራዊት ከለዳውያን ግና ነቲ ንጉስ ሰዓብዎ፡ ንጼድቅያስ ኣብ ጐልጐል ያሪኮ ኣርከብዎ፡ ሰራዊቱ ኸኣ ሓዲግዎ ፋሕ በለ። 9ሽዑ ነቲ ንጉስ ሓዝዎ፡ ናብ ሪብላ ኣብ ሃገር ሃማት ናብ ንጉስ ባቢሎን ኣምጽእዎ፡ ንሱውን ፍርዱ ተዛረበ። 10ንጉስ ባቢሎን ከኣ ንደቂ ጼድቅያስ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሓረዶም፡ ምስናይ እዚ ድማ ንዂሎም መሳፍንቲ ይሁዳ ኣብ ሪብላ ሓረዶም። 11ንጼድቅያስ ከኣ ኣዒንቱ ኣንቈሮ፡ ንጉስ ባቢሎንውን ብመቑሕ ነሓሲ ኣሰሮ፡ ናብ ባቢሎን ወሰዶ፡ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኸኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣንበሮ። 12ኣብታ ሓምሰይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒውን ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ኣብ መበል ዓሰርተው ትሽዓት ዓመቱ ናቡዘራዳን፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ባቢሎን ዝቐውም ሓለቓ ዘብዐኛታት፡ ናብ የሩሳሌም መጸ። 13ቤት እግዚኣብሄርን ቤት ንጉስን ከኣ ኣንደደ፡ ንዂለን ኣባይቲ የሩሳሌም፡ ምናዳ እኳ ነተን ዓበይቲ ኣባይቲ ዘበላ ብሓዊ ኣንደደን። 14ኲሉ እቲ ምስቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ዝነበረ ሰራዊት ከለዳውያን ድማ ንዂሉ እቲ ኣብ ከባቢኣ ዝነበረ መንደቕ የሩሳሌም ኣፍረሶ። 15ናብዘራዳን ሓለቓ ዘብዐኛታት ካብቶም ድኻታት ህዝብን፡ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝተረፉ ተረፍ ህዝብን፡ ነቶም ቅድም ናብ ንጉስ ባቢሎን ዝኣተዉ ዓለወኛታትን እቶም ተሪፎም ዝነበሩ ብዙሓትን ማረኾም። 16ናቡዘራዳን፡ ሓለቓ ዘብዐኛታት ግና ካብቶም ኣዝዮም ድኻታት እታ ሃገር እቲኣ ተኸልቲ ወይንን ሓረስቶትን ክዀኑ ኣትረፎም። 17ከለዳውያን ከኣ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ኣዕኑድ ኣስራዝን ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ኣዕኑድ ኣስራዝን ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ መናብርን ባሕሪ ኣስራዝን ሰባበርዎ፡ ንዂሉ እቲ ኣስራዚኡ ኸኣ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ። 18ነቲ ድስትታትን መጽሓሪታትን ካራታትን ሒላባትን ጽውኣትን ኲሉ እቲ ዘገልግሉሉ ዝነበሩ ኣቓሑ ኣስራዝን ወሰድዎ። 19እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ከኣ ነቲ ኣጻሕልን ምድጃን ሒላባትን ድስትታትን ቀዋሚታት ቀንዴልን ፈናጅልን ጽውኣትን፡ ናይ ወርቂ ዝዀነ ወርቁ፡ ናብ ብሩር ዝዀነ ብሩር ወሰደ። 20እተን ክልተ ዓንድን እቲ ሓደ ባሕርን እቲ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዘግበሮ መናባር ዝዀነ ዓሰርተው ክልተ ብዕራይ ኣስራዝን ወሰዶ። ነዚ ዂሉ ኣቓሑ ኣስራዚ መምዘኒ ኣይተረኽበሉን። 21እተን ኣዕኑድ ከኣ፡ ቁመት ሓንቲአን ነዘን ኣዕኑድ እዚኣተን ዓሰርተው ሾሞንተ እመት እዩ። ዙርያኣ ድማ ዓሰርተው ክልተ ዝእመታ ፈትሊ እትልክዓ እያ። ምርጓዳ ኣርባዕተ ጻት እዩ፡ ጓንጓውን እያ። 22ብልዕሊኡ ኸኣ ጒልላት ኣስራዚ ኣለዎ፡ ምናሕ ሓደ ጒልላት ድማ ሓሙሽተ እመት እዩ። ዙርያ እቲ ጒልላት ድማ ሓሙሽተ እመት እዩ። ዙርያ እቲ ጒልላት ከኣ ብስራሕ ዓይነርጋብን ሮማንን ክሉል እዩ፡ ኲሉ ድማ ካብ ኣስራዚ እዩ። እታ ኻልኣይቲ ዓንድን እተን ሮማንን ከኣ ከምኣ እየን። 23እተን ሮማን ብወጻኢ ተስዓን ሹድሽተን እየን። ኲለን እተን ሮማን ኣብ ዙርያ እቲ ዓይነርጋብ ከኣ ሚእቲ እየን። 24እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ከኣ ንሰራያ ሊቀ ኻህንን ንጸፋንያ እቲ ኻልኣይ ካህንን ነቶም ሰለስተ ሓለውቲ ደገን ወሰዶም። 25ካብታ ኸተማ ኸኣ ንሓደ ኣዛዝ እቶም ተዋጋእቲ ዝነበረ ስሉብን ኣብታ ኸተማ እተረኽቡ ገጽ ንጉስ ዝርእዩ ሾብዓተ ሰብኡትን፡ ነቲ ህዝቢ እታ ሃገር ንውግእ ዝምልምል ዝነበረ ጻሓፊ ናይቲ ሓለቓ ሰራዊትን፡ ኣብታ ኸተማ እተረኽቡ ስሳ ሰብኡት ካብ ህዝቢ እታ ሃገርን ወሰዶም። 26ነዚኣቶም ናቡዘራዳን ሓለቓ ዘብዐኛታት ወሲዱ ናብ ሪብላ ናብ ንጉስ ባቢሎን ኣምጽኦም። 27ንጉስ ባቢሎን ከኣ ኣብ ሪብላ ኣብ ሃገር ሃማት ወቕዖም ቀተሎም ድማ፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ ይሁዳ ኻብ ሃገሩ ተማረኸ። 28እቲ ነቡካድነጻር ዝማረኾ ህዝቢ እዚ እዩ፡ ኣብታ ሳብዓይቲ ዓመቱ ሰለስተ ሽሕን ዕስራን ሰለስተን ኣይሁድ፡29በታ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ንነቡካድነጻር ካብ የሩሳሌም ሾሞንተ ሚእትን ሰላሳን ክልተን ነፍሲ ማረኸ። 30በታ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመቱ ንነቡካድነጸር ድማ ናቡዘራዳን ሓለቓ ዘብዐኛታት ካብ ኣይሁድ ሾብዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን ነፍሲ ማረኸ። ኲሉ እቲ ሰብ ኣርባዕተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን እዩ። 31ዮኣኪን ንጉስ ይሁዳ፡ ካብ ዝማረኽ ኣብ መበል ሰላሳን ሾብዓተን ዓመቱ ኣብታ መበል ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒውን ኣብ መበል ዕስራን ሓሙሽተን መዓልቲ፡ ኤዊል መሮዳክ ንጉስ ባቢሎን፡ ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመት ግዝኣቱ ንርእሲ ዮኣኪን ንጉስ ይሁዳ ልዕል ኣበሎ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲውን ኣውጽኦ። 32ብጽቡቕ ተዛረቦ፡ ንመንበሩ ድማ ካብቲ መንበር እቶም ምስኡ ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ነገስታት ልዕል ኣቢሉ ኣንበሮ። 33ክዳን እስራቱ ለወጠ፡ ምሉእ ዕድሚኡ ኸኣ ኲሉ ግዜ ኣብ ቅድሚኡ እንጌራ ይበልዕ ነበረ። 34ምግቡ ድማ ኲሉ ግዜ ወግሐ ጸብሐ ምሉእ ዕድሚኡ ኽሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኻብ ንጉስ ባቢሎን ይመጸሉ ነበረ።