መዝሙር ዳዊት
ካልኣይ መጽሓፍ
42 43 44 45 46 47
48 49 50 51 52 53
54 55 56 57 58 59
60 61 62 63 64 65
66 67 68 69
70 71 72
ናብ ቀዳማይ መጽሓፍ፥ 1 — 41
ናብ ሳልሳይ መጽሓፍ፥ 73 — 89
ናብ ራብዓይ መጽሓፍ፥ 90 — 106
ናብ ሓምሳይ መጽሓፍ፥ 107 — 150
መበል 42 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ናይ ደቂ ቆራህ መስኪል።
1እራብ ናብ ዓይኒ ማያት ከም እትናፍቕ፡
ከምኡ ኸኣ ነፍሰይ ናባኻ፡
ዎ ኣምላኽ፡ ትናፍቕ ኣላ።
2ነፍሰይ ንኣምላኽ፡ ነቲ ህያው ኣምላኽ፡ ትጸምእ ኣላ፡
መኣዝ ኰን ክመጽእ፡
ኣብ ቅድሚ ገጽ ኣምላኽሲ ክቐውም እየ፧
3ኵሉ ግዜ፡ ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ፧ ክብሉኒ ኸለዉ፡
ለይትን መዓልትን ንብዓተይ ተቐለብኩ።
4ኣነ ምስ ብዙሓት፡
ምስቶም ብድምጺ እልልታን ምስጋናን
በዓል ዘብዕሉ ህዝቢ ኸይደ፡
ናብ ቤት ኣምላኽ እመርሖም ከም ዝነበርኩ፡
እናዘከርኩ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ፈሰሰት።
5ነፍሰየ፡ ንምንታይ ትጒህዪ፧
ንምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ ኣሎኺ፧
ስለ ምድሓን ገጹ ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፡
ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ።
6ዎ ኣምላኸይ፡ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ትጕሂ ኣላ፡
ስለዚ ኸኣ ካብ ምድሪ ዮርዳኖስ፡
ካብ ኣኽራን ሄርሞን፡
ካብ ዝባን ሚሳር እዝክረካ ኣሎኹ።
7ብደሃይ መንጫዕጫዕታኻ
መዓሙቑ ንመዓሙቝ ይጽውዖ፡
ሸምቦታትካን ማዕበላትካን ዘበለ ብልዕለይ ሓለፈ።
8እግዚኣብሄር ለውሃቱ ብመዓልቲ ይሰድድ፡
ብለይቲ ድማ መዝሙሩ ምሳይ ኣሎ፡
ንኣምላኽ ህይወተይውን እልምን።
9ኣነ ንኣምላኽ፡ ከውሐይ፡ ንምንታይ ኢኻ ዝረሳዕካኒ፧
ንምንታይከ ብሰሪ ጥቕዓት ጸላኢ እናሓዘንኩ ዝኸይድ፧
እብሎ ኣሎኹ።
10ኵሉ መዓልቲ፡ ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ፧
እናበሉ ተጻረርተይ ኣዕጽምተይ
ከም ዝቕጥቀጥ ገይሮም ይጸርፉኒ።
11ነፍሰየ፡ ንምንታይ ትጕህዪ፧
ንምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ ኣሎኺ፧
ንምድሓን ገጸይን ኣምላኸይን ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፡
ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ።
መበል 43 መዝሙር።
1ዎ ኣምላኽ፡ በይነለይ፡
ምስቲ ምሕረት ዘይብሉ ህዝቢ ተማጐተለይ፡
ካብ ሓሳውን ዓማጽን ሰብ ኣድሕነኒ።
2ኣምላኽ ሓይለይ ንስኻ ኢኻ እሞ፡
ስለምንታይ ደርበኻኒ፧
ስለምንታይከ ብሰሪ ጥቕዓት ጸላኢ
እናሓዘንኩ እኸይድ ኣሎኹ፧
3ብርሃንካን ሓቅኻን ልኣኽ፡ ንሳተን ይምርሓኒ፡
ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ።
4ሽዑ ናብ መሰውኢ ኣምላኽ፡
ናብ ኣምላኽ ደስታይን ታሕጓሳይን ክኣቱ እየ፡
ዎ ኣምላኽ፡ ኣምላኸየ፡ ብበገና ኸመስግነካ እየ።
5ነፍሰይ፡ ስለምንታይ ትጕህዪ፧
ስለምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ ኣሎኺ፧
ንምድሓን ገጸይን ኣምላኸይን ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፡
ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ።
መበል 44 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ናይ ደቂ ቆራህ መስኪል።
1ኣምላኽ እቲ ቐደም ብዘመናቶም ዝገበርካዮ ግብርስ
ኣቦታትና ኣዘንትዮምልና፡ በእዛንና ሰሚዕናዮ።
2-3ብሂግካዮም ነበርካ እሞ፡
ብየማናይ ኢድካን ቅልጽምካን
ብብርሃን ገጽካን እዮም እምበር፡
ብሰይፎምሲ ነታ ሃገር ኣይወረስዋን፡
ብቕልጽሞምውን ኣይደሓኑን እሞ፡
ነህዛብ ብኢድካ ሰጒግካ
ንኣታቶም ተኸልካ ንህዝብታት ኣጥፊእካ፡
ንኣታቶም ኣግፋሕካ።
4ዎ ኣምላኽ፡ ንስኻ ንጉሰይ ኢኻ፡
ምድሓን ያእቆብ ኣዝዝ።
5-6ብቐስተይ ኣይኰንኩን ዝውከል፡
ሰይፈይውን ኣይከድሕነንን እዩ እሞ፡
ንተጻረርትና ብኣኻ ኢና እነውድቖም፡
ንተቓወምትናውን ብስምካ ኢና እንረግጾም።
7ካብ ተጻረርትና ዘድሓንካና፡
ንጸላእትናውን ዘሕፈርካዮምሲ ንስኻ ኢኻ።
8ኵሉ መዓልቲ ብኣምላኽ ንሕበን፡
ስምካውን ንዘለኣለም ነመስግን። ሴላ።
9ሕጂ ግና ደርቢኻና ኣሕፊርካናውን፡
ምስ ሰራዊትና ድማ ኣይትወጽእን ኣሎኻ።
10ካብ ተጻራሪ ኣምለስካና፡ ጸላእትናውን ዘመቱና።
11ከም ኣባጊዕ ክንብላዕ ኣሕሊፍካ ሃብካና፡
ኣብ ኣህዛብውን ፋሕ ኣበልካና፡
12ንህዝብኻ ብኸምኡ ሸጥካ፡ ብዋጋኡ ኣይረባሕካን።
13ንጐረባብትና መጻረፊ፡ ኣብ ዙርያና ንዝነብሩ ኸኣ
መባለቲኦምን መላገጺኦምን ገበርካና።
14ኣብ ማእከል ኣህዛብ መመሰሊ፡
ኣብ ማእከል ህዝብታት ርእሶም መነቕነቒ ገበርካና።
15-16ሓሳረይ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ቅድመይ እዩ፡
ብሰሪ ድምጺ እቲ ጸራፍን ሓማይን፡
ብሰሪ ጻላእን ፈዳይ ሕነን ሕፍረት ገጸይ ሸፊኑኒ ኣሎ።
17እዚ ዅሉ በጽሓና፡ ግናኸ ኣይረሳዕናካን፡
ኪዳንካውን ኣይጠለምናን።
18-19ኣብ ቦታ ገበላት ቀጥቂጥካና፡
ብጽላሎት ሞትውን ኣጐልቢብካና ኽነስኻስ፡
ልብና ንድሕሪት ኣይተመልሰን፡
ስጕምትናውን ካብ መገድኻ ኣየግለሰን።
20ስም ኣምላኽና ረሲዕና፡
ኣእዳውና ናብ ጓና ኣምላኽ ዘርጊሕና እንተ ንኸውንሲ፡
21ኣምላኽ ንምስጢራት ልቢ ይፈልጥ እዩ እሞ፡
ነዚዶ ኣይምመርመሮን ነይሩ፧
22ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣሎና፡
ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና።
23ጐይታየ፡ ተበራበር እባ፡
ንምንታይከ ትድቅስ፧ ኤረ ንቓሕ፡
ንሓዋሩ ኣይትደርብየና።
24ንምንታይከ ገጽካ እትኽውል፧
መከራናን ጸበባናን እትርስዕ፧
25ነፍስና ናብ ሓመድ ደኒና፡
ስጋና ኣብ ምድሪ ጠቢቑ እዩ እሞ፡
26ንረዲኤትና ተንስእ፡ ምእንቲ ሳህልኻውን ኣድሕነና።
መበል 45 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ከም ሾሻኒም፡ ናይ ደቂ ቆራህ መስኪል። ናይ ፍቕሪ መዝሙር።
1ካብ ልበይ ጽቡቕ ነገር ይግንፍል፡
ድርሳናተይ ንንጉስ እዩ፡ እብል፡
ልሳነይ ከም ብርዒ ቕልጡፍ ጸሓፊ እያ።
2ካብ ደቂ ሰብ ንስኻ ትጽብቕ፡
ውቃበ ኣብ ከናፍርካ ፈሰሰ፡
ስለዚ ኣምላኽ ንዘለኣለም ባረኸካ።
3ኣታ ጅግና፡ ሰይፍኻ ኣብ ሕቛኻ ዕጠቕ፡
ክብርኻን ግርማኻን ልበስ።
4ምእንቲ ሓቅን ገርህነትን ጽድቅን ብግርማኻ ውጻእ፡
የማነይቲ ኢድካውን ዘፍርህ ነገር ክትምህረካ እያ።
5ፍላጻታትካ በላሕቲ እየን፡
ኣብ ልቢ ጸላእቲ ንጉስ ይኣትዋ።
ህዝብታት ኣብ ትሕቴኻ ይወድቁ።
6ዎ ኣምላኽ፡ ዝፋንካ ንዘለኣለመ ኣለም እዩ፡
ዘንጊ መንግስትኻውን ዘንጊ ቕንዕና እያ።
7ጽድቂ ትፈቱ፡ ረሲእነት ትጸልእ።
ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓለፋ ብጾትካ
ብዘይቲ ሓጐስ ቀብኣካ።
8ኣልባስካ ዅሉ ከርበን ዓልወን ዝባድን ይጨኑ፡
ኣብ ኣደራሻ ስኒ ሓርማዝውን በገናታት ባህ የብለካ ኣሎ።
9ኣዋልድ ነገስታት
ኣብ ማእከል እተን ክቡራት ኣንስትኻ እየን፡
እታ ንግስቲ ብወርቂ ኦፈር ተሰሊማ፡
ኣብ የማንካ ትቐውም ኣላ።
10ጓለየ፡ ስምዒ፡ ርኣዪውን፡
እዝንኺ ኸኣ ኣድንኒ፡
ህዝብኽን ቤት ኣቦኽን ረስዒ።
11ንጉስ ንውብነትኪ ይብህጎ፡
ንሱ ጐይታኺ እዩ እሞ ስገድሉ።
12ጓል ጢሮስን ናይ ህዝቢ ሃብታማትን፡
ገጸ በረኸት ሒዞም፡ ሞገስካ ኽደልዩ እዮም።
13ጓል ንጉስ ኣብ ውሽጢ ዅለንትናኣ ኽብርቲ እያ፡
ክዳውንታ ወርቀዘቦ እዩ።
14ዝንጒርጒር ክዳን ተኸዲና ናብ ንጉስ ከእትውዋ፡
ብድሕሪኣ ኣዳኖታታ ደናግል ናባኻ ኽወስድወን እዮም።
15ብሓጐስን እልልታን ተዓጂበን ክመጻ፡
ናብ ኣዳራሽ ንጉስ ክኣትዋ እየን።
16ውሉድካ ኣብ ክንዲ ኣቦታትካ ክዀኑ፡
ኣብ ብዘላ ምድሪውን መሳፍንቲ ኽትገብሮም ኢኻ።
17ካብ ወለዶ ንወለዶ ንስምካ ኸዘክሮ እየ፡
ስለዚ ህዝብታት ንዘለኣለም ከመስግኑኻ እዮም።
መበል 46 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ናይ ደቂ ቆራህ፡ ብኣላሙት እተዘመረ።
1ኣምላኽ ንኣና መዕቈብን ሓይልን፡
ብጸበባ ፍጡን ረድኤትን እዩ።
2-3ስለዚ ምድሪ እንተ ተገልበጠት፡
ኣኽራን ኣብ መዓሙቑ ባሕሪ እንተ ተናወጹ፡
ማያቱ እንተ ሃመመን እንተ ዓፈረን፡
ኣኽራን ብነድሮም እንተ ኣንቀጥቀጡ፡
ንሕናስ ኣይንፈርህን ኢና። ሴላ።
4ወሓይዙ ንኸተማ ኣምላኽ፡
ነታ ቕድስቲ ቦታ ማሕደር እቲ ልዑል ዘሐጕስ ርባ ኣሎ።
5ኣምላኽ ኣብ ማእከላ ኣሎ፡ ኣይክትናወጽን እያ፡
ክወግሕ ከሎ፡ ኣምላኽ ክረድኣ እዩ።
6ኣህዛብ ጫውጫው በሉ፡ መንግስትታት ተናወጹ፡
ድምጹ ኣስምዐ፡ ምድሪ መኸኸት።
7ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ።
ኣምላኽ ያእቆብ እምባና እዩ። ሴላ።
8ንዑ፡ ንግብርታት እግዚኣብሄር፡
ነቲ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ጥፍኣት ጠምቱ፡
9ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳኣታ ይገብረሉ፡
ንቐስቲ ይሰብሮ፡ ንዅናት ይቐራስሞ፡
ንሰረገላታት ብሓዊ የንድዶ።
10ህድእ በሉ እሞ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ኣስተብህሉ፡
ኣብ ማእከል ኣህዛብ ልዕል ክብል፡
ኣብ ምድሪ ልዕል ክብል እየ።
11ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፡
ኣምላኽ ያእቆብ እምባና እዩ። ሴላ።
መበል 47 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ናይ ደቂ ቆራህ መዝሙር።
1ኣቱም ኣህዛብ ኵሉኹም፡ ኣእዳውኩም ኣጣቕዑ፡
ንኣምላኽ ብድምጺ ሓጐስ እልል በሉሉ።
2ልዑል እግዚኣብሄር ዘፍርህ እዩ እሞ፡
ኣብ ብዘላ ምድሪ ዓብዪ ንጉስ እዩ።
3ንሱ ንህዝብታት ኣብ ትሕቴና፡
ነህዛብ ከኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርና የግዝኦም።
4ንኽብሪ ያእቆብ፡ ፈታዊኡ፡
ርስትና ክዀነልና ይሓርየልና። ሴላ
5ኣምላኽ ብእልልታ፡
እግዚኣብሄር ብደሃይ መለኸት ደየበ።
6ምስጋና ኣምላኽ ዘምሩ፡ ዘምሩ።
ምስጋና ንጉስና ዘምሩ፡ ዘምሩ።
7ኣምላኽ ንጉስ ኵላ ምድሪ እዩ እሞ፡
መዝሙር ምስጋና ዘምሩሉ።
8ኣምላኽ ኣብ ኣህዛብ ነጊሱ፡
ኣምላኽ ኣብታ ቕድስቲ ዝፋኑ ይቕመጥ።
9መሳፍንቲ ኣህዛብሲ
ህዝቢ ኣምላኽ ኣብርሃም ክዀኑ ይእከቡ ኣለዉ።
ዋልታታት ምድሪ ናይ ኣምላኽ እዩ እሞ፡
ንሱ ኣዝዩ ልዕል በለ።
መበል 48 መዝሙር።
ማህሌት፡ ናይ ደቂ ቆራህ መዝሙር።
1ኣብ ከተማ ኣምላኽና፡ ኣብታ ቕድስቲ ኸረኑ፡
እግዚኣብሄር ዓብይን ኣዝዩ ምስጉንን እዩ።
2ከረን ጽዮን ኣብ ወገን ሰሜን፡
ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ፡
ሓጐስ ኵላ ምድሪ፡ ብውበታ ልዕል ትብል።
3ኣምላኽ ኣብ ኣደራሻታ እምባ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ።
4እንሆ፡ ነገስታት ተኣከቡ፡ ሓቢሮም ሓለፉ።
5ርእዮም ተደነቑ፡ ተሸቢሮም ሃደሙ።
6ኣብኡ፡ ከምቲ ጻዕሪ ናይ እትሓርስ ሰበይቲ፡
ምንቅጥቃጥ ሓዞም።
7ንስኻ ንመራኽብ ተርሲስ ብንፋስ ምብራቕ ትሰባብረን።
8ከምቲ ዝሰማዕናዮ፡ ኣብ ከተማ ጐይታ ሰራዊት፡
ኣብታ ኸተማ ኣምላኽና ኸምኡ ርኤና፡
ኣምላኽ ንዘለኣለም ከጽንዓ እዩ። ሴላ።
9ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ውሽጢ መቕደስካ
ንሳህልኻ ሓሰብናዮ።
10ዎ ኣምላኽ፡ ከምቲ ስምካ
ከምኡ ምስጋናኻ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ እዩ፡
የማነይቲ ኢድካ ጽድቂ መሊኣ ኣላ።
11ብፍርድታትካ ኸረን ጽዮን ትሕጐስ፡
ኣዋልድ ይሁዳ እልል ይብላ።
12ንጽዮን ዙርዋ፡ ብዙርያኣ ተመላለሱ፡
ግምብታታ ቑጸሩ።
13ንዝመጽእ ወለዶ ኽትነግሩስ፡ ቀጽርታታ ኣስተብህሉ፡
ኣደራሻታ ኣስተውዕሉ።
14እዚ ኣምላኽ እዚ
ንዘለኣለም ኣለም ኣምላኽና እዩ እሞ፡
ንሱ ኽሳዕ ሞት ክመርሓና እዩ።
መበል 49 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ናይ ደቂ ቆራህ መዝሙር።
1-2ኵሉዅም ኣህዛብ፡ እዚ ስምዑ፡
ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩ ዅሉኹም፡
ሕሱራትን ክቡራትን፡ ሃብታማትን ድኻታትን፡
ሓቢርኩም ጽን በሉ።
3ኣፈይ ጥበብ ይዛረብ፡
ሓሳብ ልበይ ከኣ ናይ ምስትውዓል እዩ።
4እዝነይ ናብ ምስላታት ኤድንን፡
ስዉር ፍልጠተይውን ብበገና እገልጽ ኣሎኹ።
5እከይ እቶም ዝረግጹኒ ክኸበኒ ኸሎ፡
ብመዓልቲ ጸገማ ንምንታይ እየ ዝፈርህ፧
6እቶም ኣብ ገንዘቦም ዝውከሉ፡
ብብዝሒ ሃብቶም ከኣ ዝምክሑ ዘለዉስ፡
7-9ንሓዋሩ ኽነብር ጥፍኣትውን ከይርኢ፡
ሓደ እኳ ንሓዉ ዝብጀዎ፡
ጋር ነፍሲ ንኣምላኽ ዝህበሉ የልቦን፡
ጋር ነፍሶም ክቡር፡ ንዘለኣለም ከኣ ተሪፉ እዩ።
10ጠቢባን ከም ዝሞቱ፡
ዓሻን ደንቈሮን ሓቢሮም ከም ዝጠፍኡ፡
ገንዘቦም ድማ ንኻልኦት ከም ዝሓድጕሎምሲ
ኽርኢ ደኣ እዩ።
11ኣባይቶም ንዘለኣለም፡
መሓድሮም ካብ ወለዶ ንወለዶ ኸም ዝነብር፡
ውሽጣዊ ሓሳቦም እዩ።
ንምድሮም በብስሞም ይሰምይዎ ኣለዉ።
12ግናኸ ሰብ ነተን ዝጠፍኣ እንስሳ እዩ ዝመስል፡
ከቢሩ እኳ እንተሎ ኣይነብርን እዩ።
13እዛ መገዶምሲ ዕሽነቶም እያ፡
ድሕሪኦም ዝመጹውን ንባህሎም ይሰምርዎ። ሴላ
14ከም ኣባጊዕ ኣብ ሲኦል ይነብሩ፡
ሞት ይጓስዮም።
ንግሆ ቅኑዓት ይገዝእዎም፡
ውቃቢኦም ኣብ ሲኦል ይጠፍእ፡
ማሕደርውን የብሎምን።
15ኣምላኽ ግና ክቕበለኒ እዩ እሞ፡
ንሱ ንነፍሰይ ካብ ኢድ ሲኦል ከናግፋ እዩ። ሴላ
16ሰብ እንተ ሃብተመ፡
ክብረት ቤቱ እንተ በዝሐ፡ ኣይትፍራህ።
17ክብረቱ ኣስኣሰሩ ኣይወርድን እዩ እሞ፡
ምስ ዝመውት፡ ገለ እኳ ኣይማላእን።
18ሽሕ እኳ ብህይወቱ ነፍሱ እንተ ኣመስገነ፡
ንርእስኻ ሰናይ እንተ ገበርካላ፡
ሰባትውን እንተ ነአዱኻ፡
19ንስኻስ ናብቶም ከቶ ብርሃን ዘይርአዩ
ዓሌት ኣቦታትካ ኽትከይድ ኢኻ።
20ምስትውዓል ዘይብሉ ሰብ
ብኽብሩ እኳ ነተን ዝጠፍኣ እንስሳ እዩ ዝመስል።
መበል 50 መዝሙር።
ናይ ኣሳፍ መዝሙር።
1እቲ ስልጡን ኣምላኽ፡ እግዚኣብሄር፡ ተዛረበ፡
ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ ንምድሪ ጸውዓ።
2ካብ ጽዮን፡ እታ ፍጻሜ መልክዕ፡ ኣምላኽ ደመቐ።
3ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን፡
ኣብ ቅድሚኡ ዝባላዕ ሓዊ ኣሎ፡
ህቦብላ ንፋስውን ይኸቦ።
4-5ንሱ ንህዝቡ ምእንቲ ኽፈርድሲ፡
ነቶም ብመስዋእቲ ገይሮም
ምሳይ ኪዳን ዝአተዉ ቅዱሳነይ አክቡለይ፡
ኢሉ ንሰማያት ኣብ ላዕልን ንምድርን ይጽውዕ ኣሎ።
6ኣምላኽሲ ፈራዲ እዩ እሞ፡
ሰማያት ጽድቁ ይነግሩ። ሴላ።
7ኣታ ህዝበይ፡ ኣነ ኽዛረብሲ ስማዕ፡
ኣታ እስራኤል፡ ኣነ ኽምስክር እየ፡
ኣነ ኣምላኽሲ፡ ኣምላኽካ እየ።
8ብዛዕባ መስዋእትታትካ ኣይወቕሰካን፡
መስዋእትታት ምሕራርካ ኸኣ
ኵሉ ግዜ ኣብ ቅድመይ እዩ።
9-11ኵሎም እንስሳ በረኻን
ኣብ ኣሻሕ ኣኽራን ዘለዋ ኸብትን ናተይ እየን፡
ንዅለን ኣዕዋፍ ኣኽራን እፈልጠን፡
ኣብ ምድሪ ዝዋሳወስ ከኣ ምሳይ እዩ ዘሎ እሞ፡
ኣነ ኻብ ገዛኻ ዝራብዓት፡
ካብ ደምቤኻውን ዲቤላታት ኣይወስድን።
12ምድርን ምልኣታን ናተይ እያ እሞ፡
እንተ ዝጠሚ እኳ ኣይምነገርኩኻን።
13ኣነዶ ስጋ ዝራብዓት እበልዕ፧
ደም ዲቤላታትሲ እሰቲ እየ፧
14መስዋእቲ ምስጋና ንአምላኽ ሰውኣሉ፡
መብጽዓኻውን ንልዑል ሃቦ።
15ብመዓልቲ ጸበባ ድማ ጸውዓኒ፡
ኣነ ኸናግፈካ እየ፡ ንስኻውን ከተኽብረኒ ኢኻ።
16-17ንረሲእ ግና ኣምላኽ ይብሎ፡
ኣታ ተግሳጸይ እትጸልእ፡
ቃላተይውን ንድሕሬኻ እትድርብስ፡
ከመይ ጌርካ ኢኻ ስርዓታተይ እትነግር፧
ንኺዳነይውን ብአፍካ እተውስኦ፡
18ሰራቒ ምስ ርኤኻ፡ ምስኡ ሓበርካ፡
ክፍልኻውን ምስ ኣመንዝራታት ነበረ።
19ኣፍካ ንኽፉእ ፈኖኻዮ፡
መልሓስካውን ጥበራ ትፍሕስ።
20ተቐሚጥካ ንሓውካ ትሓምዮ፡
ንወዲ እኖኻውን ተነውሮ ኣሎኻ።
21እዚ እናገበርካስ፡ ኣነ ስቕ በልኩልካ፡
እህ፡ ከማኻ ዝዀንኩ መሲሉካ ኢኻ፡
ግናኸ ኣነ ኽግስጸካ፡
ንሓጢኣትካ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ከቑም እየ።
22ኣቱም ንኣምላኽ እትርስዕዎ፡
ኣነ ኸይሰላልዓኩም እሞ፡
ዘናግፈኩም ከይትስእኑስ፡ ነዚ ኣስተብህልዎ።
23መስዋእቲ ምስጋና ዝስውኣለይ የኽብረኒ፡
ነቲ ብመገዱ ዝጥንቀቕ ከኣ
ምድሓን ኣምላኽ ከርእዮ እየ።
መበል 51 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ዳዊት፡ ድሕሪ ናብ ባትሴባ ምእታዉ ነብዪ ናታን ምስ መጸ፡ ዝበሎ መዝሙር።
1ዎ ኣምላኽ፡ ከም ሳህልኻ ምሓረኒ፡
ከምቲ ዓብዪ ርሕራሐኻ ኣበሳይ ደምስስ።
2ካብ ኣበሳይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ፡
ካብ ሓጢኣተይውን ኣጽርየኒ።
3ኣነ ኣበሳይ እፈልጥ ኣሎኹ እሞ፡
ሓጢኣተይ ኵሉ ግዜ ኣብ ቅድመይ እዩ።
4ብዘረባኻ ጻድቕ፡
ብፍርድኻውን ንጹህ ኴንካ ኽትርከብሲ፡
ኣነ ንኣኻ ጥራይ በደልኩ፡
ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ።
5እንሆ፡ ብኣበሳ ተወለድኩ፡
እኖይ ከኣ ብሓጢኣት ጠነሰትኒ።
6እንሆ፡ ንሓቂ ኣብ ውሽጢ ኢኻ እትደልዮ፡
ኣብ ሕቡእውን ጥበብ ምሃረኒ።
7ምእንቲ ኽጸርስ፡ ብስምዕዛ ኣጽርየኒ፡
ካብ በረድ ክጽዕዱ፡ ሕጸበኒ።
8እተን ዝቐጥቀጥካየን ኣዕጽምቲ ኽሕጐሳስ፡
ባህታን ሓጐስን ኣስምዓኒ።
9ገጽካ ኻብ ሓጢኣተይ ከውሎ፡
ንብዘሎ ኣበሳይውን ደምስሶ።
10ዎ ኣምላኽ፡ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፡
ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሓድስ።
11ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒ፡
ቅዱስ መንፈስካውን ኣይተግድፈኒ።
12ሓጐስ ምድሓንካ ምለሰለይ፡
ብፍቓደኛ መንፈስውን ደግፈኒ።
13መገድኻ ንመፍረስቲ ኽምህሮም እየ፡
ሓጥኣን ከኣ ናባኻ ኽምለሱ እዮም።
14ዎ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ምድሓነይ፡
ካብ ዕዳ ደም ኣናግፈኒ፡
ልሳነይውን ንጽድቅኻ እልል ክትብለሉ እያ።
15ጐይታየ፡ ኣፈይ ምስጋናኻ ኽነግርሲ፡
ከናፍረይ ክፈት።
16መስዋእቲ ባህ ኣየብለካን እዩ፡
እንተ ዘይኰነስ መቕረብኩልካ ነይረ፡
ንመስዋእቲ ምሕራር ኣይትብህጎን ኢኻ እሞ፡
17መስዋእቲ ኣምላኽ ስቡር መንፈስ እዩ።
ዎ ኣምላኽ፡ ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ።
18ንጽዮን ብጸጋኻ ሰናይ ግበረላ፡
መካበብያታት የሩሳሌም ንደቕ።
19ሽዑ ብመስዋእቲ ጽድቂ፡
ብዝሓርር መስዋእቲ፡
ብምሉእ መስዋእቲ ባህ ክብለካ እዩ፡
ሽዑ ኣብ መሰውኢኻ ኣራሑ ከቕርቡልካ እዮም።
መበል 52 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ናይ ዳዊት መስኪል።ዶኤግ፡
እቲ ኤዶማዊ፡ ናብ ሳኦል ኣትዩ፡ ዳዊት ኣብ ቤት ኣህሜሌክ ኣሎ፡
ኢሉ ምስ ነገሮ እተዘመረ።
1ኣታ ሓያል፡ ስለምንታይ ብእከይ እትምከሓሉ፧
ጸጋ ኣምላኽ ንሓዋሩ ይነብር።
2ኣታ መታለሊ፡
መልሓስካ ኸም በሊሕ መላጸ ጥፍኣት ትምህዝ ኣላ።
3ካብ ሰናይሲ እከይ፡
ካብ ዘረባ ጽድቂውን ሓሶት ትፈቱ ኣሎኻ። ሴላ።
4ኣቲ ሓሳዊት መልሓስ፡
ቃላት ጥፍኣት ዘበለ ትፈትዊ ኣሎኺ።
5ስለዚ ኣምላኽ ንሓዋሩ ኽጥፍኣኪ እዩ፡ ሴላ።
ክሕዘኪ ኻብ ድንኳንኪውን ክምንጥለኪ፡
ካብ ምድሪ ህያዋን ክምሕወኪ እዩ።
6-7ጻድቃን ከኣ ነዚ ርእዮም ይፈርሁ እሞ፡
እንሆ፡ እቲ ብብዝሒ ሃብቱ ተወኪሉስ፡
ብኽፍኣቱ ዝበርትዐ እምበር፡
ንኣምላኽሲ ሓይሉ ዘይገበሮ ሰብአይ እዚ እዩ፡
እናበሉ ኽስሕቅዎ እዮም።
8ኣነ ግና ኣብ ቤት ኣምላኽ ከም ልምዕቲ ኣውሊዕ እየ፡
ኣብ ጸጋ ኣምላኽውን ንዘለኣለም ኣለም እውከል።
9እዚ ስለ ዝገበርካ፡ ንሓዋሩ ኸመስግነካ፡
ስምካ ሰናይ እዩ እሞ፡
ኣብ ቅድሚ ቅዱሳንካ ኽጽበዮ እየ።
መበል 53 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ብማህሌት፡ ናይ ዳዊት መስኪል።
1ዓሻ ብልቡ፡ ኣምላኽ የልቦን፡ ይብል።
ተበላሸዉ፡ ግብሪ ርኽሰት ገበሩ፡
ሰናይ ዝገብር ሓደ እኳ የልቦን።
2ኣምላኽሲ፡ ሓደ ለባም
ንኣምላኽ ዝደልዮ እንተሎ ኺርኢ፡
ኻብ ሰማያት ናብ ደቂ ሰብ ኣንቈልቁሉ ይጥምት።
3ኵሎም ዓልዮም፡ ብዘለዉ ተባለሽዮም፡
ሰናይ ዝገብር የልቦን፡ ሓደ እኳ የልቦን።
4እቶም ንህዝበይ ከም እንጌራ ዝበልዕዎ፡
ናብ ኣምላኽ ድማ ዘይምህለሉ ገበርቲ እከይሲ፡
ከቶዶ ምስትውዓል የብሎምን እዮም፧
5ኣምላኽ ነዕጽምቲ እቶም ዝኸበቡኻ
ፋሕ ኣቢልዎ እዩ እሞ፡
ኣብታ መሰምበዲ ዘይነበራ ኣዝዮም ሰምበዱ፡
ኣምላኽ ደርብይዎም እዩ እሞ፡ ንስኻ ኣሕፈርካዮም።
6ኣየ፡ ምድሓን እስራኤልሲ ኻብ ጽዮንያ እንተ ዝመጽእ።
ኣምላኽ ነቶም ምሩኻት ህዝቡ ምስ ዘምልሶም፡
ያእቆብ ክሕጐስ፡ እስራኤል ከኣ ባህ ክብሎ እዩ።
መበል 54 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ብንጊኖት፡ ናይ ዳዊት መስኪል። ዚፋውያን ናብ ሳኦል መጺኦም፡ ዳዊትሲ ኣባናዶ ተሓቢኡ ኣየሎን፡ ምስ በልዎ እተዘመረ።
1ዎ ኣምላኽ፡ ብስምካ ኣድሕነኒ፡
ብስልጣንካውን በይነለይ።
2ዎ ኣምላኽ፡ ጸሎተይ ስማዕ፡
ንቓላት ኣፈይ ጽን በሎ።
3ከመይሲ ጓኖት ተንሲኦምኒ፡
ዓመጽቲውን ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉ።
ንኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ገጾም ኣይገበርዎን። ሴላ።
4እንሆ፡ ኣምላኽ ረዳእየይ እዩ፡
ጐይታይሲ ኣብ ማእከል እቶም ንነፍሰይ ዝድግፍዋ እዩ።
5ንእከይ ናብ ጸላእተይ ክመልሶ እዩ፡
ብሓቅኻ ኣጥፍኣዮም።
6ፈትየ መስዋእቲ ከቕርበልካ፡
ጐይታየ፡ ስምካ ሰናይ እዩ እሞ፡ ከመስግኖ እየ።
7ንሱ ኻብ ኵሉ ጸበባ ኣውጺኡኒ እዩ እሞ፡
ዓይነይ ንጸላእተይ ባህ ኢልዋ ረአየቶም።
መበል 55 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ብማህሌት፡ ናይ ዳዊት መስኪል።
1ዎ ኣምላኽ፡ ንጸሎተይ ጽን በል፡
ካብ ምህለላይውን ኣይትተሓባእ።
2-3ኣድህበለይን ምለሰለይን፡
ግፋዒ የውርዱለይ፡ ብዅራ የባርሩኒ ኣለዉ እሞ፡
ብሰሪ ምጥቃዕ እቲ ረሲእ፡
ብሰሪ ድምጺ እቲ ጸላኢ፡
ብቑዝማይ ህድኣት ስኢነ፡ እህህ እብል ኣሎኹ።
4ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተጨነቐት፡
ስምባድ ሞትውን ወደቐኒ።
5ፍርሃትን ምንቅጥቃጥን መጸኒ፡
ረዓድውን ኣጐልበበኒ።
6ኣየ፡ ከም ርግቢ ኣኽናፍ እንተ ዝህልወንስ፡
ነፊረ ምዓረፍኩ ነይረ፡ በልኩ።
7እንሆ፡ ኣርሒቐ ምሃደምኩ።
ኣብ በረኻውን ምሓደርኩ። ሴላ።
8ካብ ህቦብላን ሸምቦባን ክሃድም፡
ኣብ መዕቈቢ ምቐልጠፍኩ።
9ዓመጻን ባእስን ኣብታ ኸተማ እርኢ ኣሎኹ እሞ፡
ጐይታየ፡ ኣጥፍኣዮም፡ መላሕሶም ፈላሊ።
10ለይትን መዓልትን ኣብ መካበብያታት ይዞሩ፡
በደልን ክፍኣትን ኣብ ውሽጣ ኣሎ።
11ሕሰም ኣብ ውሽጣ ኣሎ፡
ጥቕዓትን ጥልመትን ካብ ኣደባባያ ኣይርሕቕን።
12ዝጸርፈኒ ጸላእየይ ኣይኰነን፡
እንተ ዝኸውንሲ ምተዓገስኩ፡
ዝዕበየለይ እቲ ዝጸልኣኒ ኣይኰነን፡
እንተ ዝኸውንሲ ምተሓባእኩ፡
13ግናኸ ማዕረይ፡ መሓዛይ ፈታውየይውን
ዝነበርካ ሰብአይ ንስኻ ኢኻ ዝገበርካዮ።
14ንሕና ብጥዑም ምኽሪ ሓቢርና ወዓልና፡
ኣብ ቤት ኣምላኽውን ምስ ኣኼባ ንመላለስ ነበርና።
15እከይ ኣብ ማሕደሮምን ኣብ ውሽጦምን ኣሎ እሞ፡
ሞት ብድንገት ይምጽኣዮም፡
ብህይወቶም ከለዉ ናብ ሲኦል ይውረዱ።
16ኣነ ግና ናብ ኣምላኽ እምህለል ኣሎኹ፡
ጐይታውን የድሕነኒ እዩ።
17ምሸትን ብጊሓትን ቀትርን እቑዝም
እህህውን እብል ኣሎኹ፡
ንሱ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ።
18ዝቃወሙኒ ብዙሓት እዮም እሞ፡
ካብ ውግእ ንነፍሰይ ብሰላም ኣናግፋ።
19ኣይልውጡን፡ ንኣምላኽ ኣይፈርህዎን እዮም እሞ፡
ካብ ጥንቲ ዝነብር ዘሎ ኣምላኽ
ሰሚዑ ኽመልሰሎም እዩ። ሴላ።
20ንሱ ነቶም ምስኡ ብሰላም ዘለዉ
ኢዱ ዘርጊሑ ኺዳኑ ኣፍረሰ።
21ኣፉ ኸም ጠስሚ ልዙብ እዩ፡
ልቡ ግና ውግእ እዩ፡
ቃላቱ ኻብ ዘይቲ ይልእም፡
ግናኸ እተመሰተ ኣስያፍ እዩ።
22ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ፡
ንሱ ኽድግፈካ እዩ።
ንጻድቕ ሰንከልከል ክብል ከቶ ኣይሓድጎን።
23ዎ ኣምላኽ፡ ንስኻ ናብ ዓሚቑ ጒድጓድ ተጽድፎም፡
ደመኛታትን ጠበርትን
ኣብ ፈረቓ ዕድሚኦም ኣይበጽሑን እዮም።
ኣነ ግና ኣባኻ እውከል ኣሎኹ።
መበል 56 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ በታ ኣብ ርሑቕ ኮይና ስቕ ዝበለት ርግቢ፡
ናይ ዳዊት ሚክታም፡ ፍልስጤማውያን ኣብ ጋት ምስ ሓዙዎ እተዘመረ።
1ኵሉ መዓልቲ ሰልፈኛታት የጨንቑኒ፡
ክውሕጡኒ ይደልዩ ኣለዉ እሞ፡
ዎ ኣምላኽ፡ ምሓረኒ።
2ብትዕቢት ዝዋግኡኒ ብዙሓት እዮም እሞ፡
ኵላ መዓልቲ ተጸናተውተይ ክውሕጡኒ ይደልዩ።
3በቲ ዝፈርሃሉ ግዜ ኣባኻ እውከል።
4ብኣምላኽ ንቓሉ አመስግኖ፡
ኣብ ኣምላኽ ተወኪለ ኣይፈርህን፡
ስጋኸ እንታይ ከይገብረኒ፧
5ኵሉ መዓልቲ ንቓላተይ ይካራኸርዎ፡
ብዘሎ ሓሳባቶም ንጕድኣተይ እዩ።
6ተኣኪቦም የድብዩለይ፡
ነፍሰይ ይደልዩ እዮም እሞ፡
ስጉምተይ ይስልዩ ኣለዉ።
7ብበደሎምዶ ኽድሕኑ እዮም፧
ዎ ኣምላኽ፡ ብዅራኻ ነህዛብ ኣውድቆም።
8ንስኻ ንምዅብላለይ ቈጸርካ፡
ንንብዓተይ ኣብ ጭልፎኻ ኣከብካዮ፡
ኣብ መጽሓፍካዶ ኣይተጻሕፈን፧
9በታ ዘእውየላ መዓልቲ
ጸላእተይ ንድሕሪት ክምለሱ እዮም።
ኣምላኽ ምሳይ ከም ዘሎ፡ እዚ እፈልጥ ኣሎኹ።
10ብኣምላኽ ንቓሉ አመስግኖ፡
ብእግዚኣብሄር ንቓሉ አመስግኖ ኣሎኹ።
11ኣብ ኣምላኽ ተወኪለ ኣይፈርህን፡
ሰባትከ እንታይ ከይገብሩኒ፧
12-13ዎ ኣምላኽ፡ መብጽዓኻ ኣብ ልዕለይ ኣሎ፡
ኣብ ብርሃን ህያዋን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክመላለስሲ፡
ንነፍሰይ ካብ ሞት፡
ነእጋረይውን ካብ ውድቀት ኣድሒንካየን ኢኻ እሞ፡
መስዋእቲ ምስጋና ከቕርበልካ እየ።
መበል 57 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ብኣልተስሄት። ዳዊት ካብ ሳኦል ሃዲሙ ናብ በዓቲ ምስ ኣተወ ዝበሎ ሚክታም።
1ዎ ኣምላኽ፡ ምሓረኒ፡
ነፍሰይ ኣባኻ ተዕቁብ ኣላ እሞ፡ ምሓረኒ፡
እቲ መዓት ክሳዕ ዝሓልፍ፡
ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ተጸጊዐ እኔኹ።
2ናብ ልዑል ኣምላኽ፡
ናብቲ ዝፍጽመለይ ኣምላኽ አእዊ ኣሎኹ።
3ንሱ፡ እቲ ወሓጥየይ፡ ክጸርፈኒ ኸሎ፡
ካብ ሰማይ ልኢኹ ኸድሕነኒ እዩ፡ ሴላ።
ጸጋኡን ሓቁን ክልእኽ እዩ።
4ነፍሰይ ኣብ ማእከል ኣናብስ እያ፡
ኣብ ማእከል እቶም ሓዊ ዝተፍኡ፡
ኣብ ማእከል እቶም ኣስናኖም ኵናትን ፍላጻን፡
መላሕሶም ከኣ ስሑል ሰይፊ
ዝዀነ ሰባት እድቅስ ኣሎኹ።
5ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፡
ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን።
6ንስጕምተይ መጻወድያ ኣጻውዱለይ፡ ነፍሰይ ጐበጠት፡
ኣብ ቅድመይ ጕድጓድ ኰዓቱ፡
ኣብኡውን ወደቑ። ሴላ።
7ልበይ ኣንቂዱ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ልበይ ኣንቂዱ፡
ክዝምርን ከመስግንን፡ እየ።
8ክብረየ፡ ንቕሒ፡ በገናን መሰንቆን ንቕሑ፡
ንወጋሕታ ኸንቅሓ እየ።
9ጐይታየ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከመስግነካ፡
ኣብ ማእከል ህዝብታት ክዝምረልካ እየ።
10ሳህልኻ ኽሳዕ ሰማያት ዓብዪ፡
ሓቅኻውን ክሳዕ ደበናታት እዩ እሞ፡
11ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፡
ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን።
መበል 58 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ብኣልተስሄት፡ ናይ ዳዊት ሚክታም።
1ኣቱም ደቂ ሰብ፡ ስቕ ብምባልኩምዶ ጽድቂ ትዛረቡ፧
ሓቂዶኸ ትፈርዱ ኢኹም፧
2ኣብ ልብኹምስ እባ በደል ደኣ ትብድሉ፡
ግፍዒ ኣእዳውኩም ኣብ ሃገር ትመዝኑ።
3ረሲኣን ካብ ከርሲ ወላዲቶም ጀሚሮም ኣግለሱ፡
ሓሰውቲ ኻብ ማህጸን ወላዲቶም ጀሚሮም ተጋገዩ።
4-5ሕንዚ ተመን ዝመስል ሕንዚ ኣለዎም፡
ከምቲ ድምጺ ኣስማተኛታት፡
ናይቲ ፈላጥ ጠንቋሊ እኳ ኸይሰምዕ ኢሉ
ኣእዛኑ ዝዓብስ ጸማም ተመን እዮም።
6ዎ ኣምላኽ፡ ኣስናኖም ኣብ ኣፎም ሰባብሮ፡
ጐይታየ፡ ኰራርምቲ ሽደናት ኣናብስ መዝሕቕ።
7ከም ዝኩዖ ማይ ይከዓዉ።
ፍላጻታቱ እንተ ገተረን፡ ይጕደማ።
8ከምቲ ክኸይድ ከሎ ዝመክኽ ኣረነ፡
ከምቲ ጸሓይ ዘይረአየ ቝላዕ ሰበይቲ ይኹኑ።
9ቈራርዕኩም ሓዊ ቐሸም ከይቀረቦ፡
ህቦብላ ንጥሉልን ንንዱድን ይመንጥሎ።
10ጻድቕ ንምፍዳይ ሕነ ርእዩ ኽሕጐስ፡
ኣእጋሩ ብደም ረሲእ ክሕጸብ እዩ።
11ሰባት ከኣ፡ ብሓቂ ንጻድቕሲ ፍረ ኣለዎ፡
ብሓቂ ኣብ ምድሪ ዝፈርድ ኣምላኽ ኣሎ፡
ክብሉ እዮም።
መበል 59 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምርራን፡ ብኣልተስሄት፡ ናይ ዳዊት ሚክታም፡ ሳኦል ክቐትሎ ኢሉ ንቤቱ ክሕልዎ ምስ ሰደደ እተዘመረ።
1ኣምላኸየ፡ ካብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ፡
ካብቶም ዝትንስኡኒ ኣብ እምባ ኣቑመኒ።
2ካብ ገበርቲ እከይ ኣናግፈኒ፡
ካብ ደመኛታትውን ኣድሕነኒ።
3እነዉ፡ ንነፍሰይ ይጻናተውዋ ኣለዉ እሞ፡
ጐይታየ፡ ብኣበሳይን ሓጢኣተይን ኣይኰኑን
ሓያላት ክቃወሙኒ ሓቢሮም ዘለዉ።
4ከይበደልኩስ ጐይዮም ይዳለዉ፡
ክትቅበለኒ ንቓሕ እሞ ርኤ።
5ጐይታይ፡ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡
ንቓሕ እሞ ንዅሎም ኣህዛብ መዓት ኣውርደሎም፡
ካብቶም ጠለምቲ ገበርቲ እከይ
ንሓደ እኳ ኣይትምሓር። ሴላ።
6ምሸት እናተመልሱ ኸም ኣኽላባት ይነብሑ፡
ኣብ ከተማውን ይዞሩ።
7መንከ ዝሰምዕ ኣሎ፧ እናበሉ፡
እንሆ፡ ኣፎም ይግንፍል፡
ኣብ ከናፍሮም ኣስያፍ ኣሎ።
8ግናኸ ጐይታየ፡ ንስኻ ኽትስሕቆም፡
ንዅሎም ኣህዛብ ከተባጭዎም ኢኻ።
9እምባይ ኣምላኽ እዩ እሞ፡
ኣታ ሓይለይ፡ ኣባኻ ኣዕቁበ እኔኹ።
10ኣምላኸይ ብሳህሉ ይቕበለኒ፡
ኣምላኽ ነቶም ጸላእተይ ብሓጐስ የርእየኒ።
11ህዝበይ ከይርስዑስ ኣይትቕተሎም።
ኣታ ጐይታና፡ ዋልታና፡
ብሓይልኻ ኣዀብልሎም እሞ ኣውድቆም።
12ቃል ከናፍሮም ሓጢኣት ኣፎም እዩ፡
ስለቲ ዝዛረብዎ መርገምን ሓሶትን
ብትዕቢቶም ይተሓንኰሉ።
13ብዅራኻ ኣጥፍኣዮም፡
ኣምላኽ ካብ ያእቆብ ጀሚሩ
ኽሳዕ ወሰናት ምድሪ ገዛኢ ምዃኑ ኽፈልጡስ፡
ከም ዘይርከቡ ጌርካ ኣጥፍኣዮም። ሴላ።
14ምሸት እናተመልሱ ኸም ኣኽላባት ይነብሑ፡
ኣብ ከተማውን ይዞሩ።
15መብልዕ ደልዮም ይዛውኑ፡
ከይጸገቡ ኸኣ ይሓድሩ ኣለዉ።
16ኣነ ግና ንሓይልኻ እዝምር፡
ንስኻ እምባ፡
ብመዓልቲ ጸበባውን መዕቈቢ ዄንካ ኢኻ እሞ፡
ንሳህልኻ ኣንጊሄ እልል እብል ኣሎኹ።
17ኣምላኽሲ እምባይ፡ ኣምላኽ ምሕረተይ እዩ እሞ፡
ኣታ ሓይለይ፡ ንኣኻ ምስጋና እዝምር ኣሎኹ።
መበል 60 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ብሱሳን ኤዱት፡ ናይ ዳዊት። ምስ ናይ ሞሶጶታምያ ሶርያውያንን ምስ ናይ ጾባ ሶራውያንን ክዋጋእ ከሎ፡ ዮኣብውን ተመሊሱ ካብ ኤዶማውያን ኣብ ለሰ ጨውንዓሰርተው ክልተ ሽሕ ምስ ሰዓሮም ዝጽናዕ ሚክታም።
1ዎ ኣምላኽ፡ ደርበኻና፡
ፋሕ ኣበልካና፡ ኰረኻ። ምለሰና።
2ንምድሪ ኣንቀጥቀጥካያ፡ ተርተርካያ፡
ትናወጽ ኣላ እሞ፡ ጭዳዳ ጸግን።
3ንህዝብኻ ጭንቀት ኣርኤኻዮ፡
ሰንከልከል ዘብል ወይኒ ኣስተኻና።
4ስለ ሓቂ ምእንቲ ኽለዓል፡
ነቶም ዝፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሃብካዮም። ሴላ።
5ፈተውትኻ ምእንቲ ኽናገፉ።
ብየማነይትኻ ኣድሕን እሞ ስምዓና።
6ኣምላኽ ኣብ መቕደሱ ተዛረበ፡
ኣነ ኽዕወት፡ ንሴኬም ክመቕሎ፡
ንለሰ ሱኮትውን ብመስፈሪ ኽሰፍሮ እየ።
7ጊልኣድ ናተይ እዩ፡ ምናሴ ኸኣ ናተይ እዩ።
ኤፍሬም መጸግዕ ርእሰይ፡
ይሁዳውን ዘንጊ ግዝኣተይ እዩ።
8ሞኣብ ገበራ ምሕጻበይ እዩ፡
ኣብ ኤዶም ሳእነይ እድርቢ።
ዎ ፍልስጥኤም፡ እልል በልለይ።
9ናብታ ዕርድቲ ኸተማ መን ይወስደኒ፧
ናብ ኤዶምሲ መን ኰን ይመርሓኒ፧
10ዎ ኣምላኽ፡ ንስኻዶ ኣይኰንካን ዝደርበኻና፧
ንስኻ ዎ ኣምላኽ፡ ምስ ሰራዊትናኸ ኣይትወጽእን ዲኻ፧
11ረዲአት ሰብ ከንቱ እዩ እሞ፡
ካብቲ ተጻራሪ ርድኣና።
12ብኣምላኽ ንሕይል፡
ንሱውን ንተጻረርትና ኽረግጾም እዩ።
መበል 61 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ብንጊኖት፡ ናይ ዳዊት።
1ዎ ኣምላኽ፡ ኣውያተይ ስማዕ፡
ናብ ጸሎተይ ኣቕልብ።
2-3ንስኻ መዕቈብየይ፡
ካብ ገጽ ጸላኢ ጽኑዕ ግምቢ ኢኻ እሞ፡
ልበይ እንተ ተሓለለ፡
ካብ ወሰን ምድሪ ኣባኻ ኸእዊ እየ።
ናብቲ ኻባይ ልዕል ዝበለ ኸውሒ ምርሓኒ።
4-5ዎ ኣምላኽ፡ ንስኻ መብጽዓይ ሰሚዕካ፡
ስምካ ንዝፈርሁ ርስቲ ትህቦም ኣሎኻ እሞ፡
ኣብ ድንኳንካ ንሓዋሩ ኽነብር እየ፡
ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ አዕቁብ ኣሎኹ። ሴላ።
6ዕድመ ንጉስ ተንውሕ፡
ዓመታቱ ኻብ ወለዶ ንወለዶ ይነብር።
7ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሓዋሩ ይነብር፡
ምሕረትን እምነትን ክሕልዋኦ ኣዳሉ።
8ንስምካ ንሓዋሩ ኽዝምረሉ፡
ከምዚ ገይረ ነንመዓልቲ መብጽዓይ ክፈዲ እየ።
መበል 62 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ብየዱቱን፡ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ነፍሰይ ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ሃዲኣ ትጽበ፡
ምድሓነይ ካብኡ ይመጽእ ኣሎ።
2ከውሐይን ምድሓነይን እምባይን ንሱ ጥራይ እዩ፡
ኣዝየ ኣይናወጽን።
3ከም ዝቐነነ ግድጊዳን፡
ንምውዳቕ ዝተቐረበ መንደቕን፡
ኵሉኹም ሓቢርኩም ምእንቲ ኸተወድቕዎስ፡
ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ንሓደ ሰብኣይ ጥራይ እትጥሕሩ፧
4ካብ ልዕልናኡ ኸጽድፍዎ ጥራይ ይማኸሩ፡
ብሓሶት ባህ ይብሉ፡ ብኣፎም ይምርቑ፡
ብውሽጦም ግና ይረግሙ ኣለዉ። ሴላ።
5ትጽቢተይ ካብኡ እዩ እሞ፡
ነፍሰየ፡ ብኣምላኽ ጥራይ ሃዲእኪ ተጸበዪ።
6ከውሐይን ምድሓነይን እምባይን ንሱ ጥራይ እዩ፡
ኣነ ኣይክናወጽን እየ።
7ምድሓነይን ክብረይን ኣብ ኣምላኽ እዩ፡
ጽኑዕ ከውሐይን መዕቈብየይን ኣብ ኣምላኽ እዩ።
8ኣቱም ህዝቢ፡ ኵሉ ግዜ ብእኡ ተወከሉ፡
ልብኹም ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ፡
መዕቈቢና ኣምላኽ እዩ። ሴላ።
9ውሉድ ኣዳም ምናምን ጥራይ እዮም፡
ውሉድ ሰብውን ሓሶት ጥራይ እዮም፡
ኣብ ሚዛን ልዕል ይብሉ፡
ኵሎም ብሓባር ካብ ምናምን ይፈዅሱ።
10ኣብ ግፍዒ ኣይትወከሉ፡
ብዘመተ ኸኣ ኸንቱ ተስፋ ኣይትግበሩ፡
ሃብቲ እንተ በዝሐ፡ ልብኹም ኣይተውድቑሉ።
11ስልጣን ናይ ኣምላኽ ምዃኑ፡
ኣምላኽ ሓንሳእ ተዛረበ፡
ክልተ ሳዕ ሰማዕክዎ።
12ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ትፈድዮ ኢኻ እሞ፡
ጐይታየ፡ ጸጋውን ናትካ እዩ።
መበል 63 መዝሙር።
ዳዊት ኣብ በረኻ ይሁዳ ኸሎ ዝዘመሮ መዝሙር።
1ዎ ኣምላኽ፡ ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ፡
ኣንጊሀ እደልየካ ኣሎኹ፡ ነፍሰይ ንኣኻ ትጸምእ ኣላ፡
ስጋይ፡ ማይ ኣብ ዘይብሉ
ደረቕን ጽሙእን ምድሪ ዀይኑ፡
ይናፍቐካ ኣሎ።
2ከምኡውን ስልጣንካን ክብርኻን ምእንቲ ኽርኢ፡
ናብ መቕደስካ አማዕዱ ኣሎኹ።
3ለውሃትካ ኻብ ህይወት ይበልጽ እዩ እሞ፡
ከናፍረይ ክውድሳኻ እየን።
4ብህይወተይ ክሳዕ ዘሎኹ ኽባርኸካ፡
ብስምካ ነእዳወይ ከልዕለን እየ።
5-7ረዲአተይ ንስኻ ኢኻ፡
ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ እሕጐስ ኣሎኹ እሞ፡
ኣብ ምድቃሰይ ክዝክረካ፡
ብለይቲ እናነቓሕኩ ክሓስበካ ከለኹ፡
ነፍሰይ ከም ብስብሕን ኣንጕዕን ትጸግብ፡
ኣፈይውን ብኸናፍር እልልታ ኸመስግነካ እዩ።
8ነፍሰይ ኣብ ድሕሬኻ ትጠብቕ፡
የማነይቲ ኢድካውን ትድግፈኒ ኣላ።
9እቶም ንህይወተይ ከጥፍእዋ ዝደልዩ ግና
ናብ መዓሙቑ ምድሪ ኽወርዱ እዮም።
10ንስልጣን ሰይፊ ኽውሃቡ፡
ግደ ወኻሩ ክዀኑ እዮም።
11ንጉስ ግና ብኣምላኽ ክሕጐስ፡
ኣፍ ሓሰውቲ ኽዕበስ እዩ እሞ፡
ነፍሲ ወከፍ ብእኡ ዝምሕል ዘበለ ኽሕበን እዩ።
መበል 64 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ዎ ኣምላኽ፡ ክምህለል ከሎኹ፡ ድምጸይ ስማዕ፡
ንህይወተይ ካብ ፍርሃት ጸላኢ ሓልዋ።
2ካብ ሕቡእ ምኽሪ ሕሱማት፡
ካብ ህውከት ገበርቲ እከይ ሰውረኒ።
3-4ካብቶም ኣብ ሕቡእ ቦታ ንንጹህ ክወግኡስ፡
መላሕሶም ከም ሰይፊ ዝስሕሉ፡
ፍላጻታቶም፡ መሪር ቃላት፡ ዘዝግቡ ሰውረኒ።
ብድንገት ይወግኡ ኣለዉ፡ ኣይፈርሁን ድማ።
5ኣብ እኩይ ሃቐና ይጸንዑ፡
መፈንጠራ ኸጻውዱስ ይመኽሩ፡
መን ከይርእየና፡ ይብሉ ኣለዉ።
6እከይ ሓሰቡ፡ ኣዝዮም መርመሩ፡
ነቲ እተመርመረ ምኽሪ ኸኣ ፈጸሙ።
ውሽጢ ነፍሲ ወከፍን ልቡን ዓሚቑ እዩ።
7ኣምላኽ ይወግኦም፡ ድንገት ብፍላጻ ይቘስሉ።
8ይወድቁ፡ መላሕሶም ዝበሎ ናብኦም ይምለስ፡
ዝርእዮም ዘበለ ርእሱ ኽንቕንቕ እዩ።
9ኵሎም ሰባት ከኣ ክፈርሁ፡
ንግብሪ ኣምላኽ ድማ ከዘንትዉ፡
ንዕዮኡውን ከስተብህሉ እዮም።
10ጻድቕ ብእግዚኣብሄር ክሕጐስ፡
ኣብኡ ኸኣ ክውከል፡
ቅኑዓት ልቢ ዘበሉውን ክሕበኑ እዮም።
መበል 65 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ናይ ዳዊት መዝሙር፡ ንምስጋና።
1ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ጽዮን ብህድኣት የመስግኑኻ፡
መብጽዓውን ንኣኻ ኽፍጸም እዩ።
2ኣታ ጸሎት እትሰምዕ፡
ኵሉ ስጋ ናባኻ ኽመጽእ እዩ።
3ኣበሳ በርቲዑኒ፡
ንስኻ ንምግሃስና ይቕረ ኽትብል ኢኻ።
4ኣብ ቦታኻ ኽሓድር ዝሓረኻዮን
ዘቕረብካዮን ሰብ ብጹእ እዩ።
ብበረኸት ቤትካ፡ ብቕዱስ መቕደስካ ኽንጸግብ ኢና።
5-7ኣታ ኣምላኽ ምድሓንና፡
ንዅሉ ወሰናት ምድርን ንርሑቕ ባሕርታትን
መዕቈቢ ዝዀንካ፡
ስልጣን ተዓጢቕካ፡ ብሓይልኻ ነኽራን ዘጽናዕካ፡
ህማም ባሕርታት፡ ህማም ማዕበላቱ፡
ወኻዕታ ኣህዛብ እተህድእ፡
ብዘፍርህ ነገር ብጽድቂ ኽትመልሰልና ኢኻ።
8ኣብ ወሰን ምድሪ ዝነብሩ ኸኣ ብትእምርትኻ ይፈርሁ፡
ንምብራቕን ምዕራብን እልል ተብለን።
9ንምድሪ ትበጽሓን ዕልቕልቕ ተብላን፡
ኣዚኻ ተሀብትማ፡ ርባ ኣምላኽ ማይ መሊኡ እዩ።
ንምድሪ ኸምዚ ጌርካ ምስ ኣዳሎኻያ፡
እኽሊ ተዳልወሎም።
10ንነግሕታታ ተስትዮ፡ንድንኵላታ ትምድምዶ፡
ብዝናም ተለምልማ፡ ንብቑላ ትባርኾ።
11ንዓመት ብሳህልኻ ትኽልላ፡
ኣሰርካ ስብሒ የንጠብጥብ።
12ኣብ ሰውሒ በረኻ የንጠብጥብ፡
ኰረቢትውን ብታሕጓስ ይዕጠቓ።
13ኣሳውሕ ብመጓሰታት ይኽደን፡
ለሰታትውን እኽሊ ይጒልበብ፡
እልል ይብሉን ይዝምሩን ኣለዉ።
መበል 66 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ መዝሙር ምስጋና።
1ኵሉኹም ሃገራት፡ ንኣምላኽ እልል በሉሉ፡
2ንኽብሪ ስሙ ዘምሩ፡ ንውዳሴኡ ኽብሪ ሃቡ።
3ንኣምላኽ ከኣ፡ ግብርታትካ ኽንደይ ዘፍርህ እዩ፡
ጸላእትኻ ሳላ ዕቤት ስልጣንካ
ኣቃባጢሮም ይግዝኡኻ፡ በልዎ።
4ኵላ ምድሪ ኽትሰግደልካ ኽትዝምረልካውን እያ፡
ንስምካ ኽትዝምር እያ። ሴላ።
5ንዑ፡ ኣምላኽ ዝገበሮ ኸኣ ርኣዩ፡
ግብርታቱ ንደቂ ሰብ ዘፍርህ እዩ።
6ንባሕሪ ንቑጽ ምድሪ ገይሩ ለወጦ፡
ንወሓዚ በእጋሮም ሰገርዎ፡ ሽዑ ብእኡ ተሓጐስና።
7ብስልጣኑ ንዘለኣለም ይገዝእ፡
ኣዒንቱ ናብ ኣህዛብ ይምልከታ።
ዓለወኛታት ርእሶም ኣየልዕሉ። ሴላ።
8-9ኣቱም ኣህዛብ፡ ነቲ ንነፍስና ብህይወት ዘንበረ፡
ኣእጋርና ኸንደልህጻውን ዘይፈቐደ ኣምላኽና ባርኽዎ፡
ድምጺ ውዳሰኡ ኣስምዑ።
10ዎ ኣምላኽ፡ ተዓዚብካና ኢኻ እሞ፡
ከም ዝዅላዕ ብሩር ኰላዕካና።
11ናብ መርበብ ኣእቶኻና፡
ኣብ ሕቖና ኸቢድ ጾር ኣጾርካና።
12ብልዕሊ ርእስና ሰባት ኣሳገርካ፡
ብሓውን ብማይን ሓለፍና፡
ንስኻ ግና ናብ ራህዋ ኣውጻእካና።
13-14መስዋእቲ ምሕራር ሒዘ ናብ ቤትካ ኽኣቱ፡
እቲ ኸናፍረይ እተዛረቦ፡
ጸቢቡኒ ኸሎኹ ኣፈይ ዝበሎ
መብጽዓታተይ ንኣኻ ኽፍጽሞ እየ።
15ካብ ስቡሓት ኣባጊዕ ምስ ዕጣን ደዓውል ገይረ፡
መስዋእቲ ምሕራር ከቕርበልካ እየ።
ኣብዑርን ዲቤላታትን ክስውኣልካ እየ። ሴላ።
16ኣቱም ንኣምላኽ እትፈርሁ ዅሉኹም፡ ንዑ፡
ንነፍሰይ ዝገበረላ ኸዘንትወልኩምሲ፡ ስምዑ።
17ብኣፈይ ናብኡ ኣእወኹ፡
ምስጋናውን ኣብ ትሕቲ መልሓሰይ ነበረ።
18ኣብ ልበይ እኩይ ሃቂነ እንተ ዝኸውን፡
እግዚኣብሄር ኣይምሰምዓንን ነይሩ።
19ግናኸ ኣምላኽ ብሓቂ ሰሚዑኒ፡
ንድምጺ ጸሎተይ ኣቕሊቡሉ እዩ።
20እቲ ንጸሎተይ ዘይነዓቐ፡
ጸጋኡውን ዘየርሓቐለይ ኣምላኽሲ ይባረኽ።
መበል 67 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ብንጊኖት፡ መዝሙር ምስጋና።
1ኣምላኽ ይምሓረና፡ ይባርኸና፡
ገጹ የብርሃልና። ሴላ
2መገድኻ ኣብ ምድሪ፡
ኣብ ኵሎም ኣህዛብውን ምድሓንካ ኽፍለጥሲ፡
ገጽካ ኣብርሃልና።
3ዎ ኣምላኽ፡ ኣህዛብ የመስግኑኻ፡
ኵሎም ኣህዛብ የመስግኑኻ።
4ንህዝብታት ብቕንዕና ኽትፈርዶም፡ ሴላ
ነህዛብውን ኣብ ምድሪ ኽትመርሖም ኢኻ እሞ፡
ህዝብታት ይተሓጐሱን እልል ይበሉን።
5ዎ ኣምላኽ፡ ኣህዛብ የመስግኑኻ፡
ኵሎም ኣህዛብ የመስግኑኻ፡
6ምድሪ ፍሬኣ ሂባ፡
እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽባርኸና እዩ።
7ኣምላኽ ይባርኸና፡
ብዘሎ ወሰናት ምድሪ ኸኣ ይፍርሃዮ።
መበል 68 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ናይ ዳዊት መዝሙር፡ንምስጋና።
1ኣምላኽ ይተንስእ፡ ጸላእቱ ፋሕ ይበሉ፡
እቶም ዝጸልእዎ ኻብ ገጹ ይህደሙ። ሴላ
2ትኪ ኸም ዝብተን፡ ከምኡ ትብትኖም፡
ስምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ኸም ዝመክኽ፡
ከምኡውን ረሲኣን ካብ ቅድሚ ኣምላኽ ይጠፍኡ።
3ጻድቃን ግና ይሕጐሱ፡
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደስ ይብሎም፡
ባህ ኢልዎም ድማ እልል ይብሉ።
4ንኣምላኽ ቃንዩሉ፡ ንስሙ ኣመስግኑ፡
ነቲ ብበረኻ ዝሓልፍ መገዲ ጽረጉሉ፡
ስሙ እግዚኣብሄር እዩ። ኣብ ቅድሚኡ ደስ በሉ።
5ኣምላኽ ኣብ ቅድስቲ ማሕደሩ ዀይኑ፡
ኣቦ ዘኽታማትን ጠበቓ መበለታትን እዩ።
6ኣምላኽ ነቲ በይኑ ዝዀነ ናብ ስድራ የእትዎ፡
ንእሱራት ናብ ራህዋ የውጽኦም፡
ተጻረርቲ ግና ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ይነብሩ።
7ዎ ኣምላኽ፡ ቀቅድሚ ህዝብኻ ኽትወጽእ ከሎኻ፡
ብበረኻ ኽትሓልፍ ከሎኻ ሴላ
8ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፡
ሰማያት ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣንጠብጠበ፡
ሲና እኳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር
ኣምላኽ እስራኤል ኣንቀጥቀጠት።
9ዎ ኣምላኽ፡ ዝናም ውህበትካ ኣዝነምካ፡
ነታ ዝሓመቐት ርስትኻ ኣደልደልካያ።
10ህያዋንካ ኣብኡ ሓደሩ፡
ዎ ኣምላኽ፡ ብለውሃትካ ንመሳኺን ኣዳሎኻሎም።
11እግዚኣብሄር ቃሉ ይህብ፡
እተን ሓጐስ ዘበስራ ዓብዪ ጭፍራ እየን።
12ናይ ሰራዊት ነገስታት ይሃድሙ፡ይሃድሙ፡
ኣብ ገዛ ዝወዓለትውን ምርኮ ትማቐል።
13ኣብ ማእከል መጓሰ እንተ ሓደርኩም፡
ከም ኣኽናፍ ርግቢ ብብሩር፡
ክንቲታውን ብዘንጸባርቕ ወርቂ እተለበጠ ትዀኑ።
14እቲ ዅሉ ዝኽእል ንነገስታት ምስ በተኖም፡
ኣብ ሰልሞን በረድ ዘነመ።
15ከረን ባሳን ናይ ኣምላኽ ከረን እዩ፡
ከረን ባሳን ኣርእስቱ ዝብዙሕ ከረን እዩ።
16ኣቱም ብዙሕ ዘርእስትኩም ኣኽራን፡
ነቲ ኣምላኽ ንማሕደሩ ክዅኖ እተመነዮ ኸረን
ስለምንታይ ኢኹም ቀኒእኩም እትጥምትዎ፧
እወ፡ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ኣብኡ ኽነብር እዩ።
17ሰረገላታት ኣምላኽ ክልተ እልፊ፡
ኣሽሓት ግዜ ኣሽሓት እዩ።
እግዚኣብሄር ኣብ ሲና፡
ኣብ መቕደሱ፡ ኣብ ማእከሎም እዩ።
18ናብ ላዕሊ ደየብካ፡ ምርኮ ማረኽካ፡
ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ክነብሩስ፡
ካብ ሰብ፡ ካብቶም ተጻረርቲ እኳ ውህበት ተቐበልካ።
19እግዚኣብሄር ይባረኽ፡
ነንመዓልቲ ጾርና ይጸውር ኣሎ፡
ንሱ ኣምላኽ ምድሓንና እዩ። ሴላ።
20ኣምላኽሲ ንኣና ኣምላኽ ምንጋፍ እዩ፡
ካብ ሞት ምውጻእ ድማ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዩ።
21ኣምላኽ ግና ርእሲ ጸላእቱ፡
ኤረ ነቲ ብበደሉ ዝመላለስ ጐታን፡
መንበስበስታኡ ኽጭፍልቖ እዩ።
22-23እግዚኣብሄር፡ ኣእጋርካ ኣብ ደም ክረግጻ፡
መልሓስ ኣኽላባትካ ኸኣ ካብ ጸላኢ ግዲኡ ኽረክብሲ፡
ካብ ባሳን ክመልሶም፡
ካብ መዓሙቑ ባሕሪ ኽመልሶም እየ፡ በለ።
24ዎ ኣምላኽ፡ ኡደትካ፡ ናይ ኣምላኸይ፡
ናይ ንጉሰይ ኡደት ናብ መቕደስ ረኣዩ።
25ቅድም ዘመርቲ፡ ደሓር ቃነይቲ በገና ሰዓቡ፡
ከበሮ ዝወቕዓ ደናግል ኣብ ማእከል ነበራ።
26ኣቱም ካብ ዓይኒ ማይ እስራኤል ዝዀንኩም፡
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ማሕበራት ኣመስግንዎ።
27ኣብኡ ብንያም፡ እቲ ምንኣስ ኵሎም፡ ገዛኢኦም፡
መሳንፍቲ ይሁዳን ጭፍራኦምን፡
መሳፍንቲ ዛብሎን፡ መሳፍንቲ ንፍታሌም ኣለዉ።
28ኣምላኽካ ንሓይልኻ ኣዘዞ፡
ዎ ኣምላኽ፡ ነቲ ዝገበርካልና ኣጽንዓዮ።
29ስለ ቤት መቕደስካ ኣብ የሩሳሌም
ነገስታት ውህበት ከምጽኡልካ እዮም።
30ብሩሮም ጾይሮም ምእንቲ ኽመጹኻ፡
ንኣራዊት ሰልሰላ፡
ንኣኼባ ኣብዑር ምስ ምራኹት ኣህዛብ ገስጾም።
ነቶም ብውግእ ዝሕጐሱ ኣህዛብ ፋሕ ኣብሎም።
31መሳፍንቲ ኻብ ግብጺ ኽመጹ እዮም፡
ኢትዮጵያ ቐልጢፋ
ኣእዳዋ ናብ ኣምላኽ ክትዝርግሕ እያ።
32-33አቱም መንግስትታት ምድሪ፡
ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ጥንቲ ሰማየ ሰማያት
ዝኸይድ ኣምላኽ ዘምሩ፡
ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፡
እንሆ፡ ንሱ ንድምጹ፡
ነቲ ብርቱዕ ድምጹ፡ የስምዕ ኣሎ። ሴላ
34ንኣምላኽ ምልኪ ሃቡ፡
ግርማኡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል፡
ምልኩ ኣብ ደበናታት እዩ።
35ዎ ኣምላኽ፡ ካብ መቕደስካ እተፍርህ ኢኻ።
ንህዝቡ ሓይልን ስልጣንን ዝህብ
ኣምላኽ እስራኤል እዩ።ኣምላኽ ይባረኽ።
መበል 69 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ብሾሻኒም፡ ናይ ዳዊት።
1ማያት ክሳዕ ነፍሰይ በጺሑ እዩ እሞ፡
ዎ ኣምላኽ፡ ኣድሕነኒ።
2ናብቲ መርገጺ ዘይብሉ ዓሚቑ ሰልሚ ሰጢመ፡
ኣብ ጥልቂ ማያት ኣትየ፡ ማዕበላት ከኣ የጥሕለኒ ኣሎ።
3ብምእዋየይ ደኺመ፡ ጐረሮይ ነቒጹ፡
ኣዒንተይ ንኣምላኸይ ብምጽባይ ፈዚዘን።
4ብኸንቱ ዝጸልኡኒ ኻብ ጸጒሪ ርእሰይ ይበዝሑ፡
ብዘይ ምኽንያት ከጥፍኡኒ ዝደልዩ ጸላእተይ
ሓያላት እዮም፡
ኤረ ዘይከተርክዎ ኽመልስ እኳ ግዲ ዀነኒ።
5ዎ ኣምላኽ፡ ንስኻ ዕሽነተይ ትፈልጥ ኢኻ፡
በደለይውን ካባኻ ኣይተሓብአን።
6-7ኣታ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡
ስሌኻ ጸርፊ እጸውር ኣሎኹ።
ነውሪ ንገጸይ ኣጐልቢብዎ እዩ እሞ፡
እቶም ዝጽበዩኻ ብኣይ ኣይሕፈሩ፡
ኣታ ኣምላኽ እስራኤል፡
እቶም ዝደልዩኻ ብኣኻ ኣይነውሩ።
8-9ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፡
ጸርፊ እቶም ዝጸርፉኻውን ኣባይ ወዲቑ እዩ እሞ፡
ነሕዋተይ ጓና፡ ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ዀንኩ።
10እናበኸኹ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ፡
እዚ መጽረፊ ዀነኒ።
11ክዳን ሓዘን ምስ ለበስኩ፡ መመሰሊ ዀንክዎም።
12ኣብ ደገ ዝቕመጡ ብዛዕባይ ይዛራረቡ፡
ሰካራት ብኣይ ይጭፍሩ።
13ኣታ እግዚኣብሄር፡ ብቕብልቲ ግዜ ግና
ጸሎተይ ናባኻ እዩ፡
ዎ ኣምላኽ፡ ብብዝሒ ምሕረትካ፡
ብሓቂ ምድሓንካ ምለሰለይ።
14ከይሰጥምሲ ኻብ ሰልሚ ኣውጽኣኒ፡
ካብ ጸላእተይን ካብ ጥልቂ ማያትን ኣናግፈኒ።
15ማዕበላት ማይ ኣየጥሕለኒ፡
መዓሙቑ ድማ ኣይውሓጠኒ፡
ጕድጓድውን ኣብ ልዕለይ ኣፋ ኣይትዕጾ።
16ጐይታየ፡ ሳህልኻ ሰናይ እዩ እሞ፡ ምለሰለይ፡
ከም ዕቤት ምሕረትካ ተመለሰኒ።
17ጸቢቡኒ እዩ እሞ፡ ንባርያኻ ገጽካ ኣይትኸውለሉ፡
ቀልጢፍካ ምለሰለይ።
18ክትብጀዋስ ናብ ነፍሰይ ቅረብ፡
ምእንቲ ጸላእተይ ኢልካ ኣናግፈኒ።
19ንስኻ ጸርፈይን ነውረይን ሕፍረተይን ትፈልጦ ኢኻ፡
ኵሎም ተጻረርተይ ኣብ ቅድሜኻ ኣለዉ።
20ንልበይ ጸርፊ ቐጥቂጥዎ ደኸምኩ፡
ዝድንግጸለይ ተጸበኹ፡ ሓደ እኳ ኣይነበረን፡
ዘጸናንዑኒ ደልየውን፡ ሰኣንኩ።
21ኣብ መብልዐይ ሓሞት ገበሩ።
ንጽምአይውን መጺጽ ኣስተዩኒ።
22መኣዶም ኣብ ቅድሚኦም መፈንጠራ ይኹኖም፡
ደሓን ኢና ኽብሉ ኸለዉ፡ መጻወድያ ይኹኖም።
23ኣዒንቶም ከይርእያ ይጸልምታ፡
ንሓቛቑኦምውን ኵሉ ግዜ ኣንቀጥቅጦ።
24መዓትካ ኣፍስሰሎም፡ ረስኒ ቑጥዓኻውን የርክቦም።
25ማሕደሪኦም ይዕኖ፡
ኣብ ድንኳናቶም ዝነብር ሓደ እኳ ኣይረኸብ።
26ነቲ ዝወቓዕካዮ ይሰጕዎ፡
ናይቶም ዘቑሰልካዮም ቃንዛ የዘንትውዎ ኣለዉ እሞ፡
27ኣብ ርእሲ ዓገቦም ዓገብ ወስኮም፡
ናብ ጽድቅኻውን ኣይእተዉ።
28ካብ መጽሓፍ ህይወት ይደምሰሱ፡
ምስ ጻድቃን ድማ ኣይጸሓፉ።
29ኣነ ግና መስኪንን ምግዱርን እየ፡
ዎ ኣምላኽ፡ ምድሓንካ ልዕል የብለኒ።
30ንስም ኣምላኽ ብመዝሙር ከመስግኖ፡
ብምምሳው ከኣ ልዕል ከብሎ እየ።
31እዚ ንእግዚኣብሄር ካብ ዝራብዕ፡
ካብ ቀርንን ጽፍርን ዘለዎ ተፊንቲ ባህ ከብሎ እዩ።
32-33እግዚኣብሄር ንድኻታት ይሰምዖም፡
ንእሱራትውን ኣይንዕቕን እዩ እሞ፡
ትሑታት ነዚ ርእዮም ይሕጐሱ፡
ኣቱም ንኣምላኽ እትደልይዎ፡
ልብኹም ብህይወት ይንበር።
33ሰማይን ምድርን ባሕርን፡
ኣብኡ ዝዋሳወስ ኵሉን ንእኡ የመስግንዎ።
34ኣምላኽ ንጽዮን ከድሕና፡
ንኸተማታት ይሁዳውን ክሃንጸን እዩ እሞ፡
ኣብአን ክነብሩን ክርስተዩን፡
35ዘርኢ ባሮቱ ኽወርስዋ፡
ስሙ ዝፈትዉ ኸኣ ኣብኣ ኽነብሩ እዮም።
መበል 70 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ናይ ዳዊት፡ ንመዘከርታ።
1ዎ ኣምላኽ፡ ንምንጋፈይ፡
ዎ እግዚኣብሄር፡ ንምርዳአይ ቀልጥፍ።
2እቶም ንነፍሰይ ዝደልይዋ ይሕፈሩን ይሕነኹን፡
እቶም ሕሰም ዝትምነዩለይ
ንድሕሪት ይመለሱን ይነውሩን።
3ኣሰይ፡ ኣሰይ፡ ዝብሉኒ ነዊሮም ንድሕሪት ይመለሱ።
4እቶም ዝደልዩኻ ዅሎም
ብኣኻ ባህ ይበሎምን ይተሓጐሱን፡
እቶም ምድሓንካ ዝፈትዉ ኸኣ ኵሉ ግዜ፡
ኣምላኽ ልዕል ይበል፡ ይበሉ።
5ኣነ ግና መስኪንን ድኻን እየ፡
ዎ ኣምላኽ፡ ናባይ ፍጠን፡
ዎ እግዚኣብሄር፡
ረዳእየይን መናገፍየይን ንስኻ ኢኻ፡ ኣይትደንጒ።
መበል 71 መዝሙር።
1ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣባኻ እውከል ኣሎኹ፡
ከቶ ኣይተሕፍረኒ።
2ብጽድቅኻ ኣናግፈንን ባልሃንን፡
እዝንኻ ናባይ ኣድንን እሞ ኣድሕነኒ።
3ኵሉ ግዜ ዝሃድመሉ ኸውሒ መሕደሪ ኹነኒ፡
ከውሐይን እምባይን ንስኻ ኢኻ እሞ፡
ንምድሓነይ ኣዘዝካ።
4-5ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ተስፋይን
ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ እምንቶይን ንስኻ ኢኻ እሞ፡
ዎ ኣምላኸይ፡ ካብ ኢድ ረሲእ፡
ካብ ኢድ ዓመጸኛን ገፋዕን ኣናግፈኒ።
6ካብ ከርሲ ወላዲተይ ጀሚረ ብኣኻ ተደገፍኩ፡
ካብ ማሕጸን ወላዲተይ ዝፈላለኻኒ ንስኻ ኢኻ፡
ምስጋናይ ኵሉ ግዜ ንኣኻ እዩ።
7ንብዙሓት መስተንከሪ ዀንክዎም፡
ንስኻ ግና ብርቱዕ መዕቈብየይ ኢኻ።
8ኣፈይ ብምስጋናኻ፡
ኵሉ መዓልቲ ብኽብርኻ ምልኣዮ።
9-10ጸላእተይ ብዛዕባይ ይዛረቡ፡
ንነፍሰይ ዝጸናተውዋ ኸኣ ሓቢሮም እናተማኸሩ፡
ኣምላኽ ሓዲግዎ፡ መናገፊ የብሉን፡
ስለዚ ጐይኹም ሓዝዎ፡ ይብሉ ኣለዉ እሞ፡
ብግዜ እርግና ኣይትደርብየኒ፡
ሓይለይ ክውዳእ ከሎ፡ ኣይትሕደገኒ።
12ዎ ኣምላኽ፡ ካባይ ኣይትርሓቕ፡
ዎ ኣምላኸይ፡ ንምርዳአይ ፍጠን።
13እቶም ንነፍሰይ ዝጻረርዋ ይሕፈሩን ይጥፍኡን፡
እቶም ጕድኣተይ ዝደልዩውን ነውርን ሓሳርን ይከደኑ።
14ኣነ ግና ኵሉ ግዜ ተስፋ ኽገብር፡
ንዅሉ ምስጋናኻውን ክውስኸሉ እየ።
15ቁጽሩ ኣይፈልጦን እየ እሞ፡
ኣፈይ ጸድቅኻን ምድሓንካን ኵሉ መዓልቲ ኸዘንቱ እዩ።
16ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስልጡን ግብርታት ክነግር፡
ጽድቅኻ፡ ናትካ ጥራይ ክዝክር እየ።
17ዎ ኣምላኽ፡ ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ መሃርካኒ፡
ክሳዕ ሕጂውን ተኣምራትካ ኣወጅኩ።
18ነዚ ወለዶዚ ቕልጽምካ፡
ነቲ ዝመጽእውን ስልጣንካ ኽሳዕ ዘበስሮምሲ፡
ዎ ኣምላኽ፡ ብእርግናይ ምስ ሸየብኩ እኳ ኣይትሕደገኒ።
19ዎ ኣምላኽ፡ ጽድቅኻ ኽሳዕ ላዕሊ ይበጽሕ፡
ኣታ፡ ዓበይቲ ግብርታት ዝገበርካ ኣምላኽ፡ መን ይመዓራረየካ፧
20ኣታ፡ ብዙሕ ጭንቀትን መከራን ዘርአኻና፡
መሊስካ ህይወት ክትህበኒ፡
ከም ብሓድሽ ድማ ካብ መዓሙቑ ምድሪ ኸተውጽአኒ ኢኻ።
21ንዕቤተይ ክትውስኸሉ፡
ብምጽንናዕ ከኣ ኽትከበኒ ኢኻ።
22ኣምላኸየ፡ ኣነውን ንኣኻ፡ ንሓቅኻ ብበገና ኸመስግን፡
ኣታ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ብመሰንቆ ኽዝምረልካ እየ።
23ከመስግነካ ኸሎኹ፡ ከናፍረይን
እታ ዘድሓንካያ ነፍሰይን እልል ክብላ እየን።
24እቶም ጕድኣተይ ዝደልዩ ሓፊሮምን ነዊሮምን እዮም እሞ፡
መልሓሰይ ምሉእ መዓልቲ ብዛዕባ ጽድቅኻ ኽትዛረብ እያ።
መበል 72 መዝሙር።
ናይ ሰሎሞን።
1ዎ ኣምላኽ፡ ንንጉስ ፍርድኻ፡
ንወዲ ንጉስውን ጽድቅኻ ሃቦም።
2ንሱ ኸኣ ንህዝብኻ ብጽድቂ፡
ንጥቑዓትካውን ብቅንዕና ኽፈርዶም እዩ።
3ኣኽራንን ኰረቢትንሲ ብጽድቂ
ንህዝቢ ሰላም ከምጽኡሉ እዮም።
4ነቶም ናይ ህዝቢ መሳኺን ይብይነሎም፡
ንደቂ ድኻታት ከድሕኖም እዩ፡
ንጠቓዕቲውን ክድዕምኾም እዩ።
5ጸሓይን ወርሕን ክሳዕ ዘለዋ፡
ንውሉድ ወለዶ ኽፈርሁኻ እዮም።
6ከም ዝናም ናብ እተዓጽደ ሸኻ፡
ከምቲ ንምድሪ ዘጥልል ጥሚቕ ኰይኑ ይወርድ።
7ብዘመኑ እቲ ጻድቕ ክዕምብብ፡
ወርሒ ኽሳዕ እትጠፍእ ከኣ ብዝሒ ሰላም ክህሉ እዩ።
8ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፡
ካብ ርባ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ኽመልኽ እዩ።
9ኣብ በረኻ ዝነብሩ ኢድ ክነስኡሉ፡
ጸላእቱውን ሓመድ ክልሕሱ እዮም።
10ነገስታት ተርሴስን ደሴታትን ገጸ በረኸት ከቕርቡሉ፡
ነገስታት ሸባን ሳባን ድማ ውህበታት ከምጽኡሉ እዮም።
11ኵሎም ነገስታት ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ኽፍገሙ፡
ብዘለዉ ኣህዛብ ከገልግልዎ እዮም።
12ነቲ ዝጠርዕ ድኻን
ነቲ ረዳኢ ዘይብሉ መስኪንን ከናግፎ እዩ።
13ንመሳኺንን ንድኻታትን ክድንግጸሎም፡
ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ከድሕን እዩ።
14ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ክብጀዋ
ደሞም ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ኽቡር ክኸውን እዩ እሞ፡
15ብህይወት ክነብር፡ ካብ ወርቂ ሸባ ድማ ክህብዎ፡
ኵሉ ግዜውን ናብኡ ኽጽልዩ፡
ምሉእ መዓልቲ ኽባርኽዎ እዮም።
16ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር፡
ኣብ ርእሲ ኣኽራን ክኸውን፡
ፍሬኡ ኸም ኣእዋም ሊባኖስ ዘዘው ክብል፡
ሰብ ከተማውን ከም ሳዕሪ ምድሪ ኽዕምብቡ እዮም።
17ስሙ ንዘለኣለም ክነብር፡
ስሙ ጸሓይ ክሳዕ ዘላ ኽዝውተር እዩ፡
ብእኡውን ሰብ ክባረኹ፡
ኵሎም ኣህዛብ ብጹእ ክብልዎ እዮም።
18እቲ በይኑ ተአምራት ዝገብር እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡
እቲ ናይ እስራኤል ኣምላኽ ይባረኽ።
19ክቡር ስሙ ንዘለኣለም ይባረኽ፡
ብዘሎ ምድሪውን ብኽብሩ ይምላእ።
ኣሜን፡ ኣሜን።20ጸሎት ዳዊት ወዲ እሰይ ተፈጸመ።