መዝሙር ዳዊት
ሳልሳይ መጽሓፍ
73 74 75 76 77 78
79 80 81 82 83
84 85 86 87
88 89
ናብ ካልኣይ መጽሓፍ፥ 42 — 72
ናብ ቀዳማይ መጽሓፍ፥ 1 — 41
ናብ ራብዓይ መጽሓፍ፥ 90 — 106
ናብ ሓምሳይ መጽሓፍ፥ 107 — 150
መበል 73 መዝሙር።
ናይ ኣሳፍ መዝሙር።
1ብሓቂ ኣምላኽ ንእስራኤል፡
ነቶም ንጹህ ልቢ ዘለዎም ሰናይ እዩ።
2ኣነ ግና ኣእጋረይ ሰንከልከል ንምባል፡
ስጕምተይ ንምንድልሃጽ ቀሪበ ነበርኩ።
3ራህዋ ረሲኣን ምስ ርኤኹ፡ ንደፋራት ቀናእኩሎም፡
4ክሳዕ ሞቶም ስቓይ የብሎምን፡
ስጋኦምውን ስቡሕ እዩ እሞ፡
5ጸገማ መወትቲ የብሎምን፡
ከም ሰብውን ኣይተሰቀዩን።
6ስለዚ ትዕቢት ከም ስልማት ክሳድ ይኸቦም፡
ግፍዒ ኸም ክዳን ይጕልብቦም።
7ኣዒንቶም ካብ ስብሒ ይወጻ፡
ሓሳባት ልቦም ይግንፍል።
8የላግጹ፡ ብኽፍኣቶም ግፍዒ ይዛረቡ፡
ካብ ላዕሊ ይዛረቡ ኣለዉ።
9ኣፎም ናብ ሰማይ የልዕሉ፡
መልሓሶም ከኣ ኣብ ምድሪ ይመላለስ።
10ስለዚ ህዝቡ ናብዚ ይምለስ፡
ካብኦምውን ብዙሕ ማይ ይሰቲ።
11ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ይፈልጥ፧
ልዑልከ ፍልጠትዶ ኣለዎ እዩ፧ ይብሉ ኣለዉ።
12እንሆ፡ ረሲኣን እዚኣቶም እዮም፡
ኵሉ ግዜ ሃዲኦም፡ ሃብቲ ይውስኹ ኣለዉ።
13-14ምሉእ መዓልቲ ተሰቅየ፡
ንግሆ ንግሆውን ተቐጺዐ እየ እሞ፡
እምበኣርሲ ንልበይ ብኸንቱ ኣንጺሀ፡
ኣእዳወይውን ብንጽህና ሓጺበ።
15ከምኦም ክዛረብ እየ፡ ኢለ እንተ ዝኸውንሲ፡
ንወለዶ ውሉድካ ምጠለምኩ ነይረ።
16-17ነዚ ኸስተውዕል ምስ ሓሰብኩ፡
ናብ መቕደስ ኣምላኽ ክሳዕ ዝኣቱ፡
መወዳእታኦምውን ክሳዕ ዘስተብህልሲ፡
ኣዝዩ ይሽግረኒ ነበረ።
18ብርግጽ ኣብ መንደልሃጺ ስፍራ ደው ተብሎም፡
ናብ ጥፍኣት ተውድቖም።
19ከመይከ ብድንገት ባደሙ፡
ጸነቱ፡ ብስምባድውን ተወድኡ።
20ከም ሕልሚ ድሕሪ ምንቃሕ፡
ንስኻ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ምስ ነቓሕካ፡
ንምስሎም ከምኡ ኽትንዕቖ ኢኻ።
21ልበይ ምስ መረረ፡ ኣብ ኰላሊተይ ምስ ተወጋእኩ፡
22ዓሾኹ፡ ደንቈሮውን ነበርኩ፡
ኣብ ቅድሜኻ ኸም እንስሳ ዀንኩ።
23ግናኸ ኣነ ዅሉ ግዜ ምሳኻ እየ፡
ንስኻ ብየማነይቲ ኢደይ ሒዝካኒ፡
24ብምኽርኻ ኽትመርሓኒ፡
ድሓርውን ናብ ክብሪ ኽትቅበለኒ ኢኻ።
25ኣብ ሰማይ ብጀካኻ መን ኣሎኒ፧
ንኣኻ ካብ ረኸብኩስ፡ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን።
26ስጋይን ልበይን እንተ ማህመነ እኳ፡
ኣምላኽ ንዘለኣለም ከውሒ ልበይን ክፍለይን እዩ።
27እንሆ፡ ካባኻ ዝርሕቁ ኽጠፍኡ እዮም እሞ፡
ካባኻ ብምንዝርና ዝዓልዉ ዘበሉ ተጽንቶም።
28ንኣይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሕሸኒ፡
ኵሉ ተግባርካ ምእንቲ ኸዘንቱስ፡
እሙንቶይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ገበርኩ።
መበል 74 መዝሙር።
ናይ ኣሳፍ መስኪል።
1ዎ ኣምላኽ፡ ስለምንታይ ንሓዋሩ ደርቤኻና፧
ንምንታይከ ነድርኻ ኣብ ኣባጊዕ መጓሴኻ ይተክኽ፧
2ነታ ኻብ ጥንቲ ዘጥሬኻያ፡
ዓሌት ርስትኻ ኽትከውን እተበጆኻያ ማሕበር፡
ነታ ዝሓደርካያ ኸረን ጽዮን ዘክር።
3ኣእጋርካ ናብታ ናይ ዘለአለም ዑና አልዕል፡
እቲ ጸላኢ ኣብ መቕደስ ንዅሉ ኣበላሽይዎ ኣሎ።
4ተጻረርትኻ ኣብ ማእከል ማሕበርካ ጨዲሮም፡
ንምልክቶም ምልክት ገይሮም ኣቘምዎ።
5ከምቶም ማሕጸ ኣብ ብርቱዕ ዱር ዜልዕሉ ሰብ ይመስሉ።
6ንብዘሎ ቕርጺ ህንጻታቱ
ብማሕጸን ብመዶሻን ገይሮም ኣድቂቖምዎ።
7ንመቕደስካ ብሓዊ ኣንዲዶምዋ፡
ንማሕደር ስምካ ኽሳዕ መሰረታ ኣርኪሶምዋ እዮም።
8ብልቦም፡ ሐቢርና ነጥፍኣዮም፡ በሉ፡
ንዅለን ኣብታ ሃገር ዘለዋ
ኣባይቲ ማሕበር ኣምላኽ ኣንዲዶምወን።
9ምልክትና ኣይንርእን፡ ነብዪ የሎን፡
ክሳዕ መአዝ ምዃኑ ዚፈልጥ የብልናን።
10ዎ ኣምላኽ፡ እቲ ተጻራሪ ኽሳዕ መኣዝ ኪጸርፍ፧
ጸላእስ ንሓዋሩ ስምካ ኺንዕቕ እዩ፧
11ስለምንታይ ኢድካ፡ ነታ የማነይቲኻ፡ ንድሕሪት እትመልሳ፧
ካብ ትሽትሽካ ኣውጺእካ ኣጥፍኣዮም።
12ግናኸ እቲ ኣብ ማእከል ምድሪ
ግብርታት ምድሓን ዚገብር ዘሎ ኣምላኽ
ካብ ጥንቲ ንጉሰይ እዩ።
13ንስኻ ንባሕሪ ብሓይልኻ መቐልካዮ፡
ኣራእስ ገበላት ኣብ ማያት ጨፍለቕካ።
14ኣርእስቲ ሌዋታን ቀጥቂጥካ፡
ነቶም ኣብ በረኻ ዚነብሩ፡ ምግቢ ኪዀኖም፡ ሀብካዮም።
15ዓይኒ ማያትን ምንጭን ኣፈልፈልካ፡
ነቲ ዅሉ ግዜ ዚውሕዝ ርባታት ኣንቀጽካዮ።
16መዓልቲ ናትካ እያ፡ ለይቲውን ናትካ እያ፡
ንብርሃንን ጸሓይን ገበርካየን።
17ንብዘሎ ወሰናት ምድሪ ንስኻ ኣጽናዕካዮ፡
ንሓጋይን ክረምትን ፈጠርካዮም።
18ጸላኢ ንእግዚኣብሄር ከም ዝጸርፎ፡
ዓሻ ህዝቢውን ንስምካ ከም ዝነዐቖ ዘክር።
19ነፍሲ ባሬቶኻ ንኣራዊት ኣይትሀብ፡
ህይወት መሳኺንካ ንሓዋሩ ኣይትረስዕ።
20እቲ ዘጸልመተ ቦታታት ምድሪ
ብማሕደር ግፍዒ መሊኡ ኣሎ እሞ፡ ኪዳንካ ጠምት።
21እቲ ጥቑዕ ሐፊሩ ኣይመለስ፡
መስኪንን ድኻን ስምካ ይባርኹ።
22ዎ ኣምላኽ፡ ተንስእ፡ ነገርካ ግበር፡
ዓሻ ጽርፍ ከም ዚውዕለካ ዘክር።
23ድምጺ ተጻረርትኻ ኣይትረስዕ፡
ጭድርታ እቶም ዓለውትኻ ዅሉ ግዜ ይለዐል ኣሎ።
መበል 75 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ብኣልተስሄት፡ ናይ ኣሳፍ መዝሙር ምስጋና።
1ነመስግነካ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ነመስግነካ ኣሎና፡
ስምካ ቐረባ እዩ፡ ሰብ ንተኣምራትካ የዘንትውዎ።
2ነቲ ምዱብ ግዜ ምስ ረኸብክዎ፡ ቅኑዕ ክፈርድ እየ።
3ምድርን ኣብኣ ዝነብሩ ዅሎምን መኸኹ።
ኣነ ነዕኑዳ ኣጽናዕኩ። ሴላ።
4ነቶም ደፋራት፡ ኣይትድፈሩ፡
ንረሲኣንውን፡ ቀርንኹም ኣይተልዕሉ፡ በልክዎም።
5ቀርንኹም ንላዕሊ ኣይተልዕሉ፡
ክሳድኩም ኣትሪርኩም ኣይትዛረቡ።
6ካብ ምብራቕ ወይ ካብ ምዕራብ፡
ወይስ ካብ በረኻ ኣይኰነን ልዕልና ዝመጽእ፡
7ኣምላኽ ደኣ እዩ ፈራዲ፡ ነዚ የውርድ፡ ነቲ ልዕል የብል።
8ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ዓፈርፈር ዝብል፡
እተሓዋወሰ ወይኒ ዝመልአ ጽዋእ ኣሎ እሞ፡
ካብኡ ቐዲሑ ይዕድል፡ ብሓቂ፡
ኵሎም ረሲኣን ምድሪ ንሓተላኡ ኽጭልጥዎ እዮም።
9ኣነ ግና ንዘለኣለም እዚ ኸዘንቱ፡
ንኣምላኽ ያእቆብ ምስጋና ኽዝምረሉ፡
10ንብዘሎ ኣቕርንቲ ረሲኣንውን ክጕልዕሞ እየ፡
ኣቕርንቲ ጻድቃን ግና ልዕል ክብል እዩ።
መበል 76 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ብኣልተስሄት፡ ናይ ኣሳፍ መዝሙር ምስጋና።
1ኣምላኽ ኣብ ይሁዳ ፍሉጥ እዩ፡
ስሙ ኣብ እስራኤል ዓብዪ እዩ።
2ድንኳኑ ኣብ ሳሌም፡ ማሕደሪኡውን ኣብ ጽዮን እዩ።
3ኣብኡ ናይ ቀስቲ ፍላጻ፡
ዋልታን ሰይፍን መሳርያ ውግእን ሰባበረ። ሴላ።
4ንስኻ ኻብ ኣኽራን መንጠልቲ ዚበልጽ
ብሩህን ክቡርን ኢኻ።
5እቶም ተባዓት ልቢ ተገፉ፡ ድቃሶም ደቀሱ፡
ኵላቶም ጀጋኑውን ኣእዳዎም ኣይረኸቡን።
6ዎ ኣምላኽ ያእቆብ፡ ብተግሳጽካ
ሰረገላታትን ኣፍራስን ድቃስ ከቢድዎም ዛሕ በሉ።
7ንስኻ ግና እተፈራህካ ኢኻ፡
ክትቍጣዕ ከሎኻኸ፡
ኣብ ቅድሜኻ መን ደው ኪብል ይኽእል፧
8-9ፍርድኻ ኻብ ሰማይ ኣስማዕካ፡
ኣምላኽ ንዅሎም ትሑታት ምድሪ ምእንቲ ኼድሕን
ንፍርዲ ምስ ተንስኤ፡
ምድሪ ፈርሄት ስቕውን በለት። ሴላ።
10ኵራ ሰብ ኬመስግነካ እዩ እሞ፡
ትርፊ ዅራ ኽትዕጠቕ ኢኻ።
11ንእግዚኣብሄር፡ ንአምላኽኩም፡ ተመባጽዑሉ ፈጽምዎ ኸኣ።
ኣቱም ኣብ ዙርያኡ ዘሎኹም ኵሉኹም፡
ገጸ በረኸት ነቲ ዜፍርህ ኣቕርቡሉ።
12ንሱ ንመንፈስ መሳፍንቲ ኺዐጽዶ እዩ፡
ንነገስታት ምድሪ ዜፍርህ እዩ።
መበል 77 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ንየዱቱን፡ ናይ ኣሳፍ መዝሙር።
1ድምጸይ ናብ ኣምላኽ ኣልዒለ ኤእዊ፡
ድምጸይ ናብ ኣምላኽ ኤልዕል ኣሎኹ፡
ንሱውን ይሰምዓኒ እዩ።
2ብመዓልቲ ጸበባይ ንእግዚኣብሄር ደሌኽዎ፡
ብለይቲ ኢደይ ተዘርግሐት ኣይሰልከየትን ከኣ፡
ነፍሰይ ምጽንናዕ ኣበየት።
3ንአምላኽ እዝክሮን እቑዝምን ኣሎኹ፡
ኤስተንትንን መንፈሰይ ከኣ ይሕለልን ኣሎ። ሴላ።
4ነዒንተይ ቈላሕላሕ ተብለን፡
እሽገር ምዝራብውን እስእን ኣሎኹ።
5ናይ ቀደም መዓልትታት፡
ናይ ጥንቲ ዓመታት እዝክር ኣሎኹ።
6ብለይቲ ንበገናይ እሓስብ፡
ምስ ልበይ ኤስተንትን ኣሎኹ፡
መንፈሰይውን ይምርምር ኣሎ፡
7እግዚኣብሄርሲ ንዘለኣለምዶ ይድርቢ፧
ድሕርዚኸ ጸጋኡዶ ኣየርእን እዩ፧
8ጸጋኡስ ንዘለኣለምዶ ፈጺሙ ተወዲኡ፧
ተስፋኡኸ ንውሉድ ወለዶዶ ተሪፉ እዩ፧
9ኣምላኽሲ ሳህሉዶ ርሲዕዎ፧
ንምሕረቱስ ብዅራዶ ዐጽይዎ እዩ፧ ሴላ።
10ኣነ በልኩ፡ እዚ እዩ ድኻመይ፡
ዓመታት የማነይቲ እቲ ልዑል እዝክር ኣሎኹ።
11ናይ ቀደም ተአምራትካ ኽሐስብ እየ እሞ፡
ንግብርታት እግዚኣብሄር ክዝክሮ እየ፡
12ንብዘሎ ግብርታትካ ድማ ከስተንትኖ፡
ንዕዮኻውን ክምርምሮ እየ።
13ዎ ኣምላኽ፡ መገድኻ ብቕድስና እዩ፡
ከም ኣምላኽ ዝበለ ዓብዪ ኣምላኽከ መን ኣሎ፧
14ተአምራት እትገብር ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ፡
ንሓይልኻ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣፍለጥካዮ።
15ንህዝብኻ፡ ንውሉድ ያእቆብን ዮሴፍን፡
ብቕልጽምካ ተበጆኻዮ። ሴላ።
16ዎ ኣምላኽ፡ ማያት ረአዩኻ፡
ማያት ረኣዩኻ፡ ተሸበሩውን፡
እወ፡ መዓሙቑ ተናወጸ።
17ደበናታት ብርቱዕ ማያት ኣፍሰሰ፡
ጠፈር ድምጹ ኣስምዐ፡ ፍላጻታትካውን ተወረወረ።
18ድምጺ ነጐድጓድካ ኣብ ህቦብላ ነበረ፡
መባርቕ ንዓለም ኣብርሃ፡ ምድሪ ተናወጸት ኣንቀጥቀጠትውን።
19ጐደናኻ ኣብ ባሕሪ፡ መገድታትካ ኣብ ዓበይቲ ማያት እዩ፡
ኣሰርካውን ኣይተፈልጠን።
20ንህዝብኻ ኸም መጓሰ
ብኢድ ሙሴን ኣሮንን ጌርካ መራሕካዮ።
መበል 78 መዝሙር።
ናይ ኣሳፍ መዝሙር መስኪል።
1ዎ ህዝበይ፡ ንሕገይ ጽን በሎ፡
ኣእዛንካ ናብ ቃላት ኣፈይ ኣድንን።
2ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፡
ናይ ቀደም ምስጢራት እነግር ኣሎኹ፡
3እቲ ዝሰምዕናዮን ዝፈለጥናዮን፡
ኣቦታትናውን ዘዘንተዉልና፡
4ካብ ውሉዶም ኣይንሓብኦን፡
ነቲ ዝመጽእ ወለዶስ ምስጋና እግዚኣብሄርን
ስልጣኑን እቲ ዝገበሮ ተአምራቱን ደኣ ንነግሮ።
5-8እቲ ዝመጽእ ወለዶ፡ እቶም ዝውለዱ ደቂ ኽፈልጥዎ፡
ንሳቶም ከኣ ተንሲኦም ንውሉዶም ምእንቲ ኸዘንትውዎስ፡
ተስፋኦም ናብ ኣምላኽ ክገብሩ፡
ትእዛዛቱ ኽሕልዉ እምበር፡
ተግባር ኣምላኽ ምእንቲ ኸይርስዑ፡
ከም ኣቦታቶም፡ እቲ ህልኸኛን ዓለወኛን ወለዶ፡
ከምቲ ልቡ ቀጥ ዘይበለ፡
መንፈሱውን ናብ ኣምላኽ ዘይተኣመነ ወለዶ ኸይኮኑስ፡
ኣብ ያእቆብ ምስክር ኣጽንዐ፡
ኣብ እስራኤል ከኣ ሕጊ ኣቘመ፡
እዚውን ንውሉዶም ከፍልጥዎስ፡ ነቦታትና ኣዘዞም።
9ውሉድ ኤፍሬም፡ ተዋጋእትን ወርወርትን፡
ብመዓልቲ ውግእ ንድሕሪት ተመልሱ።
10ኪዳን ኣምላኽ ኣይሓለዉን፡
ብሕጉ ምምልላስ ከኣ ኣበዩ፡
11ንግብርታቱን ነቲ ዘርኣዮም ተኣምራቱን ረስዕዎ።
12ኣብ ቅድሚ ኣቦታቶም ኣብ ምድሪ ግብጺ፡
ኣብ መሮር ጾዓን፡ ተኣምራት ገበረ።
13ባሕሪ መቒሉ ኣሕለፎም፡ ንማይ ከም ኵምሪ ኣቘሞ።
14መዓልቲ ብደበና፡
ምሉእ ለይቲውን ብብርሃን ሓዊ መርሖም።
15ኣብ በረኻ ነኻውሕ ጨደዶ፡
ከም ካብ ዓሚቑ ባሕሪውን ብዙሕ ኣስተዮም።
16ዓይኒ ማያት ካብ ከውሒ ኣውጽአ፡
ንማይ ድማ ከም ውሒዝ ኣውሓዞ።
17ግናኸ ኣብ በረኻ ነቲ ልዑል ተሃላሊኾም፡
እናቐጸሉ በደልዎ።
18ንትምኒቶም ዝብላዕ እናደለዩ፡
ብልቦም ንኣምላኽ ፈተንዎ።
19-20ንሳቶም፡ ኣምላኽሲ ኣብ በረኻ ደዀን
መአዲ ኽሰርዕ ይኽእል እዩ፧
እንሆ፡ ማይ ክሳዕ ዝፍልፍል፡
ውሒዝ ክሳዕ ዝውሕዝሲ፡ ንኸውሒ ወቕዖ፡
ግናኸ እንጌራውን ክህብ፡
ወይስ ንህዝቡ ስጋ ኽምህዝዶ ይከኣሎ እዩ፧
ኢሎም ንኣምላኽ ሓመይዎ።
21-22ብኣምላኽ ኣይኣመኑን፡
ብምድሓኑውን ኣይተወከሉን እዮም እሞ፡
እግዚኣብሄር እዚ ሰሚዑ ተቘጥዐ፡
ኣብ ያእቆብ ሓዊ ነደደ፡ ኣብ እስራኤልውን ቁጥዓ ወጸ።
23ግናኸ ንሱስ ኣብ ላዕሊ ንደበና ኣዘዞ፡
መዓጹ ሰማይ ከኣ ከፈተ፡
24ምእንቲ ኽበልዑ ድማ ማና አዝነመሎም፡
እኽሊ ሰማይውን ሃቦም።
25ሰብ ናይ መላእኽቲ እንጌራ በልዐ፡
ንምሉእ ጽጋብ ዝኸውን ምግቢ ሰደደሎም።
26ንፋስ ምብራቕ ኣብ ሰማይ ኣለዓዓለ፡
ብስልጣኑ ድማ ንፋስ ደቡብ ኣምጽአ።
27ስጋ ኣብ ልዕሊኦም ከም ሓመድ፡
ነፈርቲ ኣዕዋፍውን ከም ሑጻ ባሕሪ አዝነመሎም።
28ኣብ ማእከል ሰፈሮም፡
ኣብ ዙርያ ድንኳኖም ኣውረደሎም።
29በልዑን ኣዝዮም ጸገቡን፡ ትምኒቶምውን ሃቦም።
30ትምኒቶም ገና ኸይወድኡ፡
ብልዖምውን ገና ኣብ ኣፎም ከሎ፡
31መዓት ኣምላኽ ወረዶም፡
ካብ ስቡሓቶም ከኣ ቀተለ፡
ነጕባዝ እስራኤልውን ኣውደቖም።
32ምስናይዚ እዚ ዅሉ መሊሶም በደሉ፡
ብተኣምራቱ ኸኣ ኣይኣመኑን።
33ስለዚ ንመዓልትታቶም ብኸንቱ፡
ንዓመታቶም ከኣ ብስምባድ ኣሕለፈን።
34ክቐትሎም ከሎ፡ ሽዑ ይደልይዎ ነበሩ፡
ተመሊሶም ከኣ፡ ኣንጊሆም ንኣምላኽ ደለይዎ።
35ኣምላኽሲ ኸውሖም፡
እቲ ልዑል ኣምላኽውን ተበጃዊኦም ምዃኑ ዘከሩ።
36ብኣፎም ኣቃባጠሩሉ፡ ብመልሓሶም ድማ ሓሰዉሉ።
37ልቦም ናብኡ ኣይቀንዐን፡
ብኺዳኑውን እሙናት ኣይነበሩን።
38ንሱ ግና መሓሪ ዀይኑ፡ ኣበሳኦም ይቕረ በለሎም፡
ኣየጥፍኦምን ከኣ፡ ንዅራኡ ብዙሕ ግዜ መለሶ፡
ንዅሉ ቑጥዓኡ ድማ ኣይደርጐሖን።
39ስጋ ምዃኖም፡
ሓሊፋስ ዘይትምለስ ትንፋስ ምዃኖም ዘከረ።
40ክንደይ ሳዕ እዮም ኣብ በረኻ እተጻረርዎ፡
ኣብ ጽምዋውን ዘጕሃይዎ።
41ተመሊሶም ንኣምላኽ ፈተንዎ፡
ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኣቘጥዕዎ።
42-43ንኢዱን ነታ ኻብ ተጻራሪ እተበጀዎም መዓልትን፡
ትእምርቱ ኣብ ግብጺ፡
ተኣምራቱ ኸኣ ኣብ መሮር ጾዓን
ከም ዝገበረ፡ ኣይዘከሩን።
44ምስታይ ምእንቲ ኽስእንዎስ፡
ንርባታቶምን ንፈሳሲ ማዮምን ናብ ደም ለወጦ።
45ዝበልዕዎም ተናኸስቲ ጽንጽያን፡
ዘጥፍእኦም ቁርዖባትን ሰደደሎም።
46ብቋልያኦም ንቓቔጣ፡ ፍረ ዕዮኦም ከኣ ነንበጣ ሃቦ።
47ንወይኖም ብበረድ፡
ንዳዕሮኦም ከኣ በስሓይታ ኣጥፍኦ።
48ከብቶም ንበረድ፡
መጓሲኦም ከኣ ንመባርቕ ኣሕሊፉ ሃበን።
49ሓዊ ዅራኡ፡ ቁጥዓን ሓርቖትን ጸበባን፡
ጭፍራ መላእኽቲ እከይ፡ ኣውደቐሎም።
50ንዅራኡ መገዲ ጸረገሉ፡
ህይወቶም ንፌራ ኣሕሊፉ ሃበ እምበር፡
ንነፍሶም ካብ ሞት ኣይነሓፋን።
51ንብዘሎ በዅሪ ግብጺ ኸኣ፡ ነቶም በዅሪ ሓይሊ፡
ኣብ ድንኳናት ካም ወቕዖም።
52ንህዝቡ ግና ከም ኣባጊዕ ኣንቀሎም፡
ኣብ በረኻውን ከም መጓሰ መርሖም።
53ከይፈርሁስ ብደሓን መርሖም፡
ንጸላእቶም ግና ባሕሪ ደፊኖም።
54ናብ ወሰን መቕደሱ፡
ናብታ የማነይቲ ኢዱ ዘጥረየቶ ኸረን ኣብጽሖም።
55ነህዛብ ከኣ ካብ ቅድሚኦም ሰጐጎም፡
ርስቲ ክዀኖም ብዕጻ ኸፈሎም፡
ንነገዳት እስራኤል ኣብ ድንኳናቶም ኣሕደሮም።
56ግናኸ ነቲ ልዑል ኣምላኽ ፈተንዎን ተጻረርዎን፡
ምስክራቱውን ኣይሓለዉን።
57ንድሕሪት ተመልሱ፡ ከም ኣቦታቶምውን ጠለሙ፡
ከም ጠላሚ ቐስቲ ተለውዩ።
58ብዀረቢቶም ከኣ ኣዀረይዎ፡
ብተወቕረ ምስልታቶምውን ኣቕንእዎ።
59ኣምላኽ ድማ ነዚ ሰሚዑ ተቘጥዐ፡
ንእስራኤልውን ኣዝዩ ነዓቖም።
60ንማሕደሩ ኣብ ሲሎ፡
ነቲ ኣብ ማእከል ሰብ ተኺልዎ ዝነበረ ድንኳን ሓደጎ።
61ሓይሉ ንምርኮ፡ ክብሩውን ናብ ኢድ ተጻራሪ ሃበ።
62ንህዝቡ ድማ ኣደዳ ሰይፊ ገበሮ፡
ንርስቱውን ተቘጥዖ።
63ነጕባዞም ሓዊ በልዖም፡
ደናግሎም ከኣ ጓይላ መርዓ ኣይረኸባን።
64ካህናቶም ብሰይፊ ወደቑ፡
መበለታቶምውን ኣይበኸያሎምን።
65ሽዑ እግዚአብሄር ከም ደቂሱ ዝነበረ፡
ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዝጭድር ጅግና ዀይኑ ተንስአ።
66ንጸላእቱ ድማ ኣብ ድሕሪኦም ወቕዖም፡
ንዘለኣለማዊ ነውሪ ሃቦም።
67ንድንኳን ዮሴፍ ደርበያ፡
ንነገድ ኤፍሬምውን ኣይሓረዮን፡
68ንነገድ ይሁዳ፡ ነታ ዘፍቀራ ኸረን ጽዮን ግና ሓረያ።
69ንቤት መቕደሱ ኸም ኵርባታት፡
ከምታ ንዘለኣለም ዝሰረታ ምድሪ ገይሩ፡ ሃነጻ።
70ንዳዊት ባርያኡ ሓርዩ፡ ካብ መጓሴታት ኣባጊዕ ወሰዶ።
71ንህዝቡ ያእቆብን ንርስቱ እስራኤልን ምእንቲ ኽሕሉስ፡
ካብ ሓራሳት ኣባጊዕ ኣምጽኦ።
72ብቕንዕና ልቡ ጓሰዮም፡
በእምሮ ኣእዳዉውን መርሖም።
መበል 79 መዝሙር።
ናይ ኣሳፍ መዝሙር።
1ዎ ኣምላኽ፡ ኣህዛብ ናብ ርስትኻ ኣትዮም፡
ንቕድስቲ መቕደስካ ኣርከስዋ፡
ንየሩሳሌምውን ኵምራ እምኒ ገበርዋ።
2ሬሳ ባሮትካ ንምግቢ ኣዕዋፍ ሰማይ፡
ስጋ ጻድቃን ንኣራዊት መሮር ሃብዎም።
3ደሞም ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ከም ማይ ኣፍሰስዎ፡
ቀባሪውን ኣይነበረን።
4ንጐረባብትና ነውሮም፡
ነቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ኸኣ
ንመስሓቒኦምን ንመላገጺኦምን ኰንና።
5ዎ እግዚአብሄር፡ ኣዘውትርካ እትዅሪ፡
ቅንኣትካ ኸም ሓዊ ዝነድድ ኽሳዕ መኣዝ እዩ፧
6-7ንያእቆብ በሊዖምዎ፡
ንማሕደሩውን ኣዕንዮምዋ እዮም እሞ፡
ቁጥዓኻ ናብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብ፡
ናብቶም ብስምካ ዘይምህለሉ መንግስትታት ክዓዎ።
8ኣዚና ተዋሪድና ኢና እሞ፡
በደል ኣቦታትና ኣይትዘክረልና፡
ቀልጥፍ፡ ምሕረትካ ትቃባበለና።
9ዎ ኣምላኽ ምድሓንና፡ ምእንቲ ኽብሪ ስምካ ርድኣና፡
ምእንቲ ስምካ ኢልካ ኸኣ ኣናግፈና፡
ሓጢኣትናውን ይቕረ በለልና።
10ስለምንታይከ ኣህዛብ፡ ኣበይ ኣሎ ኣምላኾም፡ ዝብሉ፧
እቲ ምፍዳይ ሕነ ናይቲ ዝፈሰሰ ደም ባሮትካ
ኣብ ቅድሜና ኣብ ማእከል ኣህዛብ ይፈለጥ።
11ምንኣኽ እቶም እሱራት ናብ ቅድሜኻ ይምጻእ፡
ነቶም ንሞት እተመደቡ ብስልጣን ቅልጽምካ ኣድሕኖም።
12ዎ እግዚአብሄር፡ ንጐረባብትና
እቲ ዝጸረፉኻ ጸርፊ ሾብዓተ ኢድ ጌርካ፡
ናብ ሕቑፎም ምለሰሎም።
13ንሕና ግና፡ ህዝብኻን ኣባጊዕ መጓሰኻን ዝዀንና፡
ንዘለኣለም ከነመስግነካ፡
ንውሉድ ወለዶ ምስጋናኻ ኸነውሪ ኢና።
መበል 80 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ብሾሻኒም ኤዱት፡ ናይ ኣሳፍ መዝሙር።
1ዎ ጓሳ እስራኤል፡ ጽን በል።
ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፡
ኣታ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፡ በሪህካ ተገለጽ።
2አብ ቅድሚ ኤፍሬምን ብንያምን ምናሴን
ስልጣንካ ኣተንስእ፡ ንምድሓንናውን ንዓ።
3ዎ ኣምላኽ፡ ምለሰና፡
ክንድሕን ድማ ገጽካ ኣብርሃልና።
4ዎ እግዚአብሄር፡ ኣምላኽ ሰራዊት፡
ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ብጸሎት ህዝብኻ እትዅሪ፧
5እንጌራ ንብዓት ኣብላዕካዮም፡
ብመስፈር ከኣ ንብዓት ኣስተኻዮም።
6ንጐረባብትና መካትዒኦም ትገብረና ኣሎኻ፡
ጸላእትናውን የላግጹልና ኣለዉ።
7ዎ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ምለሰና፡
ክንድሕን ድማ ገጽካ አብርሃልና።
8ጕንዲ ወይኒ ኻብ ግብጺ ኣውጻእካ፡
ኣህዛብ ሰጒጕካውን ተኸልካያ።
9ኣብ ቅድሚኣ ቦታ ኣዳሎኻላ፡
ሱር ሰደደት ምድሪውን መልአት።
10ኣኽራን ብጽላላ ተኸድኑ፡
ጨናፍራ ድማ ከም ጽሕድታት ኣምላኽ ነበሩ።
11ጨናፍራ ኽሳዕ ባሕሪ፡
ውልዶታታ ኸኣ ክሳዕ እቲ ርባ ዘርግሐት።
12ኵሎም ሓለፍቲ መገዲ ክቕንጥብዋስ፡
ስለምንታይከ ሓጹራ ዘፍረስካ፧
13ናይ ዱር መፍለስ ይፍልሳ፡
እንስሳ መሮርውን ይጓሰይዋ ኣለዉ።
14-15ዎ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ተመለስ፡
ካብ ሰማይ ኣንቈልቁልካ ርኤ፡
እንሆ ኸኣ ነዛ ወይንን፡ ነዛ የማነይትኻ ዝተኸለታ ኦምን፡
ነቲ ንኣኻ ኢልካ ዘጽናዕካዮ ጨንፈርን ብጽሓዮም።
16ብሓዊ ነዲዳ ተበትከት።
ብተግሳጽ ገጽካ ይጠፍኡ ኣለዉ።
17ኢድካ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ የማነይትኻ ሰብኣይ፡
ኣብ ልዕሊ እቲ ንኣኻ ኢልካ ዘጽናዕካዮ ወዲ ሰብ ትኹን።
18ሽዑ ኻባኻ ኣይክንርሕቕን ኢና፡
ህይወት ሃበና፡ ብስምካውን ክንምህለል ኢና።
19ዎ እግዚአብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ምለሰና፡
ክንድሕን ድማ ገጽካ አብርሃልና።
መበል 81 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ብጊቲት፡ ናይ ኣሳፍ።
1ንኣምላኽ፡ ነቲ ሓይልና፡ እልል በሉሉ፡
ንኣምላኽ ያእቆብ እልል በሉ።
2መዝሙር ኣልዕሉ፡
ከበሮን ጥዑም በገና ምስ መሰንቆን ኣቓንዩ።
3-4እዚ ናይ እስራኤል ሕጊ፡
ናይ ኣምላኽ ያእቆብ ስርዓት እዩ እሞ፡
ብሰርቂ ወርሒ፡ ብምልኣት ወርሒ፡
ብመዓልቲ በዓልና መለኸት ንፍሑ።
5ካብ ምድሪ ግብጺ ኽወጽእ ከሎ፡
ኣብ ዮሴፍ ምስክር ገይሩ ኣቘሞ።
ዘይፈልጦ ቛንቋ እሰምዕ ኣሎኹ፡
6ንመንኵቡ ኻብ ሰኽሚ ኣርሓቕክዎ፡
ኣእዳዉ ኻብ መጾሪ ኣቕሓ ተናገፋ።
7ብጸበባ ኣእዌኻ፡ ኣነውን ኣናገፍኩኻ፡
ኣብ ነጕዲ ተሰዊረ መለስኩልካ፡
ኣብ ማይ መሪባ ተዓዘብኩኻ። ሴላ።
8ዎ ህዝበይ፡ ክምስክረልካስ ስማዕ፡
ዎ እስራኤል፡ ኣየ እንተ ትሰምዓኒ።
9ካልእ ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣይኹን፡
ንኻልእ ኣምላኽውን ኣይትስገድ።
10ኣነ እግዚአብሄር፡
እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኻ ኣምላኽ እየ፡
ኣፍካ ሃህ ኣብል፡ ኣነውን ክመልኦ እየ።
11ህዝበይ ግና ንድምጸይ ኣይሰምዖን፡
እስራኤል ድማ እሺ ኣይበለንን።
12ብምኽሪ ርእሶም ክመላለሱስ፡
ኣብ ጽንዓት ልቦም ሓደግክዎም።
13ኣየ፡ ህዝበይ እንተ ዝሰምዓኒ፡
እስራኤልሲ ብመገደይ እንተ ዝኸይድ።
14ንጸላእቶም ቀልጢፈ መዋረድክዎም፡
ኢደይውን ናብ ተጻረርቶም ምመለስኩ።
15ንእግዚአብሄር ጸላእቱ ምተገዝእዎ ነይሮም፡
ዘመኖም ከኣ ንዘለኣለም ምዀነ።
16ስብሒ ስርናይ መብላዕኩኻ፡
ካብ ከውሕስ መዓር መጽገብኩኻ ነይረ።
መበል 82 መዝሙር።
ናይ ኣሳፍ መዝሙር።
1ኣምላኽ አብ ማሕበር ኣማልኽቲ ደው ይብል፡
ኣብ ማእከል ኣማልኽቲ ይፈርድ ኣሎ።
2ክሳዕ መአዝ ኢኹም ሓሶት እትፈርዱ፧
ንገጽ ረሲኣንስ እተድልዉ፧ ሴላ
3ንምግዱርን ንዘኽታምን በይኑሎም፡
ንጭኑቕን መስኪንን ፍትሒ ኣውጽኡሎም።
4ንድኻን መስኪንን ኣናግፍዎም፡
ካብ ኣእዳው ረሲኣን ኣድሕንዎም።
5ኣይፈልጡን፡ ኣየስተውዕሉን፡
ኣብ ጸልማት ይመላለሱ፡
ብዘሎ መሰረታት ምድሪ ይናወጽ ኣሎ።
6-7ኣነስ፡ ኣማልኽቲ ኢኹም፡
ኵላትኩም ውሉድ እቲ ልዑል ኢኹም፡
ግናኸ ከም ሰብ ክትሞቱ፡
ከም ሓደ ኻብቶም መሳፍንቲውን ክትወድቁ ኢኹም፡ በልኩ።
8ዎ ኣምላኽ፡ ንዅሎም ኣህዛብ ክትወርስሲ፡
ተንስእ ንምድሪ ፍረዳ።
መበል 83 መዝሙር።
ናይ ኣሳፍ መዝሙር ምስጋና።
1ዎ ኣምላኽ፡ ስቕ ኣይትበል፡
ኣታ ኣምላኽ፡ ዓባስ ኣይትኹን፡ ዝግ ኣይትበል።
2እንሆ፡ ጸላእትኻ የውክዑ፡
ዝጸልኡኻውን ርእሶም የልዕሉ ኣለዉ እሞ፡
3ንህዝብኻ ተንኰል ይፍሕሱሎም፡
ነቶም እትጋርዶም ድማ
ኣብ ልዕሊኦም ይማኸሩሎም ኣለዉ።
4ህዝቢ ኸይኰኑ፡ ስም እስራኤል ደጊም ከይዝከርሲ፡
ንዑ ነጽንቶም፡ ይብሉ ኣለዉ።
5ሓቢሮም፡ ተማኺሮም፡
ኪዳን ተኣታትዮምልካ እዮም እሞ፡
6ድንኳናት ኤዶምን እስማኤላውያንን፡
ሞኣብን ኣጋራውያንን፡
7ጌባልን ዓሞንን ኣማሌቅን፡
ፍልስጥኤም ምስ ሰብ ጢሮስ፡
8ኣሶር ድማ ሓቢሮም፡
ንውሉድ ሎጥ ቅልጽም ኰይኖምዎም እዮም። ሴላ
9ከምቲ ንምድያን፡ ንሲሰራ፡ ንያቢን
ኣብ ርባ ቂሶን ዝገበርካዮም ግበሮም።
10ንሳቶም ኣብ ኤንዶር ጠፍኡ፡
ንምድሪ ኸኣ ድዅዒ ዀንዋ።
11-12ንማሕደሪታት ኣምላኽ ንውረስ፡
ኢሎም ኣለዉ እሞ፡
ንኹቡራቶም ከም ዖሬብን ዜብን፡
ንብዘለዉ መሳፍንቶም ከኣ
ከም ዜባን ጻልሙናን ግበሮም።
13ኣምላኸይ፡ ከም ህቦብላ፡
ከም ሓሰር አብ ቅድሚ ንፋስ ግበሮም።
14ከምቲ ሓዊ ንዱር ዘንድዶ፡
ሃልሃልታውን ነኽራን ዘቃጽሎ፡
15ከምኡ ብህቦብላኻ ስጐጎም፡
ብዘራጊቶኻ ድማ ኣሸብሮም።
16ዎ እግዚአብሄር፡ ስምካ ኽደልዩስ፡
ንገጾም ነውሪ ምልኣዮ።
17ንዘለኣለም ይነውሩን ይሸበሩን፡
ይሕፈሩን ይጥፍኡን።
18ንስኻ፡ ጐይታ ዝስምካ፡
በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ
ልዑል ከም ዝዀንካ፡ ይፍለጡ።
መበል 84 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ብጊቲት፡ ናይ ደቂ ቆራህ መዝሙር።
1ዎ ጐይታ ሰራዊት፡
ማሕደራትካ ኽንደይ ባህ ዘብላ እየን።
2ነፍሰይ ንኣጸድ እግዚአብሄር ትናፍቖን ሃረር ትብሎን ኣላ፡
ነፍሰይን ስጋይን ንህያው ኣምላኽ እልል ይብላሉ።
3ዑፍ እኳ ቤት ረኸበት፡
ለዃዅቶውን ጨጫዊታ እተንብረላ ቤት ረኸበት፡
መሰውኢታትካ፡ ዎ ጐይታ ሰራዊት፡ ንጉሰይን ኣምላኸይን።
4ኣብ ቤትካ ዝነብሩ ብጹኣን እዮም፡
ኵሉ ግዜ ይውድሱኻ። ሴላ
5ሓይሎም ብኣኻ ዝዀነ፡
ብልቦም ንመገድኻ ዝሓስቡ ሰባት ብጹኣን እዮም።
6ብለሰ ብኽያት ክሓልፉ ኸለዉ፡ ዓይኒ ማያት ይገብርዎ፡
ዝናም ኣዝመራውን ብበረኸት ይኸድኖ።
7ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ይኸዱ፡
ኣብ ጽዮን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቘሙ።
8ዎ እግዚአብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ጸሎተይ ስማዕ።
ዎ ኣምላኽ ያእቆብ፡ ጽን በል ሴላ
9ኣታ ዋልታና ዝዀንካ ኣምላኽ፡ ርኤ፡
ገጽ ቅቡእካውን ጠምት።
10ካብ ሽሕሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣጸድካ ትሓይሽ እያ እሞ፡
ኣብ ድንኳን ረሲአን ካብ ምንባርሲ
ኣብ ቤት ኣምላኸይ ሓላው ደገ ምዃን ይሕሸኒ።
11እግዚአብሄር ኣምላኽሲ ጸሓይን ዋልታን እዩ እሞ፡
እግዚአብሄር ጸጋን ክብርን ይህብ፡
ነቶም ብቕንዕና ዝመላለሱ ሰናይ ዘበለ ኣይኸልኦምን እዩ።
12ዎ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣባኻ ዝውከል ሰብ ብጹእ እዩ።
መበል 85 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ናይ ደቂ ቆራህ መዝሙር።
1ዎ እግዚአብሄር፡ ንምድርኻ ሞገስ ገበርካላ፡
ንቤት ያእቆብ ካብ ምርኮ መለስካዮም።
2ኣበሳ ህዝብኻ ሓደግካ፡
ንብዘሎ ሓጢኣቶም ከደንካ። ሴላ
3ንዅሉ መዓትካ ኣርሓቕካዮ፡
ካብ ንደት ቁጥዓኻ ተመለስካ።
4ዎ ኣምላኽ ምድሓንና፡ ምለሰና፡
ንዅራኻውን ካባና ኣትርፎ።
5ንዘለኣለምዶ ኽትኵርየልና፧
ኵራኻስ ንውሉድ ወለዶዶ ኸተንውሕ ኢኻ፧
6ህዝብኻ ብኣኻ ኽሕጐስሲ፡
መሊስካዶ ህይወት ኣይክትህበናን ኢኻ፧
7ዎ እግዚኣብሄር፡ ጸጋኻ ኣርእየና፡ ምድሓንካውን ሃበና።
8ናብ ዕሽነት ደኣ ኣይመለሱ እምበር፡
ንህዝቡን ቅዱሳኑን ሰላም ክዛረቦም እዩ እሞ፡
ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝብሎ ኽሰምዕ እየ።
9ብሓቂ አብ ሃገርና ኽብሪ ኽሓድርሲ፡
ምድሓኑ ነቶም ዝፈርህዎ ቐረባኦም እዩ።
10ለውሃትን ሓቅን ተራኸባ፡
ጽድቅን ሰላምን ተሳዓዓማ።
11ሓቂ ኻብ ምድሪ ኽትበቁል፡
ጽድቂውን ካብ ሰማይ ክትጥምት እያ።
12እግዚኣብሄር ድማ ሰናይ ክህበና እዩ፡
ሃገርናውን ፍርያታ ኽትህብ እያ።
13ጽድቂ ቐቅድሚኡ ኽትከይድ፡
ኣስኣሰሩ ኸኣ ክትስዕብ እያ።
መበል 86 መዝሙር።
ናይ ዳዊት ጸሎት።
1ዎ እግዚኣብሄር፡ መስኪንን ድኻን እየ እሞ፡
እዝንኻ ኣድንን፡ ምለሰለይውን።
2ሄር እየ እሞ፡ ንነፍሰይ ሐልዋ፡
ኣታ ኣምላኸየ፡ ነቲ ኣባኻ ዚውከል ባርያኻ ኣድሕኖ።
3ምሉእ መዓልቲ ናባኻ ኤእዊ ኣሎኹ እሞ፡
ጐይታየ ምሐረኒ።
4ዎ እግዚኣብሄር፡ ነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል ኣሎኹ እሞ፡
ንነፍሲ ባርያኻ ኣሐጕሳ።
5ዎ እግዚኣብሄር፡ ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን ኢኻ፡
ናባኻ ንዜእውዩ ዅላቶም ከኣ
ብዓል ዓብዪ ምሕረት ኢኻ እሞ፡
6ጐይታየ፡ ጸሎተይ ስማዕ፡
ንድምጺ ምህለላይ ጽን በሎ።
7ንስኻ ኽትመልሰለይ ኢኻ እሞ፡
ብመዓልቲ ጸበባይ ክጽውዓካ እየ።
8ዎ እግዚኣብሄር፡ ካብ ኣማልኽቲ ዚመስለካ የልቦን፡
ከም ግብርታትካውን ከቶ የልቦን።
9ዎ እግዚኣብሄር፡ ዝፈጠርካዮም ኣህዛብ ኵሎም መጺኦም
አብ ቅድሜኻ ኺሰግዱ፡
ንስምካውን ኬኽብሩ እዮም።
10ንስኻ ዓብይን ተኣምራት እትገብርን ኢኻ እሞ፡
ኣምላኽሲ ንስኻ ጥራይ ኢኻ።
11ዎ እግዚኣብሄር፡ ብሓቅኻ ምእንቲ ኽመላለስ፡
መገድኻ ምሀረኒ፡
ስምካ ኽፈርህሲ፡ ንልበይ ኣዳልዎ።
12-13ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡
ሳህልኻ ንኣይ ዓብዪ እዩ፡
ንነፍሰይውን ካብ መዓሙቑ ሲኦል ኣውጺእካያ ኢኻ እሞ፡
ብምሉእ ልበይ ከመስግነካ፡
ስምካውን ንዘለአለም ከኽብር እየ።
14ዎ ኣምላኽ፡ ትዕቢተኛታት ተንሲኦምኒ፡
ኣኼባ ገፋዕቲ ኸኣ ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉ፡
ንኣኻውን አብ ቅድሚኦም ኣይገበሩኻን።
15ጐይታየ፡ ንስኻ ግና መሓርን ጸጋውን ዓቃልን፡
ብሳህልን ሓቅን ዓብዪ ኣምላኽ ኢኻ።
16ናባይ ግልጽ በል እሞ ምሐረኒ፡
ንባርያኻ ሓይልኻ ሀቦ፡ ንወዲ እታ ባርያኻ ኣድሕኖ።
17ዎ እግዚኣብሄር፡ ረዲእካንን ኣጸናኒዕካንን ኢኻ እሞ፡
ጸላእተይ ርእዮም ኪሐፍሩስ፡ ምልክት ደሓን ግበረለይ።
መበል 87 መዝሙር።
ናይ ደቂ ቆራህ መዝሙር ምስጋና።
1መሰረታ ኣብቶም ቅዱሳት ኣኽራን እያ፡
2እግዚኣብሄር ካብ ኵሉ ማሕደራት ያእቆብሲ
ንደጌታት ጽዮን የፍቅር እዩ።
3ኣቲ ኸተማ ኣምላኽ፡
ብዛዕባኺ ኽቡር ነገር ተዘርበ። ሴላ።
4ካብተን ዝፈልጣኒ፡ ረሃብን ባቢሎንን እሰሚ ኣሎኹ፡
እንሆ፡ ፍልስጥኤምን ጢሮስን ምስ ኢትዮጵያ፡
እዚኣቶም ኣብኣ ተወሊዶም እዮም።
5ብዛዕባ ጽዮን ድማ፡
እዝን እትን ኣብኣ ተወሊዶም፡ ክበሀል እዩ፡
እቲ ልዑልውን ባዕሉ ኸጽንዓ እዩ።
6እግዚኣብሄር ነህዛብ ክጽሕፎም ከሎ፡
እዚ ኣብኣ ተወሊዱ፡ ኢሉ ክቘጽር እዩ። ሴላ።
7እናደረፉን እናሳዕስዑን፡
ኵለን ዓይኒ ማያተይ ኣባኻ እየን፡ ክብሉ እዮም።
መበል 88 መዝሙር።
ናይ ደቂ ቆራህ መዝሙር ምስጋና። ንሊቀ መዘምራን፡
ብማሃላት ለኣኖት፡ ናይ ሄማን ኣዝራዊ መስኪል።
1ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ምድሓነይ፡
ኣብ ቅድሜኻ ለይትን መዓልትን አእዊ ኣሎኹ፡
2ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፡
እዝንኻ ናብ ኣውያተይ ኣድንን።
3ነፍሰይ መከራ ጸጊባ እያ እሞ፡
ህይወተይ ናብ ሲኦል ቀሪባ ኣላ።
4ምስቶም ናብ ጒድጓድ ዝወርዱ ተቘጺረ፡
ሓይሊ ኸም ዘይብሉ ሰብኣይ እየ፡
5ከምቶም ድሕርዚ ዘይትዝክሮም፡
ካብ ኢድካ እተቘርጹ፡
ኣብ ጕድጓድውን ዝድቅሱ ቕቱላት
ኣብ ማእከል ምውታት ተደርበኹ።
6ኣብ ዓሚቑ ጕድጓድ፡
ኣብ ጸልማት ኣብ መዓሙቕ ኣንበርካኒ፡
7ቑጥዓኻ ይኸብደኒ ኣሎ፡
ብዅሉ ማዕበላትካ ጸቒጥካኒ። ሴላ።
8ንመሓዙተይ ካባይ ኣርሒቕካ፡
ብኣታቶም ፍንፉን ገበርካኒ፡
ተዓጽየ፡ ምውጻእውን ስኢነ ኣሎኹ።
9ኣዒንተይ ብስቓይ ይስልምታ ኣለዋ፡
ዎ እግዚኣብሄር፡ ኵሉ መዓልቲ ናባኻ አእዊ።
ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ ኣሎኹ።
10ንምዉታትዶ ተኣምራት ትገብረሎም ኢኻ፧
ዝሞቱስ ተንሲኦምዶ የመስግኑኻ እዮም፧ ሴላ።
11ኣብ መቓብርከ ሳህልኻ፡
ኣብ ቦታ ጥፍኣትውን እምነትካዶ ይንገር እዩ፧
12ተኣምራትካዶ ኣብ ጸልማት፡
ጽድቅኻውን ኣብ ምድሪ ምርሳዕ ይፍለጥ እዩ፧
13ጐይታየ፡ ኣነ ግና ናባኻ አእዊ ኣሎኹ፡
ጸሎተይ ድማ ኣንጊሁ ይቃባበለካ ኣሎ።
14ጐይታየ፡ ስለምንታይ ንነፍሰይ እትድርብያ፧
ንምንታይሲ ገጽካ ትኽውለለይ ኣሎኻ፧
15ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ሽጉርን ውጹዕን እየ፡
ፍርሃትካ ተሰኪመስ፡ ተስፋ እቘርጽ ኣሎኹ።
16ሓዊ ቑጥዓኻ ብልዕለይ ሓሊፉ፡
ስምባድካ ኣጥፊኡኒ።
17ምሉእ መዓልቲ ኸም ማይ ከቢቦምኒ፡
ሓቢሮም ኣብ ዙርያይ ኣለዉ።
18ንፈታውን ዓርክን ካባይ ኣርሓቕካዮም፡
መሓዛይ ጸልማት እዩ።
መበል 89 መዝሙር።
ናይ ኤታን ኣዝራዊ መስኪል።
1ግብርታት ጸጋ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ክዝምር፡
ብኣፈይ ንውሉድ ወለዶ እምነትካ ኸፍልጥ እየ።
2ጸጋ ንዘለኣለም ክህነጽ፡
እምነትካ አብ ሰማያት ከተጽንዕ ኢኻ፡ በልኩ እሞ፡
3ምስ ሕሩየይ ኪዳን ኣቶኹ፡
ንዳዊት ባርያይ መሓልኩሉ፡
4ዘርእኻ ንዘለኣለም ከጽንዕ፡
ዝፋንካውን ንውሉድ ወለዶ ኽሃንጽ እየ። ሴላ።
5ጐይታየ፡ ሰማያት ከኣ ንተኣምራትካ፡
ንእምነትካ ኣብ ማሕበር ቅዱሳን ክውድሱ እዮም።
6ኣብ ጠፈር ንእግዚኣብሄር ዝመዓራረዮስ መን እዩ፧
ካብ ውሉድ ስልጡናትከ
መን እዩንእግዚኣብሄር ዝመስሎ፧
7ኣብ ምኽሪ ቅዱሳን ኣዝዩ ዘፍርህ፡
ካብቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዅላቶም
ዘሸብርን ኣምላኽ እዩ።
8እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡
ከማኻ ስልጡን መን እዩ፧
ዎ ጐይታይ፡ እምነትካውን ኣብ ዙርያኻ ኣሎ።
9ንትዕቢት ባሕሪ ትገዝኦ፡
ማዕበላቱ እንተ ተንስአ፡ ንስኻ ተህድኦ።
10ከም እተወግአ ጌርካ፡ ንረሃብ ቀጥቂጥካዮ፡
ብሓይሊ ቕልጽምካ ንጸላእትኻ በቲንካዮም ኢኻ።
11ሰማያት ናትካ እዩ፡ ምድሪውን ናትካ እያ፡
ንዓለም ምስ ምልኣታ ሰሪትካያ።
12ንሰሜንን ደቡብን ንስኻ ፈጠርካዮ፡
ታቦርን ሄርሞንን ብስምካ እልል ይብላ።
13ሓያል ቅልጽም ኣሎካ፡
ኢድካ ብርትዕቲ፡የማነይትኻ ልዕልቲ እያ።
14መሰረት ዝፋንካ ጽድቅን ቅንዕናን እዩ፡
ሳህልን ሓቅን ቀቅድሚ ገጽካ ይኸዳ ኣለዋ።
15እቲ እልልታ ዝፈልጥ ህዝቢ ብጹእ እዩ፡
ዎ እግዚኣብሄር፡ ብብርሃን ገጽካ ይመላለሱ።
16ብስምካ ምሉእ መዓልቲ ይሕጐሱ፡
ብጽድቅኻውን ልዕል ይብሉ።
17ክብሪ ሓይሎም ንስኻ ኢኻ እሞ፡
ብሞገስካ ቐርንና ልዕል ክብል እዩ።
18ዋልታና ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡
ንጉስና ናይቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።
19በቲ ዘመን እቲ ብራእይ ንቅዱሳንካ
ኸምዚ ኢልካ ተዛረብካዮም፡
ረዲኤት ኣብ ልዕሊ ጅግና ኣንቢረ፡
ካብ ህዝቢ ሓደ ሕሩይ ኣልዒለ።
20ንዳዊት ባርያይ ረኺበዮ፡ ብቕዱስ ዘይተይ ቀቢአዮ፡
21ኢደይ ኵሉ ግዜ ምስኡ ኽትከውን እያ፡
ቅልጽመይ ከኣ ከበርትዖ እዩ።
22ጸላኢ ኣይክወድቆን፡
ዓማጺ ኸኣ ኣይክጠቕዖን እዩ።
23ንጸላእቱ ድማ አብ ቅድሚኡ ኽቕጥቅጦም፡
ነቶም ዝጸልእዎውን ክወቕዖም እየ።
24እምነተይን ጸጋይን ድማ ምስኡ ክዀና፡
ብስመይውን ቀርኑ ልዕል ክብል እዩ።
25ኢዱ ድማ ኣብ ባሕሪ፡
የማነይቱውን ኣብ ርባታት ከንብር እየ።
26ንሱ፡ ኣቦይ፡ ኣምላኸይ፡ከውሒ ምድሓነይ
ንስኻ ኢኻ፡ኢሉ ኽሰምየኒ እዩ።
27ኣነውን በዅሪ፡
ካብ ነገስታት ምድሪ ልዕል ዝበለ ኽገብሮ እየ።
28ሳህለይ ንዘለኣለም ክሕልወሉ እየ፡
ኪዳነይውን ክጸንዓሉ እዩ።
29ዘርኡ ድማ ንዘለኣለም፡
ዝፋኑውን ከም መዓልትታት ሰማይ ከንብር እየ።
30ደቁ ሕገይ እንተ ሓደጉ፡
ከም ቅንዕናይ እንተ ዘይተመላለሱ፡
31ስርዓተይ እንተ ኣፍረሱ፡
ትእዛዛተይውን እንተ ዘይሓለዉ፡
32ሽዑ ንኣበሳኦም ብሸቦጥ፡
ንበደሎምውን ብመውቃዕቲ ኸረኻኽበሎም እየ።
33ጸጋይ ግና ኣየግድፎን፡ እምነተይውን ኣይጠልሞን።
34ኪዳነይ ኣየፍርስን፡
ከናፍረይ እተዛረቦ ድማ ኣይልውጥን።
35ሓንቲ ነገር ብቕድስናይ ምሒለ እየ፡
ንዳዊት ኣይሕሱን፡
36ዘርኡ ንዘለኣለም፡
ዝፋኑውን ከም ጸሓይ አብ ቅድመይ ክነብር እዩ።
37ከም ወርሒ ንዘለኣለም ይቐውም፡
ኣብ ደበና ዘሎ ምስክር ከኣ እሙን እዩ። ሴላ።
38ንስኻ ግና ደርቢኻን ንዒቕካን፡
ንቕቡእካ ተቘጣዕካዮ።
39ኪዳን ባርያኻ ኣፍሪስካ፡
ንዘውዱ ኣብ ምድሪ ኣርከስካዮ።
40ብዘሎ መካበብያኡ ኣፍረስካ፡
ዕርድታቱ ኣዕኖኻ።
41ኵሎም ሓለፍቲ መገዲ በዝቢዞምዎ፡
ንጐረባብቱ መላገጺኦም ኰይኑ።
42ንየማነይቲ እቶም መጻርርቱ ልዕል ኣቢልካያ፡
ንዅሎም ጸላእቱ ኣሐጕስካዮም።
43እወ፡ ንስሕለት ሰይፉ መለስካዮ፡
ኣብ ውግእውን ኣየጽናዕካዮን።
44ንነጸብራቑ ኣጥፊእካዮ፡
ንዝፋኑውን ናብ ምድሪ ደርቢኻዮ።
45መዓልትታት ንእስነቱ ኣሕጺርካዮ፡
ብነውሪ ኣጐልቢብካዮ ኣሎኻ። ሴላ።
46ዎ እግዚኣብሄር፡ ፈጺምካ እትኽወል፡
ነድርኻስ ከም ሓዊ ዝነድድ ክሳዕ መኣዝ እዩ፧
47ህይወተይ ክንደይ ሓጻር ምዃና፡
ኵሎም ደቂ ሰብ ንኸንቱነት ከም ዝፈጠርካዮም ዘክር።
48ሞት ከይረኣየ ብህይወት ዝነብር፡
ንነፍሱስ ካብ ኢድ ሲኦል ዘናግፍ ሰብ መን እዩ፧ ሴላ።
49ጐይታየ፡ እቲ ብእምነትካ ንዳዊት ዝመሓልካሉ፡
ናይ ቀደም ጸጋኻ ኣበይ ኣሎ፧
50ጐይታየ፡ ንጸርፊ ባሮትካ፡
ነቲ ኻብ ኵሎም ሓያላት ኣህዛብ
ኣብ ልበይ ዝጾሮ ዘሎኹ ዘክር።
51ጐይታየ፡ ጸላእትኻ ዝጸርፍዎ ጸርፊ፡
ነቲ ንኣሰር ቅቡእካ ዝጸርፍዎ ዘለዉ ዘክር።
52እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይባረኽ።
ኣሜን፡ ኣሜን።