መዝሙር ዳዊት
ራብዓይ መጽሓፍ
90 91 92 93 94 95
96 97 98 99 100
101 102 103 104
105 106
ናብ ቀዳማይ መጽሓፍ፥ 1 — 41
ናብ ካልኣይ መጽሓፍ፥ 42 — 72
ናብ ሳልሳይ መጽሓፍ፥ 73 — 89
ናብ ሓምሳይ መጽሓፍ፥ 107 — 150
መበል 90 መዝሙር።
ሙሴ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ዝጸለዮ ጸሎት።
1ጐይታየ፡ ካብ ወለዶ ንወለዶ መዕቈቢ ዀንካና።
2ኣኽራን ከይተወልደ፡ ምድርን ዓለምን ከይፈጠርካ፡
ኤረ ንስኻስ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ኣምላኽ ኢኻ።
3ኣቱም ደቂ ሰብ፡ ተመለሱ፡ እናበልካ፡
ንሰብ ናብ መሬት ትመልሶ ኣሎኻ።
4ሽሕ ዓመት ኣብ ቅድሜኻ
ኸም እዛ ትማሊ ዝሓለፈት መዓልትን
ከም ምንቃሕ ለይትን እየን እሞ፡
5ከም ብውሒዝ ትገፎም፡ ከም ትኽስታ እዮም፡
ከምቲ ብጊሓት ዝልምልም ሳዕሪ፡
6ንግሆ ይዕምብብ ይልምልም ድማ፡
ኣጋ ምሸት ይዕጸድ እሞ ይነቅጽ።
7ብዅራኻ ጠፊእና ኢና እሞ፡
ብቑጥዓኻውን ሰምቢድና።
8ንኣበሳና ኣብ ቅድሜኻ፡
ንሕቡእ ሓጢኣትናውን ኣብ ብርሃን ገጽካ ተቑሞ ኣሎኻ።
9ብዘሎ መዓልትታትና ብቑጥዓኻ ይሓልፍ፡
ዓመታትና ኸም እህህታ ነሕልፈን ኣሎና እሞ፡
10መዓልትታት ዓመታትና ሰብዓ ዓመት፡
እንተ በዝሐ ኸኣ ሰማንያ ዓመት እዩ፡
ቀልጢፉ ይሓልፍ፡ ነፊርናውን ንኸይድ ኢና እሞ፡
ክብረቱ ጻዕርን መከራን እዩ።
11ከም ዝግባእ ምእንቲ ኽፈርሃካ ኢሉስ፡
ንሓይሊ ኵራኻን ንቑጥዓኻን ዝሓስብከ መን እዩ፧
12ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ
መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሃረና።
13ጐይታይ፡ ተመለስ፡ ክሳዕ መኣዝ፧
ንባሮትካ ምሓሮም።
14ኵለን መዓልትታትና ኽንሕጐስን ባህ ክብለናንሲ፡
ንግሆ ጸጋኻ ኣጽግበና።
15ብመጠን እተን ዘጨነቕካና መዓልትታትን፡
ክፉእ ዝርኤናለን ዓመታትን ኣሐጕሰና።
16ግብርታትካ ንባሮትካ፡
ክብርኻውን ንውሉዶም ግለጽ።
17ጸጋ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ልዕሌና ይኹን፡
ተግባር ኣእዳውና ኣስልጠልና፡
እወ፡ ንተግባር ኣእዳውና ንስኻ ኣስልጦ።
መበል 91 መዝሙር።
1ኣብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዝሓድር፡
ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዝኽእል ይነብር።
2ንእግዚአብሄር፡ ጸግዐይን ዕርደይን
ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፡ እብሎ ኣሎኹ።
3ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፡
ካብ ዘጥፍእ ፌራ ኸናግፈካ እዩ እሞ፡
4ብግልግለኡ ኸጐልብበካ፡
ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፡
ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ።
5ካብ ስምባድ ለይቲ፡
ካብቲ ብመዓልቲ ዝውርወር ፍላጻ፡
6ካብቲ ብጸልማት ዝኸይድ ፌራ፡
ብቐትሪ ዘባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ።
7ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፡ ኣብ የማንካውን እልፊ ኽወድቁ እዮም፡
ኣባኻ ግና ኣይክበጽሕን እዩ።
8በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶ፡
ረሲኣን ዝረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ።
9ጐይታይ፡ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፡ ኢልካ ኢኻ እሞ፡
ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮ፡
10እከይ ዘበለ ኣይክረኽበካን፡
ስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይክቐርብን እዩ።
11ኣብ ኵሉ መገድኻ ኽሕልዉኻ፡
ንመላእኽቱ ኽእዝዘልካ እዩ እሞ፡
12እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፡
ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ክጾሩኻ እዮም።
13ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፡
ሽደን አንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ።
14ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒ፡ ከናግፎ፡
ንስመይ ስለ ዝፈለጦ፡ ከልዕሎ እየ።
15ክጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉ፡
ብጸበባ ምስኡ ክኸውን፡ ከናግፎን ከኽብሮን እየ።
16ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦ፡
ምድሓነውይን ከርእዮ እየ።
መበል 92 መዝሙር።
መዝሙር ምስጋና ንመዓልቲ ሰንበት።
1-3ኣታ ልዑል፡ ንግሆ ሳህልኻ፡
ለይቲውን እምነትካ ምውራይ፡
ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገናን ብጭራን
ብምውቃዕ መሰንቆን ንእግዚኣብሄር ምምስጋን፡
ንስምካ ምዝማር ሰናይ እዩ።
4ዎ እግዚኣብሄር፡ ብግብርታትካ ኣሐጒስካኒ ኢኻ እሞ፡
ብዛዕባ ተግባር ኣእዳውካ እልል ክብል እየ።
5ዎ ጐይታይ፡ ግብርኻ ኸመይ ዓብዪ እዩ፡
ሓሳብካ ኣዝዩ ዓሚቕ እዩ።
6ዳንደ ኣይፈልጦን፡
ዓሻውን ኣየስተውዕሎን እዩ።
7ረሲኣን ከም ሳዕሪ እንተ ለምለሙ፡
ኵሎም ገበርቲ እከይውን እንተ ዓምበቡ፡
ንሓዋሩ ምእንቲ ኽጠፍኡ እዩ።
8ጐይታየ፡ ንስኻ ግና ንዘለኣለም ልዑል ኢኻ።
9ጐይታየ፡ እንሆ ጸላእትኻ፡
እነዉ ጸላእትኻ ይጠፍኡ ኣለዉ እሞ፡
ኵሎም ገበርቲ እከይ ክብተኑ እዮም።
10ግናኸ ንቐርነይ ከም ናይ ጎባይ ኣልዓልካዮ፡
ብሓድሽ ዘይቲ ተቐባእኩ።
11ዓይነይ ድማ ነቶም ተጻረርተይ ባህ ኢልዋ ትምልከቶም፡
ኣእዛነይውን ብናይቶም ዝትንስኡኒ ኽፉኣት ተሓጒሰን ይሰምዓ።
12ጻድቕ ከም ስየ ይልምልም፡
ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዓቢ።
13እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተተኽሉ
ኣብ ኣጸድ ኣምላኽና ይልምዑ።
14እግዚኣብሄር ጻድቕ ምዃኑ ምእንቲ ኸውርዩስ፡
ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ፡
ይውረዩን ይልምዑን።
እግዚኣብሄር ከውሐይ እዩ፡
ኣብኡውን ዓመጻ የልቦን።
መበል 93 መዝሙር።
1እግዚኣብሄር ነጊሱ፡ ግርማ ለቢሱ፡
እግዚኣብሄር ለቢሱ፡ ሓይሊ ተዓጢቑ ኣሎ፡
ዓለም ከይትናወጽሲ፡ ኣጽኒዕዋ ኣሎ።
2ዝፋንካ ኻብ ጥንቲ ጽኑዕ እዩ፡
ንስኻ ኻብ ዘለኣለም ኢኻ።
3ጐይታየ፡ ወሓይዝ ኣልዓሉ፡
ወሓይዝ ድምጾም ኣልዓሉ፡
ወሓይዝ ህማሞም ኣልዓሉ።
4ካብ ድምጺ ብዙሕ ማያት፡
ካብ ስልጡን ማዕበላት ባሕሪ፡
እግዚኣብሄር ኣብ ላዕሊ ይስልጥን።
5ምስክራትካ ኣዝዩ እሙን እዩ፡
ጐይታየ፡ ንቤትካስ ንዘለኣለም ቅድስና ይግባእ።
መበል 94 መዝሙር።
1ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሕነ፡
ኣታ ኣምላኽ ሕነ፡ ኣንጸባርቕ።
2ኣታ ፈራድ ምድሪ፡ ተንስእ፡
ንዕቡያት ከም ግብሮም ፍደዮም።
3ክሳዕ መኣዝ እቶም ረሲኣን፡
ጐይታየ፡ ክሳዕ መኣዝ ረሲኣን ክዕወቱ እዮም፧
4ዘረባ ድርቅና የፈልፍሉ፡
ኵሎም ገበርቲ እከይ ይጀሃሩ ኣለዉ።
5ዎ እግዚኣብሄር፡ ንህዝብኻ ይቕጥቅጥዎ፡
ንርስትኻውን የጨንቕዎ ኣለዉ።
6ንመበለትን ስደተኛን ይቐትሉ፡
ንዘኽታማት ከኣ ይሓርዱ እዮም እሞ፡
7እግዚኣብሄር ኣይርእዮን፡
ኣምላኽ ያእቆብ ኣየስተብህሎን እዩ፡ ይብሉ ኣለዉ።
8ኣቱም ዳንደታት ህዝቢ፡ ኣስተውዕሉ፡
ኣቱም ዓያሱ፡ መኣዝ ኢኹም እትልብሙ፧
9እዝኒ ዝተኸለስ ኣይሰምዕንዶ፧
ዓይኒ ዝፈጠረስ ኣይርእይንዶ እዩ፧
10ነህዛብ ዝቐጽዕ፡
ፍልጠት ንሰብ ዝምህር ኣይግስጽንዶ እዩ፧
11እግዚኣብሄር ንሓሳባት ሰብ ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ።
12-13ዎ እግዚኣብሄር፡ ጉድጓድ ንረሲእ ክሳዕ ዝኵዓት፡
እቲ ኻብ መዓልቲ መከራ ኸተህድኦ ኢልካ፡ እትቐጽዖን
ብሕግኻ እትምህሮን ሰብ ብጹእ እዩ።
14እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣይክድርብዮን፡
ንርስቱ ኸኣ ኣይክሓድጎን እዩ።
15ፍርዲ ኣብ ጽድቂ ኽምለስ እዩ እሞ፡
ኵሎም ቅኑዓት ልቢ ኽስዕብዎ እዮም።
16ኣብቶም ገበርቲ ኽፉእ መን ይትንስአለይ፧
ኣብቶም ዓመጸኛታትከ መን ይቘመለይ፧
17እግዚኣብሄር ረዲኤተይ ነይሩ እንተ ዘይከውንሲ፡
ነፍሰይ ኣብ ስቕታ ንምሕዳር ምቐረበት ነይራ።
18ጐይታየ፡ እግረይ ኣንደልሃጸ ምስ በልኩ፡
ጸጋኻ ደገፈኒ።
19ጓሂ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ምስ በዝሐ፡
ምጽንናዕካ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ።
20ከም ሕጊ ኢና፡ እናበሉ ዓመጽ ዝገብሩሉ
መንበር ጥፍኣትዶ ምሳኻ ሕብረት ኣለዎ እዩ፧
21ንነፍሲ ጻድቕ ሓቢሮም ይወድቅዋ፡
ንንጹህ ደም ድማ ይዅንንዎ ኣለዉ።
22እግዚኣብሄር ግና በሪኽ መጸግዕየይ፡
ኣምላኸይ ድማ ከውሒ መዕቈብየይ እዩ።
23ዓገቦም ኣብ ርእሶም ይመልስ፡
ብእከዮም ከኣ ኸጥፍኦም እዩ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኸጥፍኦም እዩ።
መበል 95 መዝሙር።
1ንዑ፡ ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ንዘምር፡
ንኸውሒ ምድሓንና እልል ንበለሉ፡
2ብምስጋና ኣብ ቅድሚኡ ንብጻሕ፡
ብመዝሙር እልል ንበለሉ፡
3እግዚኣብሄር ዓብዪ ኣምላኽ፡
ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ድማ
ዓብዪ ንጉስ እዩ እሞ፡
4መዓሙቑ ምድሪ አብ ኢዱ፡
ምብራኽ ኣኽራን ከኣ ናቱ እዩ።
5ባሕሪ ናቱ እዩ፡ ንሱ ፈጠሮ፡
ንንቑጽ ምድሪውን ኣእዳዉ ገበራኦ።
6ንዑ፡ ፍግም ኢልና ንስገድ፡
አብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ፈጣሪና፡ ንንበርከኽ።
7ንሱ ኣምላኽና እዩ፡
ንሕና ድማ ህዝቢ መጓሰኡ፡
ኢዱ እትኽብክበን ኣባጊዑ ኢና እሞ፡
ሎሚ ድምጹ እንተ ሰምዕኩም፡
8-9ከም አብ መሪባ፡ ከምቲ ብመዓልቲ ማሳ ኣብ በረኻ፡
ኣቦታትኩም ክፍትኑኒ፡ ክዕዘቡኒ ኸለዉ፡
ግብረይ ዝረአዩ ዄንኩም፡ ልብኹም ኣይተትርሩ።
10በቲ ወለዶ እቲ ኣርብዓ ዓመት ተመነወኒ፡
መገደይ ዘይፈለጡ፡
ብልቦም እተጋገዩ ህዝቢ እዮም፡ በልኩ።
11ስለዚ፡ ኣብ ዕረፍተይ ኣይክኣትዉን እዮም፡
ኢለ ብዅራይ መሓልኩ።
መበል 96 መዝሙር።
1ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር ዘምሩ፡
ኵልኺ ምድሪ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሪ።
2ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፡ ንስሙ ባርኹ፡
ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምድሓኑ ኣበስሩ።
3ክብሩ ኣብ ማእከል ኣህዛብ፡
ተኣምራቱ ኣብ ማእከል ኵሎም ህዝብታት ኣዘንትዉ።
4እግዚኣብሄር ዓብዪ፡
ምስጋናኡ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ እሞ፡
ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ዘፍርህ እዩ።
5ኵሎም ኣማልኽቲ ኣህዛብ ከንቱ እዮም፡
እግዚኣብሄር ግና ሰማያት ገበረ።
6ግርማን ክብረትን ኣብ ቅድሚኡ፡
ሓይልን ጽባቐን ኣብ መቕደሱ እዩ።
7ኣቱም ዓሌታት ኣህዛብ፡ ንእግዚኣብሄር ሃቡ፡
ክብርን ሓይልን ንእግዚኣብሄር ሃብዎ።
8ንእግዚኣብሄር ክብሪ ስሙ ሃቡ፡
መስዋእቲ ሒዝኩም ናብ ኣጸዱ እተዉ።
9ንእግዚኣብሄር ብቕዱስ ክብረት ስገዱ፡
ኵልኺ ምድሪ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኣንቀጥቅጢ።
10ኣብ ማእከል ኣህዛብ፡ እግዚኣብሄር ነጊሱ፡
ዓለምውን ከይትናቓነቕ ጸኒዓ ኣላ፡
ነህዛብ ብቕንዕና ኽፈርዶም እዩ፡ ኢልኩም ንገሩ።
11ሰማያት ይተሓጐሱ፡ ምድሪውን ባህ ይበላ፡
ባሕርን ምልኣቱን ይናወጽ።
12-13ይመጽእ፡ ንምድሪ ኽፈርድ ይመጽእ፡
ንዓለም ብጽድቂ፡ ነህዛብ ብሓቂ ኽፈርድ እዩ እሞ፡
መሮርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ባህ ይበሎም፡
ሽዑ ዅላቶም ኣእዋም ዱር
ኣብ ቅድሚ እግዚአብሄር እልል ክብሉ እዮም።
መበል 97 መዝሙር።
1እግዚኣብሄር ነጊሱ፡ ምድሪ ትተሐጐስ፡
እቶም ብዙሓት ደሴታት ባህ ይበሎም።
2ደበናን ጸልማትን ይኸብዎ፡
ጽድቅን ፍርድን መሰረት ዝፋኑ እዩ።
3ሓዊ ቐቅድሚኡ ይኸይድ፡
ንጸላእቱ አብ ዙርያኡ የንድዶም።
4መባርቑ ንዓለም አብርሄ፡
ምድሪ ርእያቶ አንቀጥቀጠት።
5አኽራን አብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡
አብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ዅሉ
ምድሪ ኸም ስምዒ መኸኹ።
6ሰማያት ንጽድቁ አውረዩ፡
ኵሎም አህዛብ ድማ ክብሩ ረአዩ።
7ንምስልታት ዚሰግዱን
ብጣኦታት ዚምክሑን ኵሎም ይሕፈሩ።
ኵሉኹም አማልኽቲ፡ አብ ቅድሚኡ ፍግም በሉ።
8-9ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ
አብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ኢኻ፡
አብ ልዕሊ ዅሎም አማልኽቲ ኣዚኻ ልዑል ኢኻ እሞ፡
ዎ እግዚኣብሄር፡ ጽዮን ሰሚዓ ተሐጐሰት፡
ኣዋልድ ይሁዳውን ብዛዕባ ፍርድኻ እልል በላ።
10ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተፍቅርዎ፡ እከይ ጽልኡ፡
ነፍሲ ቕዱሳኑ ይሕሉ፡
ካብ ኢድ ረሲኣን የናግፎም።
11ብርሃን ንጻድቃን፡ ደስታ ኸኣ ንቕኑዓት ልቢ ተዘርኤ።
12ኣቱም ጻድቃን፡ ብእግዚኣብሄር ተሐጐሱ፡
ንቕዱስ ስሙውን አመስግንዎ።
መበል 98 መዝሙር።
ማህሌት።
1እግዚኣብሄር ተኣምራት ገይሩ፡
የማነይቱን እቲ ቅዱስ ቅልጽሙን ስዒሮም እዮም እሞ፡
ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ።
2እግዚኣብሄር ምድሓኑ ኣፍለጠ፡
ጽድቁ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ገለጸ።
3ሳህሉን እምነቱን ንቤት እስራኤል ዘከረ፡
ኵሉ ወሰናት ምድሪ ንምድሓን ኣምላኽና ረአየ።
4ኣቲ ምድሪ ዅልኺ፡ ንእግዚኣብሄር እልል በሊ።
ብሓጐስ ጨድሩን ኣመስግኑን።
5ንእግዚኣብሄር ብመሰንቆ፡
እወ፡ ብመሰንቆን ብደሃይ በገናን ኣመስግንዎ።
6ኣብ ቅድሚ ንጉስ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡
ብእምብልታን ቃና መለኸትን እልል በሉ።
7ባሕርን ምልኣቱን፡ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን የድህዩ።
8-9ንምድሪ ኽፈርድ ይመጽእ፡
ንሱ ንዓለም ብጽድቂ፡
ነህዛብውን ብቕንዕና ኽፈርዶም እዩ እሞ፡
ወሓይዝ ኣእዳዎም የጣቕዑ፡
ኣኽራን ሓቢሮም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር
ብሓጐስ ይዘምሩ።
መበል 99 መዝሙር።
1እግዚኣብሄር ነጊሱ፡ኣህዛብ ይርዓዱ፡
ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተቐሚጡ፡
ምድሪ ተንቀጥቅጥ።
2እግዚኣብሄር ኣብ ጽዮን ዓብዪ እዩ፡
ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ልዑል እዩ።
3ቅዱስ እዩ እሞ፡
ነቲ ዓብይን ዘፍርህን ስምካ የመስግንዎ።
4ሓይሊ ንጉስ ድማ ፍርዲ ይፈቱ እዩ፡
ንስኻ ቕንዕና ኣጽናዕካ፡
ፍርድን ጽድቅን ኣብ ቤት ያእቆብ ገበርካ።
5ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል ኣብልዎ፡
ቅዱስ እዩ እሞ፡ ኣብ ድኳ እግሩ ስገዱ።
6ሙሴን ኣሮንን ኣብ ማእከል ካህናቱ፡
ሳሙኤል ከኣ ኣብ ማእከል እቶም ስሙ ዝጽውዑ
ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፡
ንሱውን መለሰሎም።
7ብዓንዲ ደበና ተዛረቦም፡
ንምስክራቱን ነቲ ዝሃቦም ሕግን ሓለዉ።
8እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንስኻ መለስካሎም፡
ይቕረ እትብል ኣምላኽ ኰንካዮም፡
ግናኸ ስለ ኽፉእ ግብሮም ሕነ ፈደኻዮም።
9ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል ኣብልዎ፡
እግዚኣብሄር ኣምላኽና ቅዱስ እዩ እሞ፡
ኣብ ቅዱስ ከረኑውን ስገዱ።
መበል 100 መዝሙር።
መዝሙር ምስጋና።
1ኵልኺ ምድሪ፡ ንእግዚኣብሄር እልል በልሉ።
2ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ተገዝእዎ፡
ኣብ ቅድሚኡ ብእልልታ ምጹ።
3እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ፡
ንሱ ገበረና፡ ባዕላትና ኣይኰንናን፡
ንሕናስ ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሴኡን ኢና።
4ኣብ ደጌታቱ ብምስጋና፡
ኣብ ኣጸዱውን ብውዳሴ እተዉ፡
ኣመስግንዎ ንስሙ ኸኣ ባርኹ።
5እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፡ ጸጋኡ ንዘለኣለም፡
እምነቱ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።
መበል 101 መዝሙር።
ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ብዛዕባ ጸጋን ፍርድን ክዝምር፡
ዎ እግዚኣብሄር፡ ምስጋና ኽዝምረልካ እየ።
2ብፍጽምቲ መገዲ እጣበብ ኣሎኹ፡
— መኣዝ ክትመጸኒ ኢኻ፡ —
ኣብ ውሽጢ ቤተይ ብፍጹም ልበይ እመላለስ ኣሎኹ።
3ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ገለ ነውሪ ኣየንብርን፡
ንግብሪ ብልያል እጸልኦ ኣሎኹ፡
ኣይክጠብቀንን እዩ።
4ቄናን ልቢ ኻባይ ይርሓቕ፡
ንኽፉእ ክፈልጦ ኣይደልን።
5ነቲ ንብጻዩ ብሕቡእ ዝሓሚ አጥፍኦ፡
ነቲ ዕቡይ ዓይንን ኵሩዕ ልብን ዘለዎ ኣይዕገሶን እየ።
6ምሳይ ክነብሩስ፡
ኣዒንተይ ኣብቶም ናይ ሃገር እሙናት እየን፡
እቲ ብፍጽምቲ መገዲ ዝመላለስ ከገልግለኒ እዩ።
7ተንኰል ዝገብር ኣብ ውሽጢ ቤተይ ኣይነብርን፡
ሓሶት ዝዛረብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣይጸንዕን እዩ።
8ንዓመጸኛታት ካብ ከተማ እግዚኣብሄር ከጽንትሲ፡
ንዅሎም ረሲኣን ምድሪ ንግሆ ንግሆ ኸጥፍኦም እየ።
መበል 102 መዝሙር።
ሽጉር ትጨኒቑ ኸሎ፡ ጸገማኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብጸሎት ዘፍሰሶ።
1ጐይታየ፡ ጸሎተይ ስማዕ፡
ኣውያተይውን ኣባኻ ይብጻሕ።
2ብመዓልቲ ጸበባይ ገጽካ ኣይትኸውለለይ፡
እዝንኻ ኣድንነለይ፡
በታ ዘእውየላ መዓልቲ ቐልጢፍካ ምለሰለይ።
3መዓልትታተይ ከም ትኪ ይበና ኣለዋ እሞ፡
ኣዕጽምተይ ከኣ ከም እያድ ይነድድ ኣሎ።
4ምብላዕ እንጌራይ ረሲዔዮ እየ እሞ፡
ልበይ ከም ሳዕሪ ጸምለወን ነቐጸን።
5ካብ ድምጺ ገዓረይ እተላዕለ ኣዕጽምተይ ኣብ ስጋይ ተጣበቐ።
6ኣባ ጉምባሕ በረኻ መሰልኩ፡
ከም ጉንጓ ዑናታት ኰንኩ።
7ተጋህኩ፡ ከምቲ ኣብ ናሕሲ በይኑ ዘሎ ዑፍ ከኣ እየ።
8ምሉእ መዓልቲ ጸላእተይ የላግጹለይ፡
ተጻረርተይ ብስመይ ይረግሙ ኣለዉ።
9ንሓመዅስቲ ኸም እንጌራ እበልዖ ኣሎኹ እሞ፡
ንመስተይ ምስ ንብዓት እሕውሶ ኣሎኹ።
10ብምኽንያት ኵራኻን ቁጥዓኻን
ኣልዒልካ ደርቢኻኒ ኢኻ እሞ፡
11መዓልትታተይ ከም ዝነውሕ ጽላሎት እየን፡
ኣነውን ከም ሳዕሪ እነቅጽ ኣሎኹ።
12ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ግና ንዘለኣለም ትነብር፡
መዘከርታኻውን ንውሉድ ወለዶ እዩ።
13-14ግዜ ምሕረታ እዩ፡ እቲ ምዱብ ግዜ በጺሑ፡
ባሮትካ ነእማና ኣፍቂሮም፡
ብሓመዳ ኸኣ ጕህዮም እዮም እሞ፡
ክትትንስእ ንጽዮንውን ክትርሕርሓላ ኢኻ።
15ኣህዛብ ከኣ ንስም እግዚኣብሄር፡
ኵሎም ነገስታት ምድሪ ድማ ንኽብርኻ ኽፈርሁ እዮም።
16እግዚኣብሄር ንጽዮን ክሃንጻ፡
ብኽብሩ ኽግለጽ እዩ።
17ኣብ ጸሎት ሽጉራት ከቕልብ፡
ንጸሎቶምውን ኣይክንዕቕን እዩ እሞ፡
18እዚ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ኽጽሓፍ፡
እቲ ዝፍጠር ህዝቢውን ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ እዩ።
19-22ኵሎም ኣህዛብን መንግስትታትን
ኣብ ጽዮን ንስም እግዚኣብሄር
ኣብ የሩሳሌም ድማ ንምስጋናኡ ኽነግሩ ኢሎም፡
ንእግዚኣብሄር ከገልግልዎ ምስተኣከቡ፡
እግዚኣብሄር ንብኽያት እሱራት ክሰምዕ፡
ነቶም ንሞት እተመደቡ ምእንቲ ኽፈትሖም
ካብ ልዕልና መቕደሱ ረኣየ፡
ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኣንቈልቁሉ ጠመተ።
23ንሓይለይ ኣብ መገዲ ኣድከሞ፡
ንመዓልትታተይ ኣሕጸረን።
24ኣምላኸየ፡ ኣብ ፍርቂ መዓልትታተይ
ኣይትውሰደኒ፡ በልኩ።
ዓመታትካ ንውሉድ ወለዶ እዩ።
25ካብ ጥንቲ ንምድሪ ሰረትካያ፡
ሰማያት ከኣ ግብሪ ኣእዳውካ እዮም።
26ንሳቶም ክጠፍኡ እዮም፡ ንስኻ ግና ትነብር፡
ኵላቶም ከም ክዳን ክበልዩ እዮም፡
ከም ልብሲ ኽትልውጦም ኢኻ፡ ክልወጡውን እዮም።
27ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፡
ዓመታትካውን ከቶ ኣይውዳእን።
28ውሉድ ባሮትካ ኽነብሩ፡
ዘርኦም ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ኽጸንዕ እዩ።
መበል 103 መዝሙር።
ናይ ዳዊት።
1ነፍሰይ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፡
ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዅሉውን ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ።
2ነፍሰይ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፡
ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኵሉ ኸኣ ኣይትረስዒ፡
3ንሱ ንዅሉ ኣበሳኺ ዝሓድገልኪ፡
ንዅሉ ሕማምኪ ዝፍውስ፡
4ንህይወትኪ ኻብ ጥፍኣት ዝብጀዋ፡
ብሳህልን ምሕረትን ዝኽልለኪ፡
5ንድሌትኪ ብጽቡቕ ነገር ዘጽግብ እዩ፡
ንእስነትኪውን ከም ንስሪ ትሕደስ።
6እግዚኣብሄርሲ ንዅሎም ጥቑዓት
ጽድቅን ፍትሕን ይገብር እዩ።
7መገድታቱ ንሙሴ፡
ግብርታቱ ንደቂ እስራኤል ኣፍለጠ።
8እግዚኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ፡
ንዅራ ደንጓዪ፡ ብሳህሊ ድማ ምሉእ እዩ።
9ኵሉ ግዜ ኣይገንሕን፡
ንዘለኣለም ከኣ ኣይቅየምን እዩ።
10ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን፡
ከም መጠን ኣበሳና ድማ ኣይፈድየናን እዩ።
11ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዝብል፡
ከምኡ ምሕረቱ ናብቶም ዝፈርህዎ ይስልጥን።
12ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዝርሕቕ፡
ከምኡ ንኣበሳና ኻባና ኣርሓቖ።
13ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዝርሕርሓሎም፡
ከምኡ እግዚኣብሄር ንዝፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ።
14ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፡
ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ።
15ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ እዩ፡
ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ።
16ንፋስ ኣብ ልዕሊኣ ይሓልፍ እሞ፡
ከቶ ኣይትርከብን እያ፡
ቦታኣውን ኣይፈልጣን እዩ።
17ምሕረት እግዚኣብሄር ግና
ኣብቶም ዝፈርህዎ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ትነብር።
18ጽድቁ ኸኣ ነቶም ኪዳኑ ዝሕልዉ፡
ንትእዛዛቱ ምእንቲ ኽገብርዎ ዝዝክርዎ
ንውሉድ ወለዶ እዩ።
19እግዚኣብሄር ንዝፋኑ ኣብ ሰማይ ኣቘመ፡
መንግስቱውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ትገዝእ ኣላ።
20ኣቱም መላእኽቱ፡ ንድምጺ ቓሉ እትእዘዙ፡
ንቓሉ እትፍጽሙ ሓያላትን ስልጡናትን፡
ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።
21ኣቱም ሰራዊቱ ዅሉኹም፡
ኣቱም ንፍቓዱ እትፍጽምዎ ኣገልገልቱ፡
ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።
22ኵሉ ግብርታቱ አብ ኵሉ ስፍራ ግዝኣቱ፡
ንእግዚኣብሄር ባርኹ።
ነፍሰየ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኺ።
መበል 104 መዝሙር።
1ነፍሰይ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፡
ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ንስኻ ኣዚኻ ዓብዪ ኢኻ፡
ግርማን ክብርን ለበስካ።
2ንብርሃን ከም ልብሲ ለበስካዮ፡
ንሰማያት ከም መጋረጃ ዘርጋሕካዮ፡
3ንርሻንካ ኣብ ማያት ሃነጽካዮ፡
ንደበናስ ሰረገላኻ ገበርካ፡
ኣብ ኣኽናፍ ንፋስ ኴንካ ኼድካ።
4ንንፋሳት ልኡኻትካ፡
ንሃልሃልታ ሓዊ ኣገልገልትኻ ገበርካዮም።
5ንዘለኣለም ከይትናወጽሲ፡
ንምድሪ ኣብ መሰረታ ኣጽንዓ።
6ከም ብልብሲ ብመዓሙቑ ኣልበስካያ፡
ማያት ኣብ ልዕሊ ኣኽራን ቈሙ።
7ብመግናሕትኻ ሃደሙ፡
ብድምጺ ነጐድጓድካ ቐልጢፎም ከዱ።
8ኣብቲ ዝመደብካሎም ቦታ ኣኽራን ልዕል በሉ፡
ለሴታትውን ለጠቕ በሉ።
9ተመሊሶም ንምድሪ ኸይከድንዋስ፡
ዘይሓልፍዎ ደረት ወሰንካሎም።
10ኣብ ሽንጭሮታት ዓይኒ ማያት ኣንታዕካ፡
ኣብ መንጎ ኣኽራን ይውሕዛ።
11ንዅሉ እንስሳ መሮር የስትያኦ፡
ኣእዱግ በረኻ ይረውዩለን።
12ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ጥቓአን ይነብራ፡
ካብ ማእከል ጨናፍር ከኣ ድምጸን የስምዓ።
13ነኽራን ካብ ርሻናትካ ተስትዮ፡
ምድሪ ብፍረ ተግባርካ ትጸግብ።
14-15ወይኒ ንልቢ ሰብ ከሐጕሶ፡
ዘይቲ ንገጹ ኸብርሆ፡
እንጌራውን ንልቢ ሰብ ከጽንዖስ፡
ካብ ምድሪ ምግቢ ምእንቲ ኸውጽእ፡
ንእንስሳስ ሳዕሪ፡ ንጥቕሚ ሰብ ከኣ ተኽሊ ኣብቈልካ።
16ኣእዋም እግዚኣብሄርን
እተን ዝተኸልካየን ጽሕድታት ሊባኖስን ጸገባ።
17ኣዕዋፍ ኣብኡ እንዳአን ይሰርሓ፡
ጽሕድታት ንራዛ ማሕደሪኡ እየን።
18ነዋሕቲ ኣኽራን ንሰሰውሕ፡
ኣኻውሕ ድማ መዕቈቢ ጊሔታት እዩ።
19ወርሒ ንመመደብ ግዝያት ገበረ፡
ጸሓይ ንምዕራባ ትፈልጥ።
20ጸልማት ትገብር፡ ለይቲውን ይኸውን፡
ብእኡ ዅሎም እንስሳ ዱር ይዛወሩ።
21ሽደናት ኣንበሳ ንምዝራፍ ይጓዝሙ፡
ቀለቦም ከኣ ካብ ኣምላኽ ይደልዩ።
22ጸሓይ ትበርቕ፡ ይምለሱ፡
ኣብ ጒድጓዶም ድማ ይድቅሱ።
23ሰብ ናብ ተግባሩን ናብ ዕዮኡን ክሳዕ ምሸት ይወጽእ።
24ዎ እግዚኣብሄር፡ ግብርታትካስ ክንደይ ብዙሕ እዩ፡
ንዅሉ ብጥበብ ገበርካዮ፡
ምድሪ ብሃብትኻ መሊኣ ኣላ።
25እታ ዓባይን ገፋሕን ባሕሪ እዚኣ እያ፡
ቍጽሪ ዘይብሎም ዓበይትን ናእሽቱን እንስሳ
ኣብኣ ይዋሳወሱ ኣለዉ።
26ኣብኣ መራኽብ ይኸዳ፡
እቲ ዝፈጠርካዮ ሌዋታን ኣብኣ ይጻወት።
27እዚኣቶም ኵሎም ምግቦም በብግዜኡ ኽትህቦምሲ፡
ንኣኻ ይጽበዩ ኣለዉ።
28ንስኻ ትህቦም፡ ይእክቡ።
ንስኻ ኢድካ ትዝርግሕ፡ ብጸጋውን ይጸግቡ ኣለዉ።
29ንስኻ ገጽካ ትኽውል፡ ይስምብዱ፡
ትንፋሶም ተውጽእ፡ ይሞቱ፡
ኣብ መሬቶምውን ይምለሱ።
30ትንፋስካ ትልእኽ፡ ይፍጠሩ፡
ንገጽ ምድሪውን ትሕድሳ።
31ክብሪ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይንበር፡
እግዚኣብሄር ብተግባሩ ይተሓጐስ።
32ኣብ ምድሪ ይጥምት፡ ንሳ ኸኣ ተንቀጥቅጥ፡
ነኽራን ይትንክዮም እሞ ይተኩ።
33ብህይወተይ ከሎኹ፡ ንእግዚኣብሄር እዝምር፡
ክሳዕ ዘሎኹ ንኣምላኸይ አመስግን።
34ቃላተይ ባህ የብሎ፡ ብእግዚኣብሄር እሕጐስ እየ።
35ሓጥኣን ካብ ምድሪ ይጥፍኡ፡
ረሲኣንውን ደጊም ኣይሃልዉ፡
ነፍሰየ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዮ ሃሌሉያ።
መበል 105 መዝሙር።
1ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፡ ስሙ ጸውዑ፡
ግብርታቱ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣውርዩ።
2ዘምሩሉ፡ ኣመስግንዎ፡
ብዛዕባ ዅሉ ተኣምራቱ ተዛረቡ።
3ብቅዱስ ስሙ ኽብሩ፡
ልቢ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝደልይዎ ይተሓጐስ።
4እግዚኣብሄርን ሓይሉን ድለዩ።
አዘውቲርኩም ገጹ ድለዩ።
5-6ኣቱም ዘርኢ ኣብርሃም፡ እቲ ባርያኡ፡
ኣቱም ውሉድ ያእቆብ፡ ሕሩያቱ፡
ዝገበሮ መስትንክር ግብርታቱን ተኣምራቱን
ፍርዲ ኣፉን ዘክሩ።
7ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ፡
ፍርዱ ኣብ ኵሉ ምድሪ እዩ።
8-9ነቲ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳኑ፡
ንይስሃቅውን ዝመሓለሉ ማሕላ፡
ነቲ ንሽሕ ወለዶ ዝአዘዞ ቓል ንዘለኣለም ዘኪሩስ፡
10-11ምድሪ ከነኣን፡ ዕድሎት ርስትኹም ክትከውን፡
ክህበካ እየ፡ ኢሉ ንያእቆብ ከም ሕጊ፡
ንእስራኤል ከኣ ከም ናይ ዘለኣለም ኪዳን ገይሩ ኣቘሞ።
12ብቑጽሪ ሒደት፡ ኣዝዮም ሒደት፡
ኣብኣውን ስደተኛታት ከለዉ፡
13ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡
ካብ መንግስቲውን ናብ ካልእ ህዝቢ ኽሓልፉ ኸለዉስ፡
14-15ንሱ ሰብ ክጠቕዖም ኣይሓደገን፡
ንቕቡኣተይ ኣይትተንክይዎም፡
ነብያተይ ድማ ክፉእ ኣይትግበርዎም፡
ኢሉ ምእንትኦም ንነገስታት ገሰጾም።
16ጥሜት ናብ ሃገር ጸውዐ፡
ኵሉ ምርኩስ እንጌራ ሰበረ።
17ቀቅድሚኦም ሰብኣይ ለኣኸ፡
ዮሴፍ ከም ባርያ ተሸጠ።
18ነእጋሩ ብመቑሕ ሳቐዩ፡
ነፍሱ ኣብ ሓጺን ኣተወት።
19ቃሉ ኽሳዕ ዝፍጸም፡
ቃል እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝፍትኖ፡
20ንጉስ ልኢኹ ኣፍትሖ፡
እቲ ገዛእ ኣህዛብ ሓራ ኣውጽኦ።
21-22ንመሳፍንቱ ኸም ፍቓዱ ኽኣስሮም፡
ንሽማግሌታቱ ኸኣ ጥበብ ክምህሮም፡
ጐይታ ቤቱን ኣዛዝ ኵሉ ጥሪቱን ገበሮ።
23እስራኤል ናብ ግብጺ መጸ፡
ያእቆብውን ኣብ ሃገር ካም ሰፈረ።
24ንህዝቡ ኸኣ ኣዝዩ ኣብዝሖ፡
ካብ ተጻረርቱውን ኣበርትዖ።
25ንህዝቡ ኽጸልእዎ፡
ንባሮቱ ኽታናዀልዎምሲ፡ ልቦም ለወጦ።
26ንሙሴ ባርያኡን ንኣሮን ሕሩዩን ለኣኸ።
27ኣብ ማእከሎም ትእምርትታቱ፡
ኣብ ሃገር ካም ድማ ተኣምራት ገበሩ።
28ጸልማት ለኣኸ፡ ኣጸልመተ ኸኣ፡
ንቓላቱውን ኣይተጻረርዎን።
29ማያቶም ናብ ደም ለወጠ፡ ዓሳታቶም ከኣ ቐተለ።
30ናብ ኣባይቲ ነገስታቶም ክሳዕ ዝኣትዋ፡
ምድሮም ብቑርዖብ መልአት።
31ተዛረበ እሞ ጽንጽያታት፡
ኣብ ኵሉ ወሰኖም ከኣ ቃርማ መጹ።
32ኣብ ክንዲ ዝናምሲ በረድ፡
ሃልሃልታ ሓዊ ኸኣ ኣብ ሃገሮም ኣውረደ።
33ወይኖምን በለሶምን ወቕዐ፡
ኣእዋም ዓዶም ድማ ሰባበረ።
34ተዛረበ እሞ ኣንበጣ፡ ቁጽሪ ዘይብሉ ኹብኩብታ መጸ።
35ንዅሉ ብቋልያ ሃገሮም በልዖ፡
ንፍረ ምድሮም ከኣ በልዐ።
36ንዅሉ በዅሪ ሃገሮም፡ ንበዅሪ ሓይሎም፡ ቀተለ።
37ብወርቅን ብሩርን ኣውጽኦም፡
ኣብ ማእከል ዓሌቱ ኸኣ ድኹም ኣይነበረን።
38ፍርሃት ወዲቕዎም ነበረ እሞ፡
ግብጺ ብምውጻኦም ተሓጐሰት።
39ደበና ንመኸወልታ፡
ሓዊ ድማ ብለይቲ ኸብርህ፡ ዘርግሐ።
40ለመኑ እሞ ብርኒጎታት ኣምጽአ፡
ብእንጌራ ሰማይውን ኣጽገቦም።
41ከውሒ ኸፈተ እሞ ማያት ፈልፈለ፡
ውሒዝ ብንቑጽ ቦታ ወሓዘ።
42ነቲ ቅዱስ ቃሉን ንኣብርሃም ባርያኡን ዘኪሩ እዩ እሞ፡
43ንህዝቡ ብሓጐስ፡
ነቶም ሕሩያቱ ድማ ብእልልታ ኣውጽኦም።
44-45ትእዛዛቱ ኽገብሩ፡ ሕጉውን ክሕልዉስ፡
ሃገር ኣህዛብ ሃቦም፡ ጻማ ኣህዛብውን ወረሱ።
ሃሌሉያ።
መበል 106 መዝሙር።
1ሃሌሉያ።
እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡
ምሕረቱውን ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ኣመስግንዎ።
2ንግብርታት ሓይሊ እግዚኣብሄር ክዛረቦ፡
ንብዘሎ ምስጋናኡስ ክነግሮ መን ይኽእል፧
3ፍርዲ ዝሕልዉ፡
ኵሉ ግዜ ጽድቂ ዝገብሩ ብጹኣን እዮም።
4-5ጐይታየ፡ በቲ ንህዝብኻ ዝሃብካዮ ጸጋ ዘክረኒ፡
ጣዕሚ ሕሩያትካ ኽርኢ፡
ብሓጐስ ህዝብኻ ኽሕጐስ
ምስ ርስትኻውን ምእንቲ ኽኸብርሲ፡
ብምድሓንካ ብጽሓኒ።
6ምስ ኣቦታትና ሓጢኣት ገበርና፡
በደልና፡ ግፍዒ ገበርና።
7ኣቦታትና ኣብ ግብጺ ንተኣምራትካ ኣየስተውዓልዎን፡
ንብዝሒ ጸጋኻ ኣይዘከርዎን፡
ኣብ ባሕሪ፡ ኣብቲ ባሕሪ ኤርትራ፡ ዓለዉ።
8ንሱ ግና ስልጣኑ ምእንቲ ኸፍልጥሲ፡
ስለ ስሙ ኢሉ ኣድሓኖም።
9ንባሕሪ ኤርትራ ገንሓ እሞ ነቐጸት፡
ከም ብበረኻ ድማ ብዓሚቕ መርሖም።
10ካብ ኢድ ተጻራሪኦም ኣድሓኖም፡
ካብ ኢድ ጸላኢ ኸኣ ተበጀዎም።
11ንተጻረርቶም ከኣ ማያት ደፈኖም፡
ካብኦም ሓደ እኳ ኣይተረፈን።
12ሽዑ ንቓላቱ ኣመኑ፡
ምስጋናኡ ዘመሩ።
13ንተግባሩ ቐልጢፎም ረስዕዎ፡
ንምኽሩ ኣይተጸበይዎን።
14ኣብ በረኻ ኣዝዮም ተመነዩ፡
ኣብቲ ጽምዋ ንእግዚኣብሄር ፈተኑ።
15ንሱ ኸኣ ዝለመንዎ ሃቦም፡
ግናኸ ንነፍሶም ዕብራን ለኣኸሎም።
16ኣብቲ ሰፈር ንሙሴን
ንኣሮን፡ ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስን፡ ቀንኡሎም።
17ምድሪ ተኸፊታ ንዳታን ወሓጠቶ፡
ንወገን ኣቢራም ከኣ ደፈነቶ።
18ሓዊ ኣብ ማእከል ወገኖም ነደደ፡
ሃልሃልታ ንረሲኣን ወሓጦም።
19ኣብ ሆሬብ ምራኽ ገበሩ፡
ንዝፈሰሰ ምስሊ ኸኣ ሰገዱሉ።
20ክብረቶም ንምስሊ ሳዕሪ ዝበልዕ ብዕራይ ለወጥዎ።
21-22ኣብ ግብጺ ዓብዪ ተግባር፡
ኣብ ሃገር ካም ተኣምራት፡
ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ዘፍርህ ነገር ዝገበረ ኣምላኽ፡
መድሓኒኦም፡ ረስዕዎ።
23ሽዑ ኸጥፍኦም ደልዩ ተዛረበ፡
ግናኸ ሙሴ፡ እቲ ሕሩዩ፡
ከየጥፍኦም ቁጥዓኡ ምእንቲ ኽመልስ፡
ኣብ ቅድሚ ገጹ ኣብ ማእከል ቈመ።
24ነታ ፍትውቲ ሃገር ነዓቑ፡
ብቓሉውን ኣይኣመኑን።
25ኣብ ድንኳናቶም ኣጕረምረሙ፡
ንድምጺ እግዚኣብሄር ከኣ ኣይሰምዕዎን።
26-27ሽዑ ኢዱ ናብኦም ኣልዒሉ፡
ኣብ በረኻ ኸውድቖም፡
ንዘርኦም ከኣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከውድቖም፡
ኣብ ሃገራትውን ፋሕ ከብሎም መሓለ።
28ምስ በዓል ጴኦር ሓበሩ፡
መስዋእቲ ምውታት ከኣ በልዑ።
29ብግብርታቶም ከኣ ኣዀረይዎ፡
መዓትውን ወረዶም።
30ሽዑ ፊንሃስ ተንሲኡ ፍትሒ ኣውጽአ፡
እቲ መዓት ድማ ዛረየ።
31እዚ ኸኣ ንሓዋሩ፡
ንውሉድ ወለዶ ጽድቂ ኰይኑ ተቘጽረሉ።
32ኣብ ማይ መሪባ ድማ ኣዀረይዎ፡
ሙሴውን ብሰሮም ተጐድአ።
33ንመንፈሱ ኣንጸርጺሮምዎ ነበሩ እሞ፡
ብኸናፍሩ ዕሽነት ተዛረበ።
34-35ምስ ኣህዛብ ተሓባበሩ፡
ግብርታቶም ከኣ ተማህሩ እምበር፡
ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም፡ ነህዛብ ኣየጽነትዎምን።
36ንጣኦታቶም ኣገልገሉ፡
ንሳቶም ከኣ መፈንጠርያ ዀንዎም።
37ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ነጋንንቲ ሰውኡሎም።
38ንጹህ ደም፡ ደም ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን፡ ኣፍሰሱ፡
ንጣኦታት ከነኣን ሰውእዎም፡
እታ ሃገርውን ብደም ረኸሰት።
39በዚ ከምዚ ብተግባሮም ረኸሱ፡
ብግብርታቶም ከኣ ኣመንዘሩ።
40ሽዑ ቑጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ህዝቡ ነደደ፡
ንርስቱ ኸኣ ፈንፈኖ።
41ኣብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፉ ሃቦም፡
እቶም ዝጸልእዎም ድማ መለኽዎም።
42ጸላእቶም ከኣ ጠቕዕዎም፡
ኣብ ትሕቲ ኣእዳዎም ድማ ተዋረዱ።
43ብዙሕ ግዜ ኣናገፎም፡
ንሳቶም ግና ብምኽሮም ዓለዉ፡
ብኣበሳኦምውን ተዋረዱ።
44ኣውያቶም ምስ ሰምዐ ኸኣ፡ ጸበባኦም ረኣየ።
45ንኺዳኑ ድማ ዘከረሎም፡
ብመጠን ብዝሒ ሳህሉውን ራሕርሓሎም።
46ኣብ ቅድሚ ዅሎም ማረኽቶም ከኣ ሞገስ ሃቦም።
47ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንቅዱስ ስምካ ኽንውድሶ፡
ብምስጋናኻውን ክንምካሕሲ፡
ኣናግፈናን ካብ ማእከል ኣህዛብ ኣክበናን።
48እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል
ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይባረኽ።
ኵሉ ህዝቢውን ኣሜን ይበል።
ሃሌሉያ።