መዝሙር ዳዊት
ሓምሳይ መጽሓፍ
107 108 109 110
111 112 113 114
115 116 117 118
119 120 121 122
123 124 125 126
127 128 129 130
131 132 133 134
135 136 137 138
139 140 141 142
143 144 145 146
147 148 149
150
ናብ ቀዳማይ መጽሓፍ፥ 1 — 41
ናብ ካልኣይ መጽሓፍ፥ 42 — 72
ናብ ሳልሳይ መጽሓፍ፥ 73 — 89
ናብ ራብዓይ መጽሓፍ፥ 90 — 106
መበል 107 መዝሙር።
1እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡
ምሕረቱ ኸኣ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ኣመስግንዎ።
2-3እቶም እግዚኣብሄር እተበጀዎም፡
ካብ ኢድ ገፋዒ እተበጀዎም፡
ካብ ሃገራት፡ ካብ ምብራቕን ምዕራብን
ካብ ሰሜንን ደቡብን ዝኣከቦም፡ ከምዚ ይበሉ።
4ኣብ በረኻ፡ ኣብ ጽምዋ መገዲ ዀብለሉ፡
ዝነብሩላ ዓዲ ኣይረኸቡን።
5ጠምዮም፡ ጸሚኦም፡ ነፍሶም ሰልከየት።
6ሽዑ ብመከራኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፡
ንሱውን ካብ ጸበባኦም ኣናገፎም።
7ናብ ዝነብሩላ ዓዲ ኽበጽሑስ፡
ብቕኑዕ መገዲ መርሖም።
8-9ንጽምእቲ ነፍሲ ኣጽጊብዋ፡
ንጥምይቲ ነፍሲ ብሰናይ መሊእዋ እዩ እሞ፡
ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን፡
ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ።
10ብመከራን ሓጺንን ተኣሲሮም፡
ኣብ ጸልማትን ኣብ ድነ ሞትን ነበሩ።
11ንቓል ኣምላኽ ስለ እተሃላለኽዎ፡
ንምኽሪ እቲ ልዑል ከኣ ስለ ዝነዓቕዎ፡
12ንልቦም ብጻዕሪ ኣዋረዶ፡
ወደቑ፡ ዝረድእውን ሓደ እኳ ኣይነበረን።
13ሽዑ ብመከራኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፡
ንሱውን ካብ ጸበባኦም ኣናገፎም።
14ካብ ጸልማትን ድነ ሞትን ኣውጽኦም፡
መቐውሖም ከኣ ሰባበረ።
15-16መዓጹ ኣስራዚ ሰቢሩ፡
መሸጐር ሓጺን ሰባቢሩ እዩ እሞ፡
ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን፡
ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ።
17ዓያሱ ብሰሪ ግህሰቶምን ብሰሪ ኣበሳኦምን ተጨነቑ፡
18ነፍሶም ንመብልዕ ዘበለ ፈንፈነቶ።
ክሳዕ ደጌታት ሞትውን በጽሑ።
19ሽዑ ብመከራኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፡
ንሱውን ካብ ጸበባኦም ኣናገፎም።
20ቃሉ ልኢኹ ኣሕወዮም፡
ካብ ጕድጓዶም ከኣ ኣናገፎም።
21ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን
ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ።
22መስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ይሰውኡ፡
ንግብርታቱውን ብእልልታ ይንገሩ።
23ብመራኽብ ናብ ባሕሪ ዝወርዱ፡
ኣብ ዓበይቲ ማያት ዝነግዱ፡
24ንሳቶም ግብርታት እግዚኣብሄር፡
ኣብ ዓሚቑ ድማ ተኣምራቱ ረኣዩ።
25ኣዘዘ እሞ፡ ማዕበላት ዘልዕል ህቦብላ ንፋስ ኣተንስአ።
26ናብ ሰማይ ደየቡ፡ ናብ መዓሙቑ ወረዱ፡
ነፍሶም ብመከራ መኸኸት።
27ከም ሰካር ኣሕወዝወዙን ሰንከልከል በሉን፡
ኵሉ ጥበቦም ከኣ ጠፍአ።
28ሽዑ ብመከራኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፡
ንሱውን ካብ ጸበባኦም ኣውጽኦም።
29ንህቦብላ ናብ ህድኣት ለወጦ፡
ማዕበላት ከኣ ዝግ በሉ።
30ስለ ዝሃድአ ተሓስጐሱ፡
ናብቲ ዝደለይዎ ወደብ ድማ ኣብጽሖም።
31ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን
ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ፡
32ኣብ ማሕበር ኣህዛብ ልዕል የብልዎ፡
ኣብ ባይቶ ሽማግሌታት ድማ የመስግንዎ።
33-34ንወሓዝቲ ናብ በረኻ፡
ንዓይኒ ማያት ናብ ንቑጽ ምድሪ፡
ንፍርያም ምድሪ፡ ብሰሪ ኽፍኣት እቶም ዝነበርዋ፡
ናብ ጐልጐል ጨው ለወጦ።
35ንበረኻ ናብ መዕቈር ማያት፡
ንንቑጽ ምድሪ ኸኣ ናብ ዓይኒ ማያት ለወጦ።
36ንጥሙያት ኣብኣ ኣሕደሮም፡
ንሳቶም ከኣ ዝነብሩላ ዓዲ ሰረቱ።
37ግርሁ ዘርኡ፡ ወይንታት ተኸሉ፡
ብዝሒ ፍረ ኸኣ ሃቦም።
38ባረኾም እሞ ኣዝዮም በዝሑ።
ንኸብቶም ድማ ኣየውሓደሎምን።
39ደሓር ከኣ ብምጥቃዕ፡ ብመከራ፡
ብጓሂ ወሓዱን ተዋረዱን።
40ኣብ ልዕሊ መሳፍንቲ ሓሳር ከዓወ፡
መገዲ ኣብ ዘይብሉ በረኻ ኣዀብለሎም።
41ንድኻ ኻብ ሽጋሩ ልዕል ኣበሎ፡
ንዓሌታት ድማ ከም መጓሰ ኣብዝሖም።
42ቅኑዓት ርእዮምዎ ኽሕጐሱ፡
ኣበሳ ዘበለውን ኣፉ ኽዓጹ እዩ።
43ለባም ዘበለ ነዚ ኸስተብህሎ እዩ፡
ንጸጋ እግዚኣብሄር ከኣ ከስተውዕሎ እዩ።
መበል 108 መዝሙር።
ናይ ዳዊት መዝሙር ምስጋና።
1ዎ ኣምላኽ፡ ልበይን ክብረይን ኣንቂደን ኣለዋ።
ክዝምርን ከመስግንን እየ።
2በገናን መሰንቆን ንቕሑ፡ ንወጋሕታ ኸንቅሓ እየ።
3ጐይታየ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከመስግነካ፡
ኣብ ማእከል ህዝብታት ክዝምረልካ እየ።
4ምሕረትካ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዓብዪ፡
ሓቅኻውን ክሳዕ ደበናታት እዩ እሞ፡
5ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፡
ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን።
6ፍትዋትካ ምእንቲ ኽናገፉስ፡
ብየማነይትኻ ኣድሕነናን ስምዓናን።
7ኣምላኽ ኣብ መቕደሱ ተዛረበ፡ እልል ክብል እየ፡
ንሰኬም ክመቅል፡ ንለሰ ሱኮት ክልክዕ እየ።
8ጊልኣድ ናተይ እዩ፡ ምናሴውን ናተይ እዩ፡
ኤፍሬም መጸግዕ ርእሰይ፡
ይሁዳውን ዘንጊ ግዝኣተይ እዩ።
9ሞኣብ ገበራ ምሕጻበይ እዩ።
ኣብ ኤዶም ሳእነይ እድርቢ፡
ኣብ ፍልስጥኤም እልል ክብል እየ።
10ናብታ ዕርድቲ ኸተማ መን ይወስደኒ፧
ናብ ኤዶም መን ኰን ይመርሓኒ፧
11ዎ ኣምላኽ፡ ንስኻዶ ኣይኰንካን ዝደርበኻና፧
ንስኻ ኣምላኽ፡ ምስ ሰራዊትናኸ ኣይትወጽእን ዲኻ፧
12ረዲኤት ሰብ ከንቱ እዩ እሞ፡
ካብቲ ተጻራሪ ርድኣና።
13ብኣምላኽ ንሕይል፡
ንሱውን ንተጻረርትና ኽረግጾም እዩ።
መበል 109 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1-3ኣታ ኣምላኽ ምስጋናይ፡
እፍ ረሲእን ኣፍ ጥበራን ናባይ ተኸፊቶም፡
ብሓሳዊት መልሓስ ይዛረቡኒ፡
ብቓላት ጽልኢ ኸቢቦምኒ፡
ብዘይ ምኽንያት ይዋግኡኒ ኣለዉ እሞ፡ ስቕ ኣይትበል።
4ኣብ ክንዲ ዘፍቀርክዎም ተጻረሩኒ፡
ኣነ ግና እጽሊ ኣሎኹ።
5ኣብ ክንዲ ሰናይ እከይ፡
ኣብ ክንዲ ፍቕረይ ከኣ ጽልኢ ፈድዮምኒ።
6ረሲእ ኣብ ልዕሊኡ ኣቝመሉ፡
ተጻራሪ ኣብ የማኑ ይቑም።
7ምስ ተፈርደ፡ ተረቲዑ ይውጻእ፡
ጸሎቱውን ንሓጢኣት ይኹኖ።
8መዓልትታቱ ሒደት ይኹና፡
ንሽመቱውን ካልእ ይውሰዳ።
9ውሉዱ ዘኽታማት ይኹኑ፡ ሰበይቱውን መበለት ትኹን።
10ውሉዱ እናዞሩ ይለምኑ፡
ካብተን ዝዓነዋ ኣባይቶም ርሒቖም፡ እንጌራ ይድለዩ።
11ንዘለዎ ዅሉ እቲ መሓረጺ ይሓዞ፡
ጓኖት ከኣ ንጻማኡ ይዝመትዎ።
12ዝልውሃሉ ሓደ እኳ ኣይረኸብ፡
ንዘኽታማቱ ዝርሕርሓሎም ከኣ ሓደ እኳ ኣይሃሉ።
13ሓድጉ ይጽነቱ፡
ስሞም ኣብ ካልኣይ ወለዶ ይደምሰስ።
14በደል ኣቦታቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይዘከር፡
ሓጢኣት ኣዲኡ ኸኣ ኣይደምሰስ።
15ኵሉ ግዜ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይኹኑ፡
መዘከርታኦም ካብ ምድሪ የጥፍኣዮ።
16ንመስኪንን ንድኻን ነቲ ልቡ እተሰብረን
ምእንቲ ክቐትሎም ሰጐጎም እምበር፡
ምሕረት ክገብር ስለ ዘይሓሰበ፡
17ንመርገም ፈተዋ፡ ንሳ ኸኣ መጸቶ፡
ንበረኸት ኣይበሃጋን፡ ንሳውን ረሓቐቶ።
18ንመርገም ከም ክዳኑ ተኸድና፡
ንሳ ኸኣ ከም ማይ ናብ ውሽጡ፡
ከም ቅብኢውን ናብ ኣዕጽምቱ ሰረጸት።
19ከምቲ ዝጓናጸፈሉ ልብስን፡
ከምቲ ዅሉ ግዜ ዝዕጠቖ ቕናትን ይኹኖ።
20እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ናይ ተጻረርተይን
ናይቶም ኣብ ነፍሰይ ክፉእ ዝዛረቡን ፍዳ ይኹን።
21ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ስለ ስምካ ኢልካ ርድኣኒ፡
ጸጋኻ ሰናይ እዩ እሞ፡ ኣናግፈኒ።
22ኣነ መስኪንን ድኻን እየ እሞ፡
ልበይ ኣብ ውሽጠይ ቈሲሉ ኣሎ።
23ከም ዝነውሕ ጽላሎት እኸይድ፡
ከም ኣንበጣውን እስጐጕ ኣሎኹ።
24ኣብራኸይ ብጾም ራዕራዕ በለ፡
ስጋይ ከኣ ካብ ስብሑ ዓበረ።
25መላገጺኦም ከኣ ዀንኩ፡
እንተ ረኣዩኒ ርእሶም ይንቕንቑ።
26-27ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ርድኣኒ፡
እዚ ኢድካ ምዃኑ፡
ንስኻ ኸም ዝገበርካዮ ኽፈልጡስ፡
ዎ እግዚኣብሄር፡ ብመጠን ጸጋኻ ኣናግፈኒ።
28ንሳቶም ይረግሙ፡ ንስኻ ግና መርቕ፡
እንተ ተንስኡ፡ ክሓፍሩ እዮም።
ባርያኻ ግና ክሕጐስ እዩ።
29ተጻረርተይ ውርደት ይከደኑ፡
ንነውሮም ከኣ ከም ነጸላ ይወንዘፍዎ።
30-31ካብቶም ንነፍሱ ዝኹንንዋ ኸድሕኖስ፡
ኣብ የማን እቲ ድኻ ቈይሙ ኣሎ እሞ፡
ንእግዚኣብሄር ብኣፈይ ኣዝየ ኸመስግኖ፡
ኣብ ማእከል ብዙሓትውን ክውድሶ እየ።
መበል 110 መዝሙር።
ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ጐይታ ንጐይታይ፡
ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡
ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ።
2እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን በትሪ ስልጣንካ ኽልእኽ እዩ፡
ኣብ ማእከል ጸላእትኻ ግዛእ።
3በታ ሰራዊትካ እተኽትተላ መዓልቲ
ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ፡
ከምቲ ኻብ ከርሲ ወጋሕታ ዝመጽእ ኣውሊ
ከምኡ መንእሰይካ ብልብሲ ቕድስና ይመጹኻ።
4እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ
ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ኢሉ መሓለ ኣይጠዓስን ከኣ።
5እግዚኣብሄር ኣብ የማንካ ዀይኑ፡
ብመዓልቲ ቑጥዓኡ ንነገስታት ክጭፍልቖም፡
6ኣብ ማእከል ኣህዛብ ክፈርድ፡
ብሬሳታት ክመልኦ፡
ርእሲ ርሒብ ሃገር ክጭፍልቕ።
7ኣብ መገዲ ኻብ ወሓዚ ኽሰቲ፡
ስለዚ ርእሱ ልዕል ከብል እዩ።
መበል 111 መዝሙር።
1ሃሌሉያ።
ንእግዚኣብሄር ብምኽሪ ቕኑዓትን ማሕበርን
ብምሉእ ልበይ አመስግኖ ኣሎኹ።
2ግብሪ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፡
እቶም ብእኡ ዝሕጐሱ ዅሎም ይምርምርዎ እዮም።
3ግብሩ ኽብርን ግርማን እዩ፡
ጽድቁ ኸኣ ንዘለኣለም ይነብር።
4ንተኣምራቱ መዘከርታ ገበሮ፡
እግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን እዩ።
5ንዝፈርህዎ ምግቢ ይህቦም፡
ኪዳኑ ንዘለኣለም ይዝክር።
6ርስቲ ኣህዛብ ብምሃቡ ሓይሊ ግብሩ ንህዝቡ ኣርአዮ።
7ግብሪ ኣእዳዉ ሓቅን ፍርድን እዩ፡
ትእዛዙ ዅሉ ጽኑዕ እዩ።
8ንዘለኣለመ አለም ጽኑዕ፡
ብሓቅን ብቕንዕናን እተገብረ እዩ።
9ንህዝቡ በጃ ሰደደሎም፡
ኪዳኑ ንዘለኣለም ኣዘዘ፡
ስሙ ቅዱስን ዘፍርህን እዩ።
10ፍርሃት እግዚኣብሄር መጀመርያ ጥበብ እዩ፡
ዝገብርዎ ዅሎም ሰናይ ልቦና ኣለዎም።
ምስጋናኡ ንዘለኣለም ይነብር።
መበል 112 መዝሙር።
1ሃሌሉያ።
እቲ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሆ፡
ብትእዛዛቱ ኣዝዩ ባህ ዝብሎ ሰብ ብጹእ እዩ።
2ዘርኡ ኣብ ምድሪ ኸስልጥን፡
ወለዶ ቕኑዓት ክባረኽ እዩ።
3ሃብትን ጽጋብን ኣብ ቤቱ እዩ፡
ጽድቁውን ንዘለኣለም ይነብር።
4ንቕኑዓት፡ ነቲ መሓርን ርሕሩሕን ጻድቕን፡
ኣብ ጸልማት ብርሃን ይወጸሎም።
5ዝርሕርሕን ዘለቅሕን ሰብ ብጹእ እዩ።
ንሱ ንነገሩ ብፍርዲ ይፍጽሞ።
6ንዘለኣለም ኣይክናወጽን እዩ እሞ፡
መዘከርታ ጻድቕ ንዘለኣለም ይነብር።
7ክፉእ ወረ ኣይፈርህን፡
ልቡ ብእግዚኣብሄር ተወኪሉ ይጸንዕ።
8ልቡ ጽኑዕ እዩ፡
ትምኒቱ ኣብ ተጻረርቱ ኽሳዕ ዝርኢ ኣይፈርህን።
9ዘረወ፡ ንድኻታት ሃበ፡
ጽድቁ ንዘለኣለም ይነብር፡
ቀርኑ ብኽብሪ ልዕል ክብል እዩ።
10ረሲእ ነዚ ርእዩ ኽሓርቕ፡
ኣስናኑ ኽሕርቅምን ክማስንን፡
ትምኒት ረሲኣን ክጠፍእ እዩ።
መበል 113 መዝሙር።
1ሃሌሉያ።
ኣቱም ባሮት እግዚኣብሄር፡ ኣመስግኑ፡
ንስም እግዚኣብሄር ኣመስግኑ።
2ስም እግዚኣብሄር ካብ ሕጂ ንዘለኣለም ይባረኽ።
3ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ
ስም እግዚኣብሄር ይመስገን።
4እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ልዑል እዩ፡
ክብሩ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት እዩ።
5-6ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጠ፡
ናብ ሰማይን ናብ ምድርን ኣንቈልቁሉ ዝጥምት፡
እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝመስል መን እዩ፧
7-8ምስ መሳፍንቲ፡ ምስቶም መሳፍንቲ ህዝቡ ከቐምጦስ፡
ንመስኪን ካብ ሓመድ የተንስኦ፡
ንድኻውን ካብ ድዅዒ የልዕሎ።
9ንመኻን፡ ኣደ ቘልዑ ገይሩ፡
ኣብ ቤት ብሓጐስ የንብራ።
ሃሌሉያ።
መበል 114 መዝሙር።
1እስራኤል ካብ ግብጺ፡
ቤት ያእቆብ ካብቲ ቛንቋኡ ዘይስማዕ ህዝቢ ምስ ወጸ፡
2ይሁዳ መቕደሱ፡ እስራኤል ግዝኣቱ ዀነ።
3ባሕሪ ርእያቶ ሃደመት።
ዮርዳኖስ ንድሕሪት ተመልሰ።
4ኣኽራን ከም ደዓውል፡
ኰረቢት ከም ዕያውቲ ተሰራሰሩ።
5ኣቲ ባሕሪ፡ እንታይ ኴንኪ ዝሃደምኪ፧
ኣታ ዮርዳኖስከ፡ ንድሕሪት እተመለስካ፧
6ኣቱም ኣኽራን፡ ከም ደዓውል፡
ኣቱም ኰረቢትሲ፡ ከም ዕያውቲ እተሰራሰርኩም፡
እንታይ ኴንኩም ኢኹም፧
7-8ኣቲ ምድሪ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ነኻውሕ ናብ ቀላያት፡
ንዓረ ናብ ዓይኒ ማያት ዝለወጠ
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ያእቆብ ኣንቀጥቅጢ
መበል 115 መዝሙር።
1ንኣና ኣይኰነን፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንኣና ኣይኰነን፡
ግናኸ ስለ ምሕረትካን ሓቅኻን ኢልካ፡
ንስምካ ኽብሪ ሃብ።
2ስለምንታይ ኣህዛብ፡
ኣበይ ደኣ ኣሎ ኣምላኾም፡ ዝብሉና፧
3ኣምላኽናስ ኣብ ሰማያት ኣሎ፡
ዝደለዮ ዅሉ ይገብር እዩ።
4ጣኦታቶም ኢድ ሰብ ዝገበሮም
ብሩርን ወርቅን እዮም።
5ኣፍ ኣለዎም፡ ኣይዛረቡን፡
ኣዒንቲ ኣለዎም፡ ኣይርእዩን፡
6እዝኒ ኣለዎም፡ ኣይሰምዑን፡
ኣፍንጫ ኣለዎም፡ ኣየጫንዉን፡
7ኢድ ኣለዎም፡ ኣይድህስሱን፡
እግሪ ኣለዎም፡ ኣይከዱን፡
ብጐረሮኦም ድማ ገለ እኳ ኣየድምጹን።
8እቶም ዝገብርዎምን ኣብኦም ዝውከሉን፡
ኵሎም ከምኣቶም ክዀኑ እዮም።
9ኣታ እስራኤል፡ ኣብ እግዚኣብሄር ተወከል፡
ንሱ ረዲኤቶምን ዋልታኦምን እዩ።
10ኣቱም ቤት ኣሮን፡ ኣብ እግዚኣብሄር ተወከሉ፡
ንሱ ረዲኤቶምን ዋልታኦምን እዩ።
11ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርህዎ፡
ኣብ እግዚኣብሄር ተወከሉ፡
ንሱ ረዲኤቶምን ዋልታኦምን እዩ።
12እግዚኣብሄር ዘከረና፡ ንሱ ኽባርኽ፡
ንቤት እስራኤል ክባርኻ፡
ንቤት ኣሮን ክባርኻ እዩ።
13ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሁ፡
ናእሽቱን ዓበይትን፡ክባርኾም እዩ።
14ንኣኹምን ንውሉድኩምን እግዚኣብሄር የብዝሕኩም።
15በቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር
እተባረኽኩም ኢኹም።
16ሰማያትሲ ናይ እግዚኣብሄር ሰማያት እዮም፡
ምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሃቦም።
17ምውታትን ናብ ስቕ ምባል ዝወረዱ ዅሎምን
ንእግዚኣብሄር ኣየመስግንዎን እዮም።
18ንሕና ግና ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም
ንእግዚኣብሄር ከነመስግኖ ኢና።
ሃሌሉያ።
መበል 116 መዝሙር።
1ድምጸይን ምህለላይን ሰሚዑ እዩ እሞ፡
ንእግዚኣብሄር አፍቅሮ እየ።
2እዝኑ ናባይ ኣድኒኑ እዩ እሞ፡
ኵለን መዓልትታተይ ናብኡ ኽምህለል እየ።
3መኣስር ሞት ከበበኒ፡ ጸበባ ሲኦል ሓዘኒ፡
ጭንቀትን መከራን ረኸብኩ።
4ሽዑ ኣነ፡ ዎ ጐይታይ፡ ንነፍሰይ ኣድሕና፡ ኢለ
ስም እግዚኣብሄር ጸዋዕኩ።
5እግዚኣብሄር ርሕሩሕን ጻድቕን እዩ፡
ኣምላኽና ኸኣ መሓሪ እዩ።
6እግዚኣብሄር ንገርህታት ይሕልዎም፡
ኣነ ተሸገርኩ፡ ንሱውን ኣድሓነኒ።
7ነፍሰየ፡ እግዚኣብሄር ሰናይ ገይሩልኪ እዩ እሞ፡
ናብ ዕረፍትኺ ተመለሲ።
8ንነፍሰይ ካብ ሞት፡ ነዒንተይ ካብ ንብዓት፡
ነእጋረይ ካብ ምውዳቕ ኣድሒንካየን ኢኻ እሞ፡
9ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር
ኣብ ሃገር ህያዋን ክመላለስ እየ።
10ኣመንኩ፡ ስለዚ ተዛረብኩ፡ ኣዝየ ተጨኒቐ ነበርኩ።
11ኣነ ብስምባደይ፡ ኵሉ ሰብ ሓሳዊ እዩ፡ በልኩ።
12ኣብ ክንዲ እቲ ሰናይ ዝገበረለይ ኵሉስ፡
ንእግዚኣብሄር እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧
13ጽዋእ ምድሓን ክወስድ፡
ስም እግዚኣብሄር ድማ ክጽውዕ እየ።
14ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቡ
መብጽዓይ ክፍጽም እየ።
15ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር
ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ።
16ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣነ ባርያኻ እየ፡
ባርያኻ፡ ወዲ እታ ባርያኻ እየ፡
መኣስረይ ፈታሕካ።
17መስዋእቲ ምስጋና ኽስውኣልካ፡
ስም እግዚኣብሄር ከኣ ክጽውዕ እየ።
18-19ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቡ፡
ኣብ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር፡
ኣብ ማእከልኪ፡ ዎ የሩሳሌም፡ መብጽዓይ ክፍጽም እየ።
ሃሌሉያ።
መበል 117 መዝሙር።
1ኵሉኹም ኣህዛብ፡ ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፡
ኵሉኹም ህዝብታት፡ ወድስዎ።
2ጸጋኡ ኣባና ዓብዪ እዩ እሞ፡
ሓቂ እግዚኣብሄር ድማ ንዘለኣለም ይነብር እዩ።
ሃሌሉያ።
መበል 118 መዝሙር።
1እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡
ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ኣመስግንዎ።
2ምሕረቱ ንዘለኣለም ከም ዝነብር፡ እስራኤል ይበል።
3ምሕረቱ ንዘለኣለም ከም ዝነብር፡ ቤት ኣሮን ይበል።
4ምሕረቱ ንዘለኣለም ከም ዝነብር፡
እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርህዎ ይበሉ።
5ኣብ ጸበባይ ንእግዚኣብሄር ጸዋዕኩ፡
እግዚኣብሄር መለሰለይ ኣርሓበለይ ድማ።
6እግዚኣብሄር ምሳይ እዩ፡ ኣይፈርህን፡
ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧
7እግዚኣብሄር ምሳይ እዩ፡ ረዳእየይ እዩ፡
ኣብ ጸላእተይ ትምኒተይ ክርኢ እየ።
8ካብ ኣብ ሰብ ምውካልሲ
ኣብ እግዚኣብሄር ምዕቋብ ይሓይስ።
9ካብ ኣብ መሳፍንቲ ምውካልሲ
ኣብ እግዚኣብሄር ምዕቋብ ይሓይስ።
10ኵሎም ኣህዛብ ከበቡኒ፡
ብስም እግዚኣብሄር ክቘርጾም እየ።
11ከበቡኒ፡ እወ ኸበቡኒ፡
ብስም እግዚኣብሄር ክቘርጾም እየ።
12ከም ንህቢ ከበቡኒ፡
ከም ሓዊ ቘጥቋጥ ጠፍኡ፡
ብስም እግዚኣብሄር ክቘርጾም እየ።
13ከተውድቐኒ ኢልካ ኣዚኻ ደፋእካኒ፡
እግዚኣብሄር ግና ረድኣኒ።
14ሓይለይን መዝሙረይን እግዚኣብሄር እዩ፡
ንሱውን ምድሓነይ ኰነ።
15ኣብ ድንኳናት ጻድቃን
ድምጺ እልልታን ምድሓንን ኣሎ፡
የማነይቲ ኢድ እግዚኣብሄር ሓይሊ ትገብር።
16የማነይቲ እግዚኣብሄር ልዕል ትብል፡
የማነይቲ እግዚኣብሄር ሓይሊ ትገብር ኣላ።
17ብህይወት ክነብር እየ እምበር፡ ኣይክመውትን፡
ግብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ከዘንቱ እየ።
18እግዚኣብሄር ኣዝዩ ቐጽዓኒ፡
ንሞት ግና ኣይወፈየንን።
19ብእአን ኣትየ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖስ፡
ደጌታት ጽድቂ ኽፈቱለይ።
20ደገ እግዚኣብሄር እዚኣ እያ፡
ጻድቃን ብእኣ ኽኣትዉ እዮም።
21ሰሚዕካኒ ምድሓነይውን ኴንካ ኢኻ እሞ፡
ከመስግነካ እየ።
22ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡
ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ።
23እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ፡
ነዒንትናውን ግሩም እዩ።
24እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ እያ፡
ብእኣ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን።
25ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣድሕን ኰታ፡
ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣሰልጥን ኰታ።
26እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ፡
ካብ ቤት እግዚኣብሄር ንባርኸኩም ኣሎና።
27እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ እዩ፡ ንሱውን ኣብረሃልና፡
ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት
ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ።
28ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ አመስግነካ፡
ዎ ኣምላኸይ፡ ልዕል አብለካ ኣሎኹ።
29እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡
ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ኣመስግንዎ።
መበል 119 መዝሙር።
ኣሌፍ
1ብመገዶም ፍጹማት ዝዀኑ፡
ብሕጊ እግዚኣብሄር ዝመላለሱ ብጹኣን እዮም።
2ምስክራቱ ዝሕልዉ፡
ብምሉእ ልቢ ዝደልይዎ ብጹኣን እዮም።
3እከይ ኣይገብሩን፡
ብመገድታቱ ኸኣ ይመላለሱ።
4ኣጸቢቑ ምእንቲ ኽሕሎ፡ ትእዛዛትካ ኣዘዝካ።
5ኣየ፡ ስርዓታትካ ኽሕሉስ፡ መገደይ እንተ ዝቐንዕ።
6ንዅሉ ትእዛዛትካ እንተ ዝቋመት፡
ሽዑ ኣይምሓፈርኩን።
7ፍርዲ ጽድቅኻ ምስ ተምሃርኩ፡
ብቕንዕና ልቢ ኸመስግነካ እየ።
8ስርዓታትካ ኽሕሉ እየ፡
ፈጺምካ ኣይትሕደገኒ።
ቤት።
9ጐበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ፧
ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ።
10ብምሉእ ልበይ እደልየካ ኣሎኹ፡
ካብ ትእዛዛትካ ኸየግልስ ኣይትሕደገኒ።
11ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲ፡
ንቓልካ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ።
12ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ብሩኽ ኢኻ፧
ስርዓታትካ ምሃረኒ።
13ንዅሉ ፍርድታት ኣፍካ ብኸናፍረይ ኣዘንቶኹ።
14ብመገዲ ምስክራትካ
ኸም ብዅሉ ሃብቲ ገይረ ተሓጐስኩ።
15ንትእዛዛትካ አስተንትኖ፡
ንመገድኻውን እቋመቶ ኣሎኹ።
16ብስርዓታትካ ባህ እብል፡
ንቓልካ ኣይክርስዖን እየ።
ጋሜል።
17ብህይወት ክነብር፡ ቃልካውን ክሕሉስ፡
ንባርያኻ ሰናይ ግበረሉ።
18ኣብ ሕግኻ ተኣምራት ክርእስ፡
ኣዒንተይ ክፈተለይ።
19ኣነ ኣብ ምድሪ ጋሻ እየ፡
ትእዛዛትካ ኣይትሕብኣለይ።
20ነፍሰይ፡ ኵሉ ግዜ ፍርድኻ ብምንፋቕ ተቐጥቀጠት።
21ነቶም ትዕቢተኛታት፡
ነቶም ካብ ትእዛዛትካ ዘግልሱ ርጉማት ገናሕካ።
22ምስክራትካ ሓልየ እየ እሞ፡
ጸርፍን ንዕቀትን ኣርሕቐለይ።
23መሳፍንቲ ተቐሚጦም እኳ እንተ ሓመዩኒ፡
ባርያኻስ ብስርዓታትካ የስተንትን ኣሎ።
24ምስክራትካ ድማ ባህታይን መኸርተይን እዮም።
ዳሌጥ።
25ነፍሰይ ኣብ ሓመድ ተጣበቐት፡
ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ።
26መገደይ ኣዘንቶኹ፡ ንስኻውን መለስካለይ፡
ስርዓታትካ ምሃረኒ።
27ንተኣምራትካ ኸስተንትኖስ፡
መገዲ ትእዛዛትካ ኣፍልጠኒ።
28ነፍሰይ ብሓዘን ትነብዕ ኣላ፡
ከም ቃልካ ኣደልድለኒ።
29መገዲ ሓሶት ኣርሕቐለይ፡
ሕግኻውን ብሳህልኻ ፍቐደለይ።
30መገዲ ሓቂ መረጽኩ፡
ፍርድታትካ ኣብ ቅድመይ ኣንበርኩ።
31ኣብ ምስክራትካ እጠብቕ፡
ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣይተሕፍረኒ።
32ልበይ ምስ ኣግፋሕካ፡
ብመገዲ ትእዛዛትካ ኽጐዪ እየ።
ሄ።
33ዎ እግዚኣብሄር፡ መገዲ ስርዓታትካ ምሃረኒ፡
ክሳዕ መወዳእታውን ክሕልዎ እየ።
34ምስትውዓል ሃበኒ እሞ፡ንሕግኻ ኽሕልዎ፡
ብምሉእ ልበይውን ክገብሮ እየ።
35ብእኡ ባህ ኢሉኒ እዩ እሞ፡
ብመገዲ ትእዛዛትካ ኣመላልሰኒ።
36ንልበይ ናብ ምስክራትካ እምበር፡
ናብ ስስዐ ገንዘብ ኣይተዝብሎ።
37ነዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን፡
ብመገድኻ ህያው ግበረኒ።
38ነቲ ናብ ፍርሃትካ ዝመርሕ ቃልካ
ኣብ ባርያኻ ኣጽንዓዮ።
39ፍርድታትካ ሰናይ እዩ እሞ፡
ነቲ ዝፈርሆ ጸርፊ ኣርሕቐለይ።
40እንሆ፡ ትእዛዛትካ እናፍቕ ኣሎኹ፡
ብጽድቅኻ ህያው ግበረኒ።
ዋው።
41ዎ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ቓልካ
ምሕረትካን ምድሓንካን ይምጽኣኒ።
42ኣብ ቃልካ ተወኪለ እየ እሞ፡
ነቲ ዝጸርፈኒ ምላሽ ክህቦ እየ።
43ንፍርድታትካ እጽበ ኣሎኹ እሞ፡
ነቲ ቓል ሓቂ ኻብ ኣፈይ ፈጺምካ ኣይተግድፈኒ።
44ኣነውን ንሕግኻ ኣዘውቲረ፡
ኵሉ ግዜ፡ ንዘለኣለም ክሕልዎ እየ።
45ትእዛዛትካ ድማ ደልየ እየ እሞ፡
ብገፊሕ ቦታ ኽመላለስ እየ።
46ኣብ ቅድሚ ነገስታት ከኣ ምስክራትካ ኽዛረብ፡
ኣይክሓፍርን ድማ እየ።
47በቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካውን ባህ ክብል እየ።
48ኣእዳወይ ድማ ናብቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካ ኸልዕል፡
ስርዓታትካ ኸኣ ከስተንትን እየ።
ዛይ።
49ነቲ ንባርያኻ ዘተስፎኻዮ ቓል ዘክር።
50ቃልካ ህያው ገይሩኒ እዩ እሞ፡
እዚ ኣብ መከራይ መጸናንዕየይ እዩ።
51ትዕቢተኛታት ኣዝዮም ኣላገጹለይ፡
ኣነ ግና ካብ ሕግኻ ኣየግለስኩን።
52ጐይታየ፡ ናይ ጥንቲ ፍርድታትካ እናሓሰብኩ፡
እጸናናዕ ኣሎኹ።
53ብሰሪ እቶም ሕግኻ ዝሓደጉ ረሲኣን
ብቑጥዓ ተቓጸልኩ።
54ኣብ ቤት ግሽነተይ ስርዓታትካ መዝሙራተይ እዩ።
55ዎ እግዚኣብሄር፡ ብለይቲ ስምካ ሓሰብኩ፡
ሕግኻውን ሓሎኹ።
56ትእዛዛትካ ሓልየ እየ እሞ፡ እዚ ዕድለይ ኰነ።
ሔት።
57ጐይታየ፡ ምሕላው ቃልካ ግደይ እዩ፡ በልኩ።
58ብምሉእ ልበይ ኣባኻ እምህለል ኣሎኹ፡
ከም ቃልካ ምሓረኒ።
59ንመገደይ ሓሰብኩ፡
ኣእጋረይውን ናብ ምስክራትካ መለስኩ።
60ትእዛዛትካ ንምሕላው
ቀልጠፍኩ እምበር፡ ኣይደንጔኹን።
61ኣግማድ ረሲኣን ከበበኒ፡
ሕግኻ ግና ኣይረሳዕኩን።
62ስለቲ ጻድቕ ፍርድኻ ኸመስግነካ፡
ፍርቂ ለይቲ ኽትንስእ እየ።
63ኣነ ብጻይ እቶም ዝፈርሁኻ ዅሎምን
ትእዛዛትካ ዝሕልዉን እየ።
64ጐይታየ፡ ምድሪ ብጸጋኻ መሊኣ ኣላ፡
ስርዓታትካ ምሃረኒ።
ጤት።
65ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ቃልካ ንባርያኻ ሰናይ ገበርካሉ።
66ትእዛዛትካ ኣሚነ ኣሎኹ እሞ፡
ሰናይ ምስትውዓልን ፍልጠትን ምሃረኒ።
67ከይተዋረድኩ ተጋገኹ፡
ሕጂ ግና ቓልካ እሕሉ ኣሎኹ።
68ንስኻ ሰናይ ኢኻ እሞ፡ ሰናይ ትገብር ኣሎኻ፡
ስርዓታትካ ምሃረኒ።
69ትዕቢተኛታት ሓሶት ይፍሕሱለይ ኣለዉ፡
ኣነ ግና ብምሉእ ልበይ ትእዛዛትካ እሕሉ ኣሎኹ።
70ልቦም ከም ስብሒ ረጐደ፡
ኣነ ግና ብሕግኻ ባህ እብል ኣሎኹ።
71ስርዓታትካ ምእንቲ ኽምሃር፡
ውርደተይ ሰናይ ኰነለይ።
72ካብ ኣእላፋት ወርቅን ብሩርንሲ ሕጊ ኣፍካ ይሕሸኒ።
ዩድ።
73ኣእዳውካ ገበራንን ሰርሓንን፡
ትእዛዛትካ ኽምሃርሲ፡ ኣለብመኒ።
74ንቓልካ ተጸብየ እየ እሞ፡
እቶም ዝፈርሁኻ ርእዮምኒ ኽሕጐሱ እዮም።
75ጐይታየ፡ ፍርድኻ ጽድቂ ምዃኑ፡
ብሓቅኻውን ከም ዘዋረድካኒ፡ እፈልጥ ኣሎኹ።
76ከምቲ ንባርያኻ ዝበልካዮ ቓል፡
ጸጋኻ መጸናንዒ ይኹነኒ።
77ሕግኻ ደስታይ እዩ እሞ፡
ብህይወት ክነብርሲ፡ ምሕረትካ ይውረደኒ።
78ዕቡያት ብሓሶት ጠውዮምኒ እዮም እሞ፡ ይሕፈሩ፡
ኣነ ግና ትእዛዛትካ አስተንትን ኣሎኹ።
79እቶም ዝፈርሁኻን ምስክራትካ ዝፈልጡን
ናባይ ይመለሱ።
80ምእንቲ ኸይሓፍርሲ፡
ልበይ ብስርዓታትካ ፍጹም ይኹን።
ካፍ።
81ነፍሰይ ንምድሓንካ ትናፍቖ ኣላ፡
ንቓልካ እጽበዮ ኣሎኹ።
82መኣዝ ኢኻ እተጸናንዓኒ፧ እናበልኩ፡
ብናፍቖት ቃልካ ኣዒንተይ ሓመቓ።
83ከም ኣብ ትኪ ዘሎ ሓርቢ ዀንኩ፡
ስርዓታትካ ግና ኣይረሳዕኩን።
84መዓልትታት ባርያኻ ኽንደይ እየን፧
ንሰጐጕተይከ መኣዝ ኢኻ እትፈርዶም፧
85እቶም ከም ሕግኻ ዘይነብሩ ትዕቢተኛታት
ጕድጓድ ኰዓቱለይ።
86ኵሉ ትእዛዛትካ ሓቂ እዩ፡
ብዘይ ምኽንያት ይሰጉኒ ኣለዉ፡ ርድኣኒ።
87ካብ ምድሪ ኸጥፍኡኒ ቕሩብ ተረፎም፡
ኣነ ግና ትእዛዛትካ ኣይሓደግኩን።
88ከም ጸጋኻ ህያው ግበረኒ፡
ኣነውን ምስክር ኣፍካ ኽሕሉ እየ።
ላሜድ።
89ዎ እግዚኣብሄር፡
ቃልካ ንዘለኣለም ኣብ ሰማይ ጸኒዑ ኣሎ።
90ሓቅኻ ኻብ ወለዶ ንወለዶ እዩ፡
ንምድሪ ኣጽኒዕካያ፡ ንሳውን ትነብር ኣላ።
91ብዘሎ ዅሉ ንኣኻ የገልግል እዩ እሞ፡
ክሳዕ ሎሚ ኸም ሕጋጋትካ ቘይሙ ኣሎ።
92ሕግኻ ደስታይ እንተ ዘይነብርሲ፡
ዛጊት ብመከራይ ምጠፋእኩ ነይረ።
93ብእኡ ህያው ጌርካኒ ኢኻ እሞ፡
ንትእዛዛትካ ከቶ ኣይክርስዖን እየ።
94ትእዛዛትካ ደልየ እየ እሞ፡
ናትካ እየ፡ ኣድሕነኒ።
95ረሲኣን፡ ምእንቲ ኸጥፍኡኒ፡ ይጸናተውኒ ኣለዉ፡
ኣነ ግና ንምስክራትካ አስተብህሎ ኣሎኹ።
96ኵሉ ፍጽምነት መወዳእታኡ ርኤኹ፡
ትእዛዛትካ ግና ኣዝዩ ርሒብ እዩ።
ሜም።
97ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ፡
ምሉእ መዓልቲ አስተንትኖ ኣሎኹ።
98ትእዛዛትካ ንሓዋሩ ምሳይ እዩ እሞ፡
ሓለፋ ጸላእተይ ኣለበመኒ።
99ምስክራትካ ምስትንታነይ እዩ እሞ፡
ሓለፋ ዅሎም መምህራነይ ለባም ኰንኩ።
100ትእዛዛትካ ሓልየ እየ እሞ፡
ሓለፋ እቶም ሽማግሌታት ኣእምሮ ኣሎኒ።
101ቃልካ ምእንቲ ኽሕሉስ፡
ኣእጋረይ ካብ ክፉእ ዘበለ መገዲ ኸልከልኩ።
102ንስኻ ምሂርካኒ ኢኻ እሞ፡
ካብ ፍርድኻ ኣይርሕቕን እየ።
103ቃላትካ ንትንሓገይ እምብዛ ጥዑም እዩ፡
ንኣፈይ ካብ መዓር ዝበለጸ ይምቅራ።
104ሳላ ትእዛዛትካ ኣእምሮ ረኸብኩ፡
ስለዚ ዅሉ መገዲ ሓሶት ጸላእኩ።
ኑን።
105ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፡ንመገደይ ብርሃን እዩ።
106ንፍርድታት ጽድቅኻ ኽሕሉ መሓልኩ፡
ኣጽናዕክዎ ኸኣ።
107ኣዝየ ተጨነቕኩ፡
ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ።
108ዎ እግዚኣብሄር፡ ፍርድታትካ ምሃረኒ፡
እቲ ፈትየ ዘቕርበልካ መስዋእቲ ኣፈይ ባህ የብልካ።
109ነፍሰይ ኵሉ ግዜ ኣብ ኢደይ እያ፡
ኣነ ግና ሕግኻ ኣይርስዕን እየ።
110ረሲኣን መፈንጠርያ ኣጻውዱለይ፡
ኣነ ግና ካብ ትእዛዛትካ ኣየግለስኩን።
111ምስክራትካ ሓጐስ ልበይ እዩ እሞ፡
ንዘለኣለም ርስተይ ገበርክዎ።
112ስርዓታትካ ንሓዋሩ ኽሳዕ መወዳእታ ኽገብር፡
ልበይ ኣድነንኩ።
ሳሜኽ።
113ክልተ ዝልቦም ጸላእኩ፡
ሕግኻ ግና ፈቶኹ።
114ንስኻ መዕቈብየይን ዋልታይን ኢኻ፡
ብቓልካ ተስፋ እገብር ኣሎኹ።
115ትእዛዛት ኣምላኸይ ክሕሉስ፡
ኣቱም ሕሱማት፡ ካባይ ርሓቑ።
116ብህይወት ክነብርሲ፡ ከም ቃልካ ደግፈኒ፡
ብተስፋይ ድማ ኣይተሕፍረኒ።
117ምእንቲ ኽድሕን ደግፈኒ፡
ንስርዓታትካውን ኵሉ ግዜ ኽቛመቶ እየ።
118ተንኰሎም ሓሶት እዩ እሞ፡
ነቶም ካብ ስርዓታትካ ዘግልሱ ዅሎም ትረግጾም።
119ንስኻ ንዅሎም ረሲኣን ምድሪ
ኸም ሓርኢ ሓጺን ትጕሕፎም፡
ስለዚ ንምስክራትካ ኣፍቀርኩ።
120ካብ ስምባድካ እተላዕለ ስጋይ ይርዕድ፡
ፍርድኻውን የሸብረኒ ኣሎ።
ዓይን።
121ፍርድን ጽድቅን እገብር ኣሎኹ፡
ነቶም ጠቓዕተይ ኣሕሊፍካ ኣይትሃበኒ።
122ንባርያኻ ብሰናይ ተወሓሶ፡
ዕቡያት ክጠቕዑኒ ኣይትፍቀደሎም።
123ኣዒንተይ ብናፍቖት ምድሓንካን
ቃል ጽድቅኻን ሓመቓ።
124ከም ጸጋኻ ንባርያኻ ግበረሉ፡
ስርዓታትካ ኸኣ ምሃረኒ።
125ኣነ ባርያኻ እየ፡
ምስክራትካ ኽፈልጥሲ፡ ኣእምሮ ሃበኒ።
126ሕግኻ ኣፍሪሶም እዮም እሞ፡
እግዚኣብሄር ግብሩ ዝገብረሉ ግዜ እዩ።
127ስለዚ ንትእዛዛትካ ኻብ ወርቂ፡
ካብ ጽሩይ ወርቂ ኣብሊጸ እፈትዎ ኣሎኹ።
128ስለዚ ትእዛዛትካ ዘበለ ዅሉ ቕኑዕ ምዃኑ እቘጽሮ፡
መገዲ ሓሶት ዘበለ ኸኣ እጸልኦ ኣሎኹ።
ፌ።
129ምስክራትካ መስተንክር እዩ፡
ስለዚ ነፍሰይ ትሕልዎ።
130ምኽፋት ቃልካ የብርህ፡
ንገርህታት ኣእምሮ ይህብ።
131ትእዛዛትካ ናፊቐ እየ እሞ፡
ኣፈይ ሃህ ኣቢለ እህህ እብል ኣሎኹ።
132ከምቲ ነቶም ስምካ ዝፈትዉ እትገብረሎም፡
ተመለሰንን ምሓረንን።
133ንስጕምተይ ኣብ ቃልካ ኣጽንዓዮ፡
እከይ ድማ ከቶ ኣይምለኸኒ።
134ካብ መጥቃዕቲ ሰብ ተበጀወኒ፡
ኣነውን ትእዛዛትካ ኽሕሉ እየ።
135ገጽካ ንባርያኻ ኣብርሃሉ፡
ስርዓታትካ ኸኣ ምሃረኒ።
136ሕግኻ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፡
ኣዒንተይ ወሓዚ ማይ የፍስሳ ኣለዋ።
ጻዴ።
137ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ጻድቕ ኢኻ፡
ፍርድኻ ድማ ቅኑዕ እዩ።
138ብጽድቅን ብዕዙዝ ሓቅን ምስክራትካ ኣዘዝካ።
139ተጻረርተይ ቃልካ ረሲዖም እዮም እሞ፡
ቅንኣተይ ይበልዓኒ ኣሎ።
140ቃልካ ኣዝዩ ጽሩይ እዩ፡
ባርያኻውን የፍቅሮ ኣሎ።
141ኣነ፡ ንኡስን ንዑቕን እየ፡
ትእዛዛትካ ግና ኣይረሳዕኩን።
142ጽድቅኻ ናይ ዘለኣለም ጽድቂ እዩ፡
ሕግኻውን ሓቂ እዩ።
143መከራን ሽጋርን ረኸበኒ፡
ትእዛዛትካ ግና ደስታይ እዩ።
144ምስክራትካ ንዘለኣለም ጽድቂ እዩ፡
ኣእምሮ ሃበኒ እሞ፡ ብህይወት ክነብር እየ።
ቆፍ።
145ብምሉእ ልበይ እምህለል ኣሎኹ
ዎ እግዚኣብሄር፡ ምለሰለይ፡
ስርዓታትካ ኽሕሉ እየ።
146ናባኻ ተማህለልኩ፡ ኣድሕነኒ፡
ምስክራትካውን ክሕሉ እየ።
147ቅድሚ ወጋሕታ መጺአ ኣእወኹ፡
ንቓልካ እጽበ እኔኹ።
148ንቓልካ ኸስተንትንሲ፡
ኣዒንተይ ነቶም ናይ ለይቲ ሓለውቲ ቐደማኦም።
149ከም ሳህልኻ ድምጸይ ስማዕ፡
ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ፍርድኻ ህያው ግበረኒ።
150ንሕሰም ዝስዕቡ ይቐርቡ ኣለዉ፡
ካብ ሕግኻ ረሓቑ።
151ዎ እግዚኣብሄር፡ ቀረባ ኢኻ፡
ኵሉ ትእዛዛትካ ኸኣ ሓቂ እዩ።
152ንዘለኣለም ከም ዝመስረትካዮ፡
ካብ ጥንቲ ጀሚረ ብምስክራትካ ፈለጥኩ።
ሬሽ።
153ሕግኻ ኣይረሳዕኩን እሞ፡
መከራይ ርኢኻ ኣናግፈኒ።
154ጠበቓይ ኩን እሞ ተበጀወኒ፡
ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ።
155ረሲኣን ስርዓታትካ ኣይደልዩን እዮም እሞ፡
ምድሓንካ ኻብኦም ረሓቐ።
156ዎ እግዚኣብሄር፡ርህራሀኻ ዓብዪ እዩ፡
ከም ፍርድኻ ህያው ግበረኒ።
157ሰጐጕተይን ተጻረርተይን ብዙሓት እዮም፡
ኣነ ኻብ ምስክራትካ ኣየግለስኩን።
158ቃልካ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፡
ንጠለምቲ ርእየ ፈንፈንክዎም።
159ዎ እግዚኣብሄር፡ ንትእዛዛትካ ኸም ዘፍቅሮ ርኤ፡
ከም ሳህልኻ ህያው ግበረኒ።
160ብዘሎ ቓልካ ሓቂ እዩ፡
ኵሉ ፍርዲ ጽድቅኻ ድማ ንዘለኣለም ይነብር።
ሲን።
161መሳፍንቲ ብዘይ ምኽንያት ሰጐጉኒ፡
ልበይ ግና ቃልካ እዩ ዝፈርህ።
162ከምቲ ብዙሕ ምርኮ ዝማረኸ፡
ብቓልካ ባህ ይብለኒ ኣሎ።
163ንሓሶት እጸልኦን እፍንፍኖን፡
ንሕግኻ ግና አፍቅሮ ኣሎኹ።
164ስለ ጽድቂ ፍርድኻ
ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ አመስግነካ ኣሎኹ።
165እቶም ሕግኻ ዘፍቅሩ ብዙሕ ሰላም ኣለዎም፡
ዘዐንቅፎም ከኣ የልቦን።
166ዎ እግዚኣብሄር፡ ንምድሓንካ ተጸበኽዎ፡
ትእዛዛትካ ድማ ገበርኩ።
167ነፍሰይ ንምስክራትካ ሓለወቶ፡
ኣዝየውን አፍቅሮ ኣሎኹ።
168ኵሉ መገደይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ እሞ፡
ትእዛዛትካን ምስክራትካን ሓሎኹ።
ታው።
169ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣውያተይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፡
ከም ቃልካ ኣእምሮ ሃበኒ።
170ምህለላይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፡
ከም ቃልካ ኣናግፈኒ።
171ስርዓታትካ ምሂርካኒ ኢኻ እሞ፡
ከናፍረይ ምስጋናኻ ኸፈልፍላ እየን።
172ኵሉ ትእዛዛትካ ጽድቂ እዩ እሞ፡
ልሳነይ ንቓልካ ኽትነግር እያ።
173ትእዛዛትካ ሓርየ እየ እሞ፡
ኢድካ ረዳኢተይ ትኹን።
174ጐይታየ፡ ምድሓንካ እናፍቕ ኣሎኹ፡
ሕግኻውን ደስታይ እዩ።
175ንነፍሰይ ህያው ግበራ፡
ንሳ ኸኣ ከተመስግነካ እያ፡
ፍርድታትካውን ይርድኣኒ።
176ከም ጥፍእቲ በጊዕ ተባረርኩ፡
ትእዛዛትካ ኣይረሳዕኩን እሞ፡ ንባርያኻ ድለዮ።
መበል 120 መዝሙር።
መዝሙር ምድያብ።
1ብጸበባይ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፡
ንሱውን መለሰለይ።
2ዎ እግዚኣብሄር፡ ንነፍሰይ ካብ ሓሳዊት ከንፈር፡
ካብ ወስላታ መልሓስ ኣናግፋ።
3ኣቲ ወስላታ መልሓስ፡ እንታይ ክህቡኺ፧
እንታይሲ ኽውስኹኺ እዮም፧
4ናይ ጅግና በላሕቲ ፍላጻ፡ ምስ ጓህሪ ሰራው።
5ወይለይ፡ ኣብ ሜሴክ እሰፍር፡
ኣብ ማእከል ድንኳናት ቄዳር እነብር ኣሎኹ።
6ነፍሰይ ምስቶም ሰላም ዝጸልኡ፡ ብዙሕ ግዜ ነበረት።
7ኣነስ ሰላማዊ እየ፡ ንሳቶም ግና፡
እንተ ተዛረብኩ፡ ንውግእ ይስለፉ ኣለዉ።
መበል 121 መዝሙር።
መዝሙር ምድያብ።
1ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል ኣሎኹ።
ረዲኤተይ ካበይ እዩ ዝመጸኒ፧
2ረዲኤተይሲ ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ
እግዚኣብሄር እዩ ዝመጸኒ።
3ንሱ ንእግርኻ ኣየሰናኽልን፡
ሓላዊኻ ኣይታኸስን።
4እንሆ፡ እቲ ንእስራኤል ዝሕሉ
ኣይታኸስን ኣይድቅስን እዩ።
5እግዚኣብሄር ሓላዊኻ እዩ፡
እግዚኣብሄር ኣብ የማነይቲ ኢድካ ጽላልካ እዩ።
6ጸሓይ ብመዓልቲ፡
ወርሒውን ብለይቲ ኣይክወቕዓካን እዩ።
7እግዚኣብሄር ካብ እከይ ዘበለ ኽሕልወካ፡
ንነፍስኻ ኽሕልዋ እዩ።
8እግዚኣብሄር ካብ ሕጂ ንዘለኣለም
ምውጻእካን ምእታውካን ክሕሉ እዩ።
መበል 122 መዝሙር።
መዝሙር ምድያብ፡ ናይ ዳዊት።
1ናብ ቤት እግዚኣብሄር ንኺድ፡ ምስ በሉኒ ተሓጐስኩ።
2ዎ የሩሳሌም፡ ኣእጋርና ኣብ ደጌታትኪ ቘይመን ኣለዋ።
3ኣቲ የሩሳሌም፡
ከም ንሓድሕዳ እተጋጠመት ከተማ ተሃነጽኪ።
4እቶም ዓሌታት፡ ናይ እግዚኣብሄር ዓሌታት፡
ከምቲ ምስክር እስራኤል
ንስም እግዚኣብሄር ክውድሱ ናብኣ ይድይቡ።
5ኣብኣ ዝፋናት ፍርዲ፡
ዝፋናት ቤት ዳዊት ተነቢሩ ኣሎ።
6ንየሩሳሌም ሰላም ለምኑላ፡
እቶም ዘፍቅሩኺ ኽለምዑ እዮም።
7ኣብ ውሽጢ መካበብያኺ ሰላም፡
ኣብ ውሽጢ ኣዳራሻትኪ ኸኣ ልምዓት ይኹን።
8ስለ ኣሕዋተይን ብጾተይን፡ ሰላም ይዅነልኪ፡ እብል።
9ስለ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢለ፡
ሰናይኪ እደሊ ኣሎኹ።
መበል 123 መዝሙር።
መዝሙር ምድያብ።
1ኣታ ኣብ ሰማያት እትነብር፡
ኣዒንተይ ናባኻ አልዕል ኣሎኹ።
2እንሆ፡ ከምቲ ኣዒንቲ ባሮት ናብ ኢድ ጐይታኦም፡
ከምቲ ኣዒንቲ ገረድ ናብ ኢድ እምቤታ ዝጥምታ፡
ከምኡውን ኣዒንትና፡ ንሱ ኽሳዕ ዝርሕርሓልና፡
ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይጥምታ ኣለዋ።
3ምሓረና፡ ንዕቀት ኣዚና ጸጊብና ኢና እሞ፡
ጐይታየ፡ ምሓረና።
4ነፍስና ብላግጺ ሕንቁቓትን ብንዕቀት ዕቡያትን
ኣዝያ ጸገበት።
መበል 124 መዝሙር።
መዝሙር ምድያብ፡ ናይ ዳዊት።
1እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዘይነብርሲ፡
— ይበል እስራኤል፡—
2እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዘይነብር፡
ሰብ ክትንስኡና ኸለዉ፡
3ሓርቖቶም ኣብ ልዕሌና ኽነድድ ከሎ፡
ሽዑ ብህይወት ከሎና ምወሓጡና፡
4ሽዑ ማያት መጥሓለና፡
ውሒዝ ብልዕሊ ነፍስና ምወሓዘ፡
5ሽዑ ዕቡይ ማያት ብልዕሊ ነፍስና ምሓለፈ ነይሩ።
6እቲ ንምንጫቶ ኣስናኖም ክንከውን ዘይወፈየና
እግዚኣብሄር ይባረኽ።
7ነፍስና ኸም ዑፍ ካብ መፈንጠራ ሃዳናይ ኣምለጠት፡
መፈንጠራ ተበትከ፡ ንሕናውን ኣምለጥና።
8ረዲኤትና ብስም እቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ
እግዚኣብሄር እዩ።
መበል 125 መዝሙር።
መዝሙር ምድያብ።
1እቶም ብእግዚኣብሄር ዝውከሉ ኸምታ ዘይትናወጽ፡
ንዘለኣለም እትነብር ከረን ጽዮን እዮም።
2ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ኣኽራን ኣሎ፡
እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም
ኣብ ዙርያ ህዝቡ እዩ።
3ስለዚ ጻድቃን ኣእዳዎም ናብ ዓመጻ ኸይዝርግሑስ፡
በትሪ ረሲእነት ኣብ ርስቲ ጻድቃን ኣይነብርን እዩ።
4ጐይታየ፡ ንሰናያትን ንቕኑዓት ልብን ሰናይ ግበረሎም።
5ነቶም ናብ ጥውጥዋይ መገዶም ዘግልሱ ግና
እግዚኣብሄር ምስቶም ገበርቲ እከይ ክሰዶም እዩ።
ሰላም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ይኹን።
መበል 126 መዝሙር።
መዝሙር ምድያብ።
1እግዚኣብሄር ንምሩኻት ጽዮን ምስ መለሶም፡
ከም ሓለምቲ ነበርና።
2ሽዑ ኣፍና ብሰሓቕ፡ መልሓስናውን ብእልልታ መልአ።
ሽዑ ኣህዛብ፡
ነዚኣቶም እግዚኣብሄር ዓብዪ ግብሪ ገይሩሎም፡ ተባሃሀሉ።
3እግዚኣብሄር ዓብዪ ግብሪ ገበረልና፡
ንሕናውን ተሓጐስና።
4ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ንወሓይዝ ደቡብ ጌርካ
ንምሩኻትና ምለሶም።
5ብንብዓት ዝዘርኡ ብእልልታ ይዓጽዱ።
6ዘርኢ ተሰኪሙ ብብኽያት ይወፍር፡
እንዳእቱ ተሰኪሙ ብእልልታ ይምለስ።
መበል 127 መዝሙር።
መዝሙር ምድያብ፡ ናይ ሰሎሞን።
1እግዚኣብሄር ንቤት እንተ ዘይሃነጻ፡
ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ።
እግዚኣብሄር ንኸተማ እንተ ዘይሓለዋ፡
ሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ።
2ኣንጊህኩም ምትንሳእኩም፡
ኣምሲኹም ምድቃስኩም፡
እንጌራ ጻዕሪ ምብላዕኩም ከንቱ እዩ፡
እዝስ ንፍቁራቱ ደቂሶም ከለዉ ይህቦም እዩ።
3እንሆ፡ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም።
ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።
4ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻ፡
ውሉድ ንእስነት ከምኡ እዮም።
5ጕልድባኡ ብእኦም ዝመልአ ሰብኣይ ብጹእ እዩ፡
ኣብ ደገ ምስ ጸላእቲ እንተ ተዛረቡ፡ ኣይሓፍሩን እዮም።
መበል 128 መዝሙር።
መዝሙር ምድያብ።
1ንእግዚኣብሄር ዝፈርህ፡
ብመገዱ ዝመላለስ ዘበለ ሰብ ብጹእ እዩ።
2ዕዮ ኣእዳውካ ኽትበልዕ ኢኻ እሞ፡ብጹእ ኢኻ፡
ደሓንውን ክትረክብ ኢኻ።
3ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ
ኸም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን።
ውሉድካ ኣብ ዙርያ መኣድኻ
ኸም ተኽሊ ኣውሊዕ ክዀኑ እዮም።
4እንሆ፡ ንእግዚኣብሄር ዝፈርህ ሰብ
ከምዚ ኢሉ ኽባረኽ እዩ።
5እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ክባርኸካ፡
ኵለን መዓልትታት ህይወትካ ድማ
ሰናይ የሩሳሌም ክትርኢ ኢኻ።
6ደቂ ደቅኻውን ክትርኢ ኢኻ።
ሰላም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ይኹን።
መበል 129 መዝሙር።
መዝሙር ምድያብ።
1ካብ ንእስነተይ ጀሚሮም ብዙሕ ግዜ ኣጻበቡለይ፡
— ይበል እስራኤል፡—
2ካብ ንእስነተይ ጀሚሮም ብዙሕ ግዜ ኣጻበቡለይ፡
ግናኸ ኣይሰዓሩንን።
3ሓረስቶት ኣብ ዝባነይ ሓረሱ፡
ትልምታቶም ኣንውሑ።
4እግዚኣብሄር ጻድቕ እዩ፡
ኣግማድ ረሲኣን በተኸ።
5ንጽዮን ዝጸልኡ ዅላቶም ይሕፈሩ፡
ንድሕሪትውን ይመለሱ።
6-7ከምቲ ሳዕሪ ናሕሲ፡ ዓጻዲ ኢዱ መሊኡ ዘይዓትረሉ፡
መልዓል እንዳእቲውን መሊኡ ዘይሓቑፈሉ፡
ከይዓበየ ዝሃጕግ ይኹኑ።
8ሓለፍቲ መገዲ ድማ፡
በረኸት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ይኹን፡
ብስም እግዚኣብሄር ንባርኸኩም ኣሎና፡ ኣይብሉን።
መበል 130 መዝሙር።
መዝሙር ምድያብ።
1ዎ እግዚኣብሄር፡ ካብ ዓሚቑ ናባኻ ኣእወኹ።
2ጐይታየ፡ ድምጸይ ስማዕ፡
ኣእዛንካ ናብ ድምጺ ምህለላይ የቕልባ።
3ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ፡
ጐይታየ፡ መን ደው ክብል እዩ፧
4ግናኸ ምእንቲ ኽፈርሁኻ፡ ይቕሬታ ምሳኻ ኣሎ።
5ንእግዚኣብሄር እጽበ፡ ነፍሰይ ትጽበ ኣላ፡
ብቓሉውን ተስፋ እገብር ኣሎኹ።
6ሓለፋ እቶም ወጋሕታ ዝጽበዩ ሓለውቲ፡
እወ፡ ሓለፋ እቶም ወጋሕታ ዝጽበዩ ሓለውቲ
ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ትጽበዮ ኣላ።
7ሳህሊ ኣብ እግዚኣብሄር፡
ብዙሕ ምድሓን ከኣ ኣብኡ እዩ እሞ፡
ዎ እስራኤል፡ ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ።
8ንሱውን ንእስራኤል ካብ ኵሉ ኣበሳኡ ኸድሕኖ እዩ።
መበል 131 መዝሙር።
መዝሙር ምድያብ፡ ናይ ዳዊት።
1ዎ እግዚኣብሄር፡ ልበይ ኣይተዓበየን፡
ኣዒንተይ ከኣ ልዕል ኣይበላን፡
ኣብ ዓብይን ዘየስተውዕሎን ነገር ኣይመላለስን።
2ንነፍሰይ ኣህዳእክዋ፡ ስቕ ኣበልክዋ፡
ከም ጡብ ዝሓደገ ሕጻን ኣብ ሕቑፊ ኣዲኡ፡
ነፍሰይ ከምቲ ጡብ ዝሓደገ ሕጻን ኣባይ ከምኡ እያ።
3ኣታ እስራኤል፡
ካብ ሕጂ ንዘለኣለም ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር።
መበል 132 መዝሙር።
መዝሙር ምድያብ።
1ዎ እግዚኣብሄር፡ ንዳዊት ኵሉ መከራኡ ዘክረሉ።
2-5ንሱ ንእግዚኣብሄር ከም ዝመሓለ፡ ቦታ እግዚኣብሄር፡
መሕደሪ ነቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ክሳዕ ዝረክብሲ፡
ብሓቂ ናብ ድንኳን ቤተይ ኣይኣቱን፡
ኣብ መንጸፍ ዓራተይ ኣይድይብን፡
ነዒንተይ ድቃስ፡
ንዀበሮ ዓይነውን ሰለምታ ኣይህብን፡ ኢሉ
ነቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ከም እተመባጽዐ፡ ዘክረሉ።
6እንሆ፡ ብዛዕባኣ ኣብ ኤፍራታ ሰማዕና፡
ኣብ መሮር ያዓር ረኸብናያ።
7ናብ ማሕደሩ ንእቶ፡
ኣብ መርገጽ እግሩ ንስገድ።
8ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻን ታቦት ሓይልኻን ተንስእ፡
ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ።
9ካህናትካ ጽድቂ ይልበሱ፡
ቅዱሳንካ ድማ እልል ይበሉ።
10ምእንቲ ዳዊት ባርያኻ ኢልካ ገጽ ቅቡእካ ኣይትምለስ።
11-12እግዚኣብሄር ንዳዊት፡
ካብ ፍረ ኸርስኻ ኣብ ዝፋንካ ከቐምጥ እየ፡
ውሉድካ ኺዳነይን
ነቲ ዝምህሮም ምስክረይን እንተ ሓለዉ፡
ውሉዶም ድማ ኣብ ዝፋንካ
ንሓዋሩ ኽቕመጡ እዮም፡ ኢሉ
ብሓቂ መሓለሉ፡ ካብኡ ኣይክርሕቕን እዩ።
13እግዚኣብሄር ንጽዮን ሓርይዋ እዩ እሞ፡
መሕደሪኡ ኽትከውን በሃጋ፡
14እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ እያ፡
ብሂገያ እየ እሞ፡ ኣብዚኣ ኽነብር እየ።
15ንሲሳያ ኣጸቢቐ ኽባርኾ፡
ንድኻታታ እንጌራ ኸጽግቦም እየ።
16ንኻህናታ ምድሓን ከልብሶም እየ፡
ቅዱሳና ኸኣ ብሓጐስ እልል ክብሉ እዮም።
17ኣብኣ ቐርኒ ዳዊት ከብቍል እየ፡
ንቕቡአይ መብራህቲ ኣዳሎኹ።
18ንጸላእቱ ነውሪ ኸልብሶም እየ፡
ኣብ ልዕሊኡ ግና ዘውዲ ኸንጸባርቕ እዩ።
መበል 133 መዝሙር።
መዝሙር ምድያብ፡ ናይ ዳዊት።
1እንሆ፡ ኣሕዋት ብሓደ ሓቢሮም ክነብሩስ፡
ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ።
2ከምቲ ኽቡር ዘይቲ ኣብ ርእሲ፡
ኣብ ጭሕሚ፡ ኣብ ጭሕሚ ኣሮን፡
ናብቲ ዘፈር ልብሱ ዝወርድ እዩ።
3እግዚኣብሄር ኣብኣ
በረኸትን ህይወትን ንዘለኣለምን ኣዚዙ እዩ እሞ፡
ከምቲ ናብ ኣኽራን ጽዮን ዝወርድ ጠሊ ሄርሞን እዩ።
መበል 134 መዝሙር።
መዝሙር ምድያብ።
1እንሆ፡ ኣቱም ብለይቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እትቘሙ
ኵሉኹም ባሮት እግዚኣብሄር፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።
2ኣእዳውኩም ናብ መቕደሱ ኣልዕሉ፡
ንእግዚኣብሄር ከኣ ባርኽዎ።
3ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር
ካብ ጽዮን ይባርኽካ።
መበል 135 መዝሙር።
1-2ሃሌሉያ።
ኣቱም ባሮት እግዚኣብሄር፡ ስም እግዚኣብሄር ኣመስግኑ፡
ኣቱም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፡
ኣብ ኣጸድ ቤት ኣምላኽና እትቘሙ፡ ኣመስግንዎ።
3እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፡ ኣመስግንዎ።
ግሩም እዩ እሞ፡ ንስሙ ምስጋና ዘምሩሉ።
4እግዚኣብሄር ንያእቆብ ናቱ፡
ንእስራኤል ከኣ ጥሪቱ ክኸውን ሓረዮ።
5እግዚኣብሄር ዓብዪ ምዃኑ፡
ጐይታና ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ምዃኑ
እፈልጥ ኣሎኹ እሞ፡
6እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይን ምድርን፡
ኣብ ባሕርን መዓሙቑን ዝደለዮ ዘበለ ይገብር እዩ።
7ንግመ ኻብ ወሰን ምድሪ የልዕሎ፡
ንመባርቕ ኣብ ዝናም ይገብሮ፡
ንንፋስ ካብ መዝገቡ የውጽኦ።
8ንበዅሪ ግብጺ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፡ ወቕዐ።
9ዎ ምስሪ፡ ኣብ ማእከልኪ፡
ኣብ ፈርኦንን ኣብ ኵሎም ባሮቱን
ትእምርትን ተኣምራትን ሰደደ።
10-11ንዓበይቲ ኣህዛብ ወቕዐ፡
ንስልጡናት ነገስታት ከኣ፡
ንሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንን ንኦግ ንጉስ ባሳንን
ንዅሎም መንግስታት ከነኣንን ቀተለ።
12ምድሮምውን ንርስቲ ሃበ፡
ንህዝቡ እስራኤል ኣውርሶም።
13ዎ እግዚኣብሄር፡ ስምካ ንዘለኣለም፡
ኣታ ጐይታይ፡ ዝኽርኻ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።
14እግዚኣብሄር ንህዝቡ ይብይነሎም እዩ እሞ፡
ንባሮቱ ይርሕርሓሎም።
15ጣኦታት ኣህዛብሲ ብኢድ ሰብ እተገብሩ
ብሩርን ወርቅን እዮም።
16ኣፍ ኣለዎም፡ ኣይዛረቡን፡
ኣዒንቲ ኣለዎም፡ ኣይርእዩን፡
17ኣእዛን ኣለዎም፡ ኣይሰምዑን እዮም።
ኣብ ኣፎም ድማ ትንፋስ የልቦን።
18እቶም ዝገብርዎም
ዝውከልዎም ዘበሉ ኸማታቶም ክዀኑ እዮም።
19ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ፡
ኣቱም ቤት ኣሮን፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ፡
20ኣቱም ቤት ሌዊ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ፡
ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሁ፡
ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።
21ኣብ የሩሳሌም ዝነብር እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ይባረኽ።
ሃሌሉያ።
መበል 136 መዝሙር።
1እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፡
ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ኣመስግንዎ።
2ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ንኣምላኽ ኣማልኽቲ ኣመስግንዎ።
3ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ንጐይታ ጐይተት ኣመስግንዎ።
4ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ነቲ በይኑ ዓብዪ ተኣምራት ዝገበረ፡
5ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ነቲ በእምሮ ንሰማያት ዝገበረ፡
6ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ነቲ ንምድሪ ኣብ ልዕሊ ማያት ዝዘርግሓ፡
7ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ነቲ ዓበይቲ ብርሃናት ዝገበረ፡
8ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ንጸሓይ ብመዓልቲ ዘሰልጠነ፡
9ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ንወርሕን ከዋኽብትን ብለይቲ ዘሰልጠነ፡
10ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ነቲ ንግብጺ ብበዅሮም ዝወቕዐ፡
11ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ንእስራኤል ከኣ ካብ ማእከሎም ዘውጽአ፡
12ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ብብርቱዕ ኢድን ብዝርጉሕ ቅልጽምን፡
13ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ነቲ ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ክልተ ዝመቐለ፡
14ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ንእስራኤል ከኣ ብማእከላ ዘሕለፈ፡
15ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ንፈርኦንን ሰራዊቱን ድማ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ዘጥሓለ፡
16ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ነቲ ንህዝቡ ብበረኻ ኣቢሉ ዝመርሐ፡
17ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ነቲ ንዓበይቲ ነገስታት ዝወቕዖም፡
18ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ንስልጡናት ነገስታት ከኣ ዝቐተለ፡
19ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ንሲሆን፡ ንጉስ ኣሞራውያን፡
20ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ንኦግ ንጉስ ባሳን ድማ፡
21ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ምድሮምውን ንርስቲ ዝሃበ፡
22ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ንእስራኤል ባርያኡ ዘረስተየ፡
23ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
እቲ ኣብ ውርደትና ዝዘከረና፡
24ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ካብ መጥቃዕትና ኸኣ ዘናገፈና፡
25ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
እቲ ንዅሉ ስጋ ዝምግብ፡
26ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስግንዎ።
መበል 137 መዝሙር።
1ኣብ ጥቓ ርባታት ባቢሎን ተቐመጥና፡
ንጽዮን ምስ ዘከርና በኸና።
2መሰንቆታትና ኣብቲ ኣብኣ ዘሎ ዕቦላት ሰቐልና።
3እቶም ዝማረኹና ናይ መዝሙር ቃላት ካባና ደለዩ፡
እቶም ሰቀይትናውን፡ ሓደ መዝሙር ጽዮን ዘምሩልና፡
እናበሉ ኽንሕጐስ ለመኑና።
4ከመይ ጌርና እሞ መዝሙር እግዚኣብሄር
ኣብ ምድሪ ጓና ኽንዝምር፡
5የሩሳሌመየ፡ እንተ ረሲዐክስ፡ የማነይቲ ኢደይ ትረስዓኒ።
6እንተ ዘይዘኪረኪ፡
ንየሩሳሌም ከኣ ሓለፋ ዅሉ ሓጐሰይ እንተ ዘይገይረያስ፡
መልሓሰይ ኣብ ትንሓገይ ትጣበቕ።
7ዎ እግዚኣብሄር፡ ነቶም፡ ኣፍርሱ፡
ክሳዕ መሰረታ ኣፍርስዋ፡
ዝበሉ ደቂ ኤዶም ብመዓልቲ የሩሳሌም ዘክሮም።
8ኣቲ ኽትዓንዊ ዘሎኪ ጓል ባቢሎን፡
ሕነ እቲ ዝገበርክና ዝፈድየኪ ምስጉን እዩ።
9ንሕጻናትኪ ሒዙ ኣብ ከውሒ ዝጭፍልቖም ምስጉን እዩ።
መበል 138 መዝሙር።
ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ብምሉእ ልበይ አመስግነካ፡
ኣብ ቅድሚ ኣማልኽቲ ምስጋናኻ እዝምር።
2ንቓልካ ሓለፋ ዅሉ ስምካ ኣዕቢኻዮ ኢኻ እሞ፡
ናብ ቅዱስ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ፡
ንስምካውን ስለ ሳህልኻን ሓቅኻን ኢለ ኸመስግኖ እየ።
3በታ ዝጸዋዕኩላ መዓልቲ መለስካለይ፡
ኣትባዕካኒ፡ ንነፍሰይ ኣበርታዕካያ።
4ጐይታየ፡ ኵሎም ነገስታት ምድሪ፡
ቃላት ኣፍካ ሰሚዖም፡ ከመስግኑኻ እዮም።
5ክብሪ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ፡
ብዛዕባ መገድታት እግዚኣብሄር ክዝምሩ እዮም።
6እግዚኣብሄር ልዑል እዩ እሞ፡ ንትሑት ይርእዮ፡
ንዕቡይውን ካብ ርሑቕ የለልዮ።
7ብማእከል መከራ እኳ እንተ ኸድኩ፡
ንስኻ ህያው ትገብረኒ፡
ኢድካ ኣብ ኵራ ጸላእተይ ትዝርግሕ፡
የማነይቲ ኢድካውን ተድሕነኒ።
8እግዚኣብሄር ክፍጽመለይ እዩ፡
ጐይታየ፡ ጸጋኻ ንዘለኣለም ይነብር፡
ንተግባር ኣእዳውካ ኣይትሕደጎ።
መበል 139 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ጐይታየ፡ ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒውን።
2ንምቕማጠይን ምትንሳኤይን ትፈልጦ፡
ንሓሳበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ።
3-4ጐይታየ፡ ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሰይ ከየላስ፡
እንሆ፡ ኵሉ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡
ምኻደይን ምድቃሰይን ትምርምር፡
ንብዘሎ መገደይውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ።
5ብድሕሪትን ብቕድሚትን ከበብካኒ፡
ኢድካውን ኣንበርካለይ።
6እዚ ፍልጠት እዚ ኣዝዩ ይገርመኒ፡
ልዑል እዩ፡ ከርክቦ ኣይክእልን።
7ካብ መንፈስካ ናበይ ክኸይድ፡
ካብ ገጽካስ ናበይ ክሃድም እየ፧
8ንሰማይ እንተ ደይብኩ፡ ንስኻ ኣብኡ ኣሎኻ፡
መንጸፈይ ኣብ ሲኦል እንተ ኣንጸፍኩ፡
እንሆ፡ ንስኻ ኣብኡ ኢኻ።
9ኣኽናፍ ወጋሕታ እንተ ወሰድኩ፡
ኣብ ወሰን ባሕሪ እንተ ተቐመጥኩ፡
10ኣብኡ ኸኣ ኢድካ ኽትመርሓኒ፡
የማነይቲ ኢድካውን ክትሕዘኒ እያ።
11ጸልማት ይኸውለኒ፡
ኣብ ዙርያይ ዘሎ ብርሃን ከኣ ለይቲ ይኹን፡ እንተ በልኩ፡
12ንኣኻስ ጸልማት እኳ ኣይጽልምተካን፡
ለይቲ ኸኣ ከም መዓልቲ ትበርህ፡
ጸልማትን ብርሃንን ንኣኻ ሓደ እዮም።
13ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፡
ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ፡
14መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፡
ከማስወካ እየ፡
ግብርታትካ መስተንክር እዩ፡
ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ።
15ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፡
ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተኣለምኩ፡
ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻን።
16ኣዒንትኻ፡ ድቂ ኸሎኹ፡ ረኣያኒ፡
እተን ምዱባት መዓልትታተይ፡ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፡
ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ።
17ዎ ኣምላኽ፡ ሓሳባትካ ንኣይ ክንደይ ክቡር እዩ፡
ቁጽሩስ ክንደይ ዓብዪ እዩ።
18እንተ ቘጸርክዎ፡ ካብ ሑጻ ይበዝሕ፡
እንተ ነቓሕኩ፡ ገና ምሳኻ እየ።
19ዎ ኣምላኽ ንረሲእ ኰታ እንተትቐትሎ፡
ኣቱም ደመኛታት፡ ካባይ ርሓቑ።
20ስምካ ብተንኰል ይሰምዩ፡
ጸላእትኻ ከንቱ ይዛረቡ።
21ዎ እግዚኣብሄር፡ ነቶም ጸላእትኻዶ ኣይጽልኣዮም፧
ነቶም ዚትንስኡኻስ ኣይፈንፍኖም፧
22ፍጹም ጽልኢ እጸልኦም፡
ጸላእተይ እዮም።
23ዎ ኣምላኽ፡ መርምረኒ፡
ልበይ ከኣ ፍለጥ፡
ፈትነኒ፡ ሓሳበይውን ፍለጥ።
24መገዲ ዓመጻ እንተ ኣልዩኒ፡ ርኤ፡
ኣብቲ ናይ ዘለኣለም መገዲ ምርሓኒ።
መበል 140 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1-2ዎ እግዚኣብሄር፡ ካብቲ እኩይ ሰብ፡
ካብቲ ዓመጸኛ ሰብ ኣናግፈኒ፡
ካብቶም ብልቦም እከይ ዝህቅኑ፡
ኵሉ መዓልቲውን ውግእ ዘልዕሉ ሓልወኒ።
3መልሓሶም ከም ኣትማን የብልሑ፡
ብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ ኣፍዑት ኣሎ። ሴላ።
4ዎ እግዚኣብሄር፡ ካብ ኣእዳው ረሲእ ባልሃኒ፡
ካብ ዓመጸኛ ሰብ፡
ካብቶም ንስጒምተይ ክሕንኵሉ ዝህቅኑ ሓልወኒ።
5ዕቡያት መፈንጠራን ገመድን ሓብኡለይ፡
ኣብ ጥቓ መገዲ መርበብ ዘርግሑ፡
መድፈና ኣጻወዱለይ። ሴላ።
6ንእግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፡ በልክዎ፡
ዎ እግዚኣብሄር፡ ንድምጺ ምህለላይ ጽን በሎ።
7ዎ እግዚኣብሄር፡ ጐይታይ፡ ሓይሊ ምድሓነይ፡
ብመዓልቲ ውግእ ንርእሰይ ትጋርዳ።
8ዎ እግዚኣብሄር፡ ከይዕበዩስ፡
ንረሲእ ትምኒቱ ኣይትፈጽመሉ፡
ሃቐናኡ ኣይተስልጠሉ። ሴላ።
9እቶም ዝኸቡንስ እከይ ከናፍሮም ኣብ ርእሶም ይምጻእ።
10ጒሁር ፈሓም ይውደቆም፡
ናብ ሓዊ፡ ናብቲ ዘይወጹሉ ዓሚቑ ጒድጓድ ይደርበዮ።
11ወስላታ መልሓስ ዘለዎ ኣብ ሃገር ኣይክቐውምን፡
ንገፋዒ፡ ክሳዕ ዝወድቕ፡ እከይ ክሃድኖ እዩ።
12እግዚኣብሄርሲ ፍትሒ ንጭኑቓት፡
ቅንዕና ኸኣ ንድኻታት ከም ዝገብረሎም፡ እፈልጥ እየ።
13ብርግጽ፡ ጻድቃን ንስምካ ኽማስዉ፡
ቅኑዓት ኣብ ቅድሜኻ ኽነብሩ እዮም።
መበል 141 መዝሙር።
ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ጐይታየ፡ ናባኻ አእዊ ኣሎኹ፡ ቀልጢፍካ ምጸኒ፡
ክጽውዓካ ኸሎኹ ንድምጸይን ጽን በሎ።
2ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዕጣን፡
ምልዓል ኢደይ ከም መስዋእቲ ምሸት ይኹን።
3ጐይታየ፡ ንኣፈይ ቀፊር ግበረሉ፡ደገ ኸናፍረይ ሓሉ።
4ምስ ገበርቲ እከይ ረሲእነት ከይገብርሲ፡
ንልበይ ናብ ክፍኣት ኣይተዘምብሎ፡
ኣነውን ካብቲ ጥዑም ብልዖም ኣይብላዕ።
5ጻድቕ ይውቅዓኒ፡ ለውሃት እዩ፡ ይዝለፈኒ፡
ዘይቲ ርእሲ እዩ፡ ርእሰይ ኣይእበዮ፡
ጸሎተይ ገና ብእከዮም እዩ።
6ፈረድቶም ብገደል ምስ ጸደፉ፡
ቃላተይ ጥዑም ምዃኑ ኽሰምዑ እዮም።
7ከምቲ ሰብ ንምድሪ ዝትልሞን ዝሓርሶን፡
ኣዕጽምትና ኸምኡ ኣብ ኣፍ ሲኦል ተበተነ።
8ዎ እግዚኣብሄር፡ ጐይታየ፡ ኣዒንተይ ናባኻ እየን፡
ኣባኻ እውከል ኣሎኹ፡ ንነፍሰይ ኣይትኽዓዋ።
9ካብቲ ዘጻውዱለይ መጻወድያን
ካብ መፈንጠራ ገበርቲ እከይን ሓልወኒ።
10ኣነ ኽሓልፍ ከሎኹስ፡
ረሲኣን ኣብ መጻወድያኦም ይውደቑ።
መበል 142 መዝሙር።
ናይ ዳዊት መስኪል፡ ኣብ በዓቲ ኾይኑ ዝጸለዮ ጸሎት።
1ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር አእዊ፡
ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር እምህለል ኣሎኹ።
2ጓህየይ ኣብ ቅድሚኡ እኽዑ፡
ሽጋረይ ኣብ ቅድሚኡ እነግር።
3መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ማህመነ፡ መገደይ ፈለጥካ፡
ኣብታ ዝሓልፋ መገዲ መፈንጠራ ሓብኡለይ።
4ኣብ የማን ጠምት እሞ ርኤ፡
ዝፈልጠኒ የልቦን፡ መዕቈቢ ሰኣንኩ፡
ንነፍሰይ ግዲ ዝገብረላ የልቦን።
5ዎ እግዚኣብሄር፡ ናባኻ ኣእወኹ፡
ንስኻ መዕቈብየይ፡ ኣብ ምድሪ ህያዋን ግደይ ኢኻ።
6ኣብ ብዙሕ መከራ እየ ዘሎኹ እሞ፡ ኣውያተይ ስማዕ፡
ሓይሎምኒ እዮም እሞ፡ ካብ ሰጐጒተይ ኣናግፈኒ።
7ንስምካ ኸማሱስ፡ ንነፍሰይ ካብ ማእሰርቲ ኣውጽኣያ፡
ሰናይ ክትገብረለይ ኢኻ እሞ፡
ጻድቃን ክኸቡኒ እዮም።
መበል 143 መዝሙር።
ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ጐይታየ፡ ጸሎተይ ስማዕ፡ ንምህለላይ ጽን በሎ፡
ብሓቅኻን ብጽድቅኻን ምለሰለይ።
2ህያው ዘበለ ኣብ ቅድሜኻስ ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን እሞ፡
ምስ ባርያኻ ኣብ ፍርዲ ኣይትእቶ።
3ጸላኢ ንነፍሰይ ይሰጓ፡
ንህይወተይ ናብ ምድሪ ይድርብያ፡
ከምቶም ቀደም ዝሞቱ ኣብ ጸልማት የንብረኒ ኣሎ።
4መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ ይደክም፡
ልበይ ኣብ ውሽጠይ ይስምብድ ኣሎ።
5ናይ ቀደም መዓልትታት እዝክር፡
ኵሉ ተግባርካ አስተንትን፡
ግብሪ ኣእዳውካ እሓስብ ኣሎኹ።
6ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ፡
ነፍሰይ ከም ደረቕ ምድሪ ትጸምኣካ ኣላ። ሴላ።
7ዎ እግዚኣብሄር፡ መንፈሰይ ደኺሙ እዩ እሞ፡
ቀልጢፍካ ምለሰለይ፡
ነቶም ኣብ ጒድጓድ ዝወረዱ ኸይመስልሲ፡
ገጽካ ኣይትኸውለለይ።
8ብኣኻ እውከል ኣሎኹ እሞ፡
ኣንጊህካ ሳህልኻ ኣስምዓኒ፡
ነፍሰይ ናባኻ አልዕል ኣሎኹ እሞ፡
እታ ዝኸዳ መገዲ ኣፍልጠኒ።
9ዎ እግዚኣብሄር፡ ዕቑባኻ እየ፡
ካብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ።
10ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ ምግባር ፍቓድካ ምሃረኒ፡
ሰናይ መንፈስካ ብቕኑዕ መገዲ ይምርሓኒ።
11ዎ እግዚኣብሄር፡ ስለ ስምካ ኢልካ ብህይወት ኣንብረኒ፡
ብጽድቅኻ ንነፍሰይ ካብ ጸበባ ኣውጽኣያ።
12ኣነ ባርያኻ እየ እሞ፡ ብሳህልኻ ንጸላእተይ ኣጽንቶም፡
ነቶም ንነፍሰይ ዘጽብቡላ ዅሎም ከኣ ኣጥፍኣዮም።
መበል 144 መዝሙር።
ናይ ዳዊት ።
1እግዚኣብሄር እምባይ፡ ነእዳወይ ውግእ፡
ነጻብዐይ ድማ ሰልፊ ዝመሃረ፡ ይባረኽ።
2ጸጋይ፡ ዕርደይ፡ እምባይ፡ መድሓንየይ፡
ዋልታይ፡ እቲ ዝውከሎ፡
ንህዝበይ ዘግዝኣለይ ንስኻ ኢኻ።
3ዎ እግዚኣብሄር፡ ሰብ እንታይ እዩ እትፈልጦ፧
ወዲ ሰብከ እንታይ እዩ እትዝክሮ፧
4ሰብ ንትንፋስ ይመስል፡
መዓልትታቱ ኸም ዝሓልፍ ጽላሎት እየን።
5ዎ እግዚኣብሄር፡ ሰማያትካ ለጠቕ ኣቢልካ ውረድ፡
ነኽራን ተንክዮ እሞ፡ ክተክኽ።
6መባርቕ ኣባርቕ እሞ፡ በትኖም፡
ፍላጻታትካ ወርዊርካ ኣሸብሮም።
7ኣእዳውካ ኻብ ላዕሊ ዘርግሕ፡
ካብ ብርቱዕ ማያት፡ ካብ ኢድ ውሉድ ጓና ኣናግፈኒ።
8ካብቶም ኣፎም ጥልመት ዝዛረቡ፡
የማነይቲ ኢዶም ከኣ የማነይቲ ሓሶት ዝዀነት ባልሃኒ።
9ዎ ኣምላኽ፡ ሓድሽ መዝሙር እዝምረልካ፡
ዓሰርተ ብዘውታሩ በገና እውድሰካ ኣሎኹ።
10ንነገስታት ዲል ዝሃብካ፡
ንዳዊት ባርያኻ ኻብ ክፉእ ሰይፊ ዘድሓንካ ንስኻ ኢኻ።
11ካብ ኢድ ውሉድ ጓና፡ ኣፎም ጥልመት ዝዛረብ፡
የማነይቲ ኢዶም የማነይቲ ሓሶት ዝዀነት፡
ኣናግፈንን ባልሃንን።
12ኣወዳትና ብጒብዝናኦም ከም ነዋሕቲ ኣትክልቲ ይኹኑ፡
ኣዋልድና ኸም ኣተሃናንጻ ኣዳራሽ
እተወቕረ ኣዕኑድ ኵርናዕ ይኹና፡
13መዓኽንና በብዓይነቱ እኽሊ ይምላእ፡
ኣባጊዕና ኣብ መሮርና ኣሽሓትን ኣእላፋትን ይውለዳ፡
14ኣብዑርና ኣጸቢቖም ይመንጒዱ፡
ኣብ ኣደባባያትናስ፡
ምጥሓስን ምህዳምን ኣውያትን ኣይኹን።
15ከምዚ ዝረክብ ህዝቢ ብጹእ እዩ፡
እቲ እግዚኣብሄር ዝኣምላኹ ህዝቢ ብጹእ እዩ።
መበል 145 መዝሙር።
ናይ ዳዊት መዝሙር ምስጋና።
1ዎ ኣምላኸይ፡ ንጉሰይ፡ ልዕል ከብለካ፡
ስምካውን ንዘለኣለም ኣለም ክባርኽ እየ።
2ኵሉ መዓልቲ ኽባርኸካ፡
ስምካውን ንዘለኣለመ ኣለም ክውድስ እየ።
3እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ፡ ምስጋና ይግብኦ፡
ዕብየቱ ዘይተመርማሪ እዩ።
4ካብ ወልዶ ንወለዶ ግብርታትካ ይንእዱ፡
ስልጡን ተግባርካውን የውርዩ።
5ንኽቡር ጌጽ ግርማኻን ንመስተንክር ግብርታትካን
ከስተንትን እየ።
6ብዛዕባ ሓይሊ እቲ ዘፍርህ ግብርታትካ ኽዛረቡ እዮም፡
ኣነውን ዕቤትካ ኸዘንቱ እየ።
7መዘከርታ ዓብዪ ሳህልኻ ኸውርዩ፡
ብጽድቅኻውን እልል ክብሉ እዮም።
8እግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን እዩ፡
ዓቃልን ብሳህሊ ዓብይን እዩ።
9እግዚኣብሄር ንዅሉ ሰናይ እዩ፡
ርሕራሐኡ ኸኣ ኣብ ኵሉ ግብርታቱ እዩ።
10ዎ እግዚኣብሄር፡ ኵሉ ግብርታትካ ኸማስወካ፡
ቅዱሳንካውን ክባርኹኻ እዮም።
11-12ግብርታት ሓይልኻን ክቡር ግርማ መንግስትኻን
ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኸፍልጡ፡
ክብሪ መንግስትኻ ኽዛረቡ፡
ስልጣንካውን ክነግሩ እዮም።
13መንግስትኻ መንግስቲ ዘለኣለም እያ፡
ግዝኣትካ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።
14እግዚኣብሄር ነቶም ዝወድቁ ዅሎም ይድግፎም፡
ነቶም ለጠቕ ዝብሉ ዅሎም የልዕሎም።
15ኣዒንቲ ዅሎም ንኣኻ ይጽበያ፡
ንስኻውን በብግዜኡ ምግቦም ትህቦም።
16ኢድካ ትኸፍት እሞ፡
ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ።
17እግዚኣብሄር ብዅሉ መገዱ ጻድቕ እዩ፡
ብዅሉ ግብሩውን ሕያዋይ እዩ።
18እግዚኣብሄር ንዝጽውዕዎ ዅሎም፡
ብሓቂ ንዝጽውዕዎ ዅሎም ቀረባኦም እዩ።
19ፍቓድ እቶም ዝፈርህዎ ይፍጽም፡
ኣውያቶም ይሰምዕ የድሕኖም ከኣ።
20እግዚኣብሄር ንዘፍቅርዎ ዅሎም ይሕልዎም፡
ንዅሎም ረሲኣን ግና የጥፍኦም።
21ኣፈይ ምስጋና እግዚኣብሄር ይዛረብ፡
ኵሉ ስጋ ኸኣ ንቕዱስ ስሙ ንዘለኣለም ኣለም ይባርኾ።
መበል 146 መዝሙር።
1ሃሌሉያ።
ነፍሰየ፡ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኒ።
2ብህይወተይ ከሎኹ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ፡
ክሳዕ ዘሎኹ ንኣምላኸይ ክውድሶ እየ።
3ብመሳንፍቲ፡በቲ ኽረድእ ዘይከኣሎ
ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ።
4ትንፋሱ ይወጽእ፡ ናብ መሬት ይምለስ፡
በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ።
5ኣምላኽ ያእቆብ ዝረዲኤቱ፡
ተስፋኡ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝገበረ ሰብ
ብጹእ እዩ።
6ንሰማይን ምድርን፡ ንባሕርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ዝገበረ፡
ንሓቂ ኽሳዕ ዘለኣለም ዝሕሉ፡
7ንጥቑዓት ፍትሒ ዘውጽኣሎም፡
ንጥሙያት እንጌራ ዝህቦም ንሱ እዩ፡
እግዚኣብሄር ንእሱራት ይፈትሖም።
8እግዚኣብሄር ነዒንቲ ዕውራት ይኸፍተን፡
እግዚኣብሄር ንዝደነኑ የቕንዖም፡
እግዚኣብሄር ንጻድቃን የፍቅሮም፡
9እግዚኣብሄር ንስደተኛታት የዕቁቦም፡
እግዚኣብሄር ንዘኽታምን መበለትን ይኣልዮም፡
ንመገዲ ረሲኣን ግና ይጠዋውያ።
10እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይነግስ፡
ዎ ጽዮን፡ ኣምላኽኪ ንውሉድ ወለዶ ይነግስ።
ሃሌሉያ።
መበል 147 መዝሙር።
1ሃሌሉያ።
ንኣምላኽና ብመዝሙር ምውዳስ ሰናይ እዩ፡
ጥዑም እዩ እሞ፡ ምስጋና ይግባእ።
2እግዚኣብሄር ንየሩሳሌም ይሃንጽ፡
ንስዱዳት እስራኤል ይእክብ ኣሎ።
3ንልቦም እተሰብሩ ይፍውስ፡ ነቑሳሎም ይዘንን።
4ቁጽሪ ኸዋኽብቲ ይቘጽር፡
ንዅላቶም በብስሞም ይሰምዮም።
5ጐይታና ዓብዪ እዩ፡ ሓይሉ ብርቱዕ እዩ፡
ምስትውዓሉ ወሰን የብሉን።
6እግዚኣብሄር ንትሑታት ይድግፎም፡
ንረሲኣን ግና ኣብ ምድሪ የውድቖም።
7ንእግዚኣብሄር ብምምሳው ዘምሩሉ፡
ንኣምላኽና ውዳሴ ብመሰንቆ ዘምሩሉ።
8ነቲ ንሰማያት ብደበና ዘጐልብብ፡
ንምድሪ ዝናም ዘዳሉ፡ ናብ ኣኽራን ሳዕሪ ዘብቁል፡
9ነቲ ንእንስሳን ንዝምህለሉ ጨጫዊት ኳዃትን
ዝምግብ ዘምሩሉ፡
10ንሓይሊ ፈረስ ኣይብህጎን፡ በእጋር ሰብ ኣይሕጐስን፡
1እግዚኣብሄር በቶም ዝፈርህዎ፡
ንጸጋኡውን ዝጽበዩ ይሕጐስ።
12-13መሃርሃር መዓጹኺ ኣጽኒዑ፡
ንደቅኺ ኣብ ማእከልኪ ባሪኽዎም እዩ እሞ፡
ዎ የሩሳሌም፡ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኒ፡
ዎ ጽዮን፡ ንኣምላኽኪ ወድሲ።
14ኣብ ወሰናትኪ ሰላም ይገብር።
ብስብሒ ስርናይ የጽግበኪ።
15ትእዛዙ ናብ ምድሪ ይሰድድ፡ ቃሉ ቐልጢፉ ይጐዪ።
16ንበረድ ከም ጸምሪ ይህብ፡
ንኣስሓይታ ኸም ሓመዅስቲ ይብትኖ።
17ንበረዱ ኸም ርፍራፍ ይድርብዮ፡
ኣብ ቅድሚ ቑሩኸ መን ይቐውም፧
18ቃሉ ይሰድድ እሞ የምክኾ፡
ንፋሱ የንፍስ እሞ ማያት ይውሕዙ።
19ቃሉ ንያእቆብ፡
ስርዓታቱን ፍርድታቱን ንእስራኤል ነገረ።
20ንኻልኦት ኣህዛብ ከምዚ ከቶ ኣይገበረሎምን፡
ፍርድታቱ ኸኣ ኣይፈለጡን።
ሃሌሉያ።
መበል 148 መዝሙር።
1ሃሌሉያ።
እግዚኣብሄር ካብ ሰማያት ኣመስግንዎ፡
ኣብ ኣርያም ኣመስግንዎ።
2ኵሉኹም መላእኽቱ፡ ኣመስግንዎ፡
ብዘሎኹም ሰራዊቱ፡ ኣመስግንዎ።
3ኣትን ጸሓይን ወርሕን፡ ኣመስግናኦ፡
ኣቱም ብሩሃት ከዋኽብቲ፡ ኣመስግንዎ።
4ኣቱም ናይ ሰማየ ሰማያትን
ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዘሎኹም ማያትን፡ ኣመስግንዎ።
5ንሱ ኣዚዙ፡ ተፈጢሮም እዮም እሞ፡
ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ።
6ንዘለኣለመ ኣለም ኣቘሞም፡ ዘይሓልፍ ሕጊ ኸኣ ሃቦም።
7ንእግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ኣመስግንዎ፡
ኣቱም ገበላት ባሕርን መዓሙቑን ኵልኹም፡
8ኣቱም ሓውን በረድን ኣስሓይታን ግመን
ቃሉ እተስልጥ ህቦብላን፡
9ኣቱም ኣኽራንን ኰረቢትን ኵልኹም፡
ፈረይቲ ኣእዋምን ጽሕድታትን ኵልኹም፡
10ኣራዊትን ኵላትኩም እንስሳን
ለመም እትብሉን ነፈርቲ ኣዕዋፍን፡
11ነገስታት ምድርን ኵላትኩም ኣህዛብን፡
መሳፍንትን ኵላትኩም ፈረድቲ ምድርን፡
12ኣጕባዝን ጐራዙትን፡ ዓበይቲ ምስ ናኣሽቱ።
13ስሙ በይኑ ልዑል እዩ፡
ግርማኡ ኣብ ልዕሊ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፡
ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ።
14ንህዝቡውን ቀርኒ ኣልዓለ፡
ስለዚ ዅሎም ቅዱሳኑ፡ ደቂ እስራኤል፡
እቲ ዝቐርቦ ህዝቢ፡የመስግኖ ኣሎ።
ሃሌሉያ።
መበል 149 መዝሙር።
1ሃሌሉያ።
ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር፡
ምስጋናኡ ኸኣ ኣብ ማሕበር ቅዱሳን ዘምሩ።
2እስራኤል ብፈጣሪኡ ይተሓጐስ፡
ደቂ ጽዮን ብንጉሶም እልል ይበሉ።
3ንስሙ ብሳዕሳዒት የመስግንዎ፡
ብኸበሮን በገናን ይዘምሩሉ።
4እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሂግዎም እዩ እሞ፡
ንትሑታት ብምድሓን ይስልሞም።
5ቅዱሳን ብኽብሪ ይተሓጐሱ፡
ኣብ መደቀሲኦም እልል ይበሉ።
6-9ንሳቶም ኣብ ኣህዛብ ሕነ ንምፍዳይ፡
ህዝብታት ከኣ ንምቕጻዕ፡
ንነገስታቶም ብሰንሰለት፡
ንኽቡራቶም ብመቑሕ ሓጺን ንምእሳር፡
ነቲ ጽሑፍ ፍርዲ ኣብኣቶም ክፍጽምዎስ፡
ምስጋና እግዚኣብሄር ኣብ ጐረሮኦም፡
ክልተ ዝኣፉ ሰይፊውን ኣብ ኢዶም ይኹን።
እዚ ንዅሎም ቅዱሳኑ ኽብሪ እዩ።
ሃሌሉያ።
መበል 150 መዝሙር።
1ሃሌሉያ።
ንኣምላኽ ኣብ መቕደሱ ኣመስግንዎ፡
ኣብ ጠፈር ስልጣኑ ኣመስግንዎ፡
2ስለቲ ግብርታት ሓይሉ ኣመስግንዎ።
ከም ብዝሒ ዕቤቱ ኣመስግንዎ።
3ብድምጺ መለኸት ኣመስግንዎ፡
ብበገናን መሰንቆን ኣመስግንዎ፡
4ብኸበሮን ብሳዕስዒትን ኣመስግንዎ፡
ብቓና ኣውታርን እምብልታን ኣመስግንዎ።
5ጭልጭል ብዝብል ጸናጽል ኣመስግንዎ፡
ብጥዑም ዝደሃዩ ጸናጽል ኣመስግንዎ።
6ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ።
ሃሌሉያ።